هجوم إرهابي علي يمنيين كانوا يستعدون لتلقي التدريب العسكري بإرتريا وجيبوتي
Friday, 02 September 2016 20:47 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأوردت صحيفة ( إنترناشونال نيو يورك تايمز ) الصادرة في الثلاثين من أغسطس 2016م نقلاً عن مسئول يمني آثر حجب اسمه أن مجموعة من المواطنين اليمنيين وأثناء تسجيلهم وإعدادهم للذهاب الي إرتريا وجيبوتي لتلقي التدريب العسكري قد تعرضوا لهجوم إرهابي أدى الي مقتل 54 وجرح أكثر من ستين منهم. يذكر أن المتدربين يتبعون للقوات اليمنية التي تخوض حرباً ضد مليشيا الحوثي التي ما تزال تسيطر علي العاصمة اليمنية صنعاء.
الهجوم الذي تم تنفيذه بسيارة مفخخة جرى بميناء عدن في التاسع والعشرين من أغسطس 2016م، وقد ادعى تنظيم ما يسمى بدولة الخلافة الاسلامية بالعراق والشام ( داعش ) المسئولية عن الهجوم.
يجدر بالذكر أن المتدربين المذكورين من الشباب المراهق الذين تتراوح أعمارهم ما بين العشرين الي الثلاثين.
ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ክዕለሙ ዝዳለዉ ዝነበሩ የመናውያን
Wednesday, 31 August 2016 22:01 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኤርትራን ጅቡትን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ዝምዝገቡ ዝነበሩ የመናውያን ሓደስቲ ተዓለምቲ ብኣጥፊእካ ጥፋእ ዝብል ናይ ኣሸበርቲ ነብሰ-ቅትለታዊ ስጕምቲ ብዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ 54 ክመቱ ከለዉ፥ ልዕሊ 60 ድማ ቆሲሎም ክብል ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ስልጣን የመን ከምዝገለጸ ኢንተርናሽናል ኒው ዮርክ ታይምስ እተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሰሉስ 30 ነሓሰ 2016 ሕታሙ ሓቢሩ። እቶም ተዓለምቲ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ሰንዓ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ናይ ሖትይን ሓይሊ ንምውጋእ ኢዮም ዝምዝገቡ ነይሮም።
እቲ ብነታጒ ዝተጻዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሰኑይ ዕለት 29 ነሓሰ 2016 ኣብ ወደብ ከተማ ዓደን ኢዩ ተኻይዱ። ደዓሽ፡ እቲ ስርሒት ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ ኣሎ። እቶም ጉድኣት ዝወረዶም ተዓለምቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኢዮም ነይሮም።
ባሕቲ መስከረም፡ ንኤርትራውያን ፍሉይ ትርጕም ዘለዋ ኣገዳሲት ዕለት ኢያ። ኣገዳሲት ዝገብራ ድማ፡ ኣብ ኣጽዋርን ሓጺነ-መጺን ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣንቢሩ ዝተበገሰ ፍትሓዊ ቃልሲ ስለዝዀነ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩውን፡ እቲ ብመሪሕነት ጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብዉሕዳት ሰባትን ኣረጊትኣጽዋርን ዝጀመረ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ናይ ዓለም ደገፍ ዝነበሮን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቕነቕ ከብሎን ድሒሩ እውን ክድምስሶን ዝኸኣለ። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ጥራሕ፥ ሰውራና ካብ መታሕትን ጐቦታት ሳሕልን ናብ ከባቢ ኣስመራ ክበጽሕ ዝኸኣለሉ ምስጢር ሳላ ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ ኢዩ።
መግዛእታዊ ስርዓት፡ ዋላ’ኳ፡ ናይ ኣመሪካ ፡ሶቭየት ሕብረት፡ እስራኤልን ዴሳዊ ደምበን ብሓፈሻ ደገፍ እንተነበሮ፡ ንውሳኔን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ክዓጽፍ ግን፡ ፈጺሙ ኣይከኣለን። እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኰነን። ሰውራ ኤርትራ፡ ነህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣንጻር ደርባውያንን ብሄራውያንን ጨቈንቶም ክለዓሉን ምእንቲ ሓርነቶም ክቃለሱን ኣተባቢዕዎምን ኣርኣያ ኰይንዎምን ኢዩ።
ብሓድነትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኵሉ ኣንጻር ሰውራና እተዋደደ ውዲት፡ መጥቃዕቲ፡ ጸለመ፡ ታህዲድን ምጕብዕባዕን ፈሺሉ ኢዩ። ሓድነትና፡ሓይልና ምዃኑ ተመኵሮና እኹል ትምህርቲ ኢዩ።
ካብ’ዚ ተመኵሮ’ዚ ተበጊስና፡ ነዚ ሕጂ ንህዝብና ሓሳረ-መከራ ዘጽግቦ ዘሎ ስርዓት ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና እንተደኣ ተቓሊስናዮናዮ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈኖን ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረሉን ሃገር ክንሃንጽ ከም እንኽእል ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ጥርጣረ እውን የብልናን። ህዝብና፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ እኹል ትምህርቲ ቀሲሙ ኢዩ። ደቀይ ዝበሎም ክጠልምዎን ክጭቍንዎን ከምዝኽእሉ ብግብሪ ኣረጋጊጹ ኢዩ።በዓል ኣምሰለዩ ነቲ ስርዓት ንምጽብባቕ ዝበሉ እንተበሉ ነቲ ሓቂ ክልውጥዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ እምበር ለውጢ ከምጽእ ድዩ ኣይመጽእን ኣይኰነን። ለውጢ ክመጽእ ምዃኑ ዘካትዕ ጕዳይ ኣይኰነን። እቲ ዝመጽእ ለውጢ እወንታዊ ለውጢ ክኸውን ንምግባር ግን ዓቢ ስራሕ ገዛ ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ኣሎ። ዝነበረና ሓድነትን ነብሰ-ምትእምማንን ናብ ቦታኡ ክንመልሶ ኣሎና።መንእሰያትና እናተማህሩን እናተቓለሱን ንዝሓሸ መጻኢ ክውን ክገብሩ ቆሪጾም ክብገሱ ኣለዎም። ዓበይትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ፡ ንዝተጋገየ ዓገብ ክብሉን ብስርዓት ህግዲፍ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ድምጾም ከስምዑን ይግባእ።
ኣብ መደምደምታ፡ ብምኽንያት መበል 55 ምጅማር ብረታዊ ቃልስና፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ንዘርኣዮ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋን ደጊምና ነመጕስን ንንእድን። ኤርትራ፡ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን ምብቃዓ ድማ እንቋዕ ሓጐሰና ንብል።እቲ ንዓንዲ ሕቆ መግዛእቲ ዝሰበረ ህዝቢ ንዓንዲ ሕቆ ምልኪ ከምዝሕምሽሽ ኣይንጠራጠርን ኢና።
ዓወት ንህዝባዊ ቃልስና
ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
31 ነሓሰ 2016
Press Statement on EPDP Conference on Trust Building
Wednesday, 31 August 2016 12:05 Written by EPDP Information OfficeThe Trust Building Conference organized by the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in Frankfurt, Germany, between 10 13 August 2016 was focused on the following seven themes:
- Reconciliation
- Trust building
- Role of media in trust building
- Why mistrust persists in the Eritrean opposition camp
- Conflict resolution mechanisms
- The state of Eritrean social and cultural values
- Eritrean refugee influx and solutions
Papers were presented on every topic by professionals and area experts. The presentations were followed by extended discussions and dialogue. The meaning of themes raised for discussion; their positive and negative contributions in the Eritrean national struggle as well as the various mechanisms that can be utilized to solve problems were discussed in great length at the conference which was more or less a continuation of similar endeavors in the past.

The conference scrutinized the causes of mistrust which have been bedeviling and preventing joint work in the Eritrean arena, and understood them to be remnants of lingering causes of mistrust based on unresolved political, cultural, geographical, and generational gaps in the experience of the struggle.

Naturally, conflicts do occur during liberation struggles, but, unfortunately, the major differences that cropped up in the Eritrean arena were left unresolved for long and became causes for simmering grudges and mistrust. Not respecting or not abiding by or violating rules and agreements reached at congresses and meetings have prevented the possibilities of building transparency and prioritizing actions within the Eritrean political organizations.

The telegraphic summary below lists the key public, political and diplomatic spheres analyzed in at the conference in dept exploring the strategic schemes and the manner of handling the implementation of the objectives and their outcome:
- Using the mass media to strengthen the struggle for Eritrean people's cause and never to let it fall to harmful internal squabbling nor let the ruling clique's propaganda to slip into our ranks via our own media channels;
- Recognizing that reconciliation and forgiveness are part of the price paid for lasting peace;
- Being able to use our so far side-stepped social and cultural values as building blocks for mechanisms to resolve our socio-political conflicts;
- Acquiring full knowledge and understanding of [possible divergences] between social and political groups in the society;
- Having clear and common understanding of the nature of the ruling clique;
- Giving full attention and understanding to claims of victimhood by any segment of our people;
- Sharing clear translations of media writings in Arabic and Tigrigna to all sections of the population;
- Narrowing down the widening generational gap by partly using our age-old social values as conflict resolutions mechanisms;
- Firmly believing that the sure way to remove the ruling clique depends upon our common stand and action;
- Exploring and employing all possible means and ways to help Eritreans who are suffering of the consequences of armed conflicts and war caused mental disorders and stresses;
- In particular, helping and consoling young Eritreans who are victims of the countless abuses of the ruling clique and suffering of untold miseries and psychological disorders;
- The critical urgency of creating the ground work to empower Eritrean women to play their roles from high positions of decision making and execution;
- Encouraging and promoting the growing popular movements against the ruling clique to create effective coordination of joint struggle armed with full awareness of the need of smooth transition to democratic system of governance;
- Striving to create a common and clear diplomatic action by the opposition camp and preparing/building human resources equipped with the necessary skills to do the required tasks.

The Trust Building Conference underlined that, first and foremost, there was the utmost need of making paradigm shift in the over-all attitudes of the forces struggling for change whose past pledges for action in unison did not bear fruit. Likewise, the conference participants hoped and highly recommended for efforts by all concerned to hold holding of similar workshops whenever and wherever possible.
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳናዲኡ ዝዓደሞ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ምሁራትን ለባማትን፡ መንእስያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ ነሓሰ 10 -13 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።
እዚ ዋዕላ`ዚ፡ ኣትኲሩ ዘልዓሎም/ዝዘተየሎም ነጥብታት/ዛዕባታት፡-

- ዕርቂ
- ሓድ-ሕድ ምትእምማን
- ተራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምህናጽ ሓድ-ሕዳዊ ምትእምማን
- ስለምንታይ ዘይምትእምማን ኣብ መንጎ ተቛወምቲ ውድባት ይረአ
- ኣፈታትሓ ግርጭት/ግጭት
- ሃለዋት ማሕበራውን ባህላውን ክብርታትናን ምሕላው
- ጠንቂ ስደት፡ ሳዕቤናቱን መፍትሒታቱን
ኰይኖም፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ብምሁራትን ኪኢላታትን መደረታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ዓሚቝ ክትዓትን ልዝብን ተኻይዱ። ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ኣብ ተመኩሮ ሃገራዊ ቃልስና ኣብ ምድኻም ይኹን ኣብ ምሕያል ዘለዎም ተራ፡ ከመይነቶምን/እንታይነቶምን ድሕሪ ምዝታይ መፍትሒ ዝበሎም መሳርሒታትን ኣገባባትን እውን ዘትዩ።
እዚ ዋዕላ`ዚ፡ ብመሰረቱ ሓድሽ ዘይኮነስ፡ መቐጸልታ ናይ`ቶም ብዝተፋላለየ ኩርናዓት ክካየዱ ዝጸንሑ እወታዊ ፈተነታት እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንዘይምትእምማን ጠንቅታት ኮይኖም ሓባራዊ ስራሕ ከይትግበር ቀይዶም ሒዝምዎ ንዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ኣለልዩ ብዕምቆት መርሚርዎ። እዞም ጠንቅታት ናይ ዘይምትእምማን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ጂኦግራፊያዊ፡ ናይ ወለዶ ጋግ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ተመኩሮ ሰውራና ዘይተኣልየ ሰረተት ዘለዎም ምዃኑ ተረዲኡ።
ግርጭታት ክህልዉ ባህርያዊ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ናጽነታዊ ቃልስና ዝተጋህዱ ከበድቲ ፍልልያት ብኣግኡ ከይተኣልዩ ብምጽነሖም ናይ ቂምን ቅርሕንትን ምንጭታት ኮይኖም ቀጺሎም። ይተካእ ይለቀም- ኣብ ጉባኤታት ይኹን ኣኼባታት ዝተበጽሑ ስምምዓት/ውዑላት ዘይምጽዓድን ጠሪስካ ምግሃሶምን፡ ግሉጽነት ንከይህሉን ቀዳምነታት ንከይስራዕን ቀንዲ ዕንቅፋታት ኮይኖም ምህላዎም ዋዕላ ርእዩ።

እዚ ንሰለሰተ መዓልታት፡ ብዕምቆት ዝዝተየ ዋዕላ፡ ኣብ ህዝባውን፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ጠሚቱ፡ ስትራተጂያዊ ኣተሓሕዛ፡ ንተግባራውነቱ ዝምልከት ቁርብነትን ክረጋገጹ ንዘለዎም ውጽኢታትን ጠሚቱ ብዕዘት ካብ ዝዘተየሎም፡-
- መራኸቢ ብዙሓን መሐየሊ ህዝባዊ ቃልሲታትና እምበር፡ መራሓሓቒን ንስልኳታት ሕሱር ፕሮፖጋንዳን ህግደፍ ዕድል ዘይከፍቱ ክኾኑ ምኽኣሎም፡
- ናይ ዘላቒ ሰላም ዋጋ ሕድገታት ምግባርን ይቕረ ምብህሃልን ምዃኑ፡
- ተጎስዩ ክኽየድ ንዝጸንሐ ባህላዊ ሰረትና ክብሪታትና ከም መመርኮሲ መፍትሒ ግርጭታትና ክንግልገለሉ ምኽኣል፡
- ኣብ መንጎ ህዝቢ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ክህሉ ንዝኽእል ናይ ባህልን ኣተሃላልዋን ግቡእ ኣፍልጦን ተረድኦን ምህላው፡
- ኣብ ስርዓት ህግደፍ ንጹር ሓባራዊ ተረድኦ ንኽህሉ ምጽዓር፡
- ተወጺዕና ንዝብሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ብተገዳስነት ምፍላጥን ምርዳእን፡
- ብትግርኛን ዓረብኛን ቋንቋታት ንዝጻሓፉ ትሕዝቶታት ኣብ ኣተረጓጉመኦም ከይዛብዑ ምጥንቃቕ፡
- ኣብ መንጎ ወለዶታት ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ምጽባብ፡ተጎስዩ ክኽየድ ንዝጸንሐ ባህላዊ ሰረትና ክብሪታትና ከም መመርኮሲ መፍትሒ ግርጭታትና ክንግልገለሉ ምኽኣል፡
- ንስርዓት ህግደፍ ብውሑስ መንገዲ ክንቅይሮ ብሓባርን ብስምምዕን ጥራሕ ምዃኑ ምእማንን ምትግባርን፡
- ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይ ውግእን፡ ውግእ ዝፈጠሮ ጭንቀትን ናይ ኣእምሮ ጸገምን ይወርዶ ምህላዉ ብምርዳእ፡ ፍታሕ ክረክብ ኩሉ ጻዕሪታት ምትግባር፡
- ግፍዒታት ህግደፍ ዝፈጠሮ - መንእሰያትና ብጸብጺብካ ዘይውዳእ መከራን ናይ ኣእምሮ ነውጽን ይሳቐ ምህላዉ ብምርዳእ ኣድላዪ ሓገዝን ምትብባዕን ምክያድ፡
- ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት-ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒታት ኣብ ምውሳንን ምፍጻምን ተረአን ዝዋሳኣሉ ምቹእ ባይታ ክፍጠር ወሳኒ ምዃኑ፡
- ኣንጻር ህግደፍ ንዝለዓዓል ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተወሃሂዱ ከድምዕ፡ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ዘሰጋግር ኣንፈት ሒዙ ክብርትዕን ክሕይልን ምትብብዑ፡
- ተቛውሞ ውድባት ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝነጥፋሉ ንጹር ኣስራርሓ ክህልወንን ነዚ ዘገልግል ሰባኣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ክብ ከብላን

ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን፡ ዋላ`ኳ ኣብ ሓባር ስምምዓት ንምብጻሕ ዝተገበረ ብዙሕ ፈተነታት እንተነበረ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሽቶ ዘይሃረመ ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኰነ ውልቀ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን መቐይሮ-መኣዝን (paradigm shift) ከረጋግጹን ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ክሰርሑን ኣዝዩ ህጹጽ ምዃኑ ዋዕላ ኣስሚርሉ። ከምኡ`ውን፡ ከም`ዚ ዓይነት ዓውደ-መጽናዕቲ`ዚ ልሙድ ክኸውንን ኣብ ዝተኻእለሉ ቦታን ጊዜን ቀጻሊ ጻዕሪታት ክትግበር ርእዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት
ክቡራንን ክቡራትን ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ሲቪላውያን ማሕበራት
ክቡራት ዕዱማት ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን
ክቡራትንክቡራንን ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ
ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ብሓፈሻ
ኣቐዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩምን ኣኽቢርክንን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ብምርካብኩም/ብምርካብክንን ብስመይን ብስም ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም/ን። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም/ን እናበልኩ ከኣ፡ ሓጐስን ምርድዳእን ዝሰፈኖን ፍልጠት እንቐስመሉን ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ቀጺለ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳን ሓቢረን ከም'ዚ ዝኣመሰለ ሃብታም መደባት ዘለዎ ፈስቲቫል ከዳልዋ ምብቅዐን ንኣሰናዳኢት ኮሚቴ ፈስቲቫል መጐሰይን ናእዳይን ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ ብምኽንያት ናይ’ቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ዝተኸብረ ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ንዅሎም እስላም ዓለም ብሓፈሻ ነስላም ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ ናይ ዮሃና መልእኽተይ እናመሓላለፍኩ ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዝሰፈኖ ዓመት ከዀነልና ድማ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ።

ክቡራትን ክቡራንን
ሓቀኛ መግለጺ ናይ ሃለዋት ህዝብና ብኵሉ መዳያዊ ስእነት እትብል ቃል ኢዩ ዝግለጽ። ህዝብና፡ ብስእነት መግቢ፡ ማይ፡ ስራሕ፡ ቅሳነት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራሲ . . .ወዘተ ይሳቐ ምህላዉ ብሩህን ዘየማትእን ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ክንዮኡን ድማ፡ ውጽኢት ናይ’ዚ ሃለዋት’ዚ ምዃን ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። እታ ሓንቲ መንእሰያትና ዝጽመዱላ ጻማ ዘይብላ ስራሕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ስያመ እትፍለጥ፡ ናይ ባርነት መነባብሮ ዝካየደላ ፋብሪካ ግዱድ ዕስክርና ኢያ። ብ3 ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ክሃድሙ ፈቲኖም ዝተባህሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተወስደ ናይ ቅንጸላ ተግባርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንመነባብሮኦም ኣመልኪቶም ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ዝገበርዎ ቃለ-መሓትትን ድማ ገለ ካብ’ቲ ሓቀኛ መርኣያ መንእሰያትና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓሳረ-መከራ ኢዮም።
ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፡ ነቲ ህዝብና ከሕልፎ ዝጸንሐ ሕማቕ መነባብሮ ናብ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ ኣዕሪግዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ህግዲፍ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከምዝገበሩ ክግለጹ ይስምዑ ኣለዉ። ዕላማ ናይ’ዚ መግለጺ’ዚ ነተን ረዲኤት ዝሃባ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ጀሚርና ኣሎና ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝኣመተ ኢዩ ዝመስል። ዋሕዚ ስደተኛታት ግን፡ ብምውሳኽን ምንካይን ደሞዝ ደው ዝብል ኣይኰነን። ስደት ወጽኢት ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን መሰላት ምስኣን ደኣ’ምበር፡ ምስ ደሞዝ ጥራሕ ዝተኣሳሰር ጕዳይ ኣይኰነን። ጭቆና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውግእን ወረ ውግእን ክሳብ ዝሃለወ፡ ስደት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን እኳ፡ ምቕያር ባጤራ ዘስዓቦ ትሑት መጠነ ሸርፍን ኣመሓዳድራኡን ከምዘየዋጽኦም ስለዝተገንዘቡ፡ ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ዝነበሩ ገንዘብ ደው ከብሉ ከምእተገደዱ ዝፍለጥ ኢዩ። ወጻእተኛታት ኣወፈርቲ ከኣ’ሞ እንታይ ኣሚኖም ክመጹ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ረጽሚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ኣረጋውያን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ከይኖም ኢዮም። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ናይ ውግእ ኵነታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እናበኣሰ ከምዝኸይድ ተመኵሮታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ዜጋታትናን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ይርኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝዀነ ይኹን መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፡ ንቝጣባዊ ጸገማቱ ንምቅላል ጥራሕ ብምሕሳብ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣንጻር የመን ብምድጋፍ ንመሬትን ማያትን ሰማያትን ኤርትራ፡ ባዕዳውያን ንኽግልገለሉ ኣፍቂዱ ኣሎ። እዝን እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግሃድ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚታትን ናብ ዓማሚ ውግእን ዘይምርግጋእን ከይሰጋገር ብደረጃ ህዝብና፡ ዞባናን ዓለምናን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ክቡራትን ክቡራንን
ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት፡ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ናይ ገለ ክፋል ካብ ህዝበን ተሰናቢደን፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክብላ፡ ቅድሚ ሕጂ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምድና ምስ ናይ ራዕዲ ሓይልታትን ክኸስኦም ንዝጸንሓ ስርዓታት፡ ዝልግስኦ ዘለዋ ቍጠባዊ ደገፍ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣበርቲዑ ክቃወሞ ጸኒሑን ኣሎን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ከቃልሕን ክጣበቕን፤ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ወጻእተኛታትን ዝኽፈልዎ 2% መሕወይ ግብሪ ደው ክብል፤ ንልምዓት ተባሂሉ ንኤርትራ ክውሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ረድኤት፡ ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ስለጠናታት ናይ’ቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል፤ ስደተኛታት ብነጋዶ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከውሊ ክረኽቡን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰግርሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክኽፈተሎምን ክጕስጕስ ምጽናሑን ምህላውን ዝፍለጥ ኢዩ።
ፓርላማ ሆላንድ፡ ዋላ’ኳ ደንጕዩ ዝመጸ እንተዀነ፡ ንብዙሕ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰልፍና ክሟገተሉ ዝጸንሐ ጕዳያት ዝድግፍ ውሳኔታት ምሕላፉ፤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ መበል 37 ጕባኤኡ 2% መሕወይ ግብሪ ደው ክብል ምውሳኑ፤ መንግስቲ ፈረንሳ ድማ፡ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን መራሕቲ እተኻፈልሉ ዋዕላ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምዅናኑን ደው ክብል ምጽዋዑን እቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝካየድ ቃልሲ ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ምህላዉ ዝምስክሩ ጭብጢታት ኢዮም።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ስርዓት ህግዲፍ፡ በቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ምርካቡን ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ውሳኔ ምሕላፉን ንፍናን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ክብ ዘበለን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ድማ ዘርዓደን ተረኽቦ ኢዩ ነይሩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንምድጋፍን ነቲ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ንምቅዋምን ኣብ ጀነቭ፡ ኒውዮርክ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያዶም ዝፍለጥ ኢዩ። ሎምዘበን፡ ኣብ ጅነቭ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ፡ ልዕሊ 10,000 ዝኸውን ኤርትራዊ እሞ ከኣ መብዛሕትኦም መንእሰያት እተኻፈልዎ ኢዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ደገፍቲ ስርዓት ምክፋሎም ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ እናተሸምረረ ደምበ ፍትሒ ድማ እናዓመረ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ከም በዓል ኪሮስ ኣስፍሃ፡ ምሕረትኣብ ሚኪኤል፡ ፍረሰላም ሙሴን ዝኣመሰሉ ስነ-ኪነታውያን ዘበርክትዎ ዘለዉ ንህዝቢ ዘልዓዕልን ንቓልሲ ዝዕድምን ደርፍታት፡ ዘሎና ደገፍን መጐስን ንገልጽ። እዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ ምስ’ቲ ኣብ 60ታትን 70ታት ከም በዓል ነፍስሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ፡ ተወልደ ረዳ፡ ተኽልኪኤል ገብሩ፡ ሑሴን መሓመድ ዓሊን ካልኦትን ንቓልሲ ህዝብና ንምሕያል ዝገበርዎ ኣበርክቶ ዝመሳሰል ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ በርትዑ፡ ከይሰልከኹም ንሒዝክምዎ ዘለኹም ዕላማ ክሳብ ዝዕወት ቃልስኹም ቀጽሉ ክንብሎም ንፈቱ።
ዓሚ ይኹን ሎምዘበን ብህዝብና ዝለዓል ዘሎን ጌና ድማ መልሲ ዘይረኸበን ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ፥ ድሕሪ ጅነቫ’ኸ ናበይ? ከምኡ’ውን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ስለምንታይ ኢኹም ሓቢርኩም ክትሰርሑ ዘይትኽእሉ? ምስ መንኩም ኢና ክንተሓባበር ወይ ምስ መንኩም ኢና ክንሰርሕ ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም።
ክቡራትን ክቡራንን
ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን። ነዚ ተቓውሞ’ዚ ዝመርሕ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ውደባን ግን ጌና ኣይተማልአን ዘሎ። ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ዘይብሉ ውድብ ወይ ልፍንቲ ናይ ብሓቂ ውድብ ወይ ጋንታ ኣይኰነን። ዝተኣከቡ ግን ዘየድምዑን ንቕድሚት ዘይስጕሙን ምትእኽኻብ ናይ ውልቀሰባት ኰይኖም ኢዮም ዝተርፉ። ሓበሬታታት ብግልጺ ኣይውሃሃቡን፡ ኣብ መሰላትን ግቡኣትን ይመናጨቱ፡ ኣይደጋገፉን፡ ንነብሶምን ንረብሓኦምን ጥራሕ ኣብ ምክልኻል ይኣትዉ። እንተደኣ ምትእምማን ዘይሃልዩ ኣባላቱ ብዝለዓለ ብቕዓት ክዋስኡ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዘይ ምትእምማን ናይ ምምሃዝ ዓቕምታት ክዓቢ፡ ናይ ምድግጋፍ መንፈስ ክሰፍን፡ ኣድማዒ ስራሕ ክፍጸም ኣይከኣልን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዘይተወደበ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብዝዀነ ዝተወደበ ሓይሊ ክጭወ ከምዝኽእል፡ ተመኵሮ ደርግ፡ ግብጺ፡ ሊብያን የመንን ኣብሪህዎ ኢዩ።
ናይ'ዚሰዓት'ዚ እዋናዊ ሕቶ እምበኣር ንህዝብ ንሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ኢዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ናይ ኵላትና ኢዩ። ኣብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ፡ ኣብ ኣኼባታትና ይኹን ኣብ ዕላላትና ክንዛረበሉን ክንመያየጠሉን ዘሎና ኣገዳሲ እዋናዊ ዛዕባ እዚ ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን
ብሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ብኣስላጥነት/ብመንጐኝነት ናይ መድረኽ ንሃገራዊ ልዝብ እተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሓቢሮም ንኽስርሑ ባይታ ዝመድመደ ጽቡቕ ጅማሮ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተጋህዱ ሕጽረታት ኣሪሙ፡ ኵሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣብ ምድላው ይርከብ ኣሎ። ሰዲህኤ፡ ነዚ ዋዕላ’ዚ ንምዕዋት ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቃል ክኣቱ ይፈቱ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ንጠንቅታትን መፍትሕታትን ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ሰፊኑ ዝርከብ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ዝድህስስ ምሁራትን ክኢላታትን ዝተሓወስዎ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዋዕላ ካብ 10-13 ነሓሰ 2016 ከካይዱ ቀንዩ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ዎርክሾፕ ንተኻፈልቲ ፈስቲቫል 2016 ሓበሬታ ንምሃብ ድማ፡ እቶም ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ምሁራትን ክኢላታትን ዝርከብዎ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ተዳልይልኩም ከምዘሎ ክሕብር እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ንሰዲህኤ ማእከላይ ዕላማኡ ኢዩ። ነዚ ሓድነት’ዚ ንምብትታን ዝግበር ፈተነታት ድማ ብትሪ ይዅንን ይቃለስን። ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእትን ሓደ ኢድ ኰይኑ ተታሓሒዙ ዝሰዓሮ፡ ሕጂ እውን ሓቢሩን ተወዲቡን እንተደኣ ተቓሊሱ ንምልኪ ከምዝስዕሮ ጥርጥር የብልናን። ህዝብና ሓቢሩ ንኸይቃለስ፡ ከይውደብ ዝዓለሙ ብስውርን ግሁድን ኣገባባት ጽዑቓት ወፈራታት ይካየዱ ምህላዎም ክንግንዘብ የድልየና ኢዩ። ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብምቍንጻብ፡ ኣብ መንጐ ዓበይትን መንእሰያትን፡ ኣብ መንጐ ኣውራጃታት፡ ብሄራትን ሃይማኖታትን ነቕዓት ብምፍጣር፡ ህዝቢ ከይእከብን ከይውደብን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ምህላዎም ተገንዚብና ብትርን ብብቕዓትን ክንምክቶም ኣሎና። ሎሚ ቃልስና ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደኣ’ምበር፡ ኣንጻር ሕድሕድና ኣይኰነን።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ዕድመ ምልኪ ንምሕጻር፡ ነፍስወከፍ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ ዝኣመነሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ተወዲቡ ክቃለስ መጸዋዕታና ነቕርብ።
ፍትሕን ዲሞክራስን ይዓምር!! ሓይልታት ምልኪ ይሸምረር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ፈስቲቫል 2016
12-14 ነሓሰ 2016
ጉባአ ጨንፈር
ብዕለት 21.08.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ሳልሳይ ጉባአኡ ኣካይዱ። ጉባአ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ሰናይ ምንዮትን እዩ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ተኸፊቱ። ብቐዳምነት ምልኣተ ጉባአ ተረጋጊጹ። ቀጺሉ ድማ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ዕላማ ጉባአ ተገሊጹ። ኣብ መግለጺኡ፥ ‘‘ ንሕና ከም ሰልፊ ዲ ክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉባአታትናን ሰሚናራትናን ፈስቲቫላትናን ከምኡ‘ውን እነካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታትን መግለጺ ናይ ግሉጽነትናን፥ ዕላማናን መርገጻትናን ድማ ንህዝብናን ንዓለምናን እነነጽረሎም ንጥፈታትና እዮም፤ ከምኡ‘ውን ጉባአታትና ንውሽጣዊ ኣሰራርሓናን ንጥፈታትናን ከነጽፍፍ ይሕግዙና ” ድሕሪ ምባል ኣጀንዳታት ጉባአ ኣንቢቡ።

ኣጀንዳታት ጉባአ ድማ ፡-
1) ጸብጻብ ናይ ዝጸንሐት ሽማግለ ምስማዕ፤
2) ሕቶታትን ገምጋምን ናይ ዝተሰላሰሉ ስራሓት፤
3) ኣምራጺት ሽማግለ ምምራጽ፤
4) ሓዳስ ሽማግለ ምምራጽ፤
5) ለበዋታትን ርእይቶታትን፡ እዮም ኔሮም።
ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ናይ ዝሓለፉ ንጥፈታት ናይ ጨንፈር ማለት ሓፈሻውን ገንዘባውን ናይ ተቖጻጻርን ጸብጻባት ቀሪቦም። ጉባአኛ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ጨንፈርና ዘካየዶም ኣወንታዊ ንጥፈታት ኣሞጒሱ፡ ዝነበሩ ጉድለታትን ጌጋታትን ብምጽብጻብ ድማ መአረምታ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ብምቕራብ፡ እታ እትምረጽ ሓዳስ ሽማግለ ብጽፈት ስራሓታ ከተካይድ ዝሕግዙ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ።
ጉባአኛ ብዝያዳ ዘሞጎሶም ንጥፈታት ድማ፡-
- ኣባላት ጨንፈርና ኣብቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ጀነቫ፡ ፍራንክፎርት፡ ጊሰን ... ወዘተ ዘርእይዎ ዝነበሩ ልሉይን ንጡፍን ተሳትፎታትን፤
- ኣብቲ ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብምጥርናፍ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሓባር ህዝባዊ በዓላትን (ከም በዓል ነጻነት፡ በዓል ተጎሩባ፡ በዓል ደቀንስትዮ ዓለም ወዘተ ...) ናይ ምጥርናፍ ኣኼባታትን ምርድድኣትን፤
- ሰልፍና ዘርእዮ ዘሎ ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ምቅርራብን፤
- ኩሉ ኣባል ሰልፍና ዓመታዊ ፈስቲቫልና ንምዕዋቱ ዘርኣዮ ኩሉ ናይ ጉልበትን ገንዘብን ኣበርክቶታትን፤
- ኣባላት ሰልፊ ግሩነን (ሓምላይ ሰልፊ) ጀርመን ጀርመን ኣብ ጐኒ ስደተኛታት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእ ቦታታትን ዘርኣይዎ ምትሕብባርን፤ ኔሮም።
መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ ብወገኑ፡ ንሕና መንእሰያት ነቲ ኣቦታትናን ኣያታትናን ንነዊሕ ዓመታት ተቓሊሶምን ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን ዘጽንሑልና ነጻነት ክንዕቅቦን ክንሕልዎን፡ ነቲ ዘጽንሑልና ቃልሲ ወሪስና ድማ ነዚ ንህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ንዓና መንእሰያት‘ውን ክንምዕብለሉ ዝግበኣና ዕድሜና ብከንቱ ዘጥፍኦ ዘሎ ግፍዐኛ ስርዓት ብትሪ ክንምክቶ ሓላፍነትና እዩ ብምባል ሰፊሕ ናይ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ምግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ንክልተ ዓመት ንጨንፈር እትመርሕ ሓዳስ ሽማግለ ብምምራጽን ለበዋታት ብምምሕላልፍን ጉባአ ብዝክረ-ሰማእታት ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ. ተዛዚሙ።
Frankfurt, Germany
10 August 2016
ብኣምባሳደር ዶክተር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ
ክቡራን ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን
ኣቐዲመ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ከቕርብ እፈቱ። ኣስዒበ፡ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ብምውዳብ፡ ነዚ ደሞክራስያዊ ምትእኽኻብ’ዚ ክዉን ብምግባሩ፡ አመጕስ። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ምሳኹም ክሳተፍ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ደስታ እስመዓኒ። ስለ’ቲ ዚቐረበለይ ዕድመ ድማ፡ ብልቢ አመስግን።
ኣብዚ፡ ኣብ ትሕቲ ህንጸት ምትእምማን ብዚብል ቴማ ዚተዳለወ ኣገዳሲ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ፡ ብዛዕባ ዕርቂ እየ ክዛረብ። ዕርቂ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ምትእምማን ኢዩ። ነዚ ናይ መእተዊ ዘረባይ፡ ብዛዕባ ትርጉም ዕርቂ ሓጺር መግለጺ ብምሃብ ክጅምሮ እየ። ኣስዒበ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕርቂ ኣብ ህሉው ኵነታት ሃገርና ኤርትራ ክዛረብ’የ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ዕርቂ ንምስፋን ዘካይዶ ጻዕሪ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ’የ።

1. ትርጉም ዕርቂ
በቲ ዚሓጸረ ትርጉሙ፡ ዕርቂ ባእሲ ወይ ጽልኢ ምውጋን ማለት ኢዩ። ንክልተ ብኡሳት ሰባት፡ ጉጅለታት፡ ውድባት፡ ሃገራት፡ ወዘተ.፡ ምትዕራቕ ወይ ናብ ንቡር፡ ዕርክነታዊ ዝምድና ምምላስ ማለት’ዩ። ኣብ መንጎ ሓዳር፡ ውሽጢሓንቲ ስድራቤት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ማሕበር፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ወይ ኣብ መንጎ ክልተ ማሕበራት፡ ክልተ ሰልፍታት፡ ክልተ ሃገራት፣ ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ተጻራሪ መርገጺታት፡ ተገራጫዊ ኣረኣእያታት ኣብ ዚህልወሉ፣ ዕርቂ ኪግበር ይከኣል። ዕርቂ፡ ምቍራጽ ባእሲ፡ ምውጋን ፍልልያት ወይ ምምላስ ናብ ንቡር ዝምድናታት የምልክት።
ቃል ብቓሉ፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ነገራት፡ ሰባት፡ ሃገራት፡ ሓሳባት፡ ስኒት ወይ ስምምዕ ምፍጣር ማለት ኢዩ። በቲ ፖለቲካዊ መዳዩ እንተወሰድናዮ ድማ፡ ኣብ ፍልልያት ናይ ኣተሓሳስባ፡ ኣረኣእያ፡ መርገጺ፡ ንዚምርኰስ ጽልኢ ኣሊኻ፣ ናብ ንቡር ዝምድናታት ብምምላስ፡ ዋላ ኣብ ኵሉ ጕዳያት ኣይትሰማማዕ፣ በቲ ዚተሓተ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ማለት በቲ ዘሰማማዓካ ነጥብታት፡ ምእንቲ ናይ ሓባር ዕላማ፡ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ንምስራሕ ምስምማዕ ማለት’ዩ።
ብመልክዕ’ዚ ኣጠማምታ’ዚ፡ ዕርቂ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ሓሳባት፡ እምነታት፡ ኵነታት ብመንገዲ ልዝብ ባእሲ ኣደቂስካ፡ ንጽልኢ ብስኒት ምትካእ ማለት ኢዩ። ዕርቂ ብዕዉት መደምደምታ ኪወጽእ ድማ፡ ፖለቲካዊ ድሌት ይሓትት። እቶም ተዋሳእቲ፡ ንዅሉ’ቲ ዘሰሓሕቦም ጕዳያት ንምፍታሕ፡ ኣብ መኣዲ ልዝብ ቀሪቦም፡ ገጽ ንገጽ ብምዝርራብ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብጻሕ ድሉዋት ኪዀኑ የድሊ።

ኣብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ኣብ ክፍለ-ዓለምና ድማ ብፍላይ፡ እቲ ከምቲ ዚዓበየ ዘመናዊ ፍጻሜ ናይ ዕርቂ ዚጥቀስ ኣብነት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ኣብ 1994 ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብቂዑ፡ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተተክአ፡ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ቈይማ ከም ዝነበረት ኵላትና ንዝክር። ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ውጽኢታት ስራሕ ናይታ ኮሚሽን፡ መዓልቲ ዕርቂ (Day of Reconciliation) ዚበሃል ሃገራዊ በዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ምእማም ነይሩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 16 ታሕሳስ ከም ሃገራዊ በዓል፡ በብዓመቱ ንዅሉ ግዜ ኪትኽበር ወሲኑ። ይዅን’ምበር፡ 16 ታሕሳስ ንመጀመርያ እዋን ኣይኰነን ከም ሃገራዊ በዓል ኪትኽበር ጀሚራ። ከም ሃገራዊ በዓል ነዊሕ ታሪኽ ጸኒሑዋ ኢዩ። ምናልባት ብዙሓት ነቲ ታሪኽ ትፈልጡዎ ትዀኑ። ናይ ሓባር መረዳእታ መታን ኪህልወና ግን፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣበጋግሳ መዓልቲ ዕርቂ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘረባይ ኣመግየ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገክጽ እየ።
ኣብ ትሕቲ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ 16 ታሕሳስ ካብ 1838 ኣትሒዙ፡ ከም ሃገራዊ በዓል ትኽበር ነይራ። ስለምንታይ፧
ኣብ 1838፡ ውግእ ፈልግ ንኮመ (Ncome River) ተኻይዱ። ኣብቲ ውግእ’ቲ፡ 464 ወረርቲ ኣፍሪካነርስ ወይ ባወርስ (Afrikaners/Boers) ኣንጻር ልዕሊ10,000 ተዋጋእቲ ዙሉ (Zulu warriors) ገጢሞም። ውጽኢቱ፡- ዝያዳ 3,000 ዙሉ ተቐቲሎም፡ 3 ባወርስ ቈሲሎም። እቲ ሬሳታት ኣብቲ ፈለግ ዛሕ ኢሉ፡ ንሕብሪ ናይቲ ውሕጅ ስለዚቐየሮ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ፈለግ ንኮመ፡ ፈለግ ደም ተሰይሙ። መሬት ዙሉ ብኣፍሪካነርስ ተታሒዙ። እቶም ኣፍሪካነርስ ኣብቲ ውግእ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንእግዚኣብሄሮም ብምምህላል መብጽዓ ኣትዮምሉ ነይሮም። ኣብቲ ውግእ እንድሕሪ ስዒሮም፡ ኣብታ ቦታ ከም መዘከርታ እተገልግል ቤተ-ክርስትያን ኪሰርሑ፡ ነታ ዕለት’ቲኣ ድማ ዓመት-ንዓመት ብወግዒ ከብዕሉዋ ምዃኖም። ከምታ ዚኣተዉዎ መብጽዓ ድማ፡ ካብ 1838 ክሳብ 1994፡ 16 ታሕሳስ፡ ከም መዓልቲ መብጽዓ፡ ከም መዓልቲ ምስጋና (Day of Vow or Day of Thanksgiving)፡ ን156 ዓመታት ተኸቢራ።

16 ታሕሳስ 1838፡ ነቶም ባወርስ መዓልቲ ዓወት፡ ትእምርቲ ሓበን፣ ነቶም ዙሉ ግን መዓልቲ ስዕረት፡ ትእምርቲ ውርደት; ትእምርቲ ምሕዳግ ወይ ምዝራፍ መሬቶም፡ ኢያ ነይራ። ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ድማ፡ ዓወት መግዛእታዊ ወራር፡ ስዕረት ሃገራዊ ተቓውሞ ተመልክት። ደበስ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብሳር፡ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጕባኤ (African National Congress) ኣብ 16 ትእሕሳስ 1961 ስርዓት ኣፓርታይድ ንምእላይ፡ ብረታዊ ተቓውሞ ኣበጊሱ። እቲ ወግዓዊ ማዕርነት ኵሎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ዚኣወጀ ሓድሽ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ንእማመ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ብምጽዳቕ፡ 15 ታሕሳስ መዓልቲ ዕርቂ ኪትከውን ወሲኑ፡ ዛጊት ን12 ዓመታት ዓመት-ዓመት ኪትበዓል ጸኒሓ።
ብኸምዚ ድማ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣፓርታይድ ንመብዛሕትኦም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ግናይ መዘከርታ ስዕረትን ውርደትን ትበዓል ዚነበረት ዕለት፡ ኣብ ደሞክራስያዊት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዚተኻየደ መስርሕ፡ ዛጊት ተዓዊቱ ዶ ኣሎ ኣይተዓወተን ብዘየገድስ፡ ሓድሽ መንፈስ ናይ ዕርቂ ከስፍን ሓሊኑ። በዚ መሰረት ድማ፡ 16 ታሕሳስ ከም ናይ ሓባር ሰናይ ትእምርቲ ዕርቅን ሃረርታ ሃገራዊ ንሓድነትን ዓሌታዊ ስኒትን ትኽበር ኣላ። ንሕና ካብዚ ተመክሮ’ዚ እንታይ ምህሮ ንቐስም፧ ነናይ ገዛእ ርእስና መደምደምታ ክንግበር ንኽእል። ብውሑዱ ግን፡ ዕርቂ ኣብ ፍትሒ ኪምስረት ከም ዚግባእ፣ ገበን ዚፈጸመ፡ ብጭብጢ ምስ ዚረጋገጽ፡ ፍርዱ ከልዕል፡ ኪናሳሕ፡ ኪኽሕስ፡ እቕሬታ ኪሓትት፣ ዚተበደለ ፍትሒ ኪረክብ፡ ኪከሓስ፡ ምሕረት ኪገብር፣ ኣድላዪ ምዃኑ ክንግንዘብ፡ የድሊ። ዕርቂ ዚዕላምኡ፡ ፍትሒ ዘመሓድር ፍርዳዊ መስርሕ ድማ፡ ኣራምን መሃርን’ምበር፡ ቅርሕንቲ ንምውጻእ ዚካየድ ፈዳይ ሕነን ቀጻዕን ኪኸውን ኣይግባእን።

ዕርቂ ኣብ ህሉው ኵነት ኤርትራዊ ዳያስፖራ
ኣብዚ ብዛዕባ ዕርቂ ክንዛረብ እንከሎና፡ ብደረጃ ሃገር፡ ብደረጃ ውድባት፡ ብደረጃ ሓፈሻዊ ፖለቲካ ኣልዒልና ክንዝቲ ንኽእል ኢና። ይዅን’ምበር፡ ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዕርቂ ኣብ ዳያስፖራ ኣተኲረ እየ ክዛረብ።
ዚተፈላለዩ ኣሃዛዊ ግምታት፡ ሎሚ ኣስታት ሓደ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ስደት ወይ ኣብ ዳያስፖራ ከም ዚነብር ይሕብሩ። መብዛሕትኡ ድማ፡ ብጕዳይ ሃገሩ ሕሙም፡ ብኵነታት ህዝቡ ሕዙን፡ ብድሌቱ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሕቡር ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ዛጊት፡ ሓድሕዳዊ ዝምድናታቱ ኰነ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ብስኒት፣ ኣተሓሕዛኡ ንፍልልያት ኣረኣእያ ኰነ መርገጺ፡ ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ምጽውዋርን ዚልለ ኣይኰነን።
መብዛሕትኡ (the silent majority) ኣብ ገዛእ ጕዳዩ፡ ኣብ ውራይ ሃገሩ ዳርጋ ተዓዛቢ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ኣዝዩ ውሑድ፡ ኣብ መንጎ ደጋፍን ተቓዋምን ምልካዊ ስርዓት ተመቓቒሉ ንጡፍ ተራ ኪጻወት ጸኒሑ። ንግዜኡ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ተዓዛብን ደጋፊ ምልካዊ ስርዓትን ኰይኑ ዚጸንሐ ንጐድኒ ገዲፍና፡ ንኵነታት ናይቲ ተቓዋሚ ወገን ንመርምር። እቲ ምርምር መታን ኪቐለልና፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዜናዊ ማዕከት ነጻጺልና ክንርእዮ ንፈትን። ከመይ ዚኣመሰለ ስእሊ ንረክብ፧ በብመዳዩ ተሳንዩ፡ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ብናይ ሓባር ራእይ ንናይ ሓባር ዕላማ ዚሰርሕ ወይስ ንሓድሕዱ እናተጠቓቐዐ፡ ጐድናዊ ፖለቲካዊ ቍርቍስ እናካየደ ብተናጸል ዚሰርሕ፧
ኤርትራዊ ፖለቲካ ዳያስፖራ፡ ብብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዜናዊ ማዕከናት ኢዩ ዚልለ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ኰነ ዜናዊ ማዕከናት፣ ኣብ ክንዲ ብተናጸል፡ ኣብ ብውልቃዊ ቅርሕንቲ ዚድፋእ፡ ፍረ-ኣልቦ ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ምጥቕቓንን፡ ናብ ናይ ሓባር ዕላማ ዚቐንዐ፡ ኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ፤ ኪብገሱ ይግባእ። ምስቲ ኵሉ ፍልልያቱን ከሰንዮ ዚጸንሐ ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ምጽልላምን፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምቅላዕን ንቑሕ ሃገራዊ ተቓውሞ ኣብ ምዅስኳስን፡ ዛጊት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ። እዚ ዅሉ ግን እኹል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ እቲ ቀንዲ ዕላማ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ደሞክራስያዊ መተካእታ ምምጻእ ስለዚዀነ።
ምልካዊ ስርዓት ቀይሩ፡ ብቅዋም እትመሓደር፡ ንዅሎም ዜጋታታ ማዕረ ናጽነታት፡ ማዕረ መሰላት፡ ማዕረ ዕድላት እተረጋግጽ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ዘኽእል ኣድማዒ ምጥራይ ዕርቂ ይሓትት። ዕርቂ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፧ ዕርቂ ኣብ መንጎ ዜናዊ ማዕከናት። ከም ውጽኢት ናይዚ ዕርቅታት’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ውህደት ሓባራዊ ጻዕሪ ናይ ኵሉ ተዋህሊሉ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚካየድ ቃልሲ መላእ ህዝብና ተደሚሩ፡ ናብታ ኵላትና ሃረር እንብላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ከብጽሓና ይኽእል።

እቲ ስዒቡ ዚለዓል ሕቶ፡ ዕርቂ ብኸመይ ኣገባብ፡ በየናይ መንገዲ ዚብል ኢዩ።
-
ጻዕሪ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንዕርቂ ኣብ አርትራዊ ዳያስፖራ
እቲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ጀሚሩዎ ዘሎ መስርሕ ምህናጽ ጥርኑፍ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ናይ ሓባር ራእይ ዚተመስረተ ናይ ሓባር ሸቶ ንምውቃዕ ተበጊስና፣ ብናይ ሓባር ዋንነትን ጻዕርን ተበጊስና እንተድኣ ሰሪሕና፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ብዚሰለጠ መንገዲ፡ ዓወትና ከነረጋግጽ ዚከኣል እመስለኒ።
-
ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እታ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዚተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ዚቘመት Ad-Hoc Contact Group፡ ዅለን ፖለቲካዊ ውድባት፡ እንተላይ እተን ብዚተፈላለየ ምኽንያታት፡ ኣብቲ ዋዕላ ዘይተሳተፋ፡ ዚሓቍፍ፡ ዳግማይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ንምስልሳል ምድላዋቱ ኣብ ምጽፋፍ ይርከብ። ኵሉ’ቲ ኣድላዪ ተክኒካዊ ምቅርራብ ምስ ተማልአ ድማ፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ኪጋባእ ኢዩ። ስዒቡ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናይ ዕርቂ ምስፋንን፡ ብዚሓሸ ጥርናፈ፡ ዚተወሃሃደ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንምክያድን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡-
-
ዓውደ-መጽናዕቲ በርጌሳዊ ማሕበራት፣
-
ዓውደ-መጽናዕቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣
-
ዓውደ-መጽናዕቲ ዜናዊ ማዕከናት፣
-
ሓባራዊ ዋዕላ ናይ ኵሉ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት፣
በብምድቡ ኪከየድ መደባት ተታሒዙ ኣሎ። እዋኑ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ኣብ ግዜኡ ኪሕበርን ኪሰላሰልን ኢዩ።
ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ አመስግን!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ኣብ ዋዕላ ምህናጽ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝቐረበ መደረ
10-12 ነሓሰ 2016
ፍራንክፈርት፡ ጀርመን
ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካሊፎርኒያ ዝነብር ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እየ።
ክቡር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መግስተኣብ ኣስመሮም
ክቡራት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራት ወከልቲ ዕዱማት ውድባት
ክቡራት ኣቕረብቲ መጽናዕቲን ተሳተፍቲ ዋዕላ ብሓፈሻን
ኣቐዲመ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዘተ ተረዲኡ ነዚ ኮንፈረስ‘ዚ ከዳሉ ምብቅዑ ከሞግሶ እደሊ። ቀጺለ ኣብ‘ዚ ኮንፈረንስ‘ዚ ተረኺበ ኣስተዋጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃበኒ ብልቢ አመስግን። ዕዉት ዋዕላ ክኾነልና ድማ እምነ። ምልኪ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እንከሎ፣ ሓይሊ ተቓውሞ ተጠርኒፍና ፍትሓዊ ስርዓት ክንተክል ካብ ዘየኽእሉና ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ ኣብ መንጎና ምትእምማን ዘይምህላዉ እዩ። እሞ እዚ ዋዕላ‘ዚ „ዋዕላ ምህናጽ ሓድሕዳዊ ምትእምማን“ ብዝብል ኣርእስቲ ምክያዱ ለባም ውሳኔ እዩ።
ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ „ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ“ ዝብል እዩ።

ኩልና ከምእንፈልጦ እዚ ኣርእስቲ‘ዚ ኣዝዩ ዓቢ ከምምዃኑ መጠን፡ ብዙሕ ክዝረበሉ ይኽእል‘ዩ። ብዝተኻእለ መጠን ኣሕጽር ኣቢለ መበገሲ ምይይጥ ክኾነና ይኽእል ዝበልኩዎ ከቕርብ‘የ።
ብቐዳምነት ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክንዛረብ ምትእምማን እንታይ ማለት‘ዩ ክንብል የድልየና።
ሚርያም ወብስተር መዝገበ ቃላት ንእምነት
Trust is assured reliance on the character, ability, strength or truth of someone or something. ማለት ኣብ ጠባይ ክእለት ሓይሊ ወይ ሓቅነት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ምሉእ እምነት ምንባር ክብል ይገልጾ።
ምትእማምን ክህሉ ይኹን ንኸይህሉ፡ ብናይ ደገን ውሽጥን ረቋሒታት ዝግዛእ‘ዩ። ኣብ ኩነታትና እንተተመልከትና‘ውን፡ ክልቲኡ ረቋሒታት ብብሩህ ንርእዮ።
ግዳማዊ ረቋሒ፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ጸለመ ወፈራ እዩ። እዚ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሎም መለኽቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ‘ዩ። ንዓመታት እዚኦም ኣይጠቕሙን‘ዮም፣ ከዳዓት‘ዮም ዝተበሃልናዮ፣ ህዝብና ኣብ ልዕሌና እምነት ከምዘጉድል ጌሩዎ‘ዩ።

ውሽጣዊ ረቋሒታት ብዙሕ ጨናፍራት ኣለዎ። ገለ ነጥብታት ክጠቅስ
-
ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራትና፡ ነቲ ብጸላእትና ኣብ ልዕሌና ዝተኻየደ ጸለመ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ተቕቢልና ምቅልሑ እዩ። እቲ መላኺ ስርዓት ኣይጥቕሙን‘ዮም ይብለና፡ ንሕና ድማ ኣይንጠቅምን ኢና ክንብል ንውዕል። ኣብ ክንዲ ክንጥርነፍ ንኽእል ኢና ኢልና ንብገስ፡ ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ንጅምር። እቲ ጸገም ንዓቒ ክንዕቕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም እቲ ዝነዓቕ ክቕበሎ ከሎ እዩ። ኤለኖር ሮዘቨልት ዝበለቶ ውሩይ ጥቕሲ ኣሎ። „No one can make you feel inferrior without your consent“ ማለት ብዘይ ስምምዕካ ትሑት ዝገብረካ የሎን ትብል። ካልእ‘ውን፡ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኢሎሞ ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ። ንሱ ድማ „ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና“ ዝብል‘ዩ። ከም ዝዝንቶ፡ ኣብ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ከምኡ ክብሉ ከለዉ፡ ጓሂኦም ክገልጹ ዝበሉዎ‘ምበር፤ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንዘልኣለም ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና ማለቶም ኣይነበረን። ምስ ግዜ ምንዋሕ ግን፡ እቲ ዘበገሶም ምኽንያት ተረሲዑ ኣሉታዊ ትርጉም ሒዙ ከይዱ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓይሊ ተቓውሞና ንምጥርናፍ ኣብ እንካይዶ ዘሎና ቓልሲ፡ እዚ ትርጉሙ ዝቐየረ ኣበሃህላ‘ዚ ኣዝዩ ጎዳኢ ይኸውን ኣሎ። እምበኣር ቅድሚ ኵሉ ኣተሓሳስባና ከነመዓራሪ ንኽእል ኢና ብምባል ክንብገስ የድልየና። ትሒቱ ወይ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ነብሰ ተኣማምነትና ክብ ክነብል ቅጽበታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ክንጥርነፍ ዓቕሚ ከምዘሎና ምእማን የድሊ።
-
ኣብ ሕሉፍ ምንባር፡- ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምስ ኩነታት መርገጻት ክቀያየር ንቡር‘ዩ። ኣብ ተመኩሮና ግን፡ ምስ ሓድሽ ኩነታት ንኽንጉዓዝ ኣረኣእያና ክንቅይር ንጽገም። ሓድሽ መድረኽ፡ ሓድሽ ዝምድናታት እዩ ዝፈጥር። ኣብ ሓደ መድረኽ ኣንጻር ዝነበረ ሓይልታት፡ ኣብቲ ዝስዕብ መድረኽ ክራኸብ ይኽእል። ብመጠኑ ሓይልታት ተቕዉሞና ሓድሽ ዝምድናታት ክፈጥሩ ፈቲኖም‘ዮም። ግን እቲ ኣተሓሳስባ ስለዘይቅየር እቲ ዝፍጠር ሓድሽ ዝምድናታት ነዊሕ ከይከደ ይፍንጣሕ። ፖለቲካን ቂምን መኻይዲ ኣይኮኑን። ኣባና ግን፡ ኣብ ሕሉፍ ስለእንነብር ቂምን ቅርሕንትን ሒዝና ኣብ ውዕላት ስለንኣቱ እዩ ዘይቕጽል። ኣይተበድልናን ማለት ኣይኮነን። ቂምን ቅርሕንትን ሒዝና ምንባር ግን ንቕድሚት ዘየሰጉም ናይ ሓንጎል መቑሕ ምኻኑ ተረዲእና ሓዳጋት ክንከውን ይግባእ። ሕድገት ነቲ ዝሕደገሉ ዘሎ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝሓድግ ዘሎ እዩ፡ ካብ ናይ ሓንጎል መቑሕ ሓራ ዘውጽእ። እቲ ናይ ልሳን መቑሕ ዝሰበርናዮ ንመስል። ሎሚ ኩሉ‘ቲ ክንገብሮ ዘድልየና ንብሎ ኣሎና። ናብ ተግባር ክንሰጋገር ግን ካብ‘ቲ ናይ ሓንጎል መቑሕ ኮይኑ ኣሲሩና ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክንላቐቕ የድልየና።
-
ቅድመ ፍርዲ ምሃብ፡- እዚ‘ውን ሓደ ካብቲ ዓቢ ሽግራትና እዩ። ዉልቀ ሰብ ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ከይተዛረበ ኣቐዲምና ንፈርዶ። መብዛሕቲኡ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ክኸይድ ከሎ፡ ክሰምዕ ዘይኮነ ክምክት ወይ ክጻረር እዩ ዝመጽእ። ንባዕሉ እቲ ቋንቋ እንጥቀመሉ‘ውን ዘለፋ ዝመልኦ ኮይኑ፡ ንዘተን ምቅርራብን ዝዕድም ኣይኮነን። ነዚ ዝገልጽ ካብ ተመኩሮና ክጠቅስ እደሊ። ድሕሪ‘ቲ ናይ 1981 ኲናት ሓድሕድ ኣብ ኮሮኮን ምስኣቶና፡ ዶር ሃብተ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣነ‘ኳ ኣይተሳተፍኩዎን ግን፡ ኣብ‘ቲ ከባቢ ነይረ ከምዝሰማዕኩዎ፡ ዶር ሃብተ ኣኼባኡ ወዲኡ ኣብ ሕቶን መልስን ምስተኣትወ፡ ናህሪ ብዝነበሮ ብዙሓት ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም። ክልተ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ኣባላት ናይ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ዝኸደ ምፍንጫል ነንበይኑ መርገጻት ዝወሰዱ፡ ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም። ዶር ሃብተ ነቲ ሓደ ንስኻ ኢሉ ክዛረብ ዕድል እንተሃቦ፡ ቅድም ንሱ ይዛረብ ኢሉ መሊሱሉ። እዚ ኣንታይ እዩ ዘርእየና፡ እቲ ብጻዩ ካብ ናቱ ዝተፈልየ መርገጽ ስለዝነበሮ፡ ከይተዛረበ እንከሎ ክቃወሞ ምውሳኑ እዩ። ከይሰምዖ እንከሎ ቅድመ ፍርዲ ብምሃብ ክቃወሞ ወሲኑ።

እቲ ናይ ሃዲእካ ምምይያጥን ሽግርካ ምፍታሕን ባህልና ናበይ ከይዱ? ወለድና ዋላ ነንበይኑ ርእይቶ እንተነበሮም „ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር ትጋገዩ ኣለኹም“ ወይ „ለባም ከምዚ ከማኹም፡ ትሕሽዎ ደኣ“ እናበሉ ዶ ኣይኮኑን ዝካትዑ ዝነበሩ? ናበይ ከይዱ እዚ ባህሊ‘ዚ ኢለ ክሓስብ ከለኹ፡ ቀንዲ ካብ‘ቲ ምኽንያታት እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና ዘእተናዮ „ሰውራዊ ባህሊ“ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልኩም። ብ1978 ዓ. ም. ፈ. ምስ ሓንቲ ብጸይተይ ናብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንኣቱ ኔርና። ኣብኡ ትፈልጡዎም ትኾኑ ኣቦይ ኣብርሃ ዝበሃሉ ተቓላሳይ ኔሮም። ሓደ ማንጆስ ንብሎ ከኣ ወዲ 15 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ኔሩ። ናብ‘ቲ መደበር እና ኣቶና „ኣብርሃ ተራኻ‘ዩ ማይ ውረድ ክብሎም ሰሚዕና“። ብጣዕሚ ሰንቢድና ከመይልካ ከምዚ ትብሎም? ኣቦኻ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብሓጎኻ ክኾኑ ይኽእሉንድዮም ንብሎሞ „ክሊ ግደፍና። ዴስነት እኳ‘ዩ። ኩልና ሓደ ኢና“ ክብል መሊሱልና። ብዙሕ ኣብነታት ክጠቅስ ምኸኣልኩ። ከይነውሓና ግን ክገድፎ‘የ። እቲ „ሰውራዊ ባህሊ“ ዝበሃል ነቲ ክቡር ባህልና ኣብ ምጥፋእ ዓቢ ግደ ነይሩዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
-
ርእይቶ ናይ ምቕያር መሰል ዘይምሕላው፡- ምዕብልና ርእይቶ ብምቕያር‘ዩ ዝምዝገብ። ዓለምና ኣብዚ ዘላቶ ምዕብልና ዝበጽሐት፡ ሓድሽ ምህዞታትን ሓሳባትን እናተቐበለት‘ዩ። ደቂ-ሰባት ብባህርያትና ሓድሽ ሓስባት ናይ ዘይምቕባል ጸገም (Resistance to change) ኣሎና። እዚ ድማ እንፈልጦን ዝለመድናዮን ስለዝቐለልና‘ዩ። ዓለምና‘ውን ለውጢ ብቐሊሉ ናይ ዘይምቕባል ጸገም የብላን ማለት ኣይኮነን። ጋሊለዮ ዝተባህለ ፈላስፋ ሓደስቲ ሓሳባት ምስኣቕረበ፡ ኣብ 1633 ብሮማውያን ተኾኒኑ፡ መጻሕፍቱ ከይንበብ ተወጊዱ ክሳብ ግዜ ሞቱ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ‘ዩ ሓሊፉዎ። ድሕሪ ዓመታት ግን፡ ዓለም ናይ ጋሊለዮ ሓሳባት ተቐቢላ፡ ኣብ‘ዚ ዘላቶ ስልጣኔ ክትበጽሕ ክኢላ።
-
ዋጋ ዕዳጋ ምግባር ከም ስንፍና ምርኣይ፡- ደቂ-ሰባት ዝተፋላለየ ርእይቶታት ክህልወና ባርያዊ እዩ። ኣብ ዕጹው መንገዲ ምስዝብጻሕ ግን ዋጋ ዕዳጋ ምግባር‘ዩ መንገዲ ዘቐጽል። ሓደ ኣብነት ካብ ታሪኽ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክጠቅስ። ጊላነት ንምድምሳስ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቓልሲ፡ እቶም ጸሊም ምሉእ ሰብ ኣይኮነን ዝብሉን ምሉእ ሰብ እዩ ዝብሉን ምስተፋጠጡ፡ ዋጋ ዕዳጋ ጌሮም። ጸሊም፡ 3/5 ማለት ሰለስተ ሕምሲት ኣይ ሰብን እዩ ኣብዝብል ተሰማሚዖም። ድሒሮም፡ ንጸሊም ከም ምሉእ ሰብ ዝቕበል ሕጊ ኣጽዲቖም። እቲ ዋጋ ዕዳጋ ዝገበርዎ መስጋገሪ ኮይኑ። ናይ እንግሊዝኛ ምስላ „ኣብ ፍርቂ መንገዲ ጽንሓኒ“ (Meet me half way) ዝብል ኣሎ። እዚ ንፍትሓዊ ቓልሲ ሕብረተሰባት ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ዓቢ መሳርሒ እዩ። ኣብ ኩነታትና ግን፡ ንዋጋ ዕዳጋ ከም ተምበርካኽነት ንርእዮ። ውድባት ንዘተ ክእትዋ ከለዋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ መደባተን ክዕውታ ይኸዳ። መብዛሕተአን ብኸምኡ ስለዝመጻ ኸኣ ንሓድነት ንገብሮ ፈተነታት ኣይዕወትን። ምእንቲ ህዝብና ክነድሕን፡ ቀዳምነታት ሰሪዐን ዋጋ ዕዳጋ ጌረን ንቕድሚት ከሰጉማና ህጹጽ ተደላይነት ኣለዎ። ዋጋ ዕዳጋ ናይ ምግባር ክእለት ሓይሊ‘ምበር ድኽመት ኣይኮነን። መንጸፍ ምዕብልናን ሰላምን‘ዩ። መንጸፍ ሰላም ከኣ ሕድገትን ዋጋ ዕዳጋን‘ዩ።
-
ምትእምማን ብሓባር ካብ ምስራሕ ከም ዝፍጠር ዘይምርዳእ፡- ምትእምማን፡ ብምፍላጥን ብሓባር ምስራሕን እዩ ዝምስረት። ቀዳምነታትና ብግቡእ ሰሪዕና በቲ ኣንሰማማዓሉ ሓሳባት መደባት ሓንጺጽና እንተሰሪሕና ክንተኣማመን ንኽእል። ኣብ‘ዚ መዳይ‘ዚ፡ ዘረጋገጽናዮ ዓወታት ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጀነቫን ካልኦት ቦታታትን ጽቡቕ ኣብነት‘ዩ። እቲ ጸገምና ብማዕዶ ኣብ ዝንዛሕ ናይ ጸለመ ወረታት ተመርኲስና ስለ እንፈራረድ‘ዩ። ነዚ ንምስዓር ብሓንሳብ ምስራሕ የድሊ።
-
ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይምህላው፡- ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይምህላው ሓደ ካብቲ ዓቢ ጸገማትና ኮይኑ ይርኣየኒ። ኣብ ክንዲ ዕላዊ መግለጺታት ኣንቢቡ ሰብ ዝዛረብ፡ ኣንቢበ ብዝብል መን ምዃኑ ዘይፍለጥ ሰብ ዝተዘርገሐ፡ ንትርጉም ዝቕይር ወረታት ተመርኲሱ ይዛረብ። ጭቁን ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኣብ መለኽቲ እምነት ስለዘይብሉ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ብታሕቲ ታሕቲ ዝዋፈር ወረታት እዩ ዝምርኰስ። ኣብ ዳያስፖራ አንነብር ግን፡ ብዛዕባ ኩነታት ተቓውሞና ንምፍላጥ ኣብ ወረ ክንምርኰስ ኣየድልየናን እዩ። ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ዕላዊ መግለጺታት ክነንብብ፡ ኣብ ኣኼባታት ተሳቲፍና ክንሰምዕን ክንሓትትን ብኡ መሰረት ከኣ ሚዛን ክንወስድ ይግባእ። ብመሰረቱ ኸኣ ናይ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ታሪኽ ዓለምን ሕጂ ዝኸይድ ዘሎን ብምንባብ ኢና ክንመሃሮ እንኽእል። ምንባብ ኣተሓሳስባና ከነስፍሕ ስለ ዘኽእለና።
-
ብምኽንያት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ጸገማት ንብሎን ንገብሮን ዘይምስናይ፡- ኩሎም እነልዕሎም ጭርሖታት ቅኑዓት‘ዮም። ብግብሪ ግን ኣይስነዩን። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፡
-
ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸል ንብል። እገሌን እገሌን ስልጣን ደልዮም ኢዮም ኔው በልዎም ከኣ ንብል። ስልጣን ዝህብ ህዝቢ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ክትመርጽ ኢኻ ንእገሌን እገሌን ግን ኣይትመርጸሙን ኢኻ'ዶ ኣይኮናን ንብል ዘሎና። ወዮ ህዝቢ እዩ ዝመርጽ ንብሎ ደኣ ኣበይ ከደ?
-
ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝፈቅድ ስርዓት ክንተክል ንብል። ኩለን ዉድባት ሓደ ይኹና ከኣ ንብል። ሓደ ውድብ ምልኪ እዩ ዘምጽእ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ምልኪ ንብሎ ሰልፍታት ስለ ዘይፈቅድ እዩ። ሓደ ሰልፊ ምህላው ሓድነት ማለት ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ምሃለወ ነይሩ።
-
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የሎን ንብል። ክሳተፋ ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ርእይቶአን እንተሃባ፡ ኣነዋሪ ጸርፍታት ተጸሪፋን ይባረራ።
-
መንእሰያት መሪሕነት ውድባት ክርከብዎ ኣለዎም ይበሃል። ዝበዝሑ መንእሰያት ግን ምእንቲ ተመኩሮ ክቐስሙ ክዉደቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ዘይምዉዳብ ከም ምዕብልና ይዉሰድ።
-
ህዝቢ ተጠርኒፉ ኣንጻር ምልኪ ክለዓል ንጽውዕ። ነቲ ስርዓት ገዲፎም ዝመጹና ኸኣ ንነጽግ።
-
ህዝቢ ክጥርነፍ ኣለዎ ንብል ውድባት ኔው በልወን ከኣ ንብል። ምጥርናፍ ማለት ምውዳብ ማለት እዩ። ዘይተወደበ ህዝባዊ ምልዕዓላት ምልኪ ክፍርስ ይኽእል‘ዩ። ቀላሲ ዘይብሉ እንተነይሩ ግን ፍትሓዊ ስርዓት ክተክል ኣይክእልን‘ዩ። ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ‘ዩ ስልጣን ዝምንዝዕ። ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ኣብነታት ኣሎ። ኢትዮጵያን ግብጽን ክንጠቅስ ንኽእል። ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ተላዒሉ ንንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላስየ ምስኣፍረሰ፡ መተካእታ ዝኸውን ውዱብ ሓይሊ ስለዘይነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም‘ዩ ጨውዩዎ። ኣብ ግብጺ‘ውን ናይ ሙባረክ ስርዓት ድሕሪ ምፍራሱ፡ ህዝቢ ዝተመነዮ ስርዓት ኣይተተኽለን። ብመሰረቱ ድማ ዘይተወደበ ኣይዕወትን እዩ።
-
ውድባት ኣይጠቕማን ይበሃል። እዘን ዉድባት ሓድነት ዘይገብራ ከኣ ይበሃል። ዝምራሕ ዘይብሉ መራሒ የሎን። ዉድባት ይበዝሓ እንተልየን ክፍንጨል ዝደለየ መራሒ ሰዓቢ ስለዝረክብ ዘሎ እዩ። ሓድነት ከኣ ብኣዋጅ ኣይኮነን ዝመጽእ። ሓድነት ህጹጽ ጠለብና እዩ። ከም ህዝቢ ብድፍረት ንዝተጋገየ ዓገብ ክንብልን ምስ ኣባላት ካልኦት ዉድባት ክንላለን ብንሰማማዓሉ መደባት ብሓንሳብ ክንሰርሕን ይግባእ። ህዝቢ እንተተቐራሪቡ ውድባት ናብ ዘብለኦ የብለንን።
-
ኣብ መንጎ ዕርክነትን ንዓላማ ብሓንሳብ ምስራሕን ዘሎ ፍልልይ ዘይምርዳእ፡- ንፍትሒ ንቃለስ ዘሎና ኣዕሩኽ (Best friends) ክንከውን ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ውልቃዊ ሂወትና ሰሪሕና ኢና ንነብር። ምስ ኣካያዲ ስራሕና ግን ኣዕሩኽቲ ኣይኮናን። ዓርክና ክኸውን‘ውን ኣይንጽበዮን። እቲ ንስርሓሉ ትካል ክድንፍዕ ሰስራሕና ሰሪሕና ገዛና ንኸይድ። ስራሕና ብግቡእ እንተዘይሰሪሕና ንቕጻዕ ወይ ንባረር። ንፍትሓዊ ቃልስና ግን ከምቲ ናብራና እንመርሓሉ ትካል ኣይንርእዮን።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርኩዎ ዘይንጹር ኣረዳድኣታት ናብ ፋሕ ምባልን ምፍንጫላትን ይወስደና። ጉባኤታት ኣብ ክንዲ መናሃርያ ዝኸውን መፋናጨሊ ኮይኑ ንረኽቦ። ጉባኤ ተመኩሮና ንመዝነሉ፡ ሓድሽ መደባት ንሕንጽጸሉ፡ ብሓድሽ መንፈስ ቃልስና ነሕንነሉ ክኸውን ዝግበኦ ዝበዝሕ ግዜ ናብ ምፍንጫል ይወስደና። ኩሉ ምፍንጫላት ካብ ጉባኤታትና ዝምንጨወ‘ዩ። ግቡእ ኣረዳድኣ ናይ ስልጣን ስለዘይብልናን፡ ስልጣን ምድላይ ከም ስስዐን ክትጭቁን ምድላይን ጌርና ንርእዮ። ኣብ ክንዲ ብግልጺ ንዛረበሉ ኣብ ጉባኤታት መን ንምረጽ ዝብል ሕቶ ብምስጢር ወፈራ ይካየድ። መተግበሪ ፍትሓዊ መትከል ስልጣን‘ዩ። እተን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት ስልጣን ስለዝሓዙ እዩ። ዝኾነ ዜጋ ከኣ ስልጣን ክደሊ መሰሉ እዩ። እቲ ሕቶ ጉባኤኛታት ይመርጽዎ'ዶ ኣይመርጽዎን እዩ። እቲ ዝገርም ኣብ እንነብረሎም ሃገራት ዝካየድ ምርጫታት፡ ከይፈራሕና ንዛረብ ምዃና‘ዩ። ስለምንታይ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብግልጺ ምዝራብ ንፈርሕ?
ኣብ መደምደምታ፡ ሓይሊ ተቓዉሞና ክንጥርንፍን ኣብ እነፍቅራ ዉልዶ ሃገርና ፍትሒ ክነግስ ኣድማዒ ተራ ክንጻወትን ጽዕቕ ወፍራ ዘተን ምንቕቓሕን ክነካይድ የድልየና። ብርእይቶይ፡ እዚ ሕጂ እነካይዶ ዘሎና ኮንፈረንስ ሓደ ካብኡ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣሎ። ዝያዳ ክተባባዕ እለዎ። ብምዝታይን ጽን ኢልካ ምስማዕን ጥራሕ ኢና ናብ ናይ ሓባር ኣረኣእያ ክንበጽሕ እንኽእል።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!
ውድቀት ንምልኪ!
ክንዕወት ኢና!
ኣስገደት ምሕረትኣብ
ኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጸጋይ ነጋሽ ዝተዳለወ መደብ ዝቐረበ ጽሑፍ (ነሓሰ 9 2016)
ሓጺር ሌላ፡
ምስ መብዛሕትኹም፡ ሌላና ካብ ነዊሕ ክኸውን ይኽእል`ዩ። ቅድሚ ሕጂ ናይ ምልላይ ዕድል ዘየጋጠመና ብዙሓት ስለዘለኹም ግን ክላለየኩም ኣፍቁዱለይ።
ኣብ ሕቡራት ኣሜሪካ (ኮሎራዶ ስተይት) ይነብር። ኣብ ሕዳር 1974 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። እንተኾነ፡ ካብ ከባቢ 1971 ጀሚረ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ 1973-1974 ፡ ኣብ EYS ዝተባህለ ናይ መንእሰያት ማሕበርን፡ ውሽጣዊ ስራሓት ገድሊን፡ ክነጥፍ ጸኒሐ`የ። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ፡ ኣብ ሓይሊ 610 (ባርካ ላዕላይ) ተመዲበ ክሳብ ምውዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ጸኒሐ። ሓቂ ይሓይሽ ገድሊ ከም`ቲ ዝተጸበኹዎ ኮይኑ ኣይጸንሓንን። ኣብ`ቲ ኣገባብ ኣካያይዳ (ኣብ`ታ ሓይሊ) ዘይዕግበተይ፡ ኣብ ኣኼባ ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት- ስለምንታይ ከም`ዚ ወይ ከም`ቲ ዘይኮነ.. እናበልኩ ሕቶታት የበዝሕ ነይረ። ይዝክሮ ሳልሕ ኣቡበኩር (መራሕ ሓይሊ610)፣ ብታህዋኽ ቁልጡፍ ለውጢ ይደሊ ምንባረይ ተረዲእዎ፡ ሓደ ዕለት፡ ኣብ ዓድዘማት (ባርካ ላዕላይ) ዝተባህለ ዓዲ ነዊሕ ኣዕሊልና። ተመኩሩኡን፡ ሓፈሻዊ ጠባያት ገድሊን ገሊጹለይ። ሓቂ ይሓሽ፡ ሽዑ እቲ ዝብለኒ ዝነበረ ምኽኒያታት ኣይተዋሕጠለይን። ሳልሕ ኣቡበክር ኣብ ውግእ ድሉክ (ኣብ ጎድነይ ከሎ) ተወጊኡ ናብ ሕክማና ምስ ከደ ኣይተራኸብናን። ብህይወት ኣብ`ዛ ዓለም፡ እንተልዩ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ 1975 ዝመኸረኒ ምኽሪን፡ ነቲ ጸገማት ናይ ዘይምትእምማን፡ ዳግም ክንዝትየሉ ምበሃኩ፣ ጽቡቕ ክንራዳዳእ ምኽኣልና ኮይኑ እስማዓኒ።
ቅድሚ ናብ ገድሊ ምስላፈይ ጀሚሩ ናብ ስነ-ጽሑፍ ዝምባለ ነይሩኒ። ኣብ`ቲ ጊዜ`ቲ መጽሓፍ ክጽሕፍ`ውን ፈተነታት ገይረ። እንተኾነ፡ ከሕትመን ዕድል ኣይነበረን። ኣብ ሱዳን ምስ ኣተኹ ኣትሒዘ ክጽሕፋ ዝጀመርኩዋ መጽሓፍ ``ኪዳን ዝኣተወ`` ኣብ ኣሜሪካ ብ1988 ወዲአ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪበያ። ቀጺለ ኣብ 1999 `` ሓያት፡ ዛንታ ጽኑዕ ፍቕሪ`` ዝተባህለት ካልኣይቲ መጽሓፍ ደጊመ። ይተካእ ይለቀም ኣብ 1994 ንመጽሔት ``ነጸብራቕ ኤርትራ`` ከዳሉ ጀሚረ። ነጸብራቕ ኤርትራ ኣብ`ታ ናይ ፈለማ ናይ ርእሰ-ዓንቀጽ ሕታማ፡ ``ነጸብራቕ ኤርትራ ናይ ፍሉይ ፖለቲካዊ መስመር መነቓቒሒት ወይ ንጥፈታትን ጸብጻባትን ተቕርብ መጽሔት ዘይኮነትስ፡ ንኣብዝሓ ሓሳባትን ኣራኣእያታን ናብ ኣንበብቲ እንዳቕረበት፡ ንዓውደ ክትዕ ትኸፍት ክትከውን`ያ`` ትብል። ነጸብራቕ ኤርትራ ክሳብ 2006 ዓ.ም. ን44 ሕታማት ዝኣክል ኣሰናዲኣ።
ኣብ 2012 ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝብል መንቅስቓስ ኣበጊስና። ለብዘበን ዓመት፡ ኣብ ነሓሰ 19-21 2016 ኣብ ኣትላንታ ንመበል ራብዓይ ዓመት ክንራኸብ ኢና። እዚ ዳግመ-ርኽክብ`ዚ ንናይ ተ.ሓ.ኤ.ተመኩሮታትና - ብጽሑፍ፡ ብስእሊ፡ ብሙዚቃ፡ ብቪድዮ፡ ብቃል፡ ንምስናድ`ዩ። ኣብ`ዚተበግሶ`ዚ፡ ብዙሓት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተቓለሱ፡ ክሳተፍዎ እዮም ዝብል ሃረርታን ትጽቢትን ነይሩና። ክሳብ ሕጂ ግን ከም`ቲ ትጽቢትና ዛጊት ኣይተማለአን ኣሎ። ብዙሕ ምኽኒያታት ክህልዎ ይኽእል። እቲ ዝዓበየ ንዝሰፍሑ ገዳይም ተ.ሓ.ኤ. ሓበሬታ ኣይበጽሖምን ወይ እቲ ዝበጽሖም ሓበሬታ ዘይተማለአ ክኸውን ይኽእል እብል። ስለዚ፡ ኣብ`ዚ ናይ ሓበሬታ ዘመን፡ ብቑዕን ናብ ኩሉ ዝበጽሕን መራኸቢ ብዙሓን ዘይምህላው፡ ንባዕሉ ብዙሕ ሸነኻዊ ድኽመታት የኸትል። ስለዝኾነ፡ ናይ ምስናድ ተበግሶና መታን ዕዉት ክኸውን፡ ብኹሉ መራኸቢታት ብፍላይ፡ ፈይስ-ቡክን፡ ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእስና ዌብ ሳይት ብምቛም ክንሰርሕ ጀሚርና ኣለና። ኣብ`ዚ ዕዮ`ዚ ይነጥፍ ስለዘለኹ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ መራኸቢ ብዙሓን ምህላው፡ ክሳብ ክንደይ ንኣሳልጦ ሓጋዚ ምዃኑ እርዳኣኒ። ብዙሕ`ውን ተማሂረሉ። መራኸቢ ብዙሓንን ስነ-ጽሑፍን፡ ብተመክሮን ብቐጥታ ብምስታፍን ዘዋህለልኩዎን ድኣ`ምበር ብትምህርቲ ዝቐሰምኩዎ ሞያ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ BA in Sociology & Certificate in Conflict Resolution፡ ከምዘለኒ ግን ክሕብር እፈቱ።
* * *

ዝኸበርኩም ኣስናዳእቲን ተሳተፍትን ናይ`ዚ ሰሚናር
ውልቃዊ ስራሕና ገዲፍና፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኣብ`ዚ ተረኺብና፡ ኣብ ህልዉን ዝጸንሐን ጉዳይ ኤርትራ፡ ዓቕምታትና ዘፍቅዶ እወንታ ከነበርክት ምርካብና፡ ሓበነይ ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደሊን። ብፍላይ ድማ፡ ነዚ ሰሚናር`ዚ ክዉን ንምግባር ንነዊሕ ጊዜ ክውድቡ፡ ከሳናድኡ ማእለያ ዘይብሉ ጻዕሪታት ንዝገበሩን ንዝደኸሙን ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከመስግኖም እፈቱ።
እንዳባ! ጸገምና ሰፊሕ`ዩ። ብትኹልን ጋድምን ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባውን ሰነ-ኣእሙራውን ዝሰፍሐ ህዝብና ዘሊቑ ምህላዉ`ውን ንስሕቶ ኣይመስለንን። ነቲ ጸገም ምርድኡ ሓደ`ዩ። ጠንቂታቶም ንጹራት ኮይኖም ናይ ሓባር ተረድኦ ምህላውን፡ ኣብ ምፍተሖም ጥሙር ጻዕርታት ምትግባርን ከኣ ካልእ`ዩ። ጥሙር ጻዕሪታት እዩ ዝበኩር ዘሎ። ናይ ሓባር ውህሉል ስራሕ ከነፈጽም ከኣ፡ ምትእምማን ደኺሙ ኣሎ። ሓድ-ሓድ ምትእምማን ምስ ባህልን ልምድን ሓድ-ሕድ ምምልላእ፡ ምምርዃስ፡ ሓበሬታታ ምቅይያርን፡ ግድላት ሓቢርካ ምፍታሕን እዩ ዝረጋገጽ። ስለዝኾነ ድማ`ዩ፡ እምነት ምሕዳር፡ ሓደ ካብ`ቶም ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት ዘዐውት ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ዝእመነሉ (Trust and Trust Building By Roy J. Lewicki & Edward C. Tomlinson December 2003) ። ስለዚ ሓድ-ሕድ እምነት፡ ክረጋገጽ ዕድል ዝረክብ፡ ኣብ`ቲ ሓባራዊ ዕዮታት ብዝረጋገጹን ብዝዓኩን መንፈሳውን ስነ እእምሮውን ዕግበታት`ዩ። ኣብ`ዚ ሰሚናር`ዚ፡ ነቲ መንፈሳውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕግበታት ከመይ ይህነጽ ብዕምቆት ብዕዘት ምርኣዩ ኣገዳሲ እመስለኒ።
(1)``ሓድ-ሕድ``፡ (2) ``ምትእምማን``፡ (3) ``መራኸቢ ብዙሓን``፡ ስለስተ ኣምራት ክኾኑ ከለዉ ፡ ብዓይነት ይኹን ብትሕዝቶ በብመድረኹ ትርጉማቶም ይቀያየር`ዩ። ንኣብነት፡- ኣብ ጊዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ``ሓድ-ሕድ`` ምስ ``ውግእ ሓድ-ሕድ`` ነተሓሕዞ ኔርና። ``ምትእምማን`` ከኣ ነቲ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ባዕዳዊ ጸላኢንምስጓግ ክህሉ ዝግበኦ ግንባር ንምጥቃስ፣ መራኸቢ ብዙሓን ድማ- ራድዮ፡ መጽሄት፡ ስልኪ-ኣልቦ መራኸቢ (ራድዮ-ሃለው)፡ ኳደረ ወዘተ ... ኢልና ክንጠቅስ ንኽእል። ሎሚ ``ሓድ-ሕድ ምትእምማን`` ነቲ ኣብ መንጎ ሓርበኛታት ሃገራውያን ክህሉ ዝግበኦ ናይ ሓባር ተረድኦን ናይ ሓበር ስራሕን ዝምልከት እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ። መራኸቢ ብዙሓን ድማ ነቲ ናይ ቀደም ወሲኽካ ኣዝዩ ዝመዓበለን ዝቐልጠፈን ከም ኢንተርነት፡ ፈይስ-ቡክ፡ ፓል-ቶክ፡ ተለኮንፈረንስ ወዘተ ክንጽብጽብ ንኽእል።
``ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ`` ከምዝባሃል፡``ሓድ-ሕድ ምትእምማን?`` ናይ መነ-መን ክንምልስ የድሊ።ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ፖለቲካዊ እምነታቶም ነቒሎም፡ ዝተፈላለየ መልሲ ይህልዎም። ኣብ`ዚ ጽሑፍ`ዚ ግን ሓድ-ሕድ ምትእምማን ናይ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ንለውጢ ናይ ዝቃለሱ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ማለተይ`ዩ። ተራ ``መራኸቢ ብዙሓን`` ክብል ከለኹ ከኣ፡ (1) ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ንዘለዎ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ለውጢ፡ ዘደንፍዕን እወንታዊ ኣስተዋጸኦ ዘበርክትን (2) ንጥሙር ጻዕርታት ናይ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘቃልሕን ዘተባብዕን (4) ንሃገራዊ ክብሪታት ዝያዳ ዘዕዝዝን ንቕድሚት እወንታዊ ምዕባለ ዝደፍእን ማለት`ዩ። ተራ መራኸቢ ብዙሓን ንምህናጽ ሓድ-ሕድ ምትእምማን እምባኣርከስ-፡ ኣብ ኤርትራ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ዝቃለሱ ኩሎም፡ ኣብ ክንዲ ናብ ናይ ሓድ-ሕዶም ፍልልያት ወይ ድኹም ጎድኒ፡ ወይ ሕማቕ ኣበር.. ዘተኩሩ፡ ኣብ`ቲ ሓያል ሓርበኛዊ ዓቕምታቶምን ጸጋታቶምን ከተሓባቡሩን ብጥሙር ናይ ሓባር ጻዕሪታት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዕዙይ ስርዓት ንምልጋስ ጥጡሕ ባይታ ንኽፍጠር ዝሕግዝ`ዩ።

ነዚ ኣርእስቲ`ዚ ብዝያዳ ንምዕማቑን፡ ክሕግዙ ይኽእሉ ዝበልኩዎም- ኣብ ኣርባዕተተ ነጥቢታት ከፊለ ኣቕሪበዮ።ዝያዳ ብቐጻሊ ዘተን መጽናዕትን፡ ናብ ሓደ ጭቡጥ ናይ ዓወት መንገዲ ክመርሓና ይኽእል`ዩ ኢለ ድማ ይኣምን።
I. ሃገራውያን ዲሞክራሲያውያን ናይ ለውጢ ሓይሊታት ኣብ ሓድ-ሕዱ ዝማራኾሰን ዝመላላእን መራኸቢ ብዙሓን ምህላው፣
II. ንዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ካብ ሱሩ ክብንቆስ ዝሕግዝን፡ ኪኖ`ዚ ዝጥምትን መራኸቢ ብዙሓን ምውናን፣
III. መራኸቢ ብዙሓን- ንምቅልጣፍን ስሙርን ሃገራዊ ጻዓሪታት ብሓድ-ሕድ ምትእምማንን፣
IV. መዋጸኦ፣
I. መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ደንበ ተቛውሞ፡ ንናይ ህግደፍ ስትራተጂ ኣብ ግንባሩ ዝጨድድ ኣይኮነን። ስለምንታይ ዓቕምታቱ ድኹም`ዩ። ዝተባታተነን፡ ኣብ ሓድ-ሕዱ ዝያዳ ዝናቖትን`ዩ። ዘይተወሃሃደን ኣብ ሓድሕዱ ዘይማልላእን መራኸቢ ብዙሓን፡ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ጠንቂታት ናይ ዘይምትእምማንን ክኾነሉ ዝኽእል መሳዅቲ ኣለዎ። ነቲ ነጻነት ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምዝራብ፡ ሓሳብካ ምግላጽ.. .. መትከላት ከይጋሃሰ፡ ሓደ ዝተወሃሃደን ሓያልን ናይ ሓበሬታት ምንጪ ክህልወናን ብትብዓት ክዉን ክንገብሮን ወሳኒ`ዩ።
ኣብ ህልው ናይ ዲያስፖራ መራኸቢ ብዙሓን እዚ ዝስዕብ ጅምላዊ ምዛናት ከቐመጥ እደፍር፡- ((1) ነቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ምድሓን ጸጋታቱ ድሩት ምዃኑ (2) እተን ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓን፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ሃገርና ንዝወርድ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ብዝግባእ ዘይምክታ ምህላወን (3) ንሃገራዊ ናይ ሓባር መንነት ብዝለዓለ ትዅረት ብዕዘት ዘየላዓዕላን ዘየናቓቐሓን ምህላወን (4) በብእዋኑ መልሰ-ግብሪ (reactive) እምበር ኣቐዲመን (ንህግደፍ ቀዲመን) ሃገራዊ ኣጀንዳ ሰሪዐን ይምክታ ዘይምህላወን (pro-active) (5) ኣብ ሓድ-ሕደን ክጨላገማ ይሓግያን ይኸርማን ምህላወን (6) ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ንናይ ህግደፍ ተግባራት በብዕለቱን ብቐጻሊን መሊኡ ዝኸሽሕን ዕለታዊ ጸብጻብ እናቕረበ ዝብድህን መራኽቢ ብዙሓን ዘይምህላዉ... ኣብ`ዚ ኣርእስቲ`ዚ ኢድካ ዊጥ እናበልኩ ክነቅፍን ጉድለታት ክዝርዝርን ቀሊል ምዃኑ እርዳኣኒ`ዩ። ኣብ ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ዓቕምታትን ምድግጋፍ ዝበዀሮ ባይታን ብሓደ ሸነኹ፡ ሰጥ ኢሉ ሚዛናት ዝህብ ወይ ሓቂ ካብ ሓሶት ዝነፊ ትካል ኣብ ዘሃለወሉ ህሞትን፡ ኣሎ ዝብሃል ድኽመታት ክረአ ናይ ግድን`ዩ። እሞ`ኸ እንታይ ይገበር?
ውጽኢት ናይ እኩብ ድምር ድኽመታትና፡ ህዝብና ኣብ ድቕድቕ ጸላም ክነብር ገይሩዎ። መለሳ ናይ`ዚ ጸላም`ዚ ክረክብ ወግሐ ጸብሐ ጸሎት ይገብርን ይምህለልን ኣሎ። ቁሊሕ ኢሉ ተስፋ ከማዕድወሉ ዝኽእል መተካእታ ስኢኑ ይነብር። ህልም-ውልዕ ዝብል ተስፋ ዘይኮነስ ሓቀኛን እናሓደረ ዝደምቕ ተስፋ። ኣብ ከም`ዚ ዝበለ ሃዋሁው፡ ደንበ ተቛውሞ፡ ተስፋ ክኸውን እምበር፡ ብጥልመት ህግደፍ እናማረረ ከም መኸውሊ ክጥቀመሉን ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ዛዕባታት ሸንኮለል እናበለ ምንባርን ዕንክሊል ክበትኮ ክኽእል ኣለዎ። ተባዕ ተበግሶ ይድለ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ድኽመታቱ ተሓንጊጡ ክቕጽል ዘማሙቖ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዕንወት ኤርትራ፡ ከም ህግደፍ ተሓታቲ ካብ ምዃን ዝተርፎ ኣይመስለንን።
II. ህግደፍ፡ ሰኣን ዓቕሙ ኣይኮነን፡ ጠንቂ ጥፍኣት ሃገር ኮይኑ ዘሎ። ንማሕበራዊ ምዕባሌ ዝሓልኽ፡ ንስኒትን ሰላምን ዝዘርግ፡ ኩሉ ምንጪታት ቁጠባ ተቖጻጺሩ፡ ምሉእ ህዝቢ፡ ኣብ ድኽነትን ጽግዕተኛነትን ንኽነብር ... ዝገብር ኣገባብ ኣሰራርሓ ተግባርን፡ ብመጽናዕትን ብመደብን ዘተግብሮ ዘሎ`ምበር ብሃውሪ ወይ`ውን ሰኣን ምፍላጥ`ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ብቑሉዕን ብስውርን ዝንቀሳቐሱ ትካላዊ መሳርሒታቱ ውህደት ዘለዎ`ዩ። ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ናይ`ቲ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ዲያስፖራ ኤርትራ ምስ`ቲ ከባቢኡን ኩነታቱን ተመሳሲሎምን (ኮመፍላጅ) ተጸፍዮም ዝዋስኡ ዓሳክር ኣለዉዎ።
ሓደ ዓርከይ፡ ንትቪ ኤረ ``መደንቆር`` ኢሉ ይጽዋዓ። ናይ ህግደፍ መራኸቢ ብዙሓን፡ ቁጽረን ብዘየገድስ፡ ትሕዝተኦን ሓደ እዩ፣ መደንቆር! ። ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳ፡ መዳናገሪ ድራማን ቀንዲ ውራየን`ዩ። ኣብ ውሽጢ- ማሕበር፡ ውድብ፡ ምንቅስቓስ፡ ቤተ-ጸሎት፡ ዓዲ፡ ስድራ-ቤት... ይሰልኳ። ዘይምትእምማን! ንሃገራዊ ወኒን ሕልናን ብደቂቕ ዘዳኽም፡ ንዜጋታት ዝነጻጽል፡ ኣብ ጥርጠራ፡ ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ንክነብር፣ ህዝቢመዓልታዊ ህወቱ - ምንቅስቓሱ፡ ኣብ ዝበልዖ ዝሰትዮ፡ ዝሓስቦ ከም ዝቑረን ዝገብራ ህርኩታት ወካይል እየን። ንለባማት፡ ወይ ብዙሕ ሓበሬታ ንዝፍልጡ ብቐጻሊ- ይቕንጽላ፡ ይጨውያ። እቲ ሕማቕ፡ ነዚታት ዝምክትን፡ ዘፍሽል፡ ዘጋልጽ፡ ኣእምራዊ ክእለት ወይ ሰለያ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘይምህላዉ`ዩ።
III. ግደ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንምቅልጣፍን ንምዕዛዝን ስሙር ሃገራዊ ጻዕሪታት ዓቢ እዩ ኢልና ክንዝቲ ከለና- ቅድም፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕማቕ ኩነታትን ናይ ሓባር መረዳእታ ክህልዉና የድሊ። ብዛዕባ እቲ ስርዓት ሓበራዊ ኣረዳድኣን ሚዛናትን ክህልወና ይግባእ። ናይ ምርድዳእን ምውህሃድን ጥጡሕ ባይታ ክንፈጥር ናይ ነፍሲ-ወከፍና ጻዕሪ ምዃኑ ምርዳእ። ናብ`ቶም ክዕወቱ ኣለዎም ኢልና ዝበጻሕናዮም ናይ ሓባር ተረድኦታት፡ ምሉእ ዓቕምና ከነወፊ፣ ኣብ`ዚ መስርሕ`ዚ፡ በብጊዜኡ ናይ ዝተሳላሰሉ ስራሓት፡ ናይ ሓባር መዐቀኒ/መምዘኒ ክህልዉና ምስምምማዕ ብጥብቂ ንሕተት።
እቲ ክሳብ ሕጂ ክስራሓሉ ዝጸንሐ፡ መስርሕ-ሓድነት/ስምረት፡ ናይ ውድባት ጥራሕ`ዩ። እዚ ኣገባብ ኣካያይዳ`ዚ ካብ ከባቢ 1970 ጀሚሩ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ዘይሰርሐ ፈተነታት`ዩ። ስለምንታይ`ዩ ዘይሰርሐ? ውልቃዊ/ጉጅላዊ ህልኽ ልዕሉ ሃገራዊ ረብሓ ስለዝዓዝዝ? ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምሽራኽን ወይ ዘይምሽራኽን ዝምንጩ? ወይስ ባህላዊ ፍልልይ ወትሩ ስለዘንጸላልዎ? ኩሉ ክኸውን ይኽእል። ንባህላዊ ሸነኹ ምናልባት ዘይነስተብህለሉ ከይንኸውን ግን- ባህሊ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣካልን ተምሳልን ናይ ግርጭትን ፍታሕን እዩ። ``... Though cultures are powerful, they are often unconscious. Influencing conflict and attempts to resolve conflict in imperceptible (ብዝረቐቐ) ways``..Culture and conflict. By Michelle LeBaron, July 2003.
``ጎንጺ ወይ ፍልልያት-ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማን፡ ከምኡ`ውን ናይ`ቶም ፍልልያት መሰረት/መንቀሊ ኣብ ባህላዊ ተረድኦታትን ግንዛቤታትን ተደብዮም ከይህልዉ ፈትሽካ ምርካብን ምልላይን ይሓትት። ብጥንቃቐ፡ ደረጃ ብደረጃ ምኻዶም/ምክትታሎም ዘኽእል ኣቐዲሙ ዝተጸንዐ ሓባሪ ስእሊ ምህላው ኣገዳሲ ይኸውን``( Zoughbi)።
ብመንጽር ባህላዊ ፍልልይ ዝፍጠር ግርጭት ዝበዝሕ ጊዜ ሕቡእ`ዩ። ብቐሊሉ ዝርከብን ዝጋሃድን ኣይኮነን። እቲ ኣብ ላዕሊ- ላዕሉ ንረኽቦን ንርእዮ፡ ንመዝኖ ወይ ፍርዲ ንህበሉ ነገራት- ጽንሕ ኢሉ፡ ንፋስ ብቐሊሉ ዝወስዶን ዝብትኖን ዶሮና ስለዝኾነ፡ ዝታሓዝን ዝጭበጥን ናይ ፍታሕ መበገሲ ክኸውን ኣይክእልን። ነዚ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓተታ ዝያዳ ዘብርህ ዛንታ ከካፍለኩም። ኣብ ቅርዓት ሕምብርቲ (ሎጎጭዋ) እዩ።ኣብ ወርሒ ሕዳር ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ ዘሎ ጊዜ- ቁሪ ሓያል`ዩ። ኣብ`ዚ ጊዜ`ዚ፡ ሓንቲ ኣደ፡ ካብ በረኻ ዕንጨይቲ ጸይረን ናብ ዓዲ ክምለሳ ከለዋ፡ (ጸሓይ ኣብ ምዕራባ)፡ ሓደ ተጋዳላይ ወዲ መታሕት፡ ኣብ ሓደ እምኒ ተጸጊዑ ነታ ጸሓይ ``ሕድረኺ ኣይትዕረቢ`` ኢሉ ዝምሕጸና ዘሎ ይመስል ነበረ። ቆሪሩ። ቀጥቀጥ ይብል። እዘን ኣደ ``እዋይ ወደይ ኣዴኻ ትደፋእ!`` ይብላ ብድንጋጸ። ንሱ ድማ ነቲ ቋንቋ ትግርኛ እምበር፡ ነቲ ባህላዊ ቋንቋ ናይ ትግርኛ ብዘይምርዳእ ``ናዓኺ እባድኣ ድፍእ`` !! ኢሉ ይምልስ። ከምኡ`ውን፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ዓሌት፡ ነዛ ዛንታ ዝነገረኒ ሰብ`ኳ ኣብ`ዚ ኣሎ!!)፡ ሓንቲ ተጋዳሊት ውድቀ-ፈንጠርጠር ይሕዛ። ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ተጋደልቲ፡ ንህይወታ ዘስግእ ነገር ከይትገብር ከቢቦም እናሓለዉዋ፡ ኢብራሂም ቶቲል መጺኡ ``እንታይ ኮይና?`` ይሓትት። እዚ ኣብ`ዚ ዘሎ ሰብ ከኣ ንኹሉ ከየስተባሃለ ``ሕማም ባርያ ሒዝዋ`` ይምልስ!! ኢብራሂም ቶቲል ``ስለምንታይ ሕማም ባርያ!`` ``ሕማም ገብረማርያም`` ንምንታይ ኣይትብልዎን?`` ይብል። ካብ`ዚ ንዳሓር ትርድእዎ ኢኹም። እቲ ባህላዊ ኣተራጓማ፡ ኣብ`ቲ ቋንቋን ባህላዊ ቋንቋን ዝፈጠሮ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ።

ብተወሳኺ ናይ ወለዶታት ጋግ ዝፈጠሮ ጸገም`ውን ኣለና። ከም`ቲ ኣብ ከባቢ 1974-1975 ኣብ መንጎ ሓደሽትን ገዳይምን ተጋደልቲ ዘጋጥም ዝነበረ ፍልልያት፡ ሕጂ`ውን ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘይምርድዳእ ኣሎ። 1974 ንዳሓር ዝተወልዱ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣብ ጊዜ ደርጊን ህግደፍን ዝዓበዩ እዮም።እዚ ወለዶ`ዚ ንዘመነ ደርግን ህግደፍን እዩ ዝፈልጥ። እዚ ማለት ከኣ ባህሊ- ቅትለት! ቅንጸላ! ንጹል ህላዌ! ወተሃደርነት! ሳዕሳዒት (ፓርቲ)፡ መስተ፡ ዝሙት! ... ማለት`ዩ። እዚ ባህሊታት`ዚ ከኣ ንካልኦት ብዙሓት ንኡሳን ባህሊታት ፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ተረድኦታት፡ ኣገንዝቦታትን ኣተራጓጉማ ናይ ነገራትን፡ ብመንጹር መዕበያዊ ባህሊ ስለዝትርጎምን ዝንበብን፡ እዚ`ውን ካብ ሓደ ኣካል ናይ`ቲ ሓፈሻዊ ጸገማትና ክፍለጥን ፍታሕ ክናደየሉን ይግባእ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ሰሚናር።
IV. እዚ ሰሚናር`ዚ፡ ጽሑፍ ኣቕሪብካ፡ ነቢብካ፡ ዝቐረበካ ሕቶታት መሊስካ፡ ክኸየድ የብሉን። ህዝብና ካብ`ዚ ሰሚናር`ዚ ብዙሕ ትጽቢቱ ኣለዎ። ተስፋ ይደሊ`ሎ። ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ዝቐድድ ጎሕ ክርኢ ወግሐ-ጸብሐ ዓይኑ ንሰማይ ቋሕ! የብል ኣሎ። ዕላማና ንህዝብና፡ ካብ ባርነት! ካብ ክቱር ጸላም! ካብ ዘይፍታሕዊ ኣተሓሕዛን ጭቆናን ሓራ ምውጻእ`ዩ። ነቲ ናብ`ዚ ንብጻሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ከም ዘሎ እናኣመንኩ፡ ጊዜ ግን ወሳኒ ብርግጽ፡ ጸገምና ሰፊሕ`ዩ። እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ጨቀወ ኩነታትና ሕጂ ናብ ዓዘቕትን ሰልምን`ዩ ተቐይሩ ዘሎ። ብዙሕ መጋማጠሊ ዝኸውን ጊዜ`ውን ኣሎን። ስለዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ደንበ ተቛውሞ፡ ንናይ ህግደፍ ስትራተጂ ንክስዕሮ ዝተዋደደ ኣይኮነን ካብ በልና፣ብሰንኪ ኣብ ሓድ-ሕዱ ምንቛት ዓቕምታቱ ዝተባታተነ`ዩ ዝብል ገምጋም`ውን ካብ ሃለወ፣ ምብትታኑን ምድኻሙን ንስልኳታት ህግደፍ መሳኹቱ ሃህ ዝበለ`ዩ ኢልና ክንግምግም ዘጸግም ኣይኮነን። በዚ ገምጋም`ዚ፡ ህግደፍ ኣብ ሓደ ፍቕያ ወይ መማዕድዊ ቦታ ኮይኑ ክዕዘበና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣጀንዳታት ናይ ፋሕ-ፋሕ ሰሪዑ ኣብኡ ከዋሳኣናን ክዓንደናን ይኽእል የለን ዝብል እምንቶ የብለይን። እንተኾነ፡ ብሃውሪ ወይ ብይኸውን፡ ወይ ብግምታት ከይንኸይድ፣ ከይንነብር`ውን፡ ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ዘትከለ መጽናዕቲ ክግበር እላቦ። እቲ ቀንዲ መበግሲ ሓቦ፡ ውፍይነትን ቅኑዕ ውደባን`ዩ።
ንክልተ ወናማት ገዳይም ዜማውያን ኤርትራ ጠቒሰ፡ ካብ ዜማታቶም ክልቃሕ። እዞም ክልተ ዜማውያን ድሕሪ`ቲ ውግእ ሓድ-ሕድን ወራር ቀይሕ ኮኾብን ኩነታት ጸንኪርሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ዝደረፍዎ`ዩ።
ነፍሲሔር የማነ ገብረሚካኤል-
ዓመታት ሓሊፉ ክትቃለስ ብትብዓት
ክትድርዕም ዓሳክር ናይ ገዛእቲ ስርዓት
ኣኽራናት፡ ጎቦታት፡ ሩባታት ስንጭሮ
ኣርኢኻዮ ቆራጽነት ጅግና ተመኩሮ
እነሆ ሕጂ ግን መልክዑ ቀይሩ
ንሓድ-ሕዱ ክናኸስ ብዙሕ`ዩ ከሲሩ።
እሞ`ኸ ሕጂ እንታይ ይገበር?
ብሓደ ንተኣከብ ንድሕነት ሃገር
ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ሓቦ`ዩ መበገሲ
መጠርነፊ ባይታ መቃለሲ።
በረኸት መንግስትኣብ-
ባህሊ ሃገረይ መልክዕ መንነተይ
ካልእሲ ካልእ`ዩ ናተይ`ዩ ናተይ
ወናማት ድምጻውያን ኣቱም ተራኣይቲ
ምስቶም ዜማኛታት ሙዚቃ ቃነይቲ
ብፍሩያት ፊደላት ደረስቲ ሰኣልቲ
ኣበይ ድኣ ኣቢልኩም ኣብ`ዚ ጸልማት ለይቲ
ዘይተንጸባርቑ ኣቱም ከዋኽብቲ ...
ኣብ`ቲ ናይ 1982-1986 ኣዝዩ ዘሰክፍ መድረኽ ብነፍሴሔር የማነን በረኸትን ዝተጸወዐ ሃገራዊ ጸዋዒት ሕጂ`ውን መልክዑ ይቐየር እምበር ብትሕዝቶኡ ሓደ`ዩ። እዚ ጸዋዒት መጋማጠሊ ጊዜ ዘየብሉ ኣፈ-ኣርክቡ`ዩ።

እንታይ ይገበር?
ነፍሲሄር የማነ ባርያ ቅድሚ 31 ዓመት ጸዊዕዎ ``ብሓደ ንተኣከብ ንድሕነት ሃገር፣ ፍቕሪ፡ ስኒት፡ ሓቦ`ዩ መበገሲ - መጠርነፊ ባይታ መቃለሲ። ካብ`ዚ ንላዕሊ ከቕርቦ ኣይክእልን።
ካልኦት ኣዝዩም ኣገዳስቲ ዝብሎም ሰባት ከልዕል።
ባዓሉ ግርማ፡
ባዓሉ ግርማ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ደረሳይ ኣብ`ታ ኣዝያ ህብብቲ መጽሓፉ ``ኦሮማይ`` ኣብ ዝተባህለ መጽሓፉ፡ ኣብ ናቕፋ ኣትዩ ንምሉእ ኢትዮጵያ ``ድል! ድል!`` ኢሉ ኣብ ራድዮን ጋዜጣን ከቃልሕ`ዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ከባቢኦን ዝርእዮ ዝነበረ ሰራዊትን፡ ዘመናዊ ኣጽዋር ውግእን፡ ግደፍ ``ንወንበዲታት ሳሕል`` ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘይ ብዙሕ ጸገም ጠሓሒሱ ክበጽሕ ዝኽእል`ዩ ዝብል ሓያል እምንቶ ነይሩዎ ክብሃል ይክኣል። ብኢትዮጵያውነቱ ዝኾርዕ ዜጋ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብ ከባቢ መስሓሊት፡ ኣፍዓበትን ናቕፋን፡ እቲ ቁልጡፍ ዓወት ከመዝግብ`ዩ ኢሉ ዝተሃንጠየሉ ሰራዊት፡ ተገቲኡ ጠጠው ኢሉ። ናይ ድኽመትን ተስፈ ምቑራጽን ከርኢ ተዓዚቡ። ባዓሉ ግርማ፡ ብድፍረትን ትብዓትን ``ኦሮማይ`` ማለት ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና ካልእ መተካእታ ክረከብ ኣለዎ ኢሉ። ``የመረጃ ሥራ የመረጃ ስዎች ብቻ የሥራ ክልል ኣይደለም፡ ባህኑ ጊዜ ሕዝባዊ ባሕርይና መሠረት ሊነሮው ይገባል። ኡሉም ልኣብዮትና ላገሩ ኣንድነት ሰላይ መሆን ኣለበት። ኣብዮተኛ ነኝ ማለት ኣይበቃም ... ጓድ፡ መለኪያው ተግባር ነው``። ``ኦሮማይ``
ኔልሰን ማንዴላ፡ ``I have fought against white domination, and I have fought against black domination``. ናይ ኔልሰን ማንዴላ ጽንዓትን ትብዓትን ዝድነቕ `ዩ። ውድቀት ስርዓት ኣፓርታይድ ክሳዓር ዝኻኣለ፡ ውሽጣውን ዓለም-ለኻወን ኣስተዋጸኦ ኣለዎ። እንተኾነ፡ መሪሕነት ናይ ኔልሰን ማንዴላ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ብፍላይ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝውሰዶ መርገጽ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኩሎም ዜጋታታ ሃገር`ያ። ዕብለላ ፍትሓዊ ሰለዘይኮነ፡ ዓይነቱ ብዘየገድስ ንዕብለላ ምቅዋም ዝብል መርገጹ፡ ነቲ ናይ ጻዕዱ (ኣፐርታይድ) ስርዓት ከም ኣገባብን ትሕዝቶን ዝምክት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ንጻዓዱ ከም ጸላእቶም ንዝርእዩ ዝነበሩ ናይ ነዊሕ እዋን ብጾቱ`ውን ንኽቕበልዎ ቀሊል ኣይነበረን። ግን ሳላ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ለውጢ መስርሕ በሪ ከፊቱላ።
ኣብ`ዚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ፡ ንቕንዕና ወይ ንሃገራዊ ጸገም፡ ዋላ ብናይ ቀረባ ብጾትና ወይ ውድብና፡ ወይ ዝኾነ ዝምድናታትን ምትእስሳር ንጊዜኡ ዘይድገፍ ይኹን፡ ተባዕ መረገጽ ወሲድካ ምትግባሩ ምእንትኡ ተሪርካ ምቅላስ ይሓተና ኣሎ። ትብዓት፡ ተሳጋጋራይን ጸላዋይን`ዩ። ትብዓት፡ ከም ዘርኢ ይፈሪ። ካብ ዝነኣሰ እናሰፍሐን እናደልደለን ከኣ ይኸይድ። ... Nor should we forget that courage is contagious, that it overcomes the silence and fear that estrange people from one another. Paul Rogat Loeb, ``The impossible will take a little while, page 15.
ለበዋ።
1. ሃገራዊ ሕቶ ማእከሉ ዝገበረ- ብቀጻሊ እናማዕባለ ዝስጉም- መሃሪ ሓባርን መዋጸኦ ናይ`ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታትን ብዝተፋለለየ መስኖታት መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዘለዓዕል፣ ዝያዳ ኣትኩርኡ፡ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ዝቐንዐ ኮይኑ፡ ብዝቐለለ ቋንቋን ኣብ`ቲ ዕለታዊ ህይወቱ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ጸገማትን ጠንቅታቶምን እናሓበረ፡ ህዝቢ ክለዓዓል ዘተባብዕ፣ ክህሉ ዝኽእል ግርጭታት፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ይኹን ውድባት፡ ብልዝብን ብኣላዝቦን ክፍትሑ፡ ንረብሓ ሰፊሕ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ዘዕዝዝ፣ ኣብ መንጎ ወለዶታት ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ኣረዳድኣን ባህላዊ ግንዛቤታትን ዘጻብብን ዘለግብን፣ንህዝባዊ ምልዕዓል ንምሓያል ትምህርቲን ተመኩሮን ዘቕርብ። ህዝባዊ ትካል ቀንዲ መድሕን ዲሞክራሲያን፡ ግዝኣተ ሕግን ምዃኑ፡ ብሓሳብን ተግባርን ዘተባብዕ፡ ምእኩሉን ንኹሎም ሓርበኛታት ኤርትራ ዝጥርንፍ፡ መደበር ረድዮ ከም ዘድሊ ይራኣያኒ።
ገለ ጥቕሲታት፡
• ``ብሕልፊ`ኳ ደረስቲ፡ ``መንግስትና ከይነቐይሞ``፡ ወይ`ውን ``እዚ መንግስትና ኣይፈትዎን ይኸውን`ዩ፡ ወይ`ውን ``ከም`ዚ ኣንተጻሓፍኩስ ከም`ዚ ስለ ዝዀነ`ዩ ኪብሉኒ ኢዮም`` ናይ ዚብል ረማሲ ርእሰ-ሳንሱር (ሰልፍ ሰንሰርሽፕ) ግዙኣት ከይኰኑ ምጥንቃቕ ከድልዮም ኢዩ።`` ናይ ደረስቲ ናጽነት፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ስመራ ክበብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዕለት 27 11 1992 ዝተዋህበ መደረ ዶክ. ግርማይ ነጋሽ
ዝተወከስኩዎም ጽሑፋት ወይ መጽሓፍቲ፡
1. ቅድሓት ነጸብራቕ ኤርትራ። መጽሔት ካብ ሰነ 1994-2006።
2. ኦሮማይ፡ ብብዓሉ ግርማ
3. Trust and Trust Building By Roy J. Lewicki & Edward C. Tomlinson. December 2003. University of Colorado.
4. The Impossible Will Take A Little While, Book by Paul Rogat Loeb.
5. Understanding Conflict Resolution, War, Peace and the Global System.
6. Culture and Conflict, by Michelle LeBaron, July 2003. (Http://www.beyondintractability.org)
ጸጋይ ነጋሽ
ነሓሰ 2016