ጨንፈር ቁጽሪ 1 ካብ ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ሽወደን፣ ብዕለት 02 ጥሪ  ፈላሚ ኣኼባኡ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2021 ኣካይዱ። እቲ  ኣኼባ ብዘመናዊ መራካቢ ዝተሰላሰለ ክኸውን ከሎ ዳርጋ መላእ ኣባላት ጨንፈር ዝተሳተፍዎ ምንባሮምውን ተሓቢሩ።

ኣኼባ ካብዘልዐሎም ዛዕባታት!

  1. ሌላ ምስ ሓደስቲ  ኣባላት ጨንፈር
  2. ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን
  3. ዓመታዊ ግቡኣት ኣባላት ምርኣይ ዝብሉ ምንባሮምውን ተፈሊጡ።

ኣኼበና ብዝተሰርዑ ዛዕባታት መሰረት፡ ድሕሪ ሕድሕዳዊ  ምልላይን ምፍላጥን ቀጥታ ናብቲ ዝያዳ ኣሻቓልን ኣገዳስን ዝኮነ  ህሉዊ  ኩነታት ሃገርናን ዞናናን ዝብል ካላኣይ ነጥቢ ቅድሚ ምስጋር፡ :መጀመርያ ኣቦ ወንር ጨንፈር ብጻይ መድሃንየ እንቋዕ ናብዚ ኣኼባ ብሰላም መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ: ኣኼባና ካብቲ ክግበሮ  ዝግብኦ ዝነበረ ዕለት ደንጉዩ ይካየድም ምህላዉ ንኹልና ርዱእ ኮይኑ፡ ናይዚ ቀንዲ  ምኽንያት :ብሰሪ‘ቲ ዝተረኽበ ሓዱሽ ወረራ ናይ COVID-19 ን  ብሰሪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ  ኲናት ሰልፊ ብልጽግናን  ምምሕዳር ክልል ትግራይን  ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስን ,,,,,,,,,,ተደማሚሩ፡  ግዝየና ክበልዖን ኣድህቦና ናብኡ ከተኩርን ኪኢሉ እዩ:ክብል መእተዊ ቃል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቡ።

 ድሕሪኡ ቀጥታ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናይ ዞናናን  ሃገርናን ብምእታው ብፍላይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ   ንኢድ ኣእታውነት ናይ ኢሳያስ ኣብቲ ዝጀመርዎ ናይ ሓባር ኲናት ምኽሓዱን: ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራትን ናይ ዜና ማዕከናትን ብዝተረኽበ ምንጪ ሓበሬታታት ከምዝተረጋገጸ ግን፡ ኣባላት ጨንፈር ብናይ ሓባር ምርድዳእን ዕግበትን ምብጽሖም ይፈለጥ። ብፍለይ ብጻይ  መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን  ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ ብምንባሩ ብዛያዳ ነቲ ኩውንነት የህብቲሙዎ።

 ኣኼባ ጨንፈረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ንዘቐመጦ ሚዛንን እውን ደጊፋ። ይኹን እምበር፡  እዚ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት እቲ ንልእላውነት ሃገርና ተዋሒጡሉ ዘይፈልጥ ተረፍ መረፍ ናይ ዝሓለፋ መራሕቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን  ዓሳክሮምን፡ :ኣብ ውሽጢ ሃገርና የእትዩ  ምስ ሰራዊት ኢሳያስ ኮዬኑ ንህዝቢ ትግራይ ይቐትልን ይዘምትን ህዝባዊ ትካላት የፍርስን ስለ ዘሎ፡  ንልእላውነትና ኣዝዩ ወይ ብዕምቆት ኣብ ምልክት ሕቶ  የእቱ ብምህላዉ፣  ሰልፍና ኪንዮ‘ዚ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ሚዛን ክኸይድን  ኩሉ ዓቕምታቱ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎን ኣኼበኛ ለበዉኡ ኣመሓላሊፋ።

 እቲ ምስ ካልኦት ውድባትን ሰልፍታትን ብሓባር ክንሰርሕ እነካይዶ ዘሎና ጻዕርታት ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፡ ንእዋናዊ ጉዕዞ ቃልሲ ሰልፍና ከየዛሕትልን ግዜ ከይበልዕን ኣኼበኛ ስክፍታታቱ  ኣስሚሩሉ እዩ::

ኣብ መወዳእታ  ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር:  ዓመታዊ ግቡእ ኣባላት ሰልፊ  ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ :ዳርጋ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ናይ ዓመት ጉቡኡ ዘማልኤ  ከምዝኾነ ሓቢሩ፡ ፈላሚ ኣኼባ ጨንፈር በዚ ደምዲሙ ብሰላም  ምፍልላይዩ ተረጋጊጹ።:

          

Ageezo - Women's Emancipation Issue No.4

Tuesday, 05 January 2021 04:05 Written by

እነሆ “2020 ዓሚ፡ 2021 ድማ ሎሚ ዘበን” ኣብ እንብለሉ ናይ ግዜ ዑደት በጺሕና። እዛ “ሎሚ ዘበን” ኮይና፡ ኣለኹ እትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት “ዓሚ” እትበሃለሉ እውን ግዜኡ ሓልዩ ጽባሕ ደበኽ ክብል እዩ። ወዮ ኩሉ ግዜ፡ ናይ ግዜ ጉዕዞ ቅልጣፈ ስለ ዘይወሓጠልናን ማዕሪኡ ዘይንስጉምን ከኣ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ኢና  እንብል። ከም ሰባ ክንሳ “ሎሚ ዘበንስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ምባል እውን ልሙድ እዩ።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ፡ ከነቐልጥፎ ወይ ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ዕድል ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን እዩ። ዓምን ሎሚ ዘበንን ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሕና ከኣ ምእንቲ ኣብ ሎሚ ዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒት ምግልላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናይ ዓሚ ተመኩሮና ምልስ ኢልና ክንግምግሞ ይግበኣና። ንዓመታ ከም እትመጽእ እውን ካብ ግምትና ወጻኢ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይቲ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘጋጠመና ሕጽረት ንምውጋድን ነቲ ኣውንታ ድማ ዝያዳ ንምሕያሉን እዩ።

ኣብታ ዝሓለፈት ድሮ ዓሚ ኮይና ዘላ 2020፡ ኤርትራና ከመይ ከም ዝሓለፈታ  ኩልና ኤርትራውያን ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦም ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡ ውሑዳት ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ከምቲ “ ነቲ ዝኸፈአ ዝገደደ ኣለዎ” ዝበሃል፡ ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ጭቆና  ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ቀጻሊ እዩ። ከምዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ክጠጥቕ’ዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን። እንተኾነ ኮይኑስ ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝሞቱ፡ ዝተወግኡን  ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ርሑቕ ከይከድና ከካብ መቕርብና ንዕዘቦ ኣለና። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ኣበር ንምኽዋል “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይተሳተፈን” ክብሉ ጀሚሮም ዝነበሩ ሎሚ ብመርትዖታት መህደሚ ብዘይርከቦ መጻወዲያ ሓቂ ተታሒዞም እዮም።

ኣብቲ ውግእ ምስታፍ ጥራይ ኣይኮነን። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሲቪላዊ ቅትለትን ንብረቱ ምርሳይን ተሳቲፉ ዝብል፡ ነቶም ራሰይቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይወዓሎ ኤርትራዊ እውን ዘሕፍር ስማዕ እዩ። እዚ ጉዳይዚ  ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ዝዝረበሉ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዝምታ ንብረት ሲቪላውያን ሓቂ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ከይድገም ከነወግዞን ክንመሃረሉን ዝግበኣና ጽዩፍ ተግባራት ሓደ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ምምርሳሕ ምኽኑይ ንምግባር ዝሓለፈ ጌጋታት ምጽብጻብ ውሕሉል ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ኣብ ሓደ ነጥቢ ጠጠው ክብልን ክውገዝን ይግበኦ። ምጽብጻብ እንተቀጺሉ ግና “ገበረኒያ ክገብርሲ ዓዲ ነየጋብር” ከም ዝበሃል ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ዘየስግእ ኣይኮነን።

ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። 2021 ካብ 2020 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝግለጽ  ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና እንተመጺእና ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ዝኣባጓይላኡ፡ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ነብሱ ዝኸኣለ ግድል እዩ። ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናንን ኣብዚ ናይቲ ጉጅለ ውጥምቅልቅል ምባልን እውን ንህዝብናን ሃገርናን ስግኣትን ሻቕሎትን እምበር ብስራትን ተስፋን ኣይኮነን።

ኣብቲ ቀንዲ ኣጀንዳና ዘይኮነ፡ ግና ዝጸልወና ውሽጣዊ ምንዓብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን፡ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣምሓራን ቤንሻንጉልን፡ ዓፋርን ሶማልን ዝረአ ዘሎ ዘየቕስን ምስሕሓብ ን2021 ከቢድ ብደሆ እዩ። ኣብ ኤርትራ እቲ ኣብ 2021 ዘሰክፍ እዚ ዘድበንብን ዘሎ ዞባዊ ውግእን ሳዕቤናቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ እነሆ ምልባዕ ኮቪድ-19ኳ ነዛ ዓዳስ ዓመት ኣብ እንቕበለሉ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ደረጃ ይዓርግ ምህላዉ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ከም ዝበሃል ኣብ ህዝብና ኣሕዲርዎ ዘሎ ሓድሽ ስግኣትን ዕጽዋን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ስግኣታት ናብ ራህዋ ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም ከኣ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ መዕጸዊ እንተዘይኮይኑ መኽፈቲ መፍትሕ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ናይ ደሓን ሓዲድ ወጺኡ እዩ።

ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2021 ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሓልፍ፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ረቛሕታት ኣለዉ። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ግድን ክማላእ ዝግበኦ ረቛሕታት፡ ሓደ ከኣ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን እዚ ግንዛበዚ ነይሩና እዩ። ካብዚ ግንዛበዚ ነቒልና ኢና ከኣ ኣብ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝተወሰን ርሕቀት ዝሰጐምና። እዚ ግደታ እምበር ምርጫ ዘይኮነ  ምጥርናፍ ንምሕያል ሎሚዘበን እውን ዝያዳ ዓሚ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ተመኩሮና ቀሲምና፡ ኣሳጉማና ከነቐልጥፍን ኣተሓሕዛና ከነሕይልን ሓላፍነትና ምዃኑ ንካልኢት እውን ክንዝንገዖ ኣይግበኣናን።

ብዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባዚ ኩለንተና ዓመታዊ ገምጋም ምንቅስቓስ ጨናፍር ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ዝዓለመ ምንባሩ ተፈሊጡ። ነዚ ኣብ ምስልሳል ካብ ኩሎም ምምሕዳራት ጨናፍር ሰልፊ ብሓፈሻ መስኖታቱ ሓልዩ ዝቐረበ ጸብጻባት ኣተናቒቁን ተቐቢሉን።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኻብ ኹለን ጨናፍር ናይቲ ዞባ ዝቐረበ ጸብጻባት ሓደ ብሓደ ብምምልካት መዚኖም። ንትሕዝቶ ጸብጻባት ጨናፍር፡ ብጽፈቱን ኣገባብ ኣቐራርቡኡን፡ ሕድሕድ ስጥመት ኣባላት ምምሕዳራትን፡ ተወፋይነቶምን ኣድኒቆምን ኣመስጊኖምን።

ካብ ትሕዝቶ ጸብጻባት ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡

ሃገራዊ ዕማማት

ሰልፋዊ ዕማማት

ኢድ ኣእታውነት ህግዲፍ ኣብ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝብሉ ካብቶም ቀንድን እዋናውያንን ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻባት ምንባሮም ድማ ተራእዩ።

ኣባለት ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝቀረበ ጸብጻባትን ናይዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን  ዝፋኖ ዓመት 2020 ዝተሰላሰለ ስራሕቶም ብደቂቕ ድሕሪ ምግምጋም፡ ንዝጸንሐ ሕጽረታት ብምምላእ፡ ነቲ ሓያል ጎኒ ናይቲ ዞባ ብምዕቃብ ናይ ዝመጽእ ዓመት 2021 ክፍጸሙ ዘለዎም መደባት ሓንጺጾም። 

ንህልዊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝተሰኣሰለ ሓባራዊ ዕዮን፣ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ምውህሃድ መደባትን ብምዕቃብን ኣብ ሸትኡ ንምብጻሕን፣ ኣባላት ሰልፊ ምስ ኹሎም ንስለ ህዝብን ሃገርን ዝቓለሱ ኣባላት ኤርትራውያን ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ኮታስ ምስ ተቓወምቲ ሓይሊታት ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን ሓቢሮም ክሰርሑን ጻዕርታቶም ከሓድሱን ኣገዳሲ ከምዝኮነ ኣመልኪቶም።

ሽማግለ ዞባ ነቲ ብኣቢዪ  ኣሕመድ ዝመራሕ ስርዓት ብልጽግና ኢትዮጱያ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ ንሕዝያ ዘይብሉ ሃስያ ኲናት ኣጥቢቁ ብምኩናን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጥራሕ ከይተወሰነ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ዕንወት ቃልኪዳን ኣሲሩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍን  ቕትለትን፡  የዕናዊ ተግባራትን ሓሪኖም ንኽቃለስዎ ብዘይ ወዓል ሕደር ይጽውዕ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ሽማግለ ዞባ፣ ነቲ ኣብ 2020 ዝተመዝገበ ጥምረትን ተወፋይነትን ኣባላት ሰልፊ ኣመጒሱን ንኢዱን ኣኼባ ደምዲሙ።

መርድእ

Friday, 25 December 2020 13:17 Written by

ክብርቲ ኣዴናን ሓፍትናን  ህይወት ነጋሲ ኣባይ ብዝሓደራ ሕማም ምኽንያት  ኣብ ሆስፒታል ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድሚኣ ብሰሉስ ዕለት 23-12-2020 ኣብ ሆስፒታል ዓሪፋ።  ወይዘሮ ህይወት ነጋሲ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሓንቲ ካብተን ኒሕን ጽንዓት ከይተፈልየን  ኣብቲ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነትን ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ግዲኤን  ዘበርከታ ሃገራውያን ኣዴታት ምንባራን፡ ሓርነት ህዝብን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብዝካየድ ዘሎ ቃልሲውን ከይሰልከየት፡ ደኺመ ከይበለት ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ሓላፍነታ ዝፈጸመት፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን እትልለ ተጋደለት ኣደን ሓውትን እያ።

ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ነፍስ ይምሃር ህይወት፡ ንሰሉስ ዕለት 29-12-2020 ሰዓት  14.00 (ማለት ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ) ኣብ መካነ መቃብር ቱቢንገን ሓመድ ኣዳም ክትለብስ እያ።

ቦታ፡ ኣብ Bergfriedhhof Tübingen

Galgenbergstraße 10,  72o72  Tübingen  ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸም ምዃኑ ንሕብር።

ምሉኣት  ስደራ ቤት

ነጋሲ ኣባይን ኣፈወርቂ ኣባይን

እንእምሞን እንሓስቦን መደባት እንተዘይተግቢርናዮ ፋይዳ የብሉን። እቲ እነተግብሮ ኣብ ጽጹይ እማመ ዝተመስረተ እንተኮይኑ ውጽኢቱ ኣድማዒ ኣይከውንን። እንእምሞ መደባት ዘይትግበር እንተኮይኑ እውን ከምኡ። ስለዚ ኣድቂቕካ ሓሲብካ ምእማምን ዝኣመምካዮ ብብቕዓት ምትግባርን ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እዮም። ኮታ ከምቲ ንሃገር ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ከኣ ካብ ሃገር ፈላሊኻ ምርኣይ ትርጉም ዘየብሉ ማለት እዩ። ስለዚ  በቲ ንሓስቦ ዘይኮነ፡ በቲ እነተግብሮ ኢና እንዕወት።

እንእምሞ ምእንቲ ዕዉት ክኸውን፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ቅድመ-ኩነታት ብዙሓት እዮም። ብሓጺሩ ንምጥቃስ እንእምሞ መደባት ኩለ-መደያዊ ናይ ምትግባር ዓቕምና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ናይ ምትግባር ዓቕምና ብወድዓውን በዓል ቤታውን መልክዕ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ሰብኣዊ ክብቕዓትናን ነገራዊ ዓቕምናን ቀንዲ ተጠቀስቲ ረቛሕታት እዮም። ደጋዊ ከባብያዊ ኩነታትና እውን ናቱ እጃም ዘየብሉ ኣይኮነን። ነዚታትን ካልእን ኣብ ግምት ከየእተኻ ዝእመምን ዝትለምን መደባት ግና ኣብ ምትግባሩ ጸገም ስለ ዘጋጥሞ ሕልሚ ኮይኑ፡ መኺኑ እዩ ዝበንን።

ብፍላይ ኣብዚ ሕገ-መንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊት፡ ህዝባዊትን፡ ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኣንጻር ወጻዒ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዘለና ወሳኒ እዋን፡ ናትና ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ንህዝብና ደም ዘንብዖ ዘሎ ጉጅለ ሓያልን ድኹም ጐኒ ክንርዳእ ናይ ግድን እዩ። መደባትና ክንእምም እንከለና ከኣ፡ ድኹም ጐድኒ ናይቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ስለ ዘለና፡ ጉጅለ ንምምዝማዝ ዘኽእለና ክኸውን ይግበኦ። ንኣብነት ሓያል ጐድኒ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪብካ ብግብሪ ኣርኢኻ ተቐባልነት ምርካብ ዘይኮነ፡ ኣብ ንህዝቢ ኣገዲድካ፡ ጓዕጺጽካን ክሉ መሰላቱ ነፊግካን ምግዛእ ዝተመርኮሰ እዩ። ስለዚ ንሕና ክንእምም እንከለና፡ ነቲ እቲ ጉጅለ ዘይክኣሎ ብዘኽእል መንገዲ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። በቲ ንሱ ዝኽእሎ ንህዝቢ ከይንቀሳቐስ ኢደ-እግሩ ኣሲርካ፡ ከይዛረብ ኣፉ ለጒምካ ናብ ሓይልን ጐነጽን  ዝያዳ ዝዘንበለ ሸነኹ ክኸውን ኣይግበኦን። ካለኦት ኣብ ግዜ ምእማም መደባት እንምርኮሰሎም ረቛሕታት እውን ኣለዉ። ንኣብነት ብሓፈሻ ናይ ህዝብና ብፍላይ ከኣ ናይ መንእሰያትና ናይ ምትግባር ዓቕምን ቅሩብነትን ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ውድብ ዝእምሞ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ክዕወት ስለ ዘይክእል።

ከምቲ “ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝበሃል፡ ክንእምም እንከለና፡ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ ምድህሳስን ካብኡ ትምህርቲ ምውሳድን ኣገዳስነቱ ልዑል እዩ። ካብቲ ናይ ዝሐለፈ ተመኩሮና ዳህሳስ ኣውንታን ኣሉታን ክንረክብ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ እንእምሞ ነቲ ኣውንታ ዝያዳ ዘሕይል፡ ነቲ ኣሉታ ከኣ ክድገም ዕድል ዘይህብ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ምኡዘ-ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዝተባህሉ ሓደ ካብቶም ትሻዕተ ቀወምቲ ኣማኸርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ንኣገዳስነት ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር ብዝምልከት ዝጠቐስዋ ሓጻር ዛንታ ከምዚ ትብል። “ሓደ እዋን ኣንበሳ ብዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ እንስሳ ዘግዳም ኣውዲቑ ይሕልዎ ነበረ። ነዚ ዝተዓዘበ ተኹላ ብጉያ መጺኡ ከየፍቀደ ካብቲ ኣንበሳ ዘውደቖ ኣራዊት ክበልዕ ጀመረ። ኣንበሳ ሆየ ከኣ እቲ ድፍረቱ ስለ ዘየሕጐሶ፡ ነቲ ተኹላ ክሳዱ ቀንጢሱ ደርበዮ። ነዚ ኩነታት ብማዕዶ ትዕዘብ ዝነበረት ወኻርያ መጺኣ፡ ካብቲ ዝወደቐ እንስሳ ዘዝጸበቐ ስጋ እንዳቖረጸት ነቲ ኣንበሳ ኣቕረበትሉ። ነዚ ተግባራታ ዝተዕዘበ ኣንበሳ፡ እዚ ትሕትናዚ ካበይ ኢኺ ተማሂርክዮ? ኢሉ ሓተታ። ንሳ ከኣ ካብቲ ክሳዱ ዝቐንጠስካዮ ተኹላ” በለቶ።

ኣብዚ ቃልስና ወርትግ ካብ እንእምሞም፡ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍን ነዚ ዘብቅዕ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ምውሓስን ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ዛዕባታትና እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዙርያ “ኤርትራ ድሕሪ ህግዲፍ ከመይ ትመሓደር” ዝብል እውን ናይ መሰጋገርን ድሕሪኡን ናይ ነዊሕ ግዜ እማመታት ኣለዉና። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ካብ እንእምም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ጋና ኣብቶም ንእምሞም ዘድምዕ ውጽኢት ኣየመዝገብናን። ዘድምዕ ውጽኢት ናይ ዘይምምዝጋብና ምስጢር ብዙሕ ናይ ድኽመታት ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብጥርኑፍ ግና ነቲ እንትልሞ ዘተግብር ተመጣጣኒ ዓቕምን ኩነታትን ክንፈጥር ዘይምብቃዕና እዩ። ኣብ ጽላል ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ብዙሓት ግንባራትን ጽላላትን ብሓባር ክንሰርሕ ኣንቂድና። እንተኾነ ውጽኢቱ ከምቲ ዝኣመምናዮ ኣይኮነልናን። ኣብዚ መዳይዚ ናይ ዘይምድማዕና ምኽንያት ከኣ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ከነወግዶ ዝግበኣና ድኽመት ዘይምውጋድና እዩ። እዚ ተመኩሮዚ ዘርእየና ከኣ ኣብ መንጎቲ እንእምሞን ነቲ እማመ ንምትግባር ዘለና ኩለመዳያዊ ዓቕምን ዘይመጣጠን ምዃኑ እዩ። ስለዚ ክሳብ ሕጂ ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃርና ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ከምቲ “ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ኣይትድገመኒ ኣብ ዝተረፈ” ዝበሃል፡ ንተመኩሮና ንመጻኢ ክንመሃረሉ ይግበኣና።

ሬድዮ ድምጺ ሓርነት

ዕዙዙ ዝኽሪ ናይ ፍትውቲ ሃገርና ዝኽሰረቶም ሓርበኛታት ተቃለስቲ ተጋደ ስዉእ ስዩም ዑ/ሚካኤል ሓረስታይ ብ17 ታሕሳስ 2005 ዝተሰዋኣላ መዓልቲ ንመበል 15 ዓመታት ተዘኪራ ዊዒላ። ራዲዮ ድምጺ ሓርነት እውን ነዛ ጸላም መዓልቲ ከም ኩሎም ህልዋት ተቃለስቲ ንዝለዓለ ክብሪ እናዘከርናያ ንዕላማታትን ንቁሕ ራኢ ብጻይ ስዩም ኣምነ መሰረት ብምግባር ንምትግባሮም ቃልስና ነሕድሰላ ምዃና ንገልጽ። ብዝያዳን ብፍሉይን ብቀረባን ብሓባር ዝተቃለስናዮ ክዝክር ከሎኹ ዝስምዓኒ መሪር ሓዘን፡ ክርስዖ ዘይክእል ሓያል ታሪካዊ ተረኽቦታት ገለ 3ተ ክጠቅስ።

ድሕሪ እቲ ብዕዉትን መስተንክርን ስሪሒት ምዑታት ተጋደልቲ ፈዳይን ተሓኤ ሓራ ምውጻእ እሱራት ሰንበልን ዓዲ ኳላን ኣነ ካብቶም 7 ተባዓት ብጾት ናይ ሰምበል ናይ 12 የካቲት 1975 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሓደ ኣብ ገዛይ ባርጂማ ተራኺብና ንነብሰሄር ሻምበል ወልደሃይማኖት ኣምጺእና ጅግና ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ መደብን ኣገባብን ሓቢሩ ኣፈረሞ ስድራቤቱ ከኣ ምሳና ኣብ ዉሑስ ቦታ ከምዘሎዉ ሓበሮ።  ነቶም 6 ተጋደልቲ ናይ ፖሊስ ዶጋና ክዳውንቲ ተኸዲኖም ሓጺር ልምምድ ተዋህቦም። 17፡30 ኣብ ኣፍደገ ሰንበል ቤት ማእሰርቲ 6ቲኦም ሓደ ዓቢ ጀንቢል ፍሩታ ዝተሸፈነ 5ተ ተዓጻፊ ካላሽን ሒዞም ሻምበል ተቀቢሉ ከእትዎም ውዲእና፡ ኣነን ተኽለ ማርናዮን ኣብቲ ጀራዲን ክንቅበል ተረዳዳእና። ብዘይ ክሳራን መስዋእትን ሙሉእ ንብረት ሰነዳት ቤት ማእሰርትን ንዘይክእልሉን ኣብ ማኪና ጺዒና ሓደ ናይ ሓንጎል ጸገም ዝነበሮ መንደቅ ይስቀል ይውርድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገዲፊናዮ ሃዘጋ ኣቶና።

ምስ ብ/ስዩም ንመጀርታ ገጽገጽ ኣብ ሃዘጋ ተራኺብና። ኣብ 1976 ኣብ ጉባኤ ጠቅላል ማሕበር ሰራሕተኛታት ጠቅላል ሰክረታርያ ተመሪጸ። ብ/ስዩም ከኣ ኣቦ ወንበር ማሕበር ሓረስቶ ኣብ ሓራ ከተማ መንደፈራ ጉባኤ ማሕበር ሓረስቶት ዝተመርጸሉ ኣነ ሰክረትርያ ናይቲ ጉባኤ ዝነበርኩሉ ካልኣይ ርክብና ኮነ። ጸኒሕና ድሕሪ ስምምዕ ካርቱም 1977 ናይ ስምረት ሽማገለ ምስ ህዝባዊ ግንባር ህዝባውያን ማሕበራት ተሓኤ 8 ዝኣባላት ስዩምን ተወልደን ካብ ሓረስቶት፡ ኣነን መሓመድ ሸክን ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ስዉእቲ ኣድሓነት ዓንዱን ኤልሳ መስፍንን ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓይለኣብ ዓንዱን ገረዝጌር ኤልያስን ካብ መንእሰይ ተመሪጽና። ካብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ስብሓት ኤፍረም፡ ኣማኔል ዑቅባይን ሙሳ ረባዕን ኣብ መዓስክር ህግሓኤ ንዘተ ተራኺብና። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሃይለ ድሩዕ ተቀቢሉ ሻሂን ቁርስን ተቀረበ። ቁርሲ ብፊኖ ዝተሰርሔ 2 ሕምባሻ መን ይቁረሶ ተባህለ። ድሩዕ ንስዉእ ስዩም ጋሻ ንስኻ ቁረሶ ኢሉ የቕርበርሉ ስዉእ ስዩም ንወየን ሕንባሻታት ጎቦ ጎበኤን ቆሪሱ ነተን ናይ ማእከል ገደፈን ፡ ድሩዕ እንታይ ድኣ እዚኤን ገዲፍካየን በሎ። ስዩም እዚኤንሲ ናትኩም እየን በሎ። ምኽንያቱ ዓወት ንሓፋሽ ተጻሒፉወን ስለ ዝነበረን ንብለኩም።

ሃይለ ሓረቐ ንሕና ምስ ኣድሓነት ዓንዱ ብሰሓቅ ክርትም በልና። ካልኣይ ኣገዳሲ ታርኻዊ ዝኽሪ ዘይተዘርበሉ ከም መሪሕነት ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ተሓኤ ሰፊሕ ሓይልን ተሰማዕነትን ስለ ዝነበረና፡ ካብ 1978 ኣትሒዝና ኣብ ዉሽጢ ተሓኤ ዝከይድ ዝነበረ ድኽመታት ዘይምዕሩይ ምሕደራ ኣብ ወጻእን ሜዳን ስለ ንነቅፍን ትዕዝብትና ንህብን ስለ ዝነበርና፡ ን3ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ኩሉ ጉድለታት ጠቂስና ተሓኤ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ፡ ን9 ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚት ሽማገለ ንጹር ሰነዳዊ ነቅፈታ ጺሒፍና ንኣቦ መንበር ኣሕመድ ናስር ሂብናዮ። ነዚ ንምድላው ብጻይ ስዩም ዝነበሮ ኣረኣእያ ብሓቂ ሓያል ደራኺ ከም ዝነበረ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓንጎለይ ተሰሚሩ ኣሎ። ሳልሳይ ምስክርነት  ከኣ ብትብዓት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ነብሰሄር መለስ ዜናዊ ወያኔ ዝገበርዎ ጉጉይ ኣተሓሕዛ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዉድባት ብድፍረት ነቀፈታ ዘቅረበ ተባዕ መራሒ እዩ። ስዉእ ስዩም ኣዋዳድቃ ቃላትን በቲ በርቃዊ ንጹር ገላጺ ድምጹን ኣብ ራዲዮ ተሓኤ ካብ ኡንዶርማን ካርቱም ዉርይቲ ታሪካዊት ግጥሙ  ሰይ ኮታ ሰይ ኮታ … ንዓይ ነደ ሰውራስ ኣብ ሎቆታ…ገለ ንስማዕ…. (ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ምስማዕ ይከኣል)

ኤርትራውያን ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ብፍላይ ከኣ እቶም ምእንቲ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ቀንዲ ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ነቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ተጻዒኑ ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኣርዑት ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ዕቤትን ምርግጋጽ እዩ።

ኣብቲ ኤርትራ ኣኽሊል ናጽነትን ልኡላውነትን ንኽትደፍእ ዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልስና ብዙሓት በብእዋኑ ብቐዳምነታት ዝስርዑ መድረኻት ከም ዝሓለፍና ስኑድ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ንፖለቲካውን ሕጋውን መድረኻት ቀዳምነት ሂቡ ተቓሊሱ። በዚ ከም ዘይዕወት ምስ ኣረጋገጸ ከኣ፡ ብሂግዎን ሃሪፉዎን ዘይኮነ ብዘይካ ኣብ መግዛእቲ ምንባር፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ፡ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ወፊሩ። እዚ ብረታዊ ቃልሲ እውን ብብዙሓት ነናቶም ቀዳምነት ብዝነበሮም ምድረኻትን ኣንፈታትን ሓሊፉ እዩ ተዓዊቱ። ጉዳይ ረፈረንደም እውን ከምኡ ኣብ ግዜኡ ቀዳምነት ሒዙ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዘካይድናዮ  ቀዳማይ ምዕራፍ ኮነ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ምዕራፍ ቃልሲ ጸገማትና ብዙሓት ነይሮም ሎሚ እውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። ብመሰረቱ ነቲ መስርሕ “መሪር ቃልሲ” እንብሎ እውን፡ ብብድሆታት ምሕላፍ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜና ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ ናይ ህግዲፍን ህዝብን ሃገርን ጓዕጺጽካን ሕድሩ ጠሊምካ ክትነብር ናይ ምሕላን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ፈሊጥና ዝኣተናዮ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ በደላት እውን ኣቐዲምና ካብኡ እንጽበዮ እምበር ሃንደበት ዝመጽእ ኣይኮነን።

እቲ ቀንዲ ብደሆና ናይቲ ንሕና  እነካይዶ ቃልሲ ምዕራይን ዘይምዕራይን ጸገም እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልስና ዘጋጥም ጸገማትን ዕንቅፋታትን፡ ገሊኡ ሰኣን ክእለትናን ዓቕምናን ዘጋጥም፡ ገሊኡ ከኣ ናይ ምግባሩ ዓቕሚ እንዳሃለወና ብድኽመትና ነባኽኖ ዕድልን ግዜን እዩ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቀዳምነትካ ብግቡእ ዘይምስራዕን ኣብቲ ዝመረጽካዮ ኣንፈትካ ዘይምጽናዕን ከም መርኣያ ድኸመትና ዝቐርብ ሕጽረትና እዩ። እዚ ጸገምና ምዃኑ እንዳተረዳእና ብግብሪ ግና ኣይነእርሞን። ቀዳማይ፡ ካለኣይ፡ ሳልሳይ እንዳበልና ብሓሳብ ቀዳምነታትና እንተሰራዕና እውን ኣብ ምትግባር ግና ነቲ ዝሰራዕናዮ ነዘባርቖ፡ ነቲ ዝተለምናዮ ኣንፈት እውን ኣቕጣጫኡ ነስሕቶ እሞ ኣብ ዕንክሊልን ዘይተደላይ ግዜን ዓቕምን ምብኻን ንወድቕ። እቲ ተቓሊስና ከነወግዶ ዝግበኣና ሓደገኛ ወጻዒ ጉጅለ ከኣ በዚ ድኽመትና እንዳተዓንገለ ዕድሜኡ ይነውሕ። ክንድቲ ምንዋሕ ዕድሜኡ ድማ ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይኸብድን ይመርርን።

ካብቶም ኣብቲ ዝሰራዕናዮ ቀዳምነትን ዝኣመትናዮ ኣንፈትን ጸኒዕና ቀጥ ኢልና ከይንቕጽል፡ ዝዕንቅፉና፡ ንሓንሳብ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንድሕሪት ነዊሕ ተመሊስካ ምሕሳብን ምጽብጻብን፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ሎሚ ኮይካ ናይ ሎሚ ከይወገንካ ቅድሚት ከይድካ “ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና” ብዘብል፡ ንናይ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ቀዳምነት ሂብካ ምውጣጥ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ ኣይኮነን ማለት ግና ንናይ ትማሊ ፈጺምና ንጠንጥኖ፡ ወይ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንገምት ማለት ኣይኮነን። እንያታይ ደኣ፡  ቀዳምነትና ሎሚ ክዕመም ዝግበኦ ምዕማም  ምዃኑ ክንስሕት ኣይግበኣናን፣

ቀዳምነትና ኤርትራዊ ዋኒን እዩ፡ ኣንፈትና ከኣ ነዚ ዋኒና ምስላጥ እዩ፡ ክንብል እንከለና፡ ካብ ከባብያዊ ጽልዋታትን ምዕባለታትን ተዓጺና ወይ ተገሊልና፡ ከም ፈረስ ተሸቢብና ንቕድሚት ጥራይ እንዳረኣና ንጐዓዝ ማለት ኣይኮነን። ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ከባብታት ምዕባለታት እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ክንሕግዞን ክንድግፎን ዝገባኣና ከባብያዊ ምዕባለ ክህሉ እንከሎ ዓቕምና ንገብር። ዝሕግዘና ክንረክብ እንከለና ከኣ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት ሕዙእ ጉዳይና ኢዱ ከየእተወ፡ እጃሙ ከበርክት ኣፍደገና ኣይንዓጹን። ምስዚ ኩሉ ግና ካብታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ሽኻል ከይንወጽእ ጥንቁቓት ክንከውን ናይ ግድን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ንኤርትራዊ ዛዕባና ገሊኦም ብኣውንታ ገሊኦም ድማ ብኣሉታ ዝጸልዉዎ ምዕባለታት የጋጥሙ ኣለዉ። ኣብ ብዙሓት ጐረባብትና ሃገራት እውን ምዕባለታት ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ጐሊሑ ዘሎ ጸላዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይኮነንዶ ከምዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ መልክዕ ሒዙ፡ ካብ ቀደሙ እውን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ታሪኻዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን  ጸላዊ ባህሪ ዝጸንሖ እዩ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምንባራ፡ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ናይ ሓደ እዋን ክቱር ፍቕርን ናይ ሓባር ወፍሪ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሎሚ ድማ ተመሊሶም ዓይንን ሓመድን ምዃንን፡ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ኣብ ባድመ ዝጀመረ “ናይ ዶብ ውግእ”፡ ናይ መራሕቲ ህደግፍን ብልጽግናን ሃንደበታዊ ፍቕርን ሓቢሮም ኣንጻር ህወሓት ምሕንሓንን፡  …. ወዘተ፡ ኩሎም  ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ምስ ትግራይ ተጸላላዊ ምዃኑ ዘርእዩ እዮም። ግና ምስዚ ኩሉ ምትሕልላኽ እውን፡ ክንዛረብ፡ ክንመዝን፡ ክንድግፍ፡ ክንቃወም፡ ዓገብ ክንብልን ክንመሓዞን እንከላና ነታ “ቀዳምነትናን ኣንፈትናን፡ ከይሰሓትና” እትብል ከይዘንጋዕና ደኣ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ይካየድ ብዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ በደል ከሻቕለና ባህርያዊ እዩ። እቲ ቀዳምነትና ግና ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደልን ካብዚ ንምንጋፉ እነካይዶ ቃልስን ምዃኑ ዘይምስሓት። ንኣካይዳ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኮነ ንኣተሓሕዛ ብልጽግና ኣብ ኢትዮጵያ መዚንና ክንድግፍ ወይ ክንነቅፍ እንከለና ቀንዲ ቀዳምነትና ግና ንጉጅለ ህግዲፍ ምቅላዕን ብህዝባዊ ቃልሲ ምውጋዱን ምዃኑ ከይንርስዕ ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። በቲ ብሰንኪ ትግራይ ዓውዲ ውግእ ምዃና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ክንሓስብን፡ ክንሓዝንን ንራህዋኡ ክንሕለቕን ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ቀንዲ ተሓላቕነትና ንህዝቢ ኤርትራን መሰረታዊ ረብሓኡን መሰሉን ምዃኑ ኣጽኒዒካ ምሓዝ ከድልየና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከየድማዕና፡ ኣንፈትና ስሒትና ካልእ ቀዳምነት እንተሒዝና ኣብኡ እውን ኣይከነድምዕን ኢና። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያውያን “ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ፡ ንዓኻትኩም እውን መከራ ክጐተልኩም እንተዘይኮይኑ ኣይክጠቕመኩምን እዩ” እንብሎም እዩ ከኸውን። ሐደ ከነስተብህለሉ ዝገባኣና ዓብይ ጉዳይ ከኣ፡ ኣብ ምምዛን ቀዳምነትና ዘይኮነ ብዛዕባ ዘጋጥመና ፍልልይ፡ ኣብቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጉዳይና ብሓባር ከይንቃለስ ክዕንቅፈና ዘይግበኦ ምዃኑ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብዚ ንርከብ ዘሎና፡ ነቲ ናይ ሎሚ 10 ዓመት ናብ ናይ ዘልኣለም መዕረፊ ዘፋነናዮ ጂግና ሓውናን ብጻይናን ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ንምዝካር ኢዩ። 10 ዓመታት፡ ብሰዓታት ብመዓልታት ብሰሙናት ብኣዋርሕ ክንቆጽሮ ከሎና ነዊሕ ኢዩ ዝመስል፣ እንተኾነ ግን ስራሓቱን ኣሰራት ቃልሱን ኣማዕዲዩ ዝጥምት ኣተሓሳስባኡን ኣብ ናይ ሎሚ ሃለዋትና ዓቢ ቦታ ሒዙ ስለዘሎ ትማሊ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓና። ኣብ ስዩም ዘሎና ዝኽሪታት ዘይሃስስ፡ ወትሩ ሓዲሽ ኢዩ። ንክቡራት ስድራ ቤት ስዉእ ስዩም፡ ነዚ መዓልቲ ዝኽሪ 10 ዓመት ኣዳሊዮም፡ ንሃገራዊ ኣበርክቶ ስዩም ከነኽብርን ሂያው ክንገብርን ዘኽኣሉና ምስጋና ይብጻሓዮም። 

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ካብዚ ቦታ ዚ ንሓርበኛ ስዉእ ስዩም፡ ንዑኡ ዝግባእ ክብሪ ሂብና ኢና ኣፋኒናዮ። ኣብቲ መዓልቲቲ ሆላንዳውያን ባዕላቶም ከምዝገልጽዎ ንሓያለይ ዓመታት ከምኡ ዝኣመሰለ በረድ ክወርድ ርእዮም ከምዘይፈልጡ ኢዩ። መሬት ኩሉ ብበረድ ሻሽ መሲሉ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ብሞተር ዝዝውሩ ፖሊስ ተዓጂቡ ኔሩ ኣብ መካነ-መቓብር ዝበጽሐ። ካብ ሙሉእ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ሰሜን ኣመሪካን ኢትዮጵያን ዝመጹ ፈተውቱን ቤተሰቡን ናይ መጨረስታ ሰላምታ ሂበሞ። ብወሓይዝ ንብዓት ጠልቅየን ዝነበራ ኣዒንታትና ንምቕባሉ ዘይከኣላ ሬሳ ጅግና እናረእያ፡ ብከቢድ ጓህን ሓዘንን ዝተመልአ ልብና፡ ነመስግነካ ስለ እቲ ጽንዓትካ  እናበልና ኢና ኣፋኒናዮ። ምፍናው ጥራይ ውን ኣይነበረን፡ ኣገዳሲ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ ኢዩ - ንሕና ኤርትራውያን፡ ክርስትያንና ኣስላምና፡ ኣበየናይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ማሕበር ኔርና ብዘየገድስ ንኣበርክቶ ሓርበኛ ስዩም ኣብ ሃገራዉን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ብልቢ ከምዝኣመንናሉን፡ ዓቢ ኣኽብሮት ኣብ ልዕሊ ስዉእና ከም ዝነበረናን ዘመስከርናሉ መዓልቲ ኢዩ ውን ኔሩ።

ሓርበኛ ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ሓሚመ፡ ደኺመ ዘይፈልጥ ዘይስልኪ ተስፋ ዘይቆርጽ ንህዝቢ ነፍሱ ዘወፈየ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ። ብጻይ ስዩም ቅድም ምእንቲ ናጽነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ምእንቲ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ብተወፋይነትን ጽንዓትን ተቓሊሱ።፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ኣብቲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ዘየቋረጸ ናይ ቃልሲ ዋሕዚ፡ ኣብ እምነቱ ብዝነበሮ ጽንዓት፡ ኣርሒቑ ኣብ ምጥማት፡ ንዝኣምነሉ ተሪሩ ኣብ ምምካት፡ ሰሪሑ ዘይደክም ጻዕረኛ ብሩህ መጻኢ ተስፋ ምምዕዳው፡ ተወፋይነት፡ ገለ ኣብነታት ካብ መለለይ ጠባዩ ምዃነን ኣረጋጊጹ ኢዩ። ስዉእ ስዩም ኣብ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ እምነት ተሪር ኔሩ ኢዩ። እዚ መትከላትዚ ኣብ ዝተጋህሰሉ እዋናትን ምፍንጫላት ኣብ ዝተኸስተሉ መድረኻትን ግምባር ቀደም ኮይኑ ተቓሊሱ ኢዩ። ጽኑዕን ውፉይን ሓላዋይ መትከላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ ክበሃል ዝከኣል ኢዩ። ስዩም ሓያል መካቲ- እቲ ዝበልሐ ጫፍ ኣብ ምምካት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኔሩ።  ስዩም ናይ ሓደ ሰብ ስራሕ ጥራይ ዓሚሙ ዝኸይድ ኣይነበረን። ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ስራሕ ኣትዩ ከድምዕ ዘኽእሎ ብቕዓታት ኔርዎ። ስዩም ብዙሕ መሊኹ ዝዛረበሉ ቋንቋታት ስለዝነበሮ ሙሉእ ዕጥቂ ዝወነነ ፖለቲካዊ መራሕን ዲፕሎማትን ኢዩ ኔሩ። ሓያል መዳራይ  ሓያል ጸሓፋይ ሓያል ገጣማይ ሓያል ጎስጓሳይን ወዳባይን ክኸውን ተዓዲሉ ኔሩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ስዩም ተዋዛያይ፡ መስሓቕ ብዕላል ኣውዒሉ ዘሕድር ኢዩ ኒሩ። መደረታቱ፡ ጸብጻባቱ ክንዲ ኣየናይ ይንውሑ ብዘየገድስ፡ ፍሉይ ኣቀራርባን ዝሕውሰሎም ጣዕምታትን ስለ ዘለዎም ክሳብ ዝውድኡ መሰጥትን ኣዘናጋዕትን ኮይኖም ኢዮም ዝቕጽሉ ኔሮም።

ሓርበኛ ስዩም፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ዲሞክራስያዊ ራእይ ከውን ከይገበረ ኢዩ ኣብ ዘይእዋኑ ተቖጽዩ። ኣብ ነዊሕ ዓመታት ቃልሱ ዘኻዕበቶ ተመክሮን፡ ሓያል ጻዕሪ እናገበረ ብርእሰ-ኩስኮሳ ዘማዕበሎ ፍልጠትን ብቑዕ መራሒ ናይዚ እዋንዚ ክኸውን ኣብቂዕዎ ኔሩ ኢዩ። እዚ ብቕዓትዚ ኣብ ዝወነነሉ እዋን ምስውኡ ድማ ኢዩ፡ ንመስዋእቱ ዝያዳ ኣሕዛኒ ዝገብሮ።

 ስዩም መን ኔሩ

ስዩም ጥሪ 1946 ካብ ኣብኡ ሰርጊንቲ ዑቕባሚካኤል ራእሱ ካብ ኣዲኡ ወ/ ሂወት ባህታ ኣብ ወረዳ ሸውዓተ ደቂ-ድግና ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ድማ ዓቢዩ።

ናይ መባእታውን ማእከላይን ደረጃታት ትምህርቱ ኣብ ስታውያንን ኣብ ፕሪንቺፐን ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ልኡል መኮነን ካብ 1961-1965 ተኸታቲሉ።

ስዩም ጌና ብንእሽትኡ ከሎ ርሱን ፍቕሪ ሃገር ስለዝሓደሮ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተመሃራይ እንከሎ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገር ክሳተፍ ጀሚሩ። በዚ መሰረት ሓደን ቀንድን ካብቶም ብሕቡእ ማሕበር ምንቅስቓስ ተመሃሮ ዝጀመሩን ዝመርሑ ዝነበሩን መንእሰያት ነይሩ። ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ምስ ስዩም ኣብቲ ምንቅስቓስ ካብ ዝሳተፉ ዝነበሩ ናይ ሓደ ቤት-ምህርቲ ተመሃሮ፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደትንስኤ (ድሩዕ) ሚካኤል ጋብር፡ ወልደሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን ምህሪ፡ ገረዝጊሀር ተወልደን ዓብደላ ሓሰንን ከምኡ ውን ካልኦት ይርክብዎም።

ስዉእ ስዩም፡  ብ1965 ናብ ሚዳ ቃልሲ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ንስተወሰነ ግዜ ኣብ ሜዳ ድሕሪ ምጽንሑ ድማ፡ ኣብ ናይ ከተማታት ውሽጣዊ ስርርዕ ምእንቲ ክሰርሕ ምስ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን መምሪሒታት ሒዙ ብሕቡእ ናብ ከተማ ኣስመራ ብነሓሰ 1965 ኣተወ። ኣብ ናይ ከተማ ውሽጣዊ ስርርዕ ዝነኣድ ስራሓት ከምዝፈጸመ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብጾት ይምስክሩሉ። ስዉእ ስዩም ኣብ ውሽጢ ከተማ ገድላዊ ስራሑ እናካየደ ከሎ፡ ምስጢራዊ ምንቅስቓሱ ብጸላኢ ስለ ዝተፈልጠ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ባዕዳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ፡ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገንን ካልኦት ናይ ውሽጢ ከተማ ተሓባበርትን ተኣስረ። ስዩምን ወልደዳዊትን ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታት ንከቃልዑ ብመርመርቲ ቢት ማእሰርቲ ከቢድ መርመራ ተኻይድሎም።  እንተኾነ ግን፡ንኹሉ ስቓይ ተጻዊሮም ንዝሰርዕወን ሚስጢራዊ ጉጅለታትን ምስኦም ተኣሲሮም ንዝነበሩን ንምድሓን በይኖም ሓላፍነት ወሰዱ። በዚ ምኽኒያት ከኣ ድሕሪ ማእሰርቶም ዝነበረ ስርርዓት ከይተናወጸ ገድላዊ ስራሑ ክቕጽል ከኣለ።

ስዉእ ስዩም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝካየደሉ ዝነበረ ኣሰቃቒ መርመራታት ኣይረዓደን ኣይተጻዕደን። ብኣንጻሩ ግን፡ እቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዝነበረ ኣሰቃቒ ተግባራት ንሃገራዊ ስምዒቱ ኣንሃሮ። ኣብ ዕላምኡ ንዝነበሮ እምነት ኣደልደሎን ኣበርትዖን። ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ነቲ ቃልሲ ምስ ብጾቱ ቀጸሎ። ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ተሓቢሶም ንዝመጹ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ሃገር ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እገብር ነበረ። ኣብ ውሽጢዚ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ንኣስታት 25,000 ዝኾኑ ተኣሲሮም ዝመጹ ዜጋታት ሃገራዊ ምንቕቓሕ ምስ ብጾቱ ኮይኑ ከካይድ ከኣለ። ቤት ማእሰርቲ ንስዩም ሓዲሽ ናይ ቃልሲ ቦታ ኮነሉ። ስዩም ሓደ መዓልቲ ካብቲ ቀይድዎ ዝነበረ ናይ ጸላኢ መቑሕ ስዒሩ ከምዝወጽእ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ምስ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ ኣብ ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሃገራውያን ጥንቁቕ ዝምድና እናገበረ ጻዕርታት የካይድ ነበረ። በዚ መሰረት ድማ ጻዕርታቱን ሕልሙን ጋህዲ ኮይኑ፡ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወተሉ ስርሒት፡ ብ12 የካቲት 1975 ኣብ ሓደ ሰዓት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣስመራን ዓዲዃላን ስዩምን ወልደዳዊትን ሃይለ ድሩዕን ዝርከብዎም ከባቢ 1000 ዝኾኑ እሱራት ብሙሉኦም ሓራ ኮኑ።

ስዉእ ስዩም፡ ካብ ማሰርቲ ተሳሒሉን በሊሑን ኢዩ ወጺኡ። ብዘይካቲ ዘማዕበሎን ዘስፍሖን ፖለቲካዊ ፍልጠቱ፡ ብዙሕ ቋንቋታት ውን መሊኹ ክዛረብ ይኽእል ኔሩ። ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ትምህርቲ ዓለም ከሎ ዝተማህሮም ጣልያን፡ እንግሊዝ ኣምሓርኛ ኣብ ውጢቲ ቤት ማሰርቲ ኮይኑ ብሓርኮትኮቱ ዝተማህሮም ቋንቋታት ድማ ፈረንሳይ፡ ስፓንያ ዓረብኛ ኔሮም።

ስውእ ስዩም፡ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሕማቕ ናይ ማእሰርቲ ኩነታት ጸኒሑ ምስ ወጸ፡ ከም ሰብ ዕረፍቲ መድለዮ ኔሩ፡ ቤተ-ሰቡ ክርኢ መድለዮ ኔሩ። ኣብ ቅድሚ ስዉእ ስዩም ግን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ቃልሲ ንሃገርን ህዝብን ኢዩ ኔሩ። (ኣብ ሙሉእ ቃልሲ ሂወቱ ነዚ ኣስራርዓዚ ከይቀየሮ ብመስዋእቲ ተፈልዩ።) ከምኡ ስለዝነበረ ድማ፡ ብቀጥታ ኣብ ሃገራዊ ስራሑ ተጸሚዱ። ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ተሓኤ ድሕሪ ምስታፉ፡ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ከም ፖለቲካዊ ወኪል ተመዲቡ ክሰርሕ ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ጀሚሩ። ድሕሪዚ ድማ ከም ኣቦ መንበረ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶት ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ። ስዉእ ስዩም ኣብዚ ከም ኣቦ መበር ሓረስቶት ኮይኑ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ኣብ ሓረስቶት ኤርትራ ዘለዎ ተገዳስነትን ሓልዮትን ምስ ተራእየ ኢዩ “ሓረስታይ” ዝብል ቅጽል ስም ክጠብቆ ዝኸኣለ። እወ ስዩም ብሓቂ ተጣባቓይ ውጹዓት ሓረስቶት ኤርትራ ኢዩ ኔሩ።

ስዉእ ስዩም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት-ጽሕፈታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርታራ-ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ሓላፍነት ሒዙ ሰሪሑ ኢዩ። ከም ሓላፊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ ግዚያት፡ መትከላትን ዓላማታትን ውድቡ ምስ ዓለም ምልላይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝፍጸም ዝነበር ግህሰታት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምቅላዕ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ሓርበኛ ኢዩ ኔሩ።

ሓርበኛ ስዩም፡ ካብ 2002 ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ፡ ከም ኣቦ-መንበር ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ መሪሕ ግደኡ ተጻዊቱ። ኣብ ዝነበራ መጨረስታ ኣዋርሕ ናይ ቃልሲ ሂወቱ፡ ነቲ ናይ ዓወት ስትራቲጅና ኢሉ ዝጽውዖ ዝነበረ ናይ ውድቡ (ሰውራዊ ባይቶ) መደባት ሒዙ ብጻዕቂ ተንቀሳቒሱ። እቲ ናይ ዓወት ስትራተጂ ኣብ ኣርባዕተ መዳያት ዘትኮረ ኔሩ፡

ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ 2. ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓዉሞ 3. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ 4. ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ

ኣብ ውሽጣዊ ውድባዊ መዳይ፡ ኩነታት እቲ ውድብ ክሕደስን፡ ኣወዳድብኡ ድማ ነቲ መድረኽ ቃልሲ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ናብ ፓርቲ ክሰጋገርን፡ ስዉእ ስዩም  ብዕቱብ ሰሪሕሉ።

ኣብ ደምበ ተቓዉሞ፡ ንክህልወካ ዝኽእል ፍልልያት ኣወንዚፍካ ብእትሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢርካ ምስራሕን፡ ንእትወስዶም ውሳኔታት ድማ እኹል መጽናዕቲ ጌርካ ክትበጽሖም ከሎኻ ኣተኣማማኒ ክኸውን ከምዝኽእል ይርኢ ኔሩ። ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝፍጠር ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፡ ብህዱእ መንፈስን ዕቱብ ኣቀራርባን ክፍታሕ ኣለዎ ካብ ዝብል ጽኑዕ እምነት ነቒሉ ተበግሶታት ይወስድ ኔሩ ኢዩ።

ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክወደቕ ከም ዘይክእል ብምእማን፡ ስራሕ ውድብ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዘትኮረ ክኸውን መደባት ሓንጺጹ ንምዕዋቱ ይሰርሓሉ ኔሩ።

ብጻይ ስዩም ቃልሲ እቲ ዝመርሖ ውድብ ኮነ ህልውና ደምበ ተቓዉሞ ኣብ ሓደ ውሱን ኩርናዕ ተደሪቱ ንከይተርፍ ድኻሙን ጻዕሩን ከይጸብጸበ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣዉስትራሊያን ዝያዳ ድማ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተደጋጋሚ ዑደታት ብምክያድ ዕዉት ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ፈጺሙ ኢዩ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ ጽቡቕ ዝምድና ዋሕስ ናይ ሰላምን ሓባራዊ ዕብየትን ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለዝኣመነ፡ ነዚ ጽቡቕ ዝምድናዚ ንምህናጽ ካብ ቀንዲ ተታሒዝዎም ዝነበሩ ጉዳያት ኢዮም ኒሮም። ኣብዚ ዝተመርኮሰ ዝርርባት ምስ ጠቕላይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነብስሄር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንምክያድ ተደጋጋሚ ርክባት ተገይሩ ኢዩ።

ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ሕዳር 2005 ናይ ሰውራዊ ባይቶ ላዕለዋይ ልኡኽ መሪሑ ንውድባዊ ስራሓት ናብ ኢትዮጵያ ከይድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዩ ብዕለት 17 ታሕሳስ ንውሑዳት ሰዓታት ድሕሪ ምሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ቁልጡፍ ዝግባእ ሕክምና እንተዝረክብ ክጸንሕ ምኽኣለ ኔሩ። ብዕለት 16 ታሕሳስ 2005  ድሕሪ ቀትሪ ስዩም ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድቡ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ። ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐ እንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና ኢሉ ተፋንዩ ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰን። እቶም ብጾት እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩዎም  ስለ ዝነበረ ብዘይ ምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐሉን።

ንጽባሒቱ ቀዳም ዕለት 17 ታሕሳስ ከባቢ ስዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ የሕምሞ ከም ዝነበረ፡ ቁሪቁሪ የብሎን ኣብ ኣፍልቡ ድማ ሸቕሸቕታ ይስምዖ ከምዝነበረ ንብጾቱ ገሊጽሎም። እዚ ድሕሪ ምስማዕ ብጾቱ ግዜ ከይወሰዱ ናብ ሕክምና ክወስድዎ ይውስኑ፡ ሓደ ካብኦም ድማ ሒዝዎ ይኸይድ። ኣብ ቀረባኦም ዝነበረ ሕክምና ምስ በጽሑ፡ ቅድሚ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ስለዝነበረ ምዱባት ሓካይም ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ  ንስዩም ወጊእዎ። እቲ ቃንዛ ውን ሃዲእሉ ኔሩ።

ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ንስዩም እናመርመሮ ከሎ፡ እቲ ሓኪም ብኹነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ምስ ረኣዮ ክብደት ናይቲ ሕማም ተገንዚቡ ናብ ሆስፒታል ቤተ ዛታ ብኣምቡላንስ ከም ዝኸይድ ገበረ።

ኣብቲ ሆስፒታል ከይዱ ውን ሓካይም ንስዩም ከድሕንሉ ዝኽእሉ ክእለትን መሳርሕን ኣይነበሮምን። ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ልቢ ስዩም ስራሓ ከምዘቋረጸት ንብጾቱ ተነግሮም። ብከምዚ ድማ፡ እቲ ዕረፍቲ ዝበሃል ኣብ ሂወቱ ዘይፈልጥ ዝነበረ ስዩም ንዘልኣለም ዕረፍቲ ወሰደ።

ዜና መስዋእቲ ስዩም ምስ ተሰምዐ ዝኣመነ መቃልስቱ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ድሮኡ ዝነበረ መዓልቲ ክጎይ ዝረኣዮ ሰብ ከመይ ኢሉ ክኣምን? እቲ ንምዕዋት ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝገብሮ ዝነበረ ጉያ ብሕማም ዲዩ ብድኻም ፈጺሙ ክንኪ ኣይተራእየን። ንብጾቱ ወይ ንስድራ-ቤቱ ይጽላእኒ ኣሎ ወይ ይደኽመኒ ኣሎ ኣይበለን። እቲ ሓቂ ግን፡ ስዩም ከም ሰብ፡ ስጋ ኣዳም ዝለበሰ፡ ኣይሓምምን ኣይደክምን ኔሩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ሓሚመ ደኺመ ኢሉ ምዕራፍን ናብ ሓኪም ምኻድን ግዜ ናይ ቃልሲ ምብኻን ገይሩ ይርድኦ ስለዝነበረ ኢዩ። ኣብታ መወዳእታ መዓልቲ ናብ ሆስፒታል ተሰኒፉ ምስ ከደ ገለ ደቓይቕ ጥራይ ንክስዋእ ተሪፈንኦ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ ኣትይዎ ዝነበረ ሆስፒታል ናይ ግሊ ምዃኑ ምስተረድአ “እዚ ድኣ ዋግኡ ክበዝሓና እንድዩ ናብ ዝሓሰረ ሕክምና ዘይትወስዱኒ” ኢሉ ምሕታቱ ቅድሚ ነብሱ ኣብቲ ቃልሲ ዘለዎ ሓልዮት ኢዩ ኣርእዩ። መስዋእት ስዩም ብምድግጋም ምስ ተነግርና ጥራይ ኢና ብሓዘን ስምባደን ተቐቢልናዮ። ኩሉ እቲ ንቓልሲ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ሰብ፡ እቲ ብኣመራርሓ ስዩም ጋህዲ ክኸውን ኢዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ዝነበረ ለውጢታት ኣብቲ ውድብ ስንክልና ከየጋጥሞ ስግኣታቱ ገሊጹ ኢዩ ። እንተኾነ ግን ሕድሪ ዘይጠልሙ ብጾቱ፡ ነቲ ብጻዮምን መራሒኦምን ዝገደፎ ሃጓፍ ንምምላእ ንዝዓበየ ተወፋይነት ነብሶም ቀረቡ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዝረኽቡሉ ዝነበሩ ርቡሕን ልዑልን ስራሓት ገዲፎም ኣብቲ ቃልሲ ብሙሉእ ግዜኦም ተጸሚዶም ነቲ መስመር ቃልሲ ቀጸልዎ።

ኣስከሬን ሓርብኛ ስዩም ጉዕዞኡ ናብ ሆላንድ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ናይ መፋነዊ መደብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕለት 19  ተሰሪዑ ።  ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ፎረም ሰንዓን ካለኦትን ይርከብዎም። ኣስከሬን ስዩም ዕለት 20 ታሕሳስ ኣብ ሆላንድ ኣትዩ። ዕለት 30/12/2005 ድም ብክብሪ ኣብ ፍላርዲንገን ከባቢ ሮተርዳም ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

እዚ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት፡ ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታት ራሕሪሑ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝተቓለሰ ሓርበኛ፡ ሕልሚታቱ ብጋህዲ ክርኢን ብፍረ ቃልሱ ክሕጎስን ዝግብኦ ኢዩ ኔሩ። እንተወሓደ ውን ሓመድ ናይታ ንጽቡቓ ከርተት ዝበለላ ሃገር ክለብስ ኢዩ ዝግብኦ ዝነበረ። ነዚ ከይረኣዮ ይሕለፍ ምበር ከም ስዩም ዝኣመሰለ ተቓላሳይ ንህዝቡ ምበር ንነብሱ ዘይሓስብ ፍጥረት፡ እቲ ንዓመታት ዝተቓልሰሉ ሓቀኛ ዕላማ ንሱ ተዘይፈጸሞ ብድሕሪኡ ዝፍጽሙዎ ተቓለስቲ ከምዘለዉ እናኣመነ ኢዩ ተቓሊሱ። ከም እምነቱ ድማ እቶም ነቲ ንሱን ከምኡ ዝኣመሰሉ ተቓለስትን ዝተኸልዎ ፈልሲ፡ ኮስኲሶም ዘዐምብብዎን ኣብ ፍረ ዘብጽሕዎን ተቓለስቲ እናዓበዩን እናሰፍሑን ይኸዱ ኣለዉ። መንእሰያት ዝሳተፍዎ ቃልሲ ክኸውን ካብ ቀንዲ ድሌታትን ጻዕሪታትን ናይ ስዩም ዝነበረ እንሆ ሰሚሩ መንእሰያትና ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ይነጥፉ ኣለው።

ኣብ መደምደምታ ክበሃል ዝከኣል፡ ሓርበኛ ስዩም ንሙሉእ ሂወቱ ኣብ ቃልሲ ክውፈ ዝኸኣለ ንዕኡ ዘወፈይዎ ስድራቤት ስለ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ናይ በይኖም ዝኸውን ንህዝቢን ሃገርን ክኸውን ስለዝፈቐዱ ኢዮም። ኩሎም ደቂ ስዩም ዓቢ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም ብፍላይ ድማ፡ እቶም ዓበይቲ ደቁ ኣይዳ ስዩምን ጳውሎስ ስዩምን ምስ ኣዲኦም ወይ/ ኣዝመራ ሃይለ ኣብቲ ናይ ኣቡኦም ሓገዝ ክረኽብሉ ዝግባእ ዝነበረ እዋን በይኖም ኮይኖም ሂወቶም ምምርሖም ዓቢ መስዋእቲ ምኽፋል ኢዩ ኔሩ። እዚ ብስድራ ቤት ስዩም ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ንቓልሲ ዝተኸፍለ ዋጋ ኢዩ። ከምቲ ቅድሚ 10 ዓመት ንስዉእ ስዩም ከነፋንዎ ከሎና ነመስግነካ ስለ ጽንዓትካ ዝበልናዮ፡ ንኩሎም ደቁ ውን ኩሉ ኪኢሎም ነቦኦም ጸኒዑ ክቃለስ ምግባሮም ዓቢ ምስጋና ይብጻሓዮም። ኣቦኦም ንህዝቢ ኤርትራ ብዝገበሮ ሙያ ዘይበርስ ውርሻ ገዲፍሎም ብምኻዱ ሕቡናትን ሕጉሳትን ኮይኖም ክነብሩ ዝተዓደሉ ኤርትራውያን ኢዮም።

ነዚ መዓልቲ፡ ብኣጋጣሚ መበል 10 ዓመት መስዋእት ጂግና ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ክንዝክሮ ከሎና፡ ንኹሎም ኣብቲ ነዊሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተሰዉኡ ውን ብልቢ እናሓሰብና ኢና። ብፍላይ ውን ነቶም ምስ ስዩም ቀረባ ናይ ቃልሲ ዝምድና ዝነበሮም፡ ኣብቲ ቃልሲ ዓበይቲ ኣስተዋጽኦታት ዝገበሩ ድሒሮም ኣሰሩ ዝተኸተሉ ላዕለዎት ሓርበኛታት መራሕቲ፡ ስዉእ ኣሕመድ ናስር፡ ስዉእ ዓብደላ ኢድሪስ፡ ስዉእ ዶር/ በየነ ኪዳነ ንሃገሮምን ህዝቦምን ብዝገበርዎ ሙያ ካብ ዝኽሪታትና ዘይፍለዩ ኢዮም።  

ስዉኣትና ንዘልኣለም ተኸቢሮም ይንበሩ!

ኣሰፋው በርሀ