ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝተረከብካዮ ሕድሪ ከይዓብር

2021-02-15 10:24:50 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1131 times

ቀንዲ በዓል ቤት ቃልስን ዓወትን ኤርትራ መላእ ህዝባ እዩ። እዚ እቲ እኩብ ድምር መግለጺ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ከከምቲ ኩነታቶም፡ ኣነባብረኦምን ዝነብርሉ ከባብን ነናቶም ብጽሒት ነይርዎም እዩ። ናይ ሓደ ካብኣቶም ብኩራት እንተዝነብር ከኣ እቲ ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ሃገር ናይ ምውሓስ ዓወት  ኣይመተመዝገበን።

ኤርትራዊ፡ ኣብ ሃገሩ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝነብር፡ ኣብ ዓዲ ኮይኑ ዝቃለስን  ናብ ሜዳ ወጺኡ ብረት ዝዓጠቐን፡ ብዕድመ ዓበይትን መንእሰያትን፡ ብጾታ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ብሃይማኖት ኣስላምን ክርስትያንን፡ ደቂ ብኣሰፋፍራ መታሕትን ከበሳን ከይተበሃሃለ ሳላ ኣብቲ ቃልሲ “ዓዳማይ ተዓዳምን” ከይኮነ ነቲ ቃልሲ “ናትና ናይ ኩልና’ዩ” ብዝብል ድሉውነት ኩሉ ዘዝኸኣሎ ኣበርኪቱ። ሳላ ከፋፋሊ ኢድ መግዛእቲ ዝኣትወሉ ሃጓፋት ዓጽዩ ብሓድነቱ ኣጽኒዑ ዝተቓለሰ ከኣ ተዓዊቱ። ድሕሪ ናጽነት ግና ነዚ ስጥመት ናይ ቃልሲ ዝጠለመ ናይ “ፈቕዳይን ፈቓድ ሓታታይን” ዘንጸባርቕ ነቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ዘይምጥን ኣግላሊ ሓደ ጉጅለ ናይ “ዝሓዘ ሓዘ” ዓምጣሪ ድሌት ሰለ ዝተፈጥረ እነሆ ኤርትራን ህዝባን ናይ ኩሉ ሕማቕን ድሕረትን ኣብነት ኮይኖም።

ነዚ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ውሱናት ሰባት ጀሚሮም ንሳቶም ኣይኮኑን ክሳብ ዓወት ኣብጺሐምዎ። ብኣንጻሩ እቲ ዝተሓልፈን ቀጻሊ ዘሎን መስርሕ ቃልሲ ናይ ኣሸሓት ቀጻሊ ምቅብባል ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ሕድርን ሓቦን እንዳረከቦ እዩ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ በጺሑ። ካብዚ ብምንቃል ኢና ከኣ ኣብ 1961 ብመሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ1991 ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ቀዳማይ ምዕራፉ ከምቲኡ ናጽነት ኣበሲሩ እንብሎ። እቲ ኣብ መንጐዘን ክልተ ዕድለኛታት ጀማሪትን ፈጻሚትን ኣጋጣምታት ዝነበረ ግዚ ቃልሲ ኣዝዩ ውረድ ደይብ ዝነበሮ፡ ብዙሓት መስተንክራት ዝተሰርሓሉን ዘየድሊ ስንብራት ዝገደፈ ኣሉታዊ ክስተታት ዝተራእየሉን ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ መልክዕ ኣካይዳ እውን ካብ ናይ ሽዑ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

ካብዞም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ናይቲ እኩብ ድምር ቃልስን ዓወትን ተሳተፍቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ኣበየናይ ውድብ ነይሩ ብዘየገድስ ሰራዊት ሓርነት ኮነ ህዝባዊ ሰራዊት ቦታኡ እቲ ዝበለሐ ምንባሩ ርዱእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ነዚ ኣብቲ ዝኸበረ ዋጋ ህይወት ዘኽፍል ብራኸ ንዝነበረ ሰራዊት ዝያዳ ቆላሕታን ሓበንን ዝወሃቦ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም መዓልቲ ምጅማር ሰውራ ባሕቲ መስከረም፡ 24 ጉንበትን መዓልቲ ናጽነትን  ካለኦት ከም ውግእ ተጐርባን ምሕራር ከተማ ምጽዋዕን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዕለታት ክዝከሩ እንከለዉ ግደ ሰራዊት ዝያዳ ጐሊሑ ዝለዓል። ካብዚ ነቒሎም እዮም ከኣ ኣብዚ ቅንያትዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ ምሕራር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ክጽሕፉን ክምድሩን እንከለዉ ንግደን ጀግንነትን ሰራዊት ኣዕዚዞ ከመጉሱ ዝቐነዩ። ኣብዚ ኣብዚ ናይ ሎምዘመን ዝኽሪ ፈንቅል ግና ሰራዊት ኤርትራ ስሙ ዝለዓል ዘሎ ብዛዕባ ጀግንነቱን ግደኡ ኣብ ምሕራር ከተማ ምጽዋዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንሓርበኝነቱ ጸለሎ ብዝቐብእ ኢድ ኣእታውነት ኣብዘይጉዳዩ እዩ። ወዮ ተፈጺሙ ኢልካ ምእማኑ ብዘጸግም መስተንክራዊ ጅግንነት ክዝንተወሉ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ  ብኸምዚ ብማዕከናት ዜና ንሰምዖ ዘለና መወራዘይን መናውሒ ዕድመ ዲክታተርነትን  ኮይኑ ክለዓል እንከሎ “ክልተሻብ ተራኢኻ” ዘብል እዩ።

ግደ ሰራዊት ኤርትራ ዝኸበደን ዝዓዘዘን ዝኸውን ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣብቲ በሊሕ ጥርዚ ናይ ቃልሲ ስለ ዝስለፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ንኣካሎም ጸሎት ኣብ ዘይተገብረሉ ናይ በረኻ ቀብሪ ኣብ ጉድጓድ ቀቢሩ ሕድሮም ግና ዝተረከበ ጀጋኑ በዓል ዕዳ ስለ ዝኾነ እዩ። ሓድሪ ምቕባል ኣይኮነንዶ ናይ ስዉእ ናይ ህልዊ እውን ረዚን እዩ። ቃል ኣቲኻ ዝተረከብካዮ ሕድሪ ምዕባር ከኣ እቲ ዝዓበየ ናይ ጥልመት መግለጺ እዩ። ነቲ ብህይወቱ ናጽነት ኤርትራ ዝረኣየ ሰራዊት ኤርትራ ብስዉኣት ብጾቱ ዝተዋህበ ሕድሪ “ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ መንዚዕኩም ንህዝቢ ኤርትራ ኣረክቡልና” ዝብል ጥራይ ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ከም ዘይተርፍ እሞ እቲ ስዉእ እውን ምጥርጣር ኣይነበሮን። ስለዚ እቲ ቀንዲ ለበዋኡስ “ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝባ ብዘይስኽፍታ መሊኡ ዝረግጸላን ዓው ኢሉ ዝዛረበላን ክሳብ ትኸውን ጸኒዕኩም ቀጽሉ” ዝብል እዩ ነይሩ። እሞ ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝቦም ዝጠለሙ ህሉዋት ተመሳሲሉ ሕድሪ ስዉኣትዶ ጠሊሙ ምንባር መሪጹ፡ ወይስ ከምቲ ሓመድ ኣዳም ከልብሶም እንከሎ “ስዉኣትና ቅሰኑ ሕድርኹም ክንትግብሮ ኢና”  ኢሉ ዘፋነዎም  ኣብ ቃሉ ጸኒዑ፡ ባዕሉ ምስ ሕልናኡ ተማኺሩ ክምልሶ ዘለዎ እዩ።

እንተ ንሕና ምስ ውሑዳት ብጽበት ዝዓወሩን ውልቃውነት ስዒርዎም ንህዝቢ ዝጠለሙን  ወጊኑ ናይ ሓሶት “ስጋ ስዉኣት” እንዳመሓለ፡ ነቲ ሕድሪ ብኽንድቲ ዝተረከቦ ክብደት ኣየኽበሮን ዝብል ተሪር ዕቃበ እዩ ዘለና። ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን እውን ነዚ ገሊሑ ዝረአ ሓቂ እዩ ዝቕበል።  ይኹን እምበር ሕጂ እውን ረፊዱ እምበር ኣይዓረበን እሞ፡ ኣብዚ ብምኽንያት መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ብኣውንታኡ ዝዝንተወሉ ዘሎ ቅነ ኣብ ርእሲቲ ባዕሉ ዘይስሕቶ ምዃኑ፡  “ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝተረከብካዮ ሕድሪ ከይዓብር” ብዝብል ከነዘኻኽሮ እዋኑ እዩ። ኣዚ እዋንዚ ስም ሰራዊት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምናን፡ እንተላይ ንዝሓለፈ ታሪኽ ጅግንነቱ ብዝድውን “ኢድ ኣእታውነት ኣብ ዘይጉዳዩ” ዝለዓለሉ ዘሎ ሕማቕ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘሎ ብቐጥታ ብዝምልከቶ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ክጅመር ዝግበኦ ኩነታት ናይ ምቕያር ተደራራቢ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ ከስተብህለሉ ይግበኦ።

Last modified on Monday, 15 February 2021 11:26