ስደት መግለጺ ተቓውሞ እንተዘይኮይኑ!

2021-02-03 21:21:51 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1174 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ግፍዒ  ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎ ግንዛበን ስምዒትን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክገልጽ ከም ዝጸንሐን ክሳብቲ ዝምነዮ ራህዋ ዝረክብ ተቓውሞኡ ከም ዝቕጽልን ፍሉጥ እዩ። ዝተፈላለዩ ከም ናይ በርሊን ማንፌስቶ፡ ተበግሶ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ተቓውሞ ኣኽርያን ዝኣመሰሉ ምስቲ ብውዱብ ኣገባብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ተደሚሮም መግለጺ ናይቲ መላእ  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎ ተቓውሞ መግለጺ  እምበር፡ ናይ ዝተወሰኑ ኣካላት ተበግሶ ጥራይ ጌርካ ዝውሰዱ ኣይኮኑን። ብዓብይኡ ከኣ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ መግዛእታዊ ዓመታት ህግደፍ ብዝተፈላለየ መንገድታት ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ክስደዱ ዝጸንሑ መንእሰያት ስጉምቲ እውን ዓብይ መርኣያ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ እዩ።

“ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ይስለፍ?” ዝብል ሕቶ ኣይኮነንዶ ብኣና በቶም ግዳይ ንኸውን ዘለና ኤርትራውያን ብብዙሓት ዘይኤርትራውያን ወገናት እውን ዝተመለሰ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግታዊ ስርዓት ስለ ዘየለ፡ ልዕልና ሕጊ ብምብኳሩ፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ዜጋታት ፈጺሙ ስለ ዘይክብር፡  ገደብ ዘይብሉ  ግዱድ ዕስክርናን ህዝባዊ ምርጫ ኣይካየድን…….. ወዘተ እንዳበልና፡ ዝርዝር ምቕራብ ኣየድልየናን እዩ።  እዞም ጸገማትን ብኩራታትን ኣብ ኤርትራ ኣብቲ መበቆሎም እንተዘይተፈቲሖም፡ ጠንጢካዮም ናብ ስደት ብምምራሕ ዝውገዱ ኣይኮኑን።  እዚ ማለት ግና ስደት መሰረታዊ መፍትሒ ደኣ ኣይኹን እምበር ሓደ ካብ ናይ ተቓውሞ መግለጽታት ምዃኑስ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብመሰረቱ ብቃልሲ እንተዘይተፈቲሑ ገዲፍካዮ እንተተሰደድካ እውን ደድሕሬኻ እዩ ዝስዕብ። ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት እቲ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን፡ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታትን ኣብተን መዕቆቢ ክፈቕዳ ዝሕተታ ሃገራት፡  ዘጋጥም ጸገማትን ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ንኤርትራዊ ከም ሓድሽ ዝንገሮ ኣይኮነን። እዚ ከኣ  ዘቤታዊ ጸገም  እንተሃደምካሉ እውን ደድሕሬኻ ከይዱ ከም ዝጐድኣካ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ከምቲ ስደት ደድሕሬኻ ዝስዕብ፡ እቲ ኣንጻር ጠንቂ ስደት ዝግበር ቃልሲ እውን ኣብ ዝሃለኻ እንተሃለኻ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ምናልባት ገለ ወገናት ኣብ ስደቶም ብውልቆም ጽቡቕ ዕድል ኣጋጢምዎም ነገራዊ ዕግበት እንተረኺቦም፡ ስደቶም መሰረታዊ መፍትሒ ዘምጸኣሎም ይመስሎም ይኸውን። ብግብሪ ግና እቲ ኣብ ስደት ኮይንካ ብዝርከብ ነገራዊ ራህዋ ዘይሓዊ ስንብራት ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ዘይምርሳዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ መስረታዊ ሕቶ ዝምልስ ዘተኣማምን መፍትሒ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ብውልቂ ዝርከብ ዕግበት መሰረታዊ ክኸውን ከምዘይክእልን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ወጽዓ ህግደፍ ዝደረኾ ግዱድ ስደት፡ ኤርትራውያን ዘይተዘርእዋ ሃገር የለን። ጉዕዞ ናብ ዝስደት ብጣማጣማ ካብ ኤርትራ ነቒልካ ብቐጥታ ኣብቲ ዝሓለንካዮ ዝብጻሕ ዘይኮነ፡ ክሰግሮ ዝግበኦ መድረኻት ኣለዎ። ብመንጽርዚ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ቅድም ናብተን ምስ ኤርትራ ብመሬት ዝራኸባን ከዕቁበኦም ፈቓደኛታት ዝኾናን ጐረባብቲ ሃገራት እዮም ዝኣትዉ። ሱዳንን ኢትዮጵያን ከኣ መባእታዊ ምዕረፊ ኣብ ምዃን ቕድሚት ዝስረዓ እየን። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ስለቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት መባእታዊ መጽለሊ ምሃበን ከነምስግነን ዝጸንሕናን እዚ ልግሰን ቀጻሊ ንክኸውን እንምሕጸነንን። እዘን ሃገራት ክንድቲ ናብ ሃገርና ዝቐረባ ብምዃነን ስደተኛታት ክበጽሕወን ቀሊል ዝኸውን፡ ጸይቂ ኣእዳው ጉጅለ ህግደፍ ብቐሊሉ ዘረኻኽበለን ምዃኑ ከኣ ሓደጋ ኣለወን። ኣብዘን ሃገራት ዘይምርግጋእ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብኣተን ዝተዓቖቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሃሰይቲ እዮም። ካብዘን ሃገራት በብግዜኡ ክጭወዩን ክቕንጸሉን ዝጸንሑ  ኤርትራውያን ከኣ ናይዚ ኣብነት እዮም። ተመኩሮ ሓርበኛታት ወልደማርያም ባህልቢ፡ ተኽለብርሃን ገብርጻድቕ፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂምን፡ ገብረብርሃን ዘርአ፡ ዘካርያስ ንጉሰን ካለኦትን ናይቲ ግዳይ ኣብነት እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ እሞ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተሳተፈሉ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ሎሚ ወሪዱ ዘሎ ግፍዕን በደልን  ሓደ ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ እዩ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ተሳተፈ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከባ መደበር ስደተኛታት፡ ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ጸገም ከም ዘጋጥም ርዱእ ነይሩ። እነሆ ከኣ እቲ ነዞም ስደተኛታት ዘጋጥሞምን  ጌና ሎሚ እውን ዘይተፈትሐን ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሕጽረት ቀረባትን ምስኣን ናይ ህልውና ውሕስነትን ኣጋጢምዎም። ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ትግራይ ከይዶም፡ መደበራት ሽመልባን ሕንጻጽን ከም ዝዓነዋን ብሰንክዚ ምምዝባል ክሳብ 20, ሺሕ ስደተኛታት ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአን ምስክርነቶም ሂቦም። ካብዞም ሃለዋቶም ዝጠፈአ ስደተኛታት ብዙሓት ካብቲ መደበራት  ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብሓይሊ ተወሲዶም ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኣውራጃ ጋሽ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ብቤተሰቦም ከይተረፈ ተረጋጊጹ ኣሎ። ካብቲ መደበራት ክሃድሙ እንከለዉ ደሃዮም ዝጠፈአን ግጭት ምስተፈጥረ ዝሞቱን ከም ዘለዉ እውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣረጋጊጸምዎ እዮም። እዚ ናይ ህግደፍ ሃስያ ኣብተን መደበር ስደተኛታት ጥራይ ከይተደረተ ኣብ ልዕሊ’ቶም  ብላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ተፈቒድሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ተጣይሶ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ሓደጋ የንጸላሉ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወሲኽካ፡ ብዙሓት ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ነዞም ምእንቲ ዜጋታትና ዘእውዩ ዘለው እንዳኣመስገና ተጽዕኖኦም ክዛይድ እንዳጸዋዕና ግደና ክንገብር ድልዋት ክንከውን ግቡእና እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ሓንሳብ ካብቲ ንቡር ሰብኣዊ መስመር ስለ ዝወጸ፡ ነዚ ዓለም ለኻዊ ምሕጽንታ ኣይክሰምዖን እዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊኡ ኣዝዩ ዘሕምሞ ስጉምቲ ክሳብ ዝውሰድ ምሕጽንታና ክቕጽል ናይ ግድን እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዞም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕነት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ከም ዘለዎ ደጊምና ነዘኻኽሮ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ደገፍ   ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ የድልዮ ስለ ዘሎ፡ ንከየኾርዮ ክብል ንስደተኛታትና ኣሕሊፉ ከይህቦም ዘየስግእ ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ህልዊ ኩነታት ካብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ሓደ ፡ ስደት መግለጺ ተቓውሞ እንተዘይኮይኑ መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘየምጽእ እዩ እሞ ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ቃልስና ነሕይል።

Last modified on Wednesday, 03 February 2021 22:23