ቃል መሪር ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ ሃገራዊ ጋዜጠኛ ብርሃነ ወልደገብርኤል (ሱዳን ናው)
Saturday, 31 October 2020 23:49 Written by ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ዝተቓለሰሉ ናጽነት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጉጅለ ተረኪብዎ። ህዝብና ነዚ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ዝተረከበ ኣካል፡ ካብ ወጽዓ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ፍትሓዊትን ርግእትን ሃገር “ከሰጋግረኒ እዩ” ዝብል ምሉእ እምነት ኣንቢሩ፡ ብሃንቀውታ ተጸብይዎ። ኣብ ምህናጽ ሓዳስ ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ከወፊ ዝነበሮ ተወፋይነትን ቅሩብነትን እውን ብዝተፈላለዩ መልከዓት ኣርእይዎ። ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነብር ሓቦኛ ኤርትራዊ “ኣነ ንሃገረይ፡ ሕድሪ ሰማእታተይ ኣይጥለምን እዩ፡ ሰማእታትና ኣብ ዘለውኹምዎ ቅሰኑ” ዝብል ድልዉነቱን ተስፋኡን ሰማይ ዓሪጉ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ኣዝዩ ጸቢብ ጉጅለ ግና፡ ናይ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ባህታን ናእዳን እንዳርኣየ፡ ብግብሪ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮምን ዘለዎን ሕዱር ጽልኢ ዘመልክቱ ኣሉታዊ ተግባራት ክወስድ ጸኒሑ። “ባዕልና ዘምጻእናዮ ናጽነት ከም ድላይና ንዕንድረሉ” ዝብል፡ ትምክሕትን ጸቢብነትን ኣዕሪጉ ህዝብና ኣብ ሕድሕዱ ንከይተኣማመን “እሾኽ ዳንዴር” እንዳዘርአ ንህዝብና በብግዜኡ “ ጐንጺ የባልሑለይ እዮም” ዝበሎም ጸበብቲ ስምዒታት እንዳጐሃሃረ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ ዓራቓይ መሲሉ ክቐርብ ፈቲኑ። ካልእስ ይተረፍ ኣብ መንጐቲ ደምን ርሃጽን ከፊሉ፡ ኣብ ፈቐዶቲ ፍትሓዊ ውግኣት ጀጋንኡ ቀቢሩ ዝመጸ ሓርበኛን፡ ነቲ ቃልሲ ብሓበሬታ፡ ብስንቂ፡ ዕጥቅን ውላዱን ሓያል ጐድኒ ዝኾኑ ህዝብን ኣርሓሒቑ። እዞም ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ክዕወቱ ዘይክእሉ ህዝብን ተጋዳላይን “ተጋዳላይን ሲቪልን” ተበሃሂሎም ብጐቦ ዓይኒ ክረኣኣዩ ዝኣለሞ ተንኮል ሃስያኡ ቀሊል ኣይነበረን። ጌጋ መዓልቲ ውዒሎም ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምክፍፋል ዓዘቕቲ ጥሒሎም ዝነበሩ እሞ ሓደጋታቱ ተዓዚቦም ኣእዳዎም ዝኣከቡ ወገናት ሎሚ ዝምስክርዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ነቲ ላዕሊ ላዕሉ ክትሪኦ እንከለኻ ምቁር ዝመስል ኣጸዋውዓ ዋርሳይን ይከኣሎን’ውን ከም መተፋነኒ ተጠቒምሉ እዩ።
ጉጅለ ህግዲፍ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ኣብ ኤርትራዊ ወገናት ምትፍናን ዝፈጥረሉ፡ ምኽንያቱ ብሩህ እዩ። ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝብሃል፡ በዚ ኣሳቢቡ ናይቶም ዝፈርሖም ኣካላት ሕድሕድ ምጥምማት መዝሚዙ፡ ኣብቲ ጥልመት ዝወለዶ ኢደ ወነናዊ ስልጣን ንምቕጻል እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ኮይንካ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዘሕደሮ እምነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ተዓሽዩ እዩ” ዘየብል ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ከምኡ ዝገበረ ብርእዮ ግህዶ ክሳብዚ ሎሚ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና ክጥለምየ ዝብል ግምት ስለ ዘይነበሮ እዩ። ሓቁ እዩ ከኣ፡ ክሳብ ክንዲ ደቅኻ ገቢርካ ናብ መራሕ ሃገር ዘብጻሕካዮ ወገን ክሳብ ክንድዚ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ክጠልም’ዩ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ እቲ ጥልመት ኣብ ህግዲፍስ በቲ ዝኽፈአ መልክዑ ደኣ ተራእየ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ ዕድመኡ ኣብ ስልጣን ከንውሕ ዝወጠኖ ህዝቢ ሃዲኡ፡ ብጉዳዩ እሂንምሂን ዝበለሉ ኩነታት ንከይፍጠር ጽልኢ እንዳጻሕተርካ፡ ነቲ ጽልኢ ንህዝቢ ብዘሰክፍን “እምበኣር እቲ ናይ ውሽጥናስ ይጽነሓልና፡ ቅድም ናይ ግዳም ተጻብኦ ነዕግስ” ዝብል ናይ ምውንዛፍ መንፈስ ሓዲርዎ ደገደገ ከም ዘመዓዱ ንምግባሩ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ በብታራ፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ደሓር ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ውግኣት ከኣ እዚ እዩ። ብሰንኪ ነዚ ውግኣት ምጽሕታሩ ክሳብ ሕጂ ነቲ ካብ ምንዳፍን ምጽዳቕን ሕገመንግስቲ ጀሚርካ፡ ክሳብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ምቛም ዝዝርጋሕ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዕማማት ኮነ ኢሉ ኣምኪንዎ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍቲ ጉጅለ ህግዲፍ ክውጥኖ ዝጸንሐ መዳህለሊ ውዲታት ክመሃርን ከምቲ ዝድለ ድምጹ ዘይተሰምዐ ሚዛናት ከንብርን ጸኒሑ እዩ። ብኣንጻርዚ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ክፍንፍንዎ ዝግበኦም ጠላም ጉጅለ ከመላኽዑን ክነብረሎም ዝጽልዩን ሒደት ኤርትራውያን ኣይተሰእኑን። እዚ ከኣ “ክትከይድ እንከለኻ ዝዓንቀፈትካ እምኒ፡ ክትምለስ እንከለኻ እንተ ደጊማትካ ንስኻ ኢኻ እምኒ” ዝብልን ዘተዓዛዝብን እዩ። እቲ ልማደኛ ጉጅለ ሕጂ እውን፡ ምናልባት ደኣ ምስ ግዜን ኩነታትን ሜላታት ይቕይር ኣሎ እምበር፡ ካብዚ ናይ ጥልመት ኣተሓሳስባ ኣይወጸን። ኣብዚ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንዓለምና ኣጻቢቡላ ዘሎ እዋን ክሳብ ክንደይ ብህዝብና ከምዘይተገደሰ ብተደጋጋሚ ክዒብናዮ ኢና። እነሆ ከኣ ስዒቡ ወራር ኣንበጣ ምስ መጸ እውን ተገዳስነቱ ኣብየናይ ደርጃ ኣሎ ንዕዘቦ ኣለና።
ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕልቲ፡ ወለዶታት ናይ ምስግጋር ዘይትካእ ሓላፍነት ዘለዎ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝወሰዶ ናይ ምብታኑ ማእለማ ንፈልጦ ኢና። ኤርትራ ብሰንክዚ ማእለማ እዚ ክሳብ ክንደይ ሃገር ዝሕሉን ዝሃንጽን ናይ መንእሰይ ዓቕማ ማህሚኑ ከምዘሎን ብሰንክዚ ብዝሰዓበ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ሃስያታት ኣሰኒኻ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። እነሆ’ኳ እዚ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ኣንበጠ “መኒኻ?” ዝብሎ መንእሰይ ዘይብሉ ነቲ ዝርካቡ ዘራእቲ የብርሶ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናይቲ ጉጅለ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ግብጽን ሒደት ሃገራት ኣዕራብን ኮለል ክብል ተዓዚብናዮ። ኣብዚ ፈቐዶ ሃገራት ኮለሉ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ውዲታትን ኢድ ኣእታውነትን ክኣልም ካብ ምፍታን ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝምዕብለሉ ስኒት፡ ልምዓትን ወፍርን ኣብ ዝምልከት ዘትዩን ተሰማሚዑን ዝብል ብመርተዖ ዝተሰነየ ሓበሬታ የለን። ናይዚ መርኣያ እዩ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጠብሎቕሎቕ ዝብል ዘሎ። እዚ ዓቕሊ ጽበቱ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝህሰየሉን ዘይረብሓሉን ረጽሚ ናይ ምምዕባሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ ከኣ ብዙሓት ናይዚ ዛዕባ ክኢላታት ተዓዘብቲ ይእምቱ ኣለዉ። ስለዚ ህዝብና ሎሚ’ውን “ደጊም ይኣክል” ሸብዳዕዳዕ ክብልን እንደጋና ከይዕሾን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮ። በዚ ኢሳያስ ዝኹዕቶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት መትረብ ከይስጉም እሞ እንደጋና ከይዕሾን ከይግራህን ከኣ ንጽውዖ።
ኣውሃሃዲት ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 8ይ ምዱብ ኣኼብኣ ኣካይዳ
Monday, 26 October 2020 09:39 Written by ሓይሊ ዕማም ዜና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራመሰረት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላዊት ሃገርን፡ ኣብታ ልኡላዊት ሃገር ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ምንባሩን ሎሚ’ውን ካብዚ መስመርዚ ከይወጸ ይቕጽል ምህላዉን ርዱእ እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጽሕ ጉዕዞ ነዊሕን መሪርን፡ ክቡር ዋጋን ግዜን ዝሓተተን ሓያሎ ተኸታተልቲ ምዕራፋት ዝሓቁፍን ምዃኑ ህዝብና ናብቲ ቃልሲ ክኣትውን እንከሎ ዝተረደኦ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ “ናጽነት ወይ ሞት” ዝብል ዝጨረሖ ኣምሪሑ ክስለፍ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ክሳብ ዓወት ተሪሩ ኣብ ቃልሲ ክቕጽል ዝወሰነ ምንባሩ ዘመልክት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣቐዲሙ ከም ዝመርርን ዝነውሕን ዝተረድኦ ጉዕዞ ተጓዒዙ ዝተሓተቶ ዋጋ ሳላ ዝኸፈለ ኤርትራ ብ1991 “ናጽነት ወይ ሞት” ግብራዊ ኮይኑ ናጻ ኮይና። ብሕጋዊ መልክዕ ከኣ ብመንገዲ ናይ ህዝባ ውሳነ (Referendum) ብ1993 ልኡላውነታ ለቢሳ። እዚ ካብቲ ምዕራፋት ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝደመቐን ዝለዓለን ነይሩ። እዚ ብኹሉ መለክዒ ጸብለል ዝብሉኻ ንሓቅን ፍትሕን ደፊኖም ብሓይሊ ዝንየቱ ዝነበሩ ናይ ግዳም ገዛእቲ፡ ብሳላ ሓድነትን ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ብዘየዳግም ዝተበደሃሉ እዩ። እዚ ተመኩሮ ንካለኦት ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነኦም ዝቃለሱ ወገናት’ውን ኣፍደገ ዝኸፈተን ሓድሽ ምዕራፍ ዓወት እዩ። ብዘይካዚ እዚ ምዕራፍዚ ነቲ ቀጻሊ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት “ድሕሪ ናጽነት’ውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝተዘመረሉ ምዕራፍ ቃልሲ መንገዲ ዝጸርግ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ካልእ ወሳኒ ዝገበሮ ምኽንያት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ቀጻሊ ምዕራፋት ቃልሲ ንምዕዋት ዝጽበዮ ጻዕርን ቃልስን ከም ዝህሉኳ እንተዘይዘንገዐ፡ ብመንጽርቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ዝተኻየደ ቃልሲ፡ እዚ ዳሕረዋይ ዝቐለለ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይርዎ። እዚ ግምቱ ከኣ ኩልና ኤርትራውያን፡ በሃግቲ ሰላም፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ስለ ዝኾና፡ ዓቕሚ እንተዘይሓጺሩናስ ኣብ ሕድሕድና ምውጣጥን ምጥልላምን ኣይክህሉን እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። ብግብሪ ግና እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ኤርትራዊ ዝመስል ብግብሪ ግና ካብ ገዛእቲ ዘይድሕር ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍ ስለ ዝተፈጥረ።
ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምስተመዝገበት፡ ኣብ ጉዳይ ምህናጻ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቀጻልነታ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘማትእ ኣይነበሮን። ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ በቶም ክገዝእዋ ፈቲኖም ዝተሳዕሩ “ገዛእቲ ነበር” እውን ንልኡላውነታ ንድሕሪት ዝመልስ ሕቡእ ስምዒት እንተዘይኮይኑ ሰማዒ ዝረክብ ድምጺ ኣይነበሮን። ኣብ ገዛእ ከርሳ ኣንጻራ ዝተጠንሰ ሎሚ መዓልቱ ሓልዩ ዝውለድ ዘሎ ጥልመት ከም ዝነበረ ግና እነሆ ሎሚ ተጋሂዱ። ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይወልደኦ” ዝበሃል ከኣ ኢሳያስ ወዮ ውሽጠ ውሽጢ ዝሓቑኖ ዝነበረ ተንኮል ብዘሕፍር ኩነታት ተጠሊዑ ክድርጐሖ ንሰምዖ ኣለና። እቶም ንኤርትራ ከም ጡብ ኣዲኦም ቀቢጾማ ዝነበሩ ተረፍመረፍ መግዛእቲ ከኣ ብሃተፍተፍ ዲክታተር ኢሳያስ ተተባቢዖም ናብ ባሕሪ ኤርትራ እንዳማዕደዉ ከንባህቑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ካብዚ ሎሚ ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዝተዓጸወ መዛግብቲ እንዳገንጸልካ ናይ ጣዕሳ ንፋስ ናይ ምዝራው ሃቐነታት ብዙሕ እንመሃሮ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ኣብ መስርሕ ዝተናውሐ ቃልሲ ሓደ ምዕራፍ ዛዚምካ ናብቲ ዝቕጽል ክትቋመት እንከለኻ፡ ናብቲ ዝተሰግረ ምዕራፍ እውን ምቕላብን ቀጻሊ ሓለዋ ምክያድ ዘይስገር ሓላፍነት ምዃኑ እዩ። ብግብሪ ኣብዚ ብኸመይ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ድልዱል መሰረት ምእንቲ ክትህነጽ ክንቃለሰሉ ዘለና ምዕራፍ ንልኡላውነታ ዝምልከት ቀጻሊ ሓለዋ ከም ዘድልየና ንዕዘብ ኣለና። እነሆ ከኣ ወዮ ናብ ብኸመይ ኤርትራ ሕገምንስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያትዊትን ትኸውን ኣድሂቡ ዝነበረ ምሉእ ዓቕምና፡ እንተላይ ናብ “ብኸመይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ይዕቀብ” ናብ ዝብል ከነማዓዱ ኣብ እንግደደሉ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ምዕራፍ ክንኣቱ ተገዲድና ኣለና።
ኤርትራ ናይ ጽባሕ እንታይ ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ የድልና? ዜጋታታ ተጠቀምቲ ናብ ዝኾንሉ ደረጃ ንምብጻሕ ኣየናይ መንገዲ እንተሓዝና እዩ ዝምረጽ? ኣብ ዝብሉ ተወዳደርቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫታት ከም ዘለና ፍሉጥ እዩ። ዕላማና ሓደ፡ ኤርትራ ናይ ምህናጽን ምምዕባልን እንዳሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ ምውዳብና ምስጢር ከኣ እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ጽባሕ ኣብ ሕቑፊ ሓደ ህዝቢ ብድምጹ “ይርሓሰና” ዝበሎ ሕገመንግስቲ ስለ ዝመሓደር ጸጋ እምበር ዘሰክፍ ኣይኮነን። ናብኡ ክንበቅዕ ግና ናይ ግድን “ናይ ኩልና” እንብሎ ውሑስ ናይ ሓባር መዋስኢ መድረኽ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ። ንሱ ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣጽኒዑ ዝዓቀበ ናይ ሓባር መድረኽ እዩ። ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ከም ኣውንታዊ ኣብነት ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተዋሕሰሉ ነናትካ ኣተሓሳስባ መዚዝካ ንቕድሚት ኣምጺእካ ምውጣጥ ግና ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃልዩ ክኸውን። ስለዚ ነዚ ንኹልና ዘዋስእ ናይ ሓባር ልኡላዊ መድረኽ ኩልና ብሓባር ክንዕቅቦ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ግዜታዊ ግደታ እምበር፡ ተደለኻ ትኣትዎ እንተዘይደለኻ ከኣ ትጥንጥኖ ኣይኮነን።
እዚ ዕማምዚ ትሕቲ ኤርትራውነት ዝኾኑ ስምዒታትን ናይ መንነት ኣተሓሳስባን ንቕድሚት መዚዝና ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ጉዳያት ንምጽብጻብ ቀዳምነት ሂብና ንሓለዋ ልኡላውነትና ካለይ ደረጃ እነትሕዞ ዋኒን ኣይኮነን። ንኹሉቲ ጸጋታትና ዝኾነ ብዙሕነትና ኣመሓዲርና ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ከምትህነጽ ከይዘንጋዕና ኤርትራዊ ልኡላውነት ኩልና ኤርትራውያን በብዓቕምና እነበርክተሉ ሰፊሕ፡ ወሳንን እዋናውን መድረኽ እዩ።
ኢድ ኣእታውነት ንሓደን ጽድቒ ነቲ ካልእን ሓጥያት ኮይኑ ዝግለጽ ኣይኮነን
Tuesday, 20 October 2020 20:54 Written by ብርሃነ ተስፋጋብርኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ (ዶ/ር)ን ናይ “ሰላም ስምምዕ” ተኸቲሙ ካብ ዝበሃል ድሮ ክልተ ዓመታት ሓሊፉ። እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዙሕ ኢሳያስ ሓቢእዎ ዝጸንሐ ዘይቅዱስ ስምዒታት ገንፊሉ ዝተጋህደሉ ነይሩ። ካብቲ ብዙሓት ክትርሰዖ እንተበልካ እውን ዘይርሳዕን ዘገርምን ስምዒታቱ እታ “ድሕሪ ሕጂ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እዩ ዝመርሓና” ዝበላ ወትሩ ካብ ኣእምሮ ኩልና ዘይትወጽእ እያ። “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብስምዒት ከይመስለኩም ብልበይ እየ። ኣነ እውን ምስኡ ኣለኹ” ብዝብል ምደማቑ ከኣ “እዚ ከኣ ዝገደደ” ዘብል ነይሩን እዩን። ኣስማት ከተማታት ኤርትራ እንዳጸወዐ፡ ናብኣተን ፈቓድ ከይሓተትካ ከም ድላይካ ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ’ውን ኢልዎ።
ኣቐድም ኣቢሉ “ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ንየማነ ገብረኣብ ኣኸቲሉ ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸድሉ፡ ንዶር ኣብይ “ዕድለኛታት ኮይና፡ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ኢሉዎ ነይሩ። ነዚ ኣበሃህላኡ ዝሰምዑ ኣእምርኦም ስለ ዝሰሓቱ ባዕላቶም ምግንዛብ ዘዋደቕዎ ቁንጣሮ ኣዳኸርቲ ጉጅለ ህግዲፍ “ትግርኛ ቋንቋ ኣዲኡ ስለ ዘይኮነ እምበር፡ ኢትዮጵያ ምቕሉል መራሒ ረኺባ ማለቱ’ዩ ነይሩ” ብዝብል፡ ከጸባብቕሉ ፈቲኖም። ድሕሪ ሰሙን ወዮ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ክመጻረን ቃላት ክመርጽን ዝህቅን ብኣተሓሳስባ ዘይርጉእ ኢሳያስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሸሓት ሰባት ባዕሉ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምስ ዳሕደሖ፡ ወዮም መመሳምስቲ መልሓሶም ሓይኾም ኣጽቂጦም። “እዝስ ዓገብ’ዩ” ምባል ጸድፍን ቀላይን ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም፡ ክሳብ ሕጂ ከመኻንይሉ ዝፍትኑ’ውን ኣለዉ።
እቶም ዑስማን ሳልሕ ብጌጋ ኢልዎ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ከም ሕሱም መተገንሐ፡ ምናልባት እውን ናብቲ እንዳ ብዙሓት ኮይኑ ዘሎ ጐዳጉዲ ዒራዒሮ መኣተወ፡ ስለዚ ተቐይሱ ዝተዋህቦ እዩ፡ ክብሉ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት ግና፡ ናይ ኢሳያስ ኣብ ውሽጡ ክሕቆን ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግና ዱቦላ ዝኾኖ ኣበሃህላ ምስ ሰምዑ “ኣይበልናንዶ” ኢሎም። ኢሳያስ ከኣ ሓንሳብ ኣብ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዕጥቁ ስለ ዝፈትሐ፡ ወዮ ህዝቢ ኤርትራ ክርእይ እንከሎ ዝጽወግ ገጹን ዘይክፈት ኣፉን ኣብ ኣዋሳ ምስ ከደ ብሓጐስን ስሓቕን ደሚቑ። ኣብ መሬት ኣሳፊሑ ብዓበይቲ ዓዲ ብሄረሰብ ሲዳማ ማይ ደግሚ ተነጺግዎስ፡ ነቲ ዓበድበድ መሊሱ ወሲኽሉ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ።
ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ዘምርሕ ትዕግስቲ፡ ጹረትን ምክእኣልን ከም ዝረሓቖን ክሳብ ሕጂ እውን ከምዘየብሉን ብብዙሕ ግብራዊ ስጉምትታት ኣመስኪሩ እዩ። ኣብ 20 ሰነ 1991 ተጠሊዑ “ድሕሪ ሕጂ ብውድባት ሓሸውየ የለን” ምባሉ፡ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ ክፋል ኣካሎም ንሃገርን ህዝብን ዘወፈዩ ሓርበኛታት፡ ብኣፍልጦኡ ኣብ ማይ ሓባር ንዝተወስደ ናይ ቅትለት ስጉምቲ ከይሓፈረ ነቶም ግዳያት፡ “ሕንቂቖም እዮም ሕራይ ኮኑ” ኢልዎም። ካብ ሽዑ ንደሓር መስመሩ ከም ዝሰሓተ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝያዳ ብሩህ ኮይኑ። እቲ ድሕሪኡ ካብኡ ጽቡቕ ንምርኣይን ንምስማዕን ዝነበረ ትጽቢት ባዶ ምንባሩ ተነጺሩ “ከንቱ ውእቱ” ኮይኑ። ሕጂ እውን ንቁልቁል ገጹ’ዩ ዝጸድፍ ዘሎ።
ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግብሪ ኮነ፡ እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብዝህብዎ ምስክርነት ክምዘን እንከሎ፡ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሎሚ “ትጋገ ኣለኻ” ንዝብሎ ዝጸውር ትዕግስቲ ዘየብሉን ብናይ “ወይ ነዓይ ወይ ንዓኻ” ኣግላሊ ስምዒት ፈሊሑ ዝገረረን እዩ። እቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ዕባራ ምኽንያታት እንዳፈጠረ፡ ሓርበኛታት ዘጥፈኣሉ ስጉምትታት እቲ ቀንዲ ሕመረቱ “ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ግጉይ’ዩ” ስለ ዝበልዎ እዩ። እቲ ኣብ ጽምዋ በረኸታት ዝተገብረ ተዲፊኑ ዘይተርፍ ስንክሳራት’ሞ ይጽነሓልና፡ ጉጅለ 15፡ ሰዓብቶምን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት ዝሓቅሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ብዘይካ “ሒዝካዮ ዘለኻ መንገዲ ንህዝብና ዘርብሕን ንዝኸፈልናዮ ክቡር ዋጋ ዝምጥንን ኣይኮነን እሞ ካብ መንገዲ ጥልመትን ዓመጽን ተመለስ” ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ገበን የብሎምን።
ኢሳያስ ብኽንዲዚ ዝተጠቕሰ ደረጃ “ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ሓላፍነት ኣይበቓዕካዮን፡ ደጊም ካብ ናይ ሜዳ ህጹጹነት ዝዓብለሎ ምምሕዳር ወጺእና፡ ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንሓዝ” ንዝበሉ ኤርትራውያን፡ ክቐትል፡ ክስውርን ክኣስርን ጸኒሑን ኣሎን። ምስዚ ኩሉ ግና ንሱ ድዩ ኣሚንዎም ወይስ ንሳቶም እዮም ጉዳይ ህዝቦም ስለ ዘይዓጠጦም “ንኺድ ጥራይ” ኢለምዎ፡ ከም የማናይ ኢዱ ዝውሰዱ ውሑዳት ወተሃደራውን ሲቪላውን ምእዙዛት ተሰከምቲ ዳዊት ኣለዉዎ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ኢሳያስ ኣብ ክንዲ፡ “ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ወይ ካልእ ካብቶም እሙናቱ ዝበሃሉ ሓደ ይምረሓና” ምባል፡ ንዓኣቶም’ውን ፈንፊኑን ንዒቑን፡ “ድሕሪ ሕጂ ኢትዮጵያዊ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እዩ ዝመርሓና” ኢሉ። ካብኡ ኣይትሕለፉ ብዝብል፡ ነቲ ጠልመቱ ንከራጉድ ከኣ “ከምዚ ዝብል ዘለኹ ብስምዒት ከይመስለኩም ብልበይ እየ ። ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ” ምባሉ ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር። እቶም ነዚ ኣበሃህላኡ “ናይ ስኽራን፡ ናይ ታህዋኽ ወይ ስምዒት እዩ” ኢሎም ከመኻንዩ ዝፍትኑ፡ እቶም ዝሰኸሩን ሕመቖም ክኽውሉ ዝደልዩን ንሳቶም ምዃኖም ክእመኑ ይግበኦም። እቲ ቀንዲ ትርጉም ናይዚ ኣበሃህላኡስ ኢትዮጵያዊ ወራስ ዓራት ስለ ዝደለየ እዩ። እቲ ዝዓመቈ ትርጉሙ ከኣ ንኤርትራዊ ልኡላውነት ከም ገጸ-በረኸት ንኢትዮጵያ ምርካብ እዩ።
እዞም ክልተ ሰባት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ዘይጽኑዕ መሰረት፡ ኣብ ዘየለ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝይግሉጽ ሃዋህውን ዝኸተምዎ ናብ ህዝቢ ሱሩ ዘይሰደደ ስምምዕ እዩ። እዚ ስምምዕ ውጽኢቱ ትሕቲ ትጽቢት ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ጠቕሊሉ ከም ዝሃጐጐ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ናይ ምምካኑ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ስምምዕ ናብ ህዝቢ ዘይወረደን ትካላዊ መልክዕ ዘይሓዘን፡ ጽባሕ ምትኳሱ ዘይተርፍ ነታጒ ዝሓቖፈን ብምዃኑ እዩ። ሃገራውን ህዝባውን ዕዮ ገዝኡ ዘይዓመመ መራሒ ኮነ መንግስቲ፡ ኣብቲ ምስ ካለኦት ኣካላት ዝሃርፎ ሓድነት ኮነ ሓቢርካ ምስራሕ ከድሚ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ ምስቲ “ህዝበይ” ዝብሎ ወገን ዘይተዓርቀ፡ ብኣንጻሩ ሃገር ኣፍሪሱ ህዝቢ ከብርስ ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር ኢሳያስ ምስ ጐረባብቲ ኮነ ምስ ከባቢ ኣፍራስን ኣዕናውን እንተዘይኮይኑ ሃናጽን ሓቋፍን ብጽሒት ክህልዎ ማለት ዘበት እዩ።
17 ጥቅምቲ 2020
ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ብቕድሚ ትማሊ ንሳልሳይ ግዘ ተዛትዮም።
ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝነበረ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ፡ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብቲ ዘተ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥቢታት ከምዝተልዓሉ ይዛረብ።
ሕገ መንግስቲ
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ዘተ ዝተገበረሎም ዛዕባታት ሓደ ከምዝነበረ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለዉ ምምሕያሽ ዘድልዮም ዓንቀጻት ከምዝተመያየጡ ሓቢሩ።
እቶም ክመሓየሹ ኣለዎም ዝተብሃሉ ዓንቀጻት ቀጻሊ ልዝብ ዘድልዮም ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ ከምዘድልዮ ብኣብዝሓ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።
መዓዝ ይመሓየሽ ንዝብል ድማ፡ ተኣማንን ፍትሓውን መረጻ ምስተኻየደ፡ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ክፍጸም ተሰማሚዕና ኢሉ።
መዋቕር ፖለቲካዊ ሰልፊታት
እቲ ካልኣይ ሰፊሕ ዘተ ዝተገበረሉ ጉዳይ፡ ኣወዳድባ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኢትዮጵያ እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ከምዝኾነ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብዚ እዋን እንታይ ይመስል? ኣብ ዝቕጽልከ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ኣብ ዝብሉ ነጥቢታት ከምዝተዘራረቡ ሓቢሩ።
ኣብ ሓደ ክልል ጥራሕ ዝንቀሳቐሱ ውድባት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም እንተኾይኖም ብሓደ እንተዝወሃሃዱ ዝብል ሓሳብ 'ውን ቀሪቡ ኢሉ።
ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሎም፡ ኣብ ሓደ ብሄር ዝበጽሕ ጭቆና ደው ንምባል ወይ መንነት ብሄሮም ክፍለጠሎም ኢሎም ዝተጣየሹ ውድባት ከምዘለዉ ኣብቲ መድረኽ ዝተልዓለ ኮይኑ፡ መሰል ውድባት ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዞም ክውደቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ እኡ።
ጎንጺ
ጉዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጎንጺታት፡ ካልእ ዛዕባ እቲ መድረኽ ዝነበረ ነጥቢ እዩ።
መልዐሊ እቶም ጎንጺታት እንታይ እዮም? ኣብ ዝብል ዘተ ከምዝተገበረ ዝልጽ ፕ/ር በየነ ጴጥሮስ፡ ስእነት ሰናይ ምሕደራን ልዕልነት ሕጊ ዘይምኽባርን ከም ቀንዲ ምኽንያታት ጎንጺ ከምዝተልዓሉ ተዛሪቡ።
ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዘይምርድዳእ እንታይ እዩ? ፍታሕ ዘድልዮም ኣየኖት እዮም? ክፍትሑ ዘይኽእሉኸ? ዝብሉ ጉዳያት ክፍለዩ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ ኢሉ።
መረጻ
መረጻ ኣካል እቲ ዘተ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብ ዘነበ ንጉስ ሃ/ስላሰ ጀሚሩ ዝተኻየዱ መረጻታት ዲሞክራስያዊ ከምዘይነበሩ ተጠቒሱ።
ኣብ ቀጻሊ ዝክየድ መረጻ መዓዝን ከመይን ይካየድ ኣብ ዝብል ከምዝተዘራረቡ ዝገልጽ ፕ/ር በየነ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ከይተረጋገጸን ሃገራዊ ምርድዳእ ከይተገበረን መረጻ ምክያድ ከቢድ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዝተልዓለ ገሊጹ።
ብኻሊእ ገጽ ገለ ኣካላት፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር እታ ሃገር ዘይሕጋዊ እዩ ይብሉ ስለዘለዉ፡ ጸገም ከይፍጠር መረጻ ምክያድ ግድን እዩ ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝተልዓለ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ካብቶም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ውድባት ዝበዝሑ መረጻ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎም ፕ/ር በየነ ገሊጹ።
ካሊእ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ ፕ/ር መረራ ጉዲና ድማ ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ተላዒሎም እምበር መዕለቢ ከምዘይተገበረሎም እኡ ዝገልጽ።
"መንግስቲ ከምዚ ግበር፤ ተቓወምቲ ድማ ከምዚ ግበሩ ዝብል ነገር የብሉን። ስቕ ኢልካ ሓሳብ ምሃብ ጥራሕ እዩ ነይሩ" ዝብል ፕ/ር መረራ፡ " መንግስቲ ኣብዞም ዘተታት ዝለዓሉ ነጥቢታት ሃገራዊ ረብሓ ኣለዎም እኡ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑን እንተተግቢሩዎምን ጽቡቕ ውጽኢት ክርከቦ እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ግዘ ካብ ምጥፋእ ካሊእ ትርጉም የብሉን" ኢሉ።
ብተወሳኺ መረጻ ሰላም፥ ሰናይ ምምሕዳርን ዕብየትን ከምዘምጽእ ዝገልጽ ፕ/ር መረራ፡ ነዚ ንምፍጻም ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ሓቀኛ ምርጫ ንምክያድ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ምትእምማን ኣሎዶ? ነቲ መረጻ ከፈጽም ዝተጠየሰ ቦርድኸ ዘይሻራዊ ድዩ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ጥርጣረ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ "ንሕና ኣብ ልዕሊ ቦርድ መረጻ ጥርጣረ ኣለና ንብል፤ መንግስቲ ድማ ቦርድ መረጻ ዘይሻራዊ እዩ ይብል። ኣብዚ ጉዳይ ኣይተረዳዳእናን" ኢሉ።
እቲ ጉዳይ ኣብቲ መድረኽ ከምዝተልዓለ ዝገልጽ ፕ/ር መረራ ጉዲና፡ መንግስቲ " እዚ መረጻ በቲ ኢለ በዚ ኢለ ከሕልፎ እየ" ዝብል ቅዋም ዝሓዘ ከምዝመስል ተዛሪቡ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንዝነፈጎም መሰላት ከምዝጭበጡ ምግባር
(መጽሐት ዲሞክራስያዊት ኤርትራቁጽሪ 73፡ 2006)
ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ፡ በብዓቕሙ ንምዕዋት ናይ ብረታዊ ተጋድሎና ዘበርከቶ ግደ ከምዝነበሮ ዝእመን’ዩ። እቲ ዝዓበየ ጾርን ዝኸበደ ዕማምን ግን፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝተሰከምዎ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ኢዩ። ግደ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ብቓላት ምግላጹ’ኳ ዘይከኣል እንተዀነ፤ ዓቐብን ቍልቍለትን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ መውጋእትን መስዋእትን ከየሰነፎ ብረቱ ተሓንጊጡ ክሳብ ናጽነት ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰን፤ ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝገበረን ክፋል ናይ ሕብረተ-ሰብና ምዃኑ ግን፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።
እዚ ወለዶ’ዚ፡ ሓላፍነቱን ግቡኡን ፈጺሙ፡ ንድሕሪኡ ዝመጸ ወለዶ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ዝዀነት ሃገር ኣረኪቡ ይሓልፍ ኣሎ። ናይ ሕጂ መንእሰይ ወለዶ ድማ፡ ነዚ ሕድሪ’ዚ ኣጽኒዑ፥ ንድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶታት፡ ሰላምን ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና፥ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ከረክብ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክግንዘብ ይግብኦ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ’ዚ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ኣብ ቅድመ-ግንባር ኢዩ ክስለፍ ዘለዎ።
ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡-
ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ዓለም፡ ድሕሪ ንፍርቂ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ፡ መስዋእትን ስንክልናን ህልቂትን ምዝንባልን ስደትን ድኽነትን ዝሰፈኖ መዋእል እተረኽበ ናጽነት፡ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ዝረጋገጸሉ ሓድሽ መድረኽ ክኸውን’ዩ ዝብል ትጽቢትን ሕልምታትን ኢዩ ነይርዎ። ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ተበጊሱ ከኣ’ዩ ህዝብና ክሳብ ናጽነት ዝተረጋገጸሉ ዕለት ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰ። እንተዀነ ግን፡ ሕማቕ ዕድሉ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ፡ ንደምን ርሃጽን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ፡ ኣብ ብሕታውን ውልቃውን ረብሓታቱ ከውዕሎ ስለዝተረኽበ፡ ህዝብና “መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ” ኰይንዎ ጌና ብናይ ስቅያት ሓለንጊ ክግረፍ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀሲኑ ክመሃርን ክሰርሕን ኰነ፡ ተመርዕዩ ወሊዱን ከቢዱን ክነብር ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ እቲ ስርዓት ወግሐ-ጸብሐ ዝውልዖ ውግኣት እናኣተወ ክሃልቕን ክስንክልን፤ ንዝፈትዎ ህዝብን ሃገርን ራሕሪሑ ናብ ስደት ከምርሕን፤ ኣብ ምድረ-በዳታት ብጽምን ጥምየትን ህይወቱ ክሓልፍን ድራር እንስሳታት መሮርን ዓሳታት ባሕርን ክኸውን ኢዩ ዝርአ ዘሎ። እቲ ካብ’ዚ ዕጫ’ዚ ዝደሓነ ከኣ፡ ኣብ ናይ “ልምዓት መደባት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዱ፡ ንረብሓ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ ሰበ-ስልጣን ከገልግልን፤ ኣብ መዐለሚ መደበራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ተዳጕኑ ዕሸል ዕድሚኡ ብኸንቱ ከሕልፍን ኢዩ ዝርከብ ዘሎ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ዘቖሞ ማሕበር ተምሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ፡ ስርሑ ነቲ ስርዓት ምምጓስን፥ ንግናይ ገጻቱ ምምልካዕን፥ ንጌጋታቱ ምሽፋንን እንተዘይኰይኑ፥ ብዛዕባ ንመንእሰያትናን ተመሃሮናን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ክግለጽ ኰነ፤ ንመሰላቶም ክጣበቕ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ሓለፍቲ ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ እሙናት ኣገልገልትን ኣካላት ናይ’ቲ ስርዓት እምበር፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ዘገልግሉና ኢዮም ኢሎም ብናጽነትን ኣብ ትሕቲ ዲሞክራስያዊ ሃዋህዉን ዝመረጽዎም መራሕቲ ኣይኰኑን። እቶም ንሓቀኛ ንጥቕሚ ናይ’ቲ ማሕበር ዝሰርሑ ዝነበሩ መንእሰያትን ተመሃሮን ከኣ፡ ገሊኦም ተሰዲዶም ዓዲ ጓና ተዓቚቦም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ናይ ትምህርቲ ናጻ ዕድል ኣብ ወጻኢ ዝረኸቡ ወይ ድማ ንስፖርታዊ ውድድራት ዕድል ረኺቦም ካብ ሃገሮም ዝወጹ መንእሰያት፡ በብዝኸድዎ ዑቝባ ክሓቱ ኢዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።
ራእይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ መንእሰያት፡ ሞተር ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ኢዩ ዝርኢ። ብዘይ መንእሰያት፡ ብሩህ መጻኢ ዕድል ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ብልጽግትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምህናጽ ከምዘይከኣል ድማ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ብትምህርቲ ተዀስኲሱ ክዓቢ፡ ኣብ ኪነታውን ስፖርታውን መዳያት ብምንጣፍ ጥዑይ ኣእሙሮን ጥዑይ ኣካልን ክውንን፡ ካብ መስተን ካልእ ሕማቕ ልማዳትን ክርሕቕን ናይ ሃገርን ህዝብን ሓላፍነት ክስከምን ዝኽእል መንእሰይ ንምህናጽ ኢዩ ዝቃለስ።
ነዚ ራእይ’ዚ ክውን ንምግባር ግን፡ ህዝብን መንግስትን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፤ ሰላም ዝሰፈኖ ሃገርን ዞናን ክህሉ ከምዘድሊ ዘካትዕ ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ራእይና፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝነፈጎም ናይ ሰላም፡ ማዕርነት፡ ትምህርቲ፡ ናጻ ማሕበር ናይ ምምስራት መሰላት ብቓልሶም ከምዝጭብጡ ምግባር ኢዩ።
ውሳኔ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 23-27 ሓምለ ዘካየዶ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤኡ፡ ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፥ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ብዕምቈት ተመልከቶ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ውድባዊ ቅርጻኡ፡ ንጕዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ክህሉ ወሰነ።
እዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ፡ ኣቦ መንበርን ምኽትሉን ሓላፊት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ዘለዉዎ ኣካል ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ንምርኻብ ዘኽእሎ ትካላት ውን ክህልውዎ ኢዮም። ዕላማ፡ ናይ’ዚ ቤት ጽሕፈት’ዚ ከኣ፡-
- መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ናጻ ማሕበራቶም ክምስርቱ ምትብባዕን፤ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ንዘጋጥሞም ጸገማት ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን፤
- መንእሰያት፡ ብናይ ልዝብ ባህልን ናይ ሕድሕድ ምክብባርን ከም ዝዓብዩ ምግባርን፤ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ንቕሓት ምስራጽን፤
- ስፖርታውን ስነ-ኪነታዊ ንጥፈታት ምትብባዕ፤
- ንመንእሰያት ዝኸውን ትምህርታውን ናይ ሞያ ስልጠናን ዕድላትን ምድህሳስ፤
- ሃገር ንምምራሕ ዝኽእሉ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ምፍራይ።
- ኣብ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝካየድ ቃልስታት፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝዓቢ ንምግባር ምጽዓርን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብቲ ብ2019 ዝተቓነዐ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ እውን ጉዳያት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ነናቶም ኣብያተ-ጽሕፈት ንክህልዎም እዩ ወሲኑ።
ሃገርና ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ልኡላዊ ክብሪ ዝበጽሐት ብኣዝዩ ነዊሕን ውረድ ደይብ ዝመለኦ መንገድን ብኣዝዩ ኩቡር ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋን ምዃና ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ካለኦት ሃገራት ናይ ሃገርነት መዓርግ ዝረኸባሉ መስርሕ ክረአ እንከሎ እቲ ንኤርትራ ዝተኸፈለ ዋጋ ወርትግ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ዝያዳ ዝዓዝዝን ንድሕሪት ከይትምለሶ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዝሕልዋን ከኣ ብመጽርቲ ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ብራኸ ንክትበጽሕ ናይ ዝኸፈሎ ዋጋ ክብርን ዝተረከቦ ናይ ሰማእታቱ ዓሚቕ ሕድርን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ግዜ ናጽነት ተጸሚምዎን ንኽዕረይ ዕድል ሂብዎን እዩ። ህዝብና ብኽንድዚ ደረጃ ክዕገስ ዝመረጸ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ ስለ ዘየሕመሞ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ክሳብ ዘየውደቐ እቲ ካልእስ “ኣብ ግዜኡ ክመጽእ እዩ” ብዝብል ረዚንን ሓላፍነታውን ሓልዮት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግና ኢሳያስ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ብኩራት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብዓባያ እታ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ክሽንቁጣ ከም ዝደሊ ኣፉ መሊኡ ተለፋሊፉ። ሕጂ እውን ከምቲ “ካብ ዓበቕካስ ተቋናደፍ” ዝበሃል ወዮ ዲክታቶር በቲ ዝጀመሮ መንግዲ ይዕዘር ኣሎ። ነዚ ንምእማኑ ዘጸግም ጥልመት ዝተዓዘበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል “ደጊም ወየ ጉሒላ ብዘይምጻእ መጺኡና” ብዝብል ቁጠዓኡ ሰማይ ከም ዝዓርገ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። በቲ ሓደ ወገን ምግሃድ ይኣክልን ካለኦት ህዝባዊ ምዕዓላትን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም ንይቲ ቁጠዐ ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ህግደፍ ካብ ቅድም እውን ህዝቢ ዘሳቕየሉን፡ ኣብ ክንዲ ጉዳዩ ክርኢ ናብቲ ጸይቂ ኣካይዳኡን ምዕራዩን ዘቕልብ፡ ናብ ድገደገ ከማዕዱ ኣፍደገ ዝኸፍቱ ምኽንያታት ካብ ምምሃዝ ዓዲ ኣይወዓለን። ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ተጋህደ ከኣ ንህዝብና ዝኾነ ዝለሓስን ዝቕመስን ኣብ ዘየብሉ፡ ኣብ ገዛውቱ ዓጽዩ የሳቕዮ ከም ዘሎ ንኹላትና ብሩህ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ኣብዚ ቀረባ፡ ምንቕስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንዲሞክራሲ (ምመኤዯ) ብ11 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘውጸኦ ሓተታ ዝጠቐሶ ሓበሬታ እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ብ29 መስከረም 2020 ቢንያም ዝበሃል ወዲ ጀነራል ተኽለ ተኽላይ (ማንጁስ) ኣብ ከተማ ኣስመራ ተመርዕዩ። ኣብዚ መርዓኡ ኣስታት 600 ደቂ መዛምርትን ወሳርቕት ናይቲ ኣእዳዉ ብደም ኤርትራውያንን ስርቅን ዝተሓጽበ ጀነራል ተዓዲሞም። ካብዞም ዕዱማት ኣብ መርዓ ወዲ መሳርቕቶም ክሳተፉ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ተወከልቲ ሕብረተሰብ ረሻይዳ’ውን ነይሮም። ብዛዕባቲ ኣብቲ መርዓ ዝፈሰሰ ሹሻይን ነቲ ዕሉል ሸያጢ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲሰብ ጀነራል ዝተዋህበ ህያብን ዝምልከት ዝርዝር፡ ወይልኡ ደኣ ነቲ ዘዪዱ ዝረኸበ ህዝብና እምበር፡ ርዱእ ስለ ዝኾነ ምጽብጻብ ዘድልዮ ኣይኮነን።
እዚ ኣጋጣሚ ታራ ማሕበራዊ ተረኽቦ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ምስዚ ህዝብና ዘለዎ ሃለዋት ኣዛሚድካ ዓሚቕ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ። ተኽለ ማንጁስ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ኣድቢኻ ብዘይግቡእ ሃብቲ ብምውህላል ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቶም ብኸበድቲ ናይ ህይወት ገበናት ዝሕተቱ፡ ነቲ ብዋጋ ብዙሓት ዝተረኽበ ኩለመዳያዊ ጸጋን ክብርን ሃገር ዝጻወትሉ ዘለዉ ውሑዳት ጐሓላሉ ቅድሚት ዝስራዕ ምዃኑ ምግንዛብ ዘድልዮ እዩ። እቲ ካልእ መልእኽቲ ናይ ውራይ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ኣይኮነንዶ ካብን ናብን ኣስመራን ካለኦት ከተማታትን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ከተማ እውን ምንቅስቓስ ተሽከርከርትን ቀረብ መሰረታዊ ነገራት ኣጽኒዑ ኣብ ዝኣገደሉ፡ ዕዱማት ናብ መርዓ ወዲ ጀነራል ግና ካብ ሱዳንን ጫፍ ከተማታት ኤርትራን ብምሩጻት መካይን ናብ ኣስመራ ክኣትዉ ምፍቃዱ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ተዓጊቶም ዘለዉ ዜጋታትና ናብ ቤተሰቦም ክምለሱ ብተደጋጋሚ ተማሕጺኖም ክንሶም ከምዘይተፈቕደሎም ዝፍለጥ እዩ። ዕዱማት መርዓ ወዲ ጀነራል ግና ኣማኢት ጤለበጊዕ ጽዒኖም ብኮለነላት ተሰንዮም ካብ ሱዳን ኣስመራ ኣትዮም። እምበኣር ናይዚ ተረኽቦ ማእከላይ ትርጉም ጉጅለ ህግዲፍ ንህዝብና ዓጽይዎ ዘሎ፡ ባዕሉ እንዳቐተሎስ ካብ ቫይረስ ክሕልዎ ደልዩ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ከሳቕዮን ከዳኽሞን ስለ ዝደለየ ምዃኑ እዩ። ንተመሃሮ ኣገዲድካ ናብ ሳዋ ናይ ምስዳድ ጉዳይ እውን ምስዚ ዝድመር ሕሳብ እዩ።
ከምቲ ግቡእ እዚ ወዱ ኣመርዕዩ ዝተባህለን ካለኦት ኣብቲ ናቱ ደረጃ ዝበጹሑ፡ ነቲ ደረጃኦም መን ዋጋ ከም ዝኸፈለሉ ክርድኡ መተገበአ። ነቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ደረጃ ከኣ ኣብ ክንዲ መሰል ህዝቢ መግፈፍን ንብረቱ መስረቕን፡ ንሓቀኛ ህዝባዊ ረብሓ መውዓልዎ። እዚ ተግባራቶም ከምቲ “በይኑ ይበልዕ በይኑ ይመውት” ዝበሃል ጽባሕ ዋጋ ከም ዝኽፍሎም መተርድኡ። እንተኾነ ብናይ ጥልመት መንግዲ ንቑልቁል ይንቆቱ ኣለዉ። ድሕሪ ሕጂ ካብዚ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ወጺኦም ናብቲ ንቡር ደሃይ ህዝቢ ዝሰምዕ ናይ ምምላሶም ዕድል ዕጹው እዩ።
እዞም ህዝቢ ክሒዶም ዝተቐብጹስ ተቐቢጾም፡ ናይቶም ዝረአ ነገር ክርእዩ ዘይከኣሉ ደድሕሪ እዞም ጐሓላሉ ዝዓብዱ ውሑዳትከ ምስ ምንታይ ይቑጸሩ?፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መዋጸኦ እምበኣር ደድሕሪ እዚኣቶም ምኻድ ኣቋሪጽካ “ደጊም ይኣክል” ምባል ሓደ ስጉምቲ እዩ። እቲ ቀንዲ መኸተ ከኣ ኣብ ክንዲ ስቕ ኢልና ክሳብ ጸጊቦም ዝገድፉና ንዕዘቦም፡ ዓው ኢልና ኣንጻሮም ድምጽና ከነስምዕን ብግብሪ ክንቃለሶምን ካብ ኩልና ዝጥለብ እውናዊ ግቡእ እዩ። ግቡእና እንተዘይፈጺምና ግና ዘተሓታትት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና። ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ ናይ “ብዋጋ ብዙሓት፡ ንረብሓ ውሑዳት” ወጺኣ ናብ “ብዋጋ ብዙሓት ንረብሓ ብዙሓት” ንክትብርኽ ሕጂ እውን እቲ መተካእታ ዘየብሉ፡ ቃለስና ኣንጻር ህግዲፍ ምሕያል እዩ።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/category.php on line 240