ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?

2016-08-21 19:05:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 11992 times

ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ

(ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ዝቐረበ)

ኣርእስቲ ናይ ሎሚ ሓተታይ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ዝብል ኢዩ። እቶም ነቲ ኣብ 2014 “ካህናት ተዛሪቦም፤ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” ኢለ ዝሰየምኩዎ ጽሑፍ ዝተኻታተሉ ግዱሳት ኣንበብቲ: ንኣመት ናይ ሎሚ ሓተታይ ብቐሊሉ ክግምቱዎ ዝኽእሉ ይመስለኒ። ብዝዀነ: እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ’ውን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ስለዝዀነ: ወይ’ውን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብኡ ዝቐረበ ቊምነገር ክርአ ስለዝደልዮ: ብዛዕባኡ ቊሩብ ገለጻን መዘኻኸርን ብምሃብ ክጅምር’የ። ሽዑ: ኣብቲ መቕድም ጽሑፈይ ከምዝተገልጸ: “ካህናት ተዛሪቦም፤ምቕልቃል ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶኾን ይኸውን?” እቲ ኣብ 2014: ብኣርባዕተ ተባዓት ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝወጸ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ኣገዳሲ ነቐፌታዊ ትንተና ዘንቀሎ ጽሑፍ’ዩ ነይሩ። ኣብ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እቶም ኣቡናት ቅድሚኦም ይኹን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ብዘይፈልጥ ተበግሶን ኣቀራርባን ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ምሕደራ እታ ሃገርን ሰፊሕን ዓሚቝን ትንተናን ሚዛንን የቕርቡ። “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ከም ጽሑፍ ብልዝቡን ብሩህን ቋንቋ፣ ሕመረት ትሕዝቶኡ ድማ ሃገራዊን ኣህጉራዊን ኣተሓሳስባታት ብዘዋሃህድ ፍልስፍናዊ ጣቋ ዝተነድቀ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ: ጽማቝ ትሕዝቶን ቍምነገርን ናይ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል። ብቐንዱ እቲ ሰነድ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጢን ጭቆናን፣ ሓፈሻዊ ምጣነ-ሃብታዊ ድኽነት፣ ስራሕ-ኣልቦነት፣ ዕስክርና፣ ስእነት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዝፈጠሩዎም ናይ ስደት: ሞት: ብርሰትን ባህላዊ ሕስረትን ተርእዮታት ይዛረብ። እቲ ኵነታት ከምዚ ዘለዎ እንተድኣ ቀጺሉ: ኤርትራ ጸኒታ ከይትተርፍ ንዘሎ ናይ ሓባር ስክፍታ ብምንጽብራቕ ድማ እታ ሃገር ካብ “ዘይሓወየ ቊስልታት” ኣድሒንካ፣ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፍነላ ሃገር ኰይና መታን ክትምዕብል ኵሎም ዜጋታት ብዘይ ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ኣፈላላይ ሓቢሮም ንኽጽዕሩ: “ሓወይ ኣበይ ኣሎ?/ሓፍተይ ኣበይ ኣላ?” ተባሃሂሎም ክተሓታተቱን ክደጋገፉን፣ ከምኡ ኢሉም እውን ነቲ መንግስታዊ ዓመጽ ክምክቱን: ቅየራ ከምጽኡን ይዕድም፣ ይጽውዕ፣ የማሕጽን። ብተወሳኺ፡ እቶም ደረስቲ ናይቲ ጽሑፍ: ከም መንፈሳውያን መራሕቲ ናይቲ ህዝቢ: ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ብጾቱን ዓገብ ብምባል ንፍትሓዊ መንቀሊታት ቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ክዝክሩን ናብ ልቦም ተመሊሶም ንሕብረተሰቦም ዘገልገል ስርዓት ኣብ ምህናጽ ኣወንታዊ ተራ ክጻውቱን ይላበዉ። ካብዚ ሓሊፉ: ብክለሰ-ሓሳባዊ ዓይኒ ክጥመት እንከሎ: እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል ናይ ኣቡናት ጽሑፍ: ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣብ ዝግበር ናይ ምርምርን ናይ ስትራተጃዊ ሓሳባት ምምዕባል ዘተታትን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣሎዎ። እቲ ጽሑፍ ነቲ ብሓርነታዊ ቲዮሎጂ (liberation theology) ዝፍለጥ ኣህጉራዊ ፍልስፍና ናብ ኤርትራ ብምምጻእን ምስ ፍሉይ ኲነታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብምዝማድን: እቲ ራእይ ከመይ ገይሩ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ደሞክራስያን ፍትሕን ኣበርክቶ ክህሉዎ ከምዝኽእል ይሕብር።

Workshop 5       እንተዀነ: ኣዕሙቝ ኣቢልና ምስ እንርእዮ: ኣገዳስነት ናይዚ ራእይ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዘበሰረ ወይ ከተኣታቱ ዝፈተነ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዘርእስቱ ሰነድ ካቶሊካውያን ኣቡናት: ኪንዮ እዞም ኣብ ላዕሊ ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ ነጥብታት ዝኸይድ ኣመት ወይ ትምህርቲ እውን ኣሎዎ። ማለት: ብርእይቶይ: እቲ ጽሑፍ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ውሱን ፍልስፍናን እዋናዊ ናይ ቃልሲ ኣገባብን ጥራሕ ዘይኰነስ: ከም ከፋት በሪ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ክመጹ ዘለዎም: ሓድሽቲ ኣተሓሳስባታትን ኣፈታትሓ ብድሆታትን (developing new ways of thinking and addressing challenges)፣ ከምኡ’ውን እቶም ዝፈልቁ ሓደሽቲ ሓሳባት ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን እምነታትን ሕብረተሰብና (based on indigenous knowledge and values) ዝተመርኰሱ ክዀኑ ከምዘለዎምን ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። እንተድኣ: ከምዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ዝጸናሕኩ: ተራ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ኣብ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኤርትራ ከም ቀጥታዊ ግብረ-መልሲ ኣንጻር ጭቆና ጥራሕ ዘይኰነስ: እቶም ንግድላት ኤርትራ ቅኑዕ ፍታሓት ንምርካብ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣብ ባህላዊ ውርሻታትን እምነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተመርኰሱ እውን ክዀኑ ከምዝግባእ ይምህር’ዩ ኣብ ዝብል እማመ እንተ ተሰማሚዕና: እቶም ቀጺሎም ክልዓሉ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሕቶታት (1) እሞ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ቀንዲ ሕቶታት ወይ ሽግራት ናይ ኤርትራ ኰይኖም ዘሎዉ ኣየኖት ኢዮም? (2) እቶም ሕቶታት ኣብ ምፍታሕ’ከ ባህላዊ ያታታትን እምነታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ግደ ክህሉዎም ይኽእል? ዝብሉ ይመስሉኒ።

       ብርግጽ፡ እቶም ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዘሎዉ ዓበይቲ ሽግራት: ሽግራት ናይ መሪሕነት: ድኽነት: ስእነት ሰብኣዊን ደሞክራስያዊን መሰላትን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ካልኦት ግድላትን ብድሆታትን ኢዮም። እዚ ኩሉ ኣብ ቦታኡ እንከሎ ግና: ብርእይቶይ፡ እቲ ዝዓበየን ማእከላውን ሽግር ናይ ኤርትራ ዋሕዲ ናይ መበቈላዊ ሓሳባት ምፍልፋልን: ኣብ ባህላዊ ሕመረት ናይቲ ሕብረተሰብ ተምርኲስካ: እሂን-ምሂን ተባሃሂልካ: ነቲ ግርጭታት ንምፍትሑ ዝሕግዝ ባይታን ኣኽእሎን ክፍጠር ዘይምኽኣሉ ኢዩ። እዛ ነጥብ’ዚኣ ቊሩብ ምብራህ የድልያ’ዩ። “ዋሕዲ መቦቆላዊ ኣተሓሳስባ” ክብል እንከለኹ ብድፍኑ ኣብ ህዝቢ ዘይኰነስ፡ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ኤርትራ (ክልቲኡ ኣብ ስልጣን ዘሎን ናይ ተቓዎምን ፖለቲካዊ መሪሕነታት ማለት’ዩ) ንዘሎ ናይ ተብላሓትነትን ተዓጻጻፍነትን ሕጽረታት ዝምልከት ኢዩ። ምሁራት ኤርትራውያን እውን ካብ’ዚ ድኽመታት’ዚ ናጻ ኣይኰኑን። እዚ ገምጋም’ዚ ኣብ ገለ ኵርናዓት ዘሰሓሕብ ወይ’ውን ብሓፈሻኡ ኣከራኸሪ (controversial) ክኽውን ከምዝኽእል ይርድኣኒ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና: ነቶም ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ንሽግራት ምሕደራ ኤርትራ ዘላቒ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተፈተኑ ዘይዕዉታት ናይ ሃገራዊ ህንጸት ስትራተጂያዊ ራእያትን ናይ ምዕባሌ መደባትን (ወይ ሞዴላት) ብኽፉት ልቦናን ብዘይጸጊዕነትን እንተርኢናዮም: ነዚ ሓቂ’ዚ ምቕባሉ ከቢድ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ: ብመንፈስን ኣቀራርባን መሰረታዊ ፍልልያት ይሃሉዎም እምበር: ኣጥቢቕካ ክትምርምሮም እንከሎኻ፡ ኣምራዊ መበገሲታት ናይቶም ብመንግስቲ ኤርትራን ብናይ ደንበ ተቓዎምን ክቐርቡ ዝጸንሑ ቅዋማዊ፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊን ምጣነ-ሃብታዊን ፕሮግራማት ኣዝዮም ተመሳስለቲ ኢዮም። ክልቲኦም: ማለት ናይ መንግስቲ ኰኑ ናይ ደምበ ተቓውሞ መደባት፡ ንምዕራባዊ ወይ (ሓውሲ-)ማርክሳዊ ኣገባብ ምሕደራን ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌን ዝቐድሑን ዝደጋግሙን ደኣ’ምበር፡ ነቶም ካብቲ ያታዊ ባህልን ልቦናን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝፍልፍሉ ፍልስፍናታትን ኣፈታትሓ ማሕበራዊ ግድላትን ኣብ ጸብጻብ ዘእትዉ ኰይኖም ኣይትረኽቦምን። ንኣብነት: ብመንጽር ናይቲ ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝምራሕ ስርዓት ኣስመራ ዝቐረቡን ዝተወስዱን መደባት እንተርኢናዮ: እቲ መንግስቲን ወከልቱ ምሁራትን ብዓንተቦኡ “ንሕና ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና”፣ ጸኒሑ: ንምዕራባዊ ፓርላማዊ ኣገባብ ብምኽታል ብዘመናዊ ቅዲ ደሞክራሲያ ክንምራሕ ኢና፣ ጸኒሑ’ውን ደሞክራሲ ኣይሰርሕን’ዩ ኣብ ዓድና: ምኽንያቱ ህዝቢና ድሉዊ ኣይኰነን: ወዘተ. …” ካብ ዝብሉ ተጋራጨውቲ እማመታት ሓሊፎም ነቲ ህዝቢን ሃገርን ካብ ጭቆናን ድኽነትን ከውጽኡ ዝኽእሉ መሰረታዊ ሓሳባት ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ብሸነኽ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት እንተርኢናዮ’ውን ከምኡ፡ “ነቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣልጊስና ብሕጋዊ ደሞክራሲያ እትማሓደር ሃገር ክንሃንጽ ኢና” ዝብል ጭርሖታትን መደብ ዕዮታትን ካብ ምድግጋም ሓሊፉ: ክሳብ ለይተ-ሎሚ ነቶም ሽግራት ናይቲ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ወይ ባህላዊ ኣተሓሳስባን ልቦናን (indigenous knowledge systems and values) ናይቲ ሕብረተሰብ ተመርኲሱ ወይ ምስኡ ኣዛሚዱ ኲለንታናዊ ፍታሕ ኣብ ምቕራብ ወይ’ውን ኣብ ምእማት ዝተገብረ ትኵር ፈተነታት ኣይተራእየን። እዚ ክብሃል እንከሎ ነቶም ኵሎም ኣብ ኤርትራ ሕጋዊን ደሞክራስያዊን ለውጢ ንምምጻእ ብደንበ ተቓውሞ ዝቐረቡ ኣገደስቲን ኣረምትን ሓሳባትን እማመታትን ብጃምላ ንምንቃፍ ወይ ንኣገዳስነት ናይቶም ካብ ምዕራባዊ ስልጣኔ እንልቅሖም ጠቐምቲ ኣምራትን ሓሳባትን ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ንምንእኣስ ኣይኰነን። የግዳስ: እቶም ክቐርቡ ዝጸንሑ ስትራተጂያዊ ጠመተታት: ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ዓበይቲ እዋናውያን ሕቶታት ዘተኰሩ (ከም’ኒ ጉዳያት ዋንነትን ምሕደራ መሬትን፣ ሲቪላዊ ሕጊን ቤት ፍርድን፣ ብዓቢኡ ከኣ ኣተኻኽላ ባይቶን ህዝባዊ መሪሕትን) ከምቲ ዝድለ ኣብ ባህላዊ ስርዓተ-ምሕደራን ሕግን እምነታትን እንዳባ ክምርኰሱ ወይ ንዕኡ ምስቲ ዘመናዊ ቅድታት ኣዛሚዶም ሓድሽ ሓሳባት ከተኣታትዉ ኣይከኣሉን ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ወይ ነጥቢ ንምብራህ ኢዩ።

Ghirmai Negash in Festival 2016 2እንተዀነ፡ ከምዚ ክግለጽ ዝጸንሐ: ነቶም ሽግራትና ክሳብ ሕጂ ብቑዕ ፍታሓት ክንገብረሎም ዘይምኽኣልና: ብመሰረቱ ንዝጸንሐ ዕቑር ፍልጠትን ሕጊን ስርዓትን ህዝቢና ፈቲሽና ስለዘይተጠቐምናሉ ኢዩ ኣብ ዝብል ሚዛን ምብጻሕ ጥራሕ ንባዕሉ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ካብኡ ሓሊፍካ ነቶም ኣለዉ ዝብሃሉ ወይ ክልለዩ ዝኽእሉ: ካብ ዝሓለፉ ትውልድታት ዝተወርሱ: ያታዊ ሕግታት: ስርዓታትን እምነታትን: ንድሕሪት ተመሊስካ ምፍትሾምን ካብቲ ቊምነገሮም ተማሂርካ፡ ኣብኡ ዝተመስረተ ናይ “ራእያዊ መቐይሮ” (paradigm shift) ዝፍጠርሉ መገዲ ምእላሽ ከድሊ ኢዩ።ካብዚ ድርኺት’ዚ ተበጊሰ እምበኣር: ኣብዚ ናይ ሎሚ “ናብ ነብስና ንመለስ፤ ሕጊ እንዳባ ንህልዊ ግድላት ኤርትራ መፍትሒ ዶኾን ምዀነ?” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ቀሪበዮ ዘሎኹ ጽሑፍ: ንትሕዝቶ ሕጊ እንዳባን ኣብ ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ ከም ያታዊ ትካላት ዝነበሮም ግደን ብምዝርዛር: ነቶም ሕግታትን ዘሰንዩዎም ስነ-መጎታትን ተረዲእና እንተርዒምናዮም: ከም ራእያዊ መቐይሮ: ንሽግራት ሃገር መፍትሒ ምዀኑና’ዶ ዝብለ ሕቶ ክምልሽ ክፍትን እየ።

       ታሪኽ ሕጊ እንዳባ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ነዊሕን ኣዝዩ ኣገዳሲን ምዃኑ ዘከራኽር የብሉን። ብእኡ መጠን ድማ ብሓያሎ ሃገራውያንን ወጻእተኛታታን ተመራመርቲን ጸሓፍቲን ኣገዳሲ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ስራሓት ናይቶም ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዕትበት ሒዞም: ንዕምቈትን ጥንታውነትን ሰነዳት ሕጊ እንዳባ ብሰፊሕ ኣገባብ መርሚሮም ዝጸሓፉ ደረስቲ ምስ እነተኵር ድማ፡ ንኣብነት: እቲ ቀንዲን ውሩይን ተመራማሪ ሕግታት እንዳባ ዝዀነ ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ብዛዕባ ታሪኻውነት ስርዓታት ዝሃቦ ንጹር ስእሊ ክንርኢ ንኽእል። ሓው ሰሎሞን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ተመርኲሱ: እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብህዝቢን ሽማግለታትን መራሕቲ ዓዲን ከም ሕግታትን መትከላትን እንዳባ ዝቘሙ ያታዊ ሰነዳት፡ ገሊኦም ካብ መበል 15 ክፍለ-ዘመን፡ ገሊኣቶም ከኣ ድሕር ኢሎም ካብ ከበቢ 18 ክፍለ-ዘመን ጀሚሮም ኣብ ሕብረተሰብ ይስርሓሎም ከምዝነበረ የረጋግጽ።[i] ነቶም ሰነዳት ብደቂቑ ብምምርማር: ብግእዝ ዝተጻሕፉ ጥንታውያን ሰነዳት ብምውካስን ዓበይቲ ዓዲ ብምዝርራብን ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተመርኲሱ ከኣ፡ እቶም ሰነዳት፡ ኣብ ሓድሕዶም ብዙሕ ናይ ትሕዝቶ ተመሳሳልነት ከምዘለዎም ይግምግም።[ii] ድሕሪ መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራ ምእታዉ መብዛሕቶም እዞም ቅድሚኡ ብቓል ክሰጋገሩ ወይ ኢድ ተጻሒፎም ኣብ ደብተራትን ብራናን ተዓቂቦም ዝጸንሑ ሕግታት’ዚኣቶም ብዘመናዊ ማሕተም ተሓቲሞም ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን ዝነበረ እዋን ተዘርጊሖም ኢዮም። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ እተን ዝተፈላለያ ብሄራት ዝማሓደራሉ ነናተን ሕጊ እንዳባ ከምዝነበረን ፍሉጥ ኢዩ። እዚ ርዱእ ኰይኑ፡ ኣብ ስርዓታት እንዳባ ናይ ህዝቢ ከበሳን መንሳዕን እንተ ኣተኲርና: እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ ንኽእል፤ 1) ስርዓት ኣድግና ተገለባ 2) ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ 3) ስርዓት ሎጎጭዋ 4) ሕጊ ናይ ሎጎን ጭዋን (እተሓደሰ ኣብ ዋዕላ ማይላሓም) 5) ሕጊ ሰሓርቲን: ላምዛን: ወቐርትን: ዳምባን 6) ስርዓት ናይ ሀብስሉስ: ናይ ገብረክርስቶስ: ናይ ደቀተሽም 7) ስርዓት ካርንሽም 8) ዋዕላ ሾብዓተ ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ 9) ክልኤ መንሳዕ 10) ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ[iii]ሕግታትን ስርዓታትን እንዳባ ኣብዚ ናይ መጨረሽታ መልክዓቶም ንምብጻሕ ብዝተፈላለዩ ጽንኵራት መስርሓት ሓሊፎም’ዮም። ነዚ ኣገዳሲ መስርሕን ታሪኽ ኣተዓቓቕባኦምን ኣመልኪቱ: ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ከምዚ ይብል፤

ስርዓታት እንዳባ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ደብተር (ደፍተር) ተደብቲሮም ወይ ተጻሒፎም ኣብ ማሕተም ክሕተሙ ካብ ዝጅመሩ ብዙሕ እዋናት ኣይሓለፉን። ብዝበዝሕ ኣብ መባእታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ክፍለ-ዘመን ነዞም ልምዳውያን ሕግታት ዝምልከቱ ጽሑፋት ተጻሒፎምን ተጸኒዖምን እዮም ክሕተሙ ዝጀመሩ። እዚ ርእይቶ እዙይ ብላዕሊ ላዕሊ እኳ ቅኑዕ እንተኾነ፡ ኣዕሚቕና እንተረኣናዮ ግና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ስርዓታት እንዳባ ኣብ ደብተር ተጻሒፎም ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ኢድ ገዛኢ ሃገር ተዓቒቦም ወይ ከኣ ዓበይቲ ዓድታት ኣብ ዝመረጽዎም ሰባትን ዝወሰንዎም ዓድታትን ከይጠፍኡ ከይበላሸዉ ክሕልዉዎም ሓለፍትን ተሓዝትን ንሳቶም ክኾኑ ብዓደቦ ውሱን እዩ ዝነበረ። (…) ሽሕመፈለምታት ስርዓታት እንዳባ ብርግጽ ዕለታቶምን ኣዋርሖምን ዓመታቶምን ፈርፊርካ ፈራፊርካ ክፍለጡ እንተዘይተኻእሉ፡ ክቡራን ሊቃውንቲ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒን ፈሊቸ ኦስቲን[] ከም ዘረጋግጽዎ ቀዳሞት ስርዓታት እንዳባስርዓት ኣድከመ ምልጋእ፡ ስርዓት ናይ ሃብስሉስ ናይ ገብረኽርስቶስ ናይ ደቀተሽም ስርዓት ምዔም ምሓዛ” (ካብ 15 ክፍለዘመን ክሳብ 18 ክፍለ እያቶም። ብዛንታ ከምዚዝንቶ ንብቋንቋ ትግርኛ እተጻሕፉ ካልኦት ምንጭታት ከምዝገልጽዎ ግና (ንኣብነት ብዛዕባ ምምስራት ሕጊ ሎጎጭዋ --- 1484 ..) ምስ ሓሳባቶም ዝገራጨውን ዘደናግሩን መባእታ ዓመታት የብራህርሁልና።እቶም ብኣጋ እንረኽቦም ስርዓታት እንዳባ ግና መብዛሕትኦም ኣብ መጠረሽታ 19 ክፍለዘመንን ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለዘመንን ዝተሓገጉን ዝተሰርዑን ዝተሓደሱን እያቶም።ብተወሳኺ ኣመሓደርቲ መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝንን ዝሓገግዎም ሕግታት ከምዓንጎዞርዛሮ ሓሓሉፎም ሱር ሰዲዶም ይርከቡ እዮም። ብዝበለጸ ግና ብዛዕባ ግፍዐይታትን፡ ነገድትን፡ኣነባባር ፍትሕን ኢዮም ዝምልከቱ። ቅድሚ ምስ ሕግታት መንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝን ግና ስርዓታት እንዳባ ከበሳ ኤርትራ ካብ ብሉይን ሓዲስን ኪዳንን፡ካብ መጻሕፍቲ ሕገቀኖናን፡ ካብ ድርሳን ኣበውን (ሲኖዶስ ዲዳስቅሊያን)ካብ ሕጋጋት ነገስታትን ካብ ስርዓት መንግስትን ምስ እተወጻጽኡን ንስጋውን መንፈሳውን ብፍትሒ ዘነባብሩ ፈውሰ መንፈስውን ፍትሒ ነገስትን ዝተባህሉ መጻሕፍቲ ፍርዲ ብዙሕ ርክብ ኣለዎም።[iv]

Ghirmai Negash in Festival 2016 3       ብዛዕባ ስርዓታት እንዳባ ከም ኣገዳስቲ ሰነዳት ክንሓስብ እንከለና እንረኽቦ ረብሓ ወይ ብልጫታት ግን፡ ከምዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና: ነዊሕ ታሪኾም ወይ ጥንታውነቶም ንባዕሉ ዘሐብን ባህላዊ ተርእዮ ስለዝዀነ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣገዳስነቶም ብብዙሕ ሸነኻት ክርእ ዝከኣልን ዘሎዎን ኢዩ። ብቛንቋዊ ዓይኒ እንተጠሚትናዮ፡ እቲ ሃብቲ ቃላት፡ ኣወዳድቓ ሓሳባትን ምሳሌታትን ንሕመረት ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ኢዮም። ብፍልስፍናዊ ዓይኒ ምስዝርኣዩ፡ ንናይቲ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ኣተሓሳስባን ራእይን ዘንጸባርቑ ኰይኖም ንረኽቦም። ብዓይኒ ሕጊ ምስ እትርዮም ከኣ እቲ ሕብረተሰብ፡ ብዓንተቦኡ፡ ካብ ውሽጡ ፈልፊሎም ብገዛእ ርእሱ ከማሕድሩዎ ዝኽእሉ ሕግታት ከማዕብልን ክሕንጽጽን ዘኽእል ስልጣኔ ኣጥርዩ ከምዝነበረ የመልክቱ። ብርእይቶይ ግን፡ ልዕሊ ኵሉ እዚ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ብልጫታት፡ ንሕግታት እንዳባ ፍሉይ ኣድህቦ ክንገብረሎም ዝድርኽ ካልእ ቀንዲ ምኽንያት ኣሎ። ንሱ ድማ እቶም ስርዓታት እንዳባ “ካብ ላዕሊ ወሪዶም ንህዝቢ ዝተዋህቡ” ወይ ብገለ መራሕቲ ሕብረተሰብ ጥቕሚ ውሑዳት ንኽውክሉ፡ ንይስሙላ፡ ዝተሓገጉ ዘይኰኑስ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ፡ ድሌትን ረብሓን ሓፈሻዊ ኣቃውማን ልምድታትን ሕብረተሰብ ኣብ ጸብጻብ ኣእትዮም፣ ፍትሒን ሰላምን ኣብ ሕብረተሰብ ምእንቲ ክነግስ ብንጹህ ሕልና ዝተሓገጉ ምዃኖም ኢዮም። እቲ መስርሕ ኣቃውማ ናይቶም ሕግታት ደሞክራስያዊን ግሉጽን መሰረት ነይሩዎ ምባል ዘረባ ምጽብባቕ ወይ ምግናን ኣይኰነን። እቲ መስርሕ ካብ ባይቶ ዓዲ ተበጊሱ፡ በቶም ናይቲ እዋን’ቲ ዝነበሩ ብሉጻት ክኢላታት ሕጊን ዓበይቲ ዓድን ተማጻርዩ ይጸድቕ ከምዝነበረ፡ ብቐንዶም እቶም ኣብ መቕድማት ናይቶም ሰነዳት ዝርከቡ መግለጺታትን ኣብ መዛዘሚ ናይቶም ሰነዳት ዝርከቡ ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲን ይምስክሩዎ ኢዮም። ኣባ ተኸስተብርሃን ገ/መድህን: ንሕጊ እንጋንኣ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መቕድም: ንመሰራታዊ ሓቅነት ናይዚ ትዕዝብቲ’ዚ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ብሰፊሑ ኣስፊሮሞ ኣሎዉ፤

Ghirmai Negash in Festival 2016 4       ስርዓት እንዳባ ሕዝብና : ብሕዝቢ ኪዝውተር ጸኒሑ : ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ብዚስመዩ ብኣኼባ ዓበይቲ ዓዲ ተመርሚሩ ተመጺዩ ተጻሪዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ከም ሕጊ ምዃኑ ተፈሊጡ ተኣዊጁ ሕዝቢ ዚምርሓሉ ሕጊ ኢዩ። እዞም ሓጋጎን ጸራቦን ተባሂሎም ዚፍለጡ ዓበይቲ ዓዲ ወይ ሽማግለታት ብሓቂ ዘይተጻሕፈ መዝገብ ፍልጠት ዝኾኑ ውሩያት ሰባት ኢያቶም።

       ሓቂ ከኣ መዛግብ ታሪኽን መዛግብ ትውፊትን ብምዃኖም (. . . ) ወጻእተይናታት ዳህሰስቲ መልክዕ ምድርን ደረስቲ ታሪኽን ደረስቲ ልምዲ ሕዝብን ዝተጠቐሙሎም እረ’ኳ ደኣ ዝተበለጹሎም ዝቐድሑሎም ዘይነጽፍ ዔላታት ታሪኽ ሃገር ኢያቶም። (ኣብ መቅድም ሕጊ እንጋንኣ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ተመልከት።)

ተመራማሪ ስነ-ሕብረተሰብ ዮውሃንስ ገብረመድህን ድማ ብወገኑ: The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea (2004) ኣብ ዝብል ዕቱብን ዝርዝርውን ምርምራዊ መጽሓፉ: ነቲ ‘ወጻእተይናታት ዳህሰስቲ እውን ንሕጊ እንዳባ ፈሊጦሞን ተደኒቖምሉን ኢዮም ዝብል እማመ’ ናይ ኣባ ተኸስተብርሃን ገ/መድህን ብጭብጥታት ብምስናይ ከምዚ ክብል ምስክርነቱ ይህብ፤

Ghirmai Negash in Festival 2016 5       ናይ ኤርትራ ስርዓታት እንዳባ እንተወሓደ ካብ ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዞም ከምዝነበሩ ዝምስክሩ ታሪኻዊ መርትዖታት (ጽሑፋት) ኣለዉ። ሉዶልፍ ዝተባህለ ደራሲ: ኣብ 1683 ኣብ ዘሕተሞ “ታሪኽ ኢትዮፒካ” ዝብል መጽሓፉ: ደቀባት ሓማሴን ኣብ ኤርትራ መራሕቶም ባዕላቶም ይመርጹ ከምዝነበሩን ከም ምስ ምሕደራ ሓንቲ “ንእሽቶ ረፓብሊክ” ብዝመሳሰል ኣገባብ ንሕግታቶም ኣብ ግብሪ የውዕሉ ከምዝነበሩን ይምስክር። (…) ክዝከር ዘለዎ ካልእ ነገር ከኣ: ሕግታት እንዳባ ናይቶም ብማሕረስ ዝናበሩ ክርስትያን ደቂ-ከበሳ ምስ ሮማዊ ሕጊ፡ ፈለማዊ ናይ ኣንግሎ-ሳክሰን ሕጊ: ከምኡ’ውን ምስቶም ከም “ጀርመናዊ”: “ሓፈሻዊ”: ሕጊ ተባሂሎም ዝፍለጡ ያታዊ ሕግታት ናይ ቀረባ ተመሳሰልነት ከም ዘለዎ ኢዩ። (ገጻት 32: 36 ተመልከት[v])

ብዛዕባ ሕግታት እንዳባ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝጸሓፉ ካልኦት ሃገራውያንን ወጻእተኛታትን ተመራመርቲ’ውን ከምኡ ንታሪኻውነትን ኣገዳስነትን እቶም ስርዓታት ብዝተፈላልዩ መገድታት ተንቲኖሞን መዚኖሞን ኢዮም። ገለ ካብኣቶም ከም ኣብነት: ናይ ደኒስ ዳንከንሰን (Dennis Duncanson 1949): ናይ ራሰል (F.F. Russel 1959): ናይ ሉካ ካስተላኒ (Castellani 2000): ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ (Tesfagiorgis 2008): ከምኡ’ውን ናይ ሃብተ ዑቕባዝጊን ሰናይ ዓንደማርያምን (Ogubazghi and Andemariam 2013) ዓንቀጻት ክጥቀሱ ይከኣሉ[vi]። ናይ ዳንከንሰን ኣብ ስርዓት ኣድከመ ምልጋእ ዘተኰረ ገላጺ ዓንቀጽ ኢዩ። ናይ ራሰል ንትውፊታዊ ሕግታት እንዳባ ብሓፍሻኡ ምስ ናይ ኣመሪካ ወረዳዊ ሕጋጌታት ኣመሳሲሉ ሓታት ዘቕርብ ሓጺር ጽሑፍ ኢዩ። ካስተላኒ ብወገኑ: ኣብ ትሕዝቶ መሬት ኣተኲሩ ብሩህን ሓጺርን ጽማቕ ብዛዕባ ያታዊ ምሕደራ መሬት ይህብ። ናይ ሃብተ ዑቕባዝጊን ሰናይ ዓንደማርያምን ኣብ ምሕደራ ዳንነት ወንጀል ዘተኰረ ዓሚቚ ትንተና ኰይኑ: ሕግታት እንዳባ ከመይ ጌሮም ምስ ዘመናዊ ቅዲ ዳንነት ክወሃሃዱ ከምዝኽእሉ ይእምት። ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ ኣበርክቶ ብሩህን ዝርዝራውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ስርዓታት እንዳባ ከም “ሃገራዊ ውርሻ” ተቖጺሮም ነቲ ካብኦም ክውረስ ዝከኣል ኣወንታዊ ሸነኻት መሚኻ: ምስ “ሕብረ-ምጣነ-ሃብታዊ ክውነንት ናይቲ ሕብረተሰብ” ብዝሰማማዕ ኣገባብ ኣብ ምንዳፍ ዘመናዊ ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ግደ ክህሉዎም ከምዝኽእል የረድእ።[vii] እቲ ኣቐድም ኣቢለ ጠቒሰዮ ዝነበርኩ ናይ ዮውህንስ ገብረመድህን ሰፊሕ ምርምራዊ ስራሕ እውን ምስ ናይ ገብረሂወት ተስፋጊዮርጊስ መደምደምታታት ይሰማማዕ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፍ ግን ዮውሃንስ ገብረመድህን ብመሰረቱ ንሓይሊን ኣገዳስነትን ሕጊ እንዳባ ከም መመላእታ ዘይኰነስ ከም መሰረታዊ መበገሲ ብምውሳድ: ብፍላይ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ኤርትራ ክህሉዎም ዝኽእል ተራ ኣጕሊሑ የርኢ። ብቐንዱ ኣብ ምምስራት ርግኣትን ሰላምን ክጻወቱዎ ዝኽእሉ ግደ ብንጹር ብምምትንታን: እቶም ሕግታት ከስርሑ ክሳብ ዝኸኣሉሉ ግዜን ኵነታትን ክርዓሙ ከምዝግባእ: ነቶም ያታዊ ሕግታት ብኸፊል ብዘመናዊ ኣገባባት ንምትካእ ምስ ዝድለ እውን ዘገምታዊ ብዝዀነ ሜላ ደኣ’ምበር ምስ ድልየትን ደገፍን ሕብረተሰብ ብዘይቃዶ መስርሕ: ብምስሉይ ዘመናውነት ኣማኻኒኻ: ብጐንጽ ክድርበዩ ከምዘይብሎም የገንዝብ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ዘይምግንዛብ ክመጽኡ ካብ ዝኽእሉ ሓደጋታት ምጥንቃቕ ከምዘድሊ ብምስማር ድማ እዚ ዝስዕብ ተሪር ትምህርታዊ ገምጋም የቕርብ፤

Ghirmai Negash in Festival 2016 6

ብዙሓት ካብ መግዛእቲ ናጻ ዝወጻ ሃገራትን ካልኦት ኣብ ምስግጋር ዝርከቡ ሕብረተሰባትን ንሕጊ ከም መሳርሒ ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ለውጢ ንኽጥቀምሉ ፈቲኖም ኢዮም። ወጻእተኛታት ናይ ሕጊ ሚስዮናውያንን ኣብ ናይ ምዕባሌ ስራሓት ዝነጥፉ ትካላትን ኣብ ምምዕባል ጥንታውያን ሕግታት ተሓባቢሮም ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ እቲ ነቶም ጥንታዊ ሕግታት ዘመናዊ ንምግባር ዝተገብረ መስርሕ ንምዕራባውያን ሕግታት ብምቕዳሕ ወይ ካብኦም ብምውሳድ’ዩ ተኻይዱ። እንተዀነ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት: እቲ ንሕጊ ከም መሳርሒ ማሕበራዊን ምጣነ-ሃብታዊን ለውጢ ንምጥቃም ዝተገብረ ፈተነ: ንማሕበራዊ: ታሪኻዊ: ትካላዊን ባህላዊን ክውንነት ናይቶም ሕብረተሰባት ግቡእ ቆላሕታ ዘይህብ ብምንባሩ: ከም ዝፈሸለ’ዩ ዝምዘን። እዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ኤርትራ ሕግታት ንምምዕባል ኣብ ዝግበሩ ፈተናታት ወሳኒ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ገጽ 228 ተመልከት)[viii]

ብወገነይ: ምስ ገምጋም ዮውሃንስ ገብረመድህን ምሉእ ብምሉእ እሰማማዕ። እንተዀነ: እቶም ስርዓታት እንዳባ ከም መምርሒ ሕግታት ክንርእዮም ጥራሕ ዘይኰኑስ: ካብኡ ሓሊፍና እውን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነበሮምን ዘሎዎምን ተራ ከም ሓፈሻዊ ፍልስፍና ወይ ኵለንተናዊ ዓለመ-ርእይቶ (Total worldview) ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክንርድኦም ኣሎና ዝብል እምነት ኣሎኒ። ከምዚ ንዘብለኒ ምኽንያት ክዝርዝር ኣድላዪ’ዩ`ሞ ካብቲ ብዙሕ ቊሩብ ነጥብታት መሪጸ ከም መብርሂ ኣስዒበ ከቕርብ።  

       ቀዳማይ፤ ክንርእዮ ከም ዝጸናሕና: እዞም ሕግታት እንዳባ ካብ ደገ ዝመጹ ዘይኰኑስ ካብ ባህሊን ልቦናን እቲ ህዝቢ ፈልፊሎም: ንነዊሕ እዋን ንሕብረተሰብ ከም ሓደ ጥሙር ኣካል ብምትእስሳርን ብምርኻብን ኣብ ግዜ ሽግሩን ራህዋኡን መምርሒ ኰይኖሞ ጸኒሖም ኢዮም። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ጽንኵራት ታሪኻዊ መድረኻት ቃልሲ ኤርትራ: ህዝቢ መምርሒ ስኢኑ ከይሰናበድ: ከይደናገር: ንሓድሕዱ ከይነዓዓቕ: ተነዓዓቑዑ ከይጻላእ: ንሓድሕዱ ተጻላሊኡ ብመንፈስን ኣካልን ከይተዓማመጽ፣ ከምኡ’ውን ድሕሪ ናጽነት: ስስዐ: ብደዐ: ቅንኢን ኣነነትን ኣንጊሱ ኣብ ደልሃመት ሕንፍሽፍሽን ስርዓተ ኣልቦነትን ኣትዩ ከይበታተን፣ ከም ሞራላዊ ጥዋፍ ኰይኖም እቲ ክመርጾ ዘሎዎ ናይ ፍትሒን ሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ምድግጋፍን መገዲ ክሕብሩሉ ጸኒሖም ኢዮም። ሕብረተሰብ ኤርትራ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ: እሞ ከኣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣተሓሳስባኡን ስነ-ኣእምሮኡን ዝሰረጹ: ብሉጻት ስርዓታት እንዳባን ምስኦም ዝኸዱ ሞራላዊ ትካላትን እንተዘይህልዉዎ: ብርግጽ: ነቶም ዘሕለፎምን ዝገጥሙዎ ዘለዉ ሓደሽቲ ብድሆታትን ከም ህዝቢ ጥሙር ኰይኑ ህላዌኡ ከረጋግጽን ክቕጽልን ኣይምኸኣለን። ካልኣይ፤ ከም ዝፍለጥ: ዝዀነ ሕብረተሰብ ኣብ ጕዕዞኦ ንዘጋጥምዎ ግድላት ዝፈትሓሎም ኣተሓሕዛን ኣወግናን ግርጭታት ኣለውዎ። ዘይሩ-ዘይሩ ግን እቲ ወሳኒ ሕቶ “እንተድኣ ንስርዓታት እንዳባ ከም ኵለንታዊ ዓለመ-ርእይቶ ሕብተሰብ ኤርትራ ንረድኣዮም ኢልና: እቲ ስፍሓትን ዓይነትን ናይቶም ሕግታት’ከ ብዝርዝር ከመይ ይመስል? ንሕብረተሰብ ዘጋጥሙዎ ግድላት ምሉእ ብምሉእ ንምፍታሕ ወይ መልሲ ንምሃብ’ከ እቶም ሕግታት ብቕዓት ኣሎዎም’ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኢዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ብኣቋራጭ: ማለት ብናይ “እወ/ኣይኰነን”: መልሲ ክምለሽ ዝከኣል ኣይኰነን። ነቶም ስርዓታት እንዳባ ብዝርዝር ኣወዳዲርካ እንተመርሚካዮም ግን: ብዘይጥርጥር ንብዙሓት ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝርከቡ ወይ ይርከቡ ኢዮም ዝብሃሉ ዓበይቲ ሕቶታት ዝምልሱ ይመስሉ። እቶም ሕግታት እንዳባ ኣልዒሎም ዝዛረብሎምን መፍትሒ ዝረኸብሎምን ጉዳያት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም። ብዛዕባ ምውላድ ቈልዓን መሰልን ግዴታን ወለድን፣ ብዛዕባ ሓላፍነት ውሉድ ንወለዲ፣ ብዛዕባ ሞት: ጉዳያት ውርሻ መሬትን ንብረት ስድራ-ቤትን፣ ብዛዕባ ዘኽታማት ቆልዑን ኣተዓባብዮኦምን፣ ጉዳያት ሕጸ: ገዝሚ መርዓን ፍትሕን፣ መሰላት ጓል ኣብ ግዜ መርዓ: ሓዳርን ፍትሕን፣ ብዛዕባ ግብረስጋዊ ዓመጽ ደቀንስትዮን መቕጻዕቱን፣ መሰላት ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ: መሰላት ሓያም፣ ብዛዕባ ውሉድ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ብዛዕባ ብናይ ኣእምሮ ሕማም ዝሳቐዩ ዜጋታት፣ ብዛዕባ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን (“ማእከላይ ዓሌት” ዝብሃሉ)፣ ብዛዕባ ኣብ ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት ዝዋፈሩ ዜጋታት (artisans)፣ ብዛዕባ ምሕደራ ቤተ-ክርስትያንን ትምህርትን፣ ብዛዕባ ኣቀባብላ ዜጋታት ኣመንቲ ምስልምና ከም ኣጋይሽ ኣብ ግዜ ውራይ፣ ብዛዕባ ዋንነትን ኣተዓዳድላ መሬት ርስቲን ዴሳን ዓዲ፣ ብዛዕባ ናይ ስርቂ: ክትረት: ሞትን ገበንን ዝውሃብ መቕጻቲን ጋር ነብሲን፣ ብዛዕባ ጸርፊ ንዓሌት ወይ ውልቀሰብ፣ ብዛዕባ ኣመራርጻ ጭቃ ዓድን ሽማግለታትን፣ ብዛዕባ ምስክርን ማሕላን ንምስክር ዘይበቕዑ ውልቀሰባትን (ውጂ)፣ ኣተሓሕዛ መሬት: ማይ: ገረብ: ሳዕሪን ዘራእቲን ዓዲ፣ መሰላትን ግቡእን ጓሳ ከብቲ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መሰል ከብቲን ብሓፈሻኡ እንስሳ ዘቤትን።

       ካብዚ ክንርእዮ ከም እንኽእል እምበኣር፡ እዞም ሕጊታት እንዳባ ኣጠቓሊለሞም ዘሎዉ ቴማታትን ዝትንክፎዎም ዛዕባታትን ንሕሉፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብዚ ግዜና ኣካታዕቲ ኰይኖም ንዘለዉ ጉዳያት ከምእኒ መሰል ደቀንስትዮ፡ ባህርያዊ ኣከባቢ ምሕደራን ከምኡ’ውን ንመሰል እንሳስታትን ካልእን ከርእዩን ከፍርዱን ዝኽእሉ’ዮም። እቲ ኣገዳስነትን ደሞክራሲያዊን ባህርያት ናይቶም ሕግታት ብደቂቑ እንተርኢናዮ ከኣ፡ ንኣብነት ኣብ ሕጊ ኣድገነ-ተገለባ ዓንቀጽ 28.224 ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መምርሒ ንረክብ፤ “ኣብ፡ ዓዲ፡ ዘሎ፡ ጓሳ፤ ከብቲ አጥፊኡ፡ ንዕለቱ፡ ንዋና፡ እንተነገረ፡ ዕዳ፡ የብሉን፤ ንዕለቱ፡ እንተዘይነገረ፡ አምሲሉ፡ ይዕደ። ዋናታቱ፡ ገይሾም፡ እንተጸንሕዎ፤ ንዳኛን፡ ንመቕድምን፡ ይንግር።”[ix] እንተዀነ፡ እቲ ሕጊ ንመሰል ጓሳ ዝጣበቕ ደኣ ይዂን’ምበር፡ በቲ ሓደ ወገን’ውን ሚዛን ብምሕላው ነቲ ማሉ ዝጠፍአኦ ዋና’ውን፡ ምናልባት እቲ ጓሳ ኣታሊሉ ምስ ዝኸውን ኣብ ሕጊ ኣቕሪቡ ከቕጽዖ መሰሉ ይሕልወሉ’ዩ። እቲ ነዚ ዝምልከት ዓንቀጽ 28.227፡ እቲ ጓሳ፡ “ብውሳይ፡ ከምዝገበሮ፡ እንተተረትዔ፡ ከም፡ ሰራቂ፡ ኮይኑ፡ ይተሓዝ። ንሰራቂ፡ ዝተወሰነ፡ ሕጊ፡ ይብጽሓዮ:” ይብል። ኪንዮ’ዚ: እቲ ኣዛዊሩ ዝርኢ ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ ስርዓታት ኣድገነ-ተገለባን ኣድከመ-ምልጋእን ንመሰል እንሳታት’ውን ኣትሪሩ ይጣበቕ’ዩ። ስርዓት ኣደከመ-ምልጋእ ንመሰል እንስሳ-ዘቤት ኣመልኪቱ፤ “ጕዱእ፡ ብዕራይ፡ አልዒሉ፡ ዝሐረሰ፡ ጕድእቲ፡ በቅልን፡ ጕድእቲ፡ አድግን፡ አልዒሉ፡ ዝጸዓነ፡ ሕልቂ፡ ይዕደ” (173) ክብል እንከሎ፡ ስርዓት ኣድገነ-ተገለባ ብወገኑ ኣብ ዓንቀጽ 35.297-298: ናይ ዝዀነ እንስሳ መልሓስ ዝቖረጸ ወይ ዘይከልቡ ወቒዑ ዘሰንበረ ከቢድ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከም ዝጽበዮ የምልክት (86)። ብተመሳሳሊ: ሕጊ ክልኤ መንሳዕ ቦታን መሰልን እንስሳ ዘቤት፡ ሓላፍነት ዋናታትን ግቡኣት ሓለፍቲ-መገድን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣነጺሩ የቕርብ (557-558)።

       ሕጊ እንዳባ ንጉዳያት ደቀንስትዮን ጀንደራዊ መሰላትን ብዝምልከት ኣዝዮም ዝርዝራውያን ዓንቀጻት የቕርብ። ሽሕ እኳ እቶም ሕግታት ኣብ ጽኑሕ ኣባታዊ ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተመስረቱ ይዂኑ’ምበር፡ ብዘይ ቀለ-ዓለም ንመሰል ደቀንስትዮ ዝሕልዉን ዝጣበቑን ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ኣለዉዎም። እቶም ስርዓታት: ከከም ከባቢኦም: ኣብ ጉዳይ ደቀንስትዮ ዘለዎም ጠመተ ብመጠኑ ዝፈላለን ደኣ ይዅን’ምበር፡ ንኣብነት ኣብ ስርዓት ሎጎ-ጭዋ ንመሰል ከይወለደት ዝተፈትሐት ሰበይቲ ኣመልኪቱ ብኸምዚ ይጣበቕ፤

ዘይወለደት፡ ሰበይቲ፡ እንተተፈትሔት፡ ጽግእን፡ ነግፍን፡ ትሕረስ፡ እከይድ፡ እንተበለት፡ ግን፡ ነታ፡ ዝሰርሐታ፡ ቤት፡ ብ3 ግቡኣት፡ ሽማግለ፡ ዳኛ፡ ዝሐረዮም፡ ተሸኒና፡ ፍርቂ፡ ተቀቢላ፡ ትኪድ፤ ይቅመጥ፡ ቈሪበ፡ እንተበለት፡ ድማ፡ ክሳብ፡ ትመውት፡ ትቀመጥ፡ ድሕሪ፡ ሞት፡ ግን፡ ኣዝማዳ፡ ዋርሳ፡ ኣይግበኦምንዩ፡ እታ፡ ቤት፡ ንሰብኣያ፡ ትዅን። (291)

ዘወር ኢልና ንናብ ሕጊ: ሰሐርትን: ላምዛን: ወቐርትን: ዳምባን ምስ እንምልከት’ውን ንመሰል ደቀንስትዮ፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ሎሚ ኣዝዩ ኣዛራቢ ኰይኑ ንዘሎ ዘቤታዊ ዓመጽ ደቀንስትዮ’ውን ከይተረፈ ጠቒሱ፡ ኣብ መበል 25 ዓንቀጹ ከምዚ ይብል፤

ስለ ሰብኣያ ዝሃረማ

ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ [ንፍትሕ]፡ ምስ፡ ተቋጸረት፡ እንተ፡ ሃረማ፡ ክልተ ዝሸረፈት፡ ኣርሒ፡ ይኽሐሳ። ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ፡ እንተ ፈግአ፡ ኣንስተይቲ፡ ጤል፡ ይሕረደላ፡ ሓደ፡ ሕልቂ፡ ከኣ፡ ይኽሐሳ። ርእሳ፡ ድማ፡ እንተ፡ ነጸያ፡ ሐዴ፡ ሕልቂ፡ ይኽሕሳ። (361)

ሓዳራ ገዲፋ ንዝኸደት ሰበይቲ’ኸ? ሕጊ ሰሓርቲ ነዚ’ውን መልሲ ኣለዎ። ዓንቀጽ 26 ናይቲ ሰነድ ከምዚ ይብል፤

ስለ ቤታ ሓዲጋ ዝኸደት ሰበይቲ

ሰበይቲ፡ ቤት፡ ብስልሙን፡ ብምሉኡን፡ ሐዲጋ፡ ዝጸለቈት፡ ነቲ ሰብኣይ፡ ካብ፡ ገንዘብ፡ ብርኮም፡ ብላዕሊ፡ ሰላሳ ቅርሺ፡ ትኽሐሶ። ካልእ፡ ገንዘባ፡ ግን፡ ትመቐል፡ አይትወረስ። ንሐሙታ፡ ተቋጸረለይ፡ ኢላ፡ እንተኣብይዋ፡ ከኣ፡ ንዳኛውን፡ ነጊራ፡ እንተኸደት፡ ንሰባ፡ ክትጽውዕ። ኣይትኽሐስ፡ ገንዘባውን፡ ትመቐል። (361)

ኵላቶም እቶም ኣብ ስርዓታት እንዳባ ዝርከቡ ሕግታት ንመሰል ደቀንስትዮ ኣጥቢቖም ዝከላኸሉ ክዀኑ ከለዉ፡ ብዓቢኡ ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከም ክፉእን ኣነዋርን ተግባር ኣትሪሮም ይዅንኑ። እዚ ዘየከራኽር ሓቂ’ዚ: ከም ኣብነት: ኣብ ሕግታት ኣድከመ-ምልጋእን ኣድገነ-ተገለባን ብተሪር ቋንቋ ተሰኒዱ ይርከብ (ስርዓት ኣድከመ-ምልጋእ ገጽ 166-167፣ ስርዓት ኣድገነ-ተገለባ ገጻት 40-41 ተመልከት)።[x]

       ካብ ጉዳያት ጀንደርን ደቀንስትዮን ሓሊፍና፡ ብዛዕባ ምሕደራ መሬትን ባህርያዊ ኣከባቢን ምስ እንምልከት ድማ፡ ኵሎም እቶም ሕግታት፡ ወይ’ውን ዳርጋ ኵላቶም እቶም ሕግታት፡ ኵለነታዊን ዝተራቐቐን ኣቀራርባ ዘለዎም ኰይኖም ንረኽቦም። ንኣብነት ኣብ ስርዓት ሎጎ-ጭዋ፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ገረብ ዘሎ ዓንቀጽ፡ ብዘመናዊ መምዘኒ እንተ ተራእዩ’ውን ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ። እቲ ዓንቀጽ ኣግራብ ዓዲ ብግቡእ ክቝረጹ ጥራሕ ዘይኰነስ ከመይን ኣበየናይ ወርሓትን ክቝረጹ ከም ዘለዎም’ውን ከምዚ ዝስዕብ ብዝርዝር የብርህ፤

ኣገባብ ቁርጻ ኦም

ብፋስ፡ ብመጋዝ፡ ይቈረጽ፡ ብሐዊ፡ ከይቍረጽ፡ ክልኩል፡ እዩ፡ ነዙይ፡ ዝገሃሰ፡ 30 ፈ. ይዕደ፡ ንትምህርቲ፡ ቤት።

       ንዓንደ፡ ገመል፡ ዝኸውን፡ ኦም፡ ካብ፡ ኪዳነ፡ ምሕረት፡ ሰኔ፡ ክሳብ፡ መወዳእታ፡ ንሐሴ፡ ኪብተኽ፡ ይግባእ፡ ከመይ፡ በዚ፡ ጊዜ፡ ተቈርጸ፡ ኦም፡ ኪነቅጽ፡ ኣይክእልን፡ እቲ፡ ኦም፡ ድማ፡ ይጭጭብ፡ አይበርስን። ዳዕሮ፡ ኣውሒ፡ ናብ፡ እንዳ፡ ኣቡነ፡ እከሌ፡ ተባሂሉ፡ ዝስሜ፡ ክልኩል፡ ኣግራብ፡ ጽላል፡ ማያት፡ ንዑኡ፡ ዝመስል፡ ካልእውን፡ ዝበተኸ፡ 30 ፈ. ንቤተ፡ ትምህርቲ፡ ይዕደ፡ እታ፡ ዝበተኻ፡ ኦም፡ ከኣ ንቤተ፡ ክርስቲያን፡ ትኹን።

       ኣታኽልቲ፡ ዝቈረጸ፡ ወይ፡ ዝመሓወ፡ 60 ፈርጊ ይክሕሶ፡ ንዋና፡ ኣትክልቲ። (268)

መደምደምታ

እዚ ሓተታ’ዚ፡ ካብቲ ተደጋጊሙ ተፈቲኑ ከብቅዕ፡ ከምቲ ዝተጸበናዮ መፍትሒ ከምጽእ ዘይከኣለ፡ ካብ ምዕራባዊ ሞዴላት ዝተቕድሐ ኣገባብ፡ ክሳብ ሕጂ ንግድላትን ሽግራትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ክፈትሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ምናልባት ናብ ነብሲና ተመሊስና፡ ናይ ኣተሓሳስባ ምምዕርራይን ምቕያርን (paradigm shift) ብምግባር፡ ንስርዓታት እንዳባ ከም መወከሲ እንተ ወሰድናዮም ይሕግዙ’ዶ ይዀኑ ካብ ዝብል መንፈስን ሓሳብን ዝነቐለ’ዩ። ኣብ ትንተና ከም ዝረኣናዮ፡ ብርግጽ እቶም ስርዓታት እንዳባ ካብ ባህልን መሬትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝነቐሉ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ ግርጭታት ብግቡእ ኣንጸባሪቖም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ዘስርሑ መፍትሒታት ዘቕርቡ ኰይኖም ይረኣዩ። እቲ ሕቶ ግን ብቐንዱ እዞም ስርዓታት’ዚኣቶም ከም ሕግታት ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ኵሉንተናዊ ዓለም-ርእይቶን ፍልስፍናን ተቘጺሮም ክውሰዱ ዝከኣል እኳ እንተዀነ፡ “ነቶም ዘመናዊ ብድሆታትን ማሕንቖታትን ምሉእ ወይ እኹል መፍትሒታት ክቕርቡልና ይኽእሉ’ዶ?” ዝብል’ዩ። ብእምነተይ እዞም ዝተጠቕሱ ስርዓታት ከም ቀንዲን መበገሲን ብምውሳድ፡ ነቶም እዋናውያን ግድላት ንምፍታሕ መታን ክሕግዙ ፍሉይ ኣድህቦ ክግበረሎም ኣድላዪ ኢዩ እብል። እቲ ዝግበር መስርሕ ውጽኢታዊ ንምግባሩ ግን ስርዓታት እንዳባ ከም መመላእታ ናይ ዘመናውያን ሕግታት ዘይኰኑስ፡ ብኣንጻሩ፡ ከም ቀንዲ መበገስቲ ናይ ዝዀነ ይዅን ዘመናዊ ምኽላስ ክዀኑ ይግባእ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከምቲ ሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ንምሳሌታት እንዳባ ጠቒሱ ዘመልከቶ፡ ሕጊይነብርተተኺሉ፡ስርዓትይነብርተዛዊሩ” ኢዩ’ሞ እዚ ሃብታም ያታዊ ስርዓታት ክህብን ክቕበልን ክፉት ኰይኑ፡ ናትና’ዩ ኢልና ከም መሰረታዊ ፍልስፍና እንተ ርዒምናዮ ናብ ነብሲና ክመልሰናን ከስርሓናን ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

መወከሲ

 


[i] ሰሎሞን ገብረክርስቶስ: ሓርጋት ትግርይና፤ ኣስመራ: 1993: ገጽ 19 ተወከስ።

[ii] ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ ፣ ቤት ማህተም ፍራንቸስካና:  ኣስመራ፣ 1993፣ ገጽ 37-51 ርአ።

[iii]ሕጊ እንጋንኣ: ስርዓት ዐጽሚ ሐርማዝ ኣብ 1993 ብሓው ሰሎሞን ገብረክርስቶስ ካብ ብኢድ ተጻሒፍ ዝተርኸበ ደብተር ተቐዲሑ ንመጀመርታ ዝተሓትመ ኢዩ።

[iv]http://www.eritreanarchives.org/. እዚ ጥቕሲ’ዚ ካብዚ ተዋሂቡ ዘሎ መርበብ-ሓበሬታ’ዩ ተወሲዱ። ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላት ምእራማት ተገይሩሉ ኣሎ።

[v] መበቆላዊ ጥቕሲ ብእንግሊዘኛ እዚ ዝስዕብ’ዩ፤ “There are historical accounts indicating that Eritrean customary laws came into being at least three centuries back. In his Historia Aethiopica, written in 1683, Ludolf witness that the inhabitnants of Hamasien, an Eritrean region, elected their own leaders and applied their own indigenous laws “like a small republic.” (….) Worthnoting is that the customary laws of the sendentary Chrisitian tribes of the highlands disclose “interesting paralles to Roman Law, early Angolo-Saxon, Germanic and the Common Law.” (32; 36) (See: Yohannes Gebremedhin. The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea: Trenton: Red Sea P., 2004.)

[vi] F. F Russell. “Eritrean Customary Law.” Journal of African Law. Vol 3 (02) pp. 99-104; Habteab Y. Ogubazghi and Senai W. Andemariam. “Eritrean Customary Laws: ‘Old-Modern’ Treasures for Introducing an Effective Sentencing Regime-the ‘Just Desert System’.” African Journal of Criminology and Justice Studies. Vol. 7 (1&2) pp. 47-84.; Luca G. Castellani. “Recent Development in Land Tenure Law, Horn of Africa.” Working paper, No. 37. Land Tenure Center, University of Wisconsin-Madson, 2000, p. 2; Gherebhiwet Tesfagiorgis. “Customary Laws in Eritrea.” Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future, ed. Tesfa G. Ghebremdhin & Ghebre H. Tesfagiorgis. Trenton: Red Sea P., 2008, pp-4-36.

[vii] Ghebre H. Tesfagiorgis “Customary Laws in Eritrea.” Traditions of Eritrea: Linking the Past to the Future, ed. Tesfa G. Ghebremedhin and Ghebre H. Tesfagiorgis. Trenton: Red Sea P., 2008: pp. 1-36.

[viii]Many postcolonial and other transitional societies have attempted to use law as a vehicle for social and economic reform. Foreign legal missionaries and development agencies collaborated in the reconstruction of pre-existing laws. Often times, western laws were transplanted or borrowed in pursuit of legal modernization. However, in many countries, the use of law as a tool for social and economic reform without due regard to social, historical, institutioinal, and cultural context is assessed as having failed. This lesson is crucial to Eritrea’s law development efforts. (228) (Yohannes Gebremedhin. The Challenges of a Society in Transition: Legal Development in Eritrea: Trenton: Red Sea P., 2004)

[ix]ሕግን ሥርዓትን ናይ መሬት ዓደቦ ብዘርአ-ያዕቆብ እስጢፋኖስ፡ ወልደማርያም ኣብርሃ፡ ኢንዥ. ገሪማ ገብረመስቀል ተጠርኒፉ ኣብ 1990 ኣብ ምዕራብ ጀርመን ዝተሓትመ መጽሓፍገጽ 71 ተመልከት። ኵላቶም ብቐጥታ ዝተቕሱ ጥቕስታት ካብዚ መጽሓፍ’ዚ ዝተወስዱ ኢዮም።

[x]ኣብ ካልኦት ብሄራት ኤርትራ ብዛዕባ ዓመጽ ግብረ-ስጋ ዝወሃብ ተሪር መቕጻዕቲ ንምርዳእ: ነቲ ብምሉእብርሃን በርሀ ሓጎስ ዝተገብረ ንኡድ ምርምራዊ መጽሓፍ፡ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ኣስመራ፤ ቤት-ማሕተም ኣማን፡ 2009 ካብ ገጻት 262-272 ምውካስ ይከኣል።

About the author: Ghirmai Negash is a Professor of African Literature & Director of the African Studies Program in Ohio University. He can be reached at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Last modified on Sunday, 21 August 2016 23:21