አፈታትሓ ግጭት፡ አብ ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ ሓሳባት

2016-08-22 21:58:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 10386 times

ብኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም

መእተዊ

ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ምንጭታት ከምዘመልክትዎ አብ ትሕተ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት አፍሪቃ እቲ ዝበዘሕ ግጭታት ዝርአየለን ሃገራት ኢየን። አካል ናይቲ ዞባ ዝኾና ሃገራት ቀርኒ አፍሪቃ ድማ ብኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሃገራት ዘሎ ውሽጣዊ ግጭትን (intra-state) ከምኡ ድማ እተን ሃገራት አብ ሓድሕደን ብዝገብርኦ ግርጭትን (inter-state) ዝተለለያ ‘የን።

እቲ አብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ዝርአይ ግጭታት፤ ምስቲ እተን ሃገራት አብ ሓድሕደን ዝገብርኦ ግጭታት ስለ ዝጸላሎን ዝመላላእን፡ ሓደ ውሱን ግጭት አብ ሓደ ውሱን ግዜ ንምፍትሑ አዝዩ ከቢድ ይገብሮ። ናይ ኤርትራ አብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ምትእትታው ዓይነታዊ አብነት’ዩ። አብ ጉዳይ ሶማል ዘሎ ምትእትታው ነቲ ውሽጣዊ ግጭት ከምዝሓላልኾን ስቓይ ህዝቢ ሶማል ከም ዘነዋሕን ዘጠራጥር አይመስለንን።Workshop 11

ዋላ እኳ እቲ አብ ሃገርና ዘሎ ግጭታት ስፍሕ ብዝበለ መንገዲ ክረአን ክትንተንን ዝግባእ እንተኾነ፡ ሎሚ ዘቕርቦ ግን ሓጺርን ነቲ ሃገርና ናብ ብርሰትን ምብትታንን ዝመርሕ ዘሎ ግጭታት ንምፍታሕ ሓጋዚ ኢዩ ኢለ ዝአመንኩሉ ውልቃዊ ርእይቶይ ኢዩ። ብመሰረቱ እዞም አብዚ መድረኽ እዚ አብ ኤርትራ ዘሎዉ ግጭታት አብ ክልተ ከፊለ ኢየ ዝርእዮም።

  • ቀዳማይ አብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግጭት፤
  • ካልአይ ድማ አብ መንጎ እቶም ንስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ዝቃለሱ ዘሎዉ ሓይልታት ዘሎ ግጭት።

አብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግጭት

ህግደፍ ከም ሓደ ቶታሊታርያን ወይ ቶታላዊ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ብራዕድን ሽበራን ይገዝኦ አሎ። ሰብአዊ፤ ፖለቲካዊ፤ ቁጠባዊ፤ ማሕበራዊ፤ ባህላውን ታሪኻውን ጸጋታት ኤርትራ አብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻሩ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት’ዩ። ህዝቢ ኤሪትራ ብዓይኒ ህግደፍ ዝዛረብ መጽዓኛ’ዩ። ዝተአዘዞ ክፍጽም ዘሎዎ መሰል አልቦ ፍጡር’ዩ። ስለዚ አብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ግጭት ክፍታሕ እንተኾይኑ፤ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ተመንዚዕዎ ዘሎ መሰላት ክምልስ ክኽእል አሎዎ። እቲ ክንምልሶ ዘለና ሕቶ እምበአር ብከመይ እዞም ዝተመንዙዑ መሰላት ናብ ዋንኦም ዝኾነ ህዝቢ ክምለሱ ይኽእሉ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ። ሕመረት ናይ ጽሑፈይ ድማ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ዝግበር ሃቐነ’ዩ። አብ ፖለቲካ ኤርትራ ነዚ ሕቶ እዚ ብኽልተ መንገዲ መልሲ ክወሃበሉ ምርአይ ልሙድ ኢዩ።

  • ቀዳማይ ብብረታዊ ቃልሲ ክኸውን እንከሎ፤
  • ካልአይ ድማ አብ ውሱን ዕላማታት ዘተኮረ ውሱን ጎነጻዊ ስርሓት ዘይዓጹ ብመሰረቱ ግን ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ ፍታሕ ምምጻእ እዩ።

Workshop 4

ብረታዊ ቃልሲ

አብዚ መድረኽ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ክረኽቦ ዝደሊን ዝትምነዮን መሰረታዊ መሰል ብሰላም ናይ ምንባር መሰል እዩ። እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ዚዛረዮ ደም ደቁ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክውገደሉ ይደሊ። ውግእን ወረ ውግእን ክሰምዕ ይደሊ የሎን። ሰላም አብ ውሽጡ ሰላም ምስ ጎረባብቱ ረኺቡ ክነብር ብቐዳማይ ደረጃ ዝሰርዖ ጠለብ ኢዩ ኢልና እንድሕር አሚና፡ ምልጋስ ህግደፍ እውን ብሰላማዊ መንገዲ ክኾነሉ ህዝቢ ኤርትራ ይደልን ይጽልን። ምኽንያቱ፦

  • ብረታዊ ቃልሲ አብ ሓድሕድ ውግእ ከእትወና ኢዩ፤
  • ካብ ምቁጽጻር ወጺኡ ነታ ዓዲ ፍጹም ክበታትና ኢዩ፤
  • ነዞም ካብ ሕቕፎና ተመንጢሎም አብ አገልግሎት ዝበልዩ ዘሎዉ ጫለዳ ብምጥፋእ ፍጹም ከጽንተና’ዩ፤
  • መመኽነይታ ናይ ደገ ኢድ ምትእትታው ብፍላይ ድማ ናይ ኢትዮጲያ ብምዃን ነዚ ብክቡር መስዋእቲ ዝመጸ ልዑላውነትን ነጻነትን ሃገር አብ ሓደጋ ክሰጥሖ’ዩ፤ ወዘተ ዝብል ስግአት ስለ ዘሎዎ’ዩ።

Workshop 6

ሰላማዊ መንገዲ

ከምቲ አብ ላዕሊ ተንኪፍናዮ ዘሎና ህዝብና ዘሎዎ ሽግር ብሰላም ክፍታሓሉ ድልየቱ እዩ። እዚ ፍታሕ’ዚ ምሉእን ነባርን ክኸውን እንተኾይኑ ድማ መሰረታዊ ክኸውን አሎዎ። ብህግደፍ ተበዲለን ተዋሲነን ውዘተ ዝብሉ አካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ዝዓግበሉን ዝቐስነሉን ክኸውን ይግባእ።

ነዚ ጠለብ’ዚ ህግደፍ ክማልኦ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን ሕልሚ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ብባህሪኡ አየፍቅደሉን ኡዩ። ካብቲ ዝኸዶ ዘሎ አካይዳ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ- ዋላ ጽገናዊ ኪገብር እንተኾይኑ ክጽቀጥን አብ ወጥሪ ክአቱ አለዎ። አብ ትሕቲ ብርቱዕን ዝተወሃሃደን ጸቕጢ ጽገናዊ ለውጢ ክቕበል ክግደድ ኢዩ ኢልና ግን ክንግምት ንኽእል ኢና። እዚ ዓይነት ለውጢ ‘መኾርመዪ ረኺብካ መሳፍሒ’ ንምርካብ’ዩ። ብሓጺሩ መሰረታዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ክውሰድ ዝከአል ስልታዊ አገባብ ኢዩ።

ህግደፍ ንሃገራት ምዕራብ ንምትላል ካብ ወጥሪ ንምውጻእን ድሮ ጽገናዊ ለውጢ እገብር አሎኹ ዝብል ሓሶት ከቃልሕ ጀሚሩ አሎ። አብ አህጉራዊ መጋብአያ ገበን ከይክሰስ ዝፈጠሮ ዘሎ ስልቲ’ዩ። ኤርትራዊ ደምበ ተቛውሞ ሓያል ጸቕጢ እንተ ገይሩን ህግደፍ ድማ ጠፋእኩ ዝብለሉ ደረጃ እንተ በጺሑን ገለ ጽገናታት ክገብር ክግደድ ይኽእል’ዩ። ሓደ ካብ’ቲ ክግበር ዘለዎ ናይ ጸቕጢ አገባብ ድማ አብ’ቲ ንሂሉ ዘሎ ቑጠባዊ ሰረቱን ተሸምሪሩን ዘሎ ፖለቲካዊ ሰረቱን ንጹርን ውሱኑን ጎነጻዊ ስርሓት ዘይዓግት ክኾውን ይግብኦ። ከምዚ ዝአመሰለ ጎነጻዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝግባእ ህግደፍ ስነ መጎት ሓይሊ ጥራይ ስለ ዝርዳእ’ዩ። እቲ ጽገናዊ ለውጢ ክትግበርን ተቐባልነት ክህልዎን ዝኽእል ግን ህግደፍ ምስ ተቛወምቲ ሓይልታት ብምስምማዕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት ምስ ዝቕበል ጥራሕ ኢዩ።

Workshop Adhanom 1

ቅድመ ኩነት ንናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ

ክብ ኢሉ ከምዝተገለጸ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝከአል መሰረታዊ ዝኾኑ ነገራት ምስ ዝማልኡ ኢዩ፦

  • መጀመርታ እቶም ህግደፍ ዘቖሞምን ዝግልገለሎም ዘሎን ናይ ዓፈናን ሽበራን መሓውራት ክድምሰሱ አለዎም።
  • ኩሎም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ አለዎም።
  • አድለይቲ ናይ መንግስቲ ትካላት፤ ንአብነት ፖሊስን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ወዘተ ካብ ፖለቲካ ሻርነት ነጻ ይኾኑ። ነዚ ንምግባር ድማ ብናይ ግዜ መቓን ዝተቐየደ ትምህርትን ምሕዳስን ተገይርሎም ዝቅጽሉሉ መንገዲ ክፍጠር ይከአል።

እዚ አተሓሳስባ ናብ ህዝቢ ከነስርጾ እንተኺኢልና፡ ካብዚ ዝዓቢ መተዓረቒ ነጥቢ ክርከብ እውን ስለዘይከአል ህግደፍ ድማ እንተነጺጉዎ ህዝቢ አብ ልዕሊ ህግደፍ ጸቕጢ ዝፈጥረሉን ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ዝድርኽ ደረጃ ዝዓርገሉ ኩነታት ክፍጠር ይከአል ኢዩ። ብዝተዋሃሃደ መገዲ ክንሕዞን ህዝብና ከነእምንን ይግባእ። ወናኒ ናይ’ቲ ለውጢ ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ዘይተሳተፎ ቃልሲ አብ ወጻኢ ኮይና ዝበልና እንተ’ልና ንቕይሮ ነገር የሎን።

ደምበ ተቛውሞ

ብሓፈሻ አዘራርባ ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ አብ ክልተ ከፊልካ ክረአይ ይከአል፦

  • ፖለቲካዊ ውድባት
  • ሲቪካዊ ማሕበራት

ብአጠቓላሊ ፖለቲካዊ ውድባት አብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ደምበታት ዝተመቓቐሉ ኢዮም። ንሳቶም ድማ፦

  • ሃገራውያን ዲሞክራስያውያን ውድባት፦ እቶም አብዚ ምድብ’ዚ ዝስርዑ ቡዙሓት’ዮም። አብ ሓድሕዶም ከምቲ ዝግብኦ ምቅብባል አሎዎም ክበሃል አይከአልን። አብ አገደስቲ ሃገራውያን ጉዳያት ንጹርነት ይጎድሎም። ንምሳሌ ኩሎም ድሕሪ ህግደፍ አብ ሃገርና ዘይምእኩል ምምሕዳር ክህሉ ከምዘለዎ ይጭርሑ’ዮም። እንታይ ዝዓይነቱ ዘይምእኩል ምምሕዳር ክኸውን ከምዘለዎ ብንጹር ዘቐመጠን ዘእመነን ግን ክሳብ ሕጂ አየጋጠመንን። እቲ ዝበዘሐ ዕግርግርን ምሕራም ምጽውዋርን አብ’ዚ ምድብ’ዚ ኢዩ ዝረእ።
  • ብሄራዊ ውድባት፦ አብ ኢትኒካዊ አቃውማ ዝተሞርከሰ ፈደራላዊ ስርዓት አብ ኤርትራ ክትከል ዚደልዩ ኮይኖም፡ ብኹሉ እንተንኡ ቅዳሕ ናይቲ አብ ኢትዩጲያ ዘሎ ስርዓት ኢዮም ከም አብነት ዝጠቕሱ። አብ ኩሉ መግልጺታቶም ድማ ንጠለባቶም ዝምልሽ ስርዓት እንተ ተመስሪቱ አካልን አምሳልን ናይ ውህድቲን ልዑላዊትን ኤርትራ ኮይኖም ክነብሩ ከም ዝደልዩ የነጽሩ።
  • እስላማዊ ውድባት፦ እዞም ውድባት እዚኦም ሃይማኖትን መንግስትን ኪነጻጸሉ የብሎምን ዝብል ርእይቶ ሒዞም ዝተበገሱ ኢዮም። ሕጂ ተዳኺሞም አሎዉ’በር ምስ ህዝባዊ ግንባር ድሒሩ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ አብ ደማዊን አዕናዊን ውግእ ሓድሕድ አትዮም ዝነበሩ’ዮም። አብዚ እዋን’ዚ አቀራርብኦም ልዙብ ኮይኑ ብንጹር ሃይማኖታዊ እምነቶምን ክብርታቱን ዘኽብር ስርዓት እንተ ተተኺሉ፡ ምፍልላይ ሃይማኖት ካብ መንግስቲ ንምቕባል ጸገም ዘለዎም አይመስለንን።

እዞም አብ ላዕሊ ዝሰመናዮም ሰለስተ ዝተፈላለዩ አቃውማን አረአእያን ዘሎዎም ተቓወምቲ ስርዓት አስመራ፡ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተሰማሚዖም ካብ 1999 አትሒዞም ብደገፍ ናይ ኢትዮጲያን ሱዳንን ሓደ ጽላል ክቑሙ ኪኢሎም ኢዮም።

ብተመሳሳሊ ብ2005 ነቲ አቐዲሙ ቆይሙ ዝነበረ ጽላል ካልኦት ተቛወምቲ ተወሲኾሞ ተመሳሳሊ ጽላል አቑሞም ክሳብ ሕጂ ድማ ይቕጽል አሎ። ግና አየድመዕን።

እዚ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተራኺብካ ብሓባር ምቅላስ ዝብል ስትራተጂ ሓደ አወንታዊ አበርክትኡ ነተን አብ ተታብአን ዓሪደን ዝነበራ ውድባት አብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ከምዝመጻን ከምዝፋለጣን ምግባሩን ነቲ ዘለወን ፍልልያት ንከይባላሕን ብመጠኑ ንከማሓድረኦን ዘኽእል አፍደገ ምኽፋቱ ኢዩ።

ብዘይካ እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ አወንታዊ ጎድኑ፡ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተጠርኒፍካ ምቅላስን ህግደፍ ካብ ስልጣን ምውጋድን ዝብል ስትራተጂ ክሳብ ሕጂ ብግብሪ አይሰረሓን። ክሳብ ሕጂ ህግደፍ ካብ ስልጣን ክአሊ ዝኽእል ብቕዓት አየጥረየን። ብሕጂ ክሰርሕ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ዝከአል አይመስለንን። ግን ድማ ከም’ቲ አብ ላዕሊ ዝተገልጸ ነተን ዝተፈላለያ ስነሓሳብ (አይዲኦሎጂ) ዝኽተላ ውድባት አቀራሪቡወን አፋሊጡወንን አመሓዝዩወን’ዩ። እዚ ኩነት አብ ምጉልባት ኤርትራዊ ሃገርነት ዓቢ አስተዋጽኦ ስለዘለዎ ክቕጽል ይግባእ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምትእኽኻባት ሲቪላውያን ማሕበራት ወሲኹ ሃገራዊ ባይቶ አብ መወዳእታ 2011 አቑሙ ኔሩ’ዩ። እዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት አይሰረሐን። ቅድሚኡ ዘይነበሩ ምቅሕሓራት ግን ሕጂ ሳዕሪሮም አሎዉ። አብዚ ናይ ኮለል መስርሕ ድማ ቡዙሕ ግዜን ጽዓትን ባኺኑ፡ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ድማ ተሰናኺሉ። ስለዚ ብርእይቶይ እዚ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተአኻኪብካ ምስራሕ ዝብል ስትራተጂ ንህግደፍ ንምቕያር ኮነ ነቲ ዝድለ ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእል ቅኑዕ መሳርሒ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን።

Workshop Adhanom 2

ናይ ሓሳብን ግብርን ለውጢ (Paradigm Shift)

እዚ ብዝተሓተ ፕሮግራም ተራኺብካ ናይ ምቅላስ አገባብ ከምቲ ዝአመናዮ ስለ ዘይሰረሐ፡ ሃገር ካብ ምብትታን ንምድሓን ኣብ ንቕሓትን ድሌትን ህዝብና ተሞርኪስና ፍታሕ ክንደሊ ታሪኽ ይሓትት አሎ። አብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምትኳር አዝዩ አገዳሲ ኢዩ ኢለ ይአምን።

  • እቲ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ኢየ ዝብል ሓይሊ ወይ ሓይልታት ነዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝበቅዕ ንጹርን፤ ሃገር ከድሕን ዝኽእልን መበቆላዊን ፕሮግራም ነዲፉ ከድምዕ ዝኽእል ውድብ ክፈጥር ክኽእል አለዎ።
  • እተን ፖለቲካውያን ሓይልታት አብ ሓደ ቁራዕ ተጠጢቐን ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ኩነታት ንቅድሚት ወጢጠን ድሕነት ሃገር ከረጋግጻ አለወን። ብተወሳኺ መስርሕ አብ ሓደ ቁራዕ ምጥጣቕ እምነኩርናዕ ናይቲ ዝድለ መስርሕ ምህናጽ ሃገርን ሃገርነትን ምዃኑ ከስምረሉ እደሊ።
  • ካብ ሓያሎ ዓመታት ጀሚሩ፡ ዓንዲ ማእከል ሃገርነትናን መንነትናን ዝኾነ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ኩናት ተአዊጂዎ አሎ። ቅድሚ ገለ ዓመታት እቲ “ካልእ ኩናት” ክብል ስምየዮ ነይረ አንጻር ህግደፍ ዝካየድ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ቃልሲ በቲ ሓደ መዳይ፡ አንጻር መንነትናን እንታይነትናን ዝካየድ ኩናት በትኢ ካልእ መዳይ፡ በዘን ህግደፍ ረሲዔን አብ ሓድሕደን ዝቋመታ ናይ አረአእያ ምፍልላይ ምብልላዕ ኮይኑ ዝረአየን ገዳይም ውድባትን በዘን አብ ፈቐድኡ ዝምስረታ ዘለዋ ናይ መንእሰያት ውድባት ዝበሃላን ዝዕመም ታሪኻዊ ሓላፍነት አይኮነን። ስለ’ዚ ንምፍጣሩ መስዋእቲ ከፊልና መስዋእቲ ዝኸፍልን ራህዋ ዘረጋግጽ ውድብ የድሊ አሎ።
  • ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ናይ ለውጢ ቃልሲ ካብ-ናብ ብዝብል ናይ ግዜ መቓን ተቐይዱ ዝሰርሕ አይነበረን። እዚ አብ ሓደ ቁራዕ ተጠጢቑ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓይሊ ግን ናይ ግዜ መቓን ሓንጺጹ አብ ኤርትራ ለውጢ ከረጋግጽ ኢየ ኢሉ ክብገስ አለዎ። እዚ አተሓሳስባን አንፈትን እንተ ዘይተኸቲልና እቲ ካልእ መገዲ አብ ህግደፍ ዘየሰንብር ቃልሲ ተጸሚድና ጸሓይ ክሳብ ዝዓርብ አለኹ ምባል’ዩ። እዚ ድማ ሞት”ዩ።
  • ቅድሚ ሕጂ ኩሉ ሰብ አንጻር ህግደፍ ጸጸጸሩ ይደርቢ ንብል ኔርና ኢና። ሕጂ ንብሎ ዘለና ድማ ኩሉ ዝድርበ ጸጸር ተአኻኺቡ ናብ ደንጎላ ተቐይሩ ናብ ሓደ መአዝንን ብሓደ ሓይልን ተደርቢዩ፡ ርእሲ ህግደፍ ወቒሩ ክሰብር ወይ ድማ ሂወቱ ዘሕጽር ክኾውን ይግባእ ኢና ንብል ዘሎና።
  • እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቐሰ ግብራዊ ሓሳብ ክትግበር ዝከአል ግን እተን ሃገራውያን ሓይልታት (እንኮላይ ሲቪላዊ ማሕበራት) ሃገር መታን ከድሕና አብ ሓደ ውድብ ምስ ዝመጻን ብሓባር ሃገር ዘድሕን ፕሮግራም ነዲፈን አብ ሓደ ቁራዕ ተጠጢቐን ውህደት ፈጺመን ምስ ዝሰርሓ’ዩ።
  • እቲ አብ ሓደ ቁራዕ ዝተጠጠቐ ሓይሊ ፍጹም ናይ ግብርን ናይ አተሓሳስባን ለውጢ ጌሩ አብ ሓድሕዱ ዝግበር ምምንጫት ወጊዱ ካብ ባዶ ክጅምር ይግባእ። ብሓጺሩ ከምቲ ብቛንቛ እንግሊዘኛ ዝበሃል Paradigm Shift ክገብር አሎዎ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ዘይሰርሐ ከም ተመኩሮ ተማሂርናሉ ብሓዲሽ ንጀምር’ዩ።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አዝየ የመስግን።

ዘልአለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት!

ዓወት ወይ ሞት!

Last modified on Tuesday, 23 August 2016 21:10