ብኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም
መእተዊ
ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ምንጭታት ከምዘመልክትዎ አብ ትሕተ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት አፍሪቃ እቲ ዝበዘሕ ግጭታት ዝርአየለን ሃገራት ኢየን። አካል ናይቲ ዞባ ዝኾና ሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ድማ ብኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ዘሎ ውሽጣዊ ግጭትን (intra-state) ከምኡ ድማ እተን ሃገራት አብ ሓድሕደን ብዝገብርኦ ግርጭትን (inter-state) ዝተለለያ ‘የን።
እቲ አብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ዝርአይ ግጭታት፤ ምስቲ እተን ሃገራት አብ ሓድሕደን ዝገብርኦ ግጭታት ስለ ዝጸላሎን ዝመላላእን፡ ሓደ ውሱን ግጭት አብ ሓደ ውሱን ግዜ ንምፍትሑ አዝዩ ከቢድ ይገብሮ። ናይ ኤርትራ አብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ምትእትታው ዓይነታዊ አብነት’ዩ። አብ ጉዳይ ሶማል ዘሎ ምትእትታው ነቲ ውሽጣዊ ግጭት ከምዝሓላልኾን ስቓይ ህዝቢ ሶማል ከም ዘነዋሕን ዘጠራጥር አይመስለንን።
ዋላ እኳ እቲ አብ ሃገርና ዘሎ ግጭታት ስፍሕ ብዝበለ መንገዲ ክረአን ክትንተንን ዝግባእ እንተኾነ፡ ሎሚ ዘቕርቦ ግን ሓጺርን ነቲ ሃገርና ናብ ብርሰትን ምብትታንን ዝመርሕ ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ሓጋዚ ኢዩ ኢለ ዝአመንኩሉ ውልቃዊ ርእይቶይ ኢዩ። ብመሰረቱ እዞም አብዚ መድረኽ እዚ አብ ኤርትራ ዘሎዉ ግጭታት አብ ክልተ ከፊለ ኢየ ዝርእዮም።
- ቀዳማይ አብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግጭት፤
- ካልአይ ድማ አብ መንጎ እቶም ንስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ዝቃለሱ ዘሎዉ ሓይልታት ዘሎ ግጭት።
አብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግጭት
ህግደፍ ከም ሓደ ቶታሊታርያን ወይ ቶታላዊ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ብራዕድን ሽበራን ይገዝኦ አሎ። ሰብአዊ፤ ፖለቲካዊ፤ ቁጠባዊ፤ ማሕበራዊ፤ ባህላውን ታሪኻውን ጸጋታት ኤርትራ አብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት’ዩ። ህዝቢ ኤሪትራ ብዓይኒ ህግደፍ ዝዛረብ መጽዓኛ’ዩ። ዝተአዘዞ ክፍጽም ዘሎዎ መሰል አልቦ ፍጡር’ዩ። ስለዚ አብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ግጭት ክፍታሕ እንተኾይኑ፤ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ተመንዚዕዎ ዘሎ መሰላት ክምልስ ክኽእል አሎዎ። እቲ ክንምልሶ ዘለና ሕቶ እምበአር ብከመይ እዞም ዝተመንዙዑ መሰላት ናብ ዋንኦም ዝኾነ ህዝቢ ክምለሱ ይኽእሉ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ። ሕመረት ናይ ጽሑፈይ ድማ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ዝግበር ሃቐነ’ዩ። አብ ፖለቲካ ኤርትራ ነዚ ሕቶ እዚ ብኽልተ መንገዲ መልሲ ክወሃበሉ ምርአይ ልሙድ ኢዩ።
- ቀዳማይ ብብረታዊ ቃልሲ ክኸውን እንከሎ፤
- ካልአይ ድማ አብ ውሱን ዕላማታት ዘተኮረ ውሱን ጎነጻዊ ስርሓት ዘይዓጹ ብመሰረቱ ግን ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ፍታሕ ምምጻእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ
አብዚ መድረኽ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ክረኽቦ ዝደሊን ዝትምነዮን መሰረታዊ መሰል ብሰላም ናይ ምንባር መሰል እዩ። እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ዚዛረዮ ደም ደቁ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገደሉ ይደሊ። ውግእን ወረ ውግእን ክሰምዕ ይደሊ የሎን። ሰላም አብ ውሽጡ ሰላም ምስ ጎረባብቱ ረኺቡ ክነብር ብቐዳማይ ደረጃ ዝሰርዖ ጠለብ ኢዩ ኢልና እንድሕር አሚና፡ ምልጋስ ህግደፍ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ክኾነሉ ህዝቢ ኤርትራ ይደልን ይጽልን። ምኽንያቱ፦
- ብረታዊ ቃልሲ አብ ሓድሕድ ውግእ ከእትወና ኢዩ፤
- ካብ ምቁጽጻር ወጺኡ ነታ ዓዲ ፍጹም ክበታትና ኢዩ፤
- ነዞም ካብ ሕቕፎና ተመንጢሎም አብ አገልግሎት ዝበልዩ ዘሎዉ ጫለዳ ብምጥፋእ ፍጹም ከጽንተና’ዩ፤
- መመኽነይታ ናይ ደገ ኢድ ምትእትታው ብፍላይ ድማ ናይ ኢትዮጲያ ብምዃን ነዚ ብክቡር መስዋእቲ ዝመጸ ልዑላውነትን ነጻነትን ሃገር አብ ሓደጋ ክሰጥሖ’ዩ፤ ወዘተ ዝብል ስግአት ስለ ዘሎዎ’ዩ።

ሰላማዊ መንገዲ
ከምቲ አብ ላዕሊ ተንኪፍናዮ ዘሎና ህዝብና ዘሎዎ ሽግር ብሰላም ክፍታሓሉ ድልየቱ እዩ። እዚ ፍታሕ’ዚ ምሉእን ነባርን ክኸውን እንተኾይኑ ድማ መሰረታዊ ክኸውን አሎዎ። ብህግደፍ ተበዲለን ተዋሲነን ውዘተ ዝብሉ አካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ዝዓግበሉን ዝቐስነሉን ክኸውን ይግባእ።
ነዚ ጠለብ’ዚ ህግደፍ ክማልኦ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ሕልሚ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ብባህሪኡ አየፍቅደሉን ኡዩ። ካብቲ ዝኸዶ ዘሎ አካይዳ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ- ዋላ ጽገናዊ ኪገብር እንተኾይኑ ክጽቀጥን አብ ወጥሪ ክአቱ አለዎ። አብ ትሕቲ ብርቱዕን ዝተወሃሃደን ጸቕጢ ጽገናዊ ለውጢ ክቕበል ክግደድ ኢዩ ኢልና ግን ክንግምት ንኽእል ኢና። እዚ ዓይነት ለውጢ ‘መኾርመዪ ረኺብካ መሳፍሒ’ ንምርካብ’ዩ። ብሓጺሩ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ክውሰድ ዝከአል ስልታዊ አገባብ ኢዩ።
ህግደፍ ንሃገራት ምዕራብ ንምትላል ካብ ወጥሪ ንምውጻእን ድሮ ጽገናዊ ለውጢ እገብር አሎኹ ዝብል ሓሶት ከቃልሕ ጀሚሩ አሎ። አብ አህጉራዊ መጋብአያ ገበን ከይክሰስ ዝፈጠሮ ዘሎ ስልቲ’ዩ። ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ሓያል ጸቕጢ እንተ ገይሩን ህግደፍ ድማ ጠፋእኩ ዝብለሉ ደረጃ እንተ በጺሑን ገለ ጽገናታት ክገብር ክግደድ ይኽእል’ዩ። ሓደ ካብ’ቲ ክግበር ዘለዎ ናይ ጸቕጢ አገባብ ድማ አብ’ቲ ንሂሉ ዘሎ ቑጠባዊ ሰረቱን ተሸምሪሩን ዘሎ ፖለቲካዊ ሰረቱን ንጹርን ውሱኑን ጎነጻዊ ስርሓት ዘይዓግት ክኾውን ይግብኦ። ከምዚ ዝአመሰለ ጎነጻዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝግባእ ህግደፍ ስነ መጎት ሓይሊ ጥራይ ስለ ዝርዳእ’ዩ። እቲ ጽገናዊ ለውጢ ክትግበርን ተቐባልነት ክህልዎን ዝኽእል ግን ህግደፍ ምስ ተቛወምቲ ሓይልታት ብምስምማዕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት ምስ ዝቕበል ጥራሕ ኢዩ።

ቅድመ ኩነት ንናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ
ክብ ኢሉ ከምዝተገለጸ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝከአል መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት ምስ ዝማልኡ ኢዩ፦
- መጀመርታ እቶም ህግደፍ ዘቖሞምን ዝግልገለሎም ዘሎን ናይ ዓፈናን ሽበራን መሓውራት ክድምሰሱ አለዎም።
- ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ አለዎም።
- አድለይቲ ናይ መንግስቲ ትካላት፤ ንአብነት ፖሊስን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ወዘተ ካብ ፖለቲካ ሻርነት ነጻ ይኾኑ። ነዚ ንምግባር ድማ ብናይ ግዜ መቓን ዝተቐየደ ትምህርትን ምሕዳስን ተገይርሎም ዝቅጽሉሉ መንገዲ ክፍጠር ይከአል።
እዚ አተሓሳስባ ናብ ህዝቢ ከነስርጾ እንተኺኢልና፡ ካብዚ ዝዓቢ መተዓረቒ ነጥቢ ክርከብ እውን ስለዘይከአል ህግደፍ ድማ እንተነጺጉዎ ህዝቢ አብ ልዕሊ ህግደፍ ጸቕጢ ዝፈጥረሉን ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ዝድርኽ ደረጃ ዝዓርገሉ ኩነታት ክፍጠር ይከአል ኢዩ። ብዝተዋሃሃደ መገዲ ክንሕዞን ህዝብና ከነእምንን ይግባእ። ወናኒ ናይ’ቲ ለውጢ ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ዘይተሳተፎ ቃልሲ አብ ወጻኢ ኮይና ዝበልና እንተ’ልና ንቕይሮ ነገር የሎን።
ደምበ ተቛውሞ
ብሓፈሻ አዘራርባ ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ አብ ክልተ ከፊልካ ክረአይ ይከአል፦
- ፖለቲካዊ ውድባት
- ሲቪካዊ ማሕበራት
ብአጠቓላሊ ፖለቲካዊ ውድባት አብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ደምበታት ዝተመቓቐሉ ኢዮም። ንሳቶም ድማ፦
- ሃገራውያን ዲሞክራስያውያን ውድባት፦ እቶም አብዚ ምድብ’ዚ ዝስርዑ ቡዙሓት’ዮም። አብ ሓድሕዶም ከምቲ ዝግብኦ ምቅብባል አሎዎም ክበሃል አይከአልን። አብ አገደስቲ ሃገራውያን ጉዳያት ንጹርነት ይጎድሎም። ንምሳሌ ኩሎም ድሕሪ ህግደፍ አብ ሃገርና ዘይምእኩል ምምሕዳር ክህሉ ከምዘለዎ ይጭርሑ’ዮም። እንታይ ዝዓይነቱ ዘይምእኩል ምምሕዳር ክኸውን ከምዘለዎ ብንጹር ዘቐመጠን ዘእመነን ግን ክሳብ ሕጂ አየጋጠመንን። እቲ ዝበዘሐ ዕግርግርን ምሕራም ምጽውዋርን አብ’ዚ ምድብ’ዚ ኢዩ ዝረእ።
- ብሄራዊ ውድባት፦ አብ ኢትኒካዊ አቃውማ ዝተሞርከሰ ፈደራላዊ ስርዓት አብ ኤርትራ ክትከል ዚደልዩ ኮይኖም፡ ብኹሉ እንተንኡ ቅዳሕ ናይቲ አብ ኢትዩጲያ ዘሎ ስርዓት ኢዮም ከም አብነት ዝጠቕሱ። አብ ኩሉ መግልጺታቶም ድማ ንጠለባቶም ዝምልሽ ስርዓት እንተ ተመስሪቱ አካልን አምሳልን ናይ ውህድቲን ልዑላዊትን ኤርትራ ኮይኖም ክነብሩ ከም ዝደልዩ የነጽሩ።
- እስላማዊ ውድባት፦ እዞም ውድባት እዚኦም ሃይማኖትን መንግስትን ኪነጻጸሉ የብሎምን ዝብል ርእይቶ ሒዞም ዝተበገሱ ኢዮም። ሕጂ ተዳኺሞም አሎዉ’በር ምስ ህዝባዊ ግንባር ድሒሩ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ አብ ደማዊን አዕናዊን ውግእ ሓድሕድ አትዮም ዝነበሩ’ዮም። አብዚ እዋን’ዚ አቀራርብኦም ልዙብ ኮይኑ ብንጹር ሃይማኖታዊ እምነቶምን ክብርታቱን ዘኽብር ስርዓት እንተ ተተኺሉ፡ ምፍልላይ ሃይማኖት ካብ መንግስቲ ንምቕባል ጸገም ዘለዎም አይመስለንን።
እዞም አብ ላዕሊ ዝሰመናዮም ሰለስተ ዝተፈላለዩ አቃውማን አረአእያን ዘሎዎም ተቓወምቲ ስርዓት አስመራ፡ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተሰማሚዖም ካብ 1999 አትሒዞም ብደገፍ ናይ ኢትዮጲያን ሱዳንን ሓደ ጽላል ክቑሙ ኪኢሎም ኢዮም።
ብተመሳሳሊ ብ2005 ነቲ አቐዲሙ ቆይሙ ዝነበረ ጽላል ካልኦት ተቛወምቲ ተወሲኾሞ ተመሳሳሊ ጽላል አቑሞም ክሳብ ሕጂ ድማ ይቕጽል አሎ። ግና አየድመዕን።
እዚ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተራኺብካ ብሓባር ምቅላስ ዝብል ስትራተጂ ሓደ አወንታዊ አበርክትኡ ነተን አብ ተታብአን ዓሪደን ዝነበራ ውድባት አብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ከምዝመጻን ከምዝፋለጣን ምግባሩን ነቲ ዘለወን ፍልልያት ንከይባላሕን ብመጠኑ ንከማሓድረኦን ዘኽእል አፍደገ ምኽፋቱ ኢዩ።
ብዘይካ እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ አወንታዊ ጎድኑ፡ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተጠርኒፍካ ምቅላስን ህግደፍ ካብ ስልጣን ምውጋድን ዝብል ስትራተጂ ክሳብ ሕጂ ብግብሪ አይሰረሓን። ክሳብ ሕጂ ህግደፍ ካብ ስልጣን ክአሊ ዝኽእል ብቕዓት አየጥረየን። ብሕጂ ክሰርሕ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ዝከአል አይመስለንን። ግን ድማ ከም’ቲ አብ ላዕሊ ዝተገልጸ ነተን ዝተፈላለያ ስነሓሳብ (አይዲኦሎጂ) ዝኽተላ ውድባት አቀራሪቡወን አፋሊጡወንን አመሓዝዩወን’ዩ። እዚ ኩነት አብ ምጉልባት ኤርትራዊ ሃገርነት ዓቢ አስተዋጽኦ ስለዘለዎ ክቕጽል ይግባእ።
እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምትእኽኻባት ሲቪላውያን ማሕበራት ወሲኹ ሃገራዊ ባይቶ አብ መወዳእታ 2011 አቑሙ ኔሩ’ዩ። እዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት አይሰረሐን። ቅድሚኡ ዘይነበሩ ምቅሕሓራት ግን ሕጂ ሳዕሪሮም አሎዉ። አብዚ ናይ ኮለል መስርሕ ድማ ቡዙሕ ግዜን ጽዓትን ባኺኑ፡ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ድማ ተሰናኺሉ። ስለዚ ብርእይቶይ እዚ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተአኻኪብካ ምስራሕ ዝብል ስትራተጂ ንህግደፍ ንምቕያር ኮነ ነቲ ዝድለ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእል ቅኑዕ መሳርሒ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ናይ ሓሳብን ግብርን ለውጢ (Paradigm Shift)
እዚ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተራኺብካ ናይ ምቅላስ አገባብ ከምቲ ዝአመናዮ ስለ ዘይሰረሐ፡ ሃገር ካብ ምብትታን ንምድሓን ኣብ ንቕሓትን ድሌትን ህዝብና ተሞርኪስና ፍታሕ ክንደሊ ታሪኽ ይሓትት አሎ። አብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምትኳር አዝዩ አገዳሲ ኢዩ ኢለ ይአምን።
- እቲ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ኢየ ዝብል ሓይሊ ወይ ሓይልታት ነዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝበቅዕ ንጹርን፤ ሃገር ከድሕን ዝኽእልን መበቆላዊን ፕሮግራም ነዲፉ ከድምዕ ዝኽእል ውድብ ክፈጥር ክኽእል አለዎ።
- እተን ፖለቲካውያን ሓይልታት አብ ሓደ ቁራዕ ተጠጢቐን ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ኩነታት ንቅድሚት ወጢጠን ድሕነት ሃገር ከረጋግጻ አለወን። ብተወሳኺ መስርሕ አብ ሓደ ቁራዕ ምጥጣቕ እምነኩርናዕ ናይቲ ዝድለ መስርሕ ምህናጽ ሃገርን ሃገርነትን ምዃኑ ከስምረሉ እደሊ።
- ካብ ሓያሎ ዓመታት ጀሚሩ፡ ዓንዲ ማእከል ሃገርነትናን መንነትናን ዝኾነ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ኩናት ተአዊጂዎ አሎ። ቅድሚ ገለ ዓመታት እቲ “ካልእ ኩናት” ክብል ስምየዮ ነይረ አንጻር ህግደፍ ዝካየድ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ቃልሲ በቲ ሓደ መዳይ፡ አንጻር መንነትናን እንታይነትናን ዝካየድ ኩናት በትኢ ካልእ መዳይ፡ በዘን ህግደፍ ረሲዔን አብ ሓድሕደን ዝቋመታ ናይ አረአእያ ምፍልላይ ምብልላዕ ኮይኑ ዝረአየን ገዳይም ውድባትን በዘን አብ ፈቐድኡ ዝምስረታ ዘለዋ ናይ መንእሰያት ውድባት ዝበሃላን ዝዕመም ታሪኻዊ ሓላፍነት አይኮነን። ስለ’ዚ ንምፍጣሩ መስዋእቲ ከፊልና መስዋእቲ ዝኸፍልን ራህዋ ዘረጋግጽ ውድብ የድሊ አሎ።
- ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ለውጢ ቃልሲ ካብ-ናብ ብዝብል ናይ ግዜ መቓን ተቐይዱ ዝሰርሕ አይነበረን። እዚ አብ ሓደ ቁራዕ ተጠጢቑ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓይሊ ግን ናይ ግዜ መቓን ሓንጺጹ አብ ኤርትራ ለውጢ ከረጋግጽ ኢየ ኢሉ ክብገስ አለዎ። እዚ አተሓሳስባን አንፈትን እንተ ዘይተኸቲልና እቲ ካልእ መገዲ አብ ህግደፍ ዘየሰንብር ቃልሲ ተጸሚድና ጸሓይ ክሳብ ዝዓርብ አለኹ ምባል’ዩ። እዚ ድማ ሞት”ዩ።
- ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ሰብ አንጻር ህግደፍ ጸጸጸሩ ይደርቢ ንብል ኔርና ኢና። ሕጂ ንብሎ ዘለና ድማ ኩሉ ዝድርበ ጸጸር ተአኻኺቡ ናብ ደንጎላ ተቐይሩ ናብ ሓደ መአዝንን ብሓደ ሓይልን ተደርቢዩ፡ ርእሲ ህግደፍ ወቒሩ ክሰብር ወይ ድማ ሂወቱ ዘሕጽር ክኾውን ይግባእ ኢና ንብል ዘሎና።
- እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቐሰ ግብራዊ ሓሳብ ክትግበር ዝከአል ግን እተን ሃገራውያን ሓይልታት (እንኮላይ ሲቪላዊ ማሕበራት) ሃገር መታን ከድሕና አብ ሓደ ውድብ ምስ ዝመጻን ብሓባር ሃገር ዘድሕን ፕሮግራም ነዲፈን አብ ሓደ ቁራዕ ተጠጢቐን ውህደት ፈጺመን ምስ ዝሰርሓ’ዩ።
- እቲ አብ ሓደ ቁራዕ ዝተጠጠቐ ሓይሊ ፍጹም ናይ ግብርን ናይ አተሓሳስባን ለውጢ ጌሩ አብ ሓድሕዱ ዝግበር ምምንጫት ወጊዱ ካብ ባዶ ክጅምር ይግባእ። ብሓጺሩ ከምቲ ብቛንቛ እንግሊዘኛ ዝበሃል Paradigm Shift ክገብር አሎዎ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ዘይሰርሐ ከም ተመኩሮ ተማሂርናሉ ብሓዲሽ ንጀምር’ዩ።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አዝየ የመስግን።
ዘልአለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት!
ዓወት ወይ ሞት!
ناشطون ومثقفون يناقشون ( بناء الثقة )
Monday, 22 August 2016 22:18 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأقيمت لمدة 3 أيام ندوة علمية نظمها حزب الشعب الديمقراطي الارتري تحت عنوان (بناء الثقة في الشؤون السياسية والاجتماعية الارترية). في الندوة التي عقدت في الفترة من 10 – 12 أغسطس 2016م قدم 11 شخصاً ارترياً بارزاً أوراق المناقشة.

افتتح الندوة السيد/ تسفاي ولد ميكائيل ( دقيقة ) بكلمة ترحيب، ثم دعا السيد/ منقستئاب أسمروم رئيس الحزب لمخاطبة الندوة والذي أكد علي الضرورة الملحة للصلح والعمل الارتري المشترك، معرباً في الوقت ذاته عن تمنياته للندوة بالنجاح.

تكونت رئاسة الندوة من مسئولين بالحزب هم كلٌّ من ألم يوهنس مسئول الشؤون الاجتماعية، إيرترا ألأزار مسئولة شؤون المرأة، مدهني هبتزقي مسئول شؤون الشباب، وتمت مناقاشة ستة أوراق مقدمة للندوة.

جلسة اليوم الأول التي استغرقت تسع ساعات قدم السيدان/ الدكتور/ عند برهان ولد جرجيس عضو قيادة المنتدى الارتري للحوار الوطني (مدرخ) وقرزقهير تولدي مندوب حزب الشعب الديمقراطي الارتري بامريكا الشمالية ورقة من شقين بعنوان (مفهوم المصالحة السياسية: تطبيقاته وتأثيره في ارتريا)، المتحدث الأول عنون دراسته ب( ضرورة إدخال المصالحة في أوساط التنظيمات والجمعيات المعارضة وتجربة منظمة مدرخ في هذا المجال. أما الشق الثاني فقد كان بعنوان ( الصلح كسبيل موضوعي لحل النزاعات ومن أبرز أمثلته الاعتذار وتبادل طلب العفو ). هذا ومن المتوقع أن تعكف الجهات المنظمة للندوة علي إعداد الأوراق للنشر.

البروفيسر/ قرماي نجاش الأستاذ بجامعة أوهايو بالولايات المتحدة الامريكية والسيد/ عبد الرحمن سيد ( أبو هاشم ) الناشط ببريطانيا في شؤون الديمقراطية وحقوق الانسان قدما ورقة عن ( القيم الاجتماعية والتراثية الارترية ). الأول تناول بالشرح المطول الأعراف التقليدية التي باتت مهددة بالاندثار إلماماً أو تطبيقاً. أما سيد فقد تناول دور القيم التراثية في المجتمع في الانتقال السلمي نحو الديمقراطية.

القسم الثالث من الأراق كان عن ( دور الاعلام في بناء الثقة )، وقد قدم أوراقه كلٌّ من: الدكتور/ رئسوم مسفن، طقاي نقاش وصالح جوهر الكاتب ومؤسس ومحرر موقع عواتي بالإنترنيت وثلاثتهم مقيمون بامريكا الشمالية. الأول عنون ورقته ب(العلاقات البينية)، مركزاً علي تجربته في زيارته التفقدية الأخيرة لمعسكرات اللاجئين الارتريين باثيوبيا ولقاءاته بناشطين ارتريين هناك. الناشط العريق في أوساط المعارضة قاضي جوهر ناشد الارتريين النظر باهتمام الي ما بعد سقوط النظام الدكتاتوري.

اليوم الثاني كان تحت عنوان (حل النزاعات) وقد أعدَّ أوراقها كلٌّ من: السفير/ أدحنوم قبر ماريام عضو قيادة الحزب الديمقراطي الارتري والدكتورة (طبيبة)/ ألماز زرءاي عضو قيادة منتدى نساء أوربا. كانت ورقة السفير/ أدحنوم عن ( ضرورة نسيان الماضي والاعتذار لبعضنا البعض وفتح صفحة جديدة تعجل بتحقيق التغيير). أما ورقة ألماز فقد كانت عن الخيارات المتاحة لحل النزاعات الارترية.

الشاب/ برختئاب يوهنس عضو قيادة شبان ارتريين للتغيير من كندا قدم ورقة علمية ممتازة عن أسباب وحلول مشكلة تدفق هجرة الشباب من ارتريا، وقد دعا في ورقته الي ضرورة إسهام الشباب في النضال من أجل التغيير.

الورقة الأخيرة كانت بعنوان ( حالة انعدام الثقة المستمرة في أوساط قوى المعارضة الارترية ) من إعداد السيدة/ أسقدت محرتئاب المناضلة المخضرمة والناشطة في حقل قضايا المرأة والكادر الحزبي المتقدم في حزب الشعب الديمقراطي الارتري بأمريكا الشمالية. تناولت أسباب وحلول مشكلة انعدام الثقة في أوساط المعارضة. صحبت كل الأوراق مناقشات واستفسارات وإجابات غنية ووافية.

السيدان/ فسهاطين قبري عضو قيادة جبهة الإنقاذ الوطني الارتري ( حدري ) وَوَدَبْ تيدروس عضو قيادة تحالف الشباب الارتري للتغيير وعدد كبير من أعضاء قيادة حزب الشعب الديمقراطي الارتري وغيرهم قد حضروا الندوة وشاركوا في مناقشتها.

هذا وسوف يشارك حضور ومخاطبو الندوة في مهرجان ارتريا السنوي لهذا العام بفرانكفورت ليقدموا لجمهور المهرجان ملخصات عامة لأوراقهم.
1/ معنى الصلح
2/ دور الأعراف والتقاليد في الصلح
3/ عملية الصلح
4/ دور الأجانب في الصلح
5/ نتيجة الصلح
6/ احترام الصلح
1/ معنى الصلح
وجود أو حدوث شيء موضع خلاف بين الناس أمر مسلـَّــم به، حيث من الطبيعي أن ينتج عن تعدد العلاقات سياسياً، اجتماعياً، مهنياً تعدد واختلاف في الآراء، وعندما يصل أصحاب الشأن بأنفسهم أو عبر وساطة آخرين من خارجهم الي اتفاقٍ أو تراضٍ حول موضوع الخلاف بينهم، يصف الناس ذلك الاتفاق بالصلح.
الصلح الذي تتناوله هذه الوثيقة معنيٌّ في المقام الأول بالصلح السياسي بين التنظيمات الارترية الساعية الي إبدال نظام أسمرا الدكتاتوري بنظام دستوري علماني ديمقراطي يحترم حقوق الانسان ويسمح بالتعدد الحزبي. البعض يتأفف من استخدام الصلح كمصطلح أو رؤية في أمرٍ يتعلق بتنظيمات سياسية لا ولن يصعب عليها أن تلتقي وتتحاور، بل يرى هؤلاء أن الصلح أصلح لوصف تجربة المصالحة الوطنية في جنوب افريقيا بين أناس أدْموا بعضهم البعض طويلاً، ولا يعترفون ببعضهم ككيانات وأحزاب سياسية وكانوا منقسمين بين مضطهد ( بكسر الهاء ) ومضطهد ( بفتح الهاء ). إذاً مفهومنا للصلح هنا أن تبدأ بالحوار لتصل الي الوفاق الذي ينتهي بك الي وحدة كاملة ويكسر الحاجز الوهمي الذي يعشعش في أذهاننا بين من نسميهم نحن والآخرين، ويقف حائلاً بيننا وبين تحقيق أي أعمال أو مصالح مشتركة.

أما من يتساءلون قلقين: ( وماذا عن اللا علمانيين ) نقول لهم دون تفصيل إن الدخول معهم في جبهة وطنية عريضة متينة وجادة أمر تمليه ظروف اليوم قبل الغد.
2/ دور الأعراف والتقاليد في الصلح:
هذه الدراسة التي كتبها الأخ/ برهاني ردَّا وأعدها حزبنا للنشر تؤكد لنا أن الصلح يتبوأ مكانة خاصة بين القوانين والأعراف القانونية الأهلية، لقد تضمن النظام الأهلي فصولاً خاصة بكل جرمٍ أو آصرة اجتماعية. هذه القوانين درست كل أشكال ومسببات المشاكل والجرائم ووضعت لها المعالجات القانونية بما يحفظ الأمن والسلم المجتمعي. وحتى يتجنب النظام الأهلي اللجوء الي القضاء و يحسم أموره وُدِّياً وضعوا بديلاً أهلياً للنظام القضائي هو المعروف بالوساطة أو التحكيم الأهلي ( الأجاويد والشماقلي ).
الوساطة نظام تحكيم أهلي يرضى فيه الخصمان حكم جهة ثالثة لمعالجة خلاف أو نزاع بين أشخاص، قرَى، عشائر، قبائل، أو حتى قطاعات ومحافظات إدارية. الوساطة عبارة عن جهة محايدة (neutral) لا مصلحة لها في القضية محل النزاع ومرضية من قبل المتخاصمين تقوم بالتحكيم بين المتنازعين. فعند قومية البلين علي سبيل المثال عندما ينشأ خلاف داخل أحد مكوناتها (توقي أو ترقي مثلاً ) يحكمون بينهم الطرف الآخر أو حتى من خارج القومية مثل البيت جوك وغيرها. وفي اقليم أكلقوزاي عادةً ما يتم التحكيم في النزاع الشهير بين الطروعا والطنعدقلي بواسطة قبائل أو عشائر أخرى من نفس الاقليم.
معظم مواد القانون الأهلي تفرد حيزاً كبير للصلح، يتحمل الصلح والتحكيم المسئولية القانونية الكاملة عن تنظيم وحل مشاكل الزواج، الطلاق، الأرض، القتل ...الخ. في معظم أقاليم وقوميات ارتريا يتم تعيين مجلس وساطة دائم يتولى الفصل في القضايا المذكورة آنفاً، وإذا ارتكب شخصٌ ما جريمة وسأل ذلك المجلس الحماية فإنه آمن وهو أيضاً راضٍ بنتائج حكم ومحاكمة المجلس.
مجلس الوساطة: في كبسا ( المرتفعات ) يسمى مجلس (دانياتات، عبيتي عدِّي) أي المحكمون وكبار القوم وفي قومية الكوناما يسمى سنقنني أو دانيمتا وفي قومية النارا يسمى دارقضا وفي قومية الحدارب يسمى حسبيب وفي قومية العفر يسمى مكابو. وكذلك عند البني عامر والساهو والمنسع وغيرها من القبائل والقوميات يقوم كبار القوم بحل الإشكالات.
القتل من أكبر الجرائم، وقد وضعت له الأعراف قوانينه الخاصة، وبما أن القتل لا يسفر إلا عن المزيد من سفك الدماء تضع تلك القوانين مواد مانعة للأخذ بالثأر مع السعي في الوقت ذاته الي معالجة قضايا القتل بالصلح. فعند كلٍّ من البني عامر والبلين يتم جبر القتل بالدية مهما كانت أسبابه. وتحاول القوانين الأخرى الصلح بين أهل القاتل والقتيل. هذا وعادةً ما يحكم بالصلح عند طلب المجرم الأمان لدى مجلس الأعيان أو تسليم نفسه للسلطات الحاكمة (أي الشرطة) أو الهرب من البلدة والاختفاء تماماً.
برهاني ردّة
29 يوليو 2016م

3/ عملية الصلح:
ما المطلوب من التنظيمات الارترية المتقاربة سياسياً أن تفعل كي تتمكن من العمل سوياً أو تصعد نحو الاندماج النهائي؟
أولاً: مطلوب منها أن تبدأ حواراً ذا لهجة وُدِّية وتصالحية من القمة الي القاعدة، ثم تقوم بتقييم تجربتها التقاربية هذه بدقة وصراحة صارمة. وهذا التقييم الصارم والصريح من أقل فوائده أن يكشف لك نقاط الاتفاق والاختلاف وأسباب ومواضع الخلاف والاتفاق وكل ما يمنع العمل المشترك. والهدف من ذلك اجتناب تكرار الأخطاء والعيوب وليس لتبادل التراشق بالاتهامات وإثارة المرارات وتعميق السلبيات.
ثانياً: من الضرورة بمكان أن يكون المتحاورون والقائمون علي التقييم وما يليه من قضايا الصلح والوفاق أناساً حريصين علي الحوار والوفاق ومخلصين له كل الإخلاص. الكل يعلم أن جنوب افريقيا وهي تنتقل من نظام الفصل العنصري الي الديمقراطية حاولت جهات عديدة سواء من البيض أو السود عرقلة مسيرة الصلح الوطني، لكن كما ذكر كـُــتــَّــاب عديدون أن حكمة وحنكة مانديلا ودكليرك زعيمي البلاد الخصمين اللدودين والمخلصين في ذات الوقت للمصالحة الوطنية أنقذت عملية التوافق الوطني من الانزلاق الي الفوضى والاقتتال الأهلي. لذلك فإن انتداب عناصر مخلصة للقضية المتحاوَر حولها من أهم عوامل النجاح في وصول الحوار الي مراميه القصوى سالماً غانماً.
ثالثاً: تبادل العفو والاعتذار أيضاً من المعالجات المزيلة للآثار النفسية، وتنظيمات ارتريا خلال جميع الحقب ارتكبت ضد بعضها الكثير من الجرائم القمعية بشريةً كانت أو معنوية. نحن الذين نسير خلف حزازاتنا معصوبي الأعين، يبدو أننا لا ندرك كم نؤذي أنفسنا ونضالنا المشترك وأهدافه المشتركة. اشتهرت تقاليدنا الاجتماعية باستهجان من يتحدث عن نفسه أو حقه حتى لو كان مظلوماً، لذلك ليس شائعاً عندنا أن نعتذِر أو يـُـعتذَر الينا. هناك بالطبع قلة ممن يمارسون الاعتذار ويواصلون نضالهم صامتين غير معلنين عن اعتذارهم. ولتأكيد هذه الحقيقة دعوني أروي لكم هذه القصة من تجربتي الشخصية وليس من التراث كما كنت أفعل في معظم السطور أعلاه. في أبريل 1967م اعتقلني نظام هيلي سلاسي، وكان من وشى بي لدى السلطات والشاهد ضدي عند إحالتي للقضاء أحد منظَّــمي جبهة التحرير الارترية. بحكم ترددنا علي بيت المقاتلين السري الذي استأجره لهم بنفسه كان يعلم أننا نشطاء متحمسون للجبهة، وبحكم عدم وجود صلة تنظيمية مباشرة بيني وبينه حزنت كثيراً وغضبت عليه لاعتقادي بأنه ضحـَّــى بي لكي ينجي نفسه. لكن بعد قليل نسبت الخطأ الي نفسي بدعوى أني لو كنت حينها خارج منزلي لما قـُــبـِــضَ عليَّ، لقد كنت أعلم أنه كان قد سبقني في الاعتقال، لكني أخطأت عندما لم أستبعد إمكانية أن يشي بي فيدلـَّـهم علي بيتي، وبهذه الطريقة من الاعتذار المبطن بنشر القصة شعرت في نفسي أنني قد أزحت عبئاً ثقيلاً عن كاهلي وتخلصت مما حقنته تجاه خصمي يوماً ما من غضب وحقد. هذا وعندما سمع الرجل الذي سبقني الي الهجرة الي كندا أنني أيضاً أشاركه التواجد بها سرعان ما اتصل بي تلفونياً وتآنسنا كأن شيئاً لم يحدث بيننا يوماً من الأيام. وبعد أن ظل في مهجره مسانداً نظام الهقدف أوقف أي تعاون مع النظام منذ العام 2001م، العام الذي شهد حملة الاعتقالات الواسعة في أوساط كبار المسئولين وملاك ومحرري الصحف المستقلة، وكشريك له في الهم الوطني العام لا أرى ما يمنعني من التحاور معه حول الشأن الوطني والجلوس معه علي مائدة واحدة. وبالفعل نلتقي من حين الي آخر ونتآنس عن مختلف المواضيع الخاصة والعامة.
الحدث الآخر لا يوازي الحدث السابق، لكنه حدث مثالي في التعبير الصادق والمسموع عن رأيك الشخصي دون أن يحول ذلك دون استعدادك للعمل النضالي المشترك مع الآخرين. كنت وقتها أناضل بجبهة التحرير الارترية مندوباً لها بالسويد وكان لي تحفظاتي علي سياستها الخارجية آنذاك. وظناً مني أن أعضاء المجلس الثوري ينقصهم ما أعلمه أنا في هذا الصدد بعثت لهم برسالة مسجلة، والرسالة وهي في طريقها الي صاحبها وقعت في يد مسئول العلاقات الخارجية شخصياً والذي أعمل أنا تحت إدارته المباشرة، فما كان منه إلا أن أصدر اليَّ أوامر مشددة بالقدوم الي السودان فوراً، وبالفعل لبـَّـيـْـتُ الدعوة فدخلت السودان ومنه مباشرةً الي الميدان دون إبطاء، والرجل الذي التقى بي ممثلاً لرأي اللجنة التنفيذية أخبرني أنهم يدركون أنني فعلت ما فعلت بغرض الإضرار بالتنظيم أو القيادة، ولو وقعت الرسالة في أيدي من يتربصون بنا لوقع علينا ذلك الضرر فعلاً وواقعاً. وأنهم لا يشكون في إخلاصي واستعدادي للنضال معهم، كما يثقون بقبوله بصدرٍ رحب تخفيض صلاحياته من رئيس بعثة مكتب الي نائب البعثة، ليس ذلك بسبب رسالتك هذه ولكن قناعةً منا أنك أكثر أهلية في مجال التعبئة والتنظيم في أوساط الشعب، لذلك قررت اللجنة التنفيذية تعيينك مسئولاً للشؤون الجماهيرية ونائباً للمندوب بالخرطوم. قلت في نفسي حسناً فالمكان الجديد يقربني من الميدان، وبالتالي قبلت التكليف الجديد بالسرور والترحاب، لكني سألته عن كيف وجد السبيل الي رسالتي وهي مسجلة، ذلك أن الرسالة البريدية المسجلة لا توهب الا للمعني بها وبعد إبراز وثيقة إثبات شخصية موافقة للاسم المكتوب علي مظروف الرسالة، وإذا امتنعت عن ذلك فبإمكاني التأكد من ذلك عبر سلطات البريد لكن ذلك يضر بالشخص المعني، وعند ذلك لم يجد بداً من إخباري بالمعلومة الصحيحة. وقبل وضع التكليف الجديد موضع التنفيذ وبعد حوالي العام تصادف أن أعمل بمكتب واحد مع من سرَّب الرسالة الي القيادة. وحتى تلك المصادفة لم أحدِّث صاحبي هذا عن موضوع الرسالة، وبمناسبة العمل المشترك سألت صديقي قائلاً: إذا كان لديك رأي حول الرسالة لماذا لم تتصل بي تلفونياً وتشرح لي رأيك؟ وكيف تفتح رسالة غيرك؟ ردَّ علي أن فلاناً هو الذي أحضر الرسالة من البريد وساعتها تصادف وجود مسئول العلاقات الخارجية بمكتبي فما كان مني إلا أن سلمته الرسالة لأنها من مندوبه المباشر، وبذلك ختمنا مسلسل الرسالة دون أن يؤثر ذلك علي علاقاتنا الشخصية أو النضالية، وظللنا نعمل معاً بكل جدٍّ وإخلاص.
لذلك الاعتذار وتقبله من المعتذر اليه مفيد للغاية في خلق أفضل العلاقات بين العاملين في حقول مشتركة.

وفيما يلي نورد قصة مثالية من جنوب افريقيا تبرز كم هو مفيد أن تصر علي لعب الدور الإيجابي في أية مشكلة مهما كانت عويصة. فقد أتت طالبة مناهضة للعنصرية للدراسة في جامعة الكاب الغربي وبينما كانت تنقل أصدقاءها من السود الي موقع سكناهم إذ اعترضها شبان سود فقتلوها وعندما عثر عليهم عفت عنهم أسرة الفقيدة فانقلبوا هم من أشرار الي أخيار وأقاموا مؤسسة خيرية باسم القتيلة تعنى بالأيتام والمشردين، فانظر كيف غيـَّــر حسن الظن بالإنسان الشر الي خير والشيطان الي ملاك.
يمكنك الاطلاع علي القصة في المرجع التالي:
Desmond Mpilo Tutu: No Future without Forgiveness pp 152-153
نحن إخوة وآباء وربما أجداد لهؤلاء الشباب الذين ينفقون حياتهم أسرى حرب في معسكرات التجنيد الإجباري المستمر أو مغامرين بحياتهم في سبيل الهجرة مجهولة النتائج، ما أحوجنا الي الاستفادة من هذه القصة المثالية لتكون لنا خير حافز علي نسيان مرارات الماضي وبناء مستقبل مشرق لنا جميعاً.
4/ دور الأجانب في الصلح:
الحكومات والأحزاب الأجنبية والمؤسسات الدولية لها دور في الصلح قد يكون إيجابياً وقد يكون سلبياً، لقد كان لكلٍّ من الأمم المتحدة، الاتحاد الاوربي، الاتحاد الافريقي أدوار إيجابية مشهودة في تهدئة وحل نزاعات محلية في كلٍّ من نيكاراغوا، غواتمالا ورواندا. في منطقتنا (القرن الافريقي) كان هناك منتدى صنعاء الذي ينظر بعضنا لأدواره بإيجابية وبعضنا الآخر بسلبية، لكن الآن اليمن في حد ذاتها تعيش أحوالاً هي أحوج ما تكون فيها الي المساعدة والوساطة والصلح الأهلي، نتمنى لها كل الخير والوفاق والسلام. وذات المواقف المتباينة تجاه اليمن ظللنا ولا زلنا نبديها حول الدور الاثيوبي في الشؤون الارترية. أما السودان فقد اختار أن يقف مع نظام أسمرا بشكلٍ كلي، لكن وبحكم مبدأ عدم دوام الصداقة ولا العداوة في مجال الدبلوماسية فكل تلك الأحوال والمواقف قابلة للتغيير.
علاقاتنا بدول الجوار متداخلة من كل النواحي، سكانياً، دينياً، ثقافياً ...الخ، لذلك علي جميع تنظيماتنا أن تحرص علي خلق أفضل العلاقة بتلك الدول الآن وفي المستقبل بعد سقوط الدكتاتورية في بلادنا.
5/ نتيجة الصلح:
إبدال الآراء السلبية عن بعضنا البعض بآراء إيجابية سوف يعيننا علي تحديد القواسم المشتركة بيننا، وخلال المسيرة المشتركة نستطيع معالجة العيوب والنواقص التي تظهر خلال عملنا المشترك. وعندما تحس كل الأطراف أنها كاسبة من هذا العمل وأنها علي قدم المساواة مع الآخرين في الحقوق والواجبات سوف تعمل بإخلاص من أجل مصلحة الجميع لا المصالح الفئوية الضيقة.
القوى السياسية إما أن تكون متقاربة الآراء وبالتالي قابلة للاندماج النهائي وإما أن تكون متباينة الآراء فتنظم نفسها في إطار وحدوي فضفاض لتقوم بكل ما هو مشترك بينها.
إن عدم حلنا لقضية السلطة وتشخيصها التشخيص الصحيح هو الذي رجع ببلادنا القهقرى، لذلك لابد لنا من حل هذه القضية الحل الموضوعي الصحيح، تكرار وتجريب المجرب لن يفيدنا لذا يجب أن نبحث عن حلول وتجارب جديدة، فإن عجزنا ولم نجد الحلول المناسبة فلنستدع الخبراء وبيوت الخبرة المختصة وطنيةً أو أجنبية.
6/ احترام الصلح:
كل ما يتفق عليه الجميع يجب أن يكون محل احترام الجميع، إن اعتماد احترام الاتفاقات والعهود في ثقافتنا سوف يفيدنا اليوم وغداً بعد سقوط الدكتاتورية، ومما يجب أن يكون محل الاحترام والالتزام الاتفاق علي توحيد مصدر معلوماتنا. هذا ومما يساعد علي ذلك أن تتولى لجان الحوار والعمل المشترك مهمة توثيق كل ما يتفق عليه بجميع وسائل التوثيق.
إذا جعلنا إقامة النظام الدستوري هدفنا المركزي المشترك فإن ذلك يتطلب منا أن ننقله من الورق الي العمل وأن نرسخ ثقافة التقيد بالدستور في أوساطنا جميعاً، ذلك أن من لم يتعود أن يحترم دستور تنظيمه، حزبه أو جمعيته لن يحترم غداً دستور البلاد. وبما أننا في المهجر فإن إحدى مشاكلنا عدم امتلاك نظم وقوانين تحكم تصرفاتنا التنظيمية، لذلك لا يرى البعض منا عيباً أن ينشق أشخاص يعدون علي أصابع اليد الواحدة علي تنظيمهم ولا يخجلون بعد ذلك أن ينازعوه الاسم والممتلكات. ومما يساعد علي ذلك أيضاً عدم وجود الجو السياسي الملائم لإنجاز المهام التي نراها رئيسية. وحتى في نضالنا الحالي لاستبدال سلطة النظام الدكتاتوري بسلطتنا لن يتم استيلاؤنا علي تلك السلطة بالتمزق الي مجموعات ضئيلة متصارعة. لذلك يجب أن ندرك أن علينا الخروج من مستنقع التمزق والدخول في تحالفات بعيدة وقصيرة المدى حتى نتفادى الفشل في استلام السلطة فتكون البلاد عرضة لمخاطر الفراغ الدستوري. لنسأل أنفسنا الي متى ننتظر أن تقرر الأقدار والرياح مصيرنا؟؟!!!
ختاماً نتمنى أن يعمل الجميع علي تحقيق التغيير الديمقراطي الذي يؤمن للكل حقوقه ويوفر له كل الشروط التي تمكنه من التمتع بتلك الحقوق.
EPDP Branches in Europe Hold 3rd Continental Congress in Frankfurt
Monday, 22 August 2016 08:24 Written by EPDP Information OfficeOpened by a welcoming statement of the preparatory committee, the congress started its functions with an address by the Europe-Zone chairman, Mr. Isaak Woldemariam, who asked a minute's silence to pay tribute to colleagues Ms Tsada and Alazar Kelete who passed away since the last continental congress. The zone chairman outlined the achievements scores and challenges faced by the Europe zone during the past few years.

Following this, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), head of the EPDP Organizational Affairs Office, delivered an inspiring and enlightening speech to the congress highly commending the party branches in Europe for their committed struggle as the central nerve and backbone of the party in all aspects. He urged all the party branches in UK, the Scandinavian countries, Germany, Holland, France and Switzerland to redouble their efforts, renew working relationships and tighten up their belts for the final push towards a resounding success of the current struggle for democratic change.
After receiving all relevant reports by the outgoing leadership, the congress elected a congress secretariat chaired by Mr. Andezion Ghirmai. After deliberations and necessary changes, the reports were adopted and the outgoing leadership congratulated for its being able to overcome all the challenges faced during its tenure.
The third congress adopted its work plan and resolved its renewed commitment to do more in the ongoing struggle for democratic change in Eritrea.
Congress paid unreserved tribute to the selfless and untiring party leadership and asked for increased efforts to bring together all forces struggling for democratic change in Eritrea so that the untold suffering of our victimized youth and the population in general could be stopped soonest.
Before ending its session with another moment of silence in memory of Eritrean martyrs, the congress elected a 7-person leadership and two reserve members that included youth and women.

By Dr. Almaz Zerai
The topic of the presentation was Conflict and Conflict Intervention Strategies. It mainly dealt with the causes of conflict, the basic types and stages of conflict: conflict triangle (attitudes, behaviour,context), the so called "circular definitions of enemy" as well as the different conflict intervention strategies: settlement, resolution, management, conflict transformation and ADR ( alternative dispute resolution). Further elaboration was worked out on the former concepts in regards to the influence on their outcome: Attitude - prejudices, beliefs, perceptions, feelings; Behaviour - statements, offences, insults, attacks; Context - political, economical, cutural and historical backgrounds. The presentation put particular emphasis on the various forms of conflicts and elaborated the resulting consequences: competition (win/lose), accomodating (lose/win), avoidance (lose/lose), compromise (both parties win and lose slightly), cooperation (win/win). It further cited references and opined that coercive violence creates "shared trauma" which becomes part of peoples core identity generating further conflict until the traumatic material is identified and dealt with. The effects and mechanisms of conflict that are essentially linked to task performance were laid down.
The paper suggested that medium arousal level correlates with an optimum task performance, whereas an overload of arousal level (panic, anger, violence) leads to low performance level and pointed out that peacemaking involves justice and equality in the social system. It emphasized the urgent need for attitude change from "I can not" to " I'm determined to be able to/I can!". As the process of conflict resolution is of crucial importance, it is mandatory that the conflict parties are determined and willing to solve their conflicts themselves and on their own merits; mediators could at best help through the process. Besides the need of effective parties in the opposition was elaborated.

The presentation concludes that professionality should not disembody us from our humanity.
ብፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ
(ቃለ-ጉባኤ፡ ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ዝቐረበ)
መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ
ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ
ጫፉ ኣብጽሓኒ፡
ልበይ ተተርኢሱ ኣብ ተስፋን ኣብ ሕልምን
ዝናብ ናይ ወጋሕታ ጕዕዞ ኣይክልክለንን
(…)
ንሕና ዘይኰን’ናሲ ንእገረ መገዲ
ንሕና እምበር ባዕልና፡ ባዕልና መገዲ
ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ
መገዲ ዓድና፡ ሰደና ሰደና
ቀለም ዘይሓለፎ፡ ብርዒ ዘይተንከፎ
ብኢድና ክንጽሕፎ።
(…)
ዓደየ ዓደየ ዓደይ ብምልእታ
ምዕርዕር ዝበለት ወለላ፡ ወለላ
ሃገረይ ወለላ …
እዘን ከም መእተዊ ተጠቒመለን ዘለኹ መስመራት ካብታ ብስሙይ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያም ዝተደርሰት: “መገዲ ዓድና” ዘርእስታ ግጥሚ ዝተወስዳ ኰይነን: ኣብ ግንቦት 2009 በቲ ህቡብ ድምጻዊ ተመስገን ያረድ ብዝምስጥ ዜማን ወኒ ብዘላዓዕል ሙዚቃን ተሰንየን ዝተደርፋ ኢየን። ኣርእስታን መልእኽታን ከም ዝእምቶ: ቀንዲ ሓይሊ ናይታ ግጥሚ: ነቲ ዘሎ ኵነታት ሃገርን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሕድሕድ ምርሕሓቓቕን ኣብ ስደት ምንባርን ከም ውሁብ ብምውሳድ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ሰሪጹ ዝርከብ ዓሚቚ ናይ ናፍቖት ስምዒት ተንኪፋ ወይ ኣለዓዒላ ናብ ዓዱ ንኽምለስ ንዘለዎ ናይ ወትሩ ድልየት ስለእተተባብዕን ተስፋ እትህብን ኢዩ። ብርግጽ ከኣ ነተን “መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ/ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ” ዝብላ መስመራት ብምሳሌያዊ ዓይኒ ምስእተንብበን ወይ ምስእተስተማቕረን: እቲ መገዲ ክኽየድ ዝከኣል ምዃኑ ዝሕብራ ጥራሕ ዘይኰናስ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ሽግራትን ቃልሲን ዝተራእየሉ፡ ኣሽሓት ሓርበኛታት ዝሓለፉሉ፡ ናብ ኤርትራ ዘምርሕ መገዲ ክሓጽር እውን ከምዝኽል የተስፍዋ። እታ ግጥሚ እተሰከመቶ ካልእ ረቂቕ መልእኽቲ እውን ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብተን “ንሕና ዘይኰን’ናሲ ንእገረ መገዲ/ንሕና እምበር ባዕልና፡ ባዕልና መገዲ/ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ” ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ገዛእቱ ከምዋዛ ንእግረ-መገዶም ከማሓድሩዎ ዘየፍቅድ: ወይ’ውን ኣብ ጉዳይ መጻኢ ዕድሉ ኣብ ወሰናስን ኰይኑ ከም ተራ ሓላፍ-መገዲ ዝዕዘብ ከምዘይኰነ፣ የግዳስ ባዕሉ ወናኒን ተጓዓዚን ናይቲ መገዲ ምዃኑ ዝሕብራ ሓያላት መስመራት ተቐሊሙ ይርከብ።

ኣብ ናይ ሎሚ፡ “መገዲ ዓዲና፡ ብኸመይ ንኸዶ?” ዘርእስቱ ቃለ-ጉባኤ: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ብብሉጽ ቋንቋ ዝተቐለመ ናይ ገጣማይ ብሩህ ስእሊ ከም መእተዊ ብምውሳድ: እቲ ኩላትና ክንከዶ እንሓልሞ ‘ናብ ኤርትራ ዝወስድ መገዲ መዓስን ብኸመይን ወይ’ውን እንታይ ምስ እንገብር ኢና ክንከዶ እንኽእል?’ ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ሓደ-ሓደ ሓሳባት ምሳኻትኩም ክካፈል ክፍትን’የ። ከምዝፍለጥ: ኣብዚ ሕጂ ኤርትራ ዘላቶ ብፖለቲካዊ ጸቕጢ: ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰል: ድኽነትን ስደትን ዝልለ ዘመን: እቲ ነታ ሃገር ካብቶም ዘጋጥሙዋ ዘሎዉ ሽግራትን ብድሆታትን ኣሕዊኻ ናብ ንቡር ክውንነት ንምምላሳ ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ክኽውን ኣይክእልን’ዩ። እቶም ግድላት ዓበይትን ጽንኩራትን ብምዃኖም: እቲ ነቲ ኵነታት ንምቕያርን ንምዕራይን ዝግበር ናይ ቃልሲ ጒዕዞ እውን ብኡ መጠን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ዝመልኦ ክኽውን ግድን’ዩ። ይዅን’ምበር: ነቲ ናብ ዓዲና ዘምልስ መገዲ ዓወት: ነቲ ንህዝቢና ተሓሪሙዎ ዘሎ መሰልን ክብርን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝግበር ናይ ቃልሲ መገዲ: ብሓጺሩ ከምቲ ገጣማይ ዝበሎ “ንሕና ናይዛ ዓዲ ንሕና ነዛ ዓዲ” ምዃንና ኣሚንና: ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖትን ብሄርን ወገንን ኵላትና ብሓባር ንምጽራጉ ምስእንጽዕር: እቲ መገዲ ክምዕረ እቲ ጕዕዞ’ውን ክሓጽር ይኽእል’ዩ። እዚ ኰይኑ: እቶም ኣብዚ ሰዓት’ዚ ነቲ ናይ ዓወት መገዲ ዝሓልኵዎ መስናኽላት እንታይ-እንታይ ኢዮም? እቶም ክግጠሙን ክፍትሑን ዘሎዎም ቀንዲ ሽግራት ኤርትራን ህዝባን ኣየኖት’ዮም ዝብሉ? ሕቶታት ምልዓል ኣገዳሲ ኢዩ።

ብርእይቶይ: ህዝቢ ኤርትራ ናብ ንቡር መነባብሮ መታን ክምለስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ እቲ ስራሕ ዕዉት ኣስተዋጽኦ ክህሉዎ እንተድኣኰይኑ: እዞም ቀጺሎም ዝስዕቡ ጉዳያት ከም ቀንዲ ኣተኵሮ ናይቲ ቃልሲ ተወሲዶም ንምፍታሖም ቀጻሊን ሓባራዊ ጻዕሪን ምስዝግበረሎምን ኢዩ እብል።
1. ጉዳይ ናጻ ፕረስ፤ ከምቲ ኣብ 1992 ኣብ ከተማ ኣስመራ “ናይ ደረስቲ ናጽነት” ኣብ ትሕቲ ዘርእስቱ ዘቕረብኩዎ መደረ ኣልዒለዮን ተላብየዮን ዝነበርኩ: ህላወ ናጻ ፕረስን ድርሰታዊ ናጽነት ብሓፈሻኡን ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ሃገር መሰረታዊ ኢዩ። ዝሓለፈ ናይ 25 ዓመት ተመኵሮ ኤርትራ ብፍላይ ንጋዜጠኛታትን ደረስቲን ጥጡሕ ኣይነበረን። እቲ PEN-Eritrea ዝብሃል ንመሰል ጋዜጠኛታትን ደረስቲን ንምክልኻል ዝነጥፍ ማሕበር ሰኒዱዎ ከም ዘሎ: ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ማዕረ 17 ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ተቐይዶም ይርከቡ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባኦም ክዛረብ ድሉዊ እኳ እንተዘይኰነ: ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዝሕብሩዎ ግን መብዛሕቶም ብህይወት ከምዘየለዉ ይዝረብ። ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ተስዓታት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ፍቓድ ምስ ተኣወጀ ክነጥፉ ዝጀመሩ ኢዮም ነይሮም። ኣብ 2001: እቲ ብጕጅለ-15 ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተጀመረ: እቲ ብእንኮ መንግስታዊ ልሳን ጥራይ ምዝራብ ዝለመደ ፖለቲካዊ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ: ነተን ናጻ ጋዜጣታት ዓጽዩ ነቶም ጋዜጠኛታት ብዘይ ግሉጽ ምኽንያትን ሕጋዊ መስርሕ ቤት-ፍርድን ኣሲሩዎም። እዚን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ተኣኻኺቦም ንኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝኸፍአ ምሕደራ ናጻ ፕረስ ዘለዋ፡ ወይ’ውን ብሳንሱርን ብምእሳር ጋዜጠኛታታን እትልለ ዝሓሰመት ሃገር ኰይና ከምትፍለጥ ገይሩዋ ኣሎ። ክንዮ ሕማቕ ስም ምርካብን እቲ ኣብ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ስቅያትን ጥፍኣትን ግና: ኣድላይነት ናጻ ፕረስ ንሓዋሩ: ንናይ ፕሮፓጋንዳን: ድንቍርና ዘበግሶ ናይ ሕሱር ቤላ-በለው ልምዲን ስዒርካ: ኣብ ጭቡጥን ግሉጽነት ዘለዎን ሓበሬታ ተመርኲስካ ደሞክራስያዊን ጥዑይን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ወሳኒ ብምዃኑ: ህዝቢን ናይ ፖለቲካ ሓይልታትን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ብዘይ ወዓል-ሕደር ክቃለስሉ ይግባእ።

2. ጉዳይ ሃገራዊ ቅዋም፤ ብዛዕባ ኣድላይነት ሕገ-መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ተዘሪቡ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ መሪሕነታቱን ብዛዕባኡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታትን መርገጺታትን ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ: “ባዕላ መውጽኢት ደርፊ: ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ”ከምዝብሃል: ነቲ ባዕሉ ዘበገሶ: ህዝቢን ምሁራትን ተጋደልቲ ካድረታትን ከኣ ዝደኸምሉ ሕገ-መንግስቲ: ኣብ መወዳእታ ብግብሪ ኣየድልን’ዩ ኢሉ ደርብዩዎ። ብወገን ሓይልታት ተቓውሞ ሰለስተ ርእይቶታት ኣሎ። ገሊኦም እቲ ቅዋም ፍጹም ስለዝዀነ ከምዘለዎ ይተግበር ይብሉ። ገሊኦም ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተቐለሰ ዝንቡዕ ሰነድ ስለዝዀነ ኣይንቕበሎን ኢና ይብሉ። ገሊኦም ከኣ: ዕቃበታት እኳ እንተሃለዎም: ነቲ ሕጽረታቱ ኣመሓዪሽካ ከም መበገሲ ምውሳዱ ይሓይሽ ዝብል እምነት ኣለዎም። ብወገነይ ምስዚ ዳሕረዋይ ርእይቶ እሰማማዕ። እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ዝብል ጽሑፍ ብሰፊሑ ከምዝገለጽኩዎ: እቲ ቅዋም ምምሕያሻት ክግበረሉ እንከሎ ሕመረት ናይቶም ዝትግበሩ መአረምታታት ኣብቶም ንታሪኽን እምነታትን ልቦናን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ሕግታት እንዳባ ዝተመርኰሱ ክዀኑ የድሊ እብል።
3.ብዛዕባ ምትሕብባር በርጌሳውያን ማሕበራት፤ ብፍላይ ኣብዝሓለፉዓሰርተዓመታትበብዅርናዑዝፈለቓ ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝጣብቓን ንጣበቕ ኢና ዝብላን በርጌሳውያን ማሕበራትኤርትራብዙሓት’የን።ኣበርክቶናይመብዛሕተን ኣመና ዕዙዝ ነይሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ንኽፍኣታት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ምቅላዕን ብኣህጉራዊ ደረጃ ዕቃቤታት ንኽግበረሉን ተገይሩ ዘሎ ስራሓት፡ ድምር ውጽኢት ናይ ኵላተን ጻዕሪ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እተን ማሕበራት ምእኩል ምትሕብባርን ናይ ብሓባር ምስራሕ ቅሩብነትን ከምቲ ዝድለ ኣይርአን። ሓሓሊፉ’ውን ብተናጽል ምስራሕ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ኣብ መንጎ ውልቀሰባት መራሕቲ ናይተን ማሕበራት ጥራሕ ዘይኰነስ: እቲ ኣሉታውነቱ ናብ ህዝቢ ዘሪቝ: ነቲ ዕቝር ሓይሊ ዜጋታት ብምድኻም፡ እምነት ምጕዳልን ተስፋ ምቝራጽን ክፈጥር ይርአ። ብደገ ንዝዕዘብ: ኣብ መንጎ መብዛሕተን እተን በርጌሳውያን ማሕበራት ጐሊሑ ዝርአ መሰረታዊ ናይ ዕላማ ፍልልያት የለን። እንተሃልዩ: ንኣሽቱ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባባት ዝፈጠሮ ፍልልይ ይመስል። ሰኣን ምውህሃድን ሓቢርካ ምስራሕን ግን ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ይኸስራ ከም ዘለዋ ዘጠራጥር የብሉን። እቲ ፍልልያት እንተቐጺሉ ድምራቱ ንዕድመ ስርዓት ኣስመራ ናይ ምንዋሑ ዕድል ዘስፍሕ ክኽውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ፡ እቲ መገዲ ዓወት መታን ክሓጽር ኲላተን እተን ማሕበራት ፍልልያተን ኣጽቢበን ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማታት ብምትኳር ተሓባቢረን ክሰርሓ የድልየን። እዚ ክውን ንምግባር ከኣ ኲሎም ኣብ ውሽጠን ኰይኖም ንለውጢ ዝቃለሱ ኣባላት እተን ማሕበራትን: ብሓፈሻኡ ኣባላት ሕብረተሰብን ነተን ማሕበራት ከተባብዕወን: ኣድላዪ ምስዝኸውን እውን: ተጽዕኖ ክገብሩለን ከድሊ ኢዩ።
4. ብዛዕባ ኣገዳስነት “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” (Decolonization of the Mind) ኣብ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ብዛዕባ “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” ከም ፍልስፍናዊ ኣምር ንምብራህን፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ኤርትራ ንምግላጽን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ዕማም ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣምር’ዚ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ክለሰ-ሓሳባዊ ምርምር እንተ ኣቲና: እዚ ፍልስፍና’ዚ ንፈለማ ግዜ ብኬንያዊ ደራሲ ንጉጊ ዋቲያንጎ ኣብታ Decolonizing the Mind (ማለት “ስነ-ኣእሙራዊ ሓርነት” እትብል መጽሓፉ) ዝተበገሰ’ዩ። ቀንዲ ኣተኵሮ ትንተና ንጉጊ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ መግዛእታዊ ታሪኽ ኣብ ኣፍሪቃን ኣገባባት መግዛእቲን ኢዩ። ብርግጽ እቲ ንኣፍሪቃውያን ቀንዲ ክግዝኡን ክንብርከኹን ዝገበረ ሓይሊ ወተሃደራዊ: ፖለቲካዊ: ምጣነ-ሃብታዊ ሓይሊ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ምዃኑ ኣጸቢቑ የብርህ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዓመጻት’ዚ: ብኣረኣእያ ንጉጊ: ነቲ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዝገበሩዎ ካልኦት ረቛሒታት’ውን ነይሮም ኢዮም። እዚኣቶም ከኣ ንቋንቋታት ኣፍሪቃ ኣዕኒኻ ብኤውሮጳዊ ቋንቋታት ምትካእ፣ ንያታዊ ባህሊ ኣፍሪቃ ከም ድሑርን ዘይጠቅምን ጌርካ ብምንሻው: ኣፍሪቃውያን: ልዕሊ ናቶም: ንኤውሮጳዊ ባህሊ ከምዘኽብሩ ምግባር፣ ንያታዊ ፍልጠት (ንኣብነት ከም ኣብ ሕጊ እንዳባ ኤርትራ ተዓቚሩ ዝርከብ ልቦናን ፍልጠትን) ምቍንጻቡን ምብታኑን: ነዚ ትምህርቲ’ዚ ድሕሪ ምብታን ከኣ ብሓድሽ ኤውሮጳዊ ትምህርቲ ምትካኡ ዝብሉ የጠቓልሉ። እምበኣር: ብኣረኣእያ ንጉጊ: ዝተገዝአ ህዝቢ ብኽልተ ሸነኽ’ዩ ዝህሰ። ቀዳማይ ግሁድ ኣካላዊ መግዛእቲ የጋጥሞ፣ ናይ ካልእ ሃገር ግዙእ ይኸውን። ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ መግዛእቲ ናይ ዝፈጥሮ ናይ ኣተሓሳስባ ግዙእ ይኸውን፣ ብሕቡእ “ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ” ይሳቐ። ‘ናይ ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ ግዙእ ምዃን’ከ እንታይ ማለት’ዩ?’ ናይ ‘ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ’ ግዙእ ምዃን ማለት፡ ኣንጻር መግዛእቲ ተዋጊእካ ናጽነት ምስ ተጐናጸፍካ፡ እቲ ሓድሽ እትሃንጾ ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ብናጻን መበቈላዊ ኣተሓሳስባን ዝህነጽ: ልክዕ ከምቲ ገዛእቲ ዘመሓድሩኻ ዝነበሩ፡ ትሕዝቶን ቅርጺን ምምሕዳሮም ብምውራስ ወይ ብምቕዳሕ ነቲ ሕብረተሰብ ከም ገዛእቲ ኴንካ ምምሕዳር ማለት’ዩ። ውጽኢት ወይ ነጸብረቕታ ናይዚ ብሓጺሩ ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ: ማለት ተርእዮ ‘ሕቡእ ስነ-ኣእሙራዊ መግዛእቲ’ ዝፈጥሮ ሽግር: ኣብ ክውንነት ኤርትራን ዜጋታታን ብኸመይ ይገሃድ ወይ ኣብ ምንታይን-እንታይን ይንጸባረቕ (ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ) ኢለ ክሓስብ ከለኹ ድማ: እቲ ሽግራት ብፍላይ ኣብዘን ዝስዕባ ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራ ነጥብታት ዝግሃድ ዘሎ ይመስለኒ።

(ሀ) ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ኣብ ዝግበር ክትዕ፤ ሓደ ካብቶም ቀንዲ እዋናውያን ኣካታዕቲ ነጥብታት ህዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ዘሎዎ ወይ ክህሉዎ ንዘሎዎ ዝምድና ዝምልከት ኢዩ። እዚ ነጥብ’ዚ ኣካታዒ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዛዕባ’ቲ እቲ ክህሉ ዘለዎ ዝምድና: ኣብ መብዛሕቱ ህዝቢ: ብሩህ ርድኢት ብዘይምህላው ኢዩ። ብፍላይ፡ እቲ ኣብዚ መዳይዚ ዝፍጠር ምድንጋራት ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደውላ (state) ፡ መንግስቲን (government) ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ውድብን (ፖለቲካዊ ማሕበር ወይ ፓርቲ) ዘለዉ ፍልልያትን ርክባትን ብንጹር ፈላሊኻ ክትርእዮም ካብ ዘይምኽኣል ዝነቅል ኢዩ። ከም ግቡእ፡ እቲ ደውላ (state) ዝብል ኣምር ኣርባዕተ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ። ማለት “ደውላ” ህዝቢ፡ ዶባት፡ ምምሕዳርን ልዑላውነት ሃገርን ዝሓቍፍ ኣምር ኢዩ። ብኣንጻሩ: መንግስቲ ክብሃል እንከሎ ነቲ ኣካላት ናይ ደውላ (ማለት ህዝቢ፡ ትካላት፡ ዶባትን ልዑላውነትን ሃገር) ብግቡእ ንምምሕዳር ዝተመዘዘ ወይ’ውን ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውዳቤ ወይ መዋቕር ማለት ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መንግስቲ ኣገልጋሊ ሃገርን ህዝቢን ደኣ’ምበር፡ ጐይታ ህዝቢ ወይ ጐይታ ሃገር ኣይኰነን። ኣብ መንጐ ሃገርን መንግስቲን ካልኦት ፍልልያት እውን ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ሃገር፡ መሬትን ህዝቢን ክሳብ ዘለዉ ነባሪ’ዩ፣ እቲ ዝለዓለ ናይ ሃገር ትካል ከኣ ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ኢዩ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ነባሪ ኣይኰነን፣ ዝመጽእን ዝኸይድን ኢዩ። ቅድሚ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ናተይ ዝብሎም መንግስቲን ሃገርን ስለዘይጸንሑዎን: ተደራራቢ ሕማቕ ተመኵሮ መግዛእታዊ ሓይልታት ስለዘሰንበሮን: ከምኡ’ውን ግቡእ ምእላይን ምንቕቓሕን ስለዘይተግብረሉን: ኣብ መብዛሕቱ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ርክባትን ፍልልያትን ኣምራት ሃገርን መንግስቲን ግቡእ ርድኢት የለን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ኴንካ ነቲ መንግስቲ ክትነቅፍ ምስ እትፍትን፡ ገለ ሸነኻት ናይቲ ህዝቢ ንህላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ትቃወም ዘሎኻ ይመስሎም፣ ገሊኡ ሸነኻት ከኣ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራን ንልዑላውነት ኤርትራ ከም ሃገር ኣሚንካን ኣኽቢርካን፡ ሕቶ ዶብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ደው እንተበልካ ንመንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ትሕለቐ ዘሎኻ ይመስሎ። እዚ ኵነታት’ዚ፡ ኣብ ግቡእ ኣረዳድኣ ተመርኲስካ፡ እዚ እንተበልኩ ከምዚ ክብሉኒ ኢዮም፡ እቲ እንተበልኩ ከኣ ከምቲ ከይብሉኒ (ከይብሉና) ከይበልካ ብኽፉት ኣእሙሮ ተሓሲቡሉ ክውገድ ዝግብኦ ዓቢ ሽግር ኢዩ።
(ለ)ናይ ጸግዒ ምድላይ ባህሊ፤ ካልእ ንናጻ ነቐፌታን ኣተሓሳስባን ዓንቃፊ ኰይኑ ዘሎ ረቛሒ ኣብ ኤርትራ ናይ “ጸግዒ ምድላይ ባህሊ” ዓብላሊ ብምዃኑ ኢዩ። ካብኡ ወጺእካ: ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዝካ ንመንግስቲ ዝግበር ነቐፌታ ብመሰረቱ በቲ መንግስቲ ቦታ ስለ ዘይወሃቦን ንመንግስቲን ሃገርን ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ንቕሓት ስለዘይማዕበለን ብቕጽበት ከም ጸላኢ ሃገር የቚጽረካ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውጡር ሃዋህው ከኣ እቲ ዝነቅፍ ጸግዒ ዝሕዝ ይመስል’ሞ እቲ ርእይቶ ናጻ ኣይኰነን ተባሂሉ ይንቀፍ። ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ናጻ ኴንካ ርእይቶ ንምሃብ ዘኽእል ባይታ ጸቢብ ስለዝዀነ እምበኣር እዚ ሽግር’ዚ እውን ብሓባር ፍታሕ ክርከበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።
(ሐ)ባህሊ ፍርሒን ዘይምትእምማንን፤ ብመሰረቱ ካብቲ ጎነጻዊ ብረታዊ ቃልሲን ጽኑሕ ዘይደሞክራሲያዊ ልምድታቱን ዝተበገሰ: ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ዝተመርኰሰ ኢዩ። እዚ ናይ ፍርሒን ዘይምትእምማንን ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ ናብቲ ህዝቢ ስለ ዝዘረቘን ኣካል እቲ ዕለታዊ ህይወት እናዀነ ስለ ዝመጸን፡ ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ጉዳያት ምጥማት፡ እቲ ህዝቢ ንሓድሕድካ ኣብ ምቅንናእን ምትሕንዃልን የዘንብል ኣሎ። ብፍርሒን ዘይምትእምማንን ዝግዛእ ሕብረተሰብ፡ ናጻ ክወጽእ ኣይክእልን’ዩ። እቲ ዓቢ ሕቶ ግን ፍርሒ ከመይ ጌርካ ይሰዓር? ዘይምትእምማን ከመይ ጌርካ ይስገር? ዝብል ኢዩ። ብዝመስለኒ ንፍርሒ ክትምክቶ እንተዀንካ እቲ ፈለማ ክለዓል ዘለዎ ስለምንታይ እፈርሕ ኣለኹ ዝብል ሕቶ ንኣእምሮኻ ምሕታትን በቲ ሕቶታት ኣቢልካ ከኣ ን”ስነ-ኣእምራዊ ሓርነትካ” ወይ ናጽነትካ ክውን ንኽትገብር ብምፍታን’ዩ። ንዘይምትእምማን ንምስዓር እውን ከምኡ ተመሳሳሊ ናይ ነፍሰ-ፍተሻን ምምኻርን ባህሊ ምምዕባል የድሊ።
(መ) ኤርትራዊ ፍሉይነት (“Eritrean Exceptionalism”)፤ ብዘይ ጥርጥር: እቲ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተመኵሮኡ ንህዝቢ ኤርትራ መለለዪኡ ኢዩ። እዚ ማለት ግን፡ ኤርትራውያን ካብ ህዝቦም ዝበልጹ፡ ንዅሉ ዝኽእሉ፡ ኵላቶም ንፉዓት፡ ኣበር ዘይብሎም ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ስለዚ እዚ “ንሕና እኮ ከምዚ ኢና፣ እዚ ንገብር፣ ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብረና ነገር ኣሎ፣ ለመንቲ ኣይኰናን፣ መልክዕና እውን ፍሉይ’ዩ፣ ጸለምቲ ኣይኰናን ወዘተ.” ዝብል ዓሌታውን ተጃሃሪን ባህሊ ኣብ ድንቍርና ዝተመርኰስ ስለዝዀነ፡ ኣብዚ መዳይዚ እውን ኤርትራውያን ዓቢ ናይ ነብሲኻን እንታይነትካን ምፍላጥ ስራሕ (soul searching) ከድልየና ኢዩ። ኤርትራውያን ፍሉይ ባህልን ታሪኽን ደኣምበር፡ ካብ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ዝበልጽ ኰነ ዝኸፍእ ባህሊ ከምዘይብልና ክንፈልጦ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ሓቂ ክንኣምነሉ ይግባእ። እቲ “ንሕናኮ ፍሉያት ኢና” ዝብል ዓሌታውን ጸቢብን ኣተሓሳስባ፡ ንሕና ከም ኩሉ ኣህዛብ ዓለም ጽቡቕን ድኹምን ሸነኻት ኣለና ናብ ዝብል ብሱል ኣተሓሳስባ ክንቅይሮ ምጽዓር ይግባእ። እዚ ኣተሓሳስባኻ ናይ ምዕራይ ወይ ምትዕርራይ ፕሮጀክት’ዚ ነዚ ህልዊ ትውልዲ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነን። ነቲ ሓድሽ ኤርትራዊ ትውልዲ በዚ ጥዑይ ኣተሓሳስባዚ ክንምልምሎ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ጸቢብን ብዱዕን ኣተሓሳስባ ሓራ ወጺኡ፡ ጥዑይ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ዜጋ ኰይኑ ከም ዝዓቢ ምግባር ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ።
(ሰ) እንታይነት ኤርትራውያን ብዝምልከት፤ ሃገራዊ መንነት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ’ዚ ብኽልተ ተጻረርቲ ርድኢታት ዝተዓብለለ ይመስለኒ። በቲ ሓደ ሸነኽ ኤርትራዊ ምዃን ንዅሉ ኤትኒካውን ሃይማኖታዊን ፍልልይ ቀቢርካ “ኤርትራዊ” ዝብል ጥራይ መንነት ምሓዝ’ዩ ዘድሊ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። በቲ ኣንጻሩ ከኣ ነቲ ኤትኒካውን ሃይማኖታውን: ሓሓሊፉ እውን ኣውራጃዊ: ፍልልያት ከም መሰረታዊ ረቛሒ መንነት ገይሩ ዝርኢ ጥሩፍ ዝንባለ ኣሎ። ብርእይቶይ: እዚ ኣብ ክልተ ዝተወጠረ ርድኢት (binary thinking) ውጽኢት ናይ ሃካይ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ምኽንያቱ ብሓቂ እንተመርሚርካዮ፡ ኤትኒካዊን ሃይማኖታውን መንነት ምስ ሃገራዊ መንነት ተጋራጫዊ ክኸውን ግድን ኣይኰነን። ከም ውልቀሰብ ወይ ከም ሕብረተሰብ ግቡእ ኣተኣላልያ እንተጌርካሎም ብሓደ ዝኸዱ፡ ወይ ክኸዱ ዝኽእሉ ኢዮም። ካብኡ ሓሊፍካ’ውን: ንኣብነት ብሄረ ትግርኛ ወይ ብሄረ ትግረ ወይ ናራ ኴንካ: ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ: ወይ ኤርትራዊ-ጀርመናዊ፡ ወይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ወዘተ. ምዃን ቅቡል መንነት ክኸውን ይግባእ። እዚ ኵሉ መታን ክከኣል ግን ናይ ወዲ ሰብ መንነት “ፍጹም” ወይ “ዕጹው” ዘይኰነስ፣ ጽንኵር፡ ክፉት፡ ምስ ግዜ ዝምዕበል ተርእዮ ምዃኑ ምርዳእ ከድሊ ኢዩ።

6. ብዛዕባ ሓድሕድ ምትሕግጋዝ ኣብ ትምህርቲን ስራሕን፤ ሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ገጢመሞ ዘሎዉ ዓበይቲ ግድላት ናይ (ሓደሽቲ) ስደተኛታት ዋሕዚ ናብ ኤውሮጳ: ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኢዩ። “ከመይ ጌርካ ይሕገዙ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ይርከብ። እቲ መሰረታዊ ክግበር ዝከኣልን ዝግበኦን ተግባር እቶም ስደኛታት በቶም ሃገራት ዕላዊ ዑቕባ ንኽዋሃቦም በብኽእለትካ ምጥባቕ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ከኣ: እዚ እኩብን ሓያልን ዓቕሚ ሰብ’ዚ ኣብ ዘለዎ ሃገር፡ ዘይሩ ዘይሩ እውን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ምእንቲ ክህሉዎ: ኣካዳሚያዊን ሞያዊን ትምህርቲ ንኽረክብ ናይ ሓባር ደገፈን ምትሕብባርን ክግበረሉ ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ቀዳሞት ዝበሉዎ “ዘይተወቕረ ነየጥሕን፣ ዘይተማህረ ነየድሕን” ስለዝዀነ ብሱልን ምሁርን ሓይሊ ከይመልመልካ ሃገር ክህነጽ ስለዘይከኣል: ነዚ ነጥቢ’ዚ ኵላትና ክንሓስበሉን ክንሰርሓሉን ዝግበኣና ኢዩ።
7. ብዛዕባ ጉዳይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሰላምን ዕርቂን፤ ዘረባ ኣብ ምድምዳመይ: ብዛዕባ ጉዳይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ሰላምን ዕርቂን ቍሩብ ክዛረብ እደሊ።ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሲን ኣብ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሓጎጽጎጽን፡ ኣብ መንጎ ደቂ-ሃገር ዝፈሰሰ ደምን ዝቐሓረ ልብታትን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ነዚ ቅሑር ልብታት ኣተዓሪቕካ ነቲ ሕብረተሰብን ሃገርን ካብቲ ዘለዉዎ ቅልውላው ንምድሓን ዕርቂን ይቕረ ዝብል ባህሊን ይሓትት። ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣበየ ከባቢኡን ብሄራቱን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ናይ ምፍታሕ ውሽጣዊ ኣገባባት ስለ ዘለውዎ፡ ናብ ነብሲና ተመሊስና ምልላዮም ክሓተና ኢዩ። ማሕበራዊን ሃገራዊን ዕርቂ: ከም መሰረታዊ መትከል ብምውሳድ: ንሓድሕዳዊ በደላትና ይቕረ ክንበሃሃል ምስእንኽእል ጥራሕ ኢና ድማ ሓቢርና ንዘሎን ብሕጂ ክመጽእ ንዝኽእልን ናይ ደገን ውሽጢን ዓመጻትን ብድሆታትን ክንስዕር እንኽእል። እንተዀነ፡ ዕርቂን ሰላምን ብኣፍ ስለ ዝተዛረብካሉ ጥራሕ ኣይርከብን’ዩ። ናይ ዕርቂን ሰላምን መንፈስ ኣብ ሕብረተሰብ መታን ክሰፍን፡ ብመሰረቱ ኣብቲ ሕብረተሰብ (ኣብ ዘለዎ ሃልዩ) ካብ ናይ ሓድሕድ ምክብባር ዝምንጩ፡ ምትእምማንን ምትሕልላይን ዝመሰረቱ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባር ድሌት ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ዕርቂን ይቕረ-ምብህሃልን መስርሓት ንበዳሊ ጌጋኡ ዘእርም፡ ንዝገፍዐ ብሕጊ ዘቕጽዕ፡ ንተበዳሊ ድማ መሰሉ ዘርክብ ክኸውን ኣለዎ። ብፖለቲካዊ ደረጃ፡ እቲ ኣብ መንጎ ስርዓት ኣስመራን ሓይልታት ደሞክራሲን ዘሎ መሰረታዊ ግርጭት ብዝተኻእለ መጠን፡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ደማዊ ኣገባብ ክዛዘም ይምረጽ። እዚ መታን ክኸውን ግን እቶም ዝተፈላለዩ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ክሕይሉን ነቲ ዝጽበዮም ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ካብ ሕጂ ብሓላፍነት ክዳለዉሉን ከድሊ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ምሕያል ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ማለት፡ ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንንኣሽቱ ፍልልያትካ ወጊድካ ወይ ሕድገታት ጌርካ ኣብ መሰረታዊ ስትራተጃዊ ጉዳያት ምትኳር ማለት ኢዩ። ነዚ ሃገራዊ ጻውዒት’ዚ ንምትግባር ከኣ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ዘረጋግጽ፡ ንብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ንረብሓታቶም ዝውክልን፡ ኵለ-ሓቈፋዊ ፖለቲካዊ መዋቕር ምምዕባል ይሓትት። ነዚ ንብሎ ዘለና መገዲ ዓድና ብሰላም ክንከዶን ብኣጋኡ ክንበጽሖን መታን ግና፡ ብመሰረቱ፡ ኵላትና ተጸበይቲ ፍታሕ ዘይኰን’ናስ ‘ንሕና ቀየስቲ መገዲ፡ ንሕና ባዕልና እቲ መገዲ’ ምዃንና ኣሚንና ብሓባር ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ክድልየና ኢዩ።
About the author: Ghirmai Negash is a Professor of African Literature & Director of the African Studies Program in Ohio University. He can be reached at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?
Sunday, 21 August 2016 21:05 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ
(ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ዝቐረበ)
ኣርእስቲ ናይ ሎሚ ሓተታይ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ዝብል ኢዩ። እቶም ነቲ ኣብ 2014 “ካህናት ተዛሪቦም፤ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” ኢለ ዝሰየምኩዎ ጽሑፍ ዝተኻታተሉ ግዱሳት ኣንበብቲ: ንኣመት ናይ ሎሚ ሓተታይ ብቐሊሉ ክግምቱዎ ዝኽእሉ ይመስለኒ። ብዝዀነ: እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ’ውን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ስለዝዀነ: ወይ’ውን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብኡ ዝቐረበ ቊምነገር ክርአ ስለዝደልዮ: ብዛዕባኡ ቊሩብ ገለጻን መዘኻኸርን ብምሃብ ክጅምር’የ። ሽዑ: ኣብቲ መቕድም ጽሑፈይ ከምዝተገልጸ: “ካህናት ተዛሪቦም፤ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” እቲ ኣብ 2014: ብኣርባዕተ ተባዓት ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝወጸ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ኣገዳሲ ነቐፌታዊ ትንተና ዘንቀሎ ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እቶም ኣቡናት ቅድሚኦም ይኹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ብዘይፈልጥ ተበግሶን ኣቀራርባን ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ምሕደራ እታ ሃገርን ሰፊሕን ዓሚቝን ትንተናን ሚዛንን የቕርቡ። “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ከም ጽሑፍ ብልዝቡን ብሩህን ቋንቋ፣ ሕመረት ትሕዝቶኡ ድማ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣተሓሳስባታት ብዘዋሃህድ ፍልስፍናዊ ጣቋ ዝተነድቀ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ: ጽማቝ ትሕዝቶን ቍምነገርን ናይ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ብቐንዱ እቲ ሰነድ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጢን ጭቆናን፣ ሓፈሻዊ ምጣነ-ሃብታዊ ድኽነት፣ ስራሕ-ኣልቦነት፣ ዕስክርና፣ ስእነት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝፈጠሩዎም ናይ ስደት: ሞት: ብርሰትን ባህላዊ ሕስረትን ተርእዮታት ይዛረብ። እቲ ኵነታት ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ: ኤርትራ ጸኒታ ከይትተርፍ ንዘሎ ናይ ሓባር ስክፍታ ብምንጽብራቕ ድማ እታ ሃገር ካብ “ዘይሓወየ ቊስልታት” ኣድሒንካ፣ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፍነላ ሃገር ኰይና መታን ክትምዕብል ኵሎም ዜጋታት ብዘይ ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ኣፈላላይ ሓቢሮም ንኽጽዕሩ: “ሓወይ ኣበይ ኣሎ?/ሓፍተይ ኣበይ ኣላ?” ተባሃሂሎም ክተሓታተቱን ክደጋገፉን፣ ከምኡ ኢሉም እውን ነቲ መንግስታዊ ዓመጽ ክምክቱን: ቅየራ ከምጽኡን ይዕድም፣ ይጽውዕ፣ የማሕጽን። ብተወሳኺ፡ እቶም ደረስቲ ናይቲ ጽሑፍ: ከም መንፈሳውያን መራሕቲ ናይቲ ህዝቢ: ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ብጾቱን ዓገብ ብምባል ንፍትሓዊ መንቀሊታት ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ክዝክሩን ናብ ልቦም ተመሊሶም ንሕብረተሰቦም ዘገልገል ስርዓት ኣብ ምህናጽ ኣወንታዊ ተራ ክጻውቱን ይላበዉ። ካብዚ ሓሊፉ: ብክለሰ-ሓሳባዊ ዓይኒ ክጥመት እንከሎ: እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኣቡናት ጽሑፍ: ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣብ ዝግበር ናይ ምርምርን ናይ ስትራተጃዊ ሓሳባት ምምዕባል ዘተታትን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣሎዎ። እቲ ጽሑፍ ነቲ ብሓርነታዊ ቲዮሎጂ (liberation theology) ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ፍልስፍና ናብ ኤርትራ ብምምጻእን ምስ ፍሉይ ኲነታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዝማድን: እቲ ራእይ ከመይ ገይሩ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኣበርክቶ ክህሉዎ ከምዝኽእል ይሕብር።
እንተዀነ: ኣዕሙቝ ኣቢልና ምስ እንርእዮ: ኣገዳስነት ናይዚ ራእይ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበሰረ ወይ ከተኣታቱ ዝፈተነ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዘርእስቱ ሰነድ ካቶሊካውያን ኣቡናት: ኪንዮ እዞም ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ ነጥብታት ዝኸይድ ኣመት ወይ ትምህርቲ እውን ኣሎዎ። ማለት: ብርእይቶይ: እቲ ጽሑፍ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ውሱን ፍልስፍናን እዋናዊ ናይ ቃልሲ ኣገባብን ጥራሕ ዘይኰነስ: ከም ከፋት በሪ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ክመጹ ዘለዎም: ሓድሽቲ ኣተሓሳስባታትን ኣፈታትሓ ብድሆታትን (developing new ways of thinking and addressing challenges)፣ ከምኡ’ውን እቶም ዝፈልቁ ሓደሽቲ ሓሳባት ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን እምነታትን ሕብረተሰብና (based on indigenous knowledge and values) ዝተመርኰሱ ክዀኑ ከምዘለዎምን ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። እንተድኣ: ከምዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝጸናሕኩ: ተራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ኣብ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኤርትራ ከም ቀጥታዊ ግብረ-መልሲ ኣንጻር ጭቆና ጥራሕ ዘይኰነስ: እቶም ንግድላት ኤርትራ ቅኑዕ ፍታሓት ንምርካብ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን እምነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተመርኰሱ እውን ክዀኑ ከምዝግባእ ይምህር’ዩ ኣብ ዝብል እማመ እንተ ተሰማሚዕና: እቶም ቀጺሎም ክልዓሉ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሕቶታት (1) እሞ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ሕቶታት ወይ ሽግራት ናይ ኤርትራ ኰይኖም ዘሎዉ ኣየኖት ኢዮም? (2) እቶም ሕቶታት ኣብ ምፍታሕ’ከ ባህላዊ ያታታትን እምነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ግደ ክህሉዎም ይኽእል? ዝብሉ ይመስሉኒ።
ብርግጽ፡ እቶም ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዘሎዉ ዓበይቲ ሽግራት: ሽግራት ናይ መሪሕነት: ድኽነት: ስእነት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰላትን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ካልኦት ግድላትን ብድሆታትን ኢዮም። እዚ ኩሉ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ግና: ብርእይቶይ፡ እቲ ዝዓበየን ማእከላውን ሽግር ናይ ኤርትራ ዋሕዲ ናይ መበቈላዊ ሓሳባት ምፍልፋልን: ኣብ ባህላዊ ሕመረት ናይቲ ሕብረተሰብ ተምርኲስካ: እሂን-ምሂን ተባሃሂልካ: ነቲ ግርጭታት ንምፍትሑ ዝሕግዝ ባይታን ኣኽእሎን ክፍጠር ዘይምኽኣሉ ኢዩ። እዛ ነጥብ’ዚኣ ቊሩብ ምብራህ የድልያ’ዩ። “ዋሕዲ መቦቆላዊ ኣተሓሳስባ” ክብል እንከለኹ ብድፍኑ ኣብ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ኤርትራ (ክልቲኡ ኣብ ስልጣን ዘሎን ናይ ተቓዎምን ፖለቲካዊ መሪሕነታት ማለት’ዩ) ንዘሎ ናይ ተብላሓትነትን ተዓጻጻፍነትን ሕጽረታት ዝምልከት ኢዩ። ምሁራት ኤርትራውያን እውን ካብ’ዚ ድኽመታት’ዚ ናጻ ኣይኰኑን። እዚ ገምጋም’ዚ ኣብ ገለ ኵርናዓት ዘሰሓሕብ ወይ’ውን ብሓፈሻኡ ኣከራኸሪ (controversial) ክኽውን ከምዝኽእል ይርድኣኒ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና: ነቶም ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ንሽግራት ምሕደራ ኤርትራ ዘላቒ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተፈተኑ ዘይዕዉታት ናይ ሃገራዊ ህንጸት ስትራተጂያዊ ራእያትን ናይ ምዕባሌ መደባትን (ወይ ሞዴላት) ብኽፉት ልቦናን ብዘይጸጊዕነትን እንተርኢናዮም: ነዚ ሓቂ’ዚ ምቕባሉ ከቢድ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ: ብመንፈስን ኣቀራርባን መሰረታዊ ፍልልያት ይሃሉዎም እምበር: ኣጥቢቕካ ክትምርምሮም እንከሎኻ፡ ኣምራዊ መበገሲታት ናይቶም ብመንግስቲ ኤርትራን ብናይ ደንበ ተቓዎምን ክቐርቡ ዝጸንሑ ቅዋማዊ፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊን ምጣነ-ሃብታዊን ፕሮግራማት ኣዝዮም ተመሳስለቲ ኢዮም። ክልቲኦም: ማለት ናይ መንግስቲ ኰኑ ናይ ደምበ ተቓውሞ መደባት፡ ንምዕራባዊ ወይ (ሓውሲ-)ማርክሳዊ ኣገባብ ምሕደራን ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌን ዝቐድሑን ዝደጋግሙን ደኣ’ምበር፡ ነቶም ካብቲ ያታዊ ባህልን ልቦናን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝፍልፍሉ ፍልስፍናታትን ኣፈታትሓ ማሕበራዊ ግድላትን ኣብ ጸብጻብ ዘእትዉ ኰይኖም ኣይትረኽቦምን። ንኣብነት: ብመንጽር ናይቲ ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝምራሕ ስርዓት ኣስመራ ዝቐረቡን ዝተወስዱን መደባት እንተርኢናዮ: እቲ መንግስቲን ወከልቱ ምሁራትን ብዓንተቦኡ “ንሕና ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና”፣ ጸኒሑ: ንምዕራባዊ ፓርላማዊ ኣገባብ ብምኽታል ብዘመናዊ ቅዲ ደሞክራሲያ ክንምራሕ ኢና፣ ጸኒሑ’ውን ደሞክራሲ ኣይሰርሕን’ዩ ኣብ ዓድና: ምኽንያቱ ህዝቢና ድሉዊ ኣይኰነን: ወዘተ. …” ካብ ዝብሉ ተጋራጨውቲ እማመታት ሓሊፎም ነቲ ህዝቢን ሃገርን ካብ ጭቆናን ድኽነትን ከውጽኡ ዝኽእሉ መሰረታዊ ሓሳባት ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ብሸነኽ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት እንተርኢናዮ’ውን ከምኡ፡ “ነቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣልጊስና ብሕጋዊ ደሞክራሲያ እትማሓደር ሃገር ክንሃንጽ ኢና” ዝብል ጭርሖታትን መደብ ዕዮታትን ካብ ምድግጋም ሓሊፉ: ክሳብ ለይተ-ሎሚ ነቶም ሽግራት ናይቲ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ወይ ባህላዊ ኣተሓሳስባን ልቦናን (indigenous knowledge systems and values) ናይቲ ሕብረተሰብ ተመርኲሱ ወይ ምስኡ ኣዛሚዱ ኲለንታናዊ ፍታሕ ኣብ ምቕራብ ወይ’ውን ኣብ ምእማት ዝተገብረ ትኵር ፈተነታት ኣይተራእየን። እዚ ክብሃል እንከሎ ነቶም ኵሎም ኣብ ኤርትራ ሕጋዊን ደሞክራስያዊን ለውጢ ንምምጻእ ብደንበ ተቓውሞ ዝቐረቡ ኣገደስቲን ኣረምትን ሓሳባትን እማመታትን ብጃምላ ንምንቃፍ ወይ ንኣገዳስነት ናይቶም ካብ ምዕራባዊ ስልጣኔ እንልቅሖም ጠቐምቲ ኣምራትን ሓሳባትን ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ንምንእኣስ ኣይኰነን። የግዳስ: እቶም ክቐርቡ ዝጸንሑ ስትራተጂያዊ ጠመተታት: ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ዓበይቲ እዋናውያን ሕቶታት ዘተኰሩ (ከም’ኒ ጉዳያት ዋንነትን ምሕደራ መሬትን፣ ሲቪላዊ ሕጊን ቤት ፍርድን፣ ብዓቢኡ ከኣ ኣተኻኽላ ባይቶን ህዝባዊ መሪሕትን) ከምቲ ዝድለ ኣብ ባህላዊ ስርዓተ-ምሕደራን ሕግን እምነታትን እንዳባ ክምርኰሱ ወይ ንዕኡ ምስቲ ዘመናዊ ቅድታት ኣዛሚዶም ሓድሽ ሓሳባት ከተኣታትዉ ኣይከኣሉን ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ወይ ነጥቢ ንምብራህ ኢዩ።
እንተዀነ፡ ከምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ: ነቶም ሽግራትና ክሳብ ሕጂ ብቑዕ ፍታሓት ክንገብረሎም ዘይምኽኣልና: ብመሰረቱ ንዝጸንሐ ዕቑር ፍልጠትን ሕጊን ስርዓትን ህዝቢና ፈቲሽና ስለዘይተጠቐምናሉ ኢዩ ኣብ ዝብል ሚዛን ምብጻሕ ጥራሕ ንባዕሉ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ካብኡ ሓሊፍካ ነቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ወይ ክልለዩ ዝኽእሉ: ካብ ዝሓለፉ ትውልድታት ዝተወርሱ: ያታዊ ሕግታት: ስርዓታትን እምነታትን: ንድሕሪት ተመሊስካ ምፍትሾምን ካብቲ ቊምነገሮም ተማሂርካ፡ ኣብኡ ዝተመስረተ ናይ “ራእያዊ መቐይሮ” (paradigm shift) ዝፍጠርሉ መገዲ ምእላሽ ከድሊ ኢዩ።ካብዚ ድርኺት’ዚ ተበጊሰ እምበኣር: ኣብዚ ናይ ሎሚ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ቀሪበዮ ዘሎኹ ጽሑፍ: ንትሕዝቶ ሕጊ እንዳባን ኣብ ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ ከም ያታዊ ትካላት ዝነበሮም ግደን ብምዝርዛር: ነቶም ሕግታትን ዘሰንዩዎም ስነ-መጎታትን ተረዲእና እንተርዒምናዮም: ከም ራእያዊ መቐይሮ: ንሽግራት ሃገር መፍትሒ ምዀኑና’ዶ ዝብለ ሕቶ ክምልሽ ክፍትን እየ።
ታሪኽ ሕጊ እንዳባ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ነዊሕን ኣዝዩ ኣገዳሲን ምዃኑ ዘከራኽር የብሉን። ብእኡ መጠን ድማ ብሓያሎ ሃገራውያንን ወጻእተኛታታን ተመራመርቲን ጸሓፍቲን ኣገዳሲ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ስራሓት ናይቶም ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዕትበት ሒዞም: ንዕምቈትን ጥንታውነትን ሰነዳት ሕጊ እንዳባ ብሰፊሕ ኣገባብ መርሚሮም ዝጸሓፉ ደረስቲ ምስ እነተኵር ድማ፡ ንኣብነት: እቲ ቀንዲን ውሩይን ተመራማሪ ሕግታት እንዳባ ዝዀነ ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ብዛዕባ ታሪኻውነት ስርዓታት ዝሃቦ ንጹር ስእሊ ክንርኢ ንኽእል። ሓው ሰሎሞን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ተመርኲሱ: እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብህዝቢን ሽማግለታትን መራሕቲ ዓዲን ከም ሕግታትን መትከላትን እንዳባ ዝቘሙ ያታዊ ሰነዳት፡ ገሊኦም ካብ መበል 15 ክፍለ-ዘመን፡ ገሊኣቶም ከኣ ድሕር ኢሎም ካብ ከበቢ 18 ክፍለ-ዘመን ጀሚሮም ኣብ ሕብረተሰብ ይስርሓሎም ከምዝነበረ የረጋግጽ።[i] ነቶም ሰነዳት ብደቂቑ ብምምርማር: ብግእዝ ዝተጻሕፉ ጥንታውያን ሰነዳት ብምውካስን ዓበይቲ ዓዲ ብምዝርራብን ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተመርኲሱ ከኣ፡ እቶም ሰነዳት፡ ኣብ ሓድሕዶም ብዙሕ ናይ ትሕዝቶ ተመሳሳልነት ከምዘለዎም ይግምግም።[ii] ድሕሪ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ምእታዉ መብዛሕቶም እዞም ቅድሚኡ ብቓል ክሰጋገሩ ወይ ኢድ ተጻሒፎም ኣብ ደብተራትን ብራናን ተዓቂቦም ዝጸንሑ ሕግታት’ዚኣቶም ብዘመናዊ ማሕተም ተሓቲሞም ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን ዝነበረ እዋን ተዘርጊሖም ኢዮም። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ እተን ዝተፈላለያ ብሄራት ዝማሓደራሉ ነናተን ሕጊ እንዳባ ከምዝነበረን ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ርዱእ ኰይኑ፡ ኣብ ስርዓታት እንዳባ ናይ ህዝቢ ከበሳን መንሳዕን እንተ ኣተኲርና: እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ ንኽእል፤ 1) ስርዓት ኣድግና ተገለባ 2) ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ 3) ስርዓት ሎጎጭዋ 4) ሕጊ ናይ ሎጎን ጭዋን (እተሓደሰ ኣብ ዋዕላ ማይላሓም) 5) ሕጊ ሰሓርቲን: ላምዛን: ወቐርትን: ዳምባን 6) ስርዓት ናይ ሀብስሉስ: ናይ ገብረክርስቶስ: ናይ ደቀተሽም 7) ስርዓት ካርንሽም 8) ዋዕላ ሾብዓተ ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ 9) ክልኤ መንሳዕ 10) ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ[iii]። ሕግታትን ስርዓታትን እንዳባ ኣብዚ ናይ መጨረሽታ መልክዓቶም ንምብጻሕ ብዝተፈላለዩ ጽንኵራት መስርሓት ሓሊፎም’ዮም። ነዚ ኣገዳሲ መስርሕን ታሪኽ ኣተዓቓቕባኦምን ኣመልኪቱ: ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ከምዚ ይብል፤
ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ደብተር (ደፍተር) ተደብቲሮም ወይ ተጻሒፎም ኣብ ማሕተም ክሕተሙ ካብ ዝጅመሩ ብዙሕ እዋናት ኣይሓለፉን። ብዝበዝሕ ኣብ መባእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ክፍለ-ዘመን ነዞም ልምዳውያን ሕግታት ዝምልከቱ ጽሑፋት ተጻሒፎምን ተጸኒዖምን እዮም ክሕተሙ ዝጀመሩ። እዚ ርእይቶ እዙይ ብላዕሊ ላዕሊ እኳ ቅኑዕ እንተኾነ፡ ኣዕሚቕና እንተረኣናዮ ግና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ስርዓታት እንዳባ ኣብ ደብተር ተጻሒፎም ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ኢድ ገዛኢ ሃገር ተዓቒቦም ወይ ከኣ ዓበይቲ ዓድታት ኣብ ዝመረጽዎም ሰባትን ዝወሰንዎም ዓድታትን ከይጠፍኡ ከይበላሸዉ ክሕልዉዎም ሓለፍትን ተሓዝትን ንሳቶም ክኾኑ ብዓደቦ ውሱን እዩ ዝነበረ። (…) ሽሕ’ኳ መፈለምታት ስርዓታት እንዳባ ብርግጽ ዕለታቶምን ኣዋርሖምን ዓመታቶምን ፈርፊርካ ፈራፊርካ ክፍለጡ እንተዘይተኻእሉ፡ ክቡራን ሊቃውንቲ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒን ፈሊቸ ኦስቲን[ን] ከም ዘረጋግጽዎ ቀዳሞት ስርዓታት እንዳባ “ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ፡ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ስርዓት ምዔም ምሓዛ” (ካብ 15 ክፍለዘመን ክሳብ 18 ክፍለ እያቶም። ብዛንታ ከምዚዝንቶ ንብቋንቋ ትግርኛ እተጻሕፉ ካልኦት ምንጭታት ከምዝገልጽዎ ግና (ንኣብነት ብዛዕባ ምምስራት ሕጊ ሎጎጭዋ --- ብ1484 ዓ.ም.) ምስ ሓሳባቶም ዝገራጨውን ዘደናግሩን መባእታ ዓመታት የብራህርሁልና።እቶም ብኣጋ እንረኽቦም ስርዓታት እንዳባ ግና መብዛሕትኦም ኣብ መጠረሽታ 19 ክፍለዘመንን ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለዘመንን ዝተሓገጉን ዝተሰርዑን ዝተሓደሱን እያቶም።ብተወሳኺ ኣመሓደርቲ መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝንን ዝሓገግዎም ሕግታት ከምዓንጎዞርዛሮ ሓሓሉፎም ሱር ሰዲዶም ይርከቡ እዮም። ብዝበለጸ ግና ብዛዕባ ግፍዐይታትን፡ ነገድትን፡ኣነባባር ፍትሕን ኢዮም ዝምልከቱ። ቅድሚ ምስ ሕግታት መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝን ግና ስርዓታት እንዳባ ከበሳ ኤርትራ ካብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳንን፡ካብ መጻሕፍቲ ሕገቀኖናን፡ ካብ ድርሳን ኣበውን (ሲኖዶስ ዲዳስቅሊያን)፡ካብ ሕጋጋት ነገስታትን ካብ ስርዓት መንግስትን ምስ እተወጻጽኡን ንስጋውን መንፈሳውን ብፍትሒ ዘነባብሩ ፈውሰ መንፈስውን ፍትሒ ነገስትን ዝተባህሉ መጻሕፍቲ ፍርዲ ብዙሕ ርክብ ኣለዎም።[iv]
ብዛዕባ ስርዓታት እንዳባ ከም ኣገዳስቲ ሰነዳት ክንሓስብ እንከለና እንረኽቦ ረብሓ ወይ ብልጫታት ግን፡ ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና: ነዊሕ ታሪኾም ወይ ጥንታውነቶም ንባዕሉ ዘሐብን ባህላዊ ተርእዮ ስለዝዀነ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣገዳስነቶም ብብዙሕ ሸነኻት ክርእ ዝከኣልን ዘሎዎን ኢዩ። ብቛንቋዊ ዓይኒ እንተጠሚትናዮ፡ እቲ ሃብቲ ቃላት፡ ኣወዳድቓ ሓሳባትን ምሳሌታትን ንሕመረት ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ኢዮም። ብፍልስፍናዊ ዓይኒ ምስዝርኣዩ፡ ንናይቲ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ኣተሓሳስባን ራእይን ዘንጸባርቑ ኰይኖም ንረኽቦም። ብዓይኒ ሕጊ ምስ እትርዮም ከኣ እቲ ሕብረተሰብ፡ ብዓንተቦኡ፡ ካብ ውሽጡ ፈልፊሎም ብገዛእ ርእሱ ከማሕድሩዎ ዝኽእሉ ሕግታት ከማዕብልን ክሕንጽጽን ዘኽእል ስልጣኔ ኣጥርዩ ከምዝነበረ የመልክቱ። ብርእይቶይ ግን፡ ልዕሊ ኵሉ እዚ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ብልጫታት፡ ንሕግታት እንዳባ ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሎም ዝድርኽ ካልእ ቀንዲ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ እቶም ስርዓታት እንዳባ “ካብ ላዕሊ ወሪዶም ንህዝቢ ዝተዋህቡ” ወይ ብገለ መራሕቲ ሕብረተሰብ ጥቕሚ ውሑዳት ንኽውክሉ፡ ንይስሙላ፡ ዝተሓገጉ ዘይኰኑስ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ፡ ድሌትን ረብሓን ሓፈሻዊ ኣቃውማን ልምድታትን ሕብረተሰብ ኣብ ጸብጻብ ኣእትዮም፣ ፍትሒን ሰላምን ኣብ ሕብረተሰብ ምእንቲ ክነግስ ብንጹህ ሕልና ዝተሓገጉ ምዃኖም ኢዮም። እቲ መስርሕ ኣቃውማ ናይቶም ሕግታት ደሞክራስያዊን ግሉጽን መሰረት ነይሩዎ ምባል ዘረባ ምጽብባቕ ወይ ምግናን ኣይኰነን። እቲ መስርሕ ካብ ባይቶ ዓዲ ተበጊሱ፡ በቶም ናይቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ብሉጻት ክኢላታት ሕጊን ዓበይቲ ዓድን ተማጻርዩ ይጸድቕ ከምዝነበረ፡ ብቐንዶም እቶም ኣብ መቕድማት ናይቶም ሰነዳት ዝርከቡ መግለጺታትን ኣብ መዛዘሚ ናይቶም ሰነዳት ዝርከቡ ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲን ይምስክሩዎ ኢዮም። ኣባ ተኸስተብርሃን ገ/መድህን: ንሕጊ እንጋንኣ፤ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መቕድም: ንመሰራታዊ ሓቅነት ናይዚ ትዕዝብቲ’ዚ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ብሰፊሑ ኣስፊሮሞ ኣሎዉ፤
ስርዓት እንዳባ ሕዝብና : ብሕዝቢ ኪዝውተር ጸኒሑ : ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ብዚስመዩ ብኣኼባ ዓበይቲ ዓዲ ተመርሚሩ ተመጺዩ ተጻሪዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ከም ሕጊ ምዃኑ ተፈሊጡ ተኣዊጁ ሕዝቢ ዚምርሓሉ ሕጊ ኢዩ። እዞም ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ዚፍለጡ ዓበይቲ ዓዲ ወይ ሽማግለታት ብሓቂ ዘይተጻሕፈ መዝገብ ፍልጠት ዝኾኑ ውሩያት ሰባት ኢያቶም።
ሓቂ ከኣ መዛግብ ታሪኽን መዛግብ ትውፊትን ብምዃኖም (. . . ) ወጻእተይናታት ዳህሰስቲ መልክዕ ምድርን ደረስቲ ታሪኽን ደረስቲ ልምዲ ሕዝብን ዝተጠቐሙሎም እረ’ኳ ደኣ ዝተበለጹሎም ዝቐድሑሎም ዘይነጽፍ ዔላታት ታሪኽ ሃገር ኢያቶም። (ኣብ መቅድም ሕጊ እንጋንኣ፤ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ተመልከት።)
ተመራማሪ ስነ-ሕብረተሰብ ዮውሃንስ ገብረመድህን ድማ ብወገኑ: The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea (2004) ኣብ ዝብል ዕቱብን ዝርዝርውን ምርምራዊ መጽሓፉ: ነቲ ‘ወጻእተይናታት ዳህሰስቲ እውን ንሕጊ እንዳባ ፈሊጦሞን ተደኒቖምሉን ኢዮም ዝብል እማመ’ ናይ ኣባ ተኸስተብርሃን ገ/መድህን ብጭብጥታት ብምስናይ ከምዚ ክብል ምስክርነቱ ይህብ፤
ናይ ኤርትራ ስርዓታት እንዳባ እንተወሓደ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዞም ከምዝነበሩ ዝምስክሩ ታሪኻዊ መርትዖታት (ጽሑፋት) ኣለዉ። ሉዶልፍ ዝተባህለ ደራሲ: ኣብ 1683 ኣብ ዘሕተሞ “ታሪኽ ኢትዮፒካ” ዝብል መጽሓፉ: ደቀባት ሓማሴን ኣብ ኤርትራ መራሕቶም ባዕላቶም ይመርጹ ከምዝነበሩን ከም ምስ ምሕደራ ሓንቲ “ንእሽቶ ረፓብሊክ” ብዝመሳሰል ኣገባብ ንሕግታቶም ኣብ ግብሪ የውዕሉ ከምዝነበሩን ይምስክር። (…) ክዝከር ዘለዎ ካልእ ነገር ከኣ: ሕግታት እንዳባ ናይቶም ብማሕረስ ዝናበሩ ክርስትያን ደቂ-ከበሳ ምስ ሮማዊ ሕጊ፡ ፈለማዊ ናይ ኣንግሎ-ሳክሰን ሕጊ: ከምኡ’ውን ምስቶም ከም “ጀርመናዊ”: “ሓፈሻዊ”: ሕጊ ተባሂሎም ዝፍለጡ ያታዊ ሕግታት ናይ ቀረባ ተመሳሰልነት ከም ዘለዎ ኢዩ። (ገጻት 32: 36 ተመልከት[v])
ብዛዕባ ሕግታት እንዳባ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝጸሓፉ ካልኦት ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ተመራመርቲ’ውን ከምኡ ንታሪኻውነትን ኣገዳስነትን እቶም ስርዓታት ብዝተፈላልዩ መገድታት ተንቲኖሞን መዚኖሞን ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ከም ኣብነት: ናይ ደኒስ ዳንከንሰን (Dennis Duncanson 1949): ናይ ራሰል (F.F. Russel 1959): ናይ ሉካ ካስተላኒ (Castellani 2000): ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ (Tesfagiorgis 2008): ከምኡ’ውን ናይ ሃብተ ዑቕባዝጊን ሰናይ ዓንደማርያምን (Ogubazghi and Andemariam 2013) ዓንቀጻት ክጥቀሱ ይከኣሉ[vi]። ናይ ዳንከንሰን ኣብ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ዘተኰረ ገላጺ ዓንቀጽ ኢዩ። ናይ ራሰል ንትውፊታዊ ሕግታት እንዳባ ብሓፍሻኡ ምስ ናይ ኣመሪካ ወረዳዊ ሕጋጌታት ኣመሳሲሉ ሓታት ዘቕርብ ሓጺር ጽሑፍ ኢዩ። ካስተላኒ ብወገኑ: ኣብ ትሕዝቶ መሬት ኣተኲሩ ብሩህን ሓጺርን ጽማቕ ብዛዕባ ያታዊ ምሕደራ መሬት ይህብ። ናይ ሃብተ ዑቕባዝጊን ሰናይ ዓንደማርያምን ኣብ ምሕደራ ዳንነት ወንጀል ዘተኰረ ዓሚቚ ትንተና ኰይኑ: ሕግታት እንዳባ ከመይ ጌሮም ምስ ዘመናዊ ቅዲ ዳንነት ክወሃሃዱ ከምዝኽእሉ ይእምት። ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ ኣበርክቶ ብሩህን ዝርዝራውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ስርዓታት እንዳባ ከም “ሃገራዊ ውርሻ” ተቖጺሮም ነቲ ካብኦም ክውረስ ዝከኣል ኣወንታዊ ሸነኻት መሚኻ: ምስ “ሕብረ-ምጣነ-ሃብታዊ ክውነንት ናይቲ ሕብረተሰብ” ብዝሰማማዕ ኣገባብ ኣብ ምንዳፍ ዘመናዊ ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ግደ ክህሉዎም ከምዝኽእል የረድእ።[vii] እቲ ኣቐድም ኣቢለ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ ናይ ዮውህንስ ገብረመድህን ሰፊሕ ምርምራዊ ስራሕ እውን ምስ ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ መደምደምታታት ይሰማማዕ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፍ ግን ዮውሃንስ ገብረመድህን ብመሰረቱ ንሓይሊን ኣገዳስነትን ሕጊ እንዳባ ከም መመላእታ ዘይኰነስ ከም መሰረታዊ መበገሲ ብምውሳድ: ብፍላይ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ኤርትራ ክህሉዎም ዝኽእል ተራ ኣጕሊሑ የርኢ። ብቐንዱ ኣብ ምምስራት ርግኣትን ሰላምን ክጻወቱዎ ዝኽእሉ ግደ ብንጹር ብምምትንታን: እቶም ሕግታት ከስርሑ ክሳብ ዝኸኣሉሉ ግዜን ኵነታትን ክርዓሙ ከምዝግባእ: ነቶም ያታዊ ሕግታት ብኸፊል ብዘመናዊ ኣገባባት ንምትካእ ምስ ዝድለ እውን ዘገምታዊ ብዝዀነ ሜላ ደኣ’ምበር ምስ ድልየትን ደገፍን ሕብረተሰብ ብዘይቃዶ መስርሕ: ብምስሉይ ዘመናውነት ኣማኻኒኻ: ብጐንጽ ክድርበዩ ከምዘይብሎም የገንዝብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ዘይምግንዛብ ክመጽኡ ካብ ዝኽእሉ ሓደጋታት ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ብምስማር ድማ እዚ ዝስዕብ ተሪር ትምህርታዊ ገምጋም የቕርብ፤

ብዙሓት ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻ ሃገራትን ካልኦት ኣብ ምስግጋር ዝርከቡ ሕብረተሰባትን ንሕጊ ከም መሳርሒ ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ለውጢ ንኽጥቀምሉ ፈቲኖም ኢዮም። ወጻእተኛታት ናይ ሕጊ ሚስዮናውያንን ኣብ ናይ ምዕባሌ ስራሓት ዝነጥፉ ትካላትን ኣብ ምምዕባል ጥንታውያን ሕግታት ተሓባቢሮም ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ እቲ ነቶም ጥንታዊ ሕግታት ዘመናዊ ንምግባር ዝተገብረ መስርሕ ንምዕራባውያን ሕግታት ብምቕዳሕ ወይ ካብኦም ብምውሳድ’ዩ ተኻይዱ። እንተዀነ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት: እቲ ንሕጊ ከም መሳርሒ ማሕበራዊን ምጣነ-ሃብታዊን ለውጢ ንምጥቃም ዝተገብረ ፈተነ: ንማሕበራዊ: ታሪኻዊ: ትካላዊን ባህላዊን ክውንነት ናይቶም ሕብረተሰባት ግቡእ ቆላሕታ ዘይህብ ብምንባሩ: ከም ዝፈሸለ’ዩ ዝምዘን። እዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ኤርትራ ሕግታት ንምምዕባል ኣብ ዝግበሩ ፈተናታት ወሳኒ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ገጽ 228 ተመልከት)[viii]
ብወገነይ: ምስ ገምጋም ዮውሃንስ ገብረመድህን ምሉእ ብምሉእ እሰማማዕ። እንተዀነ: እቶም ስርዓታት እንዳባ ከም መምርሒ ሕግታት ክንርእዮም ጥራሕ ዘይኰኑስ: ካብኡ ሓሊፍና እውን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነበሮምን ዘሎዎምን ተራ ከም ሓፈሻዊ ፍልስፍና ወይ ኵለንተናዊ ዓለመ-ርእይቶ (Total worldview) ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክንርድኦም ኣሎና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ከምዚ ንዘብለኒ ምኽንያት ክዝርዝር ኣድላዪ’ዩ`ሞ ካብቲ ብዙሕ ቊሩብ ነጥብታት መሪጸ ከም መብርሂ ኣስዒበ ከቕርብ።
ቀዳማይ፤ ክንርእዮ ከም ዝጸናሕና: እዞም ሕግታት እንዳባ ካብ ደገ ዝመጹ ዘይኰኑስ ካብ ባህሊን ልቦናን እቲ ህዝቢ ፈልፊሎም: ንነዊሕ እዋን ንሕብረተሰብ ከም ሓደ ጥሙር ኣካል ብምትእስሳርን ብምርኻብን ኣብ ግዜ ሽግሩን ራህዋኡን መምርሒ ኰይኖሞ ጸኒሖም ኢዮም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ጽንኵራት ታሪኻዊ መድረኻት ቃልሲ ኤርትራ: ህዝቢ መምርሒ ስኢኑ ከይሰናበድ: ከይደናገር: ንሓድሕዱ ከይነዓዓቕ: ተነዓዓቑዑ ከይጻላእ: ንሓድሕዱ ተጻላሊኡ ብመንፈስን ኣካልን ከይተዓማመጽ፣ ከምኡ’ውን ድሕሪ ናጽነት: ስስዐ: ብደዐ: ቅንኢን ኣነነትን ኣንጊሱ ኣብ ደልሃመት ሕንፍሽፍሽን ስርዓተ ኣልቦነትን ኣትዩ ከይበታተን፣ ከም ሞራላዊ ጥዋፍ ኰይኖም እቲ ክመርጾ ዘሎዎ ናይ ፍትሒን ሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ምድግጋፍን መገዲ ክሕብሩሉ ጸኒሖም ኢዮም። ሕብረተሰብ ኤርትራ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ: እሞ ከኣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣተሓሳስባኡን ስነ-ኣእምሮኡን ዝሰረጹ: ብሉጻት ስርዓታት እንዳባን ምስኦም ዝኸዱ ሞራላዊ ትካላትን እንተዘይህልዉዎ: ብርግጽ: ነቶም ዘሕለፎምን ዝገጥሙዎ ዘለዉ ሓደሽቲ ብድሆታትን ከም ህዝቢ ጥሙር ኰይኑ ህላዌኡ ከረጋግጽን ክቕጽልን ኣይምኸኣለን። ካልኣይ፤ ከም ዝፍለጥ: ዝዀነ ሕብረተሰብ ኣብ ጕዕዞኦ ንዘጋጥምዎ ግድላት ዝፈትሓሎም ኣተሓሕዛን ኣወግናን ግርጭታት ኣለውዎ። ዘይሩ-ዘይሩ ግን እቲ ወሳኒ ሕቶ “እንተድኣ ንስርዓታት እንዳባ ከም ኵለንታዊ ዓለመ-ርእይቶ ሕብተሰብ ኤርትራ ንረድኣዮም ኢልና: እቲ ስፍሓትን ዓይነትን ናይቶም ሕግታት’ከ ብዝርዝር ከመይ ይመስል? ንሕብረተሰብ ዘጋጥሙዎ ግድላት ምሉእ ብምሉእ ንምፍታሕ ወይ መልሲ ንምሃብ’ከ እቶም ሕግታት ብቕዓት ኣሎዎም’ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኢዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ብኣቋራጭ: ማለት ብናይ “እወ/ኣይኰነን”: መልሲ ክምለሽ ዝከኣል ኣይኰነን። ነቶም ስርዓታት እንዳባ ብዝርዝር ኣወዳዲርካ እንተመርሚካዮም ግን: ብዘይጥርጥር ንብዙሓት ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርከቡ ወይ ይርከቡ ኢዮም ዝብሃሉ ዓበይቲ ሕቶታት ዝምልሱ ይመስሉ። እቶም ሕግታት እንዳባ ኣልዒሎም ዝዛረብሎምን መፍትሒ ዝረኸብሎምን ጉዳያት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ብዛዕባ ምውላድ ቈልዓን መሰልን ግዴታን ወለድን፣ ብዛዕባ ሓላፍነት ውሉድ ንወለዲ፣ ብዛዕባ ሞት: ጉዳያት ውርሻ መሬትን ንብረት ስድራ-ቤትን፣ ብዛዕባ ዘኽታማት ቆልዑን ኣተዓባብዮኦምን፣ ጉዳያት ሕጸ: ገዝሚ መርዓን ፍትሕን፣ መሰላት ጓል ኣብ ግዜ መርዓ: ሓዳርን ፍትሕን፣ ብዛዕባ ግብረስጋዊ ዓመጽ ደቀንስትዮን መቕጻዕቱን፣ መሰላት ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ: መሰላት ሓያም፣ ብዛዕባ ውሉድ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ብዛዕባ ብናይ ኣእምሮ ሕማም ዝሳቐዩ ዜጋታት፣ ብዛዕባ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን (“ማእከላይ ዓሌት” ዝብሃሉ)፣ ብዛዕባ ኣብ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት ዝዋፈሩ ዜጋታት (artisans)፣ ብዛዕባ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያንን ትምህርትን፣ ብዛዕባ ኣቀባብላ ዜጋታት ኣመንቲ ምስልምና ከም ኣጋይሽ ኣብ ግዜ ውራይ፣ ብዛዕባ ዋንነትን ኣተዓዳድላ መሬት ርስቲን ዴሳን ዓዲ፣ ብዛዕባ ናይ ስርቂ: ክትረት: ሞትን ገበንን ዝውሃብ መቕጻቲን ጋር ነብሲን፣ ብዛዕባ ጸርፊ ንዓሌት ወይ ውልቀሰብ፣ ብዛዕባ ኣመራርጻ ጭቃ ዓድን ሽማግለታትን፣ ብዛዕባ ምስክርን ማሕላን ንምስክር ዘይበቕዑ ውልቀሰባትን (ውጂ)፣ ኣተሓሕዛ መሬት: ማይ: ገረብ: ሳዕሪን ዘራእቲን ዓዲ፣ መሰላትን ግቡእን ጓሳ ከብቲ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መሰል ከብቲን ብሓፈሻኡ እንስሳ ዘቤትን።
ካብዚ ክንርእዮ ከም እንኽእል እምበኣር፡ እዞም ሕጊታት እንዳባ ኣጠቓሊለሞም ዘሎዉ ቴማታትን ዝትንክፎዎም ዛዕባታትን ንሕሉፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብዚ ግዜና ኣካታዕቲ ኰይኖም ንዘለዉ ጉዳያት ከምእኒ መሰል ደቀንስትዮ፡ ባህርያዊ ኣከባቢ ምሕደራን ከምኡ’ውን ንመሰል እንሳስታትን ካልእን ከርእዩን ከፍርዱን ዝኽእሉ’ዮም። እቲ ኣገዳስነትን ደሞክራሲያዊን ባህርያት ናይቶም ሕግታት ብደቂቑ እንተርኢናዮ ከኣ፡ ንኣብነት ኣብ ሕጊ ኣድገነ-ተገለባ ዓንቀጽ 28.224 ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ንረክብ፤ “ኣብ፡ ዓዲ፡ ዘሎ፡ ጓሳ፤ ከብቲ አጥፊኡ፡ ንዕለቱ፡ ንዋና፡ እንተነገረ፡ ዕዳ፡ የብሉን፤ ንዕለቱ፡ እንተዘይነገረ፡ አምሲሉ፡ ይዕደ። ዋናታቱ፡ ገይሾም፡ እንተጸንሕዎ፤ ንዳኛን፡ ንመቕድምን፡ ይንግር።”[ix] እንተዀነ፡ እቲ ሕጊ ንመሰል ጓሳ ዝጣበቕ ደኣ ይዂን’ምበር፡ በቲ ሓደ ወገን’ውን ሚዛን ብምሕላው ነቲ ማሉ ዝጠፍአኦ ዋና’ውን፡ ምናልባት እቲ ጓሳ ኣታሊሉ ምስ ዝኸውን ኣብ ሕጊ ኣቕሪቡ ከቕጽዖ መሰሉ ይሕልወሉ’ዩ። እቲ ነዚ ዝምልከት ዓንቀጽ 28.227፡ እቲ ጓሳ፡ “ብውሳይ፡ ከምዝገበሮ፡ እንተተረትዔ፡ ከም፡ ሰራቂ፡ ኮይኑ፡ ይተሓዝ። ንሰራቂ፡ ዝተወሰነ፡ ሕጊ፡ ይብጽሓዮ:” ይብል። ኪንዮ’ዚ: እቲ ኣዛዊሩ ዝርኢ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ስርዓታት ኣድገነ-ተገለባን ኣድከመ-ምልጋእን ንመሰል እንሳታት’ውን ኣትሪሩ ይጣበቕ’ዩ። ስርዓት ኣደከመ-ምልጋእ ንመሰል እንስሳ-ዘቤት ኣመልኪቱ፤ “ጕዱእ፡ ብዕራይ፡ አልዒሉ፡ ዝሐረሰ፡ ጕድእቲ፡ በቅልን፡ ጕድእቲ፡ አድግን፡ አልዒሉ፡ ዝጸዓነ፡ ሕልቂ፡ ይዕደ” (173) ክብል እንከሎ፡ ስርዓት ኣድገነ-ተገለባ ብወገኑ ኣብ ዓንቀጽ 35.297-298: ናይ ዝዀነ እንስሳ መልሓስ ዝቖረጸ ወይ ዘይከልቡ ወቒዑ ዘሰንበረ ከቢድ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከም ዝጽበዮ የምልክት (86)። ብተመሳሳሊ: ሕጊ ክልኤ መንሳዕ ቦታን መሰልን እንስሳ ዘቤት፡ ሓላፍነት ዋናታትን ግቡኣት ሓለፍቲ-መገድን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣነጺሩ የቕርብ (557-558)።
ሕጊ እንዳባ ንጉዳያት ደቀንስትዮን ጀንደራዊ መሰላትን ብዝምልከት ኣዝዮም ዝርዝራውያን ዓንቀጻት የቕርብ። ሽሕ እኳ እቶም ሕግታት ኣብ ጽኑሕ ኣባታዊ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተመስረቱ ይዂኑ’ምበር፡ ብዘይ ቀለ-ዓለም ንመሰል ደቀንስትዮ ዝሕልዉን ዝጣበቑን ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ኣለዉዎም። እቶም ስርዓታት: ከከም ከባቢኦም: ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ ዘለዎም ጠመተ ብመጠኑ ዝፈላለን ደኣ ይዅን’ምበር፡ ንኣብነት ኣብ ስርዓት ሎጎ-ጭዋ ንመሰል ከይወለደት ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣመልኪቱ ብኸምዚ ይጣበቕ፤
ዘይወለደት፡ ሰበይቲ፡ እንተተፈትሔት፡ ጽግእን፡ ነግፍን፡ ትሕረስ፡ እከይድ፡ እንተበለት፡ ግን፡ ነታ፡ ዝሰርሐታ፡ ቤት፡ ብ3 ግቡኣት፡ ሽማግለ፡ ዳኛ፡ ዝሐረዮም፡ ተሸኒና፡ ፍርቂ፡ ተቀቢላ፡ ትኪድ፤ ይቅመጥ፡ ቈሪበ፡ እንተበለት፡ ድማ፡ ክሳብ፡ ትመውት፡ ትቀመጥ፡ ድሕሪ፡ ሞት፡ ግን፡ ኣዝማዳ፡ ዋርሳ፡ ኣይግበኦምንዩ፡ እታ፡ ቤት፡ ንሰብኣያ፡ ትዅን። (291)
ዘወር ኢልና ንናብ ሕጊ: ሰሐርትን: ላምዛን: ወቐርትን: ዳምባን ምስ እንምልከት’ውን ንመሰል ደቀንስትዮ፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ሎሚ ኣዝዩ ኣዛራቢ ኰይኑ ንዘሎ ዘቤታዊ ዓመጽ ደቀንስትዮ’ውን ከይተረፈ ጠቒሱ፡ ኣብ መበል 25 ዓንቀጹ ከምዚ ይብል፤
ስለ ሰብኣያ ዝሃረማ
ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ [ንፍትሕ]፡ ምስ፡ ተቋጸረት፡ እንተ፡ ሃረማ፡ ክልተ ዝሸረፈት፡ ኣርሒ፡ ይኽሐሳ። ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ፡ እንተ ፈግአ፡ ኣንስተይቲ፡ ጤል፡ ይሕረደላ፡ ሓደ፡ ሕልቂ፡ ከኣ፡ ይኽሐሳ። ርእሳ፡ ድማ፡ እንተ፡ ነጸያ፡ ሐዴ፡ ሕልቂ፡ ይኽሕሳ። (361)
ሓዳራ ገዲፋ ንዝኸደት ሰበይቲ’ኸ? ሕጊ ሰሓርቲ ነዚ’ውን መልሲ ኣለዎ። ዓንቀጽ 26 ናይቲ ሰነድ ከምዚ ይብል፤
ስለ ቤታ ሓዲጋ ዝኸደት ሰበይቲ
ሰበይቲ፡ ቤት፡ ብስልሙን፡ ብምሉኡን፡ ሐዲጋ፡ ዝጸለቈት፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ካብ፡ ገንዘብ፡ ብርኮም፡ ብላዕሊ፡ ሰላሳ ቅርሺ፡ ትኽሐሶ። ካልእ፡ ገንዘባ፡ ግን፡ ትመቐል፡ አይትወረስ። ንሐሙታ፡ ተቋጸረለይ፡ ኢላ፡ እንተኣብይዋ፡ ከኣ፡ ንዳኛውን፡ ነጊራ፡ እንተኸደት፡ ንሰባ፡ ክትጽውዕ። ኣይትኽሐስ፡ ገንዘባውን፡ ትመቐል። (361)
ኵላቶም እቶም ኣብ ስርዓታት እንዳባ ዝርከቡ ሕግታት ንመሰል ደቀንስትዮ ኣጥቢቖም ዝከላኸሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ብዓቢኡ ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከም ክፉእን ኣነዋርን ተግባር ኣትሪሮም ይዅንኑ። እዚ ዘየከራኽር ሓቂ’ዚ: ከም ኣብነት: ኣብ ሕግታት ኣድከመ-ምልጋእን ኣድገነ-ተገለባን ብተሪር ቋንቋ ተሰኒዱ ይርከብ (ስርዓት ኣድከመ-ምልጋእ ገጽ 166-167፣ ስርዓት ኣድገነ-ተገለባ ገጻት 40-41 ተመልከት)።[x]
ካብ ጉዳያት ጀንደርን ደቀንስትዮን ሓሊፍና፡ ብዛዕባ ምሕደራ መሬትን ባህርያዊ ኣከባቢን ምስ እንምልከት ድማ፡ ኵሎም እቶም ሕግታት፡ ወይ’ውን ዳርጋ ኵላቶም እቶም ሕግታት፡ ኵለነታዊን ዝተራቐቐን ኣቀራርባ ዘለዎም ኰይኖም ንረኽቦም። ንኣብነት ኣብ ስርዓት ሎጎ-ጭዋ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገረብ ዘሎ ዓንቀጽ፡ ብዘመናዊ መምዘኒ እንተ ተራእዩ’ውን ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ። እቲ ዓንቀጽ ኣግራብ ዓዲ ብግቡእ ክቝረጹ ጥራሕ ዘይኰነስ ከመይን ኣበየናይ ወርሓትን ክቝረጹ ከም ዘለዎም’ውን ከምዚ ዝስዕብ ብዝርዝር የብርህ፤
ኣገባብ ቁርጻ ኦም
ብፋስ፡ ብመጋዝ፡ ይቈረጽ፡ ብሐዊ፡ ከይቍረጽ፡ ክልኩል፡ እዩ፡ ነዙይ፡ ዝገሃሰ፡ 30 ፈ. ይዕደ፡ ንትምህርቲ፡ ቤት።
ንዓንደ፡ ገመል፡ ዝኸውን፡ ኦም፡ ካብ፡ ኪዳነ፡ ምሕረት፡ ሰኔ፡ ክሳብ፡ መወዳእታ፡ ንሐሴ፡ ኪብተኽ፡ ይግባእ፡ ከመይ፡ በዚ፡ ጊዜ፡ ተቈርጸ፡ ኦም፡ ኪነቅጽ፡ ኣይክእልን፡ እቲ፡ ኦም፡ ድማ፡ ይጭጭብ፡ አይበርስን። ዳዕሮ፡ ኣውሒ፡ ናብ፡ እንዳ፡ ኣቡነ፡ እከሌ፡ ተባሂሉ፡ ዝስሜ፡ ክልኩል፡ ኣግራብ፡ ጽላል፡ ማያት፡ ንዑኡ፡ ዝመስል፡ ካልእውን፡ ዝበተኸ፡ 30 ፈ. ንቤተ፡ ትምህርቲ፡ ይዕደ፡ እታ፡ ዝበተኻ፡ ኦም፡ ከኣ ንቤተ፡ ክርስቲያን፡ ትኹን።
ኣታኽልቲ፡ ዝቈረጸ፡ ወይ፡ ዝመሓወ፡ 60 ፈርጊ ይክሕሶ፡ ንዋና፡ ኣትክልቲ። (268)
መደምደምታ
እዚ ሓተታ’ዚ፡ ካብቲ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ከብቅዕ፡ ከምቲ ዝተጸበናዮ መፍትሒ ከምጽእ ዘይከኣለ፡ ካብ ምዕራባዊ ሞዴላት ዝተቕድሐ ኣገባብ፡ ክሳብ ሕጂ ንግድላትን ሽግራትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ክፈትሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ምናልባት ናብ ነብሲና ተመሊስና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምምዕርራይን ምቕያርን (paradigm shift) ብምግባር፡ ንስርዓታት እንዳባ ከም መወከሲ እንተ ወሰድናዮም ይሕግዙ’ዶ ይዀኑ ካብ ዝብል መንፈስን ሓሳብን ዝነቐለ’ዩ። ኣብ ትንተና ከም ዝረኣናዮ፡ ብርግጽ እቶም ስርዓታት እንዳባ ካብ ባህልን መሬትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነቐሉ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ ግርጭታት ብግቡእ ኣንጸባሪቖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዘስርሑ መፍትሒታት ዘቕርቡ ኰይኖም ይረኣዩ። እቲ ሕቶ ግን ብቐንዱ እዞም ስርዓታት’ዚኣቶም ከም ሕግታት ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ኵሉንተናዊ ዓለም-ርእይቶን ፍልስፍናን ተቘጺሮም ክውሰዱ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ “ነቶም ዘመናዊ ብድሆታትን ማሕንቖታትን ምሉእ ወይ እኹል መፍትሒታት ክቕርቡልና ይኽእሉ’ዶ?” ዝብል’ዩ። ብእምነተይ እዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት ከም ቀንዲን መበገሲን ብምውሳድ፡ ነቶም እዋናውያን ግድላት ንምፍታሕ መታን ክሕግዙ ፍሉይ ኣድህቦ ክግበረሎም ኣድላዪ ኢዩ እብል። እቲ ዝግበር መስርሕ ውጽኢታዊ ንምግባሩ ግን ስርዓታት እንዳባ ከም መመላእታ ናይ ዘመናውያን ሕግታት ዘይኰኑስ፡ ብኣንጻሩ፡ ከም ቀንዲ መበገስቲ ናይ ዝዀነ ይዅን ዘመናዊ ምኽላስ ክዀኑ ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከምቲ ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ንምሳሌታት እንዳባ ጠቒሱ ዘመልከቶ፡ “ሕጊይነብርተተኺሉ፡ስርዓትይነብርተዛዊሩ” ኢዩ’ሞ እዚ ሃብታም ያታዊ ስርዓታት ክህብን ክቕበልን ክፉት ኰይኑ፡ ናትና’ዩ ኢልና ከም መሰረታዊ ፍልስፍና እንተ ርዒምናዮ ናብ ነብሲና ክመልሰናን ከስርሓናን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
መወከሲ
[i] ሰሎሞን ገብረክርስቶስ: ሓርጋት ትግርይና፤ ኣስመራ: 1993: ገጽ 19 ተወከስ።
[ii] ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ ፣ ቤት ማህተም ፍራንቸስካና: ኣስመራ፣ 1993፣ ገጽ 37-51 ርአ።
[iii]ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ ኣብ 1993 ብሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ካብ ብኢድ ተጻሒፍ ዝተርኸበ ደብተር ተቐዲሑ ንመጀመርታ ዝተሓትመ ኢዩ።
[iv]http://www.eritreanarchives.org/. እዚ ጥቕሲ’ዚ ካብዚ ተዋሂቡ ዘሎ መርበብ-ሓበሬታ’ዩ ተወሲዱ። ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላት ምእራማት ተገይሩሉ ኣሎ።
[v] መበቆላዊ ጥቕሲ ብእንግሊዘኛ እዚ ዝስዕብ’ዩ፤ “There are historical accounts indicating that Eritrean customary laws came into being at least three centuries back. In his Historia Aethiopica, written in 1683, Ludolf witness that the inhabitnants of Hamasien, an Eritrean region, elected their own leaders and applied their own indigenous laws “like a small republic.” (….) Worthnoting is that the customary laws of the sendentary Chrisitian tribes of the highlands disclose “interesting paralles to Roman Law, early Angolo-Saxon, Germanic and the Common Law.” (32; 36) (See: Yohannes Gebremedhin. The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea: Trenton: Red Sea P., 2004.)
[vi] F. F Russell. “Eritrean Customary Law.” Journal of African Law. Vol 3 (02) pp. 99-104; Habteab Y. Ogubazghi and Senai W. Andemariam. “Eritrean Customary Laws: ‘Old-Modern’ Treasures for Introducing an Effective Sentencing Regime-the ‘Just Desert System’.” African Journal of Criminology and Justice Studies. Vol. 7 (1&2) pp. 47-84.; Luca G. Castellani. “Recent Development in Land Tenure Law, Horn of Africa.” Working paper, No. 37. Land Tenure Center, University of Wisconsin-Madson, 2000, p. 2; Gherebhiwet Tesfagiorgis. “Customary Laws in Eritrea.” Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future, ed. Tesfa G. Ghebremdhin & Ghebre H. Tesfagiorgis. Trenton: Red Sea P., 2008, pp-4-36.
[vii] Ghebre H. Tesfagiorgis “Customary Laws in Eritrea.” Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future, ed. Tesfa G. Ghebremedhin and Ghebre H. Tesfagiorgis. Trenton: Red Sea P., 2008: pp. 1-36.
[viii]Many postcolonial and other transitional societies have attempted to use law as a vehicle for social and economic reform. Foreign legal missionaries and development agencies collaborated in the reconstruction of pre-existing laws. Often times, western laws were transplanted or borrowed in pursuit of legal modernization. However, in many countries, the use of law as a tool for social and economic reform without due regard to social, historical, institutioinal, and cultural context is assessed as having failed. This lesson is crucial to Eritrea’s law development efforts. (228) (Yohannes Gebremedhin. The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea: Trenton: Red Sea P., 2004)
[ix]ሕግን ሥርዓትን ናይ መሬት ዓደቦ ብዘርአ-ያዕቆብ እስጢፋኖስ፡ ወልደማርያም ኣብርሃ፡ ኢንዥ. ገሪማ ገብረመስቀል ተጠርኒፉ ኣብ 1990 ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝተሓትመ መጽሓፍገጽ 71 ተመልከት። ኵላቶም ብቐጥታ ዝተቕሱ ጥቕስታት ካብዚ መጽሓፍ’ዚ ዝተወስዱ ኢዮም።
[x]ኣብ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ብዛዕባ ዓመጽ ግብረ-ስጋ ዝወሃብ ተሪር መቕጻዕቲ ንምርዳእ: ነቲ ብምሉእብርሃን በርሀ ሓጎስ ዝተገብረ ንኡድ ምርምራዊ መጽሓፍ፡ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ኣስመራ፤ ቤት-ማሕተም ኣማን፡ 2009 ካብ ገጻት 262-272 ምውካስ ይከኣል።
About the author: Ghirmai Negash is a Professor of African Literature & Director of the African Studies Program in Ohio University. He can be reached at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2016 ተወሳኺ ዓመት ኣብ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
Sunday, 21 August 2016 20:56 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤእቲ ካብ 12 ክሳብ 14 ነሃሰ 2016 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ካልእ ዓዋት ናይቶም ኣብዛ ህዝባ ን25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ዘየብሉ መላኺ ዝማስን ዘሎ ሃገር ኤርትራ ንኣውንታዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ደሞክራስያዊ ሓይልታት ውጽኢት ቃልሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ፍሉጣት ኤርትራውያን ፖለቲካውያን፡ ምሁራትን ናይ ሚድያ ክኢላታት ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ዘምጸአ እዩ። ከምኡ እውን ተወከልቲ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ንጡፋትን ናይዚ መድረኽ ፈስቲቫል ተሳተፍቲ ነይሮም። ካብቶም ዝተሳተፉ ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ኣንበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ ካብ በልጅም፡ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ኣልማ ዘርኣይ ካብ ጀርመን፡ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ርእሶም መስፍን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ሳልሕ ጁሃር (ቃዲ) ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ካብ ኤውሮጳ፡ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ገ/እግዚኣብሄር ተወልደን መንእሰይ በረኸተኣብ ዮሃንስን ካብ ካናዳ ይርከብዎም።
ኩሎም እዞም ኣስማቶም ዝተዘርዘረ ኤርትራውያን ኣብቲ መድረኽ ፈስቲቫል ናብ ተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ እዋናዊ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም እዮም። ጀርመናውያንን ስዊድናውያንን ተወከልቲ ሰልፍታት እውን ኣብቲ አድረኽ ፈስቲቫል ዓሚቕ ናይ ምድግጋፍን ምሕዝነትን ምስቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘለዎም ዘመልክት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብቲ ናይ 12 ነሃሰ ናይ እንኳ ደሓን መጻእኩም ስነስርዓት ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ መግለጺ ቀሪቡ። ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቶም መሪሕ ግደ ዝነበሮም ካድራት ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር እዩ። ንሱ ኣብቲ ዘቕረቦ ፈላሚ መደረ፡ ኤርትራውያን ብኸመይ ነቲ “ናብ ሃገርና ኤርትራ ዝመርሕ መንገዲ” ከም ዝረኽብዎ ዝእምት ቃል ኣስሚዑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ብኸመይ ኤርትራዊ ባህልን ክብርን ክሕለውን ክቕጽልን ከም ዝኽእል ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ’ዚ ዘቕረቦ መሳጢ መግለጺ ካብቲ ካልእ ኣጀንዳታት’ውን ግዜ ዝወሰደ ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይዱ።
እቲ ንጽባሒቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምይይጥ ብናይ ኣቶ ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር መደረ እዩ ተጀሚሩ። ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ነቲ ፈስቲቫል ዝወደበ ማሕበር እዩ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝቐረበ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን መልእኽቲ፡ ተወከልቲ ናይ ጀርመን ሓምላይ ሰልፍን ናጻ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ነይሩ። ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝገዝእ ዘሎ ክርስቲያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ ልኡኽ ሀሪ ቶማስ ኪርችነር ግና ኣብ መወዳእታ ሰዓት ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ዘይምቹእነት ኣጋጢምዎም። እቶም ናይ ጀርመን ሰልፍታት ተወከልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ክተሓጋገዙ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ሕብረሰብ ጀርመን ንምውህሃድ ዝለዓለ ጻዕሪ ክገብሩ ጸዊዖም።
እቲ ካልእ ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተመሓላለፈ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብኣቶ ቶማስ ማግንኑሶም ስዊድናዊ በርገሳዊ ንጡፍን ኣባል ስዊድናዊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ዝቐረበ ነይሩ። ንሱ ኣብ ሃገሩ ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት መደባት ዘወሃህድ እዩ።
ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰደህኤ ድሕሪ እቲ ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝቐረበ መልእኽትታት ኣገዳሲ መደርኡ ኣቕሪቡ። መደርኡ ብትግርኛን ዓረብን እዩ ቀሪቡ። ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብ’ዚ መደርኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታትን፡ ኣብ ተቓውሞ ዘገምታዊ ግና ድማ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ንምምስራት ክብደት ዘለዎን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቅልጡፍ ለውጢ ዘምጽእን ናይ ሓባር ጽልላ ክፍጠር ዘለዎ ተስፋ ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
ኣባላት ናይታ ቀጻሊ ዋዕላ ናይሮቢ ንሃገራዊ ምምኽኻር ተሰናድእ ዘላ ኣካል ኣብዚ ፈስቲቫል፡ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናብ ሓደ መድረኽ ንምምጻእ ዝዓመምዎ ስረሓት ዝምልከት መርሂ ሂቦም። ነቲ ነዚ ዛዕባ ዝምልከት ምይይጥ ናይታ ኣወሃሃዲት ኣካል ኣቦመንበር ኣቶ ሱለይማን ኣደምን ናይታ ኣካል ኣባል ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪሐምዎ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ ን1ይ፡ 2ይን 3ይን ትውልዲ ዝምልከት ምይይጥ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰደህኤ ተዳልዩ ነይሩ። እዚ ምይይጥ ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎን እዩ ተማእኪሉ። ኣብዚ ክፋል ምይይጥ’ዚ ዝተላዕሉ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ መንእሰይ ወለዶን እቲ ገዲምን ዘሎ ፍልልይን፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንመንእሰይ ወለዶ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ዝምልከቱ እዮም ነይሮም። ኣብዚ እውን ንብዙሓት ተጋባእቲ ዘሳተፈ ውዑይ ምይይጥ ተኻይዱ።
እቲ ካልእ ምይይጥ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ፍሉጣት ኤርትራውያን ኣጋይሽ ዝተሳተፍዎ ስፊሕ መድረኽ ነይሩ። እዞም ኣጋይሽ ቀንዲ ተሳተፍቲ ናይቲ ፈስቲቫል ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተቓነዐ ንምህናጽ ምትእምማን ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝምልከት ናይ 3 መዓልታት ዋዕላ’ውን ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ እዮም። ነቲ መድረኽ ዝመርሕዎ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ: ኣባል ማ/ባይቶ ሰደህኤን ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽን እዮም። ድሕሪኡ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ክሳብ ሰዓት 11 ናይ ወጋሕታ ናይ ሙዚቃን ጓይላን ግዜ እዩ ነይሩ።
ካብቶም ኣብዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ቃሎም ዘስምዑን መልእኽታቶም ዘቕረቡን፡ ኤርትራዊ ውድባት፡ መልእኽቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ብኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቒ ዝተነበበ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብኣቶ ፍሰሃጼን ገብረ ዝቐረበ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣቶ መንሱር ዓብደልሃዲ ዝቐረበ፡ ማሕበር ተበግሶ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረ ዝቐረበ፡ ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ብኣቶ ክብረኣብ ምስግና ዝቐረበ፡ ምሕዝነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ብኣቶ ዓ/ቃድር ሽፋ ዝቐረበን ስምረት ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣቶ ገ/ህይወት ኪፍለ ዝቐረበን ይርከቦ።
Eritrea Festival 2016 in Frankfurt Was Another Success in the Struggle for Democratic Change
Sunday, 21 August 2016 14:09 Written by EPDP Information OfficeThe annual Eritrea Festival in Frankfurt, held between 12 an 14 August 2016, was another success story this year for Eritrean democratic forces struggling for positive change in a country and people who suffered for the past 25 years under the most repressive regime in Africa.
This year's festival brought together some of Eritrea's topmost political figures, intellectuals, and influential media people in addition to representatives of Eritrean political organizations and civic activists. These included well known names like Ambassador Adhanom Ghebremariam (USA); Dr/Ambassador Andebrhan Weldegiorgis (Belgium); Professor Ghirmay Negash (USA); Dr. Almaz Zerai (Germany); Mrs. Asghedet Mehreteab (USA); Dr. Russom Mesfin (Eri-Vision - USA); Mr. Saleh (Gadi) Johar (Awate.com - USA); Mr. Abdurahman Said (Europe); Mr. Tzegai Negash (USA); Mr. Gherezgeher Tewelde (Canada), and young Bereketeab Yohannes (Canada).
All of them could successfully convey timely messages to their audience and the Eritrean people at large. Representatives of German and Swedish parties were also at hand to express their deepest solidarity and sympathies with distressed Eritrea and its people.
The Friday, 12 August, events of the Festival included a well-received presentation by Professor Ghirmai Negash, who was a leading cadre in the days of the liberation struggle and currently a university professor in the United States. Professor Ghirmay talked about how Eritreans should search for "the road leading back to home" and the importance of reviving and incorporating in modern jurisprudence the spirit of Eritrean customary laws and social values. The presentation was followed by a lively discussion that stole time from other events.
The main Festival Panel on Saturday was opened by a welcoming address of Mr. Taddesse Asmelash, chairman of the Eritrean Democratic Association (EDA) which annual organizes the Frankfurt festivals in cooperation with the Europe branches of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP).
This was followed by solidarity speeches by representatives of the German Green Party and Free Democratic Party while the ruling Christian Democratic Party (CDU) delegate, Herr Thomas Kirchner, had last minute inconvenience from appearing at the Festival podium. The German parties expressed full commitment to support forces of change in Eritrea and encouraged Eritrean refugees also to do their utmost to be integrated in the German society.
Another moving speech-cum-solidarity message was presented by Mr. Thomas Magnuson, a Swedish civil society activist and member of the Swedish Social Democratic Party, who coordinates refugee programs in his country (full text of his speech as well as of the other panelists are being posted in www.harnnet.org).
Mr. Menghesteab Asmerom, chairman of the EPDP, presented the keynote speech at the Festival following solidarity messages that included statements made by Eritrean political organizations, and civil society movements of youth and women. In his speech, presented both in Tigrinia and Arabic, the EPDP chairman explained the worsening situation in Eritrea and the status of the gradually but surely growing opposition camp and the hope of creating a viable umbrella organization for effective work in the struggle for speedy change in Eritrea.
Representatives of the Ad Hoc Committee preparing the second part of the Nairobi conference on National Consultation made an illustrated explanation of the work so far achieved in the effort to bring together all Eritrean justice seekers under a working umbrella. Ad Hoc Committee chairman, Mr. Suleiman Adem, and his colleague, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga) led the discussion on the subject of unity and the prospects ahead.
A round-table discussion for first, second and third generation Eritreans (elders and youths) was organized by the EPDP Youth Affairs Office. The event was well moderated by Ms Feven Ghideon. The issues for discussion included the differences between the old and young generation of Eritreans and the problems the post-independence generation is facing. A heated debate involved by many members of the audience.

Another important round-table discussion involved all the prominent Festival guests mentioned in paragraph two in this article. These were the leading Festival guests who also made rich presentations at a three-day conference on Trust Building among Eritreans which preceded the Eritrea Festival 2016. The round-table discussion, moderated both by Ms Eritrea Alazar, head of the EPDP Office for Women's Affairs, and Ms. Adiam Tefera, EPDP Central Council member, tried to provoke the panelists to summarize in a few words the various papers they presented at the Trust Building Conference.
The rest of the night as of 11pm was left for musicians and folkloric singers who engaged everybody in dancing till the morning.
It is to be noted that among the Eritrean organizations that made or submitted solidarity messages at the Eritrea Festival 2016 included Eritrean Democratic Party (EDP- message read by Mr. Menghesteab Afewerki); Eritrean National Salvation Front, ENSF-Hidri (message presented by Mr. Fessehazion Ghebre); ENSF (submitted by Mr. Mensour Abdulhadi); Eritrean Women's Initiative Association (presented by Mrs. Alganesh Ghebre); Eritrean Revolutionary Democratic Front - Sedege'e (presented by Mr. Kibreab Mesghina); Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC - presented by Mr. Wedeb Tedros); Eritrean Youth Movement for Democratic Change (EYMDC - presented by Abdulkadir Shifa), and Eritrean Unity for Democratic Change (submitted by Mr. Ghebrehiwet Kifle).
ቃል ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ፈስቲቫል 2016
Sunday, 21 August 2016 11:54 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ዝኸበኩም መራሕቲ ውድባትን ማሕበራትን፡ ዝኸበርኩም ኣጋይሽ፡ ዕዱማት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2016።
ኣቐዲመ ብስመይን ብስም ወኪለዮ ዝመጻኹ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(EYSC) ዕዙዝ ሰላምታ ከቕርበልኩም ኣፍቅዱለይ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ ከምዚ ዝኣመሰለ ባይታ ምኽፋቱ ከኣ ክምጐስ ይግብኦ።

ማሕበርና ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ጐኒ ጐኒ ኣቲ ከም ኩለን ተቓለስቲ ሓይልታት ዝሓዞ ዕላማ: ከበግሶ ዝኸኣለን ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ቀንዲ ምኽንያት: ብኩራት መንእሰያት ኣብ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ዲሞክራስያዊ ለውጢን: ምብርባርን ቀጻልነቱ ንምውሓስን እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ምስቲ ዝጸንሐ ቃልሲ ተኣሳሲሩን ምስቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ደኺምና ከይበሉን ከይተሓለሉን ተባዕን መስዋእቲ ዝሓትትን ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ዓበይቲ ኣያታትናን ኣሓትናን ተኣሳሲሩን ኢድ ንኢድ ተታሓሕዙን ክካየድ ከምዘለዎ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።
ኩልና ከማንፈልጦን ንከታተሎ ከምዘለናን፡ ኲነታት ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ኣሎ። አረ ብገለ ሃለዋት ሃገርና ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናትና: ሃገርና ኣብ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን እዋን ከምትርከብ ይእመተልና ኣሎ። እቲ ትማሊ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል መሰል ርእሰ ውሳንኡ ዘረጋገጸ ህዝቢ ሎሚ ሹም ከም ዘይብሉ ንህቢ ፋሕብትን ኢሉ ግዳይ ሞት: ኣስር-ቤት: መሸጣ ናውቲ ኣካላት: ስሃራን ባሕርን ኮይኑ ይርከብ። ኣምበኣርከስ፡ እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ህንጸት ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገስጊሱ ዓወታት ክምዝገብ እኳ እንተኸኣለ፡ ዕላማኡ ክሃርምን ንስርዓት ህግደፍ ስንብራት ክገድፍ ዝኽእል ከይዲ ክመርሕን ግን ኣይከኣለን። እዚ ኸኣ እቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሃጕፋት ስለ ዘለዎን መሰረታዊ ገምጋማውን ጽገናውን መስርሕ ክሓልፍ ስለዘይካኣለን እዩ።

እምበኣር፡ እቲ ጉዳይ በሲሉ ኣሎ:: ህዝብና ዘሳትፍ ቃልሲ ከካይድን ሓንሳብን ንሓዋሩን መቁሕ ህግደፍ ሰቢርና እታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕልምና ጥራይ ቀሪጽናያ ዘለና ፍትሓዊት ኤርትራ ክውንነታዊት ክንገብራ መታን እዋን ዝሓትና ዘሎ ስሩዑን ስጥሙን ቃልሲ ከነካይድን ከምቲ ናይዚ ዓመት እዚ ጭርሖ ዝብሎ ዘሎ “ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡ ብሓባራዊ ቃልስና!” ኢዩ እሞ፡ እታ ብዘይ ሓባራዊ ቃልስና ክትርከብ ዘይትኽእል ሃገርና እንዳኣቋመትና ነቲ ስጉሚ ክንፍልም ይላቦ።
ዓወት ንፈስቲቫል 2016 ሰዲሓኤ
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልስና