ተራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምህናጽ ሓድ-ሕድ ምትእምማን።

2016-08-23 10:19:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3379 times

ኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጸጋይ ነጋሽ ዝተዳለወ መደብ ዝቐረበ ጽሑፍ (ነሓሰ 9 2016)

ሓጺር ሌላ፡

ምስ መብዛሕትኹም፡ ሌላና ካብ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል`ዩ። ቅድሚ ሕጂ ናይ ምልላይ ዕድል ዘየጋጠመና ብዙሓት ስለዘለኹም ግን ክላለየኩም ኣፍቁዱለይ።

ኣብ ሕቡራት ኣሜሪካ (ኮሎራዶ ስተይት) ይነብር። ኣብ ሕዳር 1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። እንተኾነ፡ ካብ ከባቢ 1971 ጀሚረ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ 1973-1974 ፡ ኣብ EYS ዝተባህለ ናይ መንእሰያት ማሕበርን፡ ውሽጣዊ ስራሓት ገድሊን፡ ክነጥፍ ጸኒሐ`የ። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ፡ ኣብ ሓይሊ 610 (ባርካ ላዕላይ) ተመዲበ ክሳብ ምውዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ጸኒሐ። ሓቂ ይሓይሽ ገድሊ ከም`ቲ ዝተጸበኹዎ ኮይኑ ኣይጸንሓንን። ኣብ`ቲ ኣገባብ ኣካያይዳ (ኣብ`ታ ሓይሊ) ዘይዕግበተይ፡ ኣብ ኣኼባ ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት- ስለምንታይ ከም`ዚ ወይ ከም`ቲ ዘይኮነ.. እናበልኩ ሕቶታት የበዝሕ ነይረ። ይዝክሮ ሳልሕ ኣቡበኩር (መራሕ ሓይሊ610)፣ ብታህዋኽ ቁልጡፍ ለውጢ ይደሊ ምንባረይ ተረዲእዎ፡ ሓደ ዕለት፡ ኣብ ዓድዘማት (ባርካ ላዕላይ) ዝተባህለ ዓዲ ነዊሕ ኣዕሊልና። ተመኩሩኡን፡ ሓፈሻዊ ጠባያት ገድሊን ገሊጹለይ። ሓቂ ይሓሽ፡ ሽዑ እቲ ዝብለኒ ዝነበረ ምኽኒያታት ኣይተዋሕጠለይን። ሳልሕ ኣቡበክር ኣብ ውግእ ድሉክ (ኣብ ጎድነይ ከሎ) ተወጊኡ ናብ ሕክማና ምስ ከደ ኣይተራኸብናን። ብህይወት ኣብ`ዛ ዓለም፡ እንተልዩ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ 1975 ዝመኸረኒ ምኽሪን፡ ነቲ ጸገማት ናይ ዘይምትእምማን፡ ዳግም ክንዝትየሉ ምበሃኩ፣ ጽቡቕ ክንራዳዳእ ምኽኣልና ኮይኑ እስማዓኒ።

ቅድሚ ናብ ገድሊ ምስላፈይ ጀሚሩ ናብ ስነ-ጽሑፍ ዝምባለ ነይሩኒ። ኣብ`ቲ ጊዜ`ቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ`ውን ፈተነታት ገይረ። እንተኾነ፡ ከሕትመን ዕድል ኣይነበረን። ኣብ ሱዳን ምስ ኣተኹ ኣትሒዘ ክጽሕፋ ዝጀመርኩዋ መጽሓፍ ``ኪዳን ዝኣተወ`` ኣብ ኣሜሪካ ብ1988 ወዲአ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪበያ። ቀጺለ ኣብ 1999 `` ሓያት፡ ዛንታ ጽኑዕ ፍቕሪ`` ዝተባህለት ካልኣይቲ መጽሓፍ ደጊመ። ይተካእ ይለቀም ኣብ 1994 ንመጽሔት ``ነጸብራቕ ኤርትራ`` ከዳሉ ጀሚረ። ነጸብራቕ ኤርትራ ኣብ`ታ ናይ ፈለማ ናይ ርእሰ-ዓንቀጽ ሕታማ፡ ``ነጸብራቕ ኤርትራ ናይ ፍሉይ ፖለቲካዊ መስመር መነቓቒሒት ወይ ንጥፈታትን ጸብጻባትን ተቕርብ መጽሔት ዘይኮነትስ፡ ንኣብዝሓ ሓሳባትን ኣራኣእያታን ናብ ኣንበብቲ እንዳቕረበት፡ ንዓውደ ክትዕ ትኸፍት ክትከውን`ያ`` ትብል። ነጸብራቕ ኤርትራ ክሳብ 2006 ዓ.ም. ን44 ሕታማት ዝኣክል ኣሰናዲኣ።

ኣብ 2012 ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝብል መንቅስቓስ ኣበጊስና። ለብዘበን ዓመት፡ ኣብ ነሓሰ 19-21 2016 ኣብ ኣትላንታ ንመበል ራብዓይ ዓመት ክንራኸብ ኢና። እዚ ዳግመ-ርኽክብ`ዚ ንናይ ተ.ሓ.ኤ.ተመኩሮታትና - ብጽሑፍ፡ ብስእሊ፡ ብሙዚቃ፡ ብቪድዮ፡ ብቃል፡ ንምስናድ`ዩ። ኣብ`ዚተበግሶ`ዚ፡ ብዙሓት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተቓለሱ፡ ክሳተፍዎ እዮም ዝብል ሃረርታን ትጽቢትን ነይሩና። ክሳብ ሕጂ ግን ከም`ቲ ትጽቢትና ዛጊት ኣይተማለአን ኣሎ። ብዙሕ ምኽኒያታት ክህልዎ ይኽእል። እቲ ዝዓበየ ንዝሰፍሑ ገዳይም ተ.ሓ.ኤ. ሓበሬታ ኣይበጽሖምን ወይ እቲ ዝበጽሖም ሓበሬታ ዘይተማለአ ክኸውን ይኽእል እብል። ስለዚ፡ ኣብ`ዚ ናይ ሓበሬታ ዘመን፡ ብቑዕን ናብ ኩሉ ዝበጽሕን መራኸቢ ብዙሓን ዘይምህላው፡ ንባዕሉ ብዙሕ ሸነኻዊ ድኽመታት የኸትል። ስለዝኾነ፡ ናይ ምስናድ ተበግሶና መታን ዕዉት ክኸውን፡ ብኹሉ መራኸቢታት ብፍላይ፡ ፈይስ-ቡክን፡ ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእስና ዌብ ሳይት ብምቛም ክንሰርሕ ጀሚርና ኣለና። ኣብ`ዚ ዕዮ`ዚ ይነጥፍ ስለዘለኹ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ መራኸቢ ብዙሓን ምህላው፡ ክሳብ ክንደይ ንኣሳልጦ ሓጋዚ ምዃኑ እርዳኣኒ። ብዙሕ`ውን ተማሂረሉ። መራኸቢ ብዙሓንን ስነ-ጽሑፍን፡ ብተመክሮን ብቐጥታ ብምስታፍን ዘዋህለልኩዎን ድኣ`ምበር ብትምህርቲ ዝቐሰምኩዎ ሞያ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ BA in Sociology & Certificate in Conflict Resolution፡ ከምዘለኒ ግን ክሕብር እፈቱ።

* * *

Workshop Tsegai Negash 1

ዝኸበርኩም ኣስናዳእቲን ተሳተፍትን ናይ`ዚ ሰሚናር

ውልቃዊ ስራሕና ገዲፍና፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣብ`ዚ ተረኺብና፡ ኣብ ህልዉን ዝጸንሐን ጉዳይ ኤርትራ፡ ዓቕምታትና ዘፍቅዶ እወንታ ከነበርክት ምርካብና፡ ሓበነይ ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደሊን። ብፍላይ ድማ፡ ነዚ ሰሚናር`ዚ ክዉን ንምግባር ንነዊሕ ጊዜ ክውድቡ፡ ከሳናድኡ ማእለያ ዘይብሉ ጻዕሪታት ንዝገበሩን ንዝደኸሙን ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመስግኖም እፈቱ።

እንዳባ! ጸገምና ሰፊሕ`ዩ። ብትኹልን ጋድምን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባውን ሰነ-ኣእሙራውን ዝሰፍሐ ህዝብና ዘሊቑ ምህላዉ`ውን ንስሕቶ ኣይመስለንን። ነቲ ጸገም ምርድኡ ሓደ`ዩ። ጠንቂታቶም ንጹራት ኮይኖም ናይ ሓባር ተረድኦ ምህላውን፡ ኣብ ምፍተሖም ጥሙር ጻዕርታት ምትግባርን ከኣ ካልእ`ዩ። ጥሙር ጻዕሪታት እዩ ዝበኩር ዘሎ። ናይ ሓባር ውህሉል ስራሕ ከነፈጽም ከኣ፡ ምትእምማን ደኺሙ ኣሎ። ሓድ-ሓድ ምትእምማን ምስ ባህልን ልምድን ሓድ-ሕድ ምምልላእ፡ ምምርዃስ፡ ሓበሬታታ ምቅይያርን፡ ግድላት ሓቢርካ ምፍታሕን እዩ ዝረጋገጽ። ስለዝኾነ ድማ`ዩ፡ እምነት ምሕዳር፡ ሓደ ካብ`ቶም ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት ዘዐውት ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ዝእመነሉ (Trust and Trust Building By Roy J. Lewicki & Edward C. Tomlinson December 2003) ። ስለዚ ሓድ-ሕድ እምነት፡ ክረጋገጽ ዕድል ዝረክብ፡ ኣብ`ቲ ሓባራዊ ዕዮታት ብዝረጋገጹን ብዝዓኩን መንፈሳውን ስነ እእምሮውን ዕግበታት`ዩ። ኣብ`ዚ ሰሚናር`ዚ፡ ነቲ መንፈሳውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕግበታት ከመይ ይህነጽ ብዕምቆት ብዕዘት ምርኣዩ ኣገዳሲ እመስለኒ።

(1)``ሓድ-ሕድ``፡ (2) ``ምትእምማን``፡ (3) ``መራኸቢ ብዙሓን``፡ ስለስተ ኣምራት ክኾኑ ከለዉ ፡ ብዓይነት ይኹን ብትሕዝቶ በብመድረኹ ትርጉማቶም ይቀያየር`ዩ። ንኣብነት፡- ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ``ሓድ-ሕድ`` ምስ ``ውግእ ሓድ-ሕድ`` ነተሓሕዞ ኔርና። ``ምትእምማን`` ከኣ ነቲ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ባዕዳዊ ጸላኢንምስጓግ ክህሉ ዝግበኦ ግንባር ንምጥቃስ፣ መራኸቢ ብዙሓን ድማ- ራድዮ፡ መጽሄት፡ ስልኪ-ኣልቦ መራኸቢ (ራድዮ-ሃለው)፡ ኳደረ ወዘተ ... ኢልና ክንጠቅስ ንኽእል። ሎሚ ``ሓድ-ሕድ ምትእምማን`` ነቲ ኣብ መንጎ ሓርበኛታት ሃገራውያን ክህሉ ዝግበኦ ናይ ሓባር ተረድኦን ናይ ሓበር ስራሕን ዝምልከት እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ። መራኸቢ ብዙሓን ድማ ነቲ ናይ ቀደም ወሲኽካ ኣዝዩ ዝመዓበለን ዝቐልጠፈን ከም ኢንተርነት፡ ፈይስ-ቡክ፡ ፓል-ቶክ፡ ተለኮንፈረንስ ወዘተ ክንጽብጽብ ንኽእል።

``ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ`` ከምዝባሃል፡``ሓድ-ሕድ ምትእምማን?`` ናይ መነ-መን ክንምልስ የድሊ።ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ፖለቲካዊ እምነታቶም ነቒሎም፡ ዝተፈላለየ መልሲ ይህልዎም። ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ ግን ሓድ-ሕድ ምትእምማን ናይ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ንለውጢ ናይ ዝቃለሱ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ማለተይ`ዩ። ተራ ``መራኸቢ ብዙሓን`` ክብል ከለኹ ከኣ፡ (1) ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ንዘለዎ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጢ፡ ዘደንፍዕን እወንታዊ ኣስተዋጸኦ ዘበርክትን (2) ንጥሙር ጻዕርታት ናይ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘቃልሕን ዘተባብዕን (4) ንሃገራዊ ክብሪታት ዝያዳ ዘዕዝዝን ንቕድሚት እወንታዊ ምዕባለ ዝደፍእን ማለት`ዩ። ተራ መራኸቢ ብዙሓን ንምህናጽ ሓድ-ሕድ ምትእምማን እምባኣርከስ-፡ ኣብ ኤርትራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ዝቃለሱ ኩሎም፡ ኣብ ክንዲ ናብ ናይ ሓድ-ሕዶም ፍልልያት ወይ ድኹም ጎድኒ፡ ወይ ሕማቕ ኣበር.. ዘተኩሩ፡ ኣብ`ቲ ሓያል ሓርበኛዊ ዓቕምታቶምን ጸጋታቶምን ከተሓባቡሩን ብጥሙር ናይ ሓባር ጻዕሪታት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዕዙይ ስርዓት ንምልጋስ ጥጡሕ ባይታ ንኽፍጠር ዝሕግዝ`ዩ።

Workshop Tsegai Negash 3

ነዚ ኣርእስቲ`ዚ ብዝያዳ ንምዕማቑን፡ ክሕግዙ ይኽእሉ ዝበልኩዎም- ኣብ ኣርባዕተተ ነጥቢታት ከፊለ ኣቕሪበዮ።ዝያዳ ብቐጻሊ ዘተን መጽናዕትን፡ ናብ ሓደ ጭቡጥ ናይ ዓወት መንገዲ ክመርሓና ይኽእል`ዩ ኢለ ድማ ይኣምን።

I. ሃገራውያን ዲሞክራሲያውያን ናይ ለውጢ ሓይሊታት ኣብ ሓድ-ሕዱ ዝማራኾሰን ዝመላላእን መራኸቢ ብዙሓን ምህላው፣
II. ንዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ካብ ሱሩ ክብንቆስ ዝሕግዝን፡ ኪኖ`ዚ ዝጥምትን መራኸቢ ብዙሓን ምውናን፣
III. መራኸቢ ብዙሓን- ንምቅልጣፍን ስሙርን ሃገራዊ ጻዓሪታት ብሓድ-ሕድ ምትእምማንን፣
IV. መዋጸኦ፣

I. መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ደንበ ተቛውሞ፡ ንናይ ህግደፍ ስትራተጂ ኣብ ግንባሩ ዝጨድድ ኣይኮነን። ስለምንታይ ዓቕምታቱ ድኹም`ዩ። ዝተባታተነን፡ ኣብ ሓድ-ሕዱ ዝያዳ ዝናቖትን`ዩ። ዘይተወሃሃደን ኣብ ሓድሕዱ ዘይማልላእን መራኸቢ ብዙሓን፡ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ጠንቂታት ናይ ዘይምትእምማንን ክኾነሉ ዝኽእል መሳዅቲ ኣለዎ። ነቲ ነጻነት ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምዝራብ፡ ሓሳብካ ምግላጽ.. .. መትከላት ከይጋሃሰ፡ ሓደ ዝተወሃሃደን ሓያልን ናይ ሓበሬታት ምንጪ ክህልወናን ብትብዓት ክዉን ክንገብሮን ወሳኒ`ዩ።

ኣብ ህልው ናይ ዲያስፖራ መራኸቢ ብዙሓን እዚ ዝስዕብ ጅምላዊ ምዛናት ከቐመጥ እደፍር፡- ((1) ነቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ምድሓን ጸጋታቱ ድሩት ምዃኑ (2) እተን ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓን፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ሃገርና ንዝወርድ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ብዝግባእ ዘይምክታ ምህላወን (3) ንሃገራዊ ናይ ሓባር መንነት ብዝለዓለ ትዅረት ብዕዘት ዘየላዓዕላን ዘየናቓቐሓን ምህላወን (4) በብእዋኑ መልሰ-ግብሪ (reactive) እምበር ኣቐዲመን (ንህግደፍ ቀዲመን) ሃገራዊ ኣጀንዳ ሰሪዐን ይምክታ ዘይምህላወን (pro-active) (5) ኣብ ሓድ-ሕደን ክጨላገማ ይሓግያን ይኸርማን ምህላወን (6) ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ንናይ ህግደፍ ተግባራት በብዕለቱን ብቐጻሊን መሊኡ ዝኸሽሕን ዕለታዊ ጸብጻብ እናቕረበ ዝብድህን መራኽቢ ብዙሓን ዘይምህላዉ... ኣብ`ዚ ኣርእስቲ`ዚ ኢድካ ዊጥ እናበልኩ ክነቅፍን ጉድለታት ክዝርዝርን ቀሊል ምዃኑ እርዳኣኒ`ዩ። ኣብ ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ዓቕምታትን ምድግጋፍ ዝበዀሮ ባይታን ብሓደ ሸነኹ፡ ሰጥ ኢሉ ሚዛናት ዝህብ ወይ ሓቂ ካብ ሓሶት ዝነፊ ትካል ኣብ ዘሃለወሉ ህሞትን፡ ኣሎ ዝብሃል ድኽመታት ክረአ ናይ ግድን`ዩ። እሞ`ኸ እንታይ ይገበር?

ውጽኢት ናይ እኩብ ድምር ድኽመታትና፡ ህዝብና ኣብ ድቕድቕ ጸላም ክነብር ገይሩዎ። መለሳ ናይ`ዚ ጸላም`ዚ ክረክብ ወግሐ ጸብሐ ጸሎት ይገብርን ይምህለልን ኣሎ። ቁሊሕ ኢሉ ተስፋ ከማዕድወሉ ዝኽእል መተካእታ ስኢኑ ይነብር። ህልም-ውልዕ ዝብል ተስፋ ዘይኮነስ ሓቀኛን እናሓደረ ዝደምቕ ተስፋ። ኣብ ከም`ዚ ዝበለ ሃዋሁው፡ ደንበ ተቛውሞ፡ ተስፋ ክኸውን እምበር፡ ብጥልመት ህግደፍ እናማረረ ከም መኸውሊ ክጥቀመሉን ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ዛዕባታት ሸንኮለል እናበለ ምንባርን ዕንክሊል ክበትኮ ክኽእል ኣለዎ። ተባዕ ተበግሶ ይድለ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ድኽመታቱ ተሓንጊጡ ክቕጽል ዘማሙቖ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዕንወት ኤርትራ፡ ከም ህግደፍ ተሓታቲ ካብ ምዃን ዝተርፎ ኣይመስለንን።

II. ህግደፍ፡ ሰኣን ዓቕሙ ኣይኮነን፡ ጠንቂ ጥፍኣት ሃገር ኮይኑ ዘሎ። ንማሕበራዊ ምዕባሌ ዝሓልኽ፡ ንስኒትን ሰላምን ዝዘርግ፡ ኩሉ ምንጪታት ቁጠባ ተቖጻጺሩ፡ ምሉእ ህዝቢ፡ ኣብ ድኽነትን ጽግዕተኛነትን ንኽነብር ... ዝገብር ኣገባብ ኣሰራርሓ ተግባርን፡ ብመጽናዕትን ብመደብን ዘተግብሮ ዘሎ`ምበር ብሃውሪ ወይ`ውን ሰኣን ምፍላጥ`ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ብቑሉዕን ብስውርን ዝንቀሳቐሱ ትካላዊ መሳርሒታቱ ውህደት ዘለዎ`ዩ። ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ናይ`ቲ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ምስ`ቲ ከባቢኡን ኩነታቱን ተመሳሲሎምን (ኮመፍላጅ) ተጸፍዮም ዝዋስኡ ዓሳክር ኣለዉዎ።

ሓደ ዓርከይ፡ ንትቪ ኤረ ``መደንቆር`` ኢሉ ይጽዋዓ። ናይ ህግደፍ መራኸቢ ብዙሓን፡ ቁጽረን ብዘየገድስ፡ ትሕዝተኦን ሓደ እዩ፣ መደንቆር! ። ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳ፡ መዳናገሪ ድራማን ቀንዲ ውራየን`ዩ። ኣብ ውሽጢ- ማሕበር፡ ውድብ፡ ምንቅስቓስ፡ ቤተ-ጸሎት፡ ዓዲ፡ ስድራ-ቤት... ይሰልኳ። ዘይምትእምማን! ንሃገራዊ ወኒን ሕልናን ብደቂቕ ዘዳኽም፡ ንዜጋታት ዝነጻጽል፡ ኣብ ጥርጠራ፡ ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ንክነብር፣ ህዝቢመዓልታዊ ህወቱ - ምንቅስቓሱ፡ ኣብ ዝበልዖ ዝሰትዮ፡ ዝሓስቦ ከም ዝቑረን ዝገብራ ህርኩታት ወካይል እየን። ንለባማት፡ ወይ ብዙሕ ሓበሬታ ንዝፍልጡ ብቐጻሊ- ይቕንጽላ፡ ይጨውያ። እቲ ሕማቕ፡ ነዚታት ዝምክትን፡ ዘፍሽል፡ ዘጋልጽ፡ ኣእምራዊ ክእለት ወይ ሰለያ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘይምህላዉ`ዩ።


III. ግደ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንምቅልጣፍን ንምዕዛዝን ስሙር ሃገራዊ ጻዕሪታት ዓቢ እዩ ኢልና ክንዝቲ ከለና- ቅድም፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕማቕ ኩነታትን ናይ ሓባር መረዳእታ ክህልዉና የድሊ። ብዛዕባ እቲ ስርዓት ሓበራዊ ኣረዳድኣን ሚዛናትን ክህልወና ይግባእ። ናይ ምርድዳእን ምውህሃድን ጥጡሕ ባይታ ክንፈጥር ናይ ነፍሲ-ወከፍና ጻዕሪ ምዃኑ ምርዳእ። ናብ`ቶም ክዕወቱ ኣለዎም ኢልና ዝበጻሕናዮም ናይ ሓባር ተረድኦታት፡ ምሉእ ዓቕምና ከነወፊ፣ ኣብ`ዚ መስርሕ`ዚ፡ በብጊዜኡ ናይ ዝተሳላሰሉ ስራሓት፡ ናይ ሓባር መዐቀኒ/መምዘኒ ክህልዉና ምስምምማዕ ብጥብቂ ንሕተት።
እቲ ክሳብ ሕጂ ክስራሓሉ ዝጸንሐ፡ መስርሕ-ሓድነት/ስምረት፡ ናይ ውድባት ጥራሕ`ዩ። እዚ ኣገባብ ኣካያይዳ`ዚ ካብ ከባቢ 1970 ጀሚሩ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ዘይሰርሐ ፈተነታት`ዩ። ስለምንታይ`ዩ ዘይሰርሐ? ውልቃዊ/ጉጅላዊ ህልኽ ልዕሉ ሃገራዊ ረብሓ ስለዝዓዝዝ? ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምሽራኽን ወይ ዘይምሽራኽን ዝምንጩ? ወይስ ባህላዊ ፍልልይ ወትሩ ስለዘንጸላልዎ? ኩሉ ክኸውን ይኽእል። ንባህላዊ ሸነኹ ምናልባት ዘይነስተብህለሉ ከይንኸውን ግን- ባህሊ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣካልን ተምሳልን ናይ ግርጭትን ፍታሕን እዩ። ``... Though cultures are powerful, they are often unconscious. Influencing conflict and attempts to resolve conflict in imperceptible (ብዝረቐቐ) ways``..Culture and conflict. By Michelle LeBaron, July 2003.


``ጎንጺ ወይ ፍልልያት-ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማን፡ ከምኡ`ውን ናይ`ቶም ፍልልያት መሰረት/መንቀሊ ኣብ ባህላዊ ተረድኦታትን ግንዛቤታትን ተደብዮም ከይህልዉ ፈትሽካ ምርካብን ምልላይን ይሓትት። ብጥንቃቐ፡ ደረጃ ብደረጃ ምኻዶም/ምክትታሎም ዘኽእል ኣቐዲሙ ዝተጸንዐ ሓባሪ ስእሊ ምህላው ኣገዳሲ ይኸውን``( Zoughbi)።


ብመንጽር ባህላዊ ፍልልይ ዝፍጠር ግርጭት ዝበዝሕ ጊዜ ሕቡእ`ዩ። ብቐሊሉ ዝርከብን ዝጋሃድን ኣይኮነን። እቲ ኣብ ላዕሊ- ላዕሉ ንረኽቦን ንርእዮ፡ ንመዝኖ ወይ ፍርዲ ንህበሉ ነገራት- ጽንሕ ኢሉ፡ ንፋስ ብቐሊሉ ዝወስዶን ዝብትኖን ዶሮና ስለዝኾነ፡ ዝታሓዝን ዝጭበጥን ናይ ፍታሕ መበገሲ ክኸውን ኣይክእልን። ነዚ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓተታ ዝያዳ ዘብርህ ዛንታ ከካፍለኩም። ኣብ ቅርዓት ሕምብርቲ (ሎጎጭዋ) እዩ።ኣብ ወርሒ ሕዳር ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ ዘሎ ጊዜ- ቁሪ ሓያል`ዩ። ኣብ`ዚ ጊዜ`ዚ፡ ሓንቲ ኣደ፡ ካብ በረኻ ዕንጨይቲ ጸይረን ናብ ዓዲ ክምለሳ ከለዋ፡ (ጸሓይ ኣብ ምዕራባ)፡ ሓደ ተጋዳላይ ወዲ መታሕት፡ ኣብ ሓደ እምኒ ተጸጊዑ ነታ ጸሓይ ``ሕድረኺ ኣይትዕረቢ`` ኢሉ ዝምሕጸና ዘሎ ይመስል ነበረ። ቆሪሩ። ቀጥቀጥ ይብል። እዘን ኣደ ``እዋይ ወደይ ኣዴኻ ትደፋእ!`` ይብላ ብድንጋጸ። ንሱ ድማ ነቲ ቋንቋ ትግርኛ እምበር፡ ነቲ ባህላዊ ቋንቋ ናይ ትግርኛ ብዘይምርዳእ ``ናዓኺ እባድኣ ድፍእ`` !! ኢሉ ይምልስ። ከምኡ`ውን፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓሌት፡ ነዛ ዛንታ ዝነገረኒ ሰብ`ኳ ኣብ`ዚ ኣሎ!!)፡ ሓንቲ ተጋዳሊት ውድቀ-ፈንጠርጠር ይሕዛ። ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ንህይወታ ዘስግእ ነገር ከይትገብር ከቢቦም እናሓለዉዋ፡ ኢብራሂም ቶቲል መጺኡ ``እንታይ ኮይና?`` ይሓትት። እዚ ኣብ`ዚ ዘሎ ሰብ ከኣ ንኹሉ ከየስተባሃለ ``ሕማም ባርያ ሒዝዋ`` ይምልስ!! ኢብራሂም ቶቲል ``ስለምንታይ ሕማም ባርያ!`` ``ሕማም ገብረማርያም`` ንምንታይ ኣይትብልዎን?`` ይብል። ካብ`ዚ ንዳሓር ትርድእዎ ኢኹም። እቲ ባህላዊ ኣተራጓማ፡ ኣብ`ቲ ቋንቋን ባህላዊ ቋንቋን ዝፈጠሮ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ።

Workshop 6
ብተወሳኺ ናይ ወለዶታት ጋግ ዝፈጠሮ ጸገም`ውን ኣለና። ከም`ቲ ኣብ ከባቢ 1974-1975 ኣብ መንጎ ሓደሽትን ገዳይምን ተጋደልቲ ዘጋጥም ዝነበረ ፍልልያት፡ ሕጂ`ውን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘይምርድዳእ ኣሎ። 1974 ንዳሓር ዝተወልዱ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣብ ጊዜ ደርጊን ህግደፍን ዝዓበዩ እዮም።እዚ ወለዶ`ዚ ንዘመነ ደርግን ህግደፍን እዩ ዝፈልጥ። እዚ ማለት ከኣ ባህሊ- ቅትለት! ቅንጸላ! ንጹል ህላዌ! ወተሃደርነት! ሳዕሳዒት (ፓርቲ)፡ መስተ፡ ዝሙት! ... ማለት`ዩ። እዚ ባህሊታት`ዚ ከኣ ንካልኦት ብዙሓት ንኡሳን ባህሊታት ፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ተረድኦታት፡ ኣገንዝቦታትን ኣተራጓጉማ ናይ ነገራትን፡ ብመንጹር መዕበያዊ ባህሊ ስለዝትርጎምን ዝንበብን፡ እዚ`ውን ካብ ሓደ ኣካል ናይ`ቲ ሓፈሻዊ ጸገማትና ክፍለጥን ፍታሕ ክናደየሉን ይግባእ።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ሰሚናር።

IV. እዚ ሰሚናር`ዚ፡ ጽሑፍ ኣቕሪብካ፡ ነቢብካ፡ ዝቐረበካ ሕቶታት መሊስካ፡ ክኸየድ የብሉን። ህዝብና ካብ`ዚ ሰሚናር`ዚ ብዙሕ ትጽቢቱ ኣለዎ። ተስፋ ይደሊ`ሎ። ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ዝቐድድ ጎሕ ክርኢ ወግሐ-ጸብሐ ዓይኑ ንሰማይ ቋሕ! የብል ኣሎ። ዕላማና ንህዝብና፡ ካብ ባርነት! ካብ ክቱር ጸላም! ካብ ዘይፍታሕዊ ኣተሓሕዛን ጭቆናን ሓራ ምውጻእ`ዩ። ነቲ ናብ`ዚ ንብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ከም ዘሎ እናኣመንኩ፡ ጊዜ ግን ወሳኒ ብርግጽ፡ ጸገምና ሰፊሕ`ዩ። እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ጨቀወ ኩነታትና ሕጂ ናብ ዓዘቕትን ሰልምን`ዩ ተቐይሩ ዘሎ። ብዙሕ መጋማጠሊ ዝኸውን ጊዜ`ውን ኣሎን። ስለዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ደንበ ተቛውሞ፡ ንናይ ህግደፍ ስትራተጂ ንክስዕሮ ዝተዋደደ ኣይኮነን ካብ በልና፣ብሰንኪ ኣብ ሓድ-ሕዱ ምንቛት ዓቕምታቱ ዝተባታተነ`ዩ ዝብል ገምጋም`ውን ካብ ሃለወ፣ ምብትታኑን ምድኻሙን ንስልኳታት ህግደፍ መሳኹቱ ሃህ ዝበለ`ዩ ኢልና ክንግምግም ዘጸግም ኣይኮነን። በዚ ገምጋም`ዚ፡ ህግደፍ ኣብ ሓደ ፍቕያ ወይ መማዕድዊ ቦታ ኮይኑ ክዕዘበና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣጀንዳታት ናይ ፋሕ-ፋሕ ሰሪዑ ኣብኡ ከዋሳኣናን ክዓንደናን ይኽእል የለን ዝብል እምንቶ የብለይን። እንተኾነ፡ ብሃውሪ ወይ ብይኸውን፡ ወይ ብግምታት ከይንኸይድ፣ ከይንነብር`ውን፡ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ዘትከለ መጽናዕቲ ክግበር እላቦ። እቲ ቀንዲ መበግሲ ሓቦ፡ ውፍይነትን ቅኑዕ ውደባን`ዩ።


ንክልተ ወናማት ገዳይም ዜማውያን ኤርትራ ጠቒሰ፡ ካብ ዜማታቶም ክልቃሕ። እዞም ክልተ ዜማውያን ድሕሪ`ቲ ውግእ ሓድ-ሕድን ወራር ቀይሕ ኮኾብን ኩነታት ጸንኪርሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ዝደረፍዎ`ዩ።

ነፍሲሔር የማነ ገብረሚካኤል-

ዓመታት ሓሊፉ ክትቃለስ ብትብዓት
ክትድርዕም ዓሳክር ናይ ገዛእቲ ስርዓት
ኣኽራናት፡ ጎቦታት፡ ሩባታት ስንጭሮ
ኣርኢኻዮ ቆራጽነት ጅግና ተመኩሮ
እነሆ ሕጂ ግን መልክዑ ቀይሩ
ንሓድ-ሕዱ ክናኸስ ብዙሕ`ዩ ከሲሩ።
እሞ`ኸ ሕጂ እንታይ ይገበር?
ብሓደ ንተኣከብ ንድሕነት ሃገር
ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ሓቦ`ዩ መበገሲ
መጠርነፊ ባይታ መቃለሲ።

በረኸት መንግስትኣብ-

ባህሊ ሃገረይ መልክዕ መንነተይ
ካልእሲ ካልእ`ዩ ናተይ`ዩ ናተይ
ወናማት ድምጻውያን ኣቱም ተራኣይቲ
ምስቶም ዜማኛታት ሙዚቃ ቃነይቲ
ብፍሩያት ፊደላት ደረስቲ ሰኣልቲ
ኣበይ ድኣ ኣቢልኩም ኣብ`ዚ ጸልማት ለይቲ
ዘይተንጸባርቑ ኣቱም ከዋኽብቲ ...


ኣብ`ቲ ናይ 1982-1986 ኣዝዩ ዘሰክፍ መድረኽ ብነፍሴሔር የማነን በረኸትን ዝተጸወዐ ሃገራዊ ጸዋዒት ሕጂ`ውን መልክዑ ይቐየር እምበር ብትሕዝቶኡ ሓደ`ዩ። እዚ ጸዋዒት መጋማጠሊ ጊዜ ዘየብሉ ኣፈ-ኣርክቡ`ዩ።

Workshop 3


እንታይ ይገበር?


ነፍሲሄር የማነ ባርያ ቅድሚ 31 ዓመት ጸዊዕዎ ``ብሓደ ንተኣከብ ንድሕነት ሃገር፣ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ሓቦ`ዩ መበገሲ - መጠርነፊ ባይታ መቃለሲ። ካብ`ዚ ንላዕሊ ከቕርቦ ኣይክእልን።


ካልኦት ኣዝዩም ኣገዳስቲ ዝብሎም ሰባት ከልዕል።


ባዓሉ ግርማ፡


ባዓሉ ግርማ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ደረሳይ ኣብ`ታ ኣዝያ ህብብቲ መጽሓፉ ``ኦሮማይ`` ኣብ ዝተባህለ መጽሓፉ፡ ኣብ ናቕፋ ኣትዩ ንምሉእ ኢትዮጵያ ``ድል! ድል!`` ኢሉ ኣብ ራድዮን ጋዜጣን ከቃልሕ`ዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ከባቢኦን ዝርእዮ ዝነበረ ሰራዊትን፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ውግእን፡ ግደፍ ``ንወንበዲታት ሳሕል`` ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘይ ብዙሕ ጸገም ጠሓሒሱ ክበጽሕ ዝኽእል`ዩ ዝብል ሓያል እምንቶ ነይሩዎ ክብሃል ይክኣል። ብኢትዮጵያውነቱ ዝኾርዕ ዜጋ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ከባቢ መስሓሊት፡ ኣፍዓበትን ናቕፋን፡ እቲ ቁልጡፍ ዓወት ከመዝግብ`ዩ ኢሉ ዝተሃንጠየሉ ሰራዊት፡ ተገቲኡ ጠጠው ኢሉ። ናይ ድኽመትን ተስፈ ምቑራጽን ከርኢ ተዓዚቡ። ባዓሉ ግርማ፡ ብድፍረትን ትብዓትን ``ኦሮማይ`` ማለት ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና ካልእ መተካእታ ክረከብ ኣለዎ ኢሉ። ``የመረጃ ሥራ የመረጃ ስዎች ብቻ የሥራ ክልል ኣይደለም፡ ባህኑ ጊዜ ሕዝባዊ ባሕርይና መሠረት ሊነሮው ይገባል። ኡሉም ልኣብዮትና ላገሩ ኣንድነት ሰላይ መሆን ኣለበት። ኣብዮተኛ ነኝ ማለት ኣይበቃም ... ጓድ፡ መለኪያው ተግባር ነው``። ``ኦሮማይ``


ኔልሰን ማንዴላ፡ ``I have fought against white domination, and I have fought against black domination``. ናይ ኔልሰን ማንዴላ ጽንዓትን ትብዓትን ዝድነቕ `ዩ። ውድቀት ስርዓት ኣፓርታይድ ክሳዓር ዝኻኣለ፡ ውሽጣውን ዓለም-ለኻወን ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። እንተኾነ፡ መሪሕነት ናይ ኔልሰን ማንዴላ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ብፍላይ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝውሰዶ መርገጽ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኩሎም ዜጋታታ ሃገር`ያ። ዕብለላ ፍትሓዊ ሰለዘይኮነ፡ ዓይነቱ ብዘየገድስ ንዕብለላ ምቅዋም ዝብል መርገጹ፡ ነቲ ናይ ጻዕዱ (ኣፐርታይድ) ስርዓት ከም ኣገባብን ትሕዝቶን ዝምክት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ንጻዓዱ ከም ጸላእቶም ንዝርእዩ ዝነበሩ ናይ ነዊሕ እዋን ብጾቱ`ውን ንኽቕበልዎ ቀሊል ኣይነበረን። ግን ሳላ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ለውጢ መስርሕ በሪ ከፊቱላ።


ኣብ`ዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ንቕንዕና ወይ ንሃገራዊ ጸገም፡ ዋላ ብናይ ቀረባ ብጾትና ወይ ውድብና፡ ወይ ዝኾነ ዝምድናታትን ምትእስሳር ንጊዜኡ ዘይድገፍ ይኹን፡ ተባዕ መረገጽ ወሲድካ ምትግባሩ ምእንትኡ ተሪርካ ምቅላስ ይሓተና ኣሎ። ትብዓት፡ ተሳጋጋራይን ጸላዋይን`ዩ። ትብዓት፡ ከም ዘርኢ ይፈሪ። ካብ ዝነኣሰ እናሰፍሐን እናደልደለን ከኣ ይኸይድ። ... Nor should we forget that courage is contagious, that it overcomes the silence and fear that estrange people from one another. Paul Rogat Loeb, ``The impossible will take a little while, page 15.


ለበዋ።


1. ሃገራዊ ሕቶ ማእከሉ ዝገበረ- ብቀጻሊ እናማዕባለ ዝስጉም- መሃሪ ሓባርን መዋጸኦ ናይ`ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታትን ብዝተፋለለየ መስኖታት መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዘለዓዕል፣ ዝያዳ ኣትኩርኡ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ዝቐንዐ ኮይኑ፡ ብዝቐለለ ቋንቋን ኣብ`ቲ ዕለታዊ ህይወቱ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ጸገማትን ጠንቅታቶምን እናሓበረ፡ ህዝቢ ክለዓዓል ዘተባብዕ፣ ክህሉ ዝኽእል ግርጭታት፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ይኹን ውድባት፡ ብልዝብን ብኣላዝቦን ክፍትሑ፡ ንረብሓ ሰፊሕ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘዕዝዝ፣ ኣብ መንጎ ወለዶታት ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ኣረዳድኣን ባህላዊ ግንዛቤታትን ዘጻብብን ዘለግብን፣ንህዝባዊ ምልዕዓል ንምሓያል ትምህርቲን ተመኩሮን ዘቕርብ። ህዝባዊ ትካል ቀንዲ መድሕን ዲሞክራሲያን፡ ግዝኣተ ሕግን ምዃኑ፡ ብሓሳብን ተግባርን ዘተባብዕ፡ ምእኩሉን ንኹሎም ሓርበኛታት ኤርትራ ዝጥርንፍ፡ መደበር ረድዮ ከም ዘድሊ ይራኣያኒ።


ገለ ጥቕሲታት፡


• ``ብሕልፊ`ኳ ደረስቲ፡ ``መንግስትና ከይነቐይሞ``፡ ወይ`ውን ``እዚ መንግስትና ኣይፈትዎን ይኸውን`ዩ፡ ወይ`ውን ``ከም`ዚ ኣንተጻሓፍኩስ ከም`ዚ ስለ ዝዀነ`ዩ ኪብሉኒ ኢዮም`` ናይ ዚብል ረማሲ ርእሰ-ሳንሱር (ሰልፍ ሰንሰርሽፕ) ግዙኣት ከይኰኑ ምጥንቃቕ ከድልዮም ኢዩ።`` ናይ ደረስቲ ናጽነት፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ስመራ ክበብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዕለት 27 11 1992 ዝተዋህበ መደረ ዶክ. ግርማይ ነጋሽ

ዝተወከስኩዎም ጽሑፋት ወይ መጽሓፍቲ፡
1. ቅድሓት ነጸብራቕ ኤርትራ። መጽሔት ካብ ሰነ 1994-2006።
2. ኦሮማይ፡ ብብዓሉ ግርማ
3. Trust and Trust Building By Roy J. Lewicki & Edward C. Tomlinson. December 2003. University of Colorado.
4. The Impossible Will Take A Little While, Book by Paul Rogat Loeb.
5. Understanding Conflict Resolution, War, Peace and the Global System.
6. Culture and Conflict, by Michelle LeBaron, July 2003. (Http://www.beyondintractability.org)

ጸጋይ ነጋሽ
ነሓሰ 2016

Last modified on Tuesday, 23 August 2016 12:53