ነቲ ዘሰማምዓና እሞ ዘይነቐድም

2021-02-22 11:14:31 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1136 times

ናይ ሓባር እትበጽሖን እተዕውቶ ዓላማን ሸቶን ክህልወካ እንከሎ፣ ብሓባር ምጉዓዝ ዝተለምደን ኣዕዋትን እዩ። እዚ ኣዕዋቲ ዝኸውን፡ ዝተበተነ ድሌት ዝእክብ፡ ግዜኻ ዘቑጥብን ዓቕምኻ ኣብ ናይ ሓባር መዓላ ዘውዕል ስለ ዝኾነ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ነቲ በበይንኻ ምድፋኡ ዘጸግመካን ብሰንኪ ብሓደ ዘይምስራሕካ ዕድመ ዝውስኽን ተጻባኢ፣ ንምውጋድ ዘኽእል ፍቱን መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሓድነትን ሓቢርካ ምቅላስን ዘለዎ ዘይስገር ኣድላይነት እንዛረብ ከኣ ካብዚ ብምንቃል ኢና።

“ኣብቲ ዘሰማምዓካ ሓቢርካ ምቅላስ መሰረታዊ እዩ” ክንብል እንከለና፡ በቲ ዘሰማምዓና ጀሚርና ንቕድሚት ዘይንስጉም ካብ ምባል ዝነቅል እዩ። በቲ ዘሰማምዓካ ምጅማር ቅድም ኣብኡ ኣድሚዕካ ዓወት ምምዝጋብ ዘኽእል እዩ። ነቲ ዝፈላልየካ ከኣ ፈጺምካ ትጥንጥኖ ማለት ዘይኮነ፡  ሓቢርካ ብምስራሕ ተተባቢዕካ ነቲ ዘየሰማምዓካ ዕንቅፋት ክኸውን ብዘይክእል ከተመሓድሮ የኽእለካ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብዙሓት ኮንካ ብሓባር ምቕጻል ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ፖለቲካዊ ዋኒን፡ ኣብ ካልእ ተልእኮ እውን ናብ ሓደ ጉዳይ ክትነቅል እንከለኻ መሰረታዊ ኮይኑ ንድሕሪት ዝመልስ ደኣ ኣይኹን እምበር ፡ ፍልልይ ከም ዘጋጥመካ ኣሚንካ እትቕበሎ እዩ። ነቲ ፍልልይ ሰጊርካ ክትስጉም ትኽእለሉ መንገዲ ከኣ ኣብ መትከል ምጽውዋር፡ ምክእኣልን ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ምኽባር ዝስረት እዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ  ግና፡ ንምቅላስ ወይ ንስራሕ ጥራይ ዘይኮነ  ዝኾነ ቀጻሊ ማሕበራዊ ህይወት ምምስራት  እውን ኣይመተኻእለን። ስለዚ ንፍልልያት ኣፍልጦ ሂብካ ምምሕዳሮም እምበር ምውጋዶም ወይ ምሕባኦም ዝከኣል ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መስርሕ ፍልልያት ዝፍጠረሉ ምኽንያታት ብዙሕ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግና ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ናይ “መን ተጠቕመን ተጐድአን ወይ ሰዓረን ተሳዕረን” ውድድር ክህሉ ባህርያዊ እዩ። እዚ ውድድር ዘሕድሮ ስግኣት ክህሉ’ውን ከምኡ። እዚ ውድድር’ዚ ብሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ እንተተኣልዩ፡ ዘበላልሓካ ጸጋ እምበር፣ ስግኣት ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ እምነት፡ ቋንቋን ባህልን ካለኦትን ብዙሕነት ፍልልያት ክፍጠር ናቶም እጃም ኣለዎም። እንተኾነ ነዞም ፍልልያት ዓቂብካ በቶም ዘሰማምዑኻ ብምስራሕን ብምቅላስን ኣብ ዓወት ከም ዝብጻሕ ብብዙሓት ተመኩሮታት ዝተረጋጊጸ እዩ። ኣብ ዝኾነ መዳይ ኣብ ፖሊቲካ ድዩ ኣብ ቁጠባ ወይ ማሕበራዊ ጉዳይ ዕዉታት እንብሎም ህዝብታት  ከምዞም ዝጠቐስናዮም  ፍልልያት ስለ ዘይነበርዎም ኣይኮኑን። ንሕና ኤርትራውያን ግና፡ ነዚ ክሳብ  ምውሓስ ልኡላዊት ሃገር ዘብጸሐ ቃልሲ ከነዕውት እንከለና ነዞም ዝተጠቕሱ ፍልልያትና ኣብ ምክእኣል ንሎሚ መለበሚ ዝኾነና ዋጋ ከፊልና ኢና።  ንመጻኢ ከኣ በቶም ዘሰማምዑና ጀሚርና፡ ነቶም ዘየሰማምዑና ቦታኦም ኣትሒዝና እንተሰጒምና፣ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዓወትና ካብ ምድጋም ዝዓግተና የለን። ነቲ ክንክተሎ ዝግበና ውሕልነት ዘንጊዕና፡ በቲ ዘሰማምዕና ኣብ ክንዲ ምጅማር፡ ግድን በቲ ዝፈላልየና ደኣ ንጸባጸብ  ኢልና እንተደሪቕና ግና፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና ኮነ ኣብቲ ዝፈላልየና ከየድማዕና መፍቶ ህግደፍ ክንከውን ኢና።

ንፍልልያት ግዜ ሂብካ በቲ ዘሰማምዓካ ጀሚርካ ምቕጻል፡ ልቦና፡  ጹረትን ትዕግስትን ዝሓትት ዓብይን ዘይስገርን ህዝባዊ ሓላፍነት እዩ። ነዚ ክትበቅዕ፡ “ኣነን ናተይን ጥራይ” ብዝብል ዘይኮነ፡ ንናይቶም ካለኦት ሓቢሮሙና ዝቃለሱን ብዘይብኣኣቶም ዘይኮነልናን  ወገናት  ርኢቶ’ውን ቦታ ክንህብ ግድን እዩ። ምናልባት እውን ከምቲ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ዝበሃል፡ ዘየዕግቡና ግና ከኣ ኣብ ወሳኒ እዋን ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ብሓባር ዘስግር ኮይኑ ዝተራእየና ሓሳብ ምስ ዕቃበ ምቕባል ኣገዳሲ እዩ። ደሓር ኣብቲ መስርሕ ናይቲ ምእንቲ ክንሰግር ዝተቐበልናዮ ሓሳብ ዘየድማዕነት እንተነጺሩ፣ እንተላይ እቲ ምእንቲ ብሓባር ክንቅጽል ሓሳቡ ዘኽበርናሉ ኣካል፤ ምሳና ኮይኑ ናይ ምዕራዩ ዕድል ክረክብ ንኽእል ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ንጐዓዞ ዘለና ናይ ምቅብባል መስርሕ ቃልሲ፥ ንዝሓለፈ ተመኩሮ ከይነዓቕካ እቲ ጸጽቡቑ ምውሳድ ምእንቲ ሓቢርካ ክትቅጽል ኣገዳሲ እዩ። ኣድላይነት ናይዚ ጡብ ኣብ ልዕሊ ጡብ እንዳንበርካ ጉዕዞ ንምዕዛዝ ሓደሓደ ሰባት ከምዚ ዝስዕብ የዘንትዉ። “ርሳስ ጐዲሙ ምጽሓፍ እንተኣብዩካ፡ ነቲ ዝጐደመ ደርቢኻ ኣይኮንካ ሓድሽ ትገዝእ። ኣብ ክንድኡ ነቲ ዝጐደመ ጸሪብካ ኢኻ እተጽሕፎ” ይብሉ።

ኤርትራውያን ኩልና ሃገርና ልኡላውነታ ዓቒባ፡ ሃብታም፡ ሰላምን ቅሳነት ዝዓሰላ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝሰፈናን ኩሉ መሰላት ህዝባ ዝኽበረላን ክትከውን ዘሰማምዓና ባህጊ እዩ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ኩልና ሃገርና ስማ ብጽቡቕ ክለዓል እንከሎ የሕጉሰና፡ ብሕማቕ ክትለዓል እንከሎ ከኣ የሻቕለና። እዚ ካብቲ ዘሰማመዓናን ክንዕቅቦ ዝግበናን እዩ። ነዚ ብኸመይ ንዕቅቦን ነዕውቶን ኣብ ዝብል ግና ፍልልያት ኣለና። እዚ ፍልልያትና ብዝፈጠሮ ምስሕሓብ ከኣ እቲ ናይ ኣሰላልፋ ብዝሕን ዋሕድን ገዲፍካ፡ ተቓወምትን ደገፍትን ጉጅለ ህግደፍ ንበሃሃል። ብሰንኪ እዚ ፍልልይ  ከኣ ከምቲ ሓሓሊፉ ዝረአ ኣብቲ ዓበይቲ ዘሰማመዓና ኤርትራዊ ጉዳያት  ክንረሓሓቕ ኣይመተገበናን።

ኣብቶም ንግጉይ ኣካይዳ ህግደፍ ተቓዊምና ንለውጢ ንቃለስ ዘለና እውን ዘሰማምዕን ዘየሰማምዕን ኣለና። ኤርትራና ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርዳ ዘሎ በደላት ተወጊዱ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዝተረጋገጸላ ክትከውን እንሰማምዓሉ እዩ። ኣብቲ ነዚ ንምርግጋጽ “ኣየናይ መንገዲ ንምረጽ፡ ምስ መንከ ንመሓዞ…… ወዘተ” ዝብል ግና ንፈላለ። ኣብቲ ጽባሕ ህዝብና ብሕገመንግስታዊ ልዕልናኡ ክውስኖ ዝግባእ ንዓና ከም ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓስን ሓሳብ ክንህበሉ እምበር ክንውደኦ ዘይምልከትና ብዛዕባ “ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ከመይ ትመሓደር” እውን ንፈላለ። ኣብ ከምዚ ምፍልላይ ኣባና ዝተጀመረን መንገዲ ዓወት ዝዓግትን ኣይኮነን። እቲ ኣጸጊሙ ዘሎስ ኣብ ክንዲ ብዕቱብ በቲ ዘሰማምዓና ጀሚርና ነቲ ዝፈላልየና ወጊንና ንቕድሚት ምድፋእ በቲ ዝፈላልየና ምጽብጻብን ምትህልላኽን ምቕዳምና እዩ።

ነቲ ህዝብና “ንሓንቲ ኤርትራን ህዝባን እትቃለሱ ካብ ኮንኩም ብሓባር ዘይትኾኑ” ዝብለና ዘሎ ናይ ዘይምትግባርና ጠንቂ ከኣ ዓቲብና በቲ ዘሰማምዕና ጀሚርና ካብ ዘይምቕጻልና ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ማሕበር፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮነ ግዱሳት ባእታታት እቲ መሰረታዊ ናይ ብቕዓትን ሓልዮትን መምዘኒ ሓቢርካ ዘስርሕ መንገዲ ብምምሃዝ ዝምዘን እዩ። ነዚ ጓሲኻ በበይንኻ ብእትገብሮ ኣበርክቶ ምንያት ግና ዘይሩ ዘይሩ ጐደሎ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩልና ተገቲሩ ዘሎ ብደሆ እምበር ንውሱናት ዝግደፍ ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 22 February 2021 12:17