ዕድመ ንዝኽሪ መበል 62 ዓመት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ
Written by ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 “ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።
በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡
1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ ክስዕቡ ወሲኑ።
2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።
3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።
ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።
ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
ጅግና ተጋዳላይ ታረቀ በራኺ
ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ታረቀ በራኺ እንካብ ወለድቱ ኣቶ በራኺ ኃብተሚካኤልን ወ/ሮ ለተንጉሥን ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተማህረን ከምኡ ከኣ ማትሪክ ሓሊፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ዝቐጸለን እዩ።ንሱ ንሃገሩን ሓልዮት ሕዝቡን ኣዝዩ ግዱስን በዓል ሓቦን ብምንባሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ እዩ።
ታረቀ ንሓደ ዓመት National Service ኣብ ከተማ ሓረር ብዩኒቨርስቲ መደብ ተዋሂቡዎ ከብቅዕ ቅድሚ ናብ መደቡ ምኻድ ግን ሥድራቤቱ ክርኢ ናብ ከተማ ደቀምሓረ መጸ። ኣብ ዓላ ዝበሃል ቦታ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብኣብርሃም ተወልደ እትምራሕ ሰሎሙን ወልደማርያም ፖለቲካዊ ኮምሽነራ ጋንታ ተጋደልቲ ነበሩ። ስለዚ ከኣ ታረቀ በራኺ ናብዞም ተጋደልቲ ብምኻድ ምስኦም ተረዳዲኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ውሽጣዊ ስርርዕ ንኸካይድ ተሰማሚዑ ጉዕዝኡ ናብ ኢትዮጵያ ቀጸለ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ውሽጣዊ ስርርዓት እንዳ ኣካየደ ከሎ ብሃንደበት ፀጥታ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሒዞም ብምእሳር ናብቲ ሽዑ እዋን መመርመሪ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዝነበረ ኣብ ናይ መሰልጠኒ ኮማንዱስ ደቀምሓረ ምስ ካልኦት ብዙሓት እሱራት ኤርትራውያን ኣምጽኡዎ። ኣብቲ ናይ ምርመራ ቤት ማሰርቲ ከኣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተኣሰርና ብዙሓት ጸናሕናዮም። ድሕሪ ብርቱዕን ግፍዒ ዝተሓወሶ ምርመራን ከኣ ናብ ሰንበል ኣሥመራ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕረቡና። ከልከል ዝተባህለ ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ካብ ሰሎሙን ወልደማርያም ምስ ኮማንዱስ ኣብ ውግእ ዝተኻየደሉ ጊዜ ዝወደቐት ምሉእ ሰነዳት ኣስማትና ዘለዋ ደብተር ኣቕረበ። በዚ ምኽንያት ከኣ ፍርድና ካብ ሓደ ዓመት ክሳዕ ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ተበየነልና። ኣነ ናይ ክልተ ዓመት ተፈሪደ ሓደ ዓመትን ገለ ኣዋርሕን ተኣሲረ ብድሕሪኡ ጃንሆይ ምሕረት ሂቦምና ክወጽእ ከለኹ ታረቀ በራኺ ግን ንሓሙሽተ ዓመት ተፈረደ። ድሕሪ ማእሰርቱ ምውዳእ እንደገና ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ነቲ ቅድሚ ምእሳሩ ዝጀመሮ ውሽጣዊ ስርርዓት ብዝያዳ ብዕቱብን ጽፉፍን ኣገባብ ቀጸሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ ከኣ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ መጀመርታ ምስ ክፍሊ ዕዮ ዜና ኮይኑ ኣብ ከበሳ ንሓጺር እዋን ኣገልጊሉ ቀጺሉ ምስ ጋንታ 104 ቸንቶ ኩኣትሮ ኮይኑ ካብቶም ቀንዲ ፈዳይን ኣብ ኣሥመራ ብምዃን ተጋደለ። ታረቀ ብዙሕ መስተንክራት ንምእማኑ ዘጸግም ስርሒታት ይሃልዎ እንበር ሓደ ካብቲ ዓቢ ዓወት ዘመዝገቦ ንዶክተር በረኸት ኃብተሥላሰ ካብ ትግራይ ተቐቢሉ ናብ ኣሥመራን ሜዳ ኤርትራን ዘሰጋገረ ከምኡ`ውን ንጀነራል ጎይትኦም ብተወሳኺ ንልዕሊ 900 እሱራት ኣብ ቤት ማሰርቲ ሰንበል ተዳጒኖም ዝነበሩን ከምኡ`ውን ኣብ ሆስፒታላት ዝእለዩ ዝነበሩን ብብርቱዕ ጥንቃቀን ሜላን ኣገባብ ተጠቒሙ ነጻ ብምውጻእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ከምዝጽንበሩ ገበረ። ቀጺሉ ብ 1975 ዓ.ም.ፈ ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጒባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስታፍ ናኣባልነት ገድላዊ ባይቶ ተመዘዘ። ብመጀመርታ ሓላፊ ናይ ስነ-ኪነት ሙዚቃን ባህልን ኮይኑ ንሓጺር ጊዜ ኣገልጊሉ ቀጺሉ ናብ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ተመዲቡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ብጾቱ ኮይኑ ብምኻድ ብዙሕ ዓይነት መግብን መድኃኒትን ቴንዳታትን ወዘተ ... ክረክብ ከኣለ። ብ 1977 ዓ.ም.ፈ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ንለውጢ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ/ ኢ.ዲ.ም ፋሉል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተፈጢሩ ታረቀ በራኺ እውን ኣባል እቲ ምንቅስቓስ ስለዝነበረ ኣብ ካርቱም ሱዳን ብፀጥታ ተ.ሓ .ኤ ምስ ብጾቱ ከምዘይሓልፍ ተሃደነ። ንዘይመውት ፈውሲ ኣለዎ ተባሂሉ ከምዝተመሰለ ታረቀ በራኺ ብናቱ ክእለትን ሜላን ተጠቒሙ ብጀርመን ኣቢሉ ናብ ኣሜሪካ ክኣቲ ከኣለ። ኣብ ኣሜሪካ ናብራ ስደት ሕይወቱ እንዳ መርሐ ሸውሃት ቃልሱ ገና ስለዘይረወየ ዕላማኡ ኣብ ሽቶ ንምብጻሕ ምስ ብጾቱ ኢ.ዲ.ም ኮይኑ ቀጸለ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ እንተኾነ እውን ኣብ ኤርትራ ብምእታው ከም መምህር ኮይኑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይ ኣሥመራ ንሓጺር እዋን ኣገልገለ። ንኣካይዳን ጒዕዞን ጊዝያዊ መንግሥቲ ኤርትራ ተዓዚቡን ኣጽኒዑን ከኣ ከምዘየወጻጽኦ ተገንዚቡ እንደገና ናብ ስደት መዕቆቢኡ ኣመሪካ ተመልሰ። ወላዲት ኣዴኻ ብጽኑዕ ሓሚማ ተባሂሉ ምስ ተነግሮ ከኣ ናብ ኣሥመራ ኣትዩ ደቀምሓረ ብምኻድ ንወላዲቱ ክሕብሕብን ከፈውስን ላዕልን ታሕትን እንዳበለ ንርእሱ ብሓደገኛ ሕማም ተታሒዙ ኣብ ኣፍ ሞት በጽሐ። ነዚ ኲነታት ዝተሓበረት በዓልቲ ቤቱ ብቕጽበት ንደቀምሓረ ከይዳ ናብ ኣሥመራ ብምውሳድ ብሕክምናዊ ረድኤት ኣፈዊሳ ካብ ሞት ከምዝድሕን ገይራ ንጀርመን ኣእተወቶ። ኮይኑ ግን ኣብ ጀርመን ምስ ኣተወ እውን ጸቕጢ ብዝሒ ደም ገይሩ ስትሮክ ሒዙዎ ምስ ሕማም ሽኮር ተወሳኺ ስቓይ ገበረሉ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሕክምና ረድኤት ብበዓልቲ ኪዳኑ እንዳተኣለየ ጻውዒት ኣምላኽ ፈጣሪ ኮይኑ ብዕለት 16.08.2023 ኣብ ሃገረ ጀርመን ዓረፈ። ስነ-ሥርዓት ቀብሩ ብዕለት 25.08.2023 ሰዓት 11፡00 ቅ.ቅ. ኣብ መቓብር ቦከንሃይም/ፍራንክፈርት ብግዕዝ ሪቱስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት መተዓብይቱን መቓልስቱን ፈተውቱን መላእ ቤተሰቡን ካብ መላእ ኣውሮጳን ካናዳን ኣሜሪካን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዓጀብን ክብርን ብመዝሙር ተ.ሓ.ኤ. ብባንዴራ ኤርትራ መለይ ተሰንዩ ተፈጸመ። ብዓርኩን ፈታዊኡን ኣቶ ሃይለ ገ/ትንሳኤ ካብ ኣሜሪካ ብሓብቱ ኣበባ ዝተነበ ግጥሚ ከምኡ`ውን ብመተዓብይቱ ኣቶ ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ ካብ ጀርመን ዝተገበረሉ ወየ ... ወየ ምስ ተፈጸመ ብዶ/ር ሕሩይ ባይሩ ዘገርም ሓጺር መግለጺ ጒዕዞ ቃልሲ ታረቀ በራኺ ተዋህበ። ቀባሮ ናብ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ብምኻድ ተመጊቦም ካብ ኣሕዋት ነፍሰኄር መዋቲ ምሥጋና ንቐባሮ ተዋሂቡ ብዙሓት መቓልስቱ ዝነበሩ ከኣ ምስክርነቶም ብምቕራብ ብፍላይ ንበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ በላይነሽ ዮውሃንስ ቃል ኪዳና ሓልያ ንበዓል ቤታ ኣብ እዋን ሽግሩን ስቓዩን ዝኣለየትን ዝሓብሓበትን ደረት ዘይብሉ ምስጋንኦም ገሊጾም ተዛዘመ።
ጅግና ሓርበኛ ታሪኹ እዩ ነባሪ !
ዘልዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና
25.08.2023 ፍራንክፈርት/ጀርመን
ዘተ ምስ ኣቦ ወንበር ሰዲህኤ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ 25.08.2023
ባህግና Bahgna 165፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክሙ ክስተታት ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 27.08.2023፣
Written by Bahgna MediaMedia
“ሕብረት ኤርትራዊያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብ22 ነሃሰ 2023 ናብ ብሪክስ/BRICS ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 22 ክሳብ 24 ነሃሰ 2023 ዝቓናዕ ዘሎ መበል 15 ኣኼባኡ ንክሳተፍ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዕዳሙ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ ተቓውመኡ ኣስሚዑ።
እቲ ሕብረት ኤርትራውያን ከም ዝጠቐሶ፡ ንዲክታተር ኢሳያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኮንፈረንስ ምዕዳም፡ ምስ መትከላት ብሪክስ ዝጻረር ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈን ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምዕፋን መራኸቢ ብዙሃንን ፖለቲካዊ በደልን ዝምልከት ተግባራቱ ንኢሳያስ ናብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክሳተፍ ዘየብቅዖ ምዃኑ ብምዝኽኻር ተቓውሞኡ ብትሪ ኣስፊሩ። .
እቲ መልእኽቲ ተቓውሞ ኢሳያስ ንኤርትራ ካብ ነጻነታ ጀሚሩ ብሓይሊ ብዘይሕገመንግስቲ ብምግዛእ፡ ሕጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዘየብላ ሃገር ገይርዋ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ማእሰርቲ፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ስደትን ዓለም ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዘሰካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መለለይ ኤርትራ ኮይኖም ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ “ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብሪክስ ንክቡር ዋጋ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንክተሓባበር ጸዊዑ።
ብሪክስ/ BRICS፡ ናይ ብራዚል፡ ሩሲያ፡ ህንንዲ፡ ቻይናን ደብቡብ ኣፍሪቃን ናይ ሓባር መድረኽ ኮይኑ፡ ሎሚ ብዙሓት ሃገራት ኣባላቱ ንክኾና ሕቶ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ወሲኑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶር ኣብረሃም በላይ ብ22 ነሃሰ 2023 ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስተር ነዚ ዝፍለጡ ብምኽንያት ክብረ በዓል ኣሸንዳ 2023 ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ እዮም።
እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ብዝርዝር ካብ ዘስፈርዎ ነጥብታት፡ 1ይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ቦታታት ናብ ትግራይ ክምለስል እዩ። ሕቶታት እንተልዮም ብሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ዝምለሰሉ ኩነታት ንምርግጋጽ ይስራሕ ኣሎ።
2ይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለሱ መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘለዉሉ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵ ብዝወሰኖ መሰረት እዩ።
3ይ፡ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መረበቱ ዝምለስ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ምምሕዳሩ ባዕሉ ክምስርት እዩ :: ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ውግእ ተጠቂሙ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ምምሕዳራት ክፈርስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወጻኢ ዝተዓጠቀ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ።
4ይ፡ ህዝቢ ድልዊ ኣብ ዝኾነሉ ብናቱ ውሳነ ብዘይተጽዕኖ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ረፈረንደም ዘካይደሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል። ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።
ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንተመዛበልቲ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝምልከት ብዝለዓለ በዓል መዚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኸምዚ ደረጃ ክግለጽ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ’ለዉ።
More...
ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝኽሰቱ ጸለውቲ እዋናዊ ምዕባለታት ነይሮም፡ ኣለዉን ንመጻኢ እውን ቀጸልቲ እዮም። ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን በዚ መስርሕ ዝግዛእ እዩ። ፍሉይ ግምት ዝወሃቦም ዓበይቲ ምዕባለታት ከም ዘጋጥሙ ርዱእ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግና ኩነታትና ብዘየቋርጽ መስርሕ ለውጥን ምዕባለን ዝስነ እዩ።
ዓሚ ብናታ ምዕባለታት ተሰንያ እያ ሓሊፋ። ሎሚዘበን ድማ ናታ መስርሕ ሒዛ ኣላ። መጻኢና እውን በዚ መስርሕ ዝግዛእ ክኸውን እዩ። ኣብ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣብ ርእሲቲ ቀጻሊ ተርእዮታት፡ ብምጅማር ሰውራ፡ ብምርግጋጽ ናጽነት ፡ ብመጭወይትን ቅትለትን መራሕቲ ውድባት ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ብጃምላዊ ማእሰርቲ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን መእመናንን፡ ብምዝካር ሰማእታት፡ ብህልቂት ዜጋታትና ኣብ ደሴት ላምፓዲዛ፡ ዝዝከራ ዕለታት ብፍሉይ ግምት ካብ እንህበን እየን። ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ብዙሕ መልክዓት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ቀንዲ ማእከሉ ነቲ ቀጻሊ ምዕባለታት ናብ ረብሓ ህዝቢ ንምውዓሉ ብዝካየድ ጻዕሪ ዝግለጽ እዩ። “ክሳብ ክንደይ እሞ ነቲ ዘጋጥም ናይ ቀረባን ርሑቕን ምዕባለታት ንረብሓ ህዝብና ብዝመጥን ማዕሪኡ ንስጉም ኣለና?” ዝብል ከኣ፡ ብጥንቃቐ ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ምረት ጭቆና ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና “መግለጺ የብሉን” ኢልካ ዝሕለፍ እዩ። እቲ ኣንጻርዚ ጭቆና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ጉዕዘኡ ዘገምታዊ ምዃኑ ገዲፍካ፡ ኣቕጣጫ ጉዕዘኡ ግን ንቕድሚት ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ምንቅስቓስን ዝግበር ዘሎ ምንቕናቕ ህያው ኮይኑ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ከኣ ብህዝባዊ ናዕቢ ብሪገድ ንሓመዱ ይብርኽ ኣሎ። ናይዚ ህዝባዊ ኣብያ እወንታውነት፡ ሰፊሕ ኣሳታፍነት መንእሰያትን ተዓዋትነት ዘይጐነጻዊ ቃልስን ዘርኢ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክንዲ ቃልሲ ውጹዓት ዝሰፍሕን ዝሕይልን፡ ህላወ ጨቆንቲ ድማ ክዳኸምን፡ እቲ ጭቋኒ ዝያዳ ኣቓልቦ ክረክብ ወይ ድማ ማዕረቲ ናይ ውጹዓት ቃልሲ ክስጉም ምኽኣሉ “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ከልዕል ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ግና ማዕበል ውጹዓት በሪኹ፡ ሸፋጢ ድምጺ ወጻዕቲ እናተዳኸመ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ውዲታዊ ዳሳት ህግደፍ ብልዕልና ሕጋዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ይፈርስን ፈኸረኦም ይሰዓርን ኣሎ። ምኽንያት ስዕረቶም ክቕበሉ ዘይደፈሩ ደገፍቲ ህግደፍ ከኣ ነቶም ዝመከትዎም ኤርትራውያን “ዜጋታት ካልእ ሃገር እዮም” ብዝብል ከጸልምዎም ዝሃንደስዎ ፈተነ ሰማዒ ስኢኑ ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቖም ኣለዉ። ስለዚ ከምቲ “ሓጺን ብርሱኑ” ዝበሃል፡ እዚ ዝብርኽ ዘሎ ማዕበል ሕጋዊ ኣካይድኡ ከይሰሓተ ንህግደፍ ኣብቲ ዘይክእሎ መድረኽ ቃልሲ ንምስዓሩ፡ ናይ ኩልና መድረኻዊ ሓላፍነት ክኸውን ይግበኦ። እዚ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከይኣቱ ዓጋቲ ዘየብሉ ስዕረት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ፡ ኣብ መንግስታትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ቀጻሊ ኣርእስቲ ኮይኑ የዛርብ ኣሎ።
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተነጺሉ ዝረአ ዘይኮነ፡ በቲ ሓደ ወገን ንካለኦት ዝጸሉ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብናይ ካለኦት ምዕባለታት ዝጽለው እዩ። ካብቶም ተጸላላዊ ክኸውን ዝድርኽዎ ምኽንያታት ሓደ ብዘይካ ጉርብትና፡ ናይ ህግደፍ ዘይሓላፍነታውን ዘይትካላውን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ካልኦት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ርሑቕ ከይከድና ቃልሲ ሓይልታት ለውጢ በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ምዕባለታት ዝጽሎ እዩ። ብሰንክዚ ምዕባለታትዚ ኣብ ጐረባብትና ኣደዳ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ምህላዎም ናይቲ ምጽልላው ውጽኢት እዩ። በዚ ኢና ከኣ ብዛዕባ ናይ ጐረባብትና ምዕባለ ክንመዝንን መርገጽ ክንሕዝን እንከለና፡ ከም ህግደፍኳ ኢድና እንተዘየእተና፡ ኣብ ግምት ከነእትዎም እንግደድ። ኣብ ግምት ከነእቱ እንከለና ማእከልና፡ መጻኢ ሰላም፡ ሓድነትን ተስፋን መላእ ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን መሰረት ብምግባር እዩ።
ነቲ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዕባለታት ንምብዳህ፡ ነቲ ከየውገዝካዮ ውጉዝ ስርዓት ህግደፍ ምቅላዕ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እቲ ወሳኒ ንሕና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብሓባር ህዝባውነቱ ዘይሰሓተ ኣገባብ ብተግባር ናይ ምስጓም ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ቅድሜና ከም ዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ወሳኒ ብደሆ፡ ኣብ ነናትና ውዳበ ኮይና ብእንዓሞ ቃልሲ ጥራይ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። ካብዚ ዘየዕወተና በበይንኻ ጉዕዞ ንምውጻእ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ግንባር፡ ማሕበርን ምንቕስቓስን ዘሎ ውህሉል ዓቕምታት ናብ ሓደ መኣዲ ናይ ቃልሲ ኣምጺእና፡ ተዛሪቡ ናብ ዘስምዕን ወቒዑ ናብ ዘድምዕን ዓቕሚ ከነብርኾ ግድን እዩ። ኣብዚ ናይ ቀረባን ርሑቕን ገዘፍቲ ሓይልታት ዝዝንብይሉ ዘለዉ ተሃዋሲ እዋን፡ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ካብ ምቅላስ ወጻኢ ምርጫ ከምዘየብልና ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብሪ ከነርኢ ይግበኣን።
ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ’ሞ ንዓና እውን ይጸልወና እዩ ዝበልናዮ፡ ምዕባለታት ብዝለዓለ ውግኣትን ዕንወትን ዝስነ ዘሎ እዩ። ዝተፈላለዩ ናትና ኮነ ናይ ከባቢና ተመኩሮታት ከም ዝምስክርዎ ውግእ መፍትሒ ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኢና ከኣ ኣብ ኩሉ ኣጋጣምታት ንዘተን ልዝብን ቀዳማይ ቦታ እንህብ። ውግእ ትግራይ ደሕሪ ክንደይ ዕንወት ዝሓዞ ሰላማዊ መልክዕን እኳ ነብሱ ዝኸኣለ ተመኩሮ እዩ። ኣብ ውግኣት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ድማ ግዜ ከይበልዑ ናብቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ሰላማዊ ልዝብ ክመጹ ንምሕጸኖም።
ንሕና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን፡ ነቲ ዝበዝሐ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያትና ኣወጊድና፡ ነቲ መትከላዊ እንብሎ ፍልልያትና ድማ ኣውንዚፍና ናብ ናይ ሓባር መኣዲ ቃልሲ ብምምጻእ ኣብነት ክንከውን ተደጋጊሙ ክቐርብ ዝጸንሐን ግና ህያው ዘሎን መጸዋዕታ እዩ። ከምቲ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ምስ መደብ ባህግና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝተዋህቦም ዛዕባታት፡ “ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮነ ናይቶም እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ተወጊዱ፡ ኣብ ቦታኡ ብኸመይ ቅዋማዊ ስርዓት ከም ዝትካእ ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት ቆላሕታ ዝሃብናዮ ነይሩ። ከምኡ’ውን ግደ ሰዲህኤ ኣብ ምርግጋጽ ሓድነት ሓይልታት ኤርትራ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ካልእ ተገዳስነት ዝሃብናዮ ነይሩ” ዝበሎ፡ ኣብዚ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክመና ምዕባለታት ዝብርኸሉ ዘሎ መድረኽ ብቑዓት ክንከውን ክንቀራረብ ግድነት እምበር ምርጫ ኣይኮነን።
EPDP: A Short Profile and Political Resolutions of the 4th Congress 2023
Written by 4 th EPDP Congressሰዲህኤ፡ ሓጺር ሓበሬታን (profile) ፖለቲካዊ ውሳኔታት 4ይ ጉባኤ 2023ን
Written by 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራስደተናታት ኣብ ጉዕዞ ናብ ሱዕዲያ
ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል/Human Rights Watch፡ ሓለዋ ዶብ ሱዑድዓረቢያ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ስደተናታትን ሓተቲ ዑቕባን ብጃምላ ከም ዝቐተለ ብ21 ነሃሰ 2023 ብዘውጸኦ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ከሲሱ። እቲ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ካብ የመን ናብ ሱዕዲያ ዝኣትዉ ዝፈተኑ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ መጋቢት 2023 ጀሚሩ ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እዚ ተግባር ከም ኣካል ፖሊሲ ሱዕድያ ዝተፈጸመ እንተኮይኑ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዘሕትት እውን እቲ ጸብጻብ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ጠቒሱ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህጽናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ዝተፈላለዩ ኣጻዋርን ተተኮስትን ብምጥቃም ምዃኑ’ውን ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ተመራማሪ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ ናዲያ ሃርድማን እቲ ቅትለት ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎ፡ ኮነ ኢልካ ሕብረተሰብ ዓለም ክከታተሎ ከይክእል ኣብ ዝተመርጸ ቦታ ዝተፈጸመ ምዃኖ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰቦም ኣፍሊጦም። እቲ ትካል ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ዶብ የመንን ሳዑዲ ዓረብን ዝካየድ ቅትለት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክከታተል ከም ዝጸሐ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓድሽ ጃምላዊ ቅትለት ግና ብገኣገባቡን ብዝሒ ግዳያቱን እቲ ቅትለት ብደረጃ ዓለም ዝያዳ እናዓረገ ይኸይድ ከም ዘሎ የመልክት ኢለምዎ።
ነቲ “ወተሃደራት ሱዕዲያ ኣብ ልዕሌና ጠያይት ኣዝኒቦም” ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ጸብጻብ ንምድላው 38 ኢትዮጵያውያን ምስ ዝርከብዎም 42 ካብ የመን ናብ ሱዑዲያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሰባት፡ ካብ መጋቢት 2022 ክሳብ ሰነ 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ቃለ መጠይቕ ከም ዝተኻየደ ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ሰፊሩ’ሎ።
ካብቲ ቅትለት ሃዲሞም ንትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ምስክርነቶም ዝሃቡ ሰባት፡ ወተሃደራት ሱዕዲያ እቶም ስደተኛታት ኣብ መሬት ሱዕዲያ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቅትለት ንምፍጻም ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ከም ዝተጠቕሙ መስኪሮም። ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል፡ እተን ቅትለት ዝተፈጸመለን ነቑጣታት ብሳተላይት ተኸታቲሉ ከም ዘነጸረን እውን ኣቃሊዑ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብዚ ጸብጻቡ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ቅትለት ዝፈቅድ ፖሊሲኣ ብህጹጽ ክትስርዝ ጸዊዑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ሱዕዲያ ነዞም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ነዚ ግፍዒ ዝፈጸሙ ከለልዮምን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንክሕተቱ ከቕርቦምን ኣዘኻኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ጉዳይ ንምጽራይ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣካል ክምዘዝ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።