ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ  ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ  ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡

1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ  ክስዕቡ ወሲኑ።

2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።

3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር  ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ  ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

 

ጅግና  ተጋዳላይ  ታረቀ  በራኺ 

ስውእ  ጅግና  ተጋዳላይ  ታረቀ  በራኺ  እንካብ  ወለድቱ  ኣቶ  በራኺ  ኃብተሚካኤልን  ወ/ሮ  ለተንጉሥን  ኣብ  ከተማ  ደቀምሓረ  ተወሊዱ  ዝዓበየን  ዝተማህረን  ከምኡ  ከኣ  ማትሪክ  ሓሊፉ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ዩኒቨርስቲ  ትምህርቱ  ዝቐጸለን  እዩ።ንሱ  ንሃገሩን  ሓልዮት  ሕዝቡን  ኣዝዩ  ግዱስን  በዓል  ሓቦን  ብምንባሩ  ኣብ  ፖለቲካ  ኤርትራ  ዓቢ  እጃም  ኣበርኪቱ  እዩ።

ታረቀ  ንሓደ  ዓመት   National  Service  ኣብ  ከተማ  ሓረር  ብዩኒቨርስቲ  መደብ  ተዋሂቡዎ  ከብቅዕ  ቅድሚ  ናብ  መደቡ  ምኻድ  ግን  ሥድራቤቱ  ክርኢ  ናብ  ከተማ  ደቀምሓረ  መጸ። ኣብ  ዓላ  ዝበሃል  ቦታ  ተጋደልቲ  ተጋድሎ  ሓርነት  ኤርትራ  ብኣብርሃም  ተወልደ  እትምራሕ  ሰሎሙን  ወልደማርያም  ፖለቲካዊ  ኮምሽነራ  ጋንታ  ተጋደልቲ  ነበሩ። ስለዚ  ከኣ  ታረቀ  በራኺ  ናብዞም  ተጋደልቲ  ብምኻድ  ምስኦም  ተረዳዲኡ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባን  ከባቢኣን  ውሽጣዊ  ስርርዕ  ንኸካይድ  ተሰማሚዑ  ጉዕዝኡ  ናብ  ኢትዮጵያ  ቀጸለ። ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ከኣ  ውሽጣዊ  ስርርዓት  እንዳ ኣካየደ  ከሎ  ብሃንደበት  ፀጥታ  መንግሥቲ  ኢትዮጵያ  ሒዞም  ብምእሳር  ናብቲ  ሽዑ  እዋን  መመርመሪ  ናይ  ፖለቲካ  እሱራት  ዝነበረ  ኣብ  ናይ  መሰልጠኒ  ኮማንዱስ  ደቀምሓረ  ምስ  ካልኦት ብዙሓት  እሱራት  ኤርትራውያን  ኣምጽኡዎ። ኣብቲ  ናይ  ምርመራ  ቤት  ማሰርቲ  ከኣ ካብ  ውሽጢ  ኤርትራ  ዝተኣሰርና  ብዙሓት  ጸናሕናዮም። ድሕሪ  ብርቱዕን  ግፍዒ  ዝተሓወሶ  ምርመራን  ከኣ  ናብ  ሰንበል  ኣሥመራ  ቤት  ማእሰርቲ  ወሲዶም  ናብ  ቤት  ፍርዲ  ኣቕረቡና። ከልከል  ዝተባህለ  ዓቃቢ  ሕጊ  ኣብቲ  ቤት  ፍርዲ  ካብ  ሰሎሙን  ወልደማርያም  ምስ  ኮማንዱስ ኣብ  ውግእ  ዝተኻየደሉ  ጊዜ ዝወደቐት  ምሉእ  ሰነዳት  ኣስማትና  ዘለዋ  ደብተር  ኣቕረበ። በዚ  ምኽንያት  ከኣ  ፍርድና  ካብ  ሓደ  ዓመት  ክሳዕ  ዓሰርተ  ዓመት  ዝኣክል  ተበየነልና። ኣነ  ናይ  ክልተ  ዓመት  ተፈሪደ  ሓደ  ዓመትን  ገለ  ኣዋርሕን  ተኣሲረ  ብድሕሪኡ  ጃንሆይ  ምሕረት  ሂቦምና  ክወጽእ  ከለኹ   ታረቀ  በራኺ  ግን  ንሓሙሽተ  ዓመት  ተፈረደ። ድሕሪ  ማእሰርቱ  ምውዳእ  እንደገና  ናብ  ኣዲስ ኣበባ  ከይዱ  ነቲ  ቅድሚ  ምእሳሩ  ዝጀመሮ  ውሽጣዊ  ስርርዓት  ብዝያዳ  ብዕቱብን  ጽፉፍን  ኣገባብ  ቀጸሎ። ነዊሕ  ከይጸንሐ  ከኣ  ናብ  ሜዳ  ኤርትራ  ኣትዩ  መጀመርታ  ምስ  ክፍሊ  ዕዮ  ዜና  ኮይኑ  ኣብ  ከበሳ  ንሓጺር  እዋን  ኣገልጊሉ  ቀጺሉ  ምስ  ጋንታ  104  ቸንቶ  ኩኣትሮ  ኮይኑ  ካብቶም  ቀንዲ  ፈዳይን  ኣብ  ኣሥመራ ብምዃን  ተጋደለ። ታረቀ  ብዙሕ  መስተንክራት  ንምእማኑ    ዘጸግም  ስርሒታት  ይሃልዎ  እንበር  ሓደ  ካብቲ  ዓቢ  ዓወት  ዘመዝገቦ ንዶክተር  በረኸት  ኃብተሥላሰ  ካብ  ትግራይ  ተቐቢሉ  ናብ  ኣሥመራን  ሜዳ  ኤርትራን  ዘሰጋገረ  ከምኡ`ውን  ንጀነራል  ጎይትኦም  ብተወሳኺ ንልዕሊ  900  እሱራት  ኣብ  ቤት  ማሰርቲ  ሰንበል  ተዳጒኖም  ዝነበሩን  ከምኡ`ውን  ኣብ  ሆስፒታላት  ዝእለዩ  ዝነበሩን  ብብርቱዕ  ጥንቃቀን  ሜላን  ኣገባብ  ተጠቒሙ  ነጻ  ብምውጻእ  ናብ  ሜዳ  ኤርትራ  ከምዝጽንበሩ  ገበረ። ቀጺሉ  ብ 1975  ዓ.ም.ፈ ኣብ  ካልኣይ  ሃገራዊ  ጒባኤ   ተጋድሎ  ሓርነት  ኤርትራ  ብምስታፍ  ናኣባልነት  ገድላዊ  ባይቶ  ተመዘዘ። ብመጀመርታ  ሓላፊ  ናይ  ስነ-ኪነት ሙዚቃን   ባህልን ኮይኑ  ንሓጺር  ጊዜ  ኣገልጊሉ  ቀጺሉ  ናብ  ቀይሕ  መስቀልን  ወርሕን  ኤርትራ  ተመዲቡ  ናብ  ዝተፈላለያ  ሃገራት   ምስ  ብጾቱ  ኮይኑ  ብምኻድ ብዙሕ   ዓይነት  መግብን  መድኃኒትን  ቴንዳታትን  ወዘተ ... ክረክብ  ከኣለ። ብ 1977  ዓ.ም.ፈ ኣብ  ተ.ሓ.ኤ  ንለውጢ  ዴሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ/ ኢ.ዲ.ም   ፋሉል  ተባሂሉ  ዝጽዋዕ  ተፈጢሩ  ታረቀ  በራኺ  እውን  ኣባል  እቲ  ምንቅስቓስ  ስለዝነበረ  ኣብ  ካርቱም  ሱዳን  ብፀጥታ  ተ.ሓ .ኤ  ምስ  ብጾቱ  ከምዘይሓልፍ  ተሃደነ። ንዘይመውት  ፈውሲ  ኣለዎ  ተባሂሉ  ከምዝተመሰለ  ታረቀ  በራኺ  ብናቱ  ክእለትን  ሜላን  ተጠቒሙ  ብጀርመን  ኣቢሉ  ናብ  ኣሜሪካ  ክኣቲ  ከኣለ። ኣብ  ኣሜሪካ  ናብራ  ስደት  ሕይወቱ  እንዳ  መርሐ  ሸውሃት  ቃልሱ  ገና  ስለዘይረወየ  ዕላማኡ  ኣብ  ሽቶ  ንምብጻሕ  ምስ  ብጾቱ  ኢ.ዲ.ም  ኮይኑ ቀጸለ። ድሕሪ  ነጻነት  ኤርትራ  እንተኾነ  እውን  ኣብ  ኤርትራ  ብምእታው  ከም  መምህር  ኮይኑ  ኣብ  ዩኒቨርስቲ  ናይ  ኣሥመራ  ንሓጺር  እዋን ኣገልገለ። ንኣካይዳን  ጒዕዞን  ጊዝያዊ  መንግሥቲ  ኤርትራ  ተዓዚቡን  ኣጽኒዑን  ከኣ  ከምዘየወጻጽኦ  ተገንዚቡ  እንደገና  ናብ  ስደት  መዕቆቢኡ  ኣመሪካ  ተመልሰ። ወላዲት  ኣዴኻ  ብጽኑዕ  ሓሚማ  ተባሂሉ  ምስ  ተነግሮ  ከኣ  ናብ  ኣሥመራ  ኣትዩ  ደቀምሓረ  ብምኻድ  ንወላዲቱ  ክሕብሕብን  ከፈውስን  ላዕልን  ታሕትን  እንዳበለ  ንርእሱ  ብሓደገኛ  ሕማም  ተታሒዙ  ኣብ  ኣፍ  ሞት  በጽሐ። ነዚ  ኲነታት  ዝተሓበረት  በዓልቲ  ቤቱ  ብቕጽበት  ንደቀምሓረ  ከይዳ  ናብ  ኣሥመራ  ብምውሳድ  ብሕክምናዊ  ረድኤት  ኣፈዊሳ  ካብ  ሞት  ከምዝድሕን  ገይራ  ንጀርመን  ኣእተወቶ። ኮይኑ  ግን  ኣብ  ጀርመን  ምስ  ኣተወ  እውን  ጸቕጢ  ብዝሒ  ደም  ገይሩ  ስትሮክ  ሒዙዎ  ምስ  ሕማም  ሽኮር  ተወሳኺ  ስቓይ  ገበረሉ። ንሓያሎ  ዓመታት ኣብ  ትሕቲ  ሕክምና  ረድኤት  ብበዓልቲ  ኪዳኑ  እንዳተኣለየ  ጻውዒት  ኣምላኽ  ፈጣሪ  ኮይኑ  ብዕለት  16.08.2023 ኣብ  ሃገረ  ጀርመን  ዓረፈ። ስነ-ሥርዓት  ቀብሩ  ብዕለት  25.08.2023 ሰዓት  11፡00  ቅ.ቅ.  ኣብ  መቓብር  ቦከንሃይም/ፍራንክፈርት  ብግዕዝ  ሪቱስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት  መተዓብይቱን  መቓልስቱን  ፈተውቱን  መላእ  ቤተሰቡን ካብ  መላእ  ኣውሮጳን  ካናዳን  ኣሜሪካን ኣብ  ዝተረኸቡሉ  ብዓጀብን  ክብርን  ብመዝሙር  ተ.ሓ.ኤ.  ብባንዴራ  ኤርትራ  መለይ  ተሰንዩ  ተፈጸመ። ብዓርኩን  ፈታዊኡን  ኣቶ  ሃይለ  ገ/ትንሳኤ  ካብ  ኣሜሪካ  ብሓብቱ  ኣበባ  ዝተነበ  ግጥሚ  ከምኡ`ውን  ብመተዓብይቱ  ኣቶ  ኣንገሦም  ገ/ዮውሓንስ  ካብ  ጀርመን  ዝተገበረሉ  ወየ  ... ወየ  ምስ  ተፈጸመ  ብዶ/ር  ሕሩይ  ባይሩ  ዘገርም  ሓጺር መግለጺ  ጒዕዞ  ቃልሲ  ታረቀ  በራኺ  ተዋህበ። ቀባሮ  ናብ  ዝተዳለወሎም  ኣደራሽ  ብምኻድ  ተመጊቦም  ካብ  ኣሕዋት  ነፍሰኄር  መዋቲ  ምሥጋና  ንቐባሮ  ተዋሂቡ  ብዙሓት  መቓልስቱ  ዝነበሩ  ከኣ  ምስክርነቶም  ብምቕራብ  ብፍላይ  ንበዓልቲ  ቤቱ  ወ/ሮ  በላይነሽ  ዮውሃንስ    ቃል  ኪዳና  ሓልያ  ንበዓል  ቤታ  ኣብ  እዋን  ሽግሩን  ስቓዩን  ዝኣለየትን  ዝሓብሓበትን  ደረት  ዘይብሉ  ምስጋንኦም  ገሊጾም  ተዛዘመ።

ጅግና  ሓርበኛ  ታሪኹ  እዩ  ነባሪ !

ዘልዓለማዊ  ዝኽርን  ክብርን  ንስውኣትና

25.08.2023 ፍራንክፈርት/ጀርመን

Saturday, 26 August 2023 23:10

መግለጺ ሓዘን

Written by
Saturday, 26 August 2023 22:57

Dimtsi Harnnet Sweden 26.08.2023

Written by
Friday, 25 August 2023 09:02

Dimtsi Harnnet Kassel 24.08.2023

Written by

ሕብረት ኤርትራዊያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብ22 ነሃሰ 2023 ናብ ብሪክስ/BRICS ኣብ ዝጸሓፎ  ደብዳበ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 22 ክሳብ 24 ነሃሰ 2023 ዝቓናዕ ዘሎ መበል 15 ኣኼባኡ ንክሳተፍ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዕዳሙ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ ተቓውመኡ ኣስሚዑ።

እቲ ሕብረት ኤርትራውያን ከም ዝጠቐሶ፡ ንዲክታተር ኢሳያስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኮንፈረንስ ምዕዳም፡ ምስ መትከላት ብሪክስ ዝጻረር ምዃኑ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዝሓለፈን  ዘሎን  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ምዕፋን መራኸቢ ብዙሃንን ፖለቲካዊ በደልን ዝምልከት ተግባራቱ ንኢሳያስ ናብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክሳተፍ ዘየብቅዖ ምዃኑ   ብምዝኽኻር  ተቓውሞኡ ብትሪ ኣስፊሩ። .

እቲ መልእኽቲ ተቓውሞ ኢሳያስ ንኤርትራ ካብ ነጻነታ ጀሚሩ ብሓይሊ ብዘይሕገመንግስቲ ብምግዛእ፡ ሕጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዘየብላ ሃገር ገይርዋ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ማእሰርቲ፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ስደትን ዓለም ኣፍልጦ ዝሃበቶ ዘሰካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መለለይ ኤርትራ ኮይኖም ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ “ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ” ብሪክስ ንክቡር ዋጋ ዲሞክራሲ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ንክተሓባበር  ጸዊዑ።

ብሪክስ/ BRICS፡ ናይ ብራዚል፡ ሩሲያ፡ ህንንዲ፡ ቻይናን ደብቡብ ኣፍሪቃን ናይ ሓባር መድረኽ ኮይኑ፡ ሎሚ  ብዙሓት ሃገራት ኣባላቱ ንክኾና  ሕቶ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ወሲኑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል  ኢትዮጵያ ዶር ኣብረሃም በላይ ብ22 ነሃሰ 2023 ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስተር ነዚ ዝፍለጡ ብምኽንያት ክብረ በዓል ኣሸንዳ  2023 ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ እዮም።

እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ብዝርዝር ካብ ዘስፈርዎ ነጥብታት፡ 1ይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ቦታታት ናብ ትግራይ ክምለስል እዩ።  ሕቶታት እንተልዮም ብሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ዝምለሰሉ ኩነታት ንምርግጋጽ ይስራሕ ኣሎ። 

2ይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለሱ መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘለዉሉ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵ  ብዝወሰኖ መሰረት እዩ።

3ይ፡ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መረበቱ ዝምለስ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ምምሕዳሩ  ባዕሉ ክምስርት እዩ :: ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ  ኩነታት ውግእ ተጠቂሙ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ምምሕዳራት ክፈርስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወጻኢ ዝተዓጠቀ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ።

4ይ፡ ህዝቢ ድልዊ ኣብ ዝኾነሉ ብናቱ ውሳነ ብዘይተጽዕኖ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ  ረፈረንደም ዘካይደሉ  ኩነታት ክፍጠር ይኽእል። ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንተመዛበልቲ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝምልከት ብዝለዓለ በዓል መዚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብኸምዚ ደረጃ ክግለጽ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ’ለዉ።

 

 

 

Page 12 of 535