ኩልና ከም እንርደኦ፥ ሓድነት ንኹሉ ሓደ ወይ ዘይፈላለ ትገብሮ ማለት ኣይኮንነ። ምኽንያቱ ሓደ ህዝቢ ብምሉኡ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ፥ እመነት፥ ድሌት ኣለዎ ማለት ስለ ዘይኮነ። ስለዚ ኩሉ ምሉእ ብምሉእ ክመሳሰል ከምዘይክእል ክንርዳእ ኣሎና። እቲ ቀንዲ ንኹሉ ህዝቢ ኣጣሚሩ ብዝሕዝ ብሓንሳብ ምስራሕ ብዝብል ኣምር ክጠራንፎን ከወሃህዶን ክኽእል እዩ። እዚ ብሓንሳብ ኰንካ ናይ ምስራሕ ሓድነት  ድማ ንናይ ኣባልነት ወይ ምትእስሳር (belongingnes) ስምዒት ሓድነት ማለት እዩ። እዚ ማለት፥ ኤርትራ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት፥ ቋንቋታትን፥ ዓሌታትን ዝውከሉ መነታት ኣለዋ፥ ይኹን እምበር ነታ ኤርትራ እትብል ሃገር ኩልና ንብልጽግነኣን ዕቤታን ብሓንሳብ ኰይንና ምስ እንሰርሕ ምዃንና ሓደ ይገብርና።

ኣብዚ ከም ደቂ ሃገር ኩልና ሓላፍነታውያን ክንከውን ኣሎና። ስለዚ ኣብታ ሃገር ንዝውለድ ዘበለ ኩሉ፥ ወለዶም ነቲ ጽቡቕ ባህልን ልምድን እናኽበሩ ብጽቡቕ ኣተዓባብያን፡ እናኽበሩ ክዓብዩ ከኽእልዎም ይግባእ። ሓደ ህጻን ምስ ተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕቚፊ ወለዱ እንከሎ ተኣዛዝነት፥ ስነስርዓት፥ ሓቂ ምዝራብን ንደቂ ሰባት ዝጎድእ ዘይምሕሳብን ወዘተ፥ ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ስነ-ምግባር እንተማሂረምዎ ንሓድነት ዓብይ ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ ኩሉ ኣተሓሳስባኦም ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ ምርኣይን ምግልጋልን ዝብል ሰናይ ተግባራት ስለዝተዀስኮሰ።

እዚ ብግቡእ ዝተኾስኰሰ ህጻን ኣብ ዝጉብዘሉ እዋን ንልዕልና ሕግን ግዝኣተ ሕግን ዘኽብርን፥ ካብ ኩሉ ድሑር ኣተሓሳስባታት ነጻ ኮይኑ ብኣንነት ንኸይጥቃዕ ይሕግዞ። እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ  ዘይተጸዋርነት ምዝራእ፡ ማለት ብቀቢላ ብሃይማኖት ብዘርኢ ወዘተ ምክፍፋል ገዲፉ ሕውነት፥ ስኒት፥ ይቕረ ምባልን ምትእምማንን ምጽውዋርን ንምፍጣር ይሕግዞ።

ሓድነት እምበኣር ልክዕ ከም ሓደ ተኽሊ ማይን፥ ማዕድንን፥ ንፋስን፥ ዋዕን ዘድልዮ፥ ንሓድነት ድማ፥ ጉርሒ፥ ውሽጣውሽጢ ምስራሕ፥ ቅጥፈት፥ ተንኮልን፡ ጽልእን ዘይኮነ፡ ኣሳታፍነት ተጸዋርነት፥ ግሉጽነት፥ ፍቕሪ፥ ንብዙሕነት፡ ሃይማኖት ይኹን ሓሳብ ምቕባል፥ እዩ ዘጠጥዖ። ሓድነት ንሓድሕድና ምፍቓርን ንኹልና ዘርብሕ ብማዕረን ርህራሄን፥ ምትሕብባርን ዝመልኦ ምግልጋል የድሊ። እዚ ምስ እንገብር እቲ ሓድነት ኣንብሎ ናብቲ ኣቕጣጫ ብዘይ ኣፈላላይን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝኾነን ርኹብን ስኡንን እውን ኣዚዩ ዘይፈላለየሉ፡ ንኹሉ ዘሕጉስ ጥዑይ ህይወት ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዘብጽሕ ይኸውን።

ብሓጺሩ ሓድነት፥ ዘርኡ፥ ሃይማኖቱ፥ ብሄሩ፥ ዓሌቱ ቋንቋኡ፡ ጾትኡ ብዘየገድስ ሓደ ምዃን ማለት ብሃገራዊነት ኣተሓሳስባን ስምዒትን ህንጸት ሃገርን ንኹልና ብማዕረ ከምትብጸሓና ዘርእየና ምሉእነት ናይቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ክፋላት ማለት እዩ። እዚ ማለት ሽሕ እኳ ኣብ ኤርትራ እቲ ናኣሽቱ መግለጺ መንነታት ከም ሃይማኖት፥ ባህልን ቋንቋን ዝኣመሰሉ እንተለውዋ፥ እቲ ሓደ ዝገብረና ግን ኩልና ኤርትራውያን ምዃና እዩ። ምኽንያቱ እዛ ኤርትራ ትበሃል ብሓድነት ናይ ብዙሕነት ዝቖመት፥ ብዓሌት ወይ ብሄር ወይ ሃይማኖት እንተተሸራሪፋ ክንዕቅባ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዘይዓቂብናያ ከኣ እቲ ዝተጠቕሰ ሃይማኖት ይኹን፥ ብሄር፥ ቋንቋ፥ ልምዲ ባህሊ ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ።

ሓድነት እምበኣር ሃገር ኣብ ምምስራትን፥ ምህናጻን ቀንዲ ረቛሒ ካብ ኮነ፥ ኣብ ክብርታትና ወይ ወግዒታትና ሓባራዊ  ስምምዓት ክህልወና ኣለዎ። እዚ ምስ እንገብር ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን  ማዕረ ረብሓን ዝተአስረተ ሓባራዊ ምትእምማን ምህናጽ ሓጋዚ ይኸውን። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ እንበጽሕ ድማ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ሓድሕድ ይፍጠር እሞ ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ይኹን ሽግራት ወይ ግድላት ንምፍታሕ ሓባራዊ ርድኢት ይፈጥረልና። ብተወሳኺ ናይ ካልኦት ድሌታት፡ ወጽዓ፡ ስቅያትን ሽግራትን ናይ ምፍላጥ ኣተሓሳስባና ክነማዕብልን ናይ ምድግጋፍን ምጽውዋር መንፈስና ክብ የብሎ። በዚ ከኣ እታ ሃገርን ህዝባን ሓቢሩ ንዝኾነ ይኹን ሽግራት ንምፍታሕ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ብምጥራይ “ንወገነይ ንኣውራጃይ ንሃይማኖተይ ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ሓሳብ ብንኹልና ክርህወናን፥ ከርበሓናን ዝኻል ሓሳብ ይትካእ እሞ ሓቢርና ናይ ምስራሕን ምንባርን መንፈስ የኻዕብተልና።

ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 16 መስከረም 2019 ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብቴለ-ኮንፈረንስ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባ ኣካይደን።

እዚ ኣኼባ’ዚ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ዕዉት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ እትኻየደ ቀዳማይ ኣኼባ ብምዃኑ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ካብ ዝተፋላለየ ቦታታት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ዝተሳተፋ ኣባላት ሰልፊ፡ ዕዉት ሓድነታዊ ጉባኤን ብድሕሪኡ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዞባና ናይ ምጽንባር መስርሕ መዚነን። ሰልፊ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዘረጋገጾ ሓድነታዊ ጉዕዞ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ምስ ካልኦት ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት ኤርትራ ተመሳሳሊ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣመልኪተን። ብዝሒ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ባይቶ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸሞንተ (ሸውዓተ ኣባላትን ሓንቲ ተጠባባቂትን) ክብ ብምባሉ ሓጎሰን ገሊጸን።

ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝኸይድ ዘሎ ናጻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ምንቅስቓስን ተሳትፎ ኣባላት ሰልፍን ኣሞጒሰን።

ብዘይካ’ዚ እቲ እናሰሰነ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ኣባላት ሰልፊ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ምዃኑን ዝያዳ መሰረታት ሰልፊ ንክሰፍሕ ሕኑን ቃልሲ ከካይዳ ከምዝኾና ኣረጋጊጸን።

ነፍስወከፈን ነቲ ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ተመሪሑ ዝዳሎ ዘሎ ዓመታዊ ናይ ስራሕ መደባት ብሓዲሽን ሕኑን መንፈስን ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ቅሩባት ምህላወን ኣስሚረናሉ።

ኣኼባ ብክብ ዝበለ ናይ ቃልሲ መንፈስ ተዛዚሙ።    

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

16 መስከረም 2019

 

ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብጽሑ Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብጽሑ

ብቀዳም፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ክንህር ምኽንያት ኮይኑ'ሎ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ፡ ቀረብ ነዳዲ ዓለም ብ 5% ዝነከየ ክኸውን ከሎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ካብ 15 ክሳብ 19 ምኢታዊት ናህሪ ኣርእዩ።

እቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ትካላት፡ ናብ ንቡር ኣገልግሎቶም ክምለሱ ሰሙናት ከምዘድሊ ድማ ተገሊጹ።

ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብኢራን ዝተፈጸመ እዩ ክትብል ከሲሳ እያ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐዮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብየመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ተፈጺሙ ንዝበል ሓበሬታ ነጺግዎ።

እቲ መጥቃዕቲ

ብቀዳም፡ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዕዲ ዓረብ፡ ብሰብኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ከም ዝተቓጸለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

የመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሎም ከም ዘካየድዎ ገሊጾም።

ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ፡ ያሕያ ሳሪያ፡ ንመደበር ቴለቭዥን ኣልሚስራሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 10 ሰብኣልቦ ነፈርቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፋ ሓቢሩ።

ቴለቭዥን ኣልሚስራሕ፡ መደበራ ኣብ ቤይሩት ኮይኑ፡ ብጉጅለ ሑቲ እትውነን'ያ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መጻኢ ክቕጽል ከም ዝኽእል'ውን እቲ ኣፈኛ ኣጠንቂቑ እዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49712152

ምሉእ ብምሉእ ኩሉ ብሓባር ናይ ምስራሕ ስምዒትን ድሌትን ዘይክህልዎም ይኽእል። በዚ ዝኣክል ሰባት ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከካይዱ እንከለዉ በበቲ ዝኣምኑሉን ዝስምዖምን፥ ክስለፉ ይኽእሉ። ኣብቲ መስርሕ ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ዘሎ መሰረታዊ ስምዒት ሓደ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣሉታዊ ስምዒት የኸትል።

እዚ ሃገራዊ ስምዒት ንብሎ ዘለና፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ንኤርትራ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፥ ደሙ ኣፍሲሱን ዓጽሙ ከስኪስሉን እዩ። እዚ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ዓጽምን ታሪኽ ዘመዝገበን፥ ንሃገራውነትና ዝሃነጸን ኢዩ። በዚ ዝኣክል ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ዓሌት ይኹን ብሄር ወይ ሃይማኖት ብዘይኣፈላላይ ብሓባር ወፊሩ ኣብ ሓደ ጉድጓድ’ውን ተቐቢሩ ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ጽንዓት ሃገራውነት ስለዘየለ ድማ እቲ ስምዒት ሃገራውነት ናይ ኩሉ ሓደ ከምዝነበረ ርዱእ እዩ። እዚ ሃገራዊ ስምዒት፡ ነቲ ኩሉ ብዙሕነታዊ መንነታት ልምድን ባህልን፥ ሃይማኖት፥ ቋንቋ፡ ዓሌትን ብሄርን ደማሚሩ ሓንቲ ሃገር ዝፈጠረ እዩ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ኣብ ሓባራዊ ውጽኢት ንምብጻሕ ዝተገብረ ሓባራዊ ስርሓት እዩ። ስለዚ ሓባራዊ ስርሓት ኩሉ ግዜ ነቲ ዘይስገር ዝመስል ብጽንዓትን ቅልጡፍን ዕዮ ከረጋግጾ ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ከኣ መዓልታዊ ካብ ሓቅን ቅንዕናን ዝፈልፈለን ጽኑዕ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ከሰንዮ ይግባእ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሓሳባት ይኹን ርእይቶታት ናይ ምቅብባልን ምውህሃድን ክህሉ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
ብሓጺሩ ኣብ ክንዲ ሓደ ውልቀሰብ ንበይኑ ዝተወሃሃደ ጉጅለ ወይ ጋንታ ዝያዳ የድምዕ። ኣብ ከምዚ ሓባራዊ ስራሓት ኣብ መንጎ ሰባት ምትምማንን፥ ንሽግራት ብግልጽ ተዛሪብካ ፍታሕ ምርካብን ዓብይ ሓገዝ የበርክት እዩ። ካብዚ ኣምር እዚ ነቒሉ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነቲ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ብምምዛን፥ ንኹልና ብሓባር ዘሳርሓናን ዘወሃህደናን ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ከም ዝዘርገሐ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ስውር ኣይኮነን። በዚ ዝኣክል ኣብ ናይ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን እንተላይ እቲ ብውልቁ ዝቃለስ ዝርከባ ሰነዳት ክንፈላለየለን ዘይንኽእል ኢሉ ጸሚቑ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣቕሪቡ። ንሳተን ከኣ

1-ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምውጋድ መሓውራት ጭቆናኡን፤
3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
4. ግዝኣተ ሕጊ፡ ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ እየን።

ብእምነት ሰዲህኤ፡ እዘን ሃገራዊ ምቖሚታት እዚአን፥ ንእንገብሮ ሓባራዊ ስራሕ መበገሲ መትከላት ክዀና ዝኽእላ እየን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምናልባት ዝተፈልየ ርእይቶ ክህሉ እንተኾይኑ ነፍሲ ወከፍ ወድብ ይኹን ሰልፊ ክሰማማዕ ወይ ዘይክሰማማዕ ብግልጺ ክገልጽን መተካእታኡ ከቕርብን ይግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሓባራዊ ስርሓት ዝካየድ እማመታት ከም ነናይ ጉጅልኡ መለለዪ፡ መወዳደርን፥ ሰብ ምኽሳብን ገይሩ እንተ ወሲድዎ ናብቲ ዝድለ ሽቶ፥ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ ክንበጽሕን ዓወት ክንጎናጸፍን ኣይንእኽልን ኢና። እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ንኹለን ወይ ንገለ ካብአን ዝነጽግ ኣይሰኣንን እዩ። ይኹን እምበር ኩሎም ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት፣ ኮታ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝቃለሱ ኣብቲ መስርሕ ተሓባቢሮም ክቃለሱ ዕዙዝ ተደላይነት ከም ዘለዎ ዘይኣምን ውድብ ይኹን ሰልፊ የለን።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ሓይልታት፣ መንፈስ ምንጽጻግን፣ ምርሕሓቕን ተወጊዱ፣ መንፈስ ተሓባቢርካ ምስራሕ ክሰፍን ዘይደሊ የለ ዝብል እምነት ኣለና። እቲ ቅድሚ ሎሚ ካብ ግዜ ምሕዝነትን ኪዳንን ኣትሒዙ፡ እቶም ኣዝዩ ዝተቐራረበ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት ክሰምሩ፥ እቶም መሰረታዊ ፍልልይ ዘለዎ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ድማ ኣብቲ ዘሰማምዖም ብንኡስ ናይ ሓባር መደብ ክስርሑ ዝጽውዕ ዝነበረ ሓሳብ ሰማዒ እዝኒ ኣይረከበን። ሎሚ ግን እነሆ መድረኹ ኣኺሉ ነቲ ብዝሓሸ መንገዲ ብሓባር ምስራሕ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ተተሓሒዘናኦ ይርከባ።

ይኹን እምበር ኣብ ተግባር ግን መስርሕ ሓድነት በቲ እንብህጎ ቅልጣፈ ንቕድሚት ክስጉም ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፥ ወይ ገለ ኣብተን ኣርባዕተ ነጥብታት ዝጠራጠሩ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፥ ወይ እውን ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምትሕልላኽን ቅርሕንትን ዘይወጹ ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ነቲ ምድንጓይ ጠንቂ ይኸውን። ዝኾነ ኮይኑ፡ ብመሰረት እተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ 4ተ መበገስታት፡ ኣብዘን ዝስዕባ 3ተ መዳያት ብሓባር ምስራሕ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ጽላል ኣብ ምፍጣር እምነ-መሰረት ምንጻፍ ከም ዝከኣል ናይ ሰዲህኤ ጽኑዕ እምነት ስለ ዝኾነ ግብራዊ መጸዋዕታኡ የቕርብ።
1- ምቛም ሓደ ብስም ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ናይ ወጻኢ ልኡኽ
2- ምቛም ሓደ ብስም ደምበ ተቓውሞ ክዛረብ ዝኽእል ዜናዊ ትካል
3- ምቛም ህዝባዊ ስርሓት ዝከታተልን ዘካይድን ኣካል

ኣብ ርትዓውን ዘይሻራውን መድረኻት፡ ጉዳይ ሃገርና ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራና ኣብ ጭራ ከም እትስራዕ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ” ዝበሃል፡ ይፍቶ ኣይፍቶ ነዚ ባዕሉ ዝዛረብ ኤርትራዊ ሓቂ ክኽሕዶ ኣይክእልን እዩ። ንሃገርና ናብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ሕማቕ ኩነታት ዝውረዳ ጠንቂ ህግዲፍ ባዕሉ ክንሱ፡ ፊትንፊት “ኣሜን” ኢሉ ኣብ ክንዲ ምቕባል ምስቲ ጉዳይ ዝምድና ዘየብሉ ደጋዊ “ዕባራ ምኽንያታት” ምቕራብ ከኣ ክብደት ዘይወሃቦ መህደሚኡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ሓንቲ ካብቶም የማናይ ኢድ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኾኑ ብደዎም ዝሞቱ መጋበርያታቱ፡ ወ/ሮ ፎዝያ ሓሽም ነቲ ሓቀኛ ኩነታት ኤርትራ ዝድህስስ መረረን ቁጠዓን ዝደረኾ  ርኢቶን ሕቶን ደለይቲ ለውጢ፡ ኣፋ መሊኣ “ሓቂ እዩ” ወይ “ሓሶት እዩ” ክትብሎ ኣይከኣለትን። እቲ ክትብሎ ዝፈተነቶ፡ ካብቲ ጐይተኣ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ንኩሉቲ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን በደል ንኻለኦት ዘይኤርትራዊ ወገናት ኣላጊቡ ክሃድም ህርድግ ምባል እዩ። እቲ ካልእ ዝፈተነቶ ምስምስ ኩሉ ገበናቶም ምእንቲ ጸጥታን ድሕነት ኤርትራ ከም ዝተፈጸመ ኣምሲላ ንምቕራብ እዩ። ስደትን ፍልሰትን እንተበልካ፡ ብኩራት ፍትሒ እንተበልካ፡ ሕገመንግስቲ እንተበልካ ኮታ ክንደይ ኢልካ ክዝርዝር፡ ቅድምስ ንወያነን ኣሜሪካን ይላገብ ነይሩ፡ ሎሚኸ ንመንኮን ከላግብሉ ይኾኑ? ኣብ ጉዳይ እገዳ ምሕባእውን ነይሩ እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ውግእ ስግኣት ውን ህግዲፍ ናይ ብዙሓት ግሩሃት ቀልቢ ስሒብሉ ዝጸንሐ እዩ። ሎሚ ግና እዚ መሕብኢ በዓትታ’ውን ፈሪሱ። ሎሚ ዘላ ሓንቲ መመሳመሲት ዘይጭበጥ ናይ “ከምዚ ክንገብር ንሓስብ ኣለና’ሞ ተጸበዩና” ዘይፍጸም ቆጸራታት ምሓዝ እያ።

ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ደረጃ ምዕባለ ሃገራት ምውድዳር ንቡር እዩ። ነዚ ዘሳልጣ ዓለም ለኻዊ ትካላት’ውን ኣለዋ። ኤርትራ  እውን ወዮ ደኣ ህደግለነ ዘየብሉ ምምሕዳር ወሪዱዋ እምበር፡ ልኡላዊት ሃገር እንድያ፡ ናይቲ ምውድዳር ኣካል ክትከውን ክንዕዘባ ጸኒሕና ኢና። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ኣብ ኩሉ ዝርዝራት ብቲ ዝኸፈአ ሸነኽ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ምዃና እዩ። ብብዝሒ ስደተኛታት ምስ ሃገራት ተወዳዲራ ኣብቲ ናይ ሕማቕ ጫፍ ካብ እትኹደጭ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ። ሕጂ እውን ካብኡ ኣይወጸትን። ብኩራት ሕገመንግስታዊ ስርዓትን መንግስታዊ ትካላትን፡ ስእነት ልዕልና ሕግን፡ ኣዝዩ ዘደንጹ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ምስዋር ዜጋታትን ክለዓል እንከሎ እውን ከምኡ። ብኩራት ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሃገሩ ክሕሰብ እንከሎ ከኣ፡ ኤርትራ ኣብ ጫፍ ናይቲ ዝሓመቐ ኣቕጣጫ ትርከብ። ዩኒቨርስቲ ምዕጻው፡ ናይ ብሕቲ መዲያ ዘይምህላው፡ ብዘይመንግስታዊ ኣካላት ዝመሓደራ ኣብያተ-ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ምርሳይን፡ ህዝቢ በዘይመረጾ መራሒ ብምምራሕ  እቶም ቀንዲ ኤርትራ ኣብ ድሕሪት እትስረዓሎም መዕቀንታት እዮም። እነሆ ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ መሰልን ምእሳርን ጋዜጠኛታትን ተሪር ምቁጽጻርን (ሳንሱር) ኣብቲ ናይ ሕማቕ ዝርዝር ቅድሚት ከም እትስራዕ ነዚ ዝምልከቶ ዓለም ላኻዊ ትካል ነጊሩና። እንተኾነ ንሕና ኮነ ዓለምና ብናይ ህግዲፍ ኣሉታዊ ዜናታት ደንዚዝና ስለ ዝኾና ከም ሓድሽ ተረኽቦ ዝውሰድ ኣይኮነን። ምናልባት “ኣብ ኤርትራ ንክንድዚ ዝኣክል ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ዜጋታት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም” እንተዝበሃል ግና እዝንና እንህቦ ዜና መኾነ።

ሓደ ጥዑይ መንግስቲ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዝተሓተ መስርዕ ክወርድ እንከሎ፡ ዘተሓሳስቦ ጥራይ ዘይኮነ ህጹጽ ፍታሕ ክረኽበሉ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ መኾነ። ጉጅለ ህግዲፍ ግና፡ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኮይንዎ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ዝሃንደሶ ስለ ዝኾነ፡ ኣየሻቕሎን ጥራይ ዘይኮነ ከም ጽቡቕ ግብሪ ዝፍክረሉን ዝንየተሉን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝሕዝን ከኣ ገለ ብግብሪ ግዳይ ወጽዓ ህግዲፍ እንዳኮኑ፡ ኣብ ጥራይ ከብዶምን ዝባነሞን “ንዓና ንሱ ጥራይ እሞ በዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ እዩ ዝኽእለና” እናበሉ ዘሻህርትዎን ናይ “ጽቡቕ ኣለኻ” ምልክት ዝህብዎን ምህላዎም እዩ። እቶም ምስ በዓል የማነ ገብረኣብ ክስዕስዑ ዝሓድሩ ናይዚኣቶም ኣብነት እዮም።

ኩሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግዲፍ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ከነልዕል እንከለና፡ እቲ መልእኽቱ ናብቲ ጉጅለ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ደኣ ወዮ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ካባና ሓበሬታ ዝደልየሉ ኣይኮነን። ምናልባት ክፉእ ተግባራቱ ተረዲእዎስ ኣካይድኡ ከዕሪ እዩ ዝብል ተስፋ እውን የለን። ንሱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንህዝቢ ዝርህርህ ሕልና ከምዘየብሉ ኣረጋጊጹ እዩ። ደጊም ግዜን ቃልሲ ሓይልታት ለውጥን እንተዘይኣገዲድዎ  ህግዲፍ “ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን” ዝብሎን ዝሰርሖን የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ህግደፍ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከጥሪ ኢልካ ምጽባይ ከም “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” እንወስዶ። እዚ ከብሃል እንከሎ ልቢ ህግዲፍ ናብ ምድረበዳ ካብ ተለወጠ ኣፍና ንሓዝ ማለትና ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ነዚ መንገዲ ጥፍኣት ዝመርጽ፡ ብኡ ኣቢሉ ዘዕውቶ ስለ ዘለዎ’ዩ። ስለዚ ነቲ ንሱ ዝረገጦ ናይ ለውጢ ኣፍደገ ባዕልና ክንከፍቶ ክንበቅዕ ኣለና። ካብዚ ውጻኢ ካልእ ምርጫ የለን።

ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብሳላ ስልጣነ ከም ሓንቲ ገዛ እትምሰለሉ ዘላ ግዜ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ጉዳይ ካብ ካልእ ተፈልዩ  ዝርኣ ኣይኮነን። እኳደኣ ዓለም ተጸላላዊት እያ። ምስዚ ኩሉ ግና ጥዑያት ምምሕዳራት ቀዳምነት ዝህብዎ ነናይ ገዛእ ርእሶም ህዝብን ሃገርን ረብሓ እዩ። ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ትሕቲ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ዝሰርዑ፡ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ዘይሓላፍነታውያን ወጻዕቲ መራሕቲ ግና ዝምድና ኣብ ምፍጣር ኣይጽገሙን። ቀንዲ ዕላመኦም ከኣ ረብሓ ናይቶም መዛምድቶም ምምላእን ግላዊ ረብሓኦም ምድላብን ስለ ዝኾነ። ንኣብነት ኢሳይያስ ምስ በዓል ዓረብ ኤምረትን ሱዕድያን ክዛመድ እንከሎ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክብሪ፡ ረብሓን ስምዒትን ኣብ ግምት ስለ ዘይእትው ጁባኡ ክሳብ ዘየጉደልሉ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ እናመጠወ ክዛመዶም ንድሕሪት ኣይብልን። ክበኣሶም እንከሎ እውን ከምኡ።

ስለዚ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዕቀኒ ናይ ሕማቕ ውጽኢት ኣብነት ኮይና ትጥቀሶ ዘሎ ወጺኣ ኣብ ንቡር መስርዕ ክትስራዕ፡ ናትና ሓላፍነት እዩ። እዚ ከኣ ምስ ምዕዋት ናይቲ ጌና ዘየዕወትናዮ ዘለና መስርሕ ለውጢ ጥራይ ዝረጋገጽ እዩ።

 

ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ Image copyright ETHIOPIAN PRESS AGENCY ናይ ምስሊ መግለጺ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፡ ደቂ ሶርያን የመንን ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ [ኣሸበርቲ] 'ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ' (ዳዒሽ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሹም ኢታማዦር ኮለኔል ተስፋዬ አያሌው፡ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማታት ጅግጅጋ፣ ድሬ ዳዋ፣ ሞያሌን ዶሎን ከምዝተታሓዙ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቁጽሮም ብዙሓት ምዃኖምን እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ብምግላጽ፡ ክንደይ ምዃኖም በንጹር ካብ ምጥቃስ ተቖጢቦም።

ቅድም ክብል፡ ጉጅለ ራዕዲ ዳዒሽ ብመገዲ ቴሌግራም ኣቢሉ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ገለ መልእኽታት ኣቃሊሑ ከምዝነበረ ይዝረብ።

እዚ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ድሕነት ሃገርና ጽኑዕ እዩ። እቲ ጉጅለ ዘሊቑ ክኣቱ ኣይከኣለን። ፕሮፖጋንዳ እዮም ዝነዝሑ ዘለዉ። ኣብ ከባቢ ዶብ ድማ፡ ጽኑዕ ሓለዋ እናገበርና ኢና" ኢሎም።

መብዛሕተኦም እቶም ተጠርጠርቲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ውግእ ከምዝተትሓዙ'ውን ወሲኾም ኣረዲኦም።

ኣብ ቁጽጽር ዝወዓሉ፡ እቲ ብኣምሓርኛ ዝተፈነወ መልእኽቲ ስዒቡ ከምዝኾነ'ውን ሓቢሮም።

ቅድሚ ሐዚ፤ ኣባላት እዚ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ፡ ኣብ ሃገረ ሶማል በሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ንመንግስቲ እታ ዓዲ ከምዝተውሃቡ ዝዝከር እዩ።

ብመንግስቲ ስልጠና ካብ ዝወሃቦም ጀሚሩ እኹል መረዳእታ ከምዝነበሮ ብምዝራብ፡ እቲ ጉጅለ ገሊኦም ካብ መንገዲ ሒዙ "ቅርሺ ክንህበኩም ኢና" እናበለ ከምዘታለሎም'ውን ጠቒሶም ።

መብዛሕተኦም ግን፡ ብፓስፖርታት የመንን ሶርያን ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ምዃኖም ተፈሊጡ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49665169

ወርሒ መስከረም ብኹሉ መኣዝና ምስ እንምልከታ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ወርሒ ለውጥን ተስፋን ሕመረት ታሪኽናን ነጥበ-መቐይሮን እያ እንተበልና ኣይተጋገናን።

ምኽንያቱ፡

1 - መጀምርያ ዓመት ኮይና ካብ ጸልማት ክረምቲ ናብ ብርሃን ሓጋይ እንሰጋገረላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፤

2 - ስእነትን ጥምየትን ኣፋኒና ናብ ጽጋብን ራህዋን እንኣትወላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፤

3 - ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክፉእ መግዛእታዊ ጭቆናን ዘስዓቦ ስንብራትን ብዕምቈት ኣለሊና ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝወሰንናላ ዕለት ስለ ዝኾነት‘ያ።

ሎሚ ኣብዛ መበል 58 ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ቃልስና እምበኣር፡ ነተን ኣብ ቍ 1ን 2ን ዘለዋ ከም ርዱእ ወሲደ፡ ናብዛ ክብርቲ መዓልቲ መስከረም 61 ዝምልከት ሓጺር መልእኽተይ ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ።

እዚ ከኣ፡ 1 - ስለምንታይ ክንቃለስ ተገዲድና?

2 - እንታይ ዕጥቂ ኔሩና እንታይከ ኣጋጢሙና?

3 - ከመይ ተሰጊሩ እንታይ ኣዐዊቱ?

4 - እንታይከ ተሪፉዎ?

5 - እንታይከ ክንገብር ይግበኣና? ኣብ ዝብል መግለጺ ከተኵር‘የ።

1 - ንቃልሲ ዝመረጽናሉ ምኽንያት፡ ዝተቐያየሩ ባዕዳዊ መግዛእቲ መሪሩናን ካብኡ ሓራ ንምውጻእን ክኸውን ከሎ፥ ነጻነትና ብሰላም ክወሃበና ሓቲትና ኣንጻር ድሌትና ስለ ዝተመለሰልና፡ ምርጫ ስኢንና ዝኣቶናዮ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝፈጠሮ ውሳኔ‘ዩ።

2 - ዕጥቂ ተሪር ሃገራዊ ፍቕሪ ዝወለዶ ኒሕ እምበር፡ ኣነ ኣለኹ ዝበለ ካብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ሓይሊ ኣይነበረን። መሳርያ እንተኾነ ንሃድን እኳ ዘይበቅዕ፡ ዝኣረገ ጓንዴ ምንባሩ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተገልጸ ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብሃልን።

3 - ከመይ ተሰጊሩ ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ ኣሽምባይ ምስ ኩሉ ዓቕሚ ዝወነነ ንሕስያ ዘይብሉ ባዕዳዊ ጸላኢ፡ ነቲ ባህርያዊ ሰርቢ ማይ ወይ ብርቱዕ ጸሓይ ዘዕቁብ በዓቲ ወይውን ዕሙር ጽላል ከይረኸብካ ንምስጋሩ ዘጸግም‘ዩ።

ሰውራ ኤርትራ ከኣ፡ ብታሕቲ ረመጽ ብላዕሊ ሓዊ ኣብ ዝተጻወደ ፈታኒ እዋን ምንባሩ፡ ንምርድኡ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ይኹን‘ምበር፡ ብሳላቶም ከም ወርቂ ብሓዊ ተጠቢሶም ዝሓለፉ ፍቱናትን ጽኑዓትን ዘርኣይዎ ብዋጋ ዘይትመን ኣስተዋጽኦን ተወፋይነትን፡ መላእ ህዝብና ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶን ጻዕርን ትንፋስ ሰዂዖም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣናብስ ተቐይሮም ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምርዓድ በቒዖም።

ንኣመዓባብላ ሰውራ ኤርትራን ተሳታፍነት ህዝብን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክግምገም ከሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘጋጠመ ፍልልያትን፡ ንሱ ዘስዓቦ ህልቂት መንእሰያትን እንተዘየጋጥም ኔሩ፡ ቃልስና ካብ 30 ዓመት መስዋእትና ድማ ካብቲ ዝኸፈልናዮ ብፍርቂ ክጐድል ከም ዝኽእል ዘይንፈላለየሉ ሓቂ‘ዩ። ይኹን‘ምበር ዝኸበደ ይኽበድ ዝጸንከረ ይጸንክር፡ ኣብ ቅድሚ መሰለይ ኢሉ ብቘራጽነት ዝተበገሰ ውጹዕ ዝጸንሕ ሓይሊ ከም ዘየሎን ዘይህሉን፡ ንዓለም ብዘስተምህር ደረጃ ተዓዊቱስ ልዑላዊት ሃገር ኣረጋጊጹ።

4 - እንታይ ተሪፉዎ? ኩሉ ከም ዝርድኦ፡ ብረታዊ ቃልሲ ሂወትካ ዝሓትት ንሕስያ ዘየብሉ ናይ ሞት ወይ ሂወት እምበር፡ ከም ቤት ትምህርቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓለፍካ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕካ፡ ብዲግሪ ተመሪቕካ፡ ሞያዊ ስልጣን እትበጽሓሉ ውሑስ ቦታ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝተሰለፈ እንታይ ፈጺመ እስዋእ እምበር፡ ኣበይ ተጸጊዐ ካብ ሞት አምልጥ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ውሽጢ ቃልስና ተሓቢኦም ውጽኢት ሰውራና ተቓጽዮም ክሰርቁ ዝሓልሙ ክህልዉ ይኽእሉ‘ዮም ኣብ ዝብል ግምት ከየድሃብና፡ ኩሉ ሃምናን ቀልብናን ኣንጻር መደበኛ ጸላኢና ጥራሕ‘ዩ ዝጠማጠም ኔሩ። እዚ ብክትሰምዖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በቶም ዝወዓልዎ ሰብ ቅያ‘ውን ንክትኣምኖ ዘጸግም መስርሕ ጅግንነትን፡ መዳርግቲ ዘየብሉ መስዋእቲ ብሉጻትን ዝመጸት ነጻነት፡ ባህግን ድሌትን በዓል ጻማ ዝኾነ ህዝባ ከተማልእ ብዘይምኽኣላ፡ ኣብ ጉዕዞና ከየጽረናዮ ዝኣቶና ክርዳድ ምንባሩ፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሎሚ ዘሳቕዩና ዘለዉ ጉድለታት‘ዩ።

5 - እዚ ጌጋ‘ዚ ከኣ፡ ኣብቲ እንታይ ክንገብር ይግበኣና? ዝብል ሕቶ ክንምለስ ይግድደና።

ከምቲ ኣብ ቍ.1 ናይዞም ተኸታተልቲ ሓሳባት ዝተጠቕሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሪር መግዛእትን በሰላታቱን ኣጽሊኡዎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ዝባኑ ቀንጢጡ ክጉሕፎን፡ ኣብ ቦታኡ ልዑላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ኣረጋጊጹ ከቢሩን ቀሲኑን ክነብር ብዝብል ዕላማ ካብ ተቓለሰ፡ ሎሚ ደኣ እንታይ ስለ ዝረኸበዩ ዘጣቕዕን ኣብ ሬሳታት ደቁ ዝስዕስዕን ዘሎ?

ኩነታትን መሰላትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክነጻጸር ከሎ፡ ምምሕዳር ባዕዲ ከም ዝሓይሽ፡ ዓለም ብምልእታ ትዛረበሉ ዘላ ብዝሒ ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ዘሎ ሓሳረ መከራን ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ‘ዩ።

እዚ ካብ ካልኣይ ወለዶ ዘይሓልፍ፡ ናይ 60 ዘይኣክል ዓመታት ዝተፈጸመ፡ ፈታውን ጸላእን ዘደነቖ ታሪኽ ጀጋኑ፡ ኣብነት ጽንዓትን ተወፋይነትን ከመይ ገይሩ ብከምዚ ሕጂ ዘሎ ሃለዋት ኣብ ህድማን ንዓይ  ይጥዓመንን እንታይ ገደሰንን ይልወጥ? ነዚ ንምምላስ እምበኣር፡ እንታይነትን ሕጋውነትን መሰረተ-ስነምግባር ሕብረተሰብና ተመሊስና ክንውከስን ክንሰርሕን መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ‘ዩ። ንሱ ከኣ እዚ ብብሔራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን ብዙሕነት ዝልለ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ኣኣውራጃኡን ምምሕዳሩን፡ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ‘ውን ከይተረፈ ኣድልዎ ብዝወገደ ጽፉፍ ሕጊ እንዳባ እንዳተመሓደረ፡ ብሃገር ደረጃ ተሪር ፍቕርን ምትእምማንን ዝወለዶ ሃገራዊ መንነት ከጥሪ ስለ ዝኽእል‘ዩ፡ ብሓባር ንነጻነት ተቓሊሱ ክዕወት ዝኸኣለ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እምበኣር ካብዚ ሃገራዊ ስነምግባር ስለ ዝጠፍአ እዩ ንሃገሩን ህዝቡን ይትረፍ፡ ንነብሱ ምቕጻል ሓርቢቱዎ ነፍሰ-ቅትለት ዝፍጽም ዘሎ። ስለዚ እምበኣር ወርሒ መስከረም፡ ነዚ ናይ ሎሚ ወሎዶ ባህርን ስነምግባርን ኣቦታቱ ክወርስን፡ ንዝተረኽበት ሃገራዊ ነጻነት ዓቂቡ ንቀጻልነታን ዕቤታን ሓቢሩ ክሰርሕን ልዑል ሓላፍነት ተሰክሞ።

ታሪኽ እኩብ ድምር ተረኽቦታት ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝደክምን ዝሕይልን ዝጐድልን ዝውስኽን እምበር፡ ኣብ ሓደ ዝተቐመጠ እምኒ ስለ ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ወለዶ ነታ ብዝርያ ዓለማት ዝተነፍገትና ነጻነት ኣምጺእና ከም ዝደለናያ ዘይክትከውን ትኽእል እያ።

እዛ ነጻነት እዚኣ‘ውን ህያብ ሰማእታት ንህሉዋት እያ። ኩሎም ህሉዋት ብሓፈሻ ወረስቲ ሕድሪ ዝኾኑ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ክዕቅብዋን ክሰርሑዋን ብሰላምን ቅሳነትን ክነብሩላን ዝኽእሉ ሃገር ክገብሩዋ ሓላፍነቶም ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ውድቀትን ዕንወትን ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

   

ወለዶታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ መድረኹ ሓልዩ እናተተኻኸአ ብቐጻሊ መስርሕ ዝሓልፍ እዩ። እቲ ዝኣረገ ብሓዲሽ  ክትካእ፥ እንከሎ ሓዲሽ ድማ ተራኡ በጺሑ ከም ዝኣርግ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይለውጢ ዝኸይድ መርስርሕ ስለ ዘየለ። መንእሰይ ነይሩ ይጉብዝ፥ ይዓቢ ይኣርግ-ብመንእሰይ ድማ ይትካእ። እቲ ዝትክእ ዘሎ መንእሰይ ድማ ከምኡ ይጉብዝ፥ ይዓቢ ይኣርግ እሞ እንደገና ብመንእሰይ ይትካእ። ኣብቲ ዘይተርፍ ብናቱ ሕጊ ዝግዛእ መስርሕ ኩሉ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመክሮ እናቐሰመ፥ ብግዲኡ ክሳብ ብሓዲሽ ዝትካእ ይቕጽል።

ደቂ ሰባት፡ ብዕድመ ዝፈላለዩሉ ከከም እቲ ኣፈጣጥርኦም እዩ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ዕድመ ፍልልይ ከም ናይ ቀንዲ መንቀሊ መፈላለዪ ጌርካ ክውሰድ ኣይከኣልን። ንኣብነት ኣብ መሓረስ ዝነብር ሕብረተሰብ፡ ኣብዑር ጸሚዱካ ንምሕራስ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሊዱ ኣብቲ መስርሕ ዝጸንሐ ተመኩሮ ከይወረሰ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ስለ ዝጎበዘ ጥራይ ነቲ ማሕረስ ክበቕዖ እዩ ምባል ዘይከውን ኢዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ንዓኡ ዝገዝእ ባህርያዊ ሕጊ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ኣብ መንጎ ነባር ሓዲሽን፡ ኣብ መንጉኡ ናይ ትማልን ናይ  ሎምን ዝፍጠር ምዕብልና፡ ነቲ ገዲምን ሓዲሽን ኣብ ኣተሓሳስባ ይኹን ኣብ ምህዞታት ወይ እውን ፍልጠት እናማዕበለ ስለ ዝኸይድ፡ እቲ ገዲምን ሓዲሽን ናይ ግድን እዩ ምትእስሳርን ምጽልላውን ክህልዎም።

በዚ መሰረት እቲ ዝፍጠር ፍልልይ ነቲ ምዕብልና ዘርከበሉን ዘየርከበሉን እዩ እምበር፡ ናብ ግርጭት ዘብጽሕ የብሉን።  ንኣብነት ቅድሚ ሞባይል ምትእትታዉን ድሕሪኡን ዘሎ ፍልልይ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ግን እቲ ፍልጠትን ምዕብልናን ካብቲ ዝነበረ ገዲም ተወራሪሱ ዝቐጸለ እዩ። ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ እዚ ሎሚ ብትራክተር ዝሕረስ ዘሎ ምስቲ  ቐዳሞት ወለድና በብዑር ክሓርሱ ከለዉ ዝነበረ ኩነታት እንታይ ዘገራጩ ኣለዎ? እንታይከ ዘካስስ ኣለዎ? ኩሉ በብመድረኹ ቅቡል እዩ። ሎሚ ኣብ ገዳይምን ሓደስትን ወይ እውን ዓበይትን መንእሰያትን ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ ስለምንታይ ይጋፋሕ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ እዩ።

እንታይከ እዩ ነቲ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ ዘጋፍሖ ክንመራመረሉን መፍትሒ ክንረኽበሉን የድሊ። ከምኡ እውን ብርግጽከ ናይ ፍልልይ ኣሎዶ? እንተልዩኸ እንታይ ይመስል? ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ በቶም ቅድመኻ ጸሓይ ዝረኣዩ ዝደለብዎ ተሞክሮ ንድሕሪት ገዲፍካ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይከኣልን እዩ። ብዝኾነ ግን ክልቲኡ ኣካላት ገዲምን ሓዲሽን ወለዶ ዘለዎም ድሌት ወይ ሃንቀውታ ሕደ እዩ። ክመሃሩ፥ ክሰርሑ፥ ክመስሉ፡ ነጻ ክኾኑ፡ ክብልጽጉ፥ ዋላ እኳ ብዕድመ፥ ናይ መነባብሮ ልምዲ ወይ ተመኩሮ ኣብ  ህይወቶም ዝከይድ ራኢን ዝፈላለ  እንተኾነ ካብ ሓድሕዶም ብዙሕ ክኸስቡ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ኣሎ። ብፖለቲካዊ መዳይ እንተርኢና እውን ነዚ ምልኪ ኣብ ምልጋስ ኣብ ዓበይትን መንእሰያትን ፍልልይ የሎን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል’ውን እቲ ድሌት ተመሳሳሊ እዩ።

እቲ ጸገም ምናልባት እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ገዳይምን ሓዲሽትን (ዓበይትን መንእሰያትን) ዘሎ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ፡ ጠንቁ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ዝዘርኦ መርዛም ፈልሲ ከይኮነ ኣይተ ርፍን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቅድም ዝነበረ ባህሊ፡ ልምድን ወግዕን ኻካልእ ስለዝተከኦ። ነቲ ዝነበረ ባህሊ፥ ልምድን፥ ወግዕን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ተመክሮ ከይቀስም፡ ናብ ሳዋ ወሲዱ ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ስለ ዘይካይድ። እዚ ሓድሽ ወለዶ (መንእሰይ) ወለዶ ብኽመይ ዝብለ ሞራልን፥ ቀጥዕን እዩ ተዀስኲሱ ንዝብል ምምርማር የድሊ። ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእትን ድሕሪ ናጽነትን ዝነበረ ኣተኣላልያ መንእሰይ፡ ገና ብዕሸሉ እንከሎ፥ እቲ ስርዓት ብዝደልዮ ኣስተምህሮ ዝቓንዮ እምበር መቐጸልታ ቀዳሞት ወለዱ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ መንእሰይ ብዘይምስትውዓል በቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ከምዝተጠቕዐን ከምዝተጎድአን ገይሩ ክመዝኖ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ቅድም ዝተሰደ ገዲም ኣብ ትምህርትን ካልእ መዳያትን ነብሱ ክኢሉ፡ ዝፈጥሮ ፍሉይ ስምዒት እውን እቲ ሃጓፍ ኣብ ምፍጣር ግደ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ንገዛእ ርእሱ ወሊዱን ዘሚዱን ደቁ ኣምሂሩን ሓብሒቡን፥ ንደቂ ካልኦት ክቃልስን ከሰልፍን ይጉስጉሱ። እዚ “ንደቆም ከሰልፉ ኣይደልዩን” ዝብል ኣተሓሳስባን  ገምጋምን ዝፍጠሮ ስምዒት ካልእ መረሓሓቒ ጸገም እዩ። ሳልሳይ እቲ ካብቲ ቃልሲ ተኣልዩ ዝጸንሐ ገዲም ወለዶ ነቶም ነቲ ቃልሲ ዝቐጸሉ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ፥ ፍልልያት ኣብ ምግፋሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናብቲ መንእሰይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ክኢሉ እዩ።

ስለዚ እዝን ወዲ ከምዝን ብዝፈተሮ ጸገም ገዲምን ሓዲሽን ወለዶታት  ፍልልያቶም ኣብ ምፍታሕ ክናበቡ ብዘይምኽኣል፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክብን፥ ኣተሓሳስባን ኣብ ስነ-ኣእምሮ እቶም መንእሰያት ዝፈጥሮ ጸገም ክህሉ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ብዓቢኡ ድማ እተን ዘለዋ ውድባት ወግሐ ጸብሐ ምፍንጫል ከይኣኽለን፡ ኣብ ንሕድሕደን ክወናጀላን ክካሰሳን፥ እቲ ስርዓት ነቲ ምውጣጥ ግርም ገይሩ ስለ ዝምዝምዞ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝፈጸሞ ገበን ተረሲዑ፡ እቲ ውድባትን ነባራት ተቓለስቱን ክኽሰሱ ፍትሓዊ ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዝኸበደን ሓደገኛን ጐስጓስ ግና፡ እቲ ስርዓት ብወይጦታቱ ኣቢሉ ዝዝርገሖ ናይ ሓሶት መናፍሕን፡ ቅድም ክብል ነቶም መንእሰያት ዘስነቖም ግጉይ ትምህርትን እዩ። እቲ መንእሰይ ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽን ተመኩሮ ቃልልስ ኣፍልጦ ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ነገር ልሙጽን ጥጡሕን ባይታ ዝነበሮ ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። እዚ ድማ ካብቲ እወንታዊ ነቲ ኣሉታዊ ብዝያዳ የጉልሖን ብኣኡ የማርርን። ከምኡ እውን እቶም መንእሰያት ነቲ ሽግር ናይቶም ገዳይም ስለዘይፈልጥዎ ነቲ ኩሉ ጉድለታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ነባራት ክጽጽፍዎ ይህንደዱ። እዚ ከኣ መንእሰያትና ተመሊሶም ኣብ ሚዛኖም ዳግመ-ግምት ክገብሩ ሓላፍነት ዘሰክሞም እዩ።

ሃገረ ኤርትራ - ናብ ኣቶ ሰመረ ርእሶም - ሚንስተር ትምህርቲ - ኣሥመራ።                                                                                                                                                         

 ኣሥመራ  04.09.2019  (፳፱ ነሓሰ ፳፻፲፩  ዓ. ም. )

ጕዳይ፦ ብመንግሥቲ ዝተወስደ ናይ ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርቲ

1.  ንሕና ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ንሃገርና ኮነ ንኵነታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሃገርና ብዚርኢ፣ ምስ ኣካላት መንግሥቲ ተራኺብና ክንዛረብ ክንላዘብ ናይ ወትሩ መደብና ድሌትናን እዩ። እዚ መደብን ድሌትን ግን ብወገን መንግሥቲ ዝኾነ ግምት ኣይተዋህቦን። ምእንት’ዚ ሕጂ’ውን፡ ተቃውሞና ናብ ዚምልከቶ ኣካል መንግሥቲ ነቕርብ ኣሎና። ተቃውሞና ድማ ቤተክርስትያን ተልእኮኣ እትፍጸመሉ ናይ ሕክምናን ትምህርትን መጋበርታት፣ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋናት  መንግ-ሥቲ ብኢደ ወነኑ ናይ ንምውሳድ ንዝገበሮ ስጕምቲ ብዚርኢ እዩ።

2.  ኣብ ከተማ ኣሥመራ ዚርከብ መድኃኔ ዓለም 2 ደረጃ ቤትትምህርቲ ዘርአክህነት ብትእዛዝ መንግሥቲ ካብ ዚዕጾ ደጊም ዳርጋ ክልተ ዓመቱ መሊኡ፣ እዚ ቤትትምህርቲ’ዚ ካብ 1860 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እናተተኽለ፣ልዕሊ 100 ዓመት ዘቝጸረ፣ ማለት ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ትምህርቲ ቀለምን ትምህርት መንፈስን ኣላፊኑ ብምሃብ፣ ንቤተክር-ስትያንን ንሃገርን ዜገልግሉ መንእሰያት ዝዀስኰሰ ቤትትምህርቲ እዩ፣ከም’ዚ ዝበለ ርኡይኣበርክቶ ንዘለዎ ተቅዋም ምዕጻው፣ እሞ ከም ሃገርና ዝበለ ጽምኢ ትምህርቲ ኣብ ዘለዎ፣ ነዚ ውሳኔ’ዚ ምሃብ፣ ንተዓዛቢ ኾነ፡ ንሓታቲ ምላሽ ዘይተረኽበሉ ኣዝዩ ዘደንጹ ተግባር እዩ።

3.  ብድሕሪኡ ድማ ሾመንተ ዚኣኽላ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዚካየዳ ማእከላት ጥዕና፣ፈጺሙ ተቐባልነት ብዘይብሉ ኣገባብ፣ ”ተደረብቲ” ብዚብል ምስምስ ናይ ምሕካም ተግባራተንከምዜቋርጻ ተገይሩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርኅ ድማ፣ ኣስታት 21 ዚኣኽላ ናእሽቱን ዓበይትን ክሊኒካትን ናይ ጥዕና ማእከላትን ብሓይሊ ተሃጊረን፣ ንብረተንተወሲዱ። ሕጂ ኸኣ  እነሆ ትማሊ ብዕለት 03.09.2019 ላዕለዋይ ደረጃ ማለት ሠለስተ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓንቲ ምስ መባእታን ማእከላይን ደረጃ እትርከበን፣

1) መባእታን ማእከላይን ላዕለዋይ 2ን  ደረጃ ቤትትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ [ላ-ሳል] ከረን፣

2)ላዕለዋይ2ደረጃ  ቤትትምህርቲ ኣኅዋት ካፑቺኒ መንደፈራ፣

3) ማእከላይን ላዕለዋይ2ን  ደረጃ ቤትትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ፣ ባጽዕ[ምጽዋዕ] ከምዚዕጸዋ ወይ ከኣ ብመንግሥቲ ከም ዚውሰዳ ተገይሩ ኣሎ። ነዚ ብዚርኢ ግቡእ ቅኑዕን ተቓውሞና ነቕርብ።

4.  ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከምዝተገልጸ፣ ቤተክርስትያን ዝኾነ ሓሳብ እንከተቕርብ፣ መንነታን ተልእኮኣን ብምትንታን እያ እትጅምር።ከመይ እቲ እትብሎን እትኽተሎን መትከል ነቲ ተልእኮኣን መንነታን ስዒቡ ዚመጽእ እዩ። ቤተክርስትያን ኣደን መምህርን እያ። እቲ ተኻሊኣ ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ከም’ቲ ንሱ ዚፍውስን ዚምህርን ዝነበረ፣ንቤተክርስትያን እውን ክትፍውስን ክትምህርን ሥልጣን ሂብዋ እዩ። ነቲ ዘለዓለማውን ኣምላኻውን ሓቂ ክትምህር’ኳ እንተኾነ ቀንዲ ስራሓ፣ ንሰብ ብመላኡ ብነፍስን ብሥጋን ኽትረድኦ ሓላፍነት ኣለዋ። በዚ መሠረትዚ ከኣ ኣብ ትምህርትን ሓፈሻዊ ምዕባሌ ወድሰብን ዓቢይ እጃም ኣለዋ። ነዚ መዝነት’ዚ እትፍጽሞ፣ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን በይኑ ብሕቱ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርታ ኣብያተ ሕክምናታት፣ ኣብ’ቲ ዅሉ ንምዕባሌ ሰብ እትሰርሓሉ ማእከላትን እዩ።

5.  እቲ ሓፈሻዊ ናይ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪኻን ጕዕዞኣን ከም ዘነጽሮ፣እዚ ዚስዕብ ካብ ባህሪኣን ተልእኮኣን ዚፍልፍል መሰልን ግዴታን ከምዘለዋ ትርዳእ። ክርስትያናዊ ትምህርቲ-እምነት ክትምህር፣ ሰብኣዊ ፍልጠትን ምዕባሌን እተካይደሉ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ምስኡ ዚተኣሳሰር ዚንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ክትውንን ከተካይድን መሰል ኣለዋ። እዚ መሰል’ዚ ብኣምላኽ ዝተዋህበ ባህርያዊ መሰል ስለዝኾነ፣ ብናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ሠናይ ፍቓድን ድሌትን ዚወሃብ ወይ ዚኽላእ’ውን ኣይኮነን። እዚ ነቕ ዘይብል ሓቂ፣ ዘይትንከፍ መሰል ብዛዕባ ምዃኑ ድማ ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኮነን። 

6.  ከም’ቲ ካብ ጥንቲ እሞ ኣብ መላእ ዓለም ከተዘውትሮ ዝጸንሐት፣ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣውን መንፈሳውን ፍልጠት ዜማዕብል፣ ካብ ሙዓለ-ሕፃናት ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዜምህር በብዓይነቱ ተቅዋማት ክትውንን ከተካይድ መሰላ ግቡኣ እዩ። ከመይ መምህር እያ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ብቤተክርስትያን ዚካየድ ተቅዋማት እንታይ እዩ ዕላማኡ?እንተተባህለ፡-

ሀ) ናይ ሰባት ሕሊና ኰስኵስካ፣ ኣብ ኅብረተሰብን ሃገርን ምሉእን ግቡእን ቦታኦምን ኣበርክቶኦምን ዘወፍዩ ምሉኣት ሰባት ንምግባሮም፣ ፍትሕን ሰላምን መሰልን ናጽነትን ሓቅነትን ሕውነትን . . . ዚመሃሩሉ እዩ፣

ለ) ወለዲ ንውሉዶም ዚበቅዕ ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ዘለዎም፣ ማንም ኬሕድጎም ዘይክእል ባህርያዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ መሰል ምእንቲ ኪኽበረሎም፣ ኣብ መዕበያ ውሉድን ብሱል ዜጋን ኣበርክቶ ንምግባር፣

ሐ) ብሥልጣኔን ብፍልጠትን ንኺዓብዩ ንዜጋታት ንምሕጋዝ፣ በቲ ዝበለጸን ብዘመናት ዝተመስከረን ናይ ቤተክር-ስትያን ሃብታም ልምድን ተመክሮ ከም ዚጥቀሙ ምግባር፣

መ) ቕኑዕን ብቑዕን ምዕባለን ወድሰብ እንተ ዘይኮይኑ፣ እዚ ናይ ቤተክርስትያን ተቅዋማት ትምህርቲ፣ ካልእ ዝኾነ ይኹን ንቡር ይኹን ስቱር መደብን ኣገባብን ከም ዘይነበሮን ከም ዘይብሉን፣ እቶም ኣብኡ ዝተማህሩን፣ ነቲ ብሉጽ ኣበርክቶኡ ዘስተማቐሩን፣ዝተፈላለየ መደብ እምነትን ሃይማኖትን፡ መሥርዕ ሕይወትን ዚኽተሉ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕያው ምስክር እዮም።

ማእከላት እምነትን ምዕባሌ ትምህርትን ኣብ ጕዕዞ ታሪኽ፣

7.  ታሪኽ ትምህርትን ኣመዓባብላኡን ኣብ መላእ ዓለም ክንርኢ ከሎና፣ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ ይገሃደልና። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ቀንዲ መማዕበሊ ትምህርትን ስነጽሑፍን ሥልጣኔን፣ሃይማኖታዊ ማእከላት ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣበርክቶ ኣብያተ ክርስትያናትን መሳጊድን ኣብ ምዕባሌ ትምህርቲ ዘይነዓቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣዝዩ ዚድነቕን ዘንጸባርቕን ምዕራፍ ዝሓዘ እዩ።

ናብ ታሪኽ ሃገርና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ እውን፣ እቲ ጥንታዊ ገዳማትን ኣድባራትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያንን፣ ጥንታዊ መሳጊድን ኣብ ጽሕፈትን ንባብን፣ ኣብ ምዕቃብ ጥንታዊ ታሪኽን ትምህርትን ዝነበሮ ጽልዋ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፣ ብሓፈሻኡ ኣብ ናይ’ዚ ሕዝብን ሃገርን ባህላዊ ሕንጸትን መንነትን መሠረት ዘንበረ እዩ።

8.  መበቈልን ምምዕባልን ዘመናዊ ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ዚትንተነሉ ኵሉ፣ ካቶሊካዊ ኣብያተ ትምህርትና ብሓፈሻኡ ከኣ ኣበርክቶ ቤተክርስትያንና በዚ ዓውድ’ዚ፣ ኣንጸባራቒ ቦታ ከምዘለዎ ኵሉ ዚፈልጦ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ጊዜ ጥበብ ማኅተም ብምትእትታው፣ ኣብ ሃገርና ናይ ትምህርትን ጽሕፈትን ማዕጾ ዘርሓወትን ጕዕዞ ትምህርቲ ዘንሃረትን ቤተክርስትያን እያ።

ኣብ ዓዲወግሪ [ሳን ጆርጆ]፣ ኣብ ሠገነይቲ [ስኮላ ኣርተ መስቲየሪ ሳን ሚኬለ]፣ ኣብ ዓድቐይሕ፣ ኣብ ከረን[ሳልቫጎ ራጊ]፣ ኣብ ኣሥመራ [ስኮላ ቪቶሪዮ] ብጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ንደቀባት ተደኲነን ዝነበራ፣ ብቤተክርስትያን ወይ ብናይ ቤተክርስትያን ሰባት ዚካየዳ ዝነበራ እየን። ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ድማ፣ ኣብ’ዛ ዘመናዊት ኤርትራ ዝቖማ፣ ካብ’ተን ኣብዛ ዋና ኸተማ ኣሥመራ ቐንዲ ቐንዲ ንምጥቃስ፣ ኮምቦኒ ኮሌጅ፣ ኣሥመራ ዩኒቨርሲቲ፣ ኮለጆ ላሳል፣ ኮለጆ ቅድስት ሓናን፣ ናይ ቀትሪ ንሕፃናት ናይ ምሸት ከኣ ንዓበይቲ ቤትትምህርቲ ቅዱስ በርናርዶስ. . . ካልኦትን ነበራ።  ብፍላይ ድማኣብ ከባቢ 1965 ዓ.ም.ፈ. በዓል ሰናይ ዝኽሪ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ክሳብ 70 ዝኣኽላ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቁሸታትን ዓዳትን መላእ ኤርትራ ተጀሚረን ንነዊኅ ዓመታት ንብዙኃት ኤርትራውያን ሕጻናት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘሳተፋ ምዝክራ ግቡእ እዩ።

ካብ ጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ኣትሒዙ፣ ዘመናዊ ኣመሓዳድራን ኣመሃህራን፣ ፖሊቲካዊ ጕዕዞን ስነጽሑፋዊ ምህዞን ምዕባሌ ቋንቋን ዝተኻየደ ናይ ደቂ ሃገር ፈላሚ ንጥፈታት ኵሉ፣ሳላ’ቶም ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ተቅዋማትዝተማህሩ እዩ ተሰላሲሉ፣ ነዛ ዘመናዊት ኤርትራ ከኣ መሠረት ኣንቢሩ።ኣብ ምብግጋስ ፖሊቲካዊ መስርሕ ናይ’ዛ ሃገር፣ ኣብፖሊቲካውን ሓርነታውን ጕዕዞ ቃልሲ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ናይ ዝተማህሩ ሰባት እጃም ናቱ ዕዙዝ ምዕራፍ ዘለዎ እዩ።

9.  ኣብ ታሪኽ ከም’ዚ ዝበለ ዕዙዝ ተራን እጃምን ንዘለዎ ናይ እምነት ማእከላትን ተቅዋማትን፣ ነቲ ብተግባር ዘመስከረሉን ዝተዓወተሉን መዳይ ትምህርቲ ንኸተሕድጎ፣ “ኣይምልከተካን እዩ” ምባል ደኣ ምስ ምንታይ ኪቝጸር እዩ? ተጻይ እምነትን ሃይማኖትን ብቐንዱ ክንብሎ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግለጺ የብሉን።እምነትን ናይ ኣምላኽ ፍርሃትን ካብ ዜምህር ማእከላት ንሕፃናትን መንእሰያትን ነጺልናኸ፣ ነዛ ሃገር ከመይ ዝበለ ንኡስ ወለዶ ከነፍርየላ ተሓሲቡ ማለት እዩ? 

10.      ብፍላይ ናብ’ቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብያተ ትምህርቲ ክንመጽእ ከሎና፣ ናብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ዜብጽሕ ዝኾነ ይኹን ናይ ሥርዓተ ትምህርቲ ምዝንባል፣ ዝኾነ ይኹን ምጥሓስ ሕጊ፣ ወይ ዝኾነ ንጽፈትን ኣወሃህባ ትምህርትን ብዚርኢ፣ ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ዝተረኽበ ካብ መሥመሩ ዝሓለፈ ወይ ዝተረፈ ኣገባብ፣ ብወገን መንግሥቲ ኣይተጠቕሰን፣ ኪጥቀስ ዚከኣል’ውን ፈጺሙ የልቦን። ኣብያተ ትምህርትና ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ቅድም ኣትሒዙ፣ ኣብ ዕለታዊ ኣሰራርሓኡን ኣብ ናይ ሃገራዊ መርመራታት ዚረአ ውጽኢት ተመሃሮኡን፣ ብብቕዓቱን ብዓይነቱን ዚልለ ብምዃኑ፣ ንኸምዚ ዝበለ መንግሥታዊ ውሳኔ ዘይኮነስ፣ ንምትብባዕን ንሽልማትን ዚዕድም ከም ዝኾነ፣ እቲ ዚምልከቶ መንግሥታዊ  ኣካል ሚንስትሪ ትምህርቲ በብግዜኡ ዝቐረበሉ ጸብጻባትን ኣብ ሰነዳቱን ኣርካይቩን ሒዝዎ ዘሎ መዛግብትን ምስክሩ እዩ።

 

11.      ብናይ ቤተክርስትያን ርድኢት፣ ብትምህርቲ ዝመጽአ መንግሥቲ ዘለዎ ግዴታን ሓላፍነትን፣ ኵሎም ዜጋታት ዜድልን ዚበቅዕን ዕድል ትምህርቲ ምርካቦም ከረጋግጽ፣ ዘለዎም መሰላትን ግዴታታትንከፍልጦም፣ሕፃናት ዚግባእ ትምህርቲ ከምዚረኽቡ ምግባር፣ ናይ ትምህርቲ ተቅዋማት፣ ብዚግባእ ዚምህሩን ዘይምህሩን፣ ነቲ ዝወጽአ ሃገራዊ መምርሕን ሥርዓተ ትምህርትን ዚኽተሉን ዘይኽተሉን፣ ምክትታል እዩ። እቲ ዚወጽእ መምርሕታት ድማነቲ ኣገባብ ኣመሃህራ ዚሕግዝ ኪኸውን፣ ንዚተባባዕ ምትብባዕ፣ ንዚሕገዝ ምሕጋዝ፣ ነቲ መኣረምታ ዜድልዮ ብምእራም፣ ብግሊ ይኹን ብናይ ኣብያተ-ክርስትያን መደባት ንዚካየድ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ንቕድሚት ከም ዚስጕምን ምግባር እዩ።

መሰል ወለድን  ቤተክርስትያንን

12.      መንግሥቲ ነቲ ናይ ወለድን ናይ ቤተክርስትያንን ድሮ  ውሁብን ኣድማሳውን ዝኾነ መሰል ኪፈልጥን ከኽብርን ግቡኡ እዩ። ወለዲ ንደቆም ዝደለዩዎ መደብን ኣገባብን ትምህርቲ ኪመርጹ፣ ቤተክርስትያን እውን ነቶም ኣብ ትሕቲኣ ዚርከቡ ኮነ ነቶም ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመረጹ ወገናት ብናጽነት ክትምህር ዘለዋ መሰልን ግዴታን ኪፍለጥን ብዚግባእ ኪኸብርን ኣለዎ።

13.      ካብ’ዚ ወጻኢ ምስቲ ናይ ወለድን ናይ ቤተክርስትያንን ዚጻረር ስጕምቲ ምውሳድ ግን ተቐባልነት ዘይብሉ ፍጹም ሃሳዪ እዩ። ንሕፃናት ንመንእሰያት ካብ ወለዶም፣ ካብ’ታ ብሞራልን ብሥነምግባርን እተሃንጾም ቤተክርስትያንን ቤተእምነትን ነጺልካ፣ ነዚ መሠረታዊ ባህርያውን መሰልን ግዴታን ሸለል ኢልካ ዚግበር ኣገባብ፣ “ንመንእሰያት ንምውናን” ዚግበር መደባት፣ ሲቪል ኅብረተሰብ ይኹን እቲ ናይ እምነት ማእከላት ሕግን ሥርዓትን ተኸቲሉ፣ ንወድሰብ ይጠቅም ዝበሎ ንጥፈታት ንኸየካይድ ኣብ ዚዕገተሉ ኣገባብ ኵሉ ናጽነት የልቦን፣ ኣድማሳዊ መሰል ሰብ እውን ኣይተኸብረን ማለት እዩ። ኵሉ ብመንግሥቲ ጥራሕ ከም ዚግበት ዚገብር ኣገባብ፣ናይ ውልቅን ናይ ግልን ናጽነትን ንጥፈታትን ዚዓግት እዩ፣ ናጽነትን መሰልን ኣብ ዘይተኸብረሉ፣ ሰላም ርግኣት ምዕባሌ  ኪመጽእ ዘይከኣል እዩ።

ብመሠረት’ዚ መትከላት’ዚ እምበኣር፣ ነዚ በብግዜኡ ብመንጽር ተቅዋማትና ዚካየድ ዘሎ መሰል ዝጠሓሰ ውሳኔን ተግባርን ንሕና ከም መጠን ሰባት፣ ከም መጠን ኤርትራውያን ከም መጠን ካቶሊካውያን ፈጺምናኣይንቕበሎን፣ ነቲ ከም መጠን ዜጋታትን ኣመንትን ዘሎና መሰልናንግዴታናን እውን ሽለል ኣይንብሎን፣እዚ ዝተጠቕሰ መሰልና ምስ እንግፈፍ፣ ወይ ድማ ነዚ ግዴታና ምስ ዘይንፍጽም፣ እቲ ቀዳማይ ግዳይ ዚኸውን፣ እዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሰብ ወይስ ኅብረተሰብ እዩ፣ ቀጺሉ ድማ ሃገር ብዓባያ እያ።  በቲ ዝቖመሉ ዕላማኡን፣ በቲ ብተግባር ዝተራእየ ኣሰራርሓኡን፣ ተቅዋማትና ብምሉኡ ንረብሓ ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ስለ ንተኣማመን፣ እዚ ተቅዋማት’ዚ ኪህገርን መሰል ቤተክርስትያን ኪድፈርን ከሎ ጕድኣቱ ንመላእ ሕዝብን ሃገርን ምዃኑ ኪፍለጥ ኣለዎ።

 

መዛዘሚ

14.      ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ንዘሎን ኵነትን ንዝሓለፈ ታሪኽን ድሕሪ ፈቲሽና፣ ብፍላይ ብመንጽር ትምህርቲ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ዘንጸባርቅ ደኣ’ምበር ዝኮነ ይኹን ጸሊም ነጥቢ ከም ዘይርከቦ ኣፍና መሊእና ክንዛረበሉ እንኽእል እዩ። ምእንት’ዚ እዚ ሕጂ፦

)  ብመንጽር ናይ ትምህርትን ሕክምናን ተቅዋማትና ዚወሃብ ዘሎ ውሳኔታትን፣ ስዒቡ ዚካየድ ዘሎ ተግባራትን፣ ንናይቤተክርስትያን መሰልን ናጽነት እምነትን ብቐንዱ ዚጻባእ ተግባር፣ ኣብ’ቲ መደብ እምነታን መንነታን ኣገልግሎታን ብቐንዱ ዚኣቱ፡ ስለዚ ኸኣ ንህላዌኣ ዚትንክፍ ምዃኑ እናገለጽና፣እዚ ኣገባብ’ዚ ዳግመ ግምት ተገቢሩሉ ብዝቐልጠፈ ደው ኪብል ነሓትት፣

ሁ) ተቅዋማት ቤተክርስትያን ኵሉ ከም መጠን ናይ ደቂ ኤርትራ ተቅዋማት፣ ነቲ ሥሩዕን ብሉጽን ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎቱ ብናጽነትን ብተወፋይነትን ንኺቕጽል ዕድል ኪወሃብ ነሓትት፣

ሂ)  ዝኾነ ይኹን ኪእረም ወይ ኪዕረ ዚድለ እንተሎ ድማ፣ ብሓባራዊ ዘተን ምርድዳእን ኪፍታሕ ጽቡቕ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኡንኮ መንገዲ ምዃኑ ነመልክት።

15.      ቤተክርስትያን እምበኣር በቲ ብዘመናት ዘጥረየቶ ተመክሮን ነዊሕ ትውፊትን በቲ ዘለዋ ዓቕምን፣ ኣብ ምዕባሌ ሰባት ቀንዲ ረቛሒ ብዝኾነ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ነቲ መንግሥታዊ መምርሒ ትምህርቲ ብምሕላው፣ በብዓይነቱ ኣብያተ ትምህርቲ ከተካይድ፣ መደባ ምዃኑ ትገልጽ። ነዚ መደባ ዚቃወም ዝኾነ ዓይነት ውሳኔ ወይ ኣገባብ ነቲ ናጽነታን መሰላታን ከም ዝገፈፋ ትርዳእ፣ እዚ መሰላት’ዚ ዳግም ክሳብ እትለብስን ናጽነታ ክሳብ እትጭብጥን ከኣ ምስ ምእመናና ኮይና ናብ ኣምላኽ ዘየቋርጽ ጸሎትን ስእለትን ተብጽሕ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ከኣ ናብ ዚምልከቶ ኣካል ምእንቲ መሰላ ኣቤት!! ካብ ምባል ዓዲ ኣይትውዕልን። 

 

ኣምላኽ ንሃገርና፣ ሃገር ሰላምን ፍትሕን ሃገር ርትዕን ፍቕርን ይግበረልና።

ካቶሊካውያን ጳጳሳት

1.     ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ፣ ሊቀጳጳስ ዘመንበረ ኣሥመራ                                       

2.    ኣቡነ ቶማስ ዖስማን፣  ጳጳስ ዘመንበረ ባረንቱ     

3.    ኣቡነ ኪዳነ የ|ዕብዮ፣   ጳጳስ ዘመንበረ ከረን     

4.    ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ፣ ጳጳስ ዘመንበረ ሠገነይቲ

ቅዳሕ ናብ፦

1.    ሚንስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር

2.   ቤት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጕዳያት

3.   ቤትጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍ.

4.   ምምሕዳር ዞባ ደቡብ

5.   ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ

6.   ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ 

Source=https://www.vaticannews.va/ti/church/news/2019-09/risposta-vescovi-eritrei-al-ministro-dell-educazione.html

ኣርማ ሲፒጄ Image copyright CPJ

ኤርትራ ብሳንሱር (መመያ) ኣብ ዓለምና ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምዃና ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ሲፒጄ፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

እቲ ንነጻነት ፕረስ ዝጠጣበቕ ትካል፡ ማእሰርቲን ዓምጻጺ ሕጋጋትን፡ አኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታል፡ ኣብ ቀረብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዘሎ ቀይድታት ብምግምጋም ነቲ ዝርዝር ከም ዘዳለዎ ይሕብር።

ንኤርትራ ሰዒበን፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን በዚ ጉደይ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስርዓ ዘርእይ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራን ኢኳቶርያል ጊኒን [መበል ሻሙናይ] ጥራይ እዩ ኣብተን 10 ሃገራት ኣካቲቱ ዘሎ።

ብመሰረት ዓንቀጽ 19 ናይ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ ሰባዊ መሰላት፡ ኵሉ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ሓሳቡ ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዘለዎ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ እዘን 10 ሃገራት ንነጻ ሚድያ፡ ብምኽልካል ወይ ብጽኑዕ ብምቁጽጻርን ጋዜጠኛታት ሱቕ ንምባል ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ዲጂታውን ኣካላውን ምክትታልን ካልእ ዓይነት ምስርጣይን ብምዝውታር፡ ነቲ ዓለምለኻዊ መትከል ዕሽሽ ከም ዝበልኦ ይገልጽ።

ብፍላይ ኣብተን ኣብቲ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት - ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን፡ መራኸቢ ብዙሓን ልሳን ናይ መንግስቲ ኮይነን ከም ዘገልግላን፡ ዝኾነ ነጻ መድያ ካብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝካየድን ሓቢሩ።

ናብተን ሃገራት ክኣትው ዝፍቀደሎም ሒደት ጋዜጠኛታት'ውን ብቐረባ ምክትታል ይግበሎም እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ክሳብ 1 ታሕሳስ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ምዃና እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ምግላጹ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንኹለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንመብዛሕትኦም ኣዳለውተን ብዘይ ፍርዲ ኣሲርዎም ይርከብ።

መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ከም ዝውነን ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ፍርሒ ብነጻነት ስርሖም ከም ዘይሰርሑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣማራጺ ምንጭታት ሓበሬታ ዝኾና ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍነዋ ናይ ሳተላይትን ናይ ኢንተርነትን ሬድዮታት ብሰንኪ ዓፈናን ኣዝዩ ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተበጻሕነተን ውሱን ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ግና "ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ" ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጎ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49644912