ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኖርወይ ብዛዕባ ሃገርን ደሞክራስን ኣስተምህሮ ተዋሂቦም

2016-09-26 21:58:24 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2222 times

ብዕለት 23 መስከረም 2016 ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ዓሰርተ ክልተ ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ተቀማጦ ከተማ ኣስከር ኖርወይ ብዛዕባ ምቋም ሃገርን ምትእትታው ዲሞክራስን ጽዑቅ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ትምህርቲ ብኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ተዋሂብዎም። ዕላማ ናይቲ ዝተዋህበ ኮርስ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ፣ ኣብ መዳይ ሃገር፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ መሰል ወዲ ሰብ፣ ሃገራዊ መሰል፣ ሃገራዊ ግቡእ፣ ቁዋም፣ ወዘተ ኣብ ዝብሉ ኣምራት ሓቀኛን ብቁዕን ኣፍልጦ ብምውናን፣ ተሳትፎኦም ኣብ ጉዳይ ሃገር ከም ዘዕዝዙ ንምግባር እዩ።

ተሳተፍቲ ናይዚ ሓጺር ኮርስ ኣብ መወዳእታ፣ በቲ ዝተዋህቦም ኮርስ ዕግበቶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንብድሕሪ ሕጅውን እንተኾነ፣ ዝከኣል እንተኾይኑ እዚ ኮርስዚ እንተ ወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 6 ወርሒ ሓደ ግዘኢ ክወሃቦም፣ ንሳቶም ድማ ግቡእ ምድላዋት ገይሮም ክጸንሑን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ገሮም ዝያዳ ክጥርነፉ ከምዝኽእሉ ሓቲቶም። ወሃቢ ኣስተምህሮ ብጻይ መድሃኔ ብወገኑ፣ ኣብ ዝኾነ ግዜ ድልው ምዃኑ ብምሕባር  ንተበግሶኦም ኣተባቢዑ።

እቲ ኮርስ ብክለሰ ሓሳብን ብግብርን ዝወሃብ ኮይኑ፣ ብመሰረት ራፍቶ ዝበሃል ንዕብየት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኣብ ዓለምና ዝሰርሕ ዘይምንግስታዊ ኖርወጃዊ ትካል ብዝሃቦ ስልጠናን መሳርሕን ዝተሰነየ እዩ። ትካል ራፎት ኣብ ዕለታት 18 ን 19 ሰነ 2016 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይ ንዝተኣከቡ ብጻይ መድሃኔውን ዝርከቦም 13 ኤርትራውያን መንእሰያት ናይዚ ትምህርቲዚ ጽዑቅ ናይ ክልተ መዓልቲ ስልጠና ከምዝሃበን፣ ኣኣብ ከባቢኦም ተመሊሶም ነዚ ዝቀሰምዎ ትምህርቲ ከካፍሉ ዕዮ ሂቡ ከም ዝሰደዶምን ዝዝከር እዩ።

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዕለት 25 09 2016

Last modified on Tuesday, 27 September 2016 00:07