ወርሒ መስከረም ብኹሉ መኣዝና ምስ እንምልከታ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ወርሒ ለውጥን ተስፋን ሕመረት ታሪኽናን ነጥበ-መቐይሮን እያ እንተበልና ኣይተጋገናን።

ምኽንያቱ፡

1 - መጀምርያ ዓመት ኮይና ካብ ጸልማት ክረምቲ ናብ ብርሃን ሓጋይ እንሰጋገረላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፤

2 - ስእነትን ጥምየትን ኣፋኒና ናብ ጽጋብን ራህዋን እንኣትወላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፤

3 - ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክፉእ መግዛእታዊ ጭቆናን ዘስዓቦ ስንብራትን ብዕምቈት ኣለሊና ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝወሰንናላ ዕለት ስለ ዝኾነት‘ያ።

ሎሚ ኣብዛ መበል 58 ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ቃልስና እምበኣር፡ ነተን ኣብ ቍ 1ን 2ን ዘለዋ ከም ርዱእ ወሲደ፡ ናብዛ ክብርቲ መዓልቲ መስከረም 61 ዝምልከት ሓጺር መልእኽተይ ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ።

እዚ ከኣ፡ 1 - ስለምንታይ ክንቃለስ ተገዲድና?

2 - እንታይ ዕጥቂ ኔሩና እንታይከ ኣጋጢሙና?

3 - ከመይ ተሰጊሩ እንታይ ኣዐዊቱ?

4 - እንታይከ ተሪፉዎ?

5 - እንታይከ ክንገብር ይግበኣና? ኣብ ዝብል መግለጺ ከተኵር‘የ።

1 - ንቃልሲ ዝመረጽናሉ ምኽንያት፡ ዝተቐያየሩ ባዕዳዊ መግዛእቲ መሪሩናን ካብኡ ሓራ ንምውጻእን ክኸውን ከሎ፥ ነጻነትና ብሰላም ክወሃበና ሓቲትና ኣንጻር ድሌትና ስለ ዝተመለሰልና፡ ምርጫ ስኢንና ዝኣቶናዮ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝፈጠሮ ውሳኔ‘ዩ።

2 - ዕጥቂ ተሪር ሃገራዊ ፍቕሪ ዝወለዶ ኒሕ እምበር፡ ኣነ ኣለኹ ዝበለ ካብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ሓይሊ ኣይነበረን። መሳርያ እንተኾነ ንሃድን እኳ ዘይበቅዕ፡ ዝኣረገ ጓንዴ ምንባሩ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተገልጸ ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብሃልን።

3 - ከመይ ተሰጊሩ ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ ኣሽምባይ ምስ ኩሉ ዓቕሚ ዝወነነ ንሕስያ ዘይብሉ ባዕዳዊ ጸላኢ፡ ነቲ ባህርያዊ ሰርቢ ማይ ወይ ብርቱዕ ጸሓይ ዘዕቁብ በዓቲ ወይውን ዕሙር ጽላል ከይረኸብካ ንምስጋሩ ዘጸግም‘ዩ።

ሰውራ ኤርትራ ከኣ፡ ብታሕቲ ረመጽ ብላዕሊ ሓዊ ኣብ ዝተጻወደ ፈታኒ እዋን ምንባሩ፡ ንምርድኡ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ይኹን‘ምበር፡ ብሳላቶም ከም ወርቂ ብሓዊ ተጠቢሶም ዝሓለፉ ፍቱናትን ጽኑዓትን ዘርኣይዎ ብዋጋ ዘይትመን ኣስተዋጽኦን ተወፋይነትን፡ መላእ ህዝብና ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶን ጻዕርን ትንፋስ ሰዂዖም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣናብስ ተቐይሮም ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምርዓድ በቒዖም።

ንኣመዓባብላ ሰውራ ኤርትራን ተሳታፍነት ህዝብን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክግምገም ከሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘጋጠመ ፍልልያትን፡ ንሱ ዘስዓቦ ህልቂት መንእሰያትን እንተዘየጋጥም ኔሩ፡ ቃልስና ካብ 30 ዓመት መስዋእትና ድማ ካብቲ ዝኸፈልናዮ ብፍርቂ ክጐድል ከም ዝኽእል ዘይንፈላለየሉ ሓቂ‘ዩ። ይኹን‘ምበር ዝኸበደ ይኽበድ ዝጸንከረ ይጸንክር፡ ኣብ ቅድሚ መሰለይ ኢሉ ብቘራጽነት ዝተበገሰ ውጹዕ ዝጸንሕ ሓይሊ ከም ዘየሎን ዘይህሉን፡ ንዓለም ብዘስተምህር ደረጃ ተዓዊቱስ ልዑላዊት ሃገር ኣረጋጊጹ።

4 - እንታይ ተሪፉዎ? ኩሉ ከም ዝርድኦ፡ ብረታዊ ቃልሲ ሂወትካ ዝሓትት ንሕስያ ዘየብሉ ናይ ሞት ወይ ሂወት እምበር፡ ከም ቤት ትምህርቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓለፍካ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕካ፡ ብዲግሪ ተመሪቕካ፡ ሞያዊ ስልጣን እትበጽሓሉ ውሑስ ቦታ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝተሰለፈ እንታይ ፈጺመ እስዋእ እምበር፡ ኣበይ ተጸጊዐ ካብ ሞት አምልጥ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ውሽጢ ቃልስና ተሓቢኦም ውጽኢት ሰውራና ተቓጽዮም ክሰርቁ ዝሓልሙ ክህልዉ ይኽእሉ‘ዮም ኣብ ዝብል ግምት ከየድሃብና፡ ኩሉ ሃምናን ቀልብናን ኣንጻር መደበኛ ጸላኢና ጥራሕ‘ዩ ዝጠማጠም ኔሩ። እዚ ብክትሰምዖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በቶም ዝወዓልዎ ሰብ ቅያ‘ውን ንክትኣምኖ ዘጸግም መስርሕ ጅግንነትን፡ መዳርግቲ ዘየብሉ መስዋእቲ ብሉጻትን ዝመጸት ነጻነት፡ ባህግን ድሌትን በዓል ጻማ ዝኾነ ህዝባ ከተማልእ ብዘይምኽኣላ፡ ኣብ ጉዕዞና ከየጽረናዮ ዝኣቶና ክርዳድ ምንባሩ፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሎሚ ዘሳቕዩና ዘለዉ ጉድለታት‘ዩ።

5 - እዚ ጌጋ‘ዚ ከኣ፡ ኣብቲ እንታይ ክንገብር ይግበኣና? ዝብል ሕቶ ክንምለስ ይግድደና።

ከምቲ ኣብ ቍ.1 ናይዞም ተኸታተልቲ ሓሳባት ዝተጠቕሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሪር መግዛእትን በሰላታቱን ኣጽሊኡዎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ዝባኑ ቀንጢጡ ክጉሕፎን፡ ኣብ ቦታኡ ልዑላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ኣረጋጊጹ ከቢሩን ቀሲኑን ክነብር ብዝብል ዕላማ ካብ ተቓለሰ፡ ሎሚ ደኣ እንታይ ስለ ዝረኸበዩ ዘጣቕዕን ኣብ ሬሳታት ደቁ ዝስዕስዕን ዘሎ?

ኩነታትን መሰላትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክነጻጸር ከሎ፡ ምምሕዳር ባዕዲ ከም ዝሓይሽ፡ ዓለም ብምልእታ ትዛረበሉ ዘላ ብዝሒ ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ዘሎ ሓሳረ መከራን ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ‘ዩ።

እዚ ካብ ካልኣይ ወለዶ ዘይሓልፍ፡ ናይ 60 ዘይኣክል ዓመታት ዝተፈጸመ፡ ፈታውን ጸላእን ዘደነቖ ታሪኽ ጀጋኑ፡ ኣብነት ጽንዓትን ተወፋይነትን ከመይ ገይሩ ብከምዚ ሕጂ ዘሎ ሃለዋት ኣብ ህድማን ንዓይ  ይጥዓመንን እንታይ ገደሰንን ይልወጥ? ነዚ ንምምላስ እምበኣር፡ እንታይነትን ሕጋውነትን መሰረተ-ስነምግባር ሕብረተሰብና ተመሊስና ክንውከስን ክንሰርሕን መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ‘ዩ። ንሱ ከኣ እዚ ብብሔራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን ብዙሕነት ዝልለ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ኣኣውራጃኡን ምምሕዳሩን፡ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ‘ውን ከይተረፈ ኣድልዎ ብዝወገደ ጽፉፍ ሕጊ እንዳባ እንዳተመሓደረ፡ ብሃገር ደረጃ ተሪር ፍቕርን ምትእምማንን ዝወለዶ ሃገራዊ መንነት ከጥሪ ስለ ዝኽእል‘ዩ፡ ብሓባር ንነጻነት ተቓሊሱ ክዕወት ዝኸኣለ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እምበኣር ካብዚ ሃገራዊ ስነምግባር ስለ ዝጠፍአ እዩ ንሃገሩን ህዝቡን ይትረፍ፡ ንነብሱ ምቕጻል ሓርቢቱዎ ነፍሰ-ቅትለት ዝፍጽም ዘሎ። ስለዚ እምበኣር ወርሒ መስከረም፡ ነዚ ናይ ሎሚ ወሎዶ ባህርን ስነምግባርን ኣቦታቱ ክወርስን፡ ንዝተረኽበት ሃገራዊ ነጻነት ዓቂቡ ንቀጻልነታን ዕቤታን ሓቢሩ ክሰርሕን ልዑል ሓላፍነት ተሰክሞ።

ታሪኽ እኩብ ድምር ተረኽቦታት ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝደክምን ዝሕይልን ዝጐድልን ዝውስኽን እምበር፡ ኣብ ሓደ ዝተቐመጠ እምኒ ስለ ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ወለዶ ነታ ብዝርያ ዓለማት ዝተነፍገትና ነጻነት ኣምጺእና ከም ዝደለናያ ዘይክትከውን ትኽእል እያ።

እዛ ነጻነት እዚኣ‘ውን ህያብ ሰማእታት ንህሉዋት እያ። ኩሎም ህሉዋት ብሓፈሻ ወረስቲ ሕድሪ ዝኾኑ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ክዕቅብዋን ክሰርሑዋን ብሰላምን ቅሳነትን ክነብሩላን ዝኽእሉ ሃገር ክገብሩዋ ሓላፍነቶም ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ውድቀትን ዕንወትን ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

   

ወለዶታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ መድረኹ ሓልዩ እናተተኻኸአ ብቐጻሊ መስርሕ ዝሓልፍ እዩ። እቲ ዝኣረገ ብሓዲሽ  ክትካእ፥ እንከሎ ሓዲሽ ድማ ተራኡ በጺሑ ከም ዝኣርግ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይለውጢ ዝኸይድ መርስርሕ ስለ ዘየለ። መንእሰይ ነይሩ ይጉብዝ፥ ይዓቢ ይኣርግ-ብመንእሰይ ድማ ይትካእ። እቲ ዝትክእ ዘሎ መንእሰይ ድማ ከምኡ ይጉብዝ፥ ይዓቢ ይኣርግ እሞ እንደገና ብመንእሰይ ይትካእ። ኣብቲ ዘይተርፍ ብናቱ ሕጊ ዝግዛእ መስርሕ ኩሉ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመክሮ እናቐሰመ፥ ብግዲኡ ክሳብ ብሓዲሽ ዝትካእ ይቕጽል።

ደቂ ሰባት፡ ብዕድመ ዝፈላለዩሉ ከከም እቲ ኣፈጣጥርኦም እዩ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ዕድመ ፍልልይ ከም ናይ ቀንዲ መንቀሊ መፈላለዪ ጌርካ ክውሰድ ኣይከኣልን። ንኣብነት ኣብ መሓረስ ዝነብር ሕብረተሰብ፡ ኣብዑር ጸሚዱካ ንምሕራስ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሊዱ ኣብቲ መስርሕ ዝጸንሐ ተመኩሮ ከይወረሰ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ስለ ዝጎበዘ ጥራይ ነቲ ማሕረስ ክበቕዖ እዩ ምባል ዘይከውን ኢዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ንዓኡ ዝገዝእ ባህርያዊ ሕጊ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ኣብ መንጎ ነባር ሓዲሽን፡ ኣብ መንጉኡ ናይ ትማልን ናይ  ሎምን ዝፍጠር ምዕብልና፡ ነቲ ገዲምን ሓዲሽን ኣብ ኣተሓሳስባ ይኹን ኣብ ምህዞታት ወይ እውን ፍልጠት እናማዕበለ ስለ ዝኸይድ፡ እቲ ገዲምን ሓዲሽን ናይ ግድን እዩ ምትእስሳርን ምጽልላውን ክህልዎም።

በዚ መሰረት እቲ ዝፍጠር ፍልልይ ነቲ ምዕብልና ዘርከበሉን ዘየርከበሉን እዩ እምበር፡ ናብ ግርጭት ዘብጽሕ የብሉን።  ንኣብነት ቅድሚ ሞባይል ምትእትታዉን ድሕሪኡን ዘሎ ፍልልይ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ግን እቲ ፍልጠትን ምዕብልናን ካብቲ ዝነበረ ገዲም ተወራሪሱ ዝቐጸለ እዩ። ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ እዚ ሎሚ ብትራክተር ዝሕረስ ዘሎ ምስቲ  ቐዳሞት ወለድና በብዑር ክሓርሱ ከለዉ ዝነበረ ኩነታት እንታይ ዘገራጩ ኣለዎ? እንታይከ ዘካስስ ኣለዎ? ኩሉ በብመድረኹ ቅቡል እዩ። ሎሚ ኣብ ገዳይምን ሓደስትን ወይ እውን ዓበይትን መንእሰያትን ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ ስለምንታይ ይጋፋሕ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ እዩ።

እንታይከ እዩ ነቲ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ ዘጋፍሖ ክንመራመረሉን መፍትሒ ክንረኽበሉን የድሊ። ከምኡ እውን ብርግጽከ ናይ ፍልልይ ኣሎዶ? እንተልዩኸ እንታይ ይመስል? ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ በቶም ቅድመኻ ጸሓይ ዝረኣዩ ዝደለብዎ ተሞክሮ ንድሕሪት ገዲፍካ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይከኣልን እዩ። ብዝኾነ ግን ክልቲኡ ኣካላት ገዲምን ሓዲሽን ወለዶ ዘለዎም ድሌት ወይ ሃንቀውታ ሕደ እዩ። ክመሃሩ፥ ክሰርሑ፥ ክመስሉ፡ ነጻ ክኾኑ፡ ክብልጽጉ፥ ዋላ እኳ ብዕድመ፥ ናይ መነባብሮ ልምዲ ወይ ተመኩሮ ኣብ  ህይወቶም ዝከይድ ራኢን ዝፈላለ  እንተኾነ ካብ ሓድሕዶም ብዙሕ ክኸስቡ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ኣሎ። ብፖለቲካዊ መዳይ እንተርኢና እውን ነዚ ምልኪ ኣብ ምልጋስ ኣብ ዓበይትን መንእሰያትን ፍልልይ የሎን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል’ውን እቲ ድሌት ተመሳሳሊ እዩ።

እቲ ጸገም ምናልባት እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ገዳይምን ሓዲሽትን (ዓበይትን መንእሰያትን) ዘሎ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ፡ ጠንቁ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ዝዘርኦ መርዛም ፈልሲ ከይኮነ ኣይተ ርፍን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቅድም ዝነበረ ባህሊ፡ ልምድን ወግዕን ኻካልእ ስለዝተከኦ። ነቲ ዝነበረ ባህሊ፥ ልምድን፥ ወግዕን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ተመክሮ ከይቀስም፡ ናብ ሳዋ ወሲዱ ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ስለ ዘይካይድ። እዚ ሓድሽ ወለዶ (መንእሰይ) ወለዶ ብኽመይ ዝብለ ሞራልን፥ ቀጥዕን እዩ ተዀስኲሱ ንዝብል ምምርማር የድሊ። ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእትን ድሕሪ ናጽነትን ዝነበረ ኣተኣላልያ መንእሰይ፡ ገና ብዕሸሉ እንከሎ፥ እቲ ስርዓት ብዝደልዮ ኣስተምህሮ ዝቓንዮ እምበር መቐጸልታ ቀዳሞት ወለዱ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ መንእሰይ ብዘይምስትውዓል በቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ከምዝተጠቕዐን ከምዝተጎድአን ገይሩ ክመዝኖ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ቅድም ዝተሰደ ገዲም ኣብ ትምህርትን ካልእ መዳያትን ነብሱ ክኢሉ፡ ዝፈጥሮ ፍሉይ ስምዒት እውን እቲ ሃጓፍ ኣብ ምፍጣር ግደ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ንገዛእ ርእሱ ወሊዱን ዘሚዱን ደቁ ኣምሂሩን ሓብሒቡን፥ ንደቂ ካልኦት ክቃልስን ከሰልፍን ይጉስጉሱ። እዚ “ንደቆም ከሰልፉ ኣይደልዩን” ዝብል ኣተሓሳስባን  ገምጋምን ዝፍጠሮ ስምዒት ካልእ መረሓሓቒ ጸገም እዩ። ሳልሳይ እቲ ካብቲ ቃልሲ ተኣልዩ ዝጸንሐ ገዲም ወለዶ ነቶም ነቲ ቃልሲ ዝቐጸሉ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ፥ ፍልልያት ኣብ ምግፋሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናብቲ መንእሰይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ክኢሉ እዩ።

ስለዚ እዝን ወዲ ከምዝን ብዝፈተሮ ጸገም ገዲምን ሓዲሽን ወለዶታት  ፍልልያቶም ኣብ ምፍታሕ ክናበቡ ብዘይምኽኣል፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክብን፥ ኣተሓሳስባን ኣብ ስነ-ኣእምሮ እቶም መንእሰያት ዝፈጥሮ ጸገም ክህሉ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ብዓቢኡ ድማ እተን ዘለዋ ውድባት ወግሐ ጸብሐ ምፍንጫል ከይኣኽለን፡ ኣብ ንሕድሕደን ክወናጀላን ክካሰሳን፥ እቲ ስርዓት ነቲ ምውጣጥ ግርም ገይሩ ስለ ዝምዝምዞ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝፈጸሞ ገበን ተረሲዑ፡ እቲ ውድባትን ነባራት ተቓለስቱን ክኽሰሱ ፍትሓዊ ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዝኸበደን ሓደገኛን ጐስጓስ ግና፡ እቲ ስርዓት ብወይጦታቱ ኣቢሉ ዝዝርገሖ ናይ ሓሶት መናፍሕን፡ ቅድም ክብል ነቶም መንእሰያት ዘስነቖም ግጉይ ትምህርትን እዩ። እቲ መንእሰይ ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽን ተመኩሮ ቃልልስ ኣፍልጦ ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ነገር ልሙጽን ጥጡሕን ባይታ ዝነበሮ ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። እዚ ድማ ካብቲ እወንታዊ ነቲ ኣሉታዊ ብዝያዳ የጉልሖን ብኣኡ የማርርን። ከምኡ እውን እቶም መንእሰያት ነቲ ሽግር ናይቶም ገዳይም ስለዘይፈልጥዎ ነቲ ኩሉ ጉድለታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ነባራት ክጽጽፍዎ ይህንደዱ። እዚ ከኣ መንእሰያትና ተመሊሶም ኣብ ሚዛኖም ዳግመ-ግምት ክገብሩ ሓላፍነት ዘሰክሞም እዩ።

ሃገረ ኤርትራ - ናብ ኣቶ ሰመረ ርእሶም - ሚንስተር ትምህርቲ - ኣሥመራ።                                                                                                                                                         

 ኣሥመራ  04.09.2019  (፳፱ ነሓሰ ፳፻፲፩  ዓ. ም. )

ጕዳይ፦ ብመንግሥቲ ዝተወስደ ናይ ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርቲ

1.  ንሕና ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ንሃገርና ኮነ ንኵነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገርና ብዚርኢ፣ ምስ ኣካላት መንግሥቲ ተራኺብና ክንዛረብ ክንላዘብ ናይ ወትሩ መደብና ድሌትናን እዩ። እዚ መደብን ድሌትን ግን ብወገን መንግሥቲ ዝኾነ ግምት ኣይተዋህቦን። ምእንት’ዚ ሕጂ’ውን፡ ተቃውሞና ናብ ዚምልከቶ ኣካል መንግሥቲ ነቕርብ ኣሎና። ተቃውሞና ድማ ቤተክርስትያን ተልእኮኣ እትፍጸመሉ ናይ ሕክምናን ትምህርትን መጋበርታት፣ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋናት  መንግ-ሥቲ ብኢደ ወነኑ ናይ ንምውሳድ ንዝገበሮ ስጕምቲ ብዚርኢ እዩ።

2.  ኣብ ከተማ ኣሥመራ ዚርከብ መድኃኔ ዓለም 2 ደረጃ ቤትትምህርቲ ዘርአክህነት ብትእዛዝ መንግሥቲ ካብ ዚዕጾ ደጊም ዳርጋ ክልተ ዓመቱ መሊኡ፣ እዚ ቤትትምህርቲ’ዚ ካብ 1860 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እናተተኽለ፣ልዕሊ 100 ዓመት ዘቝጸረ፣ ማለት ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ትምህርቲ ቀለምን ትምህርት መንፈስን ኣላፊኑ ብምሃብ፣ ንቤተክር-ስትያንን ንሃገርን ዜገልግሉ መንእሰያት ዝዀስኰሰ ቤትትምህርቲ እዩ፣ከም’ዚ ዝበለ ርኡይኣበርክቶ ንዘለዎ ተቅዋም ምዕጻው፣ እሞ ከም ሃገርና ዝበለ ጽምኢ ትምህርቲ ኣብ ዘለዎ፣ ነዚ ውሳኔ’ዚ ምሃብ፣ ንተዓዛቢ ኾነ፡ ንሓታቲ ምላሽ ዘይተረኽበሉ ኣዝዩ ዘደንጹ ተግባር እዩ።

3.  ብድሕሪኡ ድማ ሾመንተ ዚኣኽላ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚካየዳ ማእከላት ጥዕና፣ፈጺሙ ተቐባልነት ብዘይብሉ ኣገባብ፣ ”ተደረብቲ” ብዚብል ምስምስ ናይ ምሕካም ተግባራተንከምዜቋርጻ ተገይሩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርኅ ድማ፣ ኣስታት 21 ዚኣኽላ ናእሽቱን ዓበይትን ክሊኒካትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ብሓይሊ ተሃጊረን፣ ንብረተንተወሲዱ። ሕጂ ኸኣ  እነሆ ትማሊ ብዕለት 03.09.2019 ላዕለዋይ ደረጃ ማለት ሠለስተ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓንቲ ምስ መባእታን ማእከላይን ደረጃ እትርከበን፣

1) መባእታን ማእከላይን ላዕለዋይ 2ን  ደረጃ ቤትትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ [ላ-ሳል] ከረን፣

2)ላዕለዋይ2ደረጃ  ቤትትምህርቲ ኣኅዋት ካፑቺኒ መንደፈራ፣

3) ማእከላይን ላዕለዋይ2ን  ደረጃ ቤትትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ፣ ባጽዕ[ምጽዋዕ] ከምዚዕጸዋ ወይ ከኣ ብመንግሥቲ ከም ዚውሰዳ ተገይሩ ኣሎ። ነዚ ብዚርኢ ግቡእ ቅኑዕን ተቓውሞና ነቕርብ።

4.  ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከምዝተገልጸ፣ ቤተክርስትያን ዝኾነ ሓሳብ እንከተቕርብ፣ መንነታን ተልእኮኣን ብምትንታን እያ እትጅምር።ከመይ እቲ እትብሎን እትኽተሎን መትከል ነቲ ተልእኮኣን መንነታን ስዒቡ ዚመጽእ እዩ። ቤተክርስትያን ኣደን መምህርን እያ። እቲ ተኻሊኣ ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ከም’ቲ ንሱ ዚፍውስን ዚምህርን ዝነበረ፣ንቤተክርስትያን እውን ክትፍውስን ክትምህርን ሥልጣን ሂብዋ እዩ። ነቲ ዘለዓለማውን ኣምላኻውን ሓቂ ክትምህር’ኳ እንተኾነ ቀንዲ ስራሓ፣ ንሰብ ብመላኡ ብነፍስን ብሥጋን ኽትረድኦ ሓላፍነት ኣለዋ። በዚ መሠረትዚ ከኣ ኣብ ትምህርትን ሓፈሻዊ ምዕባሌ ወድሰብን ዓቢይ እጃም ኣለዋ። ነዚ መዝነት’ዚ እትፍጽሞ፣ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን በይኑ ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርታ ኣብያተ ሕክምናታት፣ ኣብ’ቲ ዅሉ ንምዕባሌ ሰብ እትሰርሓሉ ማእከላትን እዩ።

5.  እቲ ሓፈሻዊ ናይ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪኻን ጕዕዞኣን ከም ዘነጽሮ፣እዚ ዚስዕብ ካብ ባህሪኣን ተልእኮኣን ዚፍልፍል መሰልን ግዴታን ከምዘለዋ ትርዳእ። ክርስትያናዊ ትምህርቲ-እምነት ክትምህር፣ ሰብኣዊ ፍልጠትን ምዕባሌን እተካይደሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስኡ ዚተኣሳሰር ዚንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ክትውንን ከተካይድን መሰል ኣለዋ። እዚ መሰል’ዚ ብኣምላኽ ዝተዋህበ ባህርያዊ መሰል ስለዝኾነ፣ ብናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ሠናይ ፍቓድን ድሌትን ዚወሃብ ወይ ዚኽላእ’ውን ኣይኮነን። እዚ ነቕ ዘይብል ሓቂ፣ ዘይትንከፍ መሰል ብዛዕባ ምዃኑ ድማ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኮነን። 

6.  ከም’ቲ ካብ ጥንቲ እሞ ኣብ መላእ ዓለም ከተዘውትሮ ዝጸንሐት፣ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣውን መንፈሳውን ፍልጠት ዜማዕብል፣ ካብ ሙዓለ-ሕፃናት ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዜምህር በብዓይነቱ ተቅዋማት ክትውንን ከተካይድ መሰላ ግቡኣ እዩ። ከመይ መምህር እያ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ብቤተክርስትያን ዚካየድ ተቅዋማት እንታይ እዩ ዕላማኡ?እንተተባህለ፡-

ሀ) ናይ ሰባት ሕሊና ኰስኵስካ፣ ኣብ ኅብረተሰብን ሃገርን ምሉእን ግቡእን ቦታኦምን ኣበርክቶኦምን ዘወፍዩ ምሉኣት ሰባት ንምግባሮም፣ ፍትሕን ሰላምን መሰልን ናጽነትን ሓቅነትን ሕውነትን . . . ዚመሃሩሉ እዩ፣

ለ) ወለዲ ንውሉዶም ዚበቅዕ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ዘለዎም፣ ማንም ኬሕድጎም ዘይክእል ባህርያዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ መሰል ምእንቲ ኪኽበረሎም፣ ኣብ መዕበያ ውሉድን ብሱል ዜጋን ኣበርክቶ ንምግባር፣

ሐ) ብሥልጣኔን ብፍልጠትን ንኺዓብዩ ንዜጋታት ንምሕጋዝ፣ በቲ ዝበለጸን ብዘመናት ዝተመስከረን ናይ ቤተክር-ስትያን ሃብታም ልምድን ተመክሮ ከም ዚጥቀሙ ምግባር፣

መ) ቕኑዕን ብቑዕን ምዕባለን ወድሰብ እንተ ዘይኮይኑ፣ እዚ ናይ ቤተክርስትያን ተቅዋማት ትምህርቲ፣ ካልእ ዝኾነ ይኹን ንቡር ይኹን ስቱር መደብን ኣገባብን ከም ዘይነበሮን ከም ዘይብሉን፣ እቶም ኣብኡ ዝተማህሩን፣ ነቲ ብሉጽ ኣበርክቶኡ ዘስተማቐሩን፣ዝተፈላለየ መደብ እምነትን ሃይማኖትን፡ መሥርዕ ሕይወትን ዚኽተሉ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕያው ምስክር እዮም።

ማእከላት እምነትን ምዕባሌ ትምህርትን ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ፣

7.  ታሪኽ ትምህርትን ኣመዓባብላኡን ኣብ መላእ ዓለም ክንርኢ ከሎና፣ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ ይገሃደልና። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ቀንዲ መማዕበሊ ትምህርትን ስነጽሑፍን ሥልጣኔን፣ሃይማኖታዊ ማእከላት ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣበርክቶ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ኣብ ምዕባሌ ትምህርቲ ዘይነዓቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣዝዩ ዚድነቕን ዘንጸባርቕን ምዕራፍ ዝሓዘ እዩ።

ናብ ታሪኽ ሃገርና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ እውን፣ እቲ ጥንታዊ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያንን፣ ጥንታዊ መሳጊድን ኣብ ጽሕፈትን ንባብን፣ ኣብ ምዕቃብ ጥንታዊ ታሪኽን ትምህርትን ዝነበሮ ጽልዋ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፣ ብሓፈሻኡ ኣብ ናይ’ዚ ሕዝብን ሃገርን ባህላዊ ሕንጸትን መንነትን መሠረት ዘንበረ እዩ።

8.  መበቈልን ምምዕባልን ዘመናዊ ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ዚትንተነሉ ኵሉ፣ ካቶሊካዊ ኣብያተ ትምህርትና ብሓፈሻኡ ከኣ ኣበርክቶ ቤተክርስትያንና በዚ ዓውድ’ዚ፣ ኣንጸባራቒ ቦታ ከምዘለዎ ኵሉ ዚፈልጦ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ጊዜ ጥበብ ማኅተም ብምትእትታው፣ ኣብ ሃገርና ናይ ትምህርትን ጽሕፈትን ማዕጾ ዘርሓወትን ጕዕዞ ትምህርቲ ዘንሃረትን ቤተክርስትያን እያ።

ኣብ ዓዲወግሪ [ሳን ጆርጆ]፣ ኣብ ሠገነይቲ [ስኮላ ኣርተ መስቲየሪ ሳን ሚኬለ]፣ ኣብ ዓድቐይሕ፣ ኣብ ከረን[ሳልቫጎ ራጊ]፣ ኣብ ኣሥመራ [ስኮላ ቪቶሪዮ] ብጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ንደቀባት ተደኲነን ዝነበራ፣ ብቤተክርስትያን ወይ ብናይ ቤተክርስትያን ሰባት ዚካየዳ ዝነበራ እየን። ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ድማ፣ ኣብ’ዛ ዘመናዊት ኤርትራ ዝቖማ፣ ካብ’ተን ኣብዛ ዋና ኸተማ ኣሥመራ ቐንዲ ቐንዲ ንምጥቃስ፣ ኮምቦኒ ኮሌጅ፣ ኣሥመራ ዩኒቨርሲቲ፣ ኮለጆ ላሳል፣ ኮለጆ ቅድስት ሓናን፣ ናይ ቀትሪ ንሕፃናት ናይ ምሸት ከኣ ንዓበይቲ ቤትትምህርቲ ቅዱስ በርናርዶስ. . . ካልኦትን ነበራ።  ብፍላይ ድማኣብ ከባቢ 1965 ዓ.ም.ፈ. በዓል ሰናይ ዝኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ክሳብ 70 ዝኣኽላ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቁሸታትን ዓዳትን መላእ ኤርትራ ተጀሚረን ንነዊኅ ዓመታት ንብዙኃት ኤርትራውያን ሕጻናት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘሳተፋ ምዝክራ ግቡእ እዩ።

ካብ ጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ኣትሒዙ፣ ዘመናዊ ኣመሓዳድራን ኣመሃህራን፣ ፖሊቲካዊ ጕዕዞን ስነጽሑፋዊ ምህዞን ምዕባሌ ቋንቋን ዝተኻየደ ናይ ደቂ ሃገር ፈላሚ ንጥፈታት ኵሉ፣ሳላ’ቶም ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ተቅዋማትዝተማህሩ እዩ ተሰላሲሉ፣ ነዛ ዘመናዊት ኤርትራ ከኣ መሠረት ኣንቢሩ።ኣብ ምብግጋስ ፖሊቲካዊ መስርሕ ናይ’ዛ ሃገር፣ ኣብፖሊቲካውን ሓርነታውን ጕዕዞ ቃልሲ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ናይ ዝተማህሩ ሰባት እጃም ናቱ ዕዙዝ ምዕራፍ ዘለዎ እዩ።

9.  ኣብ ታሪኽ ከም’ዚ ዝበለ ዕዙዝ ተራን እጃምን ንዘለዎ ናይ እምነት ማእከላትን ተቅዋማትን፣ ነቲ ብተግባር ዘመስከረሉን ዝተዓወተሉን መዳይ ትምህርቲ ንኸተሕድጎ፣ “ኣይምልከተካን እዩ” ምባል ደኣ ምስ ምንታይ ኪቝጸር እዩ? ተጻይ እምነትን ሃይማኖትን ብቐንዱ ክንብሎ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግለጺ የብሉን።እምነትን ናይ ኣምላኽ ፍርሃትን ካብ ዜምህር ማእከላት ንሕፃናትን መንእሰያትን ነጺልናኸ፣ ነዛ ሃገር ከመይ ዝበለ ንኡስ ወለዶ ከነፍርየላ ተሓሲቡ ማለት እዩ? 

10.      ብፍላይ ናብ’ቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርቲ ክንመጽእ ከሎና፣ ናብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ዜብጽሕ ዝኾነ ይኹን ናይ ሥርዓተ ትምህርቲ ምዝንባል፣ ዝኾነ ይኹን ምጥሓስ ሕጊ፣ ወይ ዝኾነ ንጽፈትን ኣወሃህባ ትምህርትን ብዚርኢ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዝተረኽበ ካብ መሥመሩ ዝሓለፈ ወይ ዝተረፈ ኣገባብ፣ ብወገን መንግሥቲ ኣይተጠቕሰን፣ ኪጥቀስ ዚከኣል’ውን ፈጺሙ የልቦን። ኣብያተ ትምህርትና ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ቅድም ኣትሒዙ፣ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓኡን ኣብ ናይ ሃገራዊ መርመራታት ዚረአ ውጽኢት ተመሃሮኡን፣ ብብቕዓቱን ብዓይነቱን ዚልለ ብምዃኑ፣ ንኸምዚ ዝበለ መንግሥታዊ ውሳኔ ዘይኮነስ፣ ንምትብባዕን ንሽልማትን ዚዕድም ከም ዝኾነ፣ እቲ ዚምልከቶ መንግሥታዊ  ኣካል ሚንስትሪ ትምህርቲ በብግዜኡ ዝቐረበሉ ጸብጻባትን ኣብ ሰነዳቱን ኣርካይቩን ሒዝዎ ዘሎ መዛግብትን ምስክሩ እዩ።

 

11.      ብናይ ቤተክርስትያን ርድኢት፣ ብትምህርቲ ዝመጽአ መንግሥቲ ዘለዎ ግዴታን ሓላፍነትን፣ ኵሎም ዜጋታት ዜድልን ዚበቅዕን ዕድል ትምህርቲ ምርካቦም ከረጋግጽ፣ ዘለዎም መሰላትን ግዴታታትንከፍልጦም፣ሕፃናት ዚግባእ ትምህርቲ ከምዚረኽቡ ምግባር፣ ናይ ትምህርቲ ተቅዋማት፣ ብዚግባእ ዚምህሩን ዘይምህሩን፣ ነቲ ዝወጽአ ሃገራዊ መምርሕን ሥርዓተ ትምህርትን ዚኽተሉን ዘይኽተሉን፣ ምክትታል እዩ። እቲ ዚወጽእ መምርሕታት ድማነቲ ኣገባብ ኣመሃህራ ዚሕግዝ ኪኸውን፣ ንዚተባባዕ ምትብባዕ፣ ንዚሕገዝ ምሕጋዝ፣ ነቲ መኣረምታ ዜድልዮ ብምእራም፣ ብግሊ ይኹን ብናይ ኣብያተ-ክርስትያን መደባት ንዚካየድ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ንቕድሚት ከም ዚስጕምን ምግባር እዩ።

መሰል ወለድን  ቤተክርስትያንን

12.      መንግሥቲ ነቲ ናይ ወለድን ናይ ቤተክርስትያንን ድሮ  ውሁብን ኣድማሳውን ዝኾነ መሰል ኪፈልጥን ከኽብርን ግቡኡ እዩ። ወለዲ ንደቆም ዝደለዩዎ መደብን ኣገባብን ትምህርቲ ኪመርጹ፣ ቤተክርስትያን እውን ነቶም ኣብ ትሕቲኣ ዚርከቡ ኮነ ነቶም ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመረጹ ወገናት ብናጽነት ክትምህር ዘለዋ መሰልን ግዴታን ኪፍለጥን ብዚግባእ ኪኸብርን ኣለዎ።

13.      ካብ’ዚ ወጻኢ ምስቲ ናይ ወለድን ናይ ቤተክርስትያንን ዚጻረር ስጕምቲ ምውሳድ ግን ተቐባልነት ዘይብሉ ፍጹም ሃሳዪ እዩ። ንሕፃናት ንመንእሰያት ካብ ወለዶም፣ ካብ’ታ ብሞራልን ብሥነምግባርን እተሃንጾም ቤተክርስትያንን ቤተእምነትን ነጺልካ፣ ነዚ መሠረታዊ ባህርያውን መሰልን ግዴታን ሸለል ኢልካ ዚግበር ኣገባብ፣ “ንመንእሰያት ንምውናን” ዚግበር መደባት፣ ሲቪል ኅብረተሰብ ይኹን እቲ ናይ እምነት ማእከላት ሕግን ሥርዓትን ተኸቲሉ፣ ንወድሰብ ይጠቅም ዝበሎ ንጥፈታት ንኸየካይድ ኣብ ዚዕገተሉ ኣገባብ ኵሉ ናጽነት የልቦን፣ ኣድማሳዊ መሰል ሰብ እውን ኣይተኸብረን ማለት እዩ። ኵሉ ብመንግሥቲ ጥራሕ ከም ዚግበት ዚገብር ኣገባብ፣ናይ ውልቅን ናይ ግልን ናጽነትን ንጥፈታትን ዚዓግት እዩ፣ ናጽነትን መሰልን ኣብ ዘይተኸብረሉ፣ ሰላም ርግኣት ምዕባሌ  ኪመጽእ ዘይከኣል እዩ።

ብመሠረት’ዚ መትከላት’ዚ እምበኣር፣ ነዚ በብግዜኡ ብመንጽር ተቅዋማትና ዚካየድ ዘሎ መሰል ዝጠሓሰ ውሳኔን ተግባርን ንሕና ከም መጠን ሰባት፣ ከም መጠን ኤርትራውያን ከም መጠን ካቶሊካውያን ፈጺምናኣይንቕበሎን፣ ነቲ ከም መጠን ዜጋታትን ኣመንትን ዘሎና መሰልናንግዴታናን እውን ሽለል ኣይንብሎን፣እዚ ዝተጠቕሰ መሰልና ምስ እንግፈፍ፣ ወይ ድማ ነዚ ግዴታና ምስ ዘይንፍጽም፣ እቲ ቀዳማይ ግዳይ ዚኸውን፣ እዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሰብ ወይስ ኅብረተሰብ እዩ፣ ቀጺሉ ድማ ሃገር ብዓባያ እያ።  በቲ ዝቖመሉ ዕላማኡን፣ በቲ ብተግባር ዝተራእየ ኣሰራርሓኡን፣ ተቅዋማትና ብምሉኡ ንረብሓ ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ስለ ንተኣማመን፣ እዚ ተቅዋማት’ዚ ኪህገርን መሰል ቤተክርስትያን ኪድፈርን ከሎ ጕድኣቱ ንመላእ ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ኪፍለጥ ኣለዎ።

 

መዛዘሚ

14.      ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ንዘሎን ኵነትን ንዝሓለፈ ታሪኽን ድሕሪ ፈቲሽና፣ ብፍላይ ብመንጽር ትምህርቲ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ዘንጸባርቅ ደኣ’ምበር ዝኮነ ይኹን ጸሊም ነጥቢ ከም ዘይርከቦ ኣፍና መሊእና ክንዛረበሉ እንኽእል እዩ። ምእንት’ዚ እዚ ሕጂ፦

)  ብመንጽር ናይ ትምህርትን ሕክምናን ተቅዋማትና ዚወሃብ ዘሎ ውሳኔታትን፣ ስዒቡ ዚካየድ ዘሎ ተግባራትን፣ ንናይቤተክርስትያን መሰልን ናጽነት እምነትን ብቐንዱ ዚጻባእ ተግባር፣ ኣብ’ቲ መደብ እምነታን መንነታን ኣገልግሎታን ብቐንዱ ዚኣቱ፡ ስለዚ ኸኣ ንህላዌኣ ዚትንክፍ ምዃኑ እናገለጽና፣እዚ ኣገባብ’ዚ ዳግመ ግምት ተገቢሩሉ ብዝቐልጠፈ ደው ኪብል ነሓትት፣

ሁ) ተቅዋማት ቤተክርስትያን ኵሉ ከም መጠን ናይ ደቂ ኤርትራ ተቅዋማት፣ ነቲ ሥሩዕን ብሉጽን ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎቱ ብናጽነትን ብተወፋይነትን ንኺቕጽል ዕድል ኪወሃብ ነሓትት፣

ሂ)  ዝኾነ ይኹን ኪእረም ወይ ኪዕረ ዚድለ እንተሎ ድማ፣ ብሓባራዊ ዘተን ምርድዳእን ኪፍታሕ ጽቡቕ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኡንኮ መንገዲ ምዃኑ ነመልክት።

15.      ቤተክርስትያን እምበኣር በቲ ብዘመናት ዘጥረየቶ ተመክሮን ነዊሕ ትውፊትን በቲ ዘለዋ ዓቕምን፣ ኣብ ምዕባሌ ሰባት ቀንዲ ረቛሒ ብዝኾነ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ነቲ መንግሥታዊ መምርሒ ትምህርቲ ብምሕላው፣ በብዓይነቱ ኣብያተ ትምህርቲ ከተካይድ፣ መደባ ምዃኑ ትገልጽ። ነዚ መደባ ዚቃወም ዝኾነ ዓይነት ውሳኔ ወይ ኣገባብ ነቲ ናጽነታን መሰላታን ከም ዝገፈፋ ትርዳእ፣ እዚ መሰላት’ዚ ዳግም ክሳብ እትለብስን ናጽነታ ክሳብ እትጭብጥን ከኣ ምስ ምእመናና ኮይና ናብ ኣምላኽ ዘየቋርጽ ጸሎትን ስእለትን ተብጽሕ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ከኣ ናብ ዚምልከቶ ኣካል ምእንቲ መሰላ ኣቤት!! ካብ ምባል ዓዲ ኣይትውዕልን። 

 

ኣምላኽ ንሃገርና፣ ሃገር ሰላምን ፍትሕን ሃገር ርትዕን ፍቕርን ይግበረልና።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት

1.     ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ፣ ሊቀጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ                                       

2.    ኣቡነ ቶማስ ዖስማን፣  ጳጳስ ዘመንበረ ባረንቱ     

3.    ኣቡነ ኪዳነ የ|ዕብዮ፣   ጳጳስ ዘመንበረ ከረን     

4.    ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ፣ ጳጳስ ዘመንበረ ሠገነይቲ

ቅዳሕ ናብ፦

1.    ሚንስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር

2.   ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጕዳያት

3.   ቤትጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ.

4.   ምምሕዳር ዞባ ደቡብ

5.   ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ

6.   ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ 

Source=https://www.vaticannews.va/ti/church/news/2019-09/risposta-vescovi-eritrei-al-ministro-dell-educazione.html

ኣርማ ሲፒጄ Image copyright CPJ

ኤርትራ ብሳንሱር (መመያ) ኣብ ዓለምና ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምዃና ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ሲፒጄ፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ንነጻነት ፕረስ ዝጠጣበቕ ትካል፡ ማእሰርቲን ዓምጻጺ ሕጋጋትን፡ አኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታል፡ ኣብ ቀረብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዘሎ ቀይድታት ብምግምጋም ነቲ ዝርዝር ከም ዘዳለዎ ይሕብር።

ንኤርትራ ሰዒበን፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን በዚ ጉደይ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስርዓ ዘርእይ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራን ኢኳቶርያል ጊኒን [መበል ሻሙናይ] ጥራይ እዩ ኣብተን 10 ሃገራት ኣካቲቱ ዘሎ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 19 ናይ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ ሰባዊ መሰላት፡ ኵሉ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ሓሳቡ ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዘለዎ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ እዘን 10 ሃገራት ንነጻ ሚድያ፡ ብምኽልካል ወይ ብጽኑዕ ብምቁጽጻርን ጋዜጠኛታት ሱቕ ንምባል ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ዲጂታውን ኣካላውን ምክትታልን ካልእ ዓይነት ምስርጣይን ብምዝውታር፡ ነቲ ዓለምለኻዊ መትከል ዕሽሽ ከም ዝበልኦ ይገልጽ።

ብፍላይ ኣብተን ኣብቲ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት - ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን፡ መራኸቢ ብዙሓን ልሳን ናይ መንግስቲ ኮይነን ከም ዘገልግላን፡ ዝኾነ ነጻ መድያ ካብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝካየድን ሓቢሩ።

ናብተን ሃገራት ክኣትው ዝፍቀደሎም ሒደት ጋዜጠኛታት'ውን ብቐረባ ምክትታል ይግበሎም እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ክሳብ 1 ታሕሳስ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ምዃና እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንኹለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንመብዛሕትኦም ኣዳለውተን ብዘይ ፍርዲ ኣሲርዎም ይርከብ።

መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ከም ዝውነን ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ፍርሒ ብነጻነት ስርሖም ከም ዘይሰርሑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣማራጺ ምንጭታት ሓበሬታ ዝኾና ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍነዋ ናይ ሳተላይትን ናይ ኢንተርነትን ሬድዮታት ብሰንኪ ዓፈናን ኣዝዩ ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተበጻሕነተን ውሱን ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና "ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ" ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49644912

ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት እንኣምን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት እንሰፍር፡ ከበሳን መታሕትን እንበሃሃልን ብዙሕ እንግለጸሉ መለይታት ዘለናን ምዃንና ውሁብን ዘየዛርብን እዩ። እዚ ክወሃሃድ እንከሎ ከኣ፡ ውቁብን ረዚንን ኤርትራውነት የውህበና፡ ነዚ መለለይ ብዙሕነትና በበይኑ ወሲድና ከነንጠልጥሎ እንከላና ግና፡ ክትርእዮ ዘይምልኩዕ ክትመዝኖ እንከላኻ ከኣ ዘይሓያል ኮይኑ፡ ኣየሕብንን። እዚ ብዙሕነትና ኣውራጃ፡ ብሄር ይኹን ሃይማኖት፡ ማዕረ ነናቱ ክብርን ቦታን ዘለዎ እምበር፡ ሓደ ትሕቲ ሓደ ዝስራዕ ኣይኮነን፡ ንሓደ ካብኡ መዚዝካ ኣበሪኽካ ነቲ ካልእ ክትደቚስን ከተነኣእስን ምፍታን ብኹሉ መለክዒ ዘይከኣል፡ ዘይፈትሓውን ዘየድምዕን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኤርትራዊ ሓድነት የዳኽም። ሳዕቤን ሓድነታ ናይ ዝተዳኸመት ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ከኣ ንኹላትና ፍሉጥ እዩ። ወትሩ ንሓድነት እንሰብኽን እንሕለቕን ከኣ ካብዚ ብሰንኪ  ኤርትራዊ ሓድነት ብምድኻሙ ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምድሓን እዩ።

ስለምንታይን ብኸመይን እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናይ ብዙሕነት ጸጋ ከም ዝወነና ክንመራመር እንገደደሉ ምኽንያት የብልናን። ምኽንያቱ ኣሚናን ርዒምናን ዝተቐበልናዮ ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ዘድልየና ከምቲ ንነናትና መንነት እንኽብሮ ናይ ካለኦት እውን ምኽባር ዘይስገር ግቡእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራና ብሓደ ሃይማኖት፡ ብሓደ ኣውራጃ፡ ብሓደ ብሄር እትልለ ክንገብራ ዘድክም የብልናን። ብናይ ኩልና መንነት እኩብ ድምርን ስኒትን ዝወቀበ ብዙሕነት ከኣ ኩልና እንሕበነሉ ኤርትራዊ መንነት ይኸውን። ነጸብራቕ ነናትና መንነት ጐሊሑ ዝረኣየሉ ኣብ በቦታኡ ኮይኑ፡ እቲ በሪኹ ዝስማዕ ግና እቲ ብብዙሕነት ዝመልከዐ ልዕሊ ኩሉ መንነታት ዝስራዕ ኤርትራውነት እዩ።

መንነታዊ ብዙሕነትና ኣብ ክንዲ ሓይልና ድኻምና፡ ኣብ ክንዲ መልክዕና ክፋእና ዝኸውን ወጢጥና ፖለቲካዊ መሳርሒ ክንገብሮ ክንፍትን እንከለና እዩ። ሃይማኖት ካብ ቤተ-እምነት ወጺኡ፡ ኣውራጃ ካብ ውሱን ገደቡ ሰጊሩ፡ እቲ ካልእ ዝተረፈ ብዙሕነትውን ከምኡ ቀያሕቲ መስመራት ሰጊሩ ኣብ ፖለቲካዊ  መድረኽ ክዕብልል እንተፈቲኑ እቲ ዘስዕቦ እንታይ ከም ዝኸውን ንኹላትና ርዱእ’ዩ። ብኸምዚ ዓይነት ሕሳብ ክምርሑ ዝፈተኑ ወገናት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና። እዚ ማለት ግና ተወዳዳሪ ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣይነዘውትር ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ መድረኽ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ መድረኽ ዓብላሊ ክኸው ዝግበኦ ኤርትራውነትን ኣብ ክሉ ዝዋሳእ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብዙሕነትን ክኸውን ይግበኦ። እቲ ኣብዚ ኤርትራዊ መድረኽ እነልዕሎ ዛዕባታት ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ብዙሕነትና ይጸልዎ እዩ። ይጸልዎ እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ጽኑዕ መሰረት ኣብ ዘይደልደለሉ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ብሄርን  ካልእ ብዙሕነትን ኣይስስንን ጥራይ ዘይኮነ ህላውኡ’ውን ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ።

እዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘይተኣርነበ  ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ጠንቅታቱ’ዩ ብዙሓት ወድዓውን በዓልቤታውን ምኽንያታት እዮም። ኣበይን መዓስን ኣብቲ ብዙሕነትና ተደሪሕኽና  በበይንና ንወፍር፡ ኣበይን መዓስንከ ኣብ ኤርትራውነት ኣትኪልና ብሓባር ንኸትት ኣነጺርና ክንርደኦን ከነተግብሮን ዘይምኽኣልና ካብቲ ቀንዲ ጸገማትና ሓደ ምዃኑ ኩልና ንስሕቶ ኣይመስለንን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ ሃይማኖታዊ እምነትካ፡ ኣውራጃኻ ወይ ቋንቋኻ ኣቐዲምካ ናይ ካለኦት ናይ ምንእኣስን ምውሓጥን ዝንባለታት ንዕዘብ ኢና። እዚ ዘይሚዛናዊ ኣተሓሕዛ’ዚ ኣብቲ ካለኦት ብዙሕነት እውን የንጸባርቕ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ፖለቲካዊ ኣረዳድኣና ናይ ሓደ ካብዚ ብዙሕነትና ሃይማኖት፡ ኣውራጃ ድዩ ብሄር መተግበሪ ከም ዝኸውን ናይ ምግባር ፈተነታት ንዕዘብ ኢና። ነቲ ሳላ ብዙሓት ክንስና ከም ሓደ ሰጢምና ዝሰነድናዮ ናይ ሓባር ታሪኽና ብዘይሚዛናዊ ቀይስካ ሓደ ፍሉይ መንነት ካብ መንነታትና ከተግንነሉ ምህቃን እውን ኣሎ። እዚ ግጉይ ፈተነታት ሓድነትና ዘዳኽም እዩ። ሓድነትና ክሳብ ዝተዳኸመ ከኣ ነቲ ምእንቲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን፡ ሰላምን ልምዓት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ መሰረታዊ ዕንቅፋት እዩ። ዕንቅፋት ከኣ ጣንቂ ውድቀት ከይከውን ክእለ ይግበኦ።

ንልለየሉ ፍሉይ መንነትና ተዓቂቡ፡ ፖለቲካዊ ቅኒትና ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝማእከሉ እንተኾይኑ ሓያል ናይ ለውጢ ማዕበል ከም እንፈጥር ዘጠራጥር ኣይኮነን። በበይንና እነካይዶ ኣበርክቶ ግና፥ ሓያልን ዘድምዕን ማዕብል ዘይፈጥር ካብ ምዃን ኣይሓልፍን። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭቆናን ወጽዓን መሊሱ ዘሻድኖ እምበር ዘወግዶ ኣይኮነን። “ሓቢርና ንቃልስ” እንብል ንኹልና በሃግቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብማዕረ ዘርብሓና ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ። በይንኻ ምዃን  ግና ኣብ ህልኽን ዋጢጥን ካብ ምንባር ሓሊፉ ጻማ የብሉን። ኣድላይነት ሓቢርካ ምቅላስ ከም እምነት ካብ እንሕዞ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብተግባር ከምቲ ንኣምኖ ኮይና ኣብ ምቕራብ ግና መሰረታዊ ጸገም ኮይኑና ዘሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዙርያ ኤርትራውነት ንምዕሳል ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ “ይኣክል ንወጽዓ ህግድፍን ተበታቲንካ ቃልስን” ዝቓንኡ ድርብ ዕላማ ዘለዎ መድረኽ ምፍጣሩ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይደየበናዮ ጐቦ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ከም እንድይቦ ዘመላኽት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ንኤርትራዊ ብዙሕነትና ዝምጥንን ዘንጸባርቕን ናይ ሓባር ዓቕሚ ንፈጥር፡ ነናብቲ ትሕቲ ሃገራውነት ዝንባለታትና እንተ ዛዚና “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ዘይንበሃለሉ ምኽንያት የለን’ሞ ነስተውዕል።

ንፍትሒ ንቃለስ (ተቓወምቲ) ሓይልታት - ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን - ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርጋግጽ፣ ኣድላይነት ስሙር ስራሕ ንምዕዋት ሓባራዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታትና ንምዝታይ፣ ካብ 22 ንሕና፤ ኣብ ታሕቲ ክትምና ዘንበርና - 23 ሰነ 2019 ኣብ ከተማ ሚነያፖሊስ ሚነሶታ ፣ብጻውዒት መኣዲ-ዘተ/ተምፖ ኣፍሪክ ቲቪ፣ ዋዕላ ሰላምን ዕርቅን ንግብራዊ ልፍንቲ ኣካይድና። ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ-ፖለቲካ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም፣ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ጉዳያት ብምዝታይን፣ ኣብ ምግጣም ዓበይቲ ኤርትራዊ ጉዳያት ሓባራዊ ተረድኦ ብምድልዳልን፣ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ተሰማሚዕና፦


1. ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓርን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፣ ጻዕርታትና ክነወሃህድን ብሓባር ክንሰርሕን፤

2. ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታትና ክነዋሃህድን ሓባራዊ ጽዕርታት ክነካይድን፤

3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ (ዲያስፖራን) ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዘጠቓለለ፣ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ፣ ኣብ ሕድሕድና ብምውህሃድ ወይ ብልፍንቲ ስሙር ኤርትራዊ ተቓውሞ ንምፍጣር ክንሰርሕ፤

4. ሰናይ ጉርብትና ምስ ኩሎም ጎሮባብቲ ኤርትራ ንድግፍ፣ ይኹን እምበር፣ እዚ ሞራላዊን ሕጋውን ቅቡልነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ወይ ኣካላት ዝኣትዎም ኩሎም ውዑላት ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልዑላውነት ስለ ዝግህሱ ብትሪ ንኹንን፤

5. ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኤርትራ አካል ጭቁን ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኖም እምነትና ብምዃኑ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉን፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዕዙዝ ተራ ክጻወቱን ንጽውዕ፤

6. ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ምስግጋር ከቢድን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ፣ ኩላትና ንሰማማዓሉ ሓባራዊ መሰጋገሪ ቻርተር ንምስንዳእን ንምትግባርን ብዕቱብ ክንሰርሕ ተሰማሚዕና፤

7. ነዚ ስምምዕ ናይ ዝኸተሙ ኣካላት ወከልቲ ዝሳተፍዎ ናይ ትግባረ ፎረም ንምቛም ተሰማሚዕና፤ ከምኡውን

8. ነዚ ስምምዕ እዚ ዝቕበሉን ኣብ ናይ ትግባረ ፎረም ክሳተፉ ቅሩባት ዝኾኑን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጂለታትን ብኽብሪ ንዕድም።

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !
ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር !

ከተምቲ ኣካላት፦

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)

ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ዋልታ ሓይልታት ለውጢ (ዋሓለ)

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (ዓተኤንህም)

ኤርትራ ስኒት ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ (ኤሲመጉ)

  "Exposing Agazian’s false narratives of building TigrayTigrini

“ ሎሚ ንኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ፣ ንነበርቲ ሕዝብታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ዘድልየና ውሕደትን ብሰላም ብሓንሳብ ምንባርን ድኣ እምበር ወለዶን መበቈልን ፣ ንሕናን ንሳቶምን እናበልካ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ግዜኻ ምጥፋእ ንጥቅሚ ኩሉ ኣይኮነን”

ሎሚ ነዚ ሓተታ ከቅርብ ዝገደደኒ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ፓልቶኮት ኤርትራውያን ክቀርብ ዝጸንሔ ዘይጸረየን ኣብ ሓቀኛ ጽሑፋት ታሪኽ ብዛዕባ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምርኰሳ ዘይብሉ ናይ ሃውተታ ክትዓት ክካየድ ብምኽትታልን ከምኡ ድማ ኣብ ገለ መጽሔታት ከም "ውራይና" ዝብሉ መጽሔታትን ብምንባብ እዚ ጉዳይ እዚ ንኩልና ስለዝምልከት ሰነ ፍልጠታዊ ድህሰሳ ዘድልዮ ተረኽቦ ኢዩ።

መጀመርያ ታሪኽ ምፍላጥ ንህልዊ ኩነታትናን ንመጻእን ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓድሕድ ውግእን ኩናትን፣ ብርሰትን ድኽነትን ድንቁርናን ኣተሓሳስባ ወጺእና፣ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ነዛ ብብዙሓት ዓለታትን ሃይማኖታትን ዝቆማ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ሰላምን ደሞክራስያን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዘንግሳ መንግስታት ምሕናጽ ድኣ እምበር ኣብ ሓደ ዓለታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘመኒ እምኒ 4000 ዓመት( ንድሕሪት ምሕሳብ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ንረብሓ መንከ፣ ዓሚቁን ሰፊሕን ትንተናን ሰለ ዘድልዮ፣ኩልና እቶም ንድሕነት ሕዝብናን ኣካባቢናን ንግደስ ከነድህበሉ እዋኑ ኢዩ ይመስለኒ።

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ኣብዛ ሎሚ ኢትዮያን ኤርትራን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ሕዝብን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተረኽበን ጽሑፋት እቲ ኣብዘን ሃገራት ዝነብር ዝነበረ መበቆሎም ካብ ካም /ኩሽ ፣ሰም፣ ሓማውያን ወይ ድማ ሓውዋስዋስ ዓለታት ከምዝኾኑ ይዝንቶ። ነዚ ዝያዳ ንምርዳእ ድማ

ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕዝብታት ታሪኽ ንምፍላጥ ዝሕግዙና፣ ናይ ኣርኪዮሎጅን ናይ ታሪኽ ቅርስታት፣ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት፣ ካብ ጥንታዊ ቦታታት ብምድላይ፣ ናይ ሕዝብታት ዘርእን መበቈልን እምነታትን፣ምቋም ሃገራትን ሃገራውነትን ኣብ እንታይ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ክሕግዘና ይኽእል፡

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ቅድሚ ጽሑፍ ምምጹኡ፣ ወድሰብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት መነባብሮ ከምዝሓለፈ ይዝንቶ ካብ ምእራር ዝብላዕ ካብ ኣታኽልቲ ድሓር ሃድን፣ ጸኒሑ ኣብ ሓደ ቦታ ምቅማጥን ሕርሻን፣ጸኒሑ ድማ ኢንዱስትሪ ከምኡ እናበለ ሰልጣነ ሕዝብታት ዓለም ኣብዚ ሕጂ ግሎባላይዘን ዓለም ኣብ ሓንቲ ቂሾት ኮይና ትግለጸሉ ደርጃ ኣብ ዝተበጽሔ ግዜ ሕጂ ተመሊስካ፣ ንሕና እባ ኣጋዝያን፣ንሕና ኢና ንመርሓኩም፣ትግራይ -ትግሪኚ፣ ኣስላምን ዓረብን ክጥፍኡ ኣለዎም እናበልካ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓጀውጀው እምበርዶ ናይ ጥዕና ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝግድደካ ኢዩ፡፤

ኣብቲ ግዜቲ ሃገራት ብዶባት ዝፍልጣ እውን ኣይተፈጥራን ነረን[1]፣ እታ ሓንቲ ኣሰር ንግስነታት ከምዝነበራ ክሳብ ክንደይ ሕዝብን ስፍሓት መረትን ሒዞም ይገዝኡ ነሮም፣ ዝፍለጣ ቅድሚ ንግስነት  ኣግኣዝያን ናይ ነገድ ኖህ ካም ኩሽ ዘመን መንግስቲ ከምዝነበረ ድሕሪኡ ድማ ናይ ኣግኣዝያን ንግስነት ቅድሚ ልደት ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ከምዝነበረ፣ ድሕሪኡ ኣብ መበል 1300-ናይ ነገደ ዛጉየ ዘመነ መንግስቲ ድሕሪኡ ድማ ናይ ሽዋ ነገስታት  ኢየን። ብዛዕባ ነገድ ዮቅጣን- ነገደ ኣግኣዝያን ጽሑፍ ግዕዝ ከምዝነበሮም ዝፍለጥ ሰነድ የለን፣ ግን ነገደ ሳባ ካብ ደቡብ ዓረብ እዮም ፍደል ግዕዝ ዝመሃዙ  እዚኦም ድማ ካብ ካብ ሶርያ /ፈኒቅያ - ጢሮስ ናይ ሎሚ ሊባኖስ ከምዝመጽኤ ኢዩ ዝእመን( ፍስሓ ያዜ ካሳ፣ የኢትዮያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ መጽሓፍ 1 ርኤ)

ኣመጻጽኣ ፍደላት ምስ ትውልዲ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ምህዞ ደቂ-ሰባት ድኣ እምበር ሕዝቢ ሓደ ዓለት ተኣኪቡ ዝመሃዞ ኣይኮነን።

ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ፍደላት

ኣብቲ ግዜቲ ፈኒካውያን ማለት እቲ መጀመርያ ናይ ጽሑፍ ፊደላት ዝመሃዙ ኣብ ናይ ሎሚ ማእከላይ ምብራቅ ሃገራት፣ መሶጳጣምያ ሱርያን ሊባኖስ ከምኡ ድማ ኢራቅ ምንጪ ናይ ሎሚ ኩሉ ፍደላት  ዕብራይስጢ፣ ዓረብ፣ ግዕዝ፣ ጽኒሑ ድማ ላቲን ኣብ ግዜ ሮማውያን ዝተጀመረን ዘሎን ፍደላት ምዃኑ ታሪኻውያን ይዝንትዉ፣ ምልክት ፍደላት ግዕዝ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይን ይርከብ፣ ዘሐወለ ዘተአገበረ..........ሓውልትታት ይርከብ፣ እቲ ኣብ ኣኽሱም ይኹን ኣብ ካል እ ቦታት ዝርከብ ሓውልታት ብግዜ ኣግዝያን ጥራሕ ዘይኮነ ብኩሎም በቶም ሽዑ በብተራ ዝነግሱ ዝነበሩ ዝተሰርሔ ድኣ እምበር ብኣግዝያን ዝበሃሉ ጥራሕ ነሮም ማለት ዝንቡዕ ሓበረታ ኢዩ።

እቲ ከም መንግስቲ ወይ ንጉሳዊ መንግስቲ ኣስማቱ ካብ ኣክሱም( Axumite Kingdom, Zaguie Dynasty, Solomonic Dynasty................ and many other coercive rules in this region) ኩሎም ድማ ኣብ ዝተወሰነ ቦታት  ውሱን ኣካባቢ( city- states ) ድኣ ነሩ እምበር  ኣብዚ ሎሚ ንፈልጦ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስፋሕፊሖም የማሓድር ነሩ ዝብል ጽሑፋት የለን፣ እቶም ኣብቲ ግዜቲ ገዛእቲ ዝነበሩ ብንግስናን ሽማምንትን በተክህነትን ድኣ እምበር ሕዝቢ ዝመረጾም መንግስታት ይኹኑ ሃገራት ብዶባተን ዝፍልጣ ይትረፍዶ ኣግኣዝያን ኣብ ምሉእ ዓለም እውን ክሳብ 990 ድ.ልደት ክርስቶስ ዝቆማ መንግስታት ይኹና ሃገራት ኣይነበራን።

ኣመጻጽኣ ክርስትናን ኢስልምናን

ኩላትና ኣብ ታሪኽ ኣብ መባእታውን ካል ኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዝተመሃርናዮ ብዛዕባ  ምምጻእ ክርስትናን ኢስልምናን ኣብዘን ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂለን ዝጽዋ ዓ ሃገራትን ሕዝብን ፣ ክርስትና ኣብ 4ይ ዘመን ልደት ክርስቶስ  ብክልተ ኣሕዋት ካብ ቲሮስ ወይ /Tyre ሎሚ ብሊባኖን ትፍለጥ ሃገር ትውልዶም ሲርያውያን ፈኒካውያን፣ፍረሚናጦስን-ከሳተ- ብርሃን ፣ እደስዩስን ምስ ሓውቦኦም መሮፒኡስ ካብ ጢሮስ ብቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ መረት ምስ በጽሑ እቶም ባሕረኛታት ብዘይካ እቶም ክልተ መንእሰያት ፍረመንጡስን ኤዲስዩስን ካልኦት ከምዘተቀትሉ፣ፍረሚንጦስን ኤደስዩስን ግን ከምባሮት ተታሒዞም ናብ ንጉስ ኤዛና ናብ ኣኽሱም ከምዝተወስዱ ታሪኽ ይዝንቱ፣ ንሳቶም ድማ ንጉስ ኤዛና መማኽርቱ ኮይኖም ክርስትና ከምሁሩ ጀመሩ፣ፍረሚንጦስ ኣብ አኽሱም ጥራሕ ከይተወሰነ ክሳብ እስክንድርያ/ግብጺ በጺሑ ኣቡን ተሸይሙ ኣብ ኣኽሱም ተመሊሱ ከም መራሒ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ተጸምደ፣ ሓዉ ኤደስዩስ እውን ጢሮስ ተመሊሱ ክህነት ተቀቢሉ፣ ምስ ፍረሚንጦስ ኮይኑ ክሳብ እስክንድርያ ብምብጻሕ ንፓትርያክ እስክንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ኣቡን ክሰዱ ተማሕጸንዎ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኢዩ ድማ እቲ ክልተ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ናብ ግዕዝ ዝተተርጐመ፣ ሰነ-ጽሑፍ ግዕዝ ድማ ካብ ኣብጃ/ Consanants/ ናብ ኣቡጊዳ/ Vocal/ syllabus ዝተለወጠ/ ሰለዚ ንቋንቋ ግዕዝ ሰነ-ጽሑፋዊ ቅርጻ ዝሃብዎ ከምቲ ናይ ሎሚ ፍላስፋታት ኣግዝያን ዝብልዎ ዘይኮነስ መሰረቱ ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝመጹ ሱርያዊ/ፈኒካዊ ፍልስፍና እዩ፣ እምብኣር ፍላስፋታት ኣጋዝያን ክንዲ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣመጻጽ ክርስትና ብኣይሁድ ዘይኮነስ በቶም ኣብዚ ግዜዚ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ክርስትያን ዝመንጨወ ኢዩ። ንመጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ኣብዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበሃላ ሃገራት ዝመስረቱ ኩሻውያን ሕዝቢ ኣገው ኢዮም፡፡

ሃይማኖት እስልምና እውን ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ንመጀመርያ ኣብቲ ግዜቲ ነቢይ መሓመድ ሰዓብቱ በቶም ኣረማውያን ምስ ተሃድኑ ኪዱ ናብ ምድሪ ሓበሻ ኣብኡ ንጉስ አኽሱም ኣብ ሓደ እግዚብሔር ዝኣምን ሰለ ዘሎ ክቀብለኩም ኢዩ ምስ በሎም ኣመንቲ ምስልምና ናብ ኣኽሱምን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ ኣዱሊስ ተባሂላ ትጽዋዕ ቦታ ሰፈሩ፣ካብኡ ንንየው ድማ ብሰላም ሃይማኖቶም ከስፋሕፍሑ ጀመሩ፣ ካብ ሽዑ ድማ ኢዩ ሃገራት  ኣዕራብ ይኹና ካልኦት ምስልምና ሃገራት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዓብይ ኣኽብሮት ዘለዎም፣ ኣቱም ጽዮናውያን - ኣግኣዝያን ኣብ ስደት ብሳላ ወል ፈያር/ Social-Welfare ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ከይሰራሕኩምን ከይተምሃርኩምን እዚ ናይ ግዜና ተክኖሎጂ ኣብ ድሕሪ ኢንተርነት ኰንኩም ተፈላሰፉ ዘሎኹም፣ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ምስ እትዋፈሩ ንነፍስኹምን ሕዝብኹምን ምጠቀምኩም፣ ካብዚ ናይ ጥንቲ ፖሊቲካን፣ ናይ ጽልእን ፍርሓትን እውን ምደሓንኩም፣ እወ እዚ ግዜዚ እቶም ኣብ ከምዚ ሃለዋት ዘለዉ፣ ገለ ናይ ሰነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዞም ኣብ ሶሽያልመራኸቢ ብዙሓን ዘህተፍትፉ ገለ ጉድለት ናይ ሰነ-ኣእምሮን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዝተነጸሉን ኢዮም ኢሎም ይገልጽዎም እሞ ተራፒ ሕክምና ሰነ-ኣእምሮ የድልዮም ይብሉ፡፤

  ኣብዛ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝብሃላ ሃገራት እቶም ገዛእቲ ኩሉ ግዜ ነንሕድሕዶም ክዋግኡን ሕዝቦም ከጥፍኡን ከምዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ከምዝነበረ ይዝንቶ ፣ ናቱ መቀጸልታ ድማ ወራራት ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ናይዚ ከባቢ ንሕና ዘርከብናዮ እኹል ምስክር ኢዩ፡ መጀመርያ ግዕዝ ዝብል ቃል ናይቲ ፍደላት እምበር ናይ ሕዝቢ መጸውዒ ሰም ኣይኮነን፣ እቶም ብግዕዝ ክጽሕፉ ዝጀመሩ ኣብ ግዜ ምእታው ክርስትና ካብ ናይ ሎሚ ሱርያ ዝመጹ በተክህነት ክርስትያን እዮም ንጉሳዊ መንግስቲ ኣክሱም ዕላዊ ቋንቋኡ ግሪኽ ወይ ጽርኣ ዝበሃል ኢዩ ነሩ፣ ንክርስትና ዝተቀበሉን ዘስፋሕፋሑን ድማ እዞም ሎሚ ኣግኣዝያን ንሕና ዝብሉ ዘይኮነስ ዘርኢ ካም-ኩሽ ኣገው ዳይናስቲ እቶም ንኣኽሱም 300 ዝገዝኡ፣ ነቲ ስልጣን ድማ ብሰላም ናብቶም ንሕና ኢና ካብ ነገደ ይሁዳ ዝብሉ ኣመሓላሊፎም፣ ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት ድማ ሎሚ ኣብ ላሊበላን ካልእ ቦታታን ዘሎ ሕንጻታት በተክርስትናት እኹል ምስክር ኢዩ፡፤ ኣብ ኤርትራ እውን ንቋንቋ ትግርኛ ብስነ- ጽሑፍ ዘማ ዕበሉ እቶም ኣግዝያን ዝብሃሉ ኣይኮኑን እንታይ ድኣ ካልኦት ዘርኢ ሕዝቢ ኢዮም፣ ሓደ  ቋንቋ ናይ ሓደ ዘርኢ ከምዘይኮነ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ንምስክሮ ሓቂ ኢዩ፣ ሎሚ ቋንቛ እንግሊዝ ብዝበዝሕ ሕዝብታት ዓለም መራኸቢ ኮይኑ ኣሎ፣ ቋንቋና ከይትዛረቡ ዝብሉ እንግልዛውያን ግን የለዉን፣ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዘርኢን ደረትን የብሉን፣ ኣቱም ፍላስፋታት ኣግኣዝያን መጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ካብ ዘርኢ ኣይሁድ ኣይመጽኤን፣ ስለምንታይ ኢኹም ዝምድናኹም ምስ ኣይሁድ ተታሕዝዎ፣ ሞኣ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ፣ እዚ ኢዩ ምልክትና ባንደራን ድማ ትብሉ፣

ትፈልጥዶ ሎሚ እቶም ቅድሚ 37 ዓመታት ፈላሻ ዝበሃሉ ሕዝብታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢስራኤል ዝመጽኡ ኩነታት መነባብሮኦም፣ብዛዕባ ሰብኣውን ዘግነታውን መሰላቶም፣ ትማሊ ትማሊዶ በሽሓት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ መሰልና ይሕሎ የለን ኢሎም ክሓቱ ኣይተራእይንዶ ብእንታይ ድኣ እሞ ኢኹም ኣጋዝያንን ኢስራኤል ትብህግዎን ትውልድኹም ካብ ኣይሁድ ኢና ትብሉ፣ በጃኻትኩም ቅድሚ ኣብ ፓልቶክ ወይ ፈይስ ቡክ ዘርባዕባዕ ቅድሚ ምባልኩም ኣመጻጽኣን ኣቋቁማን መንግስታት - ሃገራት ታሪኽ ኣንብቡ።

 ንሕናስ ኣፍሪቃውያን ኢና ይትርፍዶ ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዘይኮነስ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራት ዓብይ ግደ ዝተጻወትና ሎሚ ድሕሪት ከምሽንቲ ገመል 4000 ዓመት ንድሕሪት መንግስቲ ትግራይ/ትግርኚ ረፑብሊክ ኣግኣዝያን ዝብልሲ እምበርዶ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ኣሎኹም ክሓቶም እፈቱ። ንእሽቶ ትግራይ /ትግርኚ ዶ ትሓይሽ ወይስ ሰፋሕ ሃገረ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ንኩላተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕበር ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ውግእን ወረ ውገን ሓቢሩ ዝቃለስ ዝተዋሃሃደ ንብዙሓነት ሕዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ብልጽግናን ዘማሓድር ስርዓታት ድኣ ኣብ ምሕናጽ ድኣ ንሕሰብ እምበር ሕና ንሳቶም ኣብ ዝብል ክርክር ምእታው እቲ መጀመርያ ዝጉዳእ ሕዝቢ ትግራይን ኤርትራን እዚ ሎሚ ንሕና ኣግዝያን ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ፣ ውጥን ኣግኣዝያን- ትግራይ ትግርኚ ኣብ ኣርባዓታት ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያዊ መግዛእቲ ናይ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶ ምስ ቀረበ ከም ርእይቶ/ሓሳብ ብገለ ኤርትራውያን ዝቀረብ ዝነበረ ኢዩ ነሩ እንተኾነ ኣብቲ ግዜቲ በተን ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ተቀባልነት ሰለዘይረኸበ ፈሺሉ ዝተረፈ ርእይቶ ኢዩ ነሩ፣ ብፍላይ ነዚ ውጥን እዚ ዘፍሽለ እቲ ብራእሲ ተሰማ ዝምራሕ ዝነበረ ሊበራል ሰልፊ ምንባሩ ኣብ ብዙሕ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ጽሑፋት ይገልጽ።( ኣይንፈላለ፣ 1941-1950 ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ከምኡ እውን ዶር.ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ ኣብ መጽሓፉ፣ ( የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥ ኤ እና መፍትሔ) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣

"ኤርትራና ትግራይ በኢጣልያ የግዛት ዘመን ተቀላቅለው እንደነበሩ ውህደታቸውን ቀጥሎ ነጻ የትግራይ ትግርኚ መንግስት በኢንግሊዝ ድጋፍ ለመቋቈም ያቀዱት፣ ልዑል ራስ ስዩም መንገሻ ኢትዮጵያን ኣልከፍልም ብማለት አሳቡብ ተቃውመው ከኣምባ ኣላጌ ጦርነት በኋላ በ1943 ዓ. ም ወደ ኣዲስ ኣበባ በመሄዳቸው ከሸፈ።"

ሰለዚ ትግራይ -ትግርኚ ውጥን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ብትግራዎት ይኹን ኤርትራዉያን ተቀባልነት ዘይብሉ ውጥን ኢዩ፣ ውጥን ትግራይ ትግርኒ ናይቶም ተስፋ ዝቈረጹ ባእታት እምበር ናይ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ውጥን እውን ኣይኮነን።

አብ መጽሔት ውራይና መበል 34 ሕታም ጥሪ 2009 ዓ. ም ኣብቲ ውጥን ኣግኣዝያውነት ወይ ብሄር ኣግኣዚ ክልተ ከምዝነበሩ እቲ ሓደ ብናይ ትግራይ ተጋሩ ዝተጀመረ ብማሕበር ዝፍለጥ፣ ጸኒሑ ድማ ሃገራዊ ግንባር ኣግ ኣዝያን ከምዘቆሙ ይፍለጥ ንዝያዳ ሓበረታ ምስዚ ተኣሳሲሩ ብ PDF ዝተላኤኸ ርኤ

ጸላእቲ ኣግ ኣዝያን፣ ፖሊቲካ ኢስላምን ዓረባዊ ሃገራውነትን፣ ሃገራውነት ኣምሓራን ኢዩ ይብሉ።

ውከሳ/ References

  1. Cardinal Paulos Tsadua On SaintFrumentius and the Liturgy of Ethiopian Church
  2. ውራይና፣ ኣግኣዝያን እንታይነት ምንቅስቃስ ብሄረ ኣግ ኣዝያን/ትግራይ -ትግርኚ
  3. የኢትዮጵያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ ብፍስሓ ያዜ ካሳ
  4. ኣይንፈላለ ፣ 1941-1950፣ ኣለምሰገድ ተስፋይ
  5. የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥኤ እና መፍትሔ፣ ዶ/ር ደጃዝማች ገብረ ሥላሴ
  6. Eritrea - The making of A Nation -1890-1991 by Redie Bereketeab Uppsla University 2000
  7. Paths toward the nation, Islam Community, and early Nationalist Mobilization in Eritrea, 1941-1961 by Joseph L. Venosa
  8. Italian Colonialism in Eritrea , 1882-1941 Policies, praxix and impact by Tekeste Negash
  9. Eritrea and Ethiopia- The Federal Experience by Tekeste Negash
  10. Eritrea At CrossRoads- A narrative of Triumph, Betrayal and Hope by Andebrhan Welde Giorgis
  11. Coercion, Capital And European States- AD 990-1992 by Charles Tilly

 

ኣብ ዝተወሰነ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ሰባት ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናቱ ርኢቶ ወኒኑ ዝቃለስ መትከላዊ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ከም ካልኣይ ገጽ ናይ ስርዓት ኢሰያስ ገይሮም ዝግምትዎ ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ብሱሩ ክጠፍእ እምበር ክዕምብብ ዘይደልይዎ’ውን ነይሮም። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ዘይምሕር ጸለም ኣብ ልዕሊዚ ሰፊ ይካየድ ነይሩ ግና ንጹር ኣይኮነን። ዋላ’ውን “ነፍሱ ይመሓር” ነፍሰ-ሄር መለስ ዜናዊ ከይተረፈ፡ ንሰልፍና “ትምክሕተኛታት እዮም ይብልኹም” እናበለ ርኢቶ ይድርቢ ነይሩ ዝብሉ ኣካላት ነይሮም። ከምኡ ማለቱ ድማ ምስቲ “ምስቲ 2ይ ገጽ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም” ዝብል ባዶ ሕሜታ ዘሳኒ ይመስል። እቲ ዝገርም ድማ ከም ሎሚ ኩሉ ከይለበመ ገለ ወገናት ካብ ደምበ ተቓውሞ ከይተረፉ ነዚ ጸለመ ይነዝሕዎ ምንባሮም እዩ።

መጀመርያ እዚ ሰልፊ መሰረታዊ መትከላዊ መንቀሊኡ እቲ  ካብ ሃገራዊ ናብ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ንምስግጋር ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ዲሞክራሲያውያን ቃልሲ እዩ።  ኣብ 1971 ብቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓአ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ኣዕኑድ ዲሞክራስ ካብ ዝሓንጸጸሉ ኣትሒዙ ነቲ ቃልሲ ቀጺልዎ። መሰረታዊ ዕላማኡ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ዘሳትፍ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ነይሩ። ሕጂ’ውን ብመንፈሱ ነቲ ብ1971 ዝተሓንጸጸ መትከል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጌና ዝቃለስ ዘሎ። እዚ ነገዛእ ርእሱ ነቶም ነዚ ሰልፊ እዚ ምስ ስርዓተ-ምልኪ ዝሓዋውስዎ ነቲ መትከል ዲዮም ጸሊኦም ወይ ነቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ንውልቀ-ሰባት ኣጸጋሚ ኢዩ።

ሰውራዊ ባይቶ ብቲ ካብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ  ኣትሒዙ ዘጸደቖ መትከል ተቐይዱ    ደጋዊ፡ ውሽጣውን ከባቢያውን ማሕለኻታት ጠሓሒሱ ነዊሕ ተጓዒዙ እዩ። ኣብ መስርሕ ከኣ፡ ናብ  ሰልፊ ማዕቢሉ ብጽንዓት ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግ ክነግስ ይቃለስ ኣሎ። እዚ ሰልፊ ጸኒዑ ተቓሊሱናብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ዘኽኣሎ፡ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ብምኽታሉ እዩ። ካብቲ መትከላት ዝኾነ ይኹን ካልኣዊ ግርጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ፡ሕጉግ ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ፡ ንኣብነት ኣቦመንበር ንክልተ ግዜ ጥራይ ክምረጽ ዝብሉ ይርከብዎ። ሰልፍና ነዚ ዝኽተል ኣብ መጻኢት ኤርትራ እውን እቲ ስልጣን ዝህብ ወይ ዝኸልእ ህዝቢ ብምዃኑ ንልኡላውነት ህዝቢ ኣሚኑ ዝቃለስን  ብድምጺ ብዙሓት ዝግዛእ ሰልፊ ንክኸውን ባይታ ንምጻፍ ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካን ሃይማኖትን ርእሱ ዝኸኣለ ብምዃኑ ኣብ ንሓድሕዱ ጣልቃ ብዘየተኣታቱ ክመሓደር፥ ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ፥ ፖለቲካ ድማ ካብ ሃይማኖት ነጻነቱ ሓልዩ ክጎዓዝ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝህሉ ርክብ ከኣ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ክኸውን።  ስርዓት ኣብዝሓ ሰልፍታት ህያው ዝኾነላ ሃገር ምፍጣርን፥ ነዚ ብዘይጻረር ከኣ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ሓድነታን ተዓቚቡ  ኩለን ምምሕዳራዊ ኣውራጃታት ብዘይምእኩል ምሕደራ ክመሓደር ኢሉ ዝኣምንን ምእንታኡ ዝቃለስን ሰልፊ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ መሬት ናብ ዋንኡ ህዝቢ ክምለስ ዝብል መትከላዊ እምነቱ ኮይኑ፡ ነዚ ንምትግባር ምስ ሃገራዊ ቅዋም ዘይጻረር ሕጊ ክወጸሉ ዝኣምን ሰልፊ’ዩ። ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ብሕድገታትን እንካን ሃብን ኣቢሉ፡  ኣብ ፍርቂ መንገዲ ንምርኻብ ዝብል ኣተሓሳስ  ዝወነነ ሰልፊ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ  ኣብ ዓሌት፥  ብሄራዊ መቦቆል ወይ ሃይማኖትን ጾታን መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዘይብሉ ማዕረ መሰል ከምዝህልዎ ዝኣምንን ዝቃለስን ኢዩ።

ቅድሚ ናይ ሎሚ ሰዲህኤ፡ ሰህኤ ማለት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ቀጺሉ ምስ ክልተ ህዝባዊ ግንባር ዝድሕረ-ባይተአን ውድባት ሰሚሩ። ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝድሕረባይተኦም ኣብ ደንበ ለውጢ ዝተሰለፉ ኤርትራውያን ምስማሩ እቲ ጸለመ መሊሱ ሓይሉ ምንባሩ ዝከር እዩ።  ብፍላይ እተን ኣብ ቻርተር ምህዝነት ዝነበራ ዓንቀጻት 3ን 4ን ግዜአን ዘይሓለዋ ስለ ዝኾና፡ ክወጻ ይግበአን ስለዝበለ ጥራይ መዓት ወሪድዎ። ኣብ ኪዳን ውን እንተኾነ ሰውራዊ ባይቶ  በታ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምምራጹ ጥራይ ከም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ወጻዒ ስርዓት ህግዲፍ ክለግስ ዘይደልን ጸጋን ተቖጺሩ ህዝብን መንእሰያት ንክርሕቅዎ ብዙሕ ተባሂሉ’ዩ። ይኹን እምበር ኣብ ሃገራውነቱን መትከላዊ እምነቱን ጸኒዑ ሳላ ዝተቓለሰ እነሆ ሎሚ እቲ ንሱ እንከሎ እቲ ካብ ቅድም ካብ ብሱል ገምጋሙ ነቒሉ  ደጊም ብረታዊ ቃልሲ ኣብቂዑ፥ ሓድሕድ ውግእ ይኣክል ኢሉ፥ ንሓርነታዊ ቃልሲ ተወዲብካ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምክያድ ዝብል ብተግባር ዝኣወጆ ናይ ብዙሓት ወገናት ቀልቢ ይስሕብ ኣሎ።

ንህላወ ሰልፍታት ስለዝኣምን፡ ኣማራጺ ራኢ ዘለዎም ሰልፍታት ይብዝሑ ይውሓዱ ብዘየገድስ ክምስረቱን ክስሱኑን እምነቱ ኢዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ብዙሑት ሰልፍታት ዝረኽቦ ንዓኡ ጎሊሁን የርብሓንን እዩ ኢሉ ከስተማቕሮ ዝኽእል ለውጢ ንኸመጽእ ዝሓሓ መስመር  ንኽመርጽን ፖለቲካዊ ምዕብልናን ስልጣኔን ክኻዕብትን ዕድል ስለ ዝረክብ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ምልዕዓልን ምትእኽኻብን ይኹን ውደባ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ እዚ ይጠቅም እቲ ኣይጠቅምን ኣብ ዝብሉ ርእይትኡ ክህብ መሰሉን ግቡኡን ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። ሰዲህኤ እምበኣር ንዝተጠርነፈ ክፍንጥሕ፡ ወይ ንበይኑ ዓብሊሉ ክወጽእ ኢሉ ዝጽዕት ሰልፊ ኣይኮነን።

 

መንግሥቲ ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝጀመሮ ምህጋር ናይተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነናን ዝመሓደራን ዝነበራ ተቊዋማት ሕክምና ሎሚ ዕለት 3 መስከረም 2019 ዓምፈ ሰለስተ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክልተ ብተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ሓንቲ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓንቲ ከኣ ብፈይዝ ሚሽን ዝውነናን ዝካየዳን ዝነበራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃገረ ተሓቢሩ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ሰሊኹ ዝወጸ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ክቡር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ዝተጻሕፈ ትእዛዝ ከዝምዙይ ይብል። 'ጉዳዩ ምስግጋር ምሕደራ ኣብያተ ትምህርቲ ይምልከት። ኣዋጅ ኣዋጅ 73/1995 ምሕደራ ዓለማዊ ትምህርቲ ንሃይማኖታዊ ትካላት ፍቑድ ከይዘይኮነ ዝፍለጥ እዩ። ክንድ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራዊ ትካላት በብመድረኹ ናብ መንግስታዊ ምሕደር ክሰጋገራ ጸኒሐን። ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዝርከባ 7 ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ ገለ ምስኣተን ኣብ ሓደ ቀጽሊ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ማእከላይን መባእታን ደረጀታት ናብ መንግሥታዊ ምሕደራ ክሰጋገራ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ መደብ'ዚ ካብ ዕለት 03/09/2019 ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ሓደ እዋን ክትግበር እዩ። ስለዚ ኣካል ሚኒስትሪኹም ዝኾኑ ምምሕዳራት ዞባታት ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ክትግብሩ ሓበሬታን መምርሕን ከተመሓላልፉልና ብኣኽብሮ ንሓትት 'ይብል።

ሰማይ ሃገርኩም ን 28 ዓመት ብዘይ ቊዋም እትመሓደር ሃገርስ ቅድሚ 24 ኣዊጅና ብዝበልዎ እሞ ብተደጋጋሚ ብቃልስ ይኹን ብጽሑፍ ኣይፍላ ንረዳዳእ ብማለት ኣብየት ቢልካ ዘይተሰማዕካሉ ሎሚ ብከምዚ ክመጽእ ዘገርም እኳ እንተኾነ ኣቋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በብሓደ ንሕክምና ዝምልከትስ ይኹን ንትምህርቲ ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ መሥራቲኣ ብሥጋን ብሥጋን ብሥጋን ይሃልዋ ኣይሃልዋ ቤት ሕክምና ይሃልዋ ኣይሃልዋ ወላ ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ እውን ኣይሃልዋ ክትቅጽሎ ምዃና ፍሉጥ እኳ እንተኾነ እንታይ ዝወርድ ዘሎ ቢሉ ንዝሓትት ቅዱስ መጽሓ መልሲ ኣለዎ.

7 ኦሪት እስራኤላውያን ከመይ ኢሎም ኣብ ጸገም ይኣትው ከምዝነበሩ ካብ ዝገልጽ ብዙሕ ዛንታት ንኩነትና ትመሳሰል ኣብ መሳፍንቲ 9. 7-15 ' ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም ኣቱም ሰብ ሴኬም ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ. ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ ነውልዕ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ኣውልዕ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ በለስ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ወይኒ ኸኣ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ እሾዅ ድማ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ እንተ ዘይኰነስ ድማ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ በሎም። ' ከምኡ እውን ኮነ ይብለና።

ሕዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል! ውግዘት ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ምርቃ ከይመስለካ! መርገም ፈላሲ እንትዘይቀተለ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ኣምሓሩ ዝብልዎ የኣቡነ ዘበሰማያት ጦር ሲወጋ እንጂ ሲወረወር ኣይታይም እዩ ነገሩ። ኣስላምና ክርስትያና ከምዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ጌጋ ጌርና ከይንህሉ እሞ ተማህሊልና ሓዊ ኣምጺእና ከይንኸውን ምስትውዓል ከድሊ እዩ። ኤህ ክብሉኻ ኣይጽቡቕን! ስለእግዚአብሔር ስለ ማርያም በቦኻን በደኻን ተለመን ክብሉኻ ዘይምስማዕ ኣይንኡድን። መራሕትና ተለመኑ ካብ ውግዘትን መከራን ሓውን ሃገርና ኣድሕኑ ምባል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝበሃል የልቦን።

ምውራስ ካቶሊካውያን ገዳማትን ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ተቍዋማትን ንመጀመርያ ኣይኮነን። ብዝቀረበ ክንጅምር ንኣብነት! ብ1982 ሻልቃ ዳዊት ወልደገዮርጊስ ዝመርሖም ማርክሳውን ሌኒናውን ፍልስፍና ኢና እንኽተል በሃልቲ ፖሎቲከይናታት ሰበስልጣን ደርግ ገዳማትን ካቶሊካዊ ተቊዋማትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብኢደ ዋኒኖም ወረሱ። በቲ እዋን'ቲ ብደርግ ዝተሃገሩ ገዳማት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ገዳም ማሕበር ካፑቺኒ (ቅዱስ እንጦንዮስ) ጎዳይፍ።

2. ገዳመ ሲታውያን መንበርን ክፍሊ ስነምዕበያን ቤትትምህርትን ሰፊሕ ሕርሻን።

3. ገዳም ኮምቦኒ ካህናት ብሉጽ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን መንበሪ ግዳምን ኮልጅ ኮምቦንን።

4. ማሕበረ ልኡኻን ላዛሪስት መንበሪ ግዳም (ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዋንነቱ ተመሊሱ።)

5. ማሕበር ደናግል ኮምቦኒ ሰፊሕ ቤትትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ማንበር ሳንታ ፋሚልያን ኮልጅ ሳንታ ፋሚልያ።

6. ኣሕዋት ዘላሳል ሰፊሕን ብሉጽን ቤትትምህርትን መንበሪ ገዳሞምን ኮልጅ ላሳል።

7. ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሃና ውሩይ ገዳምን ብሉጽ ቤትትምህርትን ኮለጅ ሳንታ ኣና እዮም።

ኣቡነ ኣብራሃ ነዚ ገዳማት ናብ ዋንነቶም ንምምላስ ብዙሕ መንገዲ ተበላሓቱን ተኸላኸሉን ንጉባኤ ሲኖዶስን ንሓለፍቲ ኢሰፓኣኮ ደብዳቤታት ጸሓፉ ካብቶም ዝጸሓፍዎም ኣደነቕቲ ደብዳቤታት እነሆ ፥

ንሕብረተ ሰብኣዊት ንግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣማኑኤል ዐምደሚካኤል ዋና ጸሓፊ ዝጸሓፍዋ ደብዳቤ

                                                  ኣስመራ የካቲት 27 ቀን 1974 ዓ.ም.ፈ.

                                                   ሳ.ፓስታ ቊ .244 ስልኪ ቊ .10206

ለሕብረተስብኣዊት ኢትዮጵያ ጊዜያዊ ወታደራዊ መንግስት

በኤርትራ ክ / ሃገር ሁለገብ ኣብዮታዊ ዘመቻ ጽሕፈት ቤት

ለክቡር ዋና ጸሓፊ ኣማኑኤል ዓምደሚካኤል ኣስመራ ፥

የሃገሪቱን ምሉ ጥረት የሚፈለግ ስለሆነ ሁለገብ ዘመቻው በክፍ ልሀገሩ የሰላምና ልማት ግቡን ይመታ ዘንድ በመንግስትና በቤተክርስትያን በካከል ኣለመግባባት እንዳይፈጠር ማድረግ እንደ መንፈሳዊ ግዴታዋ ነው የምትቆጥረው ቤትክርስትያን። ከየካቲት 25 ቀን 1974 ዓ.ም.ግ. ዛሬ ድረስ በዘመቻው መስክ ውስጥ ቤተክርስትያን ነክ ይሆኑት እርምጃዎች ተወስደዋል። ውይይት መግባባትን ያቅናናልና ጳጳሳቱ ሆነ ግዳማት ትወካዮቹ ወደ ጉለገብ ዘምቻ ዋና ጸሓፊ እንድንቀርብ እንዲፈቀድልን በትሕትና እልምናለሁ። ኣምላክ ኢትዮጵያ እግዚኣብሔር ይስጥልኝ። ኣቡነ ኣብራሃ

ትርጉም ፥ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘይምርድዳእ ከይፍጠርን ሁሉገብ ዘመቻ ኣብ ክፍለ ሃገሩ ሰላምን ልምዓት ዕላምኡ ምእንቲ ክወቅዕን ናይ ምሉእ ሃገር ጻውዒት የድሊ ኣሎ። ነዚ ከኣ ቤተክርስትያን ከም መንፈሳዊ ግቡኣ እያ ትቆጽሮ። ካብ የካቲት 25.1974 ዓ.ም.ግ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብዘመቻ ምኽንያት ኣንጻር ቤተክርስትያን ዘየድልዩ ስጉምትታት ተወሲዶም ኣለዉ። ምምይያጥ ምርድዳእ ይፈጥር እዩ'ሞ ጳጳስ ኮነ ናይ ገዳም ተወከልቲ ናብ ሁሉገብ ዘመቻ ዋና ጸሓፊ ክንቀርብ ክፍቀደልና ብትሕትና እልምን ኣሎኹ።

ኣቡነ ኣብራሃ

Source=https://www.vaticannews.va/ti/church/news/2019-09/scuole-secondarie-nazionalizzate-dal-governo-eritreo.html#.XXBeU0bWkRY.whatsapp

ቀደም ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ “ተጋዳላይ ምዃን ቀሊል እዩ፡ ተጋዳላይ ኮይንካ ምቕጻል ግና ከቢድ እዩ” እትብል ጥቕሲ ቻይናዊ መራሒ ማኦ ጸቱንግ ግንንቲ ምንባራ እዝከረኒ። ብሓቂ ከኣ ምቕጻል ካብ ምጅማር ከም ዝኸብድ ተመኩሮና ብዙሕ ኣብነታት ኣርእዩና እዩ። ናይ ሓደ ንቕሎ ውጽኢት ኣብ መወዳእታ ስለ ዝረአ ከኣ ብምቕጻል ዘይተሰነየ ንቕሎ ትርጉም ከም ዘየብሉ ፍሉጥ እዩ። ወለድና’ኳ ብዛዕባ ሓደ ጽቡቕ ምጅማር ክሕበሩ እንከለዉ፡ “መወዳእትኡ የርእየና” እዮም ዝብሉ።

ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብዚ ተጀሚሩ ጌና ዘየኸተመ ዘሎ ዝተናውሐ ቃልስና ብዙሓት ብሰንኪ ተጀሚሮም ዘይምቕጻሎም ኣብ ፍረ ዘይበጽሑ ተበግሶታት ኣመዝጊብና ኢና። ናይዚ ኣብነት ከነምጽእ ናብ ቅድሚ 58 ዓመታት ዝነበረ ኩነታትና ከይተመለስና፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቃልስና ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን’ኳ ክንደይ ጀሚርካ ብሰንኪ ዘይምቕጻል ዘበርዓነ ተበግሶታት ኣሕሊፍና ኢና። ሓደ ተበግሶ ተጀሚሩ ንዘይምቕጻል ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉዎ። ብዛዕባ ሎሚ ክትሓስብ እንከለኻ ንጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ ግምት ዘይምእታ ሓደ ካብቲ ምኽንያት እዩ። ክትጅምር እንከለኻ ዘቐጽል ዓቕሚ ኣለካዶ የብልካን? ዘይምፍላጥ እውን ከምኡ። እቲ ዝያዳ ብግብሪ ዝረኣናዮ ከኣ ሓደ መስርሕ መስ ጀመርካ ኣብቲ ጉዕዞ ዘይተጸበኻዮ ብደሆ ከጋጥመካ እንከሎ ጸዋርን ተበላሓትን ዘይምዃን ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ጠንቂ ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ ሓጺር ግዜ ካብቲ ዝከኣል ክነሱ ክሳብ ሎሚ ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ጸገም ክንወጽእ፡ ምሕዝነተ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ካለኦት ካእባዊ ተበግሶታትን ካብቶም ክጅመሩ እንከለዉ ኣዝዮም ዕሙራት ዝነበሩ ክንሶም  በቲ ዝጀመርዎ ናህሪ ኣብ ምቕጻል ግና ነቲ ፈተና ክሓልፍዎ ዘይከኣሉ እዮም። እዞም ንቕሎታት ብወድዓዊ ዓይኒ፡ ንህግዲፍ መኪትካ ህዝባዊ ልዕልና ንምውሓስ ኣገደስትን መድረኻውያንን ነይሮም። እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ተዋሳእቲ ግና ብሰንኪ በዓልቤታዊ ድኽመታትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ክቕጽልዎ ኣይከኣሉን። ሓደ ጉዳይ ጀሚርካ ዘይምቕጻሉ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ፍናንን ተስፋን ናይቲ ናይቲ ስለኡ እትቃለስ ህዝቢ ዝሃሲ እዩ። ናይ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይትስፉው ኩነታት ምውዳቕ ከኣ፡ ዓብይ ኮላፊ ተረኽቦ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ እምነትን ተስፋን ኣብ ዘየንበረሉ መስርሕ ለውጢ ምጉዓዝ ወይ ኣይከኣልን እንተተፈተነ እውን ውጽኢት ከምዘየብሉ ካብ ናትና ኤርትራዊ ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ።

ሓደ ንቕሎ ብዘይምኽንያት ኣይለዓልን እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክባራዕ’ኳ ጠንቁ ቅድም ባዕዳዊ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ክቱርን መሪርን ዘቤታዊዊ ጭቆና እዩ። እንተኾነ ከምቲ “እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝር እዩ ዘሎ” ዝበሃል፡ ኣብ ተመኩሮና ድማ እቲ ጸገም ኣብ ምጅማር ዘይኮነ፡ ኣብ በቲ ዝጀመርካዮ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን እዩ። ሓደ ጉዳይ ብናይ ጽቡቕ መጻኢ ሕሳብን ተስፋን ንጅምሮ እሞ፡ ኣብቲ መስርሕ ዋጋ ከፊልና ክንሰግሮ ዝግበኣና፡ ዘይተጸበናዮ ብደሆ የጋጥመና። ነዚ ብደሂዚ ዘመክት ቅሩብነትን ጹረትን እንተዘየልዩና ከኣ ወዮ ጀሚርካ ናይዘይምቕጻል ሕማቕ ሳዕቤን የጋጥም።

ቅድሚ 21 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ “ናይዚ ዘመና ትርጉም ዘየብሉ ኣዕናዊ ኲናት” ዝተባህለ ውግእ ምስተባረዐ ሰፊሕ ናይ “ዓገብ” ማዕበል ተለዒሉ፡ እንተኾነ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይቀጸለን። ኣብ 2001 ጉጅለ ህግዲፍ ሰፊሕን እዉጅን ናይ ኣልማማ ማእሰርቲ ወፈራ ምስ ኣካየደ እውን ዝተወሰነ ናይ “ስለምንታይ ከምኡ ይግበር” ስምዒታት ኣጋጢሙ። እንተኾነ ነቲ እከይ ተግባር ህግዲፍ ብዝዓጽፍ ደረጃ ኣይቀጸለን። ድሕሪኡ ናይ ዘጋጠመ ተመኩሮ ህልቂት ላፓዱሳን ካለኦትን ተኸቲሎም ዝተቀልቀሉ ማዕበላት እውን ዕድሎም ካብዚ ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ዝተፈልየ ኣይነበረን። እነሆ ከኣ ሕጂ እውን ኣብ ናይ  “ይኣክል” እዋን በጺሕና ኣለና። “ይኣክል”ከ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጀሚርካ፡ በቲ ዝጀመርካዮ ናህሪ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ክመሃር ድዩ ወይስ ነቲ ዘየዕወተ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ርዒሙ ክቑጸ እዩ? ኣብ ቅድሜና እንርእዮ እዩ። ትጽቢትናን ትምኒትናን ግና ንምቕጻል እውን ካብቲ ዝሓለፈ ሃብታም ተመኩሮ ተማሂሩ  “ክኽእሎ እዩ” ዝብል እዩ።

ዓሚ ከምዚ ቅነ ንርሰዖ ኣይመስለንን። ኢሳይያስ ነቲ ብዛዕባ ኤርትራዊ ልኡላውነትን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበሮ ናይ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ፈኸራ ራሕሪሑ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዙሕን ውሑድን ተዛሪቡ። መን ከም ዝጠወቖ እንድዒ ከኣ ነቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝብል ኣበሃህላ ዘንጊዑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ተወራሪትን ወራሪትን ሃገራት ኮይነት ተዋጌን፡ ድሕሪ ምውግአን ከኣ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብኣፍልጦ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ዝተሰነደ ኤርትራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ንክመልስ ብዙሕ ዓዘፍዘፍ ኢሉ። “ኤርትራ ሃገር እያ። እንተኾነ ኢትዮጵያ እተበሃል ሕስምቲ ጐረቤት ኣጋጢማታ” ኢሉ ከምዘይሰበኸ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ጐረባብቲ ህዝቢ’ዩ” ንእንብልን ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ከም ናይ  ዓይንና ብሌን  ንእነኽብር ኤርትራውያን ከኣ ብዘይምፍላጥ ሓቅን ንታሪኽን ከሲሱና። ንመስዋእቲ ጐዮም ዘይጸገቡ መንእስያትን ድርምመን ዘይተፈትሐ ኣደታቶምን ክሒዱ ከኣ “ኣይከሰርናን” ኢልዎ። ከምዚ ዝብል ዘሎ ተጋግዩ ወይ ብስምዒት ተደፋፊኡ ከም ዘይኮነ ንምርግጋጽ ከኣ “ናይ ስምዒት ዘይኮነ ናይ ልበይ እየ ዝብለኩም ዘለኹ” ወሲኽሉ። እዚ ደፋር ክሕደት ኢሳይያስ ማዕበል “ይኣክል” ንክውለድ ካብ ዝደረኹ ጣንቅታት ሓደ እዩ። እንተኾነ ይኣክል ከም ኣጀማምራኡ ክቕጽል ድዩ ወይስ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ንቕሎታት “ንጀምሮ’ሞ ኣይነጸብቆ” ክኸውን እዩ፡ ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዋናታቱ ዘሎ ብደሆ እዩ። ከም ዝኾነ ተመኩሮ ምቕጻሉ ዝያዳ ምጅማሩ ዋጋ ከምዘኽፍል ከኣ ርዱእ እዩ