سويسرا تهتم بالشأن الارتري
Sunday, 02 October 2016 10:36 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريبعد تجاهل طويل من الصحافة السويسرية للشأن الارتري أخيراً تناولت صحيفة (جنيفا تربيون) السويسرية متعددة اللغات وفي عددها الصادر في التاسع عشر من سبتمبر 2016م الشأن الارتري. هذا والخبر يتعلق بقرار للبرلمان السويسري في الثالث عشر من سبتمبر 2016م حول تحديد كيفية التعامل مع التفاوض مع الحكومة الارترية.
وفقاً لمشروع القرار المقدم من الحزب اليميني المحافظ المتطرف هناك برنامج للبرلمان السويسري للتفاوض مع حكومة أسمرا. هذا ويهدف هذا البرنامج الي إقناع ارتريا بضرورة الاستفادة النقدية من مشروع مساعدات نقدية في حال استجابتها لشرطين أساسيين، الأول: احترام حقوق الانسان بما في ذلك السماح بزيارة المعتقلين السياسيين. والثاني: السماح للمنظمات الدولية باستئناف ممارسة نشاطاتها المعتادة في ارتريا. كما أن مصادر الصحيفة لا تستبعد أن تناقش المفوضية الإدارية للبرلمان السويسري شأناً ارترياً آخر هو المتعلق بمن رفضت سويسرا منحهم حق اللجوء من طالبي اللجوء الارتريين بسويسرا. ويرى الشق المتعلق باللاجئين الارتريين من القرار عودة معظم الارتريين الي بلادهم مع إلزام من سمح لهم بالإقامة بسويسرا بضرورة الإشعار المسبق للسلطات المعنية عن وجهتهم في حال سفرهم.
من جهةٍ أخرى وحسبما ذكر تقرير الصحيفة أن وزير الخارجية السويسري رجح التوقع بأن لا تستجيب حكومة ارتريا لشروط البرلمان السويسري.
ኖርወይ: ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ
Friday, 30 September 2016 23:22 Written by ወኪል ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይካብ ርሑቅን ቀረባን ኩርናዓት ሃገረ ኖርወይ ብብዝሒ ኤርትራውያን ኖርወጃውያንን ዝተሳተፍዎ ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ብዕለት 28 መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ተኻዪዱ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኤርትራውያን ኣደታት ንሰላም ተቀማጦ ኦስሎ ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ምልካዊ ስሮዓት ኣብ ኤርትራ ዝውግድን፣ ነቲ ብወኪል ቁንስላዊ ቤት ጽሕፈት ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኦስሎ ኣቢሉ ዝኽፈል ሕጋውነት ዘይብሉ 2% ብትሪ ዝቃወምን እዩ።
ብመሳሪዕ ተወዲቦም ኣብ ከባቢ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ካብ ማእከል ከተማ ኦስሎ ዝነቀሉ ሰልፈኛታት፣ ብቀዳምነት ኣብ ኣፍደገ ናይ ረብሓ ቤት ጽሕፈት ቁንስላዊ ጉዳያት ህግደፍ ብምቋም፣ እዚ ቤት ጽሕፈትዚ ይተዓጾ! ክብሉ ንገለ ደቃይቅ ተቃውሞኦም ኣስሚዖም። ሰልፈኛታት ብምቅጻል፣ ልክዕ ሰዓት ክልተን ፈረቃን ኣብ ቅርዓት ቤት መንግስቲ ኖርወይ በጺሖም። ኣብኡውን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብክብ ዝበለ ድምጺ ተቃውሞኦም ንስርዓት ህግደፍን፣ ምኽፋል ዘይሕጋዊ ዝኾነ 2% ንስርዓት ኣስመራን ኣስሚዕም፣ መንግስቲ ኖርወይ ሓቀኛ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎውን ኣተሓሳሲቦም። ብርክት ዝበሉ መደረታትን ኣስተምህሮታትን ብዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተዋሂቦም።
መደረ ካብ ዘስምዑ ሓያለይ ሰባት ሓደ፣ ፊን ቮገ (FINN VAAGE) ዝተባህለ ኖርወጃዊ ኣባል ማሕበር ኤርትራውያን ኖርወጃውያንን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ኮይኑ፣ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፍ ኣስታት 7 ሰዓታት ብባቡር ተሳፊሩ ዝመጸ ነበረ። ፊን ቮገ ኣብ መደረኡ፣ ኤርትራውያን ጥዑማትን ሕያዎትን ኢኹም። እንተኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ሃገርኩም ብሓደ መላኽን ጨቋንን ዝኾነ ስርዓት ስለዝተገበተ እዚ እንርእዩ ዘሎና መከራ ክበጽሓኩም ኪኢሉ ከምዘሎ እፈልጥ ክብል ጀሚሩ ሰፊሕ መደረ ኣስሚዑ። ኣብ መወዳእታ ዘረብኡ ኣቶ ፊን ንሕና ኣብ ከተማ ስታቫንገር ዘሎና ኤርትራውያንን ኖርወጃውያንን ኣብ ማሕበር ተጠርኒፍና ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ንምክቶ ኣሎና፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ጥርናፈ ድማ ብቀዳምነት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይ ተመስሪቱ ክምዕብል ኣለዎ፣ ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ክላሓም ሓቢርና ክንሰርሕ የድልየና ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ንመንግስቲ ኖርወይን ንሰልፉን ወኪሉ ናይቲ ሰልፊ መልእኽቲ ዝተቀበለን ንሰልፈኛታት መደረ ዘስመዐን ሓደ ካልእ ወኪል መድደረ። ንሱ ኣብ ዘስምዖ መደረ ኤርትራውያን ከምዚ ተወዲብኩም ክትሰርሑን ተኣኪብኩም ክትመጹናን ደስ ይብለና፣ ቀጽሉ። ኣአውን ንመንግስቲ ኖርወይ ወኪለ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓዛቢ ስለዝኾንኩ ንጉዳይኩም ኣብ ባይቶ መንግስቲ ኖርወይን ባይቶ ህቡራት ሃገራትን ከምዝለጳልን ከምዝዝረበሉን ክገብር ብዝከኣለኒ ዓቅሚ ክጽዕር እየ ኢሉ።

ብተወሳኺ፣ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ኣብ መድያታት ኖርወይ ንምቅላሕ ወከልቲ ዝተፈላለዩ መድያታት ከምዝተሳተፉን ንከይዲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝቀረጹን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ወኪል ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ
Friday, 30 September 2016 23:16 Written by ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባብን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይንብዕለት 28 መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ኦስሎ ብማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ዝተዳለወ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻዪዱ። እቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ክብል ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ጨሪሑን ደምጺ ተቃውሞኡ ኣስሚዑን ጥራሕ ካብ ዝሰናበት፣ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊውን ተራኹቡን ኮፍ ኢሉን፣ ብዛዕባ ሃለዋቱ ዝመኻኸረሉን ዝላዘበሉን ባይታ ክፍጠረሉ ኣለዎ ብማለት፣ ኣወሃሃዲ ሽማገለ ክልቲኡ ማሕበራት ድሕሪቲ ኣብ ዕለት 28 መስከረም ኣብ ሰዓታት 2 ክሳብ 4 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መአከቢ ኣደራሽ ብምድላ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ። ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፍውን ነዚ ዕድልዚ ብምጥቃም፣ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ናይ ምምኽኻርን ምምዕዓድን ዘተ ኣካይዶም።

ኣባል ኣወሃሃዲ ሽማገለ ናይ ክልቲኡ ማሕበራት ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ድሕሪ ምዉቅ ሰላምታን ቃል ዕንቋዕ ብደሓን መጻእኩን ንተሳተፍቲ ኣኼባ፣ መአከቢ ዛዕባ ኩነታት ህዝብን ሃገርን፣ ኩነታት ደምበ ደለይቲ ፍትሕን፣ ሚዛን ሕብረት ኤውሮጳን መንግስታት ዓለምን ኣብ ሊዕሊ ደምበ ተቃውሞን ኣብ ሊዕሊ ስርዓት ህግደፍን ምድህሳስን ምግምጋም እዩ ክብል ኣብሪሁ። መብሪሂኡ ብምቅጻል ብጻይ መድሃኔ ፍትሕን ደሞክራስን ዝሰፈና ኤርትራ ብምፍጣር ህይወት ህዝብና ንምድሓን ሓያል ቃልሲ እነካይድ እኳ እንተኾና፣ ቃልስና ብመንጽር ዓወትና ክግምገም እንከሎ ግን፣ ድኻሙን ክሳራኡ ከምዝዛይድ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መብሪሂኡ ብኩራት ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ቃልሲ፣ ሊዕሊ ማንም ንዓና ነቶ ተቃለሲ ኣድኪሙና፣ ነቲ ድሕነቱ ብቃልሱ ከረጋግጽ ንዝደሊ ህዝብናውን ሃገራውነትን ሓድነትን ዝመለለይ መቃለሲ ባይታ ፈጢርና ከይነሳትፎን ከይንኸስቦውን መኸላእታ ኮይኑና። እቲ ዝገደደ ድማ መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳው ከይተረፉ፣ ንዘይመሓየሽ ድኽመታትን ፍልልያትን ደለቲ ለውጢ ንነውሕ ግዜ ድሕሪ ምዕዛብ፣ ኣብዚ እዋንዚ ምዕልቅላቅ ዋሕዚ ሰደተኛታት ዝያዳ ኹሉ ስለዝዓጠጦም፣ ካብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ለውጢ ካብ ምጽባይሲ፣ ዝከኣል እንተኾይኑ ዝኣክል ሓገዛት ብምብርካት እውን እንተኾነ ንስርዓት ህግደፍ ክተመሓይሽ ምፍታ ይሓይሽ ኣብ ዝብል መርገጺ ወሲዶም ይርከቡ ኣለዉ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፣ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንኩነታት ብግቡእ ተገንዚብና ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ናይ ምውህሃድን ሓቢርካ ምስራሕን ባህርይ ከነተኣታቱ ኣሎና ክብ ጻዊዕት ኣቅሪቡ።
ውከልቲ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾኑ ብጾት መሓረና ገብረእግዚኣብሔርን ሚካኤል ፓጋነሊን ብወገኖም፣ ኩላቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ብናይ ሓባር ስምምዕ ካብ ዘለዎም ጥርጣረታትን ስኽፍታታትን ናጻ ብምውጻእን፣ ኣወንታዊ ሓሳባት ብምውናንን ንጥርናፈን ምውህሃድን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ዘቀላጥፍ ናይ ሓባር ሽማገለ ክምዝዙ ጸዊዖም። 
ሓያለይ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፣ ኣብ ዝተኸፍተ መኣዲ ዘተ፣ ኣብ ሓቀኛ ገምጋም ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን፣ ሚዛን ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ኩነታት ኤርትራን፣ ከምኡውን ብሃናጺ ለበዋታትን ምኽርታትን ነቲ ከይዲ ዘተ ኣጓሃሂሮሞ። ንጽላል ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ኖርወይ ክነሓይሎን ክነስርሖን ዘይምኽኣል፣ ንኤርትራዊ ማሕበረኮም ኣብ ኦስሎ ኣብኡ ዓሲልና ክነበርትዖን ክነስርሖን ዘይምኽኣል፣ መአከቢ ኣደራሽ ወይ ብዋንነት ወይ ብክራይ ክንውንን ዘይምኽኣልና፣ ብደረጃ ኦስሎን ከባብን ድማ ኣብ ኣድማዒን ዝተዋሃሃደ ናይ ሓባር ስራሕን ዝተጸምደ ሓደ ሓያል ጥርናፈ ናይ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበር ወይ ጥርናፈ ዘይምህላዉ፣ ድማ ገለ ካብቶም ኣብቲ ናይ ከባብያዊ ገምጋም ከም ድኽመታት ዝተጠቅሱን፣ ንምፍዋሶምን ምሕያሎምን ስምምዓት ዝተገብረሎምን ነጥብታት ነበሩ።
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባብን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን
29 መስከረም 2016
TO WHOM IT MAY CONCERN
Tuesday, 27 September 2016 23:18 Written by Eritrean Justice Seekers in Oslo, NorwayDear Madam/ Sir,
The human rights situation in Eritrea, in general, and the condition of the Eritrean political prisoners, in particular, has been worsening every time for the past several years until it has become a big concern at global level. As Professor Kjetil Tronvoll, a Norwegian human rights activist has aptly described it in his booklet on human rights in Eritrea (1991-2009), what prevails in that country since 1991 is a prison-like situation of a people in a siege. The endless and ever increasing exodus of people out of Eritrea is a concrete evidence for the truth of this expression. At this epoch, it is difficult to imagine for an entire nation to live for 25 long years under total deprivation and gross violation of the very basic human and political rights. Needless to say, Eritreans have been and are condemned by their own regime to live without any civil and political space one can think of: no national constitution, no national elections, no independent judiciary, no freedom of expression, no freedom of association, no freedom of religion, no freedom of mobility .. the list of no's is endless.
Only to stress, all the economic and political power is dominated by the small clique in the so-called People's Front for Democracy and Justice (PFDJ). The unjustifiable covers used to justify absolute control of economic and political life of the people include "nation-building, internal security, stability, national unity and the protection of state sovereignty." In a word, the present and the future of the nation has been stolen - especially of its young generation, who had been hijacked by the illegitimate regime and forced to indefinite service (forced labour) nowadays being rightly equated with modern-day slavery.
The erroneous policies of the repressive regime in Asmara, including its meaningless 'self-reliance', have brought the disaster we are witnessing in Eritrea today. The only areas where the regime excelled are inhumane treatment of its own people, and building over 360 prisons where tens of thousands languished for years, and many died of bad treatment. Since the territorial 'liberation' of the country, persons with different opinion, especially those thought to be influential to mobilize people such as senior cadres of its own and from the opposition camp, religious leaders, human rights activists, journalists, nationalistic singers, and a number of other recognized individual in the society have been kept in prisons for decades, or just disappeared.
Some reliable information from prison escapees and ex-members of prison staff discloses that many of the detainees lost their lives and others are paralyzed physically and mentally because of torture, inhumane living conditions, including inadequate food, water, health services.
As the main objectives of the Amnesty International Norge are seeking the release of political prisoners to upholding the whole spectrum of human rights, bringing torturers to justice, change oppressive laws, and free people jailed just for voicing their opinion including ensuring humane treatment and conditions of detention for all detainees regardless of the reasons for their arrest and detention and to alleviate the suffering of their families, particularly by facilitating communication between detainees and their relatives, we the Eritrean community in Norway, therefore, wish to remind your esteemed organization to take the necessary measure to help change the situation of Eritrean prisoners and their distress of their families.
Dear Madam/ Sir,
Through this modest memorandum, we once more wish to request the Amnesty International Norge to redouble its efforts in playing a tangible role in:
Ø Helping stop torture and other forms of ill-treatment up on all Eritrean prisoners;
Ø Release of all prisoners of conscience without conditions;
Ø Address the ongoing disappearance of Eritreans and their incommunicado imprisonment;
Ø Improvement of conditions of detention as regards food, water and health services Including an end to prolonged solitary confinement;
Ø Effective legal process so that people can challenge their detention and treatment.
Ø Independent Monitoring bodies make regular visits to detention places.
Ø Rapid and regular access to lawyers, doctors and relatives.
Ø
Ø Restoring the right of family visitations to Eritrean prisons;
Ø To ensure respect for legal safeguards and
Ø Facilitate the release of the detainees and their return to their society.
Finally, we believe that the Amnesty International Norge, in cooperation with fraternal organizations like the International Amnesty, concerned Norwegian and Eritrean authorities, the Norwegian Red Cross and ICRC and other non-governmental organizations, would bring change in the life and condition of the Eritrean prisoners.
Respectfully yours,
1, Medhanie Habtezghi (Eritrean Peoples’ Democratic Party) -------------------
2, Dawit Araya Tesfu (Eritrean Peoples’ Democratic Party) ------------------
3, Mebrat Berhane (Eritrean Peoples’ Democratic Party) ------------------
4, Nureldaim A Mohammed (Eritrean Youth for Change) --------------------
5, Michele Pagallino (Eritrean Youth for Change) -------------------
6, Senait Teweld Ilfu (Eritrean Youth for Change) --------------------
Oslo, 26 09 2016
ሓቢሩ ዝሰርሕ ጉጅለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኖርወይ ምብጻሕ ኣካይዱ
Tuesday, 27 September 2016 23:13 Written by ጉጅለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይንሰልፊ ደሞክራኢ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ንስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝውክል ሓደ ናይ ሓባር ልኡኽ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኖርወይ (Amnesty Internationa Norway) ብዕለት 26 መስከረም 2016 ምብጻሕ ፈጺሙ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ዝተመርሐ ኮይኑ፣ ብጻይ ኢሳያስ ሓጎስ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምኡውን ወከልቲ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾኑ ብጾት ሰናይት ተዎልደ፣ ሚካኤል ፓጋነሊን፣ ኑርኣዳይም ኣደም መሓመድን ዝቆመ ሓምሽተ ዝኣባላቱ ነበረ። ኣቀዲም ኣቢሉ ብዕለት 23 መስከረም 2016 እውን ሓደ ካልእ ጉጅለ ናይዚ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ዕላማ ምስ ኣሰናዳዊ ዕለታዊ ዜና ናይ ኡትሮፕስ ዝተባህለ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣቶ ኣረ ቮግት ሞኡም ( Are Vogt Moum)ተራኺቡ ከምዝነበረን ተመሳሳሊ ሓበረታ ከምዝሃበን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ወኪል ክልቲኡ ማሕበራት ዝኾነ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ምብጻሕ ተልእኾኡ ኣብ ጠረጴዛ ኣህጉራዊ ጉዳያት ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝከታተል በዓል መዚ ኣቶ ጀራልድ ካዶር ( GERALD KADOR FOLKVORD) ተራኺቡ፣ ምስቲ ብጽሑፍ ዘረከቦ መተሓሳስሰቢ ድማ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኩነታት ሕልሉፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሓፈሸ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኩነታት ናይ ፖለቲካ እሱራትን ስድራቤታቶምን ኣተኲሩ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። እቲ ጉጅለ ኣብ መግለጺኡ ስርዓት ፕረሲደንት ኢሳያስ መሰል ደቂ ሰባት ዝሕመረቶም ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ንምትግባሮም ዝተቀበልን ዝፈረመኳ እንተኾነ፣ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣደናጊሩ፣ ካብ ዝፈረመሉ ኣህጉራዊ ግቡኣቱ ሪሒቁ፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ፍርዲ ዳጒኑ ዘጋፍዖምን ዘሳቅዮምን ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ማእለያ ከምዘይብሎም ገሊጹ። ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣብ ኤርትራ ከምዝተኣሱሩ እንተዘይኮይኑ፣ ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለዉን ብምንታይ ምኽንያት ከምዘተኣስሩን ኣበየናይ ቦታን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከቡን ክፍለጥ ከምዘይከኣል ድሕሪ ምሕባር፣ እዚ ኩነታትዚ ንኹሉ ማሕበረሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ዘሻቀለ ኮይኑ፣ ካብ ማንም ንላዕሊ ግን ንስድራቤታቶም ን10ታት ዓመታት ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ከምዝነብሩ ዝገበረ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ክብል እቲ ልኡኽ ኣምሪሩ ገሊጹ።
ስርዓት ኣስመራ ካብ 1991 ኣትሒዙ ንሊዕሊ 25 ዓመታት ብዘይ ቅዋምን ሕግን ዝመርሕ፣ ንግዝኣተ ሕጊ ዋጋ ዘይህብ፣ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫን ብዝሒ ሰልፍታትን ዘየፍቅድ፣ መትከላዊ ኣህጉራዊ መሰላት ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ፣ ምንቅስቃስ፣ ምትእኽኻብ ወዘተ ዘየፍቅድ፣ ንኹሉ ኣፍራይን ኣድማዕን ሓይሊ ናይቲ ህዝቢ ኣብ ቲሕቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ሽፋን ዘለዎ ሃገራዊ ባርነት ቆሪኑ ዝሓዘ፣ ኮታስ ንኹሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ናይታ ሃገር ንበይኑ ገቢቱ ብምሓዝ ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዕጹብ ኣርዑት ምልኪ ተምበርኪኹ ከምዝነብር እንዳ ፈለጠ፣ መንግስታት ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕብረት ኤውሮጳውን ብቀንዱ ምስዚ መላኺ ስርዓትዚ ክደናገጽ ምፍታኑ፣ ዝሕዝንን ግርምቢጣዊ ኣካይዳን ከምዝኾነ እቲ ልኡኽ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብምቅጻል እቲ ጉጅለ፣ ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኖርወይ፣ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣህጉራውያንን ከባብያውያንን ኣካላት ተወሃሂዱ ብምስራሕ፣ ደሃይ ናይዞም ን10ተታት ዓመታት ሃለዋቶም ዝጠፍአ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ስድራቤታቶምን ክገብርን፣ ንምፍትሖምን ብስድራቤታቶም ናይ ምብጻሕ ባይታ ንኽፍጠርን ጺዒቱ ክሰርሕ ተማሕጺኑ።
ኣቶ ጀራልድ ካዶር ብወገኑ፣ ምስቲ ኮሚሽሽን ምርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ዝሃገቶን፣ ዝተፈላለያ ሻራ ዘይብለን ኣህጉራውያን ዘይምንግስታውያን ትካላትን ዝወሃብ ሓበረታን፣ ምስቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይሮቢ ብቀጥታ ዝረኽቦ ጽጹይ ሓበረታን ወሲኹ፣ ኩነታት መሰል ደቂ ሰባት ብሓፈሻ ኩነታት ፖለቲካውያን እሱራት ድማ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሻቃሊ እንዳኾነ መጺኡ ከምዘሎ ሓቢሩ። ሕብረት ኤውሮጳውን ኣብዚ ኣዋንዚ ካብ ዲክታቶርያዊ ባህርያት መንግስቲ ኤርትራን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን ንላዕሊ፣ ብዝሒ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝዓጠጦ ይመስል ክብል ስኽፍታኡን ቅረታኡን ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ብወገን ቤት ጽሕፈቱ፣ ዝኾነ ካብ ኤርትራን ዒራቅን ዝመጽእ ሓታቲ ዕቁባ ብግዲ ንዓዱ ክምለስ ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ንመንግስቲ ኖርወይ ከተሓሳስብ ከምዝጸንሐ ሃቢሩ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ድማ ወትሩ ከምዘከታተሎን ምስ ብጾቱ ኮይኑ ዝከኣሎ ክገብር ከምዝኾነን ተመባጺዑ።
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን
NGOs Registered in France and Switzerland Mourn the Death of Osman Ahmed in Kassala
Tuesday, 27 September 2016 20:15 Written by By Work FriendsThe passing away of Osman Ahmed, an Eritrean freedom fighter and humanitarian activist in Kassala, Sudan, on 26 September 2016, was deeply mourned by two non-profit associations registered in France and Switzerland whose main objectives have been supporting projects for the education of refugee children and taking care of disabled Eritreans and former freedom fighters who lacked support of close family members.
Osman Ahmed served for many years as the director and supervisor, respectively, of the Centre for Disabled Persons in Kassala and the Wad-Sherifey Refugee School near Kassala in the Eritrea-Sudan border. The Association for Disabled Eritreans (ADE), legally registered in France 15 years ago, with branches in many parts of the world, has been taking care for nearly 30 disabled persons in Kassala. The Geneva-based Swiss association for Eritrean children (ASEE, in French: Associaiton Suise Enfance-Erythree) has been supporting for 11 years the Wad-Sherifey Refugee School with over 600 needy refugee children who are taught in Eritrean curriculum and languages.

Soon after learning about the untimely death of Osman Ahmed, the president of ADE, Tesfai Teklezghi in France, and Sophia Ammar, representative of the ASEE executive committee in Geneva, issued messages expressing deep loss to family members of the deceased as well as to the beneficiaries of the humanitarian projects they support in East Sudan.
ADE posted its condolence message in Eritrean websites, while ASEE sent its condolence message to the family and the school through Dr. Habtemichael Tekle, who heads the overall administrative responsibility of the Wad-Sherifey School as president of the Eritrean Red Cross-Crescent Society (ERCCS). In his turn, Dr. Habtemichael also reassured ASEE that he and his colleagues will do all what is possible to continue the work vacated by the loss of Osman Ahmed. Meanwhile, Father Ghebrai Bedemariam, an Eritrean priest in Kassala who used to channel ASEE support to the Wad-Sherifey Refugee School expressed to ASEE his shock and dismay of the passing away of Osman whom he described as a reliable work colleague and "so gentle, sociable and humble" compatriot. During the past several years, both ADE and ASEE received regular situation and financial reports and related updates of their respective projects in Kassala and Wad-Sherifey.

The deceased activist, Osman Ahmed, was born in the mid-1950s in a township near Asmara and joined the Eritrean liberation struggle at the age of 20, and lost his right-arm in one of the fierce battles in the liberation war. In recent years, he suffered of kidney problem but was recently promised by UNHCR to have a kidney transplant outside Sudan. It was while the arrangement of his travel were underway that he suddenly passed away in the early hours of 26 September. In spite of his lost of his right arm and the kidney complications, Osman Ahmed never ceased providing his reliable services to the beneficiaries at the humanitarian projects he closely took care of.
ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኖርወይ ብዛዕባ ሃገርን ደሞክራስን ኣስተምህሮ ተዋሂቦም
Monday, 26 September 2016 23:58 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራብዕለት 23 መስከረም 2016 ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ዓሰርተ ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ተቀማጦ ከተማ ኣስከር ኖርወይ ብዛዕባ ምቋም ሃገርን ምትእትታው ዲሞክራስን ጽዑቅ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ትምህርቲ ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ተዋሂብዎም። ዕላማ ናይቲ ዝተዋህበ ኮርስ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፣ ኣብ መዳይ ሃገር፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ መሰል ወዲ ሰብ፣ ሃገራዊ መሰል፣ ሃገራዊ ግቡእ፣ ቁዋም፣ ወዘተ ኣብ ዝብሉ ኣምራት ሓቀኛን ብቁዕን ኣፍልጦ ብምውናን፣ ተሳትፎኦም ኣብ ጉዳይ ሃገር ከም ዘዕዝዙ ንምግባር እዩ።
ተሳተፍቲ ናይዚ ሓጺር ኮርስ ኣብ መወዳእታ፣ በቲ ዝተዋህቦም ኮርስ ዕግበቶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንብድሕሪ ሕጅውን እንተኾነ፣ ዝከኣል እንተኾይኑ እዚ ኮርስዚ እንተ ወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 6 ወርሒ ሓደ ግዘኢ ክወሃቦም፣ ንሳቶም ድማ ግቡእ ምድላዋት ገይሮም ክጸንሑን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ገሮም ዝያዳ ክጥርነፉ ከምዝኽእሉ ሓቲቶም። ወሃቢ ኣስተምህሮ ብጻይ መድሃኔ ብወገኑ፣ ኣብ ዝኾነ ግዜ ድልው ምዃኑ ብምሕባር ንተበግሶኦም ኣተባቢዑ።
እቲ ኮርስ ብክለሰ ሓሳብን ብግብርን ዝወሃብ ኮይኑ፣ ብመሰረት ራፍቶ ዝበሃል ንዕብየት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኣብ ዓለምና ዝሰርሕ ዘይምንግስታዊ ኖርወጃዊ ትካል ብዝሃቦ ስልጠናን መሳርሕን ዝተሰነየ እዩ። ትካል ራፎት ኣብ ዕለታት 18 ን 19 ሰነ 2016 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይ ንዝተኣከቡ ብጻይ መድሃኔውን ዝርከቦም 13 ኤርትራውያን መንእሰያት ናይዚ ትምህርቲዚ ጽዑቅ ናይ ክልተ መዓልቲ ስልጠና ከምዝሃበን፣ ኣኣብ ከባቢኦም ተመሊሶም ነዚ ዝቀሰምዎ ትምህርቲ ከካፍሉ ዕዮ ሂቡ ከም ዝሰደዶምን ዝዝከር እዩ።
ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዕለት 25 09 2016
ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ መሓመድ ፡ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ብ26 መስከረም 2016 ሰዓት 1፡00 ናይ ንግሆ፡ ኣብ ከሰላ ካብ’ዛ ዓለም ተፈልዩና። መስዋእቲ ደኺመ ዘይፈልጥ፡ ብትዕግስቱን ጠባዩን ንኡድ ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ፡ ንቤተ-ሰቡን ኣባሉ ንዝዀነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ሰዲህኤ ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ዑስማን ኣሕመድ መሪር ሓዘንን ስንባደን እተሰምዖ።
ስውእ ዑስማን፡ ነፍሱ ይምሓር፡ ኣብ 1956 ዓ.ም. ኣብ እምባደርሆ ተወሊዱ።ወዲ ዕስራ ዓመት እንከሎ ድማ፡ ብግንቦት 1976 ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ንኽጋደል ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ። ኣባል በጠሎኒ 669 ኢዩ ነይሩ። ብ1978 ዓ.ም፥ ተሓኤ ሓራ ዘውጻአን ከተማታት ንምሓዝ ብደርጊ ዝተኻየደ ዳግመ-ወራር፣ ኣብ መረብ ድሕሪ ናይ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደ ምክልኻል፡ ዓድ ዃላን መንደፈራን ሒዙ ንዓረዛ ክወርድ እንከሎ ኢዩ ስውእ ዑስማን ኣብ ዓደ-በዛ ተወጊኡ።
ስውእ ዑስማን፡ ኣብ ርእስ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እተኻፈሎምውግኣት ዘጋጠሞ መቝሰልቲ፡ እቲ ዝኸበደ ንየማናይ ኢዱ፡ ካብ መንኵቡ ዝፈለየ ውግእ ማይ ምነ ኢዩ ነይሩ። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ ካብ ቃልስን ገድልን ጠሪሱ ተፈልዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ዋላ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ዓመታት፡ ብሕማም ናይ ክልቲአን ከላሊቱ ይሳቐ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ገድላውን ማሕበራውን ዕማማቱ ፈጺሙ ጕድለት ኣየርኣየን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወድሸሪፈይ ከም ኣባል ምምሕዳርን መምህርን፡ ኣብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ከም ኣባል ምምሕዳርን ኣላዪን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሰዲህኤ ጽፍሕታት ድማ፡ ከም ኣባል ምምሕዳርን ሓላፍን ኰይኑ ከይሰልከየ ብተወፋይነት ከገልግል ጸኒሑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ከባቢ ካብ’ቶም ቀዳሞት ተጠቐምቲ ኤለክትሮኒካዊ ሚድያ እውን ኢዩ ነይሩ።
ሰዲህኤ፡ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓትን ጠልን የውርደልኩም እናበለ፡ ናይ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
26 መስከረም 2016
بقلوبٍ ملؤها الحزن والألم ينعي حزب الشعب الديمقراطي الارتري الي الشعب الارتري ومناضليه المناضل/ عثمان أحمد دين الذي حدثت وفاته بمدينة كسلا السودانية في ستة وعشرونمن سبتمبر 2016م.
ولد الشهيد بضاحية إمبا درهو القريبة من العاصمة أسمرا في منتصف الخمسينيات من القرن الماضي والتحق بجبهة التحرير الارترية مقاتلاً في صفوفها وهو في حوالي العشرين من العمر، وظلت يداه علي الزناد حتى أصيب في معركة تحرير ماي مني إصابة بالغة اقتلعت يمناه من مفصل الكتف فضلاً عن جروح متناثرة في جسده عبر مختلف سنوات النضال.
الإعاقة شبه الكلية لم تقعد بالشهيد عن تحقيق أعلى درجات التفوق والإبداع في العديد من الإنجازات الخلاقة في الأنشطة النضالية، عضليةً كانت أو ذهنية، كما كان من أوائل الناجحين في دخول عالم التواصل الاعلامي الالكتروني بكفاءة نادرة.
عمل الشهيد قبل وبعد التحرير في مجال تقديم الخدمات الاجتماعية للشعب والمناضلين، حيث أشرف في جهد مخلص ومتواصل علي كلٍّ من معسكر معاقي حرب التحرير الارترية بكسلا ومدرسة اللاجئين الارتريين بضاحية ود شريفي، فكان هو المشرف الإداري علي تلك الأنشطة ولسانها الاعلامي البليغ في آن، وظل يؤدي أعماله بجد وإخلاص حتى ألزمه المرض العضال الفراش الي أن لقي ربه.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري إذ يشارك أسرة الفقيد والشعب الأحزان في وفاته لا يملك إلا أن يسأل الله تعالى للفقيد الرحمة والغفران وأن يلهمنا
وذويه الصبر وحسن العزاء.
وإنا لله وإنا اليه راجعون
EPDP Leadership Urges AU, UN to Help Bring Justice in Eritrea; Wishes Peace for Ethiopia
Wednesday, 21 September 2016 14:58 Written by EPDP information OfficeAt the end of its 7th regular session on 18 September 2016, the 33-member Central Council of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) commended the decisions and recommendations of the 32nd session of the UN Human Rights Council and urged concerned UN organs to seriously follow up the matter and bring to justice all those perpetrators of "crimes against humanity" in Eritrea. The Council also called upon the African Union to fulfil the responsibility given it by the UN Human Rights Council to bring to justice those who gravely abused human rights in Eritrea during the past 25 years.
Regarding the current developments in Ethiopia, the EPDP leadership felt deep concern about the impact to Eritrea and the region as a whole of any break down of peace and order in the country with nearly 100 million people and hoped that "the Government and the fraternal people of Ethiopia will resolve the problems in a peaceful and democratic manner that can guarantee lasting peace and stability in the whole region.”
The annual session of the EPDP Central also deliberated and decided upon a good number of internal party matters and questions related to the ongoing struggle for change in Eritrea. Full version of the final statement of the session is published below).
Final Statement of the 7th Regular
Session of EPDP Central Council
The Central Council of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) wound up its 7th regular session on 18 September 2016 after holding a chain of meetings which, among other things, scrutinized and adopted executive committee reports that would be shared soon with party members as well as with the general public. Based on the documents it evaluated, the Council decided upon a good number of issues related to internal party life as well as to hot Eritrean and regional questions.
The disturbing situation in Eritrea was one of the issues given special attention in the reports and deliberations by the Council, which underlined the urgency of finding a speedy solution to the heartbreaking predicament of the people. The regular session commended the efforts being made by Eritrean justice seekers and supportive members of the international community in exposing the generalized gross violations in Eritrea, in particular the abuses of human rights, and encouraged those actors to redouble their endeavours for final triumph.
Nonetheless, the Central Council admitted the overall failure of Eritrean forces of change to measure up to the challenges of the hour and expressed the full commitment of the EPDP to do what it can by playing its part to help manage the prevailing differences and clear the path that can open a common platform for joint work. Likewise, the party leadership urged all Eritrean political entities, civil movements and interested individuals to continue intensifying their roles in the current struggle for change.
The session renewed its conviction that the unholy relations forged in the region by the illegitimate clique in Asmara are the sources of misery to our people and affirmed that the fundamental solution will be realized only through the effective participation of all Eritrean forces of change. Thus, springing from its belief in the critical importance of joint work of justice seekers, the EPDP reiterated its absolute commitment in this task. The Council also wished to remind members of the Eritrean Defence Forces and other compatriots inside and outside the country to recognize that their interests lie with the aspirations of the people and not with the repressive regime and that they should abandon the autocratic Isaias clique and stand on the side of their people.
The Central Council also discussed the recent developments in Ethiopia, which it believed can have their impact in the Horn of Africa, in general, and in Eritrea in particular, and hope the Government and the fraternal people of Ethiopia will resolve the problems in a peaceful and democratic manner that can guarantee lasting peace and stability in the whole region.
Being fully cognizant of the uphill struggle required from every citizen to overcome the big challenges facing Eritreans at home and abroad, and, in particular, taking account of the open-ended "national service" that caused the disastrous dispersal of Eritrean youth while trying to escape from slave-like forced labour and other human rights violations, the party leadership renewed its resolve to try to address the problems in conjunction with all interested forces, and called upon the nascent Eritrean youth movements to continue the momentum they started and become positive factors for a solution.
Meanwhile, the Council formed special task forces to address certain key issues; elected in a democratic manner a party chairman and members of the executive committee; adopted future work programmes and urged the total party membership to continue by redoubling their commendable past roles in the struggle.
In conclusion, the EPDP Central Council expressed its satisfaction with and support to the decisions and recommendations of the UN Human Rights Council that identified the human rights abuses and crimes against humanity committed in Eritrea and agreed that perpetrators of those crimes be brought to justice. In particular, the EPDP called upon the African Union to duly address the responsibility mandated to it by the Human Rights Council to bring an end to the acts of injustice that have been going on in Eritrea for the past 25 years.
7th Session, EPDP Central Council,
18 September 2016