ሓቢሩ ዝሰርሕ ጉጅለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኖርወይ ምብጻሕ ኣካይዱ

2016-09-27 21:13:44 Written by  ጉጅለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ Published in EPDP News Read 2437 times

ንሰልፊ ደሞክራኢ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ንስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝውክል ሓደ ናይ ሓባር ልኡኽ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል  ኖርወይ (Amnesty Internationa Norway) ብዕለት 26 መስከረም 2016 ምብጻሕ ፈጺሙ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ዝተመርሐ ኮይኑ፣  ብጻይ ኢሳያስ ሓጎስ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምኡውን ወከልቲ ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾኑ ብጾት ሰናይት ተዎልደ፣ ሚካኤል ፓጋነሊን፣ ኑርኣዳይም ኣደም መሓመድን  ዝቆመ ሓምሽተ ዝኣባላቱ ነበረ። ኣቀዲም ኣቢሉ ብዕለት 23 መስከረም 2016 እውን ሓደ ካልእ ጉጅለ ናይዚ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ዕላማ ምስ ኣሰናዳዊ ዕለታዊ ዜና ናይ ኡትሮፕስ ዝተባህለ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣቶ ኣረ ቮግት ሞኡም ( Are Vogt Moum)ተራኺቡ ከምዝነበረን ተመሳሳሊ ሓበረታ ከምዝሃበን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ወኪል ክልቲኡ ማሕበራት ዝኾነ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ምብጻሕ ተልእኾኡ ኣብ  ጠረጴዛ ኣህጉራዊ ጉዳያት ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዝከታተል በዓል መዚ ኣቶ ጀራልድ ካዶር ( GERALD KADOR FOLKVORD) ተራኺቡ፣ ምስቲ ብጽሑፍ ዘረከቦ መተሓሳስሰቢ ድማ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኩነታት ሕልሉፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሓፈሸ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኩነታት ናይ ፖለቲካ እሱራትን ስድራቤታቶምን ኣተኲሩ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። እቲ ጉጅለ ኣብ መግለጺኡ ስርዓት ፕረሲደንት ኢሳያስ መሰል ደቂ ሰባት ዝሕመረቶም ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ንምትግባሮም ዝተቀበልን ዝፈረመኳ እንተኾነ፣ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣደናጊሩ፣ ካብ ዝፈረመሉ ኣህጉራዊ ግቡኣቱ ሪሒቁ፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝኾነ ክስን ፍርድን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ፍርዲ ዳጒኑ ዘጋፍዖምን ዘሳቅዮምን ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ማእለያ ከምዘይብሎም ገሊጹ። ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣብ ኤርትራ ከምዝተኣሱሩ እንተዘይኮይኑ፣ ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለዉን ብምንታይ ምኽንያት ከምዘተኣስሩን ኣበየናይ ቦታን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከቡን ክፍለጥ ከምዘይከኣል ድሕሪ ምሕባር፣ እዚ ኩነታትዚ ንኹሉ ማሕበረሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ዘሻቀለ ኮይኑ፣ ካብ ማንም ንላዕሊ ግን ንስድራቤታቶም ን10ታት ዓመታት ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ከምዝነብሩ ዝገበረ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ክብል እቲ ልኡኽ ኣምሪሩ ገሊጹ።

ስርዓት ኣስመራ ካብ 1991 ኣትሒዙ ንሊዕሊ 25 ዓመታት ብዘይ ቅዋምን ሕግን ዝመርሕ፣ ንግዝኣተ ሕጊ ዋጋ ዘይህብ፣ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫን ብዝሒ ሰልፍታትን ዘየፍቅድ፣ መትከላዊ ኣህጉራዊ መሰላት ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ፣ ምንቅስቃስ፣ ምትእኽኻብ ወዘተ ዘየፍቅድ፣ ንኹሉ ኣፍራይን ኣድማዕን ሓይሊ ናይቲ ህዝቢ ኣብ ቲሕቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብል ሽፋን ዘለዎ ሃገራዊ ባርነት ቆሪኑ ዝሓዘ፣ ኮታስ ንኹሉ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሓይሊ ናይታ ሃገር ንበይኑ ገቢቱ ብምሓዝ ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዕጹብ ኣርዑት ምልኪ ተምበርኪኹ ከምዝነብር እንዳ ፈለጠ፣ መንግስታት ኤውሮጳ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕብረት ኤውሮጳውን ብቀንዱ ምስዚ መላኺ ስርዓትዚ ክደናገጽ ምፍታኑ፣ ዝሕዝንን ግርምቢጣዊ ኣካይዳን ከምዝኾነ እቲ ልኡኽ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብምቅጻል እቲ ጉጅለ፣ ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኖርወይ፣ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣህጉራውያንን ከባብያውያንን ኣካላት ተወሃሂዱ ብምስራሕ፣ ደሃይ ናይዞም ን10ተታት ዓመታት ሃለዋቶም ዝጠፍአ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ስድራቤታቶምን ክገብርን፣ ንምፍትሖምን ብስድራቤታቶም ናይ ምብጻሕ ባይታ ንኽፍጠርን ጺዒቱ ክሰርሕ ተማሕጺኑ።

ኣቶ ጀራልድ ካዶር ብወገኑ፣ ምስቲ ኮሚሽሽን ምርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ዝሃገቶን፣ ዝተፈላለያ ሻራ ዘይብለን ኣህጉራውያን ዘይምንግስታውያን ትካላትን ዝወሃብ ሓበረታን፣ ምስቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣምነስትይ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይሮቢ ብቀጥታ ዝረኽቦ ጽጹይ ሓበረታን ወሲኹ፣ ኩነታት መሰል ደቂ ሰባት ብሓፈሻ ኩነታት ፖለቲካውያን እሱራት ድማ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሻቃሊ እንዳኾነ መጺኡ ከምዘሎ ሓቢሩ። ሕብረት ኤውሮጳውን ኣብዚ ኣዋንዚ ካብ ዲክታቶርያዊ ባህርያት መንግስቲ ኤርትራን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን ንላዕሊ፣ ብዝሒ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝዓጠጦ ይመስል ክብል ስኽፍታኡን ቅረታኡን ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ብወገን ቤት ጽሕፈቱ፣ ዝኾነ ካብ ኤርትራን ዒራቅን ዝመጽእ ሓታቲ ዕቁባ ብግዲ ንዓዱ ክምለስ ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ንመንግስቲ ኖርወይ ከተሓሳስብ ከምዝጸንሐ ሃቢሩ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ድማ ወትሩ ከምዘከታተሎን ምስ ብጾቱ ኮይኑ ዝከኣሎ ክገብር ከምዝኾነን ተመባጺዑ።

 

ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኦስሎን ከባቢኣን

Last modified on Tuesday, 27 September 2016 23:18