ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ይተዓቀብ

2021-01-28 20:11:44 Written by  ኣዶሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1218 times

ምስጢር ጽንዓትን ዓወትን ኤርትራውያን ዘይንቕነቕ ሓድነትና ምዃኑ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተረጋጊጹ እዩ። ከምቲ “ኣዳብዕ ምስ ዝሓብራ ኣርቃይ የጸንበዓ” ዝበሃል፡ ሓድነትና ኣብ ኩሉ ውሽጣዊ ውድባዊ፡ ሰልፋውን ካልእ ውዳበታትናን ወሳኒ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ከኣ ሓለፋ ኣለዎ። ናይቲ ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት፡ ኣንጻር ብኹሉ መለክዕታት ካባና ዝበዝሑን ዝሓየሉን  ገዛእቲ ምስ ግዳማዊ ደገፍቶም ተቓሊስና ናይ ዝሰዓርናሉ ምስጢር መግለጺ ከኣ ጽንዓትን ሓድነትን ኤርትራን ህዝባን እዩ። ስለዚ ሓድነትና ክሳብ ክንድዚ ኣዝዩ ዕዙዝ ዓቕምን ምስጢርን ዓወትና ካብ ኮነ ወትሩ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ዓሚቕ ትርጉም ሓድነትና በብግዜኡ ሃገርና ንዝጐበጡ ገዛእቲ እውን፡ ይረኣዮም ስለ ዝነበረ፡ እሞ እዚ ሓድነት እንተኾነ ክፈርስ  እንተዘየሎ ከኣ ክልሕልሕ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ምኽንያቱ ምድኻም ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ንኤርትራ ብቐጻሊ ናይ ምግዛእ ህርፋኖም ዘረጋግጽ ምዃኑ ይርድኡ ስለ ዝነበሩ። እዚ ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ናይ ምድኻም ፈተነ፡ ካብ ምምሕዳር እንግሊዝ ጀሚሩ ክሳብ ስርዓት ደርግ መልክዑ እንዳቐያየረ ተራእዩ እዩ። እንተኾነ ሳላ’ቲ ጽንዓትን ብግዝያዊ ረብሓ ዘይምዕሻውን ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ቅድም ገለ ክፋል ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝተረፈ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝብል ዝነበረ እማመ ኣይተዓወተን። ኣብ ግዜ ደርጊ ዝተፈተነ “ቆላማን ደጋማን” ዝበሃል ዝነበረ ፈተነ እውን ከምኡ ከይሰጐመ ኣበርዒኑ።

ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ናይ ምህላውና ከም ሃገር ቀንዲ ረቛሒ ስለ ዝኾነ፡ ወትሩ ጥቁቕ ሓለዋ ዘድልዮ ዓንዲ ማእከል ህልውናና ከም ሃገርን ህዝብን እዩ። ብዘይዚ ሓድነት፡ ኤርትራን ኤርትራውነትን ህላወ ስለ ዘየብሎም፡ እዚ ዓንዲ ማእከል ኣብ ዘይደልደለሉን ዘይተዓቀበሉን ብዛዕባ ዓይነት ስርዓት ምምሕዳርን መሰረታዊ መሰላትን ምሕሳብ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ዘየሎ ነገር ጽቡቕ ምምናይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ስለ ዘይክእል። ስለዚ ብዛዕባ ሕገምንግስታውነት፡ ኩለ መዳያዊ ብዙሕነት፡ ዲሞክራስያውነትን ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን  ክንሓስብን ምእንታኡ ክንቃለስን እንከለና፡ ምዕቃብ ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ቅድሚት እዩ ዝስራዕ።

ኣጀንዳ ሓድነት ወትሩ ህያው ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና ሃዋህው፡ ውሽጣውን ከባብያውን ፖለቲካዊ ማዕበላት ክውስኽን ከዕለብጥን እንከሎ፡ ዝያዳ ዕዙዝ ይኸውን። መራሕቲ ኤርትራዊ ህግደፍን ኢትዮጵያዊ ብልጽግናን ሓድሽ ዘይቅዱስ ዝምድና ካብ ዝጅምሩ እነሆ ሳልሳይ ዓመቶም ቀሪቡ ኣሎ። ነዚ ዝምድና ተኸቲሎም  ክረኣዩ ዝጸንሑ ምዕባለታት ከኣ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገርና ብዝያዳ ክንግደስ ዘገድዱ እዮም ነይሮም። ናይ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ተጣላዕቲ መደረታት ናይቲ ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ዝህድድ ሓደጋ ኣማላኸቲ እዮም። ካብዚ ሓሊፎም ክቀላቐሉ ዝጸንሑ፡ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ብሩህ መጻኢ፡ ኣግኣዝያን…… ወዘተ ዝብሉ ሸበድበዳት  እውን ብቐጥታ ይኹን በተዘዋዋሪ ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ዝፍሕቁ እዮም። ሕጂ እውን ጌና ፈኸም ይብሉ ከም ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸብታት ምልክታት ንዕዘብ ኣለና።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ብዘይካቲ ጀኦግራፍያዊ ጉርብትና፡ ቋንቋን ባህልን ወሲኽካ፡ ብዙሓት ዘዛምዱና ጉዳያት ከም ዘለዉ ርኡይ እዩ። እንተኾነ ብዘየወላውል፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ። ትግራይ ከኣ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ሓንቲ ካብ ክልላዊ ምምሕዳራት ኢትዮጵያ እያ። እዚ ብዋዛ  ፈዛዛ እሞ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ ብዝኾነ ኣካል  ኣቀዋውማ እዩ። ኤርትራ ብሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ካልእን ናይ ማንነት መለክዒ ዝፈላለ፡ ግና ከኣ ሓደ ኤርትራዊ ልኡላዊ ቃና ዘለዎ ህዝቢ እትሓቁፍ ብዙሕነታዊት ሃገር እያ። ነዚ ዘሪግካ፡ ንኣበነት ንዝተወሰኑ ትግርኛ ዝዛረብ ኤርትራዊ ከባቢ ምስ ክልል ትግራይ ሓዊስካ ሓዳስ ሃገር ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ ካብቲ ብዙሕ ሓደጋታቱ ንሓድነት ኤርትራን ህዝባን ዘፍርስ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን። እዚ ኣተሓሳስባዚ ካብቲ ኢሳያስ ንኤርትራ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተነድቀ ልኡላውነታ ጠሊሙ ናብ ኢትዮጵያ ክመልሳ ዝደናደኖ ዘሎ ዝኸፈአ እንተዘይኮይኑ ዝሓሸ ኣይኮነን። ስለዚ በዚ ኣብ ከባብና ዝፍጠር ዘሎ ህቦቡላ ከይተደናገርና በቲ ሓደ ወገን ነቶም ሓድነትና ዝፍሕቁ  ብጽኑዕ ክንቃለሶም በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንሕና ናይ ሓድነት ኣገዳስነት ኣብነት ክንከውን ኣብ እንግደደሉ እዋን ምህላውና ኣይንዘንግዕ።

ኣብዚ እዋንዚ  ከባቢና ክሳብ ክንደይ ይሕቆን ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ጻዕዩ እንታይ ከም ዘምጽእ ከኣ ኣብ መጻኢ ዝረአ መስርሕ እዩ። እቲ ከመጽእ ዝኽእል ሓድሽ ኣሰላልፋ ንሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከይከውን ከኣ ከሎ ጌና ክንዳለወሉ ዝግበኣና እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ብዘይ ድሌትን ፈቓድን ህዝብና ንሃገርና ናብ ክትወጾ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ከየእትዋ እንዳተኸላኸልና፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ እንዳጨርሑ ኣንጻር ሓድነት ኤርትራን ህዝባን ይሰርሑ ንዘለዉ ኣካላት ብግቡእ ከነቕልበሎምን ክንገንሖምን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ናይታ ለውጢ ትጽበ ዘላ ሃገርና ሓድነትን ልኡላውነትን  ከየውሓስና ብዛዕባ እትጽበዮ ዘላ ለውጢ ጥራይ ምሕሳብ ትርጉም ስለ ዘይህልዎ።

Last modified on Thursday, 28 January 2021 21:16