መንእሰይ ሽወደናዊት ግረታ ቱንበርግ ንመራሕቲ ዓለም ብሕርቃን ነድርን ብኽያትን ነቂፋ
2019-09-24 07:40:44 Written by ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2106 timesእዛ 16 ዓመት ዝዕድሜኣ ሽወደናዊት ግረታ ቱንበርግ ዝተባህለት ህብብቲ ንምክልኻል ብከላ ኣየር ዓለምና ንምድሓን ፡ ኣብ ቤት ትምህርታ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን ብምክያድ ክትንቃሳቀስ ዝጀመረትን ብዕለት 23 መስከረ 2019 ኣብ ኒዩ ዮርክ መደበር ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ተረኺባ ብተሪር ጭደራን እንጽርጽሮትን ብኽያትን ንመራሕቲ ዓለም ነቂፋ። ምስኣ እውን ሓያሎ መንእሰያት ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ ንመደረኣ ዘትርርን ንገንዘብ ክትብሉ ክፍሊ ዓለምና ትጠልምዋ ኣሎኹም ብምባል በብተራ ንመራሕቲ ዓለም ነቂፎም ፡ ኣስዒቡ እውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጽሓፊ ኣቶ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ዓለምና ትበኪ ኣላ ክብል ንመደረ እቶም ቆልዑ ደጊፉ። ብድሕሪ ናይ ግረታ መሳጢ መደረ ማለት፡ ብባዶ ቃላትኩም ንእስነተይን ሕልመይን ሰሪቅኩሙኒ ምስ በለት ልዕሊ 66 ሃገራት ንድሕነት ብከላ ኣየር ዓለም ክሰርሓ ፈሪመ ከም ዘሎዋ ማዕከና ዜና ዓለም ኣቃሊሔን። ብተወሳኺ እውን ብዕለት 23 መስከረም ኣብ ማልታ ዝተገብረ ርክብ ሚኒስተራት ዉሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኤውሮጳ ፡ ደጊም ድሕሪ ሎሚ ኢጣልያን ማልታን ንበይነን ኣይኮናን ብስደተኛታት ዘዕለቅልቃ 6ተ ሃገራት ኤውሮጳ ክተሓባበራ ተሳማሚዔ ከም ዘሎዋ ተገሊጹ።