ኣብ ምህላውን ዘይምህላው፡ ኢናኮ ዘለና

2021-01-14 10:01:35 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1403 times

ኤርትራ ድሕሪ  መሪርን  ነዊሕን ቃልሲ ቅድሚ 30 ዓመታት ናጽነታ ኣረጋጊጻ። ነዚ ናጽነታ ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ሕጋዊ መልክዕ ንምልባስ ከኣ ህዝባ ብናይ “እወ ንናጽነት፡ ኣይፋል ንባርነት” ድምጹ ዳግማይ ልኡላውነታ ኣረጋጊጹ። ድሕሪዚ ናይ ኤርትራ  ሃገርነትን ናይ ህዝባ ክብርን ንድሕሪት ከይምለስ ናይ ዝኾነ ኤርትራዊ ስግኣት ኣይነበረን። እቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ኢሳያስ ዝጠለሞ ቃልሲ ናይ ምምላስ “ልኡላዊት ኤርትራ ብኸመይ ትመሓድርን ትምዕብልን?” ዝብል’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ መወዳእታ ሸቶ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ብምውሓስ ጥራይ ዝድምደም ዘይኮነስ፡ ክሳብ እታ ልኡላዊት ኤርትራ፡ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ሰላማዊትን  እትኸውን ቀጻሊ ስለ ዝኾነ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሱ፡ ጉዳይ ምህላው ኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘጠራጥሮ ኣይነበረን። ንጉጅለ ኢሳያስ እውን ካብ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰል ህዝቢ ምግፋፍ፡ ብዘይሕገመንግስቲ ካብ ምግዛእ፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽ ካብ ምንፋግ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዘቤታዊ ዛዕባ ካብ ዘይምግዳስ ሓሊፉ፡ ነቲ ብመስዋእትነት ዝተነድቀን ኣዝዩ ዓሚቕ ዝትርጉሙን ልኡላውነት ኤርትራ ክጠልም እዩ ዝብል ስኽፍታ ኣይነበሮን። እቲ ህዝብና “ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ” ዝበሎ መደምደምታ ግና ብፍላይ ድሕሪ 2018 ከስገኦ ጀሚሩ። ናይ ስግኣቱ ምንጪ ከኣ እቲ ብወግዒ ብዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተጋህደ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ዝተጋህደ ወልደፍደፍ እዩ። “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዮም፡ 30 ዓመታት ናይ ቃልሲ መዋእል ዝኸሰርናዮ ግዜ እዩ፡ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ክመርሓና ሓላፍነት ሂበዮ ኣለኹ…….ወዘተ” ዝብሎ ኣበሃህላታት ካብቶም ኣብ ህዝብና ስንባደን ስግኣትን ዘሕደሩ ናይ ጥልመት ምልክታት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ኣበሃህላታት መራሒ ህግደፍ ካብ ምስንባድ ሓሊፉ፡ ሎሚ እውን ከም ሃገርን ህዝብን “ኣብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንግዲ  ኢና ዘለና” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ሃለዋት ኣትዩ ኣሎ።

ድሕሪ ኩሉቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ክቡር ዋጋ ምኽፋል እንደጋና ከም ሃገር ናብ ምህላውን ዘይምህላውን ስግኣት ምምላስ፡ ዝጽበየና ዘሎ ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ዝተደራረበን ምዃኑ ዘርእየና እዩ። እንተኾነ ሎሚ እውን ከምቲ ቅድም ናይ ብዙሓት ትጽቢት ዘይነበረ ህዝባዊ ዓወት ምርግጋጽ ናጽነት ክገሃድ ዝኸኣለ፡ እዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንገዲ’ውን ብቐጻሊ ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ክረጋገጽ ከም ዝኾነ እሙን እዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግና ቀዳምነታት ሰሪዕና፡ ፍልልያትና ኣማሓዲርና ብሓላፍነታዊ እሂንምሂን እሞ ድማ ብሓባር ክንስጉም እንተበቒዕና ጥራይ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና።

እቲ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብታ ልኡላውነታ ኣውሒሳ ክነሳ፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እትብህግ ሃገር  ምህናጽ እውን ወሳኒ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ክንዲ ትጽቢት ህዝብና ዘይምዕዋትናን መፍቶ ጉጅለ ኢሳያስ ናይ ምዃናን ምስጢር ከኣ ንሕና እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ንቕድሚት ክንደፍእ ዘይምኽኣልና እዩ። ሎሚ ኣብቲ ድርብ ከም ሃገር ናይ ምህላውን ነታ ህልውቲ ሃገር ናይ ምህናጽን ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና ከኣ፡ ናይቲ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ምስላፍ ኣድላይት መሊሱ እዩ ዝዓዝዝ።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ እዋንዚ ቀንዲ ተዋሳኢ ናይቲ ሓደገኛን  መሊሱ ከይሰፍሕ ዘስግእ ዘሎን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከባብና ኮይኑ፡ ኣብ  ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ። እዚ ብመንጽር ናይ ኤርትራ ምህላውን ዘይምህላውን  ንስግኣትና ስግኣት ዝውስኸሉ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ናይቲ ኣብ በበይኑ ኢትዮጵያዊ መድረኻት ክድሕድሖ ዝጸንሐ ናይ “ምስኹም ኢና” መብጸዓኡ መቐጸልታ እዩ። ስለዚ እዚ ኩነታት ኤርትራዊ ህልውናና ምእንቲ ምእንቲ ንድሕሪት ከይምለስ ብኸመይ ከም እንቃለስ  ክንሓስብን ክንቀራረብን እዩ ዘዘኻኽረና እምበር፡ ከሰንብደና ኣይግባእን። ኢሳያስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ስቕ ኢልና እንዕዘቦ ኣይኮነን” ክብል ሰሚዕናዮ ከነብቅዕ፡ ሎሚ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናብ ኣብ ውግእ ምስታፍ ስለ ዝማዕበለ፡ ከም ሃንደበት ክቅበሎ ኣይግባእን። እዚ ሎሚ ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ በዓል ኢሳያስ ዝኣጓጐድዎ ባርዕ፡ ንኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካለኦት ሃገራትን ኣንዲዱ ንኤርትራ ክምሕራ እዩ ኢልና ክንግምትን ነብስና ከነደዓዕስን ኣይግበናን። ኤርትራ ካብዚ ባርዕ ክትድሕን እንታይ ከነበርክት ንኽእል ኣብ ዝብል ከነድህብ ግና ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ዕዉታት ኮይና ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ከኣ ሕጂ እውን ብዘይካ ብሓባር ምስጓምን ኩሉ ዓቕምና ምውህሃድን ካልእ መዋጸኦ መንገዲ የብልናን።

ጉጅለ ህግዲፍ ካብዚ ከባብያዊ ዕግርግር ዝጽበዮ፡ ከምቲ ኩልና እንርደኦ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሕነ ምፍዳይ ቀዳምነቱ እዩ። እቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ግና ህዝቢ ትግራይ’ውን እዩ። ነቲ ኢድ ኣእታውነት “ካብ ናይ ተነጽሎን ጽምዋን ስግኣት ከውጸኣኒ እዩ” ኢሉ ከም ዝሓስብ እውን ርዱእ እዩ። እቲ ዝጽበዮ ትንፋስ ሰዂዕካ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ቀጥታዊ ኣብ ዘይኮነ ኣጀንዳ ኣእትዩ የኽፍሎ ብዘሎ ክቡር ዋጋ ዝረጋገጽ እዩ ዝመስሎ። ብኣንጻሩ ንሕና እቶም ምቕጻል ዕድመ ናይቲ ጉጅለ ምረት ናይ ህዝብና ዘጋድድ ምዃኑ እንርዳእን ሃገርናን ህዝብናን ካብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቀራና መንገዲ ክትወጽእ እንቃለስን ቅድሚ ኩሉ ብሓባር ነቲ ኢድ ኣእታውነት ናይቲ ጉጅለ ብዘይ ዕጻይምጻጻይ ከነወግዞ ይግበኣና። ኣብ ርእሲኡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ እቲ ጉጅለ ዶብ ሰጊሩ ናይ ዝኣጉዶ መጋርያ ውግእ ግዳይ ከይኮኑ ድምጹ ከስምዕ ብስሙር ቃል ንጸውዓዮን ኣብ ጐድኑ ንሰለፍን። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ርእስቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ውህሉል ገበኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ በዚ ሕጂ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ክቐጽዖ ብሓደ ድምጺ ደጋጊምና ክንጽውዖ እዋኑ።

Last modified on Thursday, 14 January 2021 11:03