መግለጺ ሰዲህኤ ብዛዕባ ባሕቲ መስከረም

2016-08-31 19:39:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2891 times

ባሕቲ መስከረም፡ ንኤርትራውያን ፍሉይ ትርጕም ዘለዋ ኣገዳሲት ዕለት ኢያ። ኣገዳሲት ዝገብራ ድማ፡ ኣብ ኣጽዋርን ሓጺነ-መጺን ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣንቢሩ ዝተበገሰ ፍትሓዊ ቃልሲ ስለዝዀነ ኢዩ። ስለኢዩውን፡ እቲ ብመሪሕነት ጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብዉሕዳት ሰባትን ኣረጊትኣጽዋርን ዝጀመረ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ናይ ዓለም ደገፍ ዝነበሮን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቕነቕ ከብሎ ድሒሩ እውን ክድምስሶን ዝኸኣለ። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ጥራሕ፥ ሰውራና ካብ መታሕትን ጐቦታት ሳሕልን ናብ ከባቢ ኣስመራ ክበጽሕ ዝኸኣለሉ ምስጢር ሳላ ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ ኢዩ።

መግዛእታዊ ስርዓት፡  ዋላኳ፡ ናይ ኣመሪካ ፡ሶቭየት ሕብረት፡ እስራኤል ዴሳዊ ደምበ ብሓፈሻ ደገፍ እንተነበሮ፡ ንውሳኔን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ክዓጽፍ ግን ፈጺሙ ኣይከኣለን። እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኰነን። ሰውራ ኤርትራ፡ ነህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣንጻር ደርባውያንን ብሄራውያንን ጨቈንቶም ክለዓሉን ምእንቲ ሓርነቶም ክቃለሱን ኣተባቢዕዎምን ኣርኣያ ኰይንዎምን ኢዩ።

ብሓድነትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኵሉ ኣንጻር ሰውራና እተዋደደ ውዲት፡ መጥቃዕቲ፡ ጸለመ፡ ታህዲድን  ምጕብዕባዕን ፈሺሉ ኢዩ። ሓድነትና፡ሓይልና ምዃኑ ተመኵሮና እኹል ትምህርቲ ኢዩ።

ካብተመኵሮተበጊስና፡ ነዚ ሕጂ ንህዝብና ሓሳረ-መከራ ዘጽግቦ ዘሎ ስርዓት ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና እንተደኣ ተቓሊስናዮና  ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈኖን ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረሉን ሃገር ክንሃንጽ ከም እንኽእል ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ጥርጣረ እውን የብልናን። ህዝብና፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ እኹል ትምህርቲ ቀሲሙ ኢዩ። ደቀይ ዝበሎም ክጠልምዎን ክጭቍንዎን ከምዝኽእሉ ብግብሪ ኣረጋጊጹ ኢዩ።በዓል ኣምሰለዩ ነቲ ስርዓት ንምጽብባቕ ዝበሉ እንተበሉ ነቲ ሓቂ ክልውጥዎ ኣይክእሉን ኢዮም።

ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ እምበር ለውጢ ከምጽእ ድዩ ኣይመጽእን ኣይኰነን። ለውጢ ክመጽእ ምዃኑ ዘካትዕ ጕዳይ ኣይኰነን። እቲ ዝመጽእ ለውጢ እወንታዊ ለውጢ ክኸውን ንምግባር ግን ዓቢ ስራሕ ገዛ ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ኣሎ። ዝነበረና ሓድነትን ነብሰ-ምትእምማንን ናብ ቦታኡ ክንመልሶ ኣሎና።መንእሰያትና እናተማህሩን እናተቓለሱን ንዝሓሸ መጻኢ ክውን ክገብሩ ቆሪጾም ክብገሱ ኣለዎም። ዓበይትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ፡ ንዝተጋገየ ዓገብ ክብሉን ብስርዓት ህግዲፍ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ድምጾም ከስምዑን ይግባእ።

ኣብ መደምደምታ፡ ብምኽንያት መበል 55 ምጅማር ብረታዊ ቃልስና፡ ህዝቢ ኤርትራ  ምእንቲ ሃገራዊ  ናጽነቱ ንዘርኣዮ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋን ደጊምና ነመጕስን ንንእድን። ኤርትራ፡ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን ምብቃዓ ድማ እንቋዕ ሓጐሰና ንብል።እቲ ንዓንዲ ሕቆ መግዛእቲ ዝሰበረ ህዝቢ ንዓንዲ ሕቆ ምልኪ ከምዝሕምሽሽ ኣይንጠራጠርን ኢና።

ዓወት ንህዝባዊ ቃልስና

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

31 ነሓሰ 2016

Last modified on Wednesday, 31 August 2016 22:00