ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ናይ ክተት ትእዛዝ ከም ዝወጺኡ

2025-02-21 20:35:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 381 times

ኣብ ኤርትራ ኩለን ዞባዊ ምምሕዳኣራት፡ ክሳብ ደቂ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ንወተሃደራዊ ዳግመ-ስልጠናን ልምምድን መዝጊበን ከዳልዋን ዘድሊ ምልዕዓል ክገብራን ከም ዝተኣዘዛ“ሓልዮት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ (Human Right Concern Eritrea” ዝተባህለ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ሰብኣዊ ትካል፡ ብ18 ለካቲት 2025 ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ክተት ዝተጣየሱ ወተሃደራት ነበርን ኣቐዲሞም ብፍሉይ ምምሕዳራዊ ምኽንያታት ካብ ውትህድርና ንክወጹ ውሕስነት ረኺቦም ኣብ ተጠባበቕቲ ተመዝጊቦም ዝነበሩን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓዳር መስሪተን ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ኣካልቲ ክተት ምዃነን ተጠቒሱ።

በቲ ናብተን ዞባዊ ምምሕዳራት ተመሓላሊፉ ዝተባህለ ትእዛዝ መሰረት፡  ንግዱድ ውትህድርናን ምድራት ምንቅስቓስን ዝምልከቱ መምርሕታት፡ መሰረት ብምግባር፡ ዝኾነ ወዲ 50 ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝዕድሚኡን ዜጋ ካብ ሃገር ከይወጽእ ከም ዝኽልክል እውን ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዞባዊ ምምሕዳራት ድሮ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ።

እዚ ሓድሽ ትእዛዝ፡ ምስ ጐረቤት ኢትዮጵያ ከይካየድ ምስ ዘስግእ ዘሎ ውግእ ምትሕሓዝ ኣለዎ ብዝብል፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓሚቕ ስንባደ ፈጢሩ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ። እቲ ሰብኣዊ ትካል ኣተሓሒዙ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዋንነት ወደብ ዓሰብ ተቕርቦ ዘላ ሕቶን ኣብ ግዜ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ ግጉይ  ካርታ ኣፍሪቃን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዶም ናብ ውግእ ከይወስድዎ ስግኣት ከም ዘሕደረ ኣብቲ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ኤርትራዊ ሰብኣዊ ትካል፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ 2020-2022 ዝተኻየደ ውግእ ብምስታፋ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረደ ብምጥቃስ ናይቲ ውግእ ግዳያት መርድእ ከይተነግረ ካልእ ናብ ውግእ ዝወስድ ሻቕሎት ምፍጣሩ፡ ኣብቲ ህዝቢ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ከቢድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዝምልከተን ሃገራትን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ  ተጽዕኖ ከሕድራ እቲ ትካል ጸዊዑ። ብፍላይ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣድላይነት ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ከረደኣ ክኽእል በቲ ዘውጸኦ ሓበሬታ ኣዘኻኪሩ።

Last modified on Friday, 21 February 2025 21:40