ሉዕላውነት ሃገርና ይከበር ክብሪ ህዝባዊ ሰራዊትና ይተዓቀብ

2021-02-05 17:53:15 Written by  ግርማይ የማነ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1211 times

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንሓርነት ብጉጅለ ሰዲህኤ ዝቀረበ  ርእሰ ኣንቀጽ “ጣልቃ ህግደፍን ሳዕቤናቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቀረበ ጹሑፍ ምርኩስ ብምግባር እዚ ዝስዕብ ርእይቶይ ከቅርብ እፈቱ። ብመጀመርታ ሰዲህኤ ( EPDP ) መን እዩ? ናይ መወዳእታ ዕላምኡ’ኸ እንታይ እዩ? ከም ውዳቤ ኣብ ስደትን ኣብ ሃዋህውን ተንጠልጢሉ ዝነብር ድዩ? ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ፖለቲካዊ ተወዳዳሪ ሓይሊ ኮይኑ ንክቕጽል እንታይ ባይታ ከጣጥሕ ነይርዎን ኣለዎን ዝብሉ ኣገደስቲ ኩርናዕ ኣምር ናይ ቃልሲ ከቀምጡ ምተገበኦም።

ኤርትራ በዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ መልክዕ ኣማራርሓ ንነዊሕ እዋን ክትቅጽል ኢያ ዝብል እምነት የብለይን። ነጻ መድረኽ ንብዙሓት ሰልፍታት ወይ ውድባት ዘፍቅድ፣ ቅዋም ተግባራዊ ክኸውን ዓቢ ትጽቢት ኣሎኒ። ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ’ዚ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ናብ ሓዲሽ መድረኽ ከሰጋግሮን ንካልኦት ተቃወምቲ ዘይኮናስ ተወዳደርቲ ፓርትታት ከሳትፍ ትጽቢት ይግበረሉ። እተን ዝመጻ  ተወዳደርቲ ፓርቲት ካበይ እየን ክመጻ? ሓደ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝማዕበላ ክኾና ይኽእላ፣ ካልእ ድማ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ውህደት ጌሮም ኣብ ከም’ዚ መድረኽ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣሎኒ።

እዚ ብደገ ዝመጽ ውዳቤ ኣብ ከም’ዚ ሃገራዊ መድረኽ ንክሳተፍ ስለዝደለየ ብፍኑው ክሳተፍ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ግን የብለይን። መበጋሲ መምዘኒ ተሳታፍነት ውልቀ-ሰብ ይኹን ውድብ ኣብ ምክልኻልን ምኽባርን ሉዕላውነት እንታይ ግደ ነይርዎን ኣለዎን ኣገዳስን ወሳንን እዩ። ሃገራዊ ዕርቕን ምትርጓም ቅዋምን ምጅማር ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓታት ኣብ ገምጋም ሃገራዊ ድሕነት ክምርኮስ ኣለዎ። ንሓደ ስርዓት ስለዝጸላእካዮ ኣንጻር ሃገራዊ ምኽባር ሉዕላውነት ሃገር ደው ምባል ወይ ድማ ንዝጸላእካዮ ስርዓት ምስ ሉዕላዊ መሬትካ ዝጎበጠ ኮንካ ከተውድቆ ምፍታን ብገበን ዘሕትትን መሰላትካን ዝእግድን እዩ።

ካልእይ ምስ መሰል ጉቡእ ተኣሳሲሩ እዩ ዝኸይድ። ዝኾነ ዜጋ ጉቡኣቱ እንተድኣ ዘየማልእ ኮይኑ መሰል ክሓትት ኣይክእልን እዩ። ሃገር ክትህሉን ካብ ጸላእታ ክትከላኸልን ቁጠባኣ ክዕምብብን ኣበርክቶ ዜጋታታ ኣገዳስን ጉቡእን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ መጀመርታ ነጻነት ኣትሒዙ ንዳግመ ህንጻ ሃገር ዝሕግዝ ናይ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከተግብር ኣዋጅ ኣውጺኡ እዩ። ጉቡኡ ዘይገበረ ዜጋ ድማ ሃገር ኣላትኒ፣ ኣብ ዓደይ ተመሊሰ ኣብ ፖለቲካ ሃገር ክሳተፍ እየ ኢሉ ዝሓስብ ዕሽነት ጥራሕ እዩ። ስለ’ዚ መሰልና ምስ ጉቡኣትና ስለዝተኣሳሰር ነፍሲ ወከፍ ዜጋ መጀመርታ ጉቡኡ ክገብር ኣለዎ።

ሰዲህኤ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፍኩም ገሊጽክምዎ ዘለኹም “ናይ ኩሉ ዝምድና መንቀሊ ረብሓ ስለዝኸውን ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ መዛምድቲ ክትመርጽ እንከለኻ በዚ መልክዕ ምርኣይ እዩ..” ዝብል፣ መሰረት ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ንኤርትራን ነተን ምስኣ ዝዛመዳ ሃገራት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመስረተ እዩ። እቲ ስግንጢር ኣተሓሳስባ ናይ ኩሎም ተቃወምቲ ዝብሉ ጉጅለታት ንህልው ወድዓዊ ኩነታት ብምኽሓድ ምስምስ ቅዋም ብምግባር ንዝኾነ ጽቡቅ ነገር ዘይምቅባል ከም ዕላማ ክሳብ ሕጂ ይቅጽል ኣሎ።

ኣብ ጹሑፍኩም “ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ውግእ ዝኣተወሉ ካብ ዝጸንሐ ምክንያታት እቲ ቀንዲ ኣብ “ኣነ በይነይ እየ ክጥቀም” ዝተመርኮሰ ናይ “ደው በልለይ ክብለጸልካ” ፖሊሲኡ እዩ።”.. እዚ ዘረባስ ምስ ምንታይ ይቁጸር። ካብ ኩናት ምስ ጎሮባብቲ ብጀካ ዕንወት እንታይ ትረብሓሉ ነገር ኣሎ??

ንኣብነት ምስ ሱዳን ዝነበረ ምስሕሓብ ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ዲሒሩ እውን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝወሰዶ ከቢድ ሱጉምቲ ነቲ ናይ ኤርትራ መርገጽ ዝድርዕ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ እቲ ብእስላማዊ ጂሃድ ዝፍለጥ ናይ ጡሩፋት ምንቅስቃስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ፣ ሞሮካውያንን ኣልጀርያውያንን ሱዑዳውያንን ጠርኒፉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ኤርትራዊ ዝካየድ ዝነበረ ቅትለትን ዕንወትን ብዓቢኡ ድማ ነዚ”ክርስትያናዊ መንግስቲ” ክንግምጥል ኢና ኢሎም ዝኣወጅዎ ኩናት ንምምካት እዩ ነይሩ።

ካልኣይ መንግስቲ የመን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ሓዲሽ መንግስቲ እዩ፣ ዓቕሚ የብሉን ኢሉ ስለዝገምገመ ኣማሓዲርዎ ዘይፈልጥ ሉዕላዊ መሬት ኤርትራ ስለዝጎበጡ፣ኤርትራ ንልዑላውነታ ንምሕላው ስለዝመከተት እንታይ ፉሉይ ረብሓ ካብ የመን ክትረክብን ቅድሚኡ ኣብ ምንታይ ረብሓታት እሞ ተራኺበን ፍሉይ ረብሓ ክትረክብ።

ሳልሳይ ስርዓት ወያነ’ውን ከም እዚ ናይ ሕጂ ሕማሙ ንልዑላውነት ኤርትራ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ብዶብ ኣሳቢቡ ዝወልዖ ኩናት ንኤርትራ እንታይ የርብሓ።

 ራብዓይ ጁቡቲ’ውን ተመሳሳሊ ከምቲ ናይ የመን ኤርትራ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩናት ተዳኺማ ኣላ፣ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ተነጺላ ኣላ ኢሎም ስለዝገምገሙ ሉዕላዊ መሬትና ጎቢጦም፣ ኤርትራ ንዝመጻ ወራር ስለዝመከተት ቅድሚኡ ኣብ ምንታይ ረብሓ ተራኺበን እዩ ፍሉይ ረብሓ ዝህልዋ። ብፍላይ ምስ ሱዳንን የመንን ጁቡቲን ብዙሕ ዝርኤ ቁጠባዊ ዝምድና ኣይነበረናን፣ ኣብ ምንታይ ኢያ ኤርትራ ክትብለጸሎም?

እቲ ዘሕፍር ምሕረት ዘይግበሮ ናይ’ዚ ጉጅለ ኣብ’ዚ ኩሉኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኻየደ ጎቦጣ ኣብ ናይ “ሰንዓ ፎርም” ምስ ካልኦት ጉጅለታት ብሓባር ብምስታፍ ሃገራዊ ክሕደት ፈጺሞም እዮም።

ሕጂ’ውን ኤርትራ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣትያ እንዳበሉም ንእትነዝሕዎ ፕሮፖጋንዳን ህዝባዊ ሰራዊት ንምውራድ እትነዝሕዎ ዘለኹም፣ ጭፍራ ወያነ ን22 ዓመታት ሉዕላዊ መሬትና ጎቢጡም ምስ ዓለምለኻውያን ጎይቶቶም ተሓባቢሮም ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ንክስደድ፣ ቁጠባኣ ንክሩኽመሽ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም ከይኣኽሎም ሕጂ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ሰሜን እዝ ዘይተኣደነ ዕጥቅን ስንቅን ዘሚቶም ናብ ኤርትራ እዮም ወሪሮም። ሕልሚ ዓባይ ትግራይን ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብን ምስ ገለ ዎይጦታት ብስም ይኣክልን ማሕበራትን ብስም ትግራይ ትግሪኚ ተማሻጢሮም ኤርትራና  ነበረት ያ ነበረት ንምግባር እዮም እዚ ናይ ሕጂ ኩናት ወሊዖሞ። ኤርትራ ሃገራዊ ድሕነታትን ሉዕላውነታን ድሕነት ጎራባብቲ ሃገራትን ከተውሕስ መሰላን ጉቡኣን  እዩ። ሕጂ ኣንቱም ውድባትን ውልቀሰባቲና እንዳበልኩም ዕላማ ወያነን መሳርሒ ወያነን ክትኮኑ እትደልዩ ታሪኽ ክሓተኩም እዩ። ዝምድና ኤርትራን ጎረባብታን ኣብ ዘይሻራነትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝ ዝተመስረተ እዩ።

ጉጅለ ሰዲህኤ ካብ ናይ ጡሩፋት ኢትዮጵያውያን ሉዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ኢሎሞ ኢልኩም ትህውትቱ ጌጋኹም ኣሚንኩም ክትእረሙ ንድሕነት ሃገርኩም ክትሰርሑ ምሓሸኩም።

ኣሜርካ ይኹን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጂ ብዛዕባ ህላኣዌ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ይዛረቡ ኣለዉ? ንልዕሊ 22 ዓመት መሬትና ተጎቢጡ ህዝብና እንዳተሳቀየ ኣበይ ነይሮም። ስለምንታይ ነቲ ባዕሎም ዘውሓስዎ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘየተግበርዎን ስርዓት ወያነ ካብ ሉዕላዊ መሬትና ክወጽእ ዘይሓበርዎ? ኤርትራ ሉዕላውነታ ክትሕሉን ክትከላኸልን መሰላ እዩ። ትግራይ ሃገር ኣይኮነትን፣ ትግራይ ሓንቲ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ እያ። እንተድኣ መንግስቲ ኤርትራ ተጋግዩ ኮይኑ እቲ ሕጋዊ መንግስቲ እዩ ንኤርትራ ክሕብርን ክኸስስን ዘለዎ። ብዝተረፈ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንረብሓ ክልቲኤን ሃገራትን ከባቢናን ሰላም ርግኣትን ንምውሓስ ብሓባር ምስራሐን ቁዱስ ዕላማ እዩ።

ኣብ’ዚ ዝኾነ ሰብ ክበርሃሉ ዘለዎ መንግስቲ ኣሜርካን ኤሮጳውያንን ኣሽሓት ኪሎሜተራት ከይዶም ንረብሓናን  ንሃገራዊ ስግኣትናን ክንከላኸል እንዳበሉ ኣብ ጉዳይ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ኣትዮም ኩናት ከካይዱ ይርከቡ ኣለዉ። ሕጊ ዓለም ንዖዖም ሓላል ንዓና ኣብ ገዛና ንዝመጸና ጸላኢ ምክልኻል ከመይ ጌሩ ሓራም ይኸውን?

እዚ ጽሑፍ መንቀሊኡ ሰዲህኤ ይኹን እምበር ንዝኾነ ተቃዋማይ እየ ባሃሊ ዝምልኸት እዩ። ዝኾነ ካብ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ህግደፍ ፉሉይ ርእይቶ ዘለዎ ቅድም ቀዳድም ድልውነት ንምክልኻል ሃገሩን ክብሪ ህዝባዊ ሰራዊትን ከረጋግጽን ንሃገራዊ ረብሓ ድሉው ምዃኑ ብተግባር ከመስክር ኣለዎ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ’ዚ ሃገርና ሉዕላውነታ ዓቂባ እትምርሸሉ ዘላ በዳሂ እዋን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ ዘርኣዮ ሓላፍነትን ሃገራውነትን ዝዓብለሎ መርገጹ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ካልኦት እውን ኣሰሩ ክስዕቡ እላቦ።

ብኣንጻር ናይ’ዚ ድማ ሙሁራትን ተጋደልቲ ነይርና በሃልቲ ኣብ ክንዲ ንሉዕላውነት ሃገሮም ዝምክቱን ንህዝባዊ ሰራዊትናን ዝከላኸሉን ብጽልኢ ተላዕጢጦም ከም ናይ ዒራቕ ሸለባውያን ኣብ ታንኪ ናይ ኣሜርካ ተወጢሖም ዝኣተዉ እዚኦም እውን ኣብ ታንክታት ወያነ ተወጢሖም ብድሕሪ ማዕጾ ንሃገሮም ክምለሱ ፈቲኖም ዘይሰለጦም ኣብ ክንዲ ብዝገበርዎ ገበን ይቅረታ ምሕታት ኣብ ሓሶትን ጸለመን ተዋፊሮምይርከቡ። እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ከም’ቲ ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ካቶሊክ ምዃን ዝብሃል እዞም ሰባት ልዕሊ ተጋሩ ተሓለቕቲ ትግራይ ክኾኑ ዘገርም እዩ።

ኣብ መደምደምታ ብሓቂ ተሓለቕቲ ሃገር እንተድኣ ኮይና ኣብ’ቲ እንፈላለየሉ ክንፈላለ ኣብ’ቲ ክንፈላለየሉ ዘይግባእ ሃገራዊ ሉዕላውነትናን ህዝባዊ ሰራዊትናን ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

ግርማይ የማነ

ርያድ ሱዑዲ ዓረብ                                                  This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.         

Last modified on Friday, 05 February 2021 18:56