ከምቲ ወለድና “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብልዎ፡ ነቶም ሕድሪ ኣረኪበሙና ዝሓለፉ ሓርበኛታት ክንዝክሮምን ሕድሮም ክንዕቅብን ናይ ግድን እዩ። ሰማእታትና፡ ዋላኳ ብሕልና ወትሩ ምሳና እንተኾኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ዕለተ-መስዋእቶም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት ክንዝክሮም ግቡእ እዩ። ትርጉም ናይ ምዝካሮም ከኣ ንሳቶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ቃልና ንምሕዳስዩ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ምእንቲ  ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ዝተበጀዉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ) እዩ። እነሆ ከኣ ካብ ዝስዋእ 15 ዓመት (17 ታሕሳት 2005-17 ታሕሳስ 2020) ኮይኑ። ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብ24 ጥሪ 1946 ካብ ወላዲኡ ሰርጌንት ዑቕባሚካኤል ራእሱን ወላዲቱ ወይዘሮ፡ ህይወት ባህታን ኣብታ በራኽ ዓዲ ሓሰር የልቦ’ዩ ተወሊዱ። ሓርበኛ ስዩም ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰታውያን መባእታዊ ትምህርቱ ጀሚሩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፕረንችፐ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ፈጺሙ፡ ትምህርቱ ከኣ ኣብ ናይ ሽዑ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ቀጺሉ።

ሓርበኛ ስዩም ዑ/ሚካኤል ራእሱ ጉዳይ ሃገር ድቃስ ከሊእዎ፡ ኩሉ ገዲፉ ኣብ ጉዳይ ሃገር ተጸሚዱ። ኣብዚ ምስጢራዊ ሃገራዊ ጉዳይ ናይ ምስትብሃሉ ተበግሰኡ በይኑ ኣይነበረን። ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደሚካኤል (ድሩዕ)፡ ሚካኤል ጋብር፡ ወልደየሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን፡ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ዓብደላ ሓሰንን ካለኦትን ምስኡ ነይሮም። ስዩም ኣብ ጉዳይ ሃገር ተባዕ፡ ኣብ መሃዝነት ከኣ ተወዳዳሪ ኣይነበሮን። ስዩም ብዘይካቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ 10 ዓመት ዝተኣስረን ብሳላ ንሱ እውን ዘበርከተሉ ሓርበኛዊ ስርሒት ተሓኤ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲዃላ ካብ ዝወጹ ኤርትራውያን ባእታታት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።

ብዛዕባ ሓርበኝነትን ሃገራውነትን’ዚ ብ17 ታሕሳስ ተሰዊኡ ብ30 ታሕሳስ 2020 ኣብ ሃገር ሆላንድ ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ  ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ ግዜ መስዋእቱን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ኣጋጣምታትን ብዛዕባኡ ካብ ዝተባህሉን  ካብ  ዝተጻሕፉን ምእንቲ ዝኽሩ ከነስፍር ኢና።

15 Years DB 1db

 

ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት

(ዝኽሪ መበል 15 ዓመት)

16 ታሕሳስ 2005  ድሕሪ ቀትሪ ቅድሚ 15 ዓመታት ስዩም ዑቕባሚካኤል ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ጽሐት ውድቡ ነይሩ። ስዩም ኣቐዲሙ ብ27 ሕዳር 2005 ብውድባዊ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ዮርዳኖስ ኣብ ዝበሃል ሆቴል እዩ ዝድቅስ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐ እንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና” ኢሉ ተፋንዩና ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን “ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ” ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰናን። ንሕና እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩና ስለ ዝነበረ ብዘይምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐልናን።

ንጽባሒቱ ቀዳም እዩ ነይሩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ ናብቲ ምስ ውድባት ብሓባር ንሰርሓሉ ዝነበርና ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ንምኻድ እንዳተሰባሸብኩ፡ ስዩም ደዊሉ ንኽመጾ ሓቲቱኒ። ሰዓት 7 ንግሆ እዩ  ነይሩ። ቤት ጽሕፈትና ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ሆቴል ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ሆቴል ቀልጢፈ በጺሐ። ምስኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ምስ ዝነበረ ኣቶ መንግስተብ ኣስመሮም ድማ ኣብቲ ስዩም ዝነበሮ ክፍሊ ተራኺብና። ስዩም ካብቲ ዓራት ወሪዱ፡ ኮበርታ ደሪቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ ጸኒሑና። ከም ዝሓመመ ድማ ነጊሩና። ከመይ ከም ዝገብሮ ክነግረና እንከሎ  ቁሪቁሪ የብለኒ፡ ኣብ ከባቢ ልበይውን ውግኣት ይስመዓኒ፡ ክሕሸኒ ኢለ ተተሓጸብኩ ድማ መሊሱ ገዲዱኒ ኢሉና። ግዜ ከይወሰድና ናብ ሕክምና ክንከይድ ወሲና ድማ ኣነ ሒዘዮ፡ ኣብ ቦሌ ሳይ ኣብ ዝበሃል ህንጻ ናብ እትርከብ ኣቀዲምና ብማዕዶ ናብ እንፈልጣ ክሊኒክ ከይድና። እንተኾነ እዛ ክሊኒክ ተዓጽያ ጸኒሓትና። በታ ዝሓዝናያ ታክሲ ድማ ኣብ መስመር ቀንዲ ጐደና ቦሌ ኦለፒያ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ጥቓ ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈትና ናብ እትርከብ ክሊኒክ ቤተዛታ ከይድና። ንግሆ ብምዃኑ መካይን ስለ ዘይበዘሓ ቀልጢፍና ኣቲና። እንተኾነ ሰዓት 8 ስለ ዘይኣኸለ ምዱባት ሓካይም ክንረክብ ኣይከኣልናን። ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ተረኛ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ  ንስዩም ወጊእዎ።

ሓኪም እንዳተጸበና፡ ንስዩም እቲ ዝተወገኦ መርፍእ ጠቒምዎ እንተኾይኑ ሓቲተዮ።እወ ደሓን እየ። ግና ሓኪምስ ደንጉዩና ጋና ድዩ ሰዓት ኢሉ መሊሱለይ። ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ኣብቲ ክሊኒክ ቀዲመሙና ዝበጽሑ ሕሙማት ስለ ዘይነበሩ ቅድሚ ኩሉ ስዩም ተራእዩ። ኣነ እውን ምስኡ ነይረ። እቲ ሓኪም ብኲነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ኣነ እውን ወዮ ነቲ ሕማም ኣቕሊለ ዝርእዮ ዝነበኩ እንዳተቐየረ ብውሽጠይ ክፈርሕ ጀመርኩ። እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ክርእዮ ምስ ጸነሓ፡ ካብቲ ዝነበሮ ክፍሊ ኮረር ብዝብል መንበር ናብ ካልእ ክፍሊ ወሲድዎ። ካብዚ ጀሚረን እንተን ከይደን ዘይርብርባ ዝነበራ ኣእጋር ስዩም ስራሐን ኣቋረጻ። ፍርሐይ ድማ ማዕረ እቲ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ኩነታት ስዩም እንዳዓረገ መጸ። ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ እቲ ሓኪም ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፉ ሂቡ፡ ብኣንቡላንስ ካብ ክሊኒክ ቤተዛታ ኣብ ከባቢ ስታድየም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ቤተዛታ ብህጹጽ ክንከይድ ምዃና ስግኣትን ፍርሕን ብዝጸለዎ ቃላት ነጊሩኒ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጐረቤት ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ እዩ ኢለ ኣለኹ። ኣነ ኣብዚ ሰዓትዚ ንግሆ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ገንዘብ ስለ ዝወዳእኩዎ፡ ናብ ሆስፒታል ቤተዛታ ቅድሚ ምኻድና ብጉያ ናብ ቤት ጽሕፈት ከይድ ገንዘብ ሒዘ መጺአ፡ ስዩም ኣብ ዓራት ደቂሱ ሳልሳይና መራሕ መኪና፡ ሓያል ናይ ኣሕልፉኒ ድምጺ ጥሩንባ ብእተስምዕ ኣንቡላንስ ናብቲ ሆስፒታል ጉዕዞ ጀሚርና።

ኣብ ጉዕዞና ስዩም ከመይ ኣለኻ ኢለ ሓቲተዮ። በቲ ምዑዝ ኣዘራርባኡ ድማ እዋእ ደሓን እየ፡ እንተኾነ እታ ሸቕሸቕ ተብለንስ ኣየቋረጸትንኢሉኒ። ድሕሪኡ ካልእ ዘረባ ወሲኸ ከየድክሞ ዘረኣ ኣይወሰኽኩን። ኣነ ብውሽጠይ በይነይ ይዛረብ ነይረ። ስዩም እውን ከምኡ። እቲ ንኸዶ ርሑቕ ስለ ዘይነበረ ከኣ ቀልጢፍና ኣቲና። ነቲ ድምጺ ጥሩንባ ዝሰምዑ ናይቲ ሆስፒታል ሰረሕተኛታት መጺኦም ሓጊዘሙኒ፡ ንስዩም ካብታ ኣንቡላስን ኣውሪድና ኣብቲ ናይ ህጹጽ ረዲአት ክፍሊ ኣብ ዓራት ብጐቦ ኣደቂስናዮ ቅድሚ ሓኪም ምምጻኡ ስዩም እዚ ሆስፒታል ናይ መንግስቲ ድዩ ናይ ብሕቲ?” ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ  ናይ ግሊ እዩ ኢለ መሊሰሉ። ቀጺሉ  እሞ ወጻኢ ደኣ ክበዝሓና እንድዩ፡ ……… ናብ ሕስር ዝበለ መንግስታዊ ሆስፒታል ዘይንኸይድ ኢሉኒ። ኣነ ድማ እዚ ናይ ሕጂ ኩነታትካ ንርኣዮ እሞ እዚ ትብሎ ዘለኻ ደሓር ተረኣናዮ እዩ ዝሓይሽ ኢለ ምስ መለስኩሉ፡ ድሕሪኡ ዘረባ ኣይቀጸልናን፡ ምኽንያቱ እታ ካብ ክሊኒክ ዝተዋህበትኒ ወረቐት ምስ በጽሓቶ ቀልጢፉ ዝመጸ ዶ/ር ዮናስ  ስለ ዘቋረጸና። ዶ/ር ዮናስ ቅድሚ ስራሕ ምጅማሩ ካብቲ ክፍሊ ክወጽእ ኣዚዙኒ ወጺኣ። ድሕሪ እዚ ምስ ስዩም እነሆ ብኣካል ንሓዋሩ ተፈላሊና።

ዶ/ር ዮናስ ንስዩም ምስ ረኣዮ ብዝሃቦም ምልክት ብቕጽበት ኩሎም ናይቲ ሆስፒታል ሓካይም እንዳጐየዩ ናብታ ስዩም ዝነበራ ናይ ቅልጡፍ ረድኤት ክፍሊ ክኣትዉ ተዓዚበ። ወዮ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ፍርሐይ ድማ ናብ ስንባደ ተቐይሩ። ንሕማም ሰጊረስ ብዛዕባ ሞት ክሓስብ ጀሚረ። በቲ ኣጸቢቆም ዘይዓጸውዎ ናይ መስኮት መጋረጃ ድማ ኩሎም እቶም ሓካይም ክኸብዎ ተዓዚበ። ካብቲ ምንቅስቓሳቶም ድማ ብውሕዱ ስዩም ትንፋስ ከም ዝሓጸሮ ተገንዘብኩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ፡ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሕጂ ስሞም ዘይዝክሮ ናይቲ ሆስፒታል ሕክማናዊ ዳይረክቶር “ቤተሰብ ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል” ኢሎም ጸውዑ። ኣነን ናይ ስዩም ናይ ቀረባን ናይ ነዊሕ ግዜን ዓርኪ ኣቶ ገብራይ ገብረ እየሱስን ኮን ደኾን ተስፋ ንረክብ ብዝብል ትጽቢት ቀልጢፍና ቀረብናዮም። ዝሃቡና ሓበሬታ ግና ኣቶ ስዩም ልቦም ስረሓ ኣቋሪጻ እያ። ናይ እግዚኣብሄር ደገፍ ተተወሲኽዎ ሓካይም ህይወቶም ንምድሓን ይቃለሱ ኣለዉ ዝብል ቀዳማይ ደረጃ መርድእ ነገሩና።

ኣቶ ገብራይ ነቶም ሓኪም ናብ ዝሓሸ ሕክምና ዋላ ናብ ወጻኢ ምውሳድከ ኣይከኣልን?” ኢሉ ሓቲትዎም። እቶም ሓኪም ድማ ወዮ ኲነታት ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ ስለ ዝፈልጡ ንሱ ሕጂ ዝግበር ኣይኮነን ኢሎም መሊሰሙልና። ድሕሪዚ በብውሽጥና ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ኢልና። ደፊርና ግና ስዩም ክመውት እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይከኣልናን። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣሕዋት ገብሪህይወት ጸጋይ፡  ጅምዕ ኣሕመድ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ተኽላይ ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል ናብቲ ሆስፒታል መጺኦምና ኣለዉ። እንደጋና ከባቢ ሰዓት 11፡30 ረፋድ እቶም ናይቲ ሆስፒታል ላዕለዋይ ሓላፊ ዶክተር ነዓይ ጸዊዖም “እዚኣ ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ከፊልካ ምጻእ’ሞ ቅብሊት ሒዝካ ተመለስ” ኢሎም ናይ 194 ብር መእዘዚ ሂቡሙኒ።  ከፊለ ቅብሊት ሒዘሎም ምስ ተመለስኩ በቲ ጭንቅና እንዳተጨነቑ እምበኣር ጻዕርና ኣይሰመረንኣቶ ስዩም ዓሪፎም እዮም  ኢሎም ኣርዲአሙኒ። በዚ ድማ ናይ መወዳእታ ናይ ስዩም ቃላትን ናይ ስዩም ዕረፍትን ቀዳማይ ሰማዒ ክኸውን ክኢለ። ብኡንብኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ምሳይ ብስግኣት ተዋሒጦም ዝነበሩ ኣቐዲመ ኣስማቶም ዝዘርዘርኩዎ ኣሕዋት  ኣርዳእኩዎም። ጸሓይ እቲ ባህርያዊ ብርሃን ናይ ምልጋስ ተግባራ ኣይቀየረትን። ንዓና ግና ንዝተወሰነ ግዜ ጸልሚቱና። ንደገን ንውሽጥን ድማ ከም ሕሱም ነቢዕና።

ድሕሪ እዚ ብጉዳይ ስዩም ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣስከሬኑ ክንሓስብ ተገዲድና። ስዩም ድማ ድሮ ብዛዕብኡ እንዳተዛረብና ናብ ዘይዛረብ ኣይግዳዱ ተቐይሩ። ነናትና ስረሓት ክንሰርሕ ተቐሲብና። ገሌና ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ኤምባሲ ሆላንድን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምሕባር ተዋፊርና። ገሌና ድማ ኣብ ምውጋን ኣስከሬን ናይቲ ሽዑ ዝተፈልየና ሓርበኛ ተጸሚድና። በዚ መሰረት ቅድሚ ኣበይን ብኸመይ ይቕበር ዝምልከት ውሳነ  ምፍላጥና ኣስከሬኑ ክምርመር ናይ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ገብረ እግዚኣብሄር ካብ ዝበሃል ትካል ኣስከሬን ኣትጸውር መኪናን ሳጹንን ኣምጺእና ናይ ኣስከሬን ይመርመረልና ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪብና ናብ ሚነሊክ ሆስፒታል ወሲድናዮ። ዕለቱ  ቀዳም ስለ ዝነበረ ከኣ ሰኑይ ክንምለስ ቆጸራ ወሲድና። ንስዩም ምስ ከዛርብዎን ከዛርቦምን ዘይክእል ኣስከሬናት ገዲፍናዮ ተመሊስና። እዚ ኩሉ ወዲእና ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ተኣኪብና። ኣብዚ ኣኼባና ሓዘና ክኢልና፡ ነብስና ከፋፊልና ክንዓሞ ብዛዕባ ዝግበኣና ስረሓት ወሲና። ሰኑይ ንግሆ፡ ገሌና ጉዳይ መርመራ ኣስከሬን ክንከታተል፡ ገሌና ብዛዕባ ኣስከሬን ናብ ሆላንድ ዝጐዓዘሉ ኣገባብ፡ ምስ ናይታ ሃገር ኤምባሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርን ርክባት ክንገብር ዝተረፍና ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይና ገጾም ክኸድኑ ንዝመጹ ኣጋይሽ ክንቅበል ተሰማሚዕና።

ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2005 ምስ ኮነ እቶም ጉዳይ ኣስከሬን ንከታተል፡ ንጉዕዞ ብዘኽእል ኣገባብ ብኩባዊት ክኢላ ኣመርሚርና፡ ንናይ ርሑቕ ጉዕዞ ዝምጥን ሳጹን ገዚእና ነቲ ኣስከሬን መዝሓሊ ናብ ዘለዎ ሆስፒታል ሓያት ወሲድና ዓቂብናዮ። እቶም ኣብ ካልእ ስረሓት ዝተዋፈሩ ኣሕዋት እውን ብተመሳሳሊ ስረሓቶም ኣሰላሲሎም። ኣስከሬን ሰሉስ 20 ታሕሳስ 2005 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሆላንድ ክጉዓዝ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ምስ ኮይና ድማ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦታ ኣትሒዝና።

ቅድሚ ኣስከሬን ጉዕዞ ናብ ሆላንድ ምጅማሩ፡ ሆስፒታል ሓያት ኣዳራሽ ፈቒዱልና ናይ መፋነዊ ፕሮግራም ሰሪዕና። ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት ንስዩም ዝምጥን እኳ እንተዘይነበረ፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰንዓ ፎረምን ካለኦትን ይርከብዎም።

ድሕሪ እዚ ምሸት በዚ ዕለት እዚ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካእል ናብ ሆላንድ ብኣድራሻ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይለ ኣፋኒና ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓዘና ዓጺና።

ደበሳይ በየነ

ንታሪኽ !!!!

Tuesday, 15 December 2020 02:46 Written by

ወግሐ ጸብሐ ኣብ ኤሪትራን ኢትይጵያን ዘጋጥምን ዝውሰድን ዘሎ ተረኽቦታት ክንሰምዕን ርእይቶታትና ከነቐምጥን ጸኒሕና። ተቓውሞና ተወዳዲቡን ሓቢሩን ኣብ ውጽኢት ከርኢ ዝኽእል ዕማማት ዝኣቱ፤ በቢ ኮም ተኣኻኺቡ፤ ነቲ ሕቶ ዘየድልዮ ናይ ኣብ ሓደ ምምጻእ ስጉምቲ ንክ ወስዱ ጊዜ ይወስድ ጥራይ ዘይኮነ ንስኻ እቶ ንስኻ የለኻን እናተባህለ ኣብ ጊዜ ዝበልዕን፥ ኣብ ካልእ ከተስግል ዝገብርን ምምላስ ይስማዕ። ፖለቲካዊ ውድባት ሰሚረን ሓንቲ ትመርሐን ኣካል ኣብ ክንዲ ዘቑማን ንተቓውሞ ኣብ ክንዲ ዝመርሓን፥ ሽማግለታት ብምውጻእ ንጥርኑፍ ኣመራርሓ ዘይጥዕም መገዲ ሒዘን ይርከባ። ኣብ ምሉእ ደምበ ተቓውሞ፥ መን ተቓዋማይ መን ናይ ውሽጢ ኣርበኛ ምዃኑ ከተለሊ ዘጸግም ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኩነታትና ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ ኣቢይን ኢሳያስን ብዝመደብዎ እነሆ ኣብ ዶብና ውግእ ተባሪዑ ንርኢ። ዘሰንብድ ክኸውን ይኽእል፤ ናይ ኣብይን ኢሳያስን ዕርክነት ብመሰረቱ ናይ ሓባር ትምኒታቶም ስለዝተሰማምዔ ኢዩ። ኢሳያስ ካብ ዝተበገሰላ ዕለት ኣትሒዙ ንሰውራ ኤሪትራ ጨውዩ ናብ ኢትይጵያ ንክመልሳ ዝተበገሰ ብምንባሩ፤ ካብ ጊዜ ሰውራ ኣትሒዙ፤ ነቲ ጅግና ህዝብን ሰራዊትን ገጹ ከርእዮ ስለዘይደፈረ፤ መጀመርያ ብውግኣትን ብመቕተልትን ማእሰርትን ከብርሶን ከዳኽሞን ሓደ ሜላኡ ኮይኑ፤ ነቶም እንታይ ደኣ ኣብ ጊዜ ደርጊ ዓበይቲ ዓወታት ክምዝገብ ተኻኢሉ ንዝብሉ ድማ፤ ኢሳያስ እቲ ዝለዓለ ናይ ምዕራብ ሓገዝ ዝቕበለሉ ዝነበረ እውን ጊዜ ደርጊ ኢዩ ነይሩ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ነቲ ማርክሳዊ ኢየ ዝብል ስርዓት ካብ ገጽ መሬት ምጥፋእ ድሌት ምዕራባውያን ሃገራት ብምንባሩ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነትከ ከመይ ኬድና፧ ብግስ ከይበልና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ናይ ሓባር መንግስቲ ክምስርት ሓሳብ ከምዝነበሮ ሓው መስፍን ሓጎስ ሓቢሩና ኢዩ። ንሱ ከይኣክል ኣብቲ ኣብ ሎንዶን ዝተገብረ ርክብ እውን መለስ ዘናዊ፥ “ህዝቢ ኤሪትራ ንናጽነቱ ኢዩ ተዋጊኡ” ብምባል ንሓሳብ ኢሳያስ ውዱቕ ከምዝገበሮ ሰሚዕና ኢና። እዚ ኣበሃህላዚ ድማ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ኣሕዲሩሉ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኤሪትራ ንኢሳያስ ዘቃልዕ ነቐፈታትን ምንቅስቓሳትን፤ ከምኡውን ንናይ ዘለኣለም ሕልሙ ከበርዕን ዝኽእል ቅዋም ምንባሩ፤ ኢሳያስ ንኩነታት ብፋሕብትን ንምቕያር ውግእ ባድመ ከፈተ። ንባድመ ውዒላ ሓዲራ፥ ኤሪትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስተሓወሰት ትርጉም ክህልዋ ስለዘይኮነ ኢሉ ኣቐዲሙ ብምሕሳቡ ኢዩ ካብ ጀብሃ መንጢሉ ንወያነ ገዲፉሎም ዝነበረ። ሕጂውን ኣብይ ምስ መጸ ንባድመ ክመልሳ ኣይተገደሰን፤ እቲ ምኽንያት ድማ: ባድመ ምስ ኤሪትራ ናብ ኢትይጵያ ከምትኣቱ ስለዝኣምን ኢዩ።

እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ዘመቻ ድማ፥ ኣቢይ ንስልጣኑ፤ ኢሳያስ ንዕላምኡ፤ ብገለ ሓይልታት ተመሪሖም ወዲኦምዎ ዝመጹ ውዲት ኢዩ። ብዙሕ ትያትሮ ድማ ርኢና። ስርዓት ወያኔ ዝፈጸሞ ዘይብሱል ኣመራርሓን ባህርያትንኳ ነይሩ እንተተባህለ፤ ንትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ትምህርታውን ቁጠባውን ደረጃ ከምትበጽሕ ጌሩ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃን ዓለምን ንኢትዮጵያ ከም ትኽበር ገሮም ኢዮም። እዚ ምዕብልናዚ ድማ ብዓይኒቶም ኣፍሪቃውያን ዓደግትን ተመራሕትን እንበር፥ ርእሶም ዝኸኣሉ ኣፍረይትን ናይ ዕዳጋታቶም ተወዳደርትን ክኾኑ ዘይወሓጠሎም ኣህጉራውያን ሸነኻት፤ ዘይደልዮን ንካልኦት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ሓደገኛ ጉዕዞ ጌሮም ስለዝርእይዎን፤ ንድሕሪት ክመልስዎ ክፍትኑ ከምዝኾኑን ከምእተዓወቱሉን’ውን ግሁድ ኢዩ።

ብካልእ ሸንኽ ድማ፤ እቲ ዳርጋ ቀሺ ወይ ሸኽ ተመሲሉ ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን እናሰበኸ እዚ ዘይበሃል ኣድናቖት ዝረኸበ ኣቢይ ኣሕመድ፤ ንኢትዮጵያውያን፥ ምስ ኢሳያስ ብምምሽጣር ዝዓበየ ህያብ ከምጽኣሎምን ምስጋናን ስልጣንን ከረጋግጽ፤ ብመምርሒን ተሓባባርነትን ናይ ኢሳያስ መጀመርታ ንህዝቢ ትግራይ ምድቋስ፤ ድሕሪኡ ንኤሪትራ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ንዝብል መደቡ እንሀ ጀሚርዎን የካይዶን ኣሎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ድንግርግር ዝበለ ኩነታት ን ኤሪትራ ኣትዩ ንትግራይ ምጥቃዕ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ካብ ኤሪትራ ንሃገሩ ይምለስ ዝብል እምነት የብለይን፤ ሓላዋይ ኢሳያስን ብምዃን: ንዝኾነ ተቓዋሚ ከጥፍእን ድማ ህልውንኡ ቀጻሊ ክኸውን ኢዩ።

ሎሚ ህዝቢ ትግራይ እንተተደርዒሙን ተዳኺሙን፤ ጽባሕ ተራና ከምዝኾነ ምስትብሃል ጽቡቕ ኢዩ። መበገሲ ናይዚ ውግእዚውን ንኤሪትራ ንምንብርካኽ ዘቃልል ተባሂሉ ዝተጀመረ ምዃኑ ኢዩ ትርጉም ዝህብ።

ካብዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ብምብጋስ ድማ፥ ሎሚ ንዕንወት ናይ ትግራይ ዝትምነ ኤሪትራዊ፥ ካብ ሕጂ ዜግነቱ ከምዝቐየረ ክርድኦ ይግባእ። እዚ ዘለናሉ ጊዜ፥ ናይ ቅርሕንትን መሰረት ዘይብሉ ትምክሕትን ድርቅና መርገጻትን ጊዜ ኣይኮነን፤ ኣንዊሕካን ኣዕሚቕካን ተስተብህለሉን ትመዝነሉን፥ ንሃገራውን ህዝባውን ጥቕምኻ ዘዋጽእ ምግንዛብን ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ምፍፍልላይ ኣውራጃ፤ ኣብ ዝሓለፈ ውባዊ ፍልልያት፤ ኣብ ውድበይ ውድብካ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ዕንክሊል ዝብል ኩሉ፤ ካብ ልቡ እንተኾይኑ ልቢ የብሉን፤ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ እንተኾነ ድማ ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራን ክቡራት ስንኩላቱን ስዉኣቱን ምዃኑ ንኩሉ ኣንባቢ ንጹር ክኸውን ይግባእ። ንመርሕነት ዝጓየ እንተሎ ድማ፤ እታ ዕድል ንሓደ ጥራይ ኢያ`ሞ ዓቕምኻን ብቕዓትካን ፈሊጥካ ንናይ ሓባር ስራሕ ቀዳምነት ሃብ ኢለ ክምዕድ እፈቱ።

ሎሚ ኤሪትራ ዓባይ በት ማእሰርቲ ህዝቢ ኤሪትራ ኢያ ዘላ፤ ምሉእ ህዝቢ እሱር ኢዩ። ተባዕ ዝነበረ ኣብ ፈራሕ ተቐይሩ፤ ኣንበሳ ዝነበረ ደኒኑ፤ በሊሕ ዝነበረ ፈዚዙ ወዘተ፥ ህዝብና እንታይ ወርድዎ ኣብ ኢልካ ዝሕተተሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና። ሃገርና ክትደክን ፈላጣታን ሰብ ንብረትን ንህያቦም ከይጥቀሙሉ ዝተዓግቱሉን እተባረሩሉን፥ ሰብ ናብ ዕለታዊ ድራሩ ጥራይ ከድህብ እተገደ ደሉን፤ መንእሰያት ትርጉም ዓለም ትርጉም ዘይህቦም ዝኾኑሉን፥ ብዘይካ ንሳዋ ምውሓዝ ናይ መጻኢ ተስፋ ዘይርእዩሉን፤ ከተማታት ዓንየን መልክዓተን ዝተደምሰሰሉን (ዝተረፈኒ ወስኹሉ) ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን ንድልየት ናይ ሓደ ባእታ ንክጥዕም ምዃኑ ኩሉ ኤሪትራዊ ሎሚ ዘስተብሃለሉ ይመስል። እዛ እዋን እዚኣ ንህልውና ሃገርና ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ትፈታተነና ዘላ ስለዝኾነት፤ ሓቢርና ንጽዓረላ፥ ጥቕሚ ሃገርና ንዝሕሉ ኩሉ ኣገባብን መንገድን ብብልሓት ንጠቐም፤ ብዝሒ ዘረባ ዘይኮነስ ተግባር ዝጠልብ እዋን ኢዩ።

ኣብ ገምገም ጥፍኣት ንዘላ ሃገር ብሓባር ነድሕን።

ብዘይምውልዋል ንስለ ህዝብና ክንብል ሓቢርና ንስራሕ።

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ተኸለ መለኪን 29/11 - 2020

ኣብ መንጎ ሃገራት፡ ብሄራት፡ ሕበረተሰብኣዊ ጉጅለታት፡ ሰልፍታት፡ ውድባት ኮነ  ውልቀሰባትን፡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝመንቀሊኡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ምስሕሓባትን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። እዚ ኣብቶም ዝፈሓፍሑ ኣካላት ዘጋጥም ንጉዳያት ከከም ኣረኣእያኻ ካብ ምሓዝ ዝነቅል እዩ። ፍልልያት ንሰባት መናብርቶም እምበር፡ ዘሰንብድን ሃንደበት ዘጋጥምን ኣይኮነን። ለባማት ናይ ምስሕሓብን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ንቡርነት ክገልጹ እንከለዉ፡ “ኣሽንባይዶ ሰብስ  እምኒ ምስ እምኒ’ኳ ይጋጮ” ዝብሉ ካብዚ ነቒሎም እዮም።

እቲ ዘሰሓሕብ ጉዳይ መንቀሊኡ ኮነ ሸቶኡ ብዙሕ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ልዕልናን ቁጠባዊ ረብሓን ምውሓስ ልዕልና ይሕዝ። እቶም ዝሰሓሓቡ፡ ኣብ ናይ መን ካብቲ ምስሕሓብ ረብሐ ህልኽ ክኣትዉ ልሙድ እዩ። እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት ናይ ኣርሒቕካ ምርኣይን ናይቲ ምስሕሓብ ሳዕቤንን እንተተረዲኦም፡ እንተኸኣኢልካን ተጸዋዊርካን ዘይፍታሕ ወጥሪ የለን። ምናልባት ኣብ ነናቶም ምርጫ ጥራይ ሒዞም ኣብ “ወይ እታ ፈትሊ ትብተኽ ወይ እታ ዕንቊ ትስበር” ዕጽዊ ህልኽ እንተደቂቖም ግና እቲ ሳዕቤን ሓደገኛ እዩ ዝኸውን። እቲ ሓደገኛ ሳዕቤን ንኹሎም ዘረኻኽበሎም እምበር ኣብ ሓዲኦም ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን።

ናይ ጐንጽን ምስሕሓብን ዝበልሐ ጥርዚ ውግእ እዩ። ውግእ ከይፈተኻ ተገዲድካ እትኣትዎ ናብ ቀጻሊ ፍታሕ ንምብጻሕ ተጽዕኖ እትፈጥረሉ እምበር፡ ናይ መወዳእታን ዘተኣማምንን ፍታሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ ጐንጺ መወዳእታ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዘይኮነ፡  ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ስለ ዝኸውን። ውግእ ብኹሎም በቶም ዝተሃላለኹ ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ምዕጋቱ ዘይከኣል ኣይኮነን። ሓዲኦም ካብቶም ዝዋጠጡ ቅሩብ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ብሓደ ኢድካ ምጥቓዕ ከምዘይከኣል፡ ብጽቡቕ ድሌት ሓደ ኣካል ኣይወሓስን። እቲ መሰሉ ብመንገዲ ውግእ እንተዘይኮይኑ ካልእ መንገዲ ዝተዓጽዎ ወገን ናብ ፍትሓዊ ውግእ ክኣቱ ዝግደደሉ ኩነታት ኣሎ።

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ናብ ውግእ ዘይወስድ መንገድታት ፈቲኑ ምስተዓጽዎ፡ ጐነጻዊ ቃልሲ ከካይድ ዝተገደዶ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። ውግእ ብኹሉ መልክዑ ኣኽሳርን፡ ከምቲ “እምንስ ተወደቐትካ ኮነ፡ ተወደቕካያ ትሰብረካ።” ዝበሃል፡  ንሰዓራይ ኮነ ንተሰዓራይ ዘረኻኽበሉ እዩ። ኩሉ ኣብ ከባቢና ቀደም ዝተኻየደ ኮነ፡ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝምስክሮ ሓቂ ከኣ ንሱ እዩ። ውግእ ዘለኣለማዊ ስኒትን ሰላምን ኣየውሕስን እዩ። ካብቲ ውግእ “ተረባሕቲ ኢና” በሃልቲ ግና ነቲ ክሳራ ሓቢኦም፡ ከምቲ ጠላም ኢሳያስ ዝበሎ “ኣይከሰርናን” እንዳበሉ ነብሶም ከደዓዕሱ ልሙድ እዩ።

ውግእ ምስ ተኣጉደ ኣብቶም ስሞም ገኒኑ ዝጽዋዕ ጀመርቲ ጥራይ ኣይድረትን እዩ። ኣብቲ ውግእ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ዘራያት እውን ይሳተፍዎ እሞ መሊሱ ይጉህር። ኣብዚ እዋንዚ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ሱርያ፡ የመንን ሊቢያን ውግኣት መነመን ጀሚረምዎ፡ ደሓርከ በዓል መን የጋድድዎ ኣለዉ ምዕዛብ ይከኣል። ኣብዚ ጐረቤትና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ውግእ እውን፡ ካብዚ ዝተፈልየ መልክዕን ዕድልን የብሉን። ድሮ ኤርትራን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ኣብ ውግእ ትግራይ፡ ብሰራዊት ድዩ ብኣጽዋር ከም ዝተሳተፋ ይኽሰሳ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ናይ ኤርትራ ብግብሪ እውን ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ደቆም ናብ ውግእ ትግራይ ስለ ዝኣተዉ ብሻቕሎት ተዋሒጦም ኣለዉ። ነዚ ሓቂ ጓሲና ሰራዊ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ከም ዝኣትወ፡ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ወይ ፖለቲከኛታት ተዓዘብቲ ከጻርዩልና ንጽበየሉ ምኽንያት የብልናን። ናይ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ውጥም ቅልቅል እውን ናይቲ  ውግእ ናይ ምስፋሕ ምልከትዩ ዝመስል።

እቶም ንህዝቢ ዘየረብሕ፡ ዘየርብሕ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ’ውን መዘዝ ዘምጸኣሉ ክነሱ፡ ንናቶም ዝናን ጸቢብ ረብሓን ኣብ ናይ ዘራይ ውግእ ዝኣትዉ ወገናት እቲ ክሳራ ኣብኣቶም ዝድረት ዘይኮነ ናይ ህዝብን ሃገርን ዕዳ እዩ። ንኣብነት ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ የመን ዘራይ ኣትዩ። መራሕ እቲ  ጉጅለ ከኣ፡ ሳላ ዘራይ ኮይኑ ዝኣተወ በቶም ዝዘረየሎም ተነኢዱን ተመጒሱን። ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ውግእ እውን ኣትዩ ኣሎ። ምናልባት ካብ ኤርትራውያን ዝሰኣኖ ደገፍ ካብ ደገ ማእሪሩ፡ ዕደመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ዕድል ይውስኸሉ ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብ ናይ የመን ኮነ ናይ ትግራይ ውግእ ክሳራን ኣራግጽን እምበር ዝረኽቦ ረብሓ የብሉን። ከምዚ ካብ ኮነ ከምቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ “ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን……ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ። ……………ስለ’ዚ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ዝበሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓደገኛ ኢድ ኣእታውነት እውን ከም ኣካል ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎ ዘቤታዊ ቃልሲ ክሕዞ ይግበኦ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብቲ ውግእ ምስታፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝምታ ንብረት እውን ብብዙሓት ወገናት ይሕመን ይኽሰስን ኣሎ። እዚ ክሲ ምጽራይ ከም ዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ፡ እንተደኣ ውዒልዎ ግና ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምስሊ ናይቲ “ናቱ ዘይህብ ዘይናቱ ግና ዘይደሊ” ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝድውን እዩ። መግለጺ ሰዲህኤ፡ በዚ ብዛዕባ ዝምታ ንብረት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ሻቕሎት ስለ ዝሓደሮ እዩ፡  “ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ……… ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።” ዝበለ።

ሕጂ እውን ወስኑ

Tuesday, 08 December 2020 10:08 Written by

ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዲ ንናጽነትን ሓርነትን ኢሉ ን 30 ዓመታት ክኸይድ ከሎ፡ ኣብ 1975-1976 ኣቢሉ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ ደሓር ህወሓት ኣብ ውሽጢ መሬት እየን ቓልሰን ብሓገዝ ጀብሃ ኣንጻር ደርግ ዝጀመራ።ናይ እቲ ግዜ ዝዓበየ ስፍሓት ዝርጋሔ ምንቕስቓስ  ስለዝነበራ ተሓኤ ኣብ ከባቢ ባድመ እቲ ህወሓት ክኣትውዎን ነቲ ተቐማጢ ህዝቢ ከማሕድርዎን ብምድላይ ዘይምርድዳእን ናብ ጎንጺ ዘምረሐ እዩ ነይሩ ኣብ መወዳእታ 1979።

  እዝን ካልእን ዘይምርድዳእ ዝነበሮም ምኽንያት ብምግባርን፡ እታ ኢሰያስ ዝመርሓ ህ ግንባር ነዛ ነቓዕ ብምስትብሃል ሓድሽ ዝምድና ምስ ህወሓት ዝተጀመረሉ እዩ ነይሩ። ብእኡ መሰረትዩ ኢሰያስ ከም ሜላ ነታ ባድመ ህወሓት ከመሓድርዋ ዝሃቦም። ስዒቡ እውን ብ 1985 ብመሰረት ሓበሬታ ካብ እቶም ማእከላይ መሪሕነት ህዝባዊ  ግንባር ዝነበሩ ዝበሉ ብዕሊ ባድመ ንህወሓት ከም እተዋህበት ብኢሰያስ ተገሊጹሎም። ህዝቢ ኤርትራ ነታ ግንቦት 24 1991 ናጽነቱ ክብሰር እንከሎ ፡ ግቡእ እዩ'ውን ክሕጎስ። እንተኾነ ጎደሎ ባድመ ኢና ነጻነት ዝረኸብና፡ስለምንታይ?

 እቲ መስርሕ ረፈረንዱም ተባሂሉ ንክልተ ዓመት ዝኸደ ጉዕዞ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ዕርቒቂ ፈጢርካ ሃገራዊ ሓድነት ዝፍጠር ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ስልጣኖም ንኸደልድሉ፡ ብካልኣይ እዛ ነጻ እትኸውን ዘለ ኤርትራ በቲ ግዚያዊ ቕዋም ኢትዮጵያ ዝንደፍ ዘሎ ምርኩስ ብምግባር፡ኤርትራ ካብ ዓባይ ኢትዮጵያ ከም እትግንጸል ዘላ ብዘስምዕ ነቲ ገዛኢ ሓይሊ ኢትዮጵያ ( ህወሓት) ጉልባብ ክኾኖም ዝብል ድራማ ተኻይዱ 1993  ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺባ ተባሂልና። እዚ'ኣ እውን ካልኣይቲ ጌጋ ጎደሎ ልዕላዊት መሬት ባድመ ተፈጺሙ፡ስለምንታይ?

    ኣብተን ሸውዓተ ዓመታት ዝኸደ ጉዕዞ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕ እዃ እንተ ዘይተኻየደ ሓደ ካብ'ቲ ዝልለ ምምስራት ናይ ቕዋም ኮሚሽንን መስርሑን ኣብ መወዳእታ'ውን ከም'ቲ ዝረኣናዮ ኣብ ተግባር ክትውዕል ኣይተኻእለን፡ስለምንታይ?

  እቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ድቦላ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ባድመ ብዘስምዕ ተወሊዑ። ኩሉ ሳዕቤን ናይ ውግእ ርእይናዮ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰይና ኣጥፊእና። ኣማኢት ኣሻሓት ህዝብና ካብ ቦታኡ ተዘናቢሉ።ኣብ መወዳእታ ከም'ቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ዝፍታሕ እቲ ጉዳይ'ውን ስምምዕ፡ ኣልጀርስ ይሕብረና። ብመሰረት እዚ እውን ናይ ዶብ ኮሚሽን ኣብ 2002 ናይ መወዳእታን ቐያድን ዝብል ውሳኔ ኣሕሊፉ እዚ'ውን ከይጀመረ ጸገማት ክርኤ ጀሚሩ። ከም'ቲ ዝረእናዮ ብዘየገድስ ኣበይ ከይዱ መስመራት ምሕንጻጽ ዶባት ነቲ ውሳኔ እንተ ዘይተቐበልኩሞ ንዘተ ኣይኮንኩን ድሉው ክብል ከሎ ብወገን መንግስቲ ኢሰያስ፡ እቲ በውገን ኢትዮጵያ ዝመርሕ ኢህወደግ ብፍላይ ኢቲ መለስ ዝመርሖ ጉጅለ  ህወሓት  እቲ ተበይኑ ዘሎ ዓድን ቤተ-ክርስትያን፣ መቓብርን ዝስንጥቕ ስለዝኾነ መጀመርታ ኮፍ ክንብል የድሊ ዝብል ነጥቢ የልዕሉ ነይሮም።እዚ ክልተ ነገራት ግን ብሰፊሑ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ኤርትራ ሃሳይ ኮይኑ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ( ባርነት) ነዚ ንምብንጣስ ድማ እንቢ ኢሉ ሃጽ ኢሉ ናብ ጎረባብትን ርሑቕ ሃገራትን ብኣሽሓት ክስደድ ተራእዩ።

  ኣብ'ዚ ክልተኦም መንግስታት ኣብ ሓደ ነጥቢ ነይሮም። ኢሰያስ ነታ መለስ ዝሓዛ መርገጽ ብምምዝማዝ ከይወጹ ኣይንዛተን ኢሉ ነቲ ሰፊሕ ዝተደናገረ ህዝቢ ከሲቡዎ ፡ከም መጻልኢ ፖለቲካ ሰሪሑላ፡እዚ'ኣ እያ እታ ሎሚ ሕራይ ገበሮም ኣብይ ዝብል ሸነኽ ዘሎ፡ እቲ ብወገን መለስ ( ህወሓት) ነዚኣ እንተ ተቐቢልናያ ንኢሰያስ ኣንበሳ ክንገብሮ ማለት እዩ ዝብልን፡ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ድማ ነቲ ውግእ ባድመ ክሳብ ኣስመራ ዘይኣተኹም ኢሎም ዝኸሱዎም ጉጅለ ኣምሓራን ሎሚ ምስ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዘለው ካልኣይ ከይክሰሱ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ንህዝብና ሸኸም ኮይኑዎ ጸኒሑ።

  እቲ ኢትዮጵያ ካብ 1991 ጅሚሩ ክሳብ ምምጻእ መንግስቲ ኣብይ፡ ምስ ናትና ከነነጻጽሮ ከለና ሰማይን ምድርን ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ምዕብልናታት ዘርኣየት ብኹሉ መዳያት ከም ምዃና ኩሉ ተዓዛቢ ዝምስክሮ እዩ። ዋላ ኢሰያስ 'ውን ኣብ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዋሳ ከምኡውን ባህር ዳር ከረጋግጾ ዝኽእል ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ብፖለቲካዊ መዳይ ብፍላይ ክንርእዮ ከለና እቲ ኤትኒክ ፈደራሊዝም እንብሎ፡ ዋላ እኳ ብውሕዱ ንገለ ብሄራት መሰል ናይ ምምሕዳርን ዝዛረብኦ ቛንቃታት ልዕል ዝበለ ቦታ እንተ ተረኽበ ኣብ ሓደ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝተመስረተ ቕዋም ብዘይምኽታሎም ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ተራእዩን፡ብብልሽውና እውን ኣብ ልዕል ዝበለ ፖለቲካዊ ቕልውላው ኣብ 2015 ብዝያዳ ዝተራእየሉን ብዙሓት ፖለቲካ ባእታትን፣ ናይ መድያ ሓለፍትን ምእሰርትን ህዝባዊ ናዕቢ ዝተላዕለ ምምጻእ ናይ ኣብይ ኣሕመድ  መራሒ ኢህወደግ ክኸውን በቒዑ።

  ብወገን ኤርትራ  ድማ ሓደ እቲ ብመንግስቲ እቲ ዝምድና ኣይ ውግእ ኣይሰላም ብምንባሩ፡ እቲ ብወገን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ  ኢትዮጵያ ድማ ክልተ መድረኻት እዩ ሓሊፉ፡እቲ ሓደ ኣብ መንጎ ናይ መለስ ናይ ኢሰያስ መንግስትን ጽቡቕ ዝምድና ክሳብ እቲ ውግእ ባድመ ዝጅመር ስለዝነበረ ንገለ ኣባላት ውድባት መራሕትን ካድራትን ኤርትራ ንህግደፍ ኣሕሊፎም ስለዝሃብዎ ዝተሃድነን ዝተእስረን ነይሩ እዩ። እቲ ብድሕሪ ናይ ውግእ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ግን ናይ መለስ መንግስቲ ንኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ ርኽክባትን ሓገዛትን ገይርሉ ኢዩ።ብፍላይ ድማ ነቲ ስደተኛ ኤርትራዊ ብዙሕ ሓገዝ ገይርሉ። ካልኣይ ነታ ኤርትራ ልዕላውነት ዝተቐበልዋ ኢዮም ነይሮም ብጀካ ሓደ ሓደ ዘንባዕ መርገጻት።ብኣጠቓላሊ ክርእዮ ከለኹ ንደንበ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ምድጋፍ መቓቒሎሞ፡ኣዳኺሞሞ፡በቲ ናቶም ፖለቲካ ኣተሓሳስባ "ኤትኒክ ፈደራሊዝም" ክሰርዕዎ ፈቶኖምን ንኻልኦት ሃገራውያን  ውድባትን ሰልፍታትን ወጋኒ መንገዲ ወሲዶም ነጺሎመን ዝብል እምነት ኣለኒ።

   እዚ ዝተረኽበ ሓድሽ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ነቲ ፖለቲካ ስልጣን ዝለዓለ እጃም ዝነበሮ ህወሓት ካብ ማእከል መንግስቲ ኣልዩ ናብ ክልል ትግራይ ክሰግሮ ከሎ ኩሉ ሓጥያትን ብልሽውናን ናይ ኢትዮጵያ ተሸከምትን ተሓመይትን ክኾኑ ነቶም  ብፍላይ ብወገን ኣምሓራ ዝያዳ ዕድል ከፊቱሎም። እቲ ኢህወደግ ኣፍሪስካ ብልጽግና ሰልፊ ምምስራት'ውን ነቶም ዓባይ ኢትዮጵያ ወይ ኣሃዳዊ ክምስረት ኣለዎ ዝብሉ ሓደ ዝዕንቕፎም ሓይሊ ጥርኑፍን ናይ ህዝቦም ተቐባልነት ዘለዎም ህወሓት ስለ ዝኾኑ እዚኦም ክዳኸሙሉን ክንጽልዎም ጉጅለ ምዃኑ ዘብርህ ወይ ዝሕብር ምንባሩ ከም ኤርትራውያን ዝተዓዘብናዮ ጉዳይ እዩ።

ምምጻእ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ግን ብቐጥታ ንኤርትራ ዝጸሉ ብዘይ ቕድመ-ኩነት ነቲ ውዕል ኣልጀርስ ክቕበሎ እየ ብምባል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ውዕላት ህዝቢ ብዘይፈልጦ ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ።ኣብ'ዚ እታ ቐንዲ ነጥቢ ብጉዳይ ባድመ እንተ ዘይወጺእኩም ካብ ባድመ ኣይንዛተን ኢሉ ንመለስ መንግስቲ ዝሃቦ ቓል ኣብይ ኣሕመድ 'ውን ከይወጸ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣዋሳ ጉዕዞ ርእይና፣ ብምቕጻል ኣብ ቲቪ- ኤረ ጉዳይ ባድመ ኣገዳሲ ኣይኮነን ድማ ኢሉ ነጊሩና።  ኣስዕብ ኣቢሉ ገይም ኢዝ ኦቨር ድርብይ ኣቢሉዋ።

እቲ ሰላምን ስምምዕን ግን ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣይረኸበሉን፣ እቲ ስምምዕ  " ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ" ዝብል ተኸቲሎም ክልቲኦም መራሕቲ ንህወሕትን ብምስዓብ 'ውን ህዝቢ ትግራይ ምንብርካኽ ዝተጠጀኤ ምዃኑ ብሩህ ዝገብሮ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና "ሕጊ ምኽባር" ብዝብል ምስምስ ሓደ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ናቱ ህዝቢ ዝብሎ ኩናት ኣውጅሉ፡ ናይ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ምእታው እውን ደሓን  ይእቶ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ ሳላ ዓቢ ሓገዝ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ተዓዊትና ኢሉ ነጊሩና።

 ሕጂ እዚ ጉዳይ ናበይ ኢዩ ዝብል ኣካታዒ ኣርእስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምህልዉ ጽቡቕ እዩ በሃላይ ክኸውን ከለኹ፡ እቲ ነጥቢ ክንሕዞ ዘለና ግን ካብ ውልቃዊ ነጥቢ ወጺእና ብሃገር ወይ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ረብሓ ክንርእዮ ክንክእል ዝጽውዓና ግዜ እዩ ዘለናዮ። እቶም ክኢላታት ነዚ ኣርእስቲ፡ እቶም ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ሎሚ እዩ ነቲ እትቓልስዎ መስመር ወይ ኣብ ኤርትራዊ ረብሓ ዘለኩም ርእይቶን  ፖለቲካዊ መርገጽኩምን እተነጽርሉ፣ እቶም ባይቶ ይኣክል ድማ ናብ'ቲ ዝምልከተኩምን ዝውክለኩም ከተማ ንህዝቢ ዝተደናገረ ይኹን ዝቓወም ምልዕዓል ዘድልየኩም፡ እቲ ፖለቲካ ንዝምልከቶ እንተኾነ ካብ ምድብላቕ ንድሕን።

  ኣብ ምድምዳም እቲ ውግእ ናብ ትግራይ ዝተሓጽረ ጥራሕ ኣይኮነን፡እንታይደኣ እታ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ትምስሊ ዝሰዓርናዮም ትምክሕታውያን ሎሚ ዓሰብ፡ ምጽዋዕ ናብ ዶብ ዝኸይድ ሰራዊት ብለይቲ/  ብኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ህዝቢ ኣጸልሚትካ፣ ነፈርቲ ብብዝሒ ንመዓልቲ ካብ ኢትዮጵያ ቱሪስትስ ዘይኮኑስ ወተሃደራት ዝራገፉላ፡ኣብ ጥቓ ዶባት ዘሎ ህዝብና ቦምብ ዝወድቐሎምን መግቢ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝገብርሉን፡ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝቖሰሉ ኤርትራውያን ወተሃደራት ብግሉጽ ዘሎ፡ እዚ ጉጅለ ኢትዮጵያ ብዝያዳ ነታ ዝኸሰራ ኤርትራ ንምምላስን፡እቲ ኣቶ ኢሰያስ " ክልተ ህዝቢ እዮም ኢሉ ዝሓስብን ዝዛረብን ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ" ዝበለና እታ ናይ ኩላትና ኤርትራ ልዕላዊት ሃገራዊ ረብሓ ካብ ናይ ህግደፍ ረብሓ  ዝዓበየ ብምዃኑ እቲ ናይ ብልጽግና ዕንደራ ቕድሚ ናብ ኤርትራ ምኻዱ ኣብ ትግራይ ክሰዓር ስለዘለዎ ረብሓና ህዝቢ ትግራይ ንጹር ናብ ነጻ (ሃገር) ትግራይ ክምስርት ኣለዎ ዝብል ምርጫ ጥራሕ እዩ ኣብ ቕድሚኦም ዘሎ እሞ ሕጂ'ውን ወስኑ።

 ኤርትራዊ ተቓዋምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራት፡ ህዝባዊ ምልዓላትን ህቡባት ባእታታትን  ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ኣድላይነት መተካእታ ከምዘየብሉ ርዱእ እዩ። እዚ ናይ ተቓውሞ ሓይልታትዚ ናይ ሓባር ቃልሱ ኣድማዒ፡ ቀጻልን ኣሳታፍን ንክኸውን፡ ብናይ ሓባር ተረድኦ ዝተቃነየ ትካላዊ መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልዮ ዉሁብ እዩ።  ናብዚ ንምብቃዕ ቀጻሊ ቃልሲ ክካየድ ከም ዝጸንሐን ቀጻሊ ከም ዘሎን ከኣ ናይ ኩልና ተመኩሮኣዊ  ተረድኦ እዩ።

ተቐራሪብና “ኣንጻር ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግዲፍ ብምሉእ ዓቕምና ንቃለስ” ክንብል እንከለና፡ ነቲ መርኣያ ብዙሕነትና ዝኾነ ሕብራዊ ፍልልያትና ነወግድ ማለትና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ቅድም ኣብዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ኤርትራዊ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ንቕሎ፡ ዝፈላልዩናን ዘቀራርቡናን ብውሕልነትን ብሓላፍነትን ንመሚ። ደሓር ኣብቶም ዝፈላልዩና ተኸኣኢልና፡ ኣብቶም ዘቀራርቡና ተወሃሂድና ብሓባር ንቃለስ ማለት ምዃኑ ግቡእ ተረድኦ ረኺቡ ክሰርጽን ክሰፍርን ይግበኦ። ብቕንዕናን፡ ህዝባዊ ሓላፍነትን ተጊህና እንተነቒልና ካብቶም ዝፈላልዩና እቶም ዘቀራርቡና ናይ ቃልሲ ኣዕኑድ ከም ዝሰፉሑን ዝሕይሉን ፍሉጥ እዩ። ኩልና ኤርትራውያን ህዝብና ካብዚ ዝወርዶ ዘሎ ከቢድ ወጽዓ ጉሒላ ጉጅለ ህግዲፍ ተናጊፉ፡ ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ዝውስነሉ፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ዝኽበረሉን፡ ብዙሕነቱ ብዘውሕሰ ኣካይዳ ሕገመንግስቲ ዝምረሓሉ ኩነታት ናይ ምፍጣር ሓያል ትጽቢት ከም ዘለና ርዱእ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሉ፡ ንኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ሓዊስካ፡ ናብዚ ንብህጎን ንቃለሰሉ ዘለናን ለውጢ ንምብጻሕ ኣብ እንመርጾ መንገዲ ስልታዊ ፍልልያት ክህልወና ውሁብ እዩ። እዚ ናብቲ ሸቶ መብጽሒ ስልትታት ነቲ  ቀንዲ ክንበጽሖ ዝግበኣና ዓወት ከስሕተና ኣይግባእን።

ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግዲፍ “ብኸመይ ክትመሓደር እያ” ኣብ ዝብል እውን ካብ ጽቡቕ መጻኢ ንኤርትራ ነቒልና እንጽበዮ ኣገባብ ምምሕዳር ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳዩን መጻኢኡን ባዕሉ ዝውስነሉ ውሑስ፡ ነጻን ሕጋውን መድረኽ ኣብ ዝረኸበሉ ዝውግኖን ንሕና ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽልዋና ንምሕዳር እንወዳደረሉን ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ብኣኡ ተፈላሊና ህግዲፍ ኣብ ናይ ምውጋድ ቃልሲ ክንረሓሓቕ ውሕሉልን ሓላፍነታውን ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ሎሚ ዘቀራርበና ንምሕያልን ቀዳምነት ምሃብን እምበር፡ ነቲ ዝፈላልየና እሞ ድማ ወጊናዮ ሓሊፍና ጽባሕ እንወዳደሩ ዛዕባታት ከነተዓባብዮ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ እዋንዚ ኣይኮነንዶ ንዓና ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ንናይ ርሑቕ፣ ተዓዘብቲ ኣካላት’ውን ዘሰክፍ ሓደገኛ ውግእ ኣብ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ። ምስ ትግራይ ዘለና ጉርብትና ብጀኦግራፍያዊ ምቅርራብ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ ሃይማኖታውን ካልእን ምጽልላው ዘለዎ ብብዙሕ ሓጐጽጐጽ ክሓልፍ ዝጸንሐ እዩ። እዚ ውግእዚ ዝያዳ ዘሻቕለናን ናይቶም ብናይ ጽባሕ ራህዋ ህዝብና እንገድሰና ምቅርራብ ዘድልዮን  ናይ ጐረቤት ጸገም ምዃን ጥራይ ኣይኮነን። ብሰንክቲ ረብሓን ክብርን ህዝቢ ዘይማእከሉ ፖሊሲ ዝምድና ህግዲፍ ኤርትራውያን እውን ኣካልዚ ውግእ ኮይኖም ምህላዎም እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት  “ኤርትራ ኣብዚ ውግእ ኢዳ ሓዊሳዶ ኣይሓወሰትን?” ዝብል ኣብ መንጐና መፈላለይ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ግና ብብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣካላት ብዝተኻየደ ትዕዝብቲ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝሃቦ ምስክርነት፡ ኤርትራ ብብዙሕ መዳያት ኣብዚ ውግእ ትሳተፍ ከምዘላ ተጋሂዱ እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምቲ ኣመሉ ኣጽቂጡ እምበር፡ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ “ኣይተሳተፍናን” ደሃይ ከም ዘየብሉ ንዕዘቦ ኣለና።

ናትና ምቅርራብን ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ኢሳያስ ምቅላስን ካብ ቀደሙ እውን ወሳኒ ምስጢር ዓወትና ምዃኑ ዝተገንዘብናዮ እዩ። ኣብ ምትግባሩ ግና ማዕረቲ ድሌትናን እምነትናን ኣይበቓዕናዮን። ክሳብ ሎሚ ኣይበቓዕናዮን ማለት ግና ንሓዋሩ ኣይክንክእሎን ኢና ማለት ኣይኮነን።  ኣብዚ ብሰንክቲ ውግእ ካብ ንጐረባብቲ ሓሊፉ ንዞባናን ዓለምን እውን ዘሰክፍ ምዕባለታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ዝያዳ ክንቀራረብ ናብ እንጥለበሉ መድረኽ ኣቲና ኣለና። ጉጅለ ህግዲፍ ጉዳይ ህዝቢ ጉዳዩ ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዝሓለፉ መድረኻት ኣርእዩና እዩ። እዚ ኣብዚ ውግእ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ፡ ካብ ቅድም እውን ዝገመትናዮ መርገጽ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ክመጾ ዝጸንሐ ጥብሎቕሎቕ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ30 ሕዳር 2020 ኣብ ፓርላማኦም ቀሪቦም፡ ኣብቲ ውግእ ግደ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ከም ዝነበረ ክገልጹ እንከለዉ “ኤርትራ እንተዘይትሕግዘናስ እንታይ መወሓጠና” ብዝብል ኣጋንኖ እዮም ገሊጾምዎ። እቲ ሓቂ ክሳብ ክንድዚ ባዕሉ ይዛረብ ምህላዉ ብሩህ ክነሱ ደጊም “ጉጅለ ህግዲፍ ዝመርሓ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ኢዳ ኣእትያዶ ኣየእተወትን” መካትዒ ዝኸውን ኣይመስለንን። እቲ ቀንዲ ጉዳይ እምበኣር ብኸመይ ተቐራሪብና ብሓባር ንህዝብና ካብ ተወሳኺ ጸገም ንምድሓን ንመክት እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ ሓደ ግንዛበ ክረክብ ዝግበኦ፡ እዚ ተረኽቦ ናይቲ ጉጅለ ሓያልነት ዘይኮነ፡ ዘይህዝባውነቱ፡ ኣርሒቕካ ዘይምርኣዩን ናይ ካለኦት ኢደ-በይዛ ምዃኑን እዩ ዘመልክት። ስለዚ እዚ ኢድ ኣእታውነቱ ከምቲ ዝግምቶን ዝጽበዮን ዕድመ-ስልጣኑ ዘናውሓሉ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ዘሕጽረሉ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ሕጂ እውን ዝያዳ ክንቀራረብ ኣብ ንጥለበሉ መድረኽ ምእታውና ነስተብህል።

ሓውናን ናይ ቃልሲ ብጻይናን ፍትዊ ተኽለ (ናይ ፓልቶክ ስሙ ንሓድነት) ኣብ 70 ዕድሜኡ ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዕለት 20.11.2020  ዓሪፉ፡ ሮቡዕ ዕለት 2 ታሕሳስ ከኣ ብስድራ ቤቱን ፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ተዓጂቡ ኣብ ከተማ ጅኔቭ፡ ስዊዘርላንድ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ኣብዚ ቀጺሉ ብስድራቤትን ፈትወትን ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ነፍሰ-ሒር ፍትዊ ተኽለ፡ ከም ስሙ ብኹሉ ዝፍቶን ዝናፈቕን ሃገራዊ ነይሩ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ከሎ ከይተረፈ ንምጽንጻን ጸላኢ ከይፈርሐ ንጓሉ ኤርትራ ኢሉ ዝጸውዐን፡ ድሒሩ ሓድነት ውድባት ዓዚዝዎ ንወዱ ሰመረ ዝበለን ናይ ቃልሲ ሰብ ነይሩ።

ኣብ ኣስመራ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሪዑ ተቓሊሱ። ጸኒሑ ከኣ ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተሓኤ ንጡፍ ተሳትፎ ነይሩዎ። ኣብ ስዑዲ ከሎ ኰነ ቅድሚ 30 ዓመት ንስዊዘርላንድ ምስ ኣተወ’ውን፡ ኣብ ጨንፈር ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ከኣ ምስ ሲቪካዊ ማሕበራት ኰይኑ ናይ ቃልሲ እጃሙ ኣበርኪቱ።

ፍትዊ ተኽለ ኣብቲ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝግበር ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝካፈልን ኣባላት ሰዲህኤ ኰኑ ናይ ደንበ ተቓውሞ ብጾቱ ብናፍቖት ዝጽበይዎን ውፉይ ሃገራዊ ነይሩ። ኣብ ከተማ ጅኔቭ ከም ቀንዲ ተኸላኻላይ ናይ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምንባሩ፣ ቀጺሉ’ውን ደጋፊ ጒዕዞ ሰልፊ ህዝቢ፡ ድሒሩ ከኣ ክሳዕ ጊዜ ዕረፍቱ ደጋፊ መትከላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምንባሩ ኲሎም ብቐረባ ዝፈጥዎ ደቂ ሃገር ዝምክስሩዎ ሓቂ ነይሩ። ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ ንተቓላሳይ ፍትዊ ተኽለ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ እናተመነና፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ሓመድ ምልባሱ ብስድራ ቤት ዝቐረበ ታሪኽ ህይወቱ ኣብዚ ቀጺልና ብምልኡ ነስፍሮ።

 ሓጺር ታሪኽ ህይወት ፍትዊ ተኽለ !

Fitwi Tekle 02.12.2020

ክቡር ሓውናን ኣቦናን ፍትዊ ተኽለ፥ በዚ ቀዛፊ ዝኾነ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምሕማም ብዕለት 20 ሕዳር ዓሪፉ፡ ብዕለት 2 ታሕሳስ 2020 ከኣ ብስድራ ቤትን ፈተውትን ተሰንዩ ኣብዛ ን30 ዓመታት ዝሰርሓላን እተቐመጠላን ከተማ ጅኔቭ (ስዊዘርላንድ) ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ኣቦናን ሓውናን ፍትዊ ካብ ነፍሲሄር ኣቡኡ ኣቶ ተኽለ ያቖብን ካብ ነፍሲሄር እዲኡ ወይዘሮ ለተኣምላኽ የሕደጎን ብዕለት 24.06.1950 ኣብ ዓዱ ዓዲ ጻዕዲ (ብናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ) ኣብ ኣውራጃ ሰራየ) ተወልደ። ፍትዊ በኹሪ ንወለዱ ነበረ።

ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ናይ መባእታ ትምህርቱ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲቦ፡ ቀጺሉ ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ  ስንጆርጆ - መንደፈራ ተማህረ። ንኡድ ጠባይ ወኒኑ ብልዑል ነጥቢ ትምህርቱ ዘጠናቐቐ ፍትዊ ከም ሽሙ ፍቱዉ ምንባሩ መማህርቱን ኲሎም ፈለጥቱን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ትምህርቱ ኣቓሪጹ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ሓደ ብጥልያን ዝዉነን ዝነበረ ትካል (ፈለኛሞ) ጽርበት ዕንጸይቲ እናሰረሓ ብገንዘቡ ተማሂሩ ብሉጽ ሞያ ምስ ኣጥረየ ካኣ፥ ጥበቡን ዉሕልነቱን ዝተዓዘበ ሓደ ቤተሰብ ኣብ  ገሉጅ ንኽሰርሖ ጠለቦ። ቀጥ ኢሉ ናብኡ ብምኻድ ከኣ ስርሑ ጀመረ።

ብዓል ሰፊሕ ልቦና ዝኾነ ፍትዊ ዓቅሚ ኣዳም ኣኺለ ኣብ ዝበለሉ ምስ ቤተዘመድ ብምምኻር ምስ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ኣበባ ተስፋይ ብቓል ኪዳን ተቆርነ። ድሕሪ መርዓ ብዘይ ወዓል ሕደር ነስመራ ብምኻድ ኣብ 1972 ምዉቕ ሓዳር መስረተ። ካብ ብርኮም ኣከታቲሎም ዝወጹ ሰለስተ ደቂ ወለዱ። ንሶም ከኣ ኣብ ኣስመራ ተወሊዶም ሎሚ ብድሙቕ ኣብ ከተማ ጅኔቭ (ስዊዘርላንድ) ዝረኣዩን ዝፍለጡን ጴጥሮስን ኤርትራን ጳዉሎስን ኢዮም። ራብዓይ ሓዎም ሰመረ ኣብ ስደት ተወሊዱ።

ኣብቲ ዝተወልዱሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ዝብል ስም ብሁግ ከምሉል ጥራሕ ዘይ ኮነስ ሂውት ከስእን ዝክእል ስም ምንባሩ ዘይሰሓት ሓቂ ኢዩ። እዚ መርኣያ ትብዓት ናይ ኣቦና ፍትዊ ክሳብ ክንደይ ብሃገር ዝንየት ምንባሩ፥ ንደቑ ብፍቕሪ ሓብሒቡ ምዑት ሃገራዊ ፍቕረ ዘስንቅ ኣቦ ምንባሩ ዘረድእ ኢዩ።

ፍትዊ ብጉዳይ ሃገር ካብ ጊዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ይግደስ ስለ ዝነበረ ብእዋኑ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተሰለፈ። ምስ ጉጅለ ኣስመራን ከባቢኣን ተወዲቡ ብዓቢ ተወፈይነትን ተባዕ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣብዝነበረሉ መዋእል ብስርዓት ደርጊ ክህደን ምስ ጀመረ ዝፈትዎ ስድርኡ ኣብ ኣስመራ ሓዲጉ ንሱዳን ወጸ።

ሻቁሎት ስድራ ድቓስ ዝኸልኦ ፍትዊ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ንኤርትራ ከባቢ ሊባን ሓበላ ተመልስ። ካብ ሊባን ሓበላ ሰብ ሊእኹ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ካብ ኣስመራ ኣዉጸኤ። ስድርኡ ስዒሙን ጠርኒፉን ከኣ ንሱዳን ተመልሰ።

ኣብ ሱዳን ዘይቖዋሚ ናብራ ኣብ ምጥያስ እንከለዉ ከኣ ሰመረ ተወለደ።

ንሰመረ እዉን ባህጊ ስማረት ዉድባት ኤርትራ ዝገልጽ ስም ተዋህበ ። 

ብ1980 ሰበይቱን ደቁን ኣብ ሱዳን ግዲፉ ናብ ስዑድ ዓረብ ጉዕዞኡ ቀጸለ ።

ዋላ ካብ ሃገሩ ናብ ሃገራት ብዙሕ ክርተት እንተበለ ንሃገሩ ሓንቲ መዓልቲ ከይረሰዓ ኣብ ጎድኒ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተወዲቡ ዓብይ ግደ ይፍጽም ነበረ።  

ብ1982 ብዓልት ቤቱ ኣበባ ብግደኣ ንደቃ ምስ ኣዲኣ ኣብ ሱዳን ገዲፋ ንበዓልቤታ ሰዓበቶ። ኣርባዕተ ዓመት ብሓባር ሰሪሖም ብ1986 ንሱዳን ከይዶም ደቆም ጠርኒፎም ንሱዑዲ ከኣ ተመልሱ። ናብራ ስዑዲ እፎይታ ስለ ዘይረኸብሉ ንፈቲቫል ቦሎኛ ምክንያት ብምግባር ብ1990 ብቪዛ ንጥልያን እተዉ። ምኽሪ መሓዙቶም ምርኩስ ብምግባር ካብ ጥልያን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1990 ንሃገረ ስዊስ ጉዕዞ ቀጸሉ። ኣብ ስዉስ ዑቑባ ሓቲቶም ጀኔቭ ተመደቡ።

ኣቦና ፍትዊ ካብታ ንስዊስ ዝኣቶወላ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕድመ ጥሮቱኡ

ዝኣክል ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ብዘይ ምቑራጽ ብትግሃት ሰሪሑ ዘስርሓ ኣቦ ምንባሩ ብዂሉ ሰብ ዝፍለጥ ኢዩ።

ምሩቑን ቅኑዕን ብምኻኑ ንኩሎም ደቁ ሓብሒቡ ብምዕባይ መሪቑ ብባሁሉ ዘምሰለን ደቂ ደቁ ዝረኣየን ፈታዉ ሓዳሩን ደቁን በዓል ጸጋ ኣቦ ኢዩ። 

ማሕበራዊ ሂወት እናመርሓ ኣብ ርእሲ ኤርትራዉያን ዝፍጸሙ ግፍዒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ይቃወም ነበረ። ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኰይኑ ኣብ ብዙሕ መደባት ዝሳተፍን ሰባት ንኽሳተፉ ዘተባብዕን ምንባሩ ኲሉ ፈላጢኡ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

እዚ ሓጺር ሓበረታ ንጉዕዞ ሂወት ኣቦናን ሓዉናን ፍትዊ ዝበቅዕ ታሪኽ ኢዩ ኣይንብልን። ምኽንያቱ ታሪኽ ናይ ሓደ ሰብ ባህሪያቱን ስነ ምግባሩን ምኻኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ ነዊሕን ዝርዝራውን ኣቀራርባ ይሓትት። ፍትዊ ክቡር ሕያዋይ ፍቁር ተባዕ ጻዕራምን ሓዉ ስለ ዝኮነ ብዛዕብኡ ብዙሕ ገጻት ክጸሓፍ ክንበብን ምተካእለ። ንሕጂ ግን በዚ ሓጺር ተዘክሮታት ኣቢልና ነፋንዎ ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ስዊስ ካብ ዝመጸእ ጀሚሩ እኳ ብሞይኡ ንብዙሓት ስድራቤታት ከም ዝሕግዝን፣ ንወነንቲን ኣካየድትን ትካላትን የተባብዕ ምንባሩ ብቐረባ ዝዝከር ኢዩ። ፍትዊ መን ኣብ ዝበሃለሉ ከኣ፤ « ፍትዊ ፍለኛሞ » ካልኣይ ሽሙ ነበረ።

እቲ ኮር ባህሪ ሓዉና ፍትዊ ዉጹእ ፍልዩነት ከምዝነበሮ ዝምስከር ኢዩ። ፍትዊ ከም ሰብ መጠን ኣይሓቅን ኢዩ ንዝብሎ ነገር ብትብዓት ብሓቀይና ዕግበቱ ስለ ዝምክት ዉጹእ ፍሉይነት ነይርዎ። ንዝተጸገሙ ይሕግዝ ! ንዝተባኣሱ ይዓርቕ ! ብኹሉ መልኽዕ ዘሰኒ ለዋህ ትሑት ብባህሉ ዝሕበን ኣቦን ሓዉን ምንባሩ ዝዝከረሉ ታሪኹ ኢዩ። ብኻልእ ቃላት፡ ባህርያት ጽኑዕ እምነት ሓቅን ርትዕን ኣብ ኩሉ መዳያት ማሕበራዊ ጉዕዞ ዘርእዮ ዝነበረ ጸብለልትነት ቀሊል ከምዘይነበረ ብፈተዉቱ ዝምስከር ንጹር ሓቂ ኢዩ ።

ፍትዊ ሓቀይና ጻዕራም ተዋዛያይ ኔርካ

ኣብ ዓበይትን ኣብ ንኣሽቱን ኣሎ መልእኽትኻ

ፍሉይ ኢዩ ነይሩ እቲ ኒሕካ ትብዓትካ

ብዙሕ መጻወድያ ዝፈንጠስካ :

ካብ ግዚያዊት ዓለም ድሮ ተኸዊልካ !

ኣብዚ ሕማቕ ጊዜ ነታ ዘይትተርፍ ሕጊ ካብ ተቐበልካ

ስጋኻስ ተፈልያትናያ ፈጣሪ ኣብ ሕቚፉ ይቀበልካ፣

ሞት ንኹልና ዘይትተርፍ ጽዋእ እኻ እንተኮነት፣ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብሞት ካባና ንዝተፈልየ ክቡር ኣቦናን ሓዉናን ፍትዊ ተኽለ ከነፋንዉ እንኮሎና ብጣዕሚ መሪር ሓዘን እናተሰመዓና ኢዩ።

ከምቲ ንጉስ ዳዊት ናብ መበል 35 መዝምሩ ብምረት ንእግዚኣብሄር እናዘመረ ዝልምኖ ድሕነት፣  ንሕናዉን ሎሚ ንነፍሲ ኣቦናን ሓዉናን ፍትዊ እግዚኣብሄር ኣምላክ ምድሓንኪ ኣነ እየ ክብላ ብሓባር ብጸሎት ንፋኖ።

ደሓን ኩን ፍትዊ ! 

ጽንዓት ንምሉእ ስድራቤት !!

ጽንዓት ንዂሎም ፈተውቱ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣርእስተይ ተመርኲሰ ሓሳባተይ ብጽሑፍ ናብ ሕብረተ-ሰበይ ከመሓላልፍ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ንሕዋሳተይ ሕልናዊ ዕረፍቲ ክህበኒ እንከሎ፡ ብካልእ ኣዘራርባ ከኣ፡ ወዲ-ሰብ ሓታትን መላስን ርእይቶኣውን ክኸውን ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ መሰረታዊ ኣምር‘ዩ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ንኣርእስተይ ብመጀመርያ ምስ ረኣኻ፡ ብፍላይ ኣብቲ መሪር ሃለዋት ምስ ትህሉ ንደቓይቕ ክትሓስብን ዝን ክትብልን ኢኻ። ብርግጽ ከኣ ኣርእስተይ ጽሑፈይ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ክትንክፍ ምዃኑ ጥርጥር የብለይን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ተቓሊስካ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊልካ፡ በቶም ጀጋኑ ደቅኻን በታ ክብርቲ ዋዕሮ ጓልካን፡ ታሪኽ ናይ ንሓዋሩ ነጻነትካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ኣመስኪርካ፤ ብርእሰ-ተኣማንነት ብረፈረንዱም 99.8 እወ ንነጻነት ኣድሚጽካን ንዓለም ኣበሲርካን፡ ባንደራኻ ኣብ መንጎ ባንዴራታት ሃገራት ዓለም ኣብ ህንጻ ኣደራሽ ዓለም ኣንበልቢላ ኤርትራ ዝብል ክብሪ ኣብ ናይ መዝገብ ታሪኽ ሰፊራ።

ዝኸበርካ ኣንታ ተባዕ ኤርትራዊ፡ ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ሓደ ዘይርሳዕ ወትሩ ዘተሓሳስበንን ዘጕህየንን ኩሉ ግዜ ብጽምዋ ክሓስብ እንከለኹ ሓደ ሕቶ ይመጸኒ። ስለምንታይ ንሕና ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣቲና? ንሱ ከኣ ነቲ ሓድሽ ጉዕዞ ነጻነት ከየስተማቐርካ ፖለቲካዊ ቍጠባዊ ማሕበራዊ ሕውየት እናጠመትካ ኣብ ኲናት ተሸሚምካ፥ መንእሰይ ወለዶ ብዳግማይ ኲናት ከሲርና። እዚ ከኣ ብዕላማ ንምንዋሕ ስልጣን ዝተገብረ ድሒሩ ዝተጋህደ ፡-

1 - እቲ ተወዲኡ ዝነበረ ቅዋም ሕጊ ግዜ ብምቕታል ከይትግበር ስልጣኑ ንምንዋሕ፤

2 - ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ከይትከል ምርጫ ከይግበርን፤
3 - ፓርላማ ከይህሉ ምግባር፤

4 - ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ሕጊ እታ ተሓታትነት እትብል ኣምር ዓንቀጽ ክትመጽእ ከም እትኽእል ስለ ዝፈልጥ፥ ንከይትመጾ፤

5 - ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮ ብማዕርነት እትፈትሕ “ቅዋም ሕጊ“ እናተጸበየ ከሎ ቅዋም ሞይቱ ተባሂልካ።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ኣበሃህላ ከም ህዝብን ከም ሃገርን ብጣዕሚ ዘሕፍርን ዘነውርን፥ ከም ሰብ፡ ከም ኤርትራዊ እሞ ከኣ “ንቅዋም ሕጊ ሕብረተሰብ፡ ንቅዋም ሕጊ ሃገር“ እቲ ስርዓት ደፊሩ ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ከሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ ብርግጽ ንሓስብ ኣሎናዶ? ክሳብ ሕጂኸ እንታይ‘ዩ ዘጸብየና ዘሎ ክሳብ ክንድዚ ግዜ ምውሳድ ነዚ ደቂ-ደቁ ዝበልዕ ጨካን ስርዓት።  

ስማዕ ኤርትራዊ! እዚ ስርዓት ከማኻ ሰብ፡ ግን ባህሪ ናይ ሰብ ዘየብሉ፡ እሞ ከኣ ዝመሽመሸ ክንሱ ንሕግታትካን መሰልካን ንማሕበራዊ ክብርታትካን ክኽልክለካን ከፍቅደልካን ከሎ ን6 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ከሕፍርን ከነውርን ጸኒሑን ዘሎን‘ዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ሕጂ‘ውን ደጋጊመ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ ክብለካ ሕልናውን ታሪኻውን ከም ኤርትራዊ ይግድደኒ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ብቐደሙ ልቡ ምሳኻ ኣይነበረን፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ጥመ - ሕመም - ሙት -  ዕረቕ -ሃሉ-ኣይትሃሉ ኣይግድሶን‘ዩ። እዚ ዝስዕብ ኢሰብኣዊ ተግባር ን29 ዓመት ገይሩዎን ብዝኸፍአ ድማ ይቕጽሎ ኣሎን፡ ንሱ ድማ ሓደ ክልተ ኢልካ ስለ ዘይውዳእ እዚ ዝስዕብ ጥራሕ ክጠቅስ‘የ፡-

1 - ተኣሲርካ ኣብ ሕጊ ዘይትቐርበሉን፡ ኣሎኻን የሎኻን ዘይትፍለጠሉ፤

2 - እኽሊ ኣብ ድላይካ ገጠርን ከተማታትን ከትሸይጥን ከይትሽምትን ዝኽልክለካ፤

3 - ን29 ዓመታት ናይ ኩቦን ተጸባያይ ዝገብረካ፤

4 - ኤርትራውያት ኣደታት ንደቀን ከየዐንግላ ብሒቝ ዝደፍኣልካ፤

5 - ብርሃን ከይትርኢ ኣብ ጸልማት ዘንብረካ፤

6 -  ማይ ከይትሰቲ ብጽምኣት ጐሮሮኻ ዘንቅጸካ፤

7 - ትካላት ስራሓት ዓጽዩ ኣብ ጽርግያ ዘውዕለካ፤

8 - ማእሪርካ ሸቒጥካ ድራርካ ከይተእቱ ዝጐየካ፡ ንርብዒት እኽሊ ኣብ ብሎኮታት ዝምንጥለካ፤

9 - ሕክምና ፈውሲ ዘይትረኽበላ ሃገር ገይሩካ፤

10 - እተን ነዊሕ ዓመታት ይዕበያ ይንኣሳ ነቲ ድኻ ህዝቢ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝኣልያ ዝነበራ ሕክምናታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓጽዩልካ፤

11 - ህዝቢ ኤርትራ ጸጋታት ሃገሩ ዘይፈልጠሉ፤

12 - ዕብየት ቁጠባ ሃገሩ ይውሓድ ይብዛሕ ዘይፈልጠሉ፤

13 - ህዝቢ ኤርትራ ን29 ዓመታት ዓመታዊ ባጀት ዘይፈልጠሉ፤

14 - ትካላት ትምህርቲ ምዕባለኡ ዘይትፈልጠሉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ንትካላት ትምህርቲ ኣዳኺሙ፡ ብፍላይ ንመንእሰይ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ድማ ንሕብረተሰብ ኢርትራ ምስ ዓለሙ ተወዳዳራይ ከይከውን፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ባርነት ማእከል ዝኾነት “ሳዋ“ ዓጽዩ ንኣምስሉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ንትምህርቲ ዘይተማልአ ኮለጃት እሞ ድማ ብወትሃደራት ዝመሓደራ ከም ኮለጅ ማይ ነፍሒ ዝኣመሰላ ገይረ ክብል እንከሎ ዘገርም‘ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፡ እታ ሓንቲ እንሕበነላ ኣብ ዓለም ተቐባልነት ከም ዝነበራ ዘመስከረት፡ ክንደይ ኤርትራውያን ምሁራት ዘፍረየት፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብተስፋ ንእኣ እናጠመተ ዝመሃረላ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ህዝብና ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይጐዪ ራኢ መጻኢኡ ንከይጥምት ብመደብ ዓጸዋ። ዝገርም፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራብን ከም ኤርትራዊ ከም ሰብ፡ ኣብ ዓለም ዝኾነት ሃገር፡ ኣንትርፎ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፡ ዩኒቨርሲቲ ዓጽያ ዝብል ሰሚዐ ኣይፈልጥን።   

ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር፡ ደቅና ኣበይ ክመሃሩ፡ ኣብ ክንዲ ዩኒቨርሲቲ ምውሳኽ ስለምንታይ እታ እንኮ ብዙሓት መንእሰያት ከተፍሪ ዝጸንሐት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ትዕጾ ብምባል፡ ብነድሪ ክልዓል ዘይከኣለ? ሕጂ‘ውን ብጣዕሚ ይገርመኒ፡ ደቅናኸ እንታይ ክብሉና‘ዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ክመጽእ ዘይከኣለ። ዘሕፍር ናይ ድንቁርና ስቕታ ብምውሳድና፡ ካብ ዓለምና ብኩሉ ደረጃታት ድሕሪት ተሪፍና። አረ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ? ዝኸበርካ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሕጂ ዳግማይ ታሪኽ ስራሕ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጐረባብትና ኣብ 28 ዓመት ኣበየናይ ደረጃ ትምህርቲ በጺሖም፡ በቲ ዘለዎም ዓቕሚ ትካላት ትምህርቲ ቀዳምነት ሂቦም፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኮለጃትን ኡኒቨርሲቲታትን ጌሮም፥ ብዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ሰሪዖም ብሰርቲፊከይት፡ ዲግሪ፡ ዲፕሎም፡ ማስተርን ዶክተሬትን ከመርቑ ንርኢ ኣሎና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሰዲዶም ዝኸዱ ኤርትራውያን ይውሓዱ ይብዝሑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ተዋሂቡዎም ብዝለዓለ ደረጃ ክምረቑ ሰሚዕናን ርኢናን ኣሎና። ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ምስጋናይ ወሰን የብሉን።

ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ መዝገብ ዓለም ፍልሰት ኣህዛብ ደቂ-ሰባት ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርካብ፡ የሕዝን። ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ጉዕዞ ስደት መንእሰይ ኤርትራ ሓደ ክልተ ኢለ ብከፊል ክጠቕሶ እንከለኹ እዚ ዝስዕብ ይመስል፡-

1 - ቀዳማይ ስጉምቲ ኣብ ዶብ ተመልከተለይ ብጥይት፤

2 - ኣብ መገዲ ጭውያ፡ መግረፍቲ፤

3 - ሞት ምድረ-በዳን ባሕርን፤

4 - ውሽጣዊ ኣካላት መንእሰይ ኰላሊትን ካልእን ኣውጺእካ ምሻጥ፤

5 - ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ መጀመርያ ጉዕዞ ክሳብ መወዳእታ፤

6 - ብእምነትካ ክሳብ ክሳድ ምቝራጽ ዘስካሕክሕ ጭካነ።

ኣነ ከም ጸሓፋይ ነታ ቍጽሪ 6 ዘላ ኣብ ጽሑፈይ ከስፍራ እንከለኹ ንብዓት ይስዕረኒ፡ እንታይሞ ይግበር። ካብዚ ቀጺለ ጥፍኣት ላምፓዱሳ 365 መንእሰያት ኤርትራውያን ንዓለም ዘሰንበደን ዘብከየን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸላም መዓልቲ ኣብ ታሪኽ መዝገብ ኤርትራዊ ዘይርሳዕ እዩ። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ እቲ ጨካን ስርዓት ኣፍሪቃውያን‘ዮም ክብል ተሰሚዑ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቕታኻ ዓለም ገሪሙዎ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ ድሕሪ ክሕደት እዚ ጨካን ስርዓት። ኣብዚ ከስፍሮ ዝደሊ፡ ናይ ካቶሊክ ጳጳሳት እናነብዑ ዕምባባ ከንብሩሎም፡ ኣብቲ ባሕሪ ዕምባባ ጸምበለል ክብልን፡ ጸሎቶም እናነብዑ ከብጽሑ እንከለዉ ንብዓት ኤርትራዊ ብነድሪ ተኻዕወ። ካልኦት ሃይማኖታት በብናቶም ጸሎትን ፍትሓትን ኣብጽሑ። እቲ ጨካን ስርዓት ምስቶም ውሑዳት ሰዓብቱ ክለሃይ (ክስዕስዕ) ወዓለ። ድሕሪ‘ዚ ክሳብ ሕጂ ኤርትራዊ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ኣይናትካን ምዃኑ ደጋጊሙ ነጊሩካ ምዃኑ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቝጸረ ክንሱ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ? እዚ ስርዓት‘ዚ ብተኣምር ክድሕን ስለ ዘይክእል ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ እዩ ዕላምኡ። ሕጂ ከኣ ኣብ ዘይምልከተና መንእሰይ ደቅና ኤርትራውያን ኣብ ኲናት ጠቢሱዎም ብወትሃደራት ኢትዮጵያ እናተኸብከቡ ኣብ ሓዊ ኣትዮም ኣለዉ። ኤርትራዊ እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘሎኻ? ደቅኻ ብስቕታኻ ንሞት ፈሪድካዮም። ደፊርካ ኣይትበሉኒ ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ንሓስብዶ ኣሎና? ዝኸበርካ ኣቦ-ኣደ-ሓው-ሓብቲ ብምልኡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ መስዋእቲ ከፊልካ ሕጂ ነቲ ኲናት እምቢ ኢልካ፡ ነዚ ጨካን ስርዓት ካብ ሱሩ ደርብዮ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ውሳንየ እንተዘይገበርካ፡ ጽባሕ ንግሆ ክልተ ሞት ክኸውን‘ዩ። እቲ ኤርትራዊ መንነት እቲ ትምክሕቲ ኤርትራዊ ጀግንነት፡ መስዋእቲ ነጻነት ነበርያ-ነበረይ ከይከውን፡ ኣስተውዕል ኤርትራዊ እብለካ ኣለኹ።  

 

Harnnet Magazine Tigrinia Issue # 76

Monday, 30 November 2020 21:07 Written by

ብዕለት 27.11.2020 ጨንፈር ፍራንክፉርትን ከባቢኡን ምስዚ ህልዊ ኩነታት ናይ ኮቪድ-19 ብዝጥዕም ብናይ አለክትሮኒክ መራኸቢ ብምጥቃም ወርሓዊ  ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብናይ ኣቦመንበር ጨንፈር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ካብዚ ንዓለምና ኣሸጊሩ ዘሎ ለበዳ ሕማም ደሓን ክህልዉ ብምምናይን ተኸፊቱ። ቀጺሉ እዚ ዝስዕብ ኣጀንዳታት ተነቢቡ፡-

1- ውሽጣዊ ኩነታት ጨንፈርን ሰደህኤን፤

2- ኣተሃላልዋ ተቓወምቲ ሓይልታትን ደለይቲ ፍትሕን፤

3- ህልዊ ኩነታት ውግእ ትግራይን ጽልዋኡን ዝብሉ ኔሮም

ኣብቲ ዝቐረበ ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ብምዝታይ ድማ መግለጺታትን ምርድዳኣትን ተኻይዱ። ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ጨንፈርና ሓያልን ድኹምን ጐድንታትና ብምግምጋምን፡ እቲ ብጽፉፍን ኣድማዕን ክንሰርሓሉ ዘሎንና ጉዳያት ድማ ተቢዕና ክንደፍኣሉ ምዃንናን ኣስሚርናሉ።

ካልኣይ: ኣብዚ ንዓለምና ብምልኡ ቀዳማይ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ውግእ ዞናና ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፡ እቲ ቀንዲ ሃንዳስን ብቀጥታ ተዋስኣይን ናይ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፎርቂ ምዃኑ ኣኼባ መዚኑ። ዲክታቶር ኢሳያስ ብዘይውግእ ክነብር ስለ ዘይክእል፡ ነዚ ውሽጣዊ ግርጭት ናይ ኢትዮጵያ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ንኣቢዪ ኣሕመድ ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ ከም መሳርሒ ብምጥቃም፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሕነ ንምፍዳይ ሕኒን ክብለሉ ዝጸንሐ፡ ንምሉእ ዞናና ዘብርስ ኣዕናዊ ውግእ ከም ዝኽፈት ጌሩ። እቲ ውግእ ሕጂ ኣብ ብረታዊ ደረጃ ተሰጋጊሩ እምበር፡ ቀ.ሚ.ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ዝዕላምኡ ውግእ ክካየድ ከም ዝጸንሐ ኩላትና ክንዕዘቦ ከም ዝጸናሕና ኣኼባ ርእዩ።

ሳልሳይ፡ እቲ ውግእ ንምሉእ ዞናናን ዓለምናን ዝጸሉን፡ ብፍላይ ድማ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘብርስ ምዃኑ ኣኼበኛ መዚኑ። እቲ ቀንዲ ንዓለም ኣደናጊሩ ዘሎ ድማ፡ መለኽቲ መራሕቲ ኣብ ትግራይ ኢንተርነትን ኤለትሪክን ብምዕጻው ኩሉ ግፍዕታት ብምሽፋን፡ ዓለም ብሓደ ወገን ዝወሃብ ሓበሬታ ጥራሕ ስለ እትሰንቕ ዘላ‘ዩ። እቲ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ድማ፡ ሓላፍነቱ ነዞም ክልተ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ብምሉእ ዘሰክም ምኻኑ ኣኼበኛ ርእዩ።

ካብዚ ብምብጋስ:

1 - ህዝቢ ኤርትራ ብመላኺ ኢሳያስ ተጐቲቱ፡ መንእሰያቱ ተገፊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ እናተጠብሱ ይሃልቁ ስለ ዘለዉን፤

2- ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኤርትራ ተኪኦም ንመዕርፎ ነፈርትን ወደባትን ኤርትራ  ምሉእ ብምሉእ ክጥቀሙሉን፡ ኤርትራ ናይ ሰራዊቶም  መበገሲትን መዋግኢ ሜዳን ከም ዝቐየሩዋን፤

3 - ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ዝኾኑ ሕጋዊ ናይ ዑቝባ መሰል ዝተዋህቦምን ዘይተዋህቦምን ኣብ ናይ ሞት ሓደጋ ወዲቖም ምህላዎምን፤

4 - ብዓቢኡ ድማ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንነዊሕ እዋን ከም ናይ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ሒዝዎ ዝጸንሐ እሞ ሕጂ ዝተጋህደ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣሕሊፉ ናይ ምሃብን፤ ኣኼበኛ ርእዩ።

በዚመሰረት፡

1 - ውግእ ደው ክብል፡

2ይ - ኣብ ትግራይ በዚ ውግእ ምኽንያት ትግራዎትን ኤርትራውያንን ሲቪላውያን ቅልጡፍ ረድኤት ናይ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ክረኽቡ፡

3 - ምልካዊ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክስሕብን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክወጹን፡

4 - ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹን፡ ልዑላውነት ኤርትራ ክኽበርን ብምባል፤

ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ደለይቲ ፍትሒን፡ ምሁራትን፡ ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራውያን፥ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክሰርሑዎ ዝጸንሑ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ናብ ዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታትን መጸዋዕታታት ምቕራብን ብዝያዳ፡ ቅልጡፍን ዝተወሃሃደን ጥሙር ንጥፈታት ቃልሲ ከካይዱ ኣኼበኛ ተማሕጺኑ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛ ነቲ በማእከላይ ባይቶ ዝወጸ መግለጺ ናይዚ እዋናዊ ጉዳይ ምሉእ ደገፉ ብምግላጽ ኣኼባ ተደሚዲሙ፡

ግፍዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራዊ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ዘናሕስየሉ ወገን የለን። ይረድእዎ ኣይረድእዎ፡ እቶም ጌና ክሳብ ሕጂ’ውን “ናቱ ኢና” ዝብሉ ወገናት ከይተረፉ ግዳያት እዮም። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል እቲ ናይቲ ወጽዓ ምረትን ስንብራት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰበብና በበይኑ መልከዓት ዝሕዝ እዩ።

መንእሰይ ኤርትራ ሕድሪ ኣያታቱ ኣጽኒዑ፡ ሃገር ዝሃንጸሉ ፍልጠት ናይ ምቕሳምን ክኢላዊ ዓቕሚ ናይ ምጥራይን ዕድል ኣይረኸበን። ምኽንያቱ ካብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዘይብላ ሃገር ዜጋ ኮይኑ ስለ ዘሎ። ኣብ ክንድኡ ተገዲዱ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘየርብሕ ውግኣት ንከኣቱ፡ መነባብሮኡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ዘይሰብኣዊ ህይወትዚ ብጉልበትን ብመንፈስን ክጾሮ ስለ ዘይከኣል ከኣ ተስፋ ቆሪጹ ብዘይ ውሑስ ኣገባብ እግሩ ናብ ዝመርሖ ስደት መሪጹ። ኣብ ጉዕዞኡ ናብ ስደት፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረ በዳን ባሕር ዝጠፈአ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዙሕ እዩ። ዕድል ረኺቡ ዓዲ ሰብ ዝበጸሐ ስደተኛ መንእሰይ ዘሕልፎ ዘሎ ህይወት እውን ቅሱን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ብዙሕ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብዚ እዋንዚ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መደበራት፡ ኣን ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ብሕልና ምዝካሩ እኹል እዩ። ካብቲ መደበር ስደተኛታት ናይ “ርድኡና” ኣውያቶም እውን ኣብ እዚ ኩልና ይቃላሕ ኣሎ።

ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡  ብዕድመ ዝደፍኡ  ወለድን፡ ሓረስቶታን፡ ኮታ ኩነታት ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ መረበቱ፡ እንተ ዳህሲስና እቲ ብደሆ ካብ ናይቲ መንእሰይ ዝመረረ እምበር ዝሓሸ ኣይኮነን። ወጽዓ ህግዲፍ ሕርሕራይ ገይሩ ካብ ዘረኻኸበሎም ኤርትራዊ ወገናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ወዮ ህዝብን ሃገርን ክሕልውን ክከላኸልን ትጽቢት ዝግበረሉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምውዳቑ ከኣ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ከም ዘላ ኣብነታዊ መርኣያ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ዘይተተግበረ፡ ቀንዲ ተልእኮኡ ብሕገመንግስቲ እንዳተመርሐ፡ ዶባት ሃገርን ብሕጊ ዝተዋህበ መሰል ህዝብን ምዕቃብ ክኸውን መተገበኦ። እንተኾነ እቲ ክምርኮሰሉ ዝግበኦ ሕገመንግስቲ የለን። ሓይልታት ምክልኻል እውን “ናይ ኣየናይ ሕጊ ምእዙዝ እየ ዝኸውን?” ኢሉ ክሓትት ዝግበኦ ክነሱ ኣይሓተተን። ከምኡ ዘይምግባሩ፡ ጠንቁ ዘይምፍላጡ ዘይኮነስ፡ “ንጉጅለ ህግዲፍ ምጽማሙ” ዝብል ከም ዝኸውን ግምት ኣለና። ግና ክሳብ መዓስዩ ምጽማምን ምዕጋስን።

ሓይልታት ምክልኻል፡ ላዕለዎት እቶም መጠፋፋእቲ ኣዘዝቱ፡ ናይቲ ጉጅለ ኢሳያስ ዝፈጠሮ ውሑዳት ጥራይ ዝርብሕሉ ምምሕዳር ናይ ረብሓ ተኻፈልቲ ብምዃኖም ከም ዝጠለምዎ ርዱእ እዩ። ንሱ እቲ ሰራዊት ባዕሉ “ንሃገራዊ ጉዳይ እየ ተሰሊፈ ዘለኹ” እንዳበለ፡ ብኣዘዝቱ ኣባይቶም ክሃንጽ፡ ሕርሻኦም ከልምዕን ካልእ ረብሓታቶም ከማልእን ዝግደደሉ ኩነታት ስለ ዝፈልጥ ከም ዝጠለምዎ ንምርዳእ ዘጸግሞ ኣይኮነን። ውግእን ወረ ውግእን ፈጺሙ ዘይረዊ ወልፊ ዲክታተር ኢሳያስ ከም ዝኾነን ኣብ ዝተኣጐደ ሓዊ ክስሕን ድሕር ከምዘይብልን፡ ኩሎም ሓይልታት ምክልኻል ክዋስኣሎም ዝጸንሐ ውግኣት ኣብነት ስለ ዝኾኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። እነሆ ከኣ እቲ ዕቡድ መራሒኡን ጉጅለኡ ህግዲፍን፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠቢስዎም።

ድሕሪ ሕጂ እቲ ሕቶ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተሳቲፉዶ ኣይተሳተፈን?” ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ሕቶ “ክብደት ናይቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደየናይኮን ይኸውን?” ዝብል  እንተኾይኑ ኣብ ቦታኡ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዝያዳ ኣብ ግንባራት ሑመራ፡ ባድመ፡ ራማ፡ ዛላንበሳን ራያን ብከበድቲ ብረት ተሰንዩ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ  ይዋጋእ ከምዘሎ የረጋግጹ ኣለዉ። ኢሳያስ ደገፉ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝያዳ ንምድልዳል፡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ኤርትራ መዳኸሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዘሎ እውን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ብፍላይ ኣብ ግንባር ዛላንበሳ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ጋንታታት ተሓናፊጾም ብዘይእኹል ዕጥቅን ስንቅን ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዝዩ ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ዘመልክት ሓበሬታታት ኣሎ። እዚ ሓበሬታ ናይ ማዕዶ ተዓዘብት ገመትን ዘይኮነ፡ ከምቲ “ዝወዓለን ይንገርካ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝበሃል፡ ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም ንግዜኡ ካብ ብሱል ጥረ ወጺኦም ዝሃብዎ ርጡብ እዩ።

“ሕሱም ሕማም ካብ ሞቱ ኣይሓልፍን” ዝበሃል ኣሎ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጉጅለ ህግዲፍ ብዓል ጽቡቕካ ከምዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ብግብሪ ኣርእዩካ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ካብ እትርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናይ ብዙሓት ብጾትካ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነበር ራሕሪሖምኻ ናብ ስደት ምኻድን በይንኻ ምትራፍካን መልእኽቱ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ጌና ካብቲ ኢሳያስ ዘጻውዶ እሞ ንስኻ ዋጋ ትኸፍለሉ ዘለኻ ውዲታት ክትወጽእ ኣይከኣልካን። ካብዚ ውዲት ምውጻእ ማለት ንኢሳያስ ከም ድላዩ ክዋገየሉ፡ ዓዲ ገዲፍካሉ ምኻድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ውዲት ምውጻእ ማለት ኢሳያስ ከምዚ ናይ ሎሚ ኣብ ውግእ ትግራይ ሸኺሉካ ዘሎ፡ ኣብ ጉዳይ  ኤርትራ ዘይኮነ ኣጀንዳ ከእትወካ እንከሎ፡ ብግብራዊ ስጉምቲ ዝተሰነየ ውዱብ “እምቢታ” ምስማዕ እዩ። እቲ ድሕሪኡ እትሕተቶ ዋጋ ካብዚ ሕጂ ተኸፍሎ ዘለኻ ንህዝብን ሃገርን ዘየርብሕ፡ ምናልባት እውን ንመጻኢ ወለዶ ሕማቕ ኣሰር ዘውርስ ዝቐለለ እምበር ዝኸበደ ኣይኮነን። እቲ መፍትሒ እምበኣር ከምቲ “በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ዝበሃል፡ ብረትካ ናብቲ ዘይናትካ ክነሱ፡ “ናትካ እየ” ዝብለካ ጉጅለ ምዛሩ እዩ። ኣብ ልዕሌኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን ዝወርድ መከራን ውርደትን ካብዚ ንላዕሊ መሊኡ ክሳብ ዝፈስስ ክትጽመሞ ከኣ ምኽኑይ ኣይኮነን።