
EPDP Delegation Arrives in Tel Aviv to Meet Compatriots Stranded in Israel
Monday, 02 April 2018 11:34 Written by EPDP Information OfficeTwo EPDP Central Council members, Ms Feven Gideon and Mr. Tuku Tesfai, arrived in Tel Aviv, Israel, on 31 March 2018 on a timely mission to meet and discuss the problems of 27,000 Eritrean asylum seekers stranded in Israel.
The EPDP leadership members were warmly received at Tel Aviv airport by compatriots welcoming them with bouquets of flowers.
The two-fold mission of the delegation is, besides expressing solidarity with the Eritrean asylum seekers faced with inhumane expulsion from Israel, to also address meetings with Eritreans on the current situation of Eritrea and its opposition camp struggling for democratic change.
During its stay in the country, the EPDP delegation will make efforts to discuss pertinent issues with civil society organizations and others concerned with problems of refugees. (www.harnnet.org will continue updates on the mission's upcoming performances).
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝዀኑ ሓው ትኩእ ተስፋይን ሓውቲ ፈቨን ግዴዎንን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ31 መጋቢት 2018 ኣብ እስራኤል ኣትዩ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ፡ ዕታሮ ዕንባባ ብዝሓዙ ነበርቲ ኣብ’ታ ሃገር ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ምስ’ቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ንማእሰርትን ምብራርን ተቓሊዖም ዝርከቡ ስደተኛታት ምድግጋፉ ንምርኣይ ክኸውን እንከሎ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ሰዲህኤን ደምበ ተቓውሞን መብርሂታት ክህቡ ኢዮም።
ልኡኽ ሰልፊ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጕዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ካልኦት ትካላትን ክራኸብ ክጽዕር ኢዩ።
ዝርዝር ሓበሬታ ንጥፈታት ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ከነስዕበልኩም ኢና።
መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ (ሰደኤ) ብሕማም ምኽንያት ብ26 መጋቢት 2018 ከምዝዓረፈ ሰሚዕና። መስዋእቲ መምህር ኢብራሂም መሓመድ፡ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ዓቢ ክሳራ ምዃኑ ዝእመነሉ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ መምህር ኢብራሂም ቅኑዕን ዘይፈላልን ንህዝብን ሃገርን ዘቐድምን ዕጉስን ተቓላሳይ ብምንባሩ ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦምን ራሕሱ የውርደሎምን እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
EPDP NA Zone & Frankfurt Branch Hold Highly Important Meetings
Friday, 30 March 2018 10:07 Written by EPDP Information OfficeOn 24 and 25 March, the EPDP North America Zone and the EPDP Frankfurt Branch held, respectively, very important periodical meetings, thus becoming exemplary EPDP organs in the rejuvenation and reinforcement programme to speed up the much delayed success of the struggle for democratic change in Eritrea.
The main agenda item of the EPDP North America Zone meeting was receiving performance reports from all branches in the United States and Canada. The meeting was highly satisfied with the success so far achieved in registering an increasing number of women as well as young boys and girls and the return to party ranks of former freedom fighters who were not so active in recent years. Meeting participants also commended the active participation in the recent fund-raising drive, and the ongoing efforts of the information and cultural units of the NA Zone.
On its part, the EPDP Branch for Frankfurt and Environs held its regular monthly meeting on 25 March with an educational topic as its main agenda item. Prepared and presented by Tadesse Asmelash, the branch chairman, the three-hour long educational discussion focused on provisions related to three stages in the struggle as enshrined in the EPDP Political Programme adopted at the Second Congress in the summer of 2015. The three stages covered in the discussion paper were:
- The current struggle for first removing the dictatorial regime in Eritrea;
- The common task of all national forces in the transitional period (after the fall of the regime). Priority tasks enumerated in the EPDP Political Programme include guaranteeing peace and security, and the building of institutions that would guarantee the future democratic state, and
- Thirdly, the political, economic and social pillars of a constitutional government in post-dictatorship Eritrea.
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብዕለት 25.03.2018 ስሩዕ ኣኼባ ኣኻይዱ። እዚ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ዝተመደበ ኣኼባ‘ዚ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰናይ ምንዮትን ምስጋና ንተሳተፍትን እዩ እተጀመረ። ድሕር‘ዚ ኣገዳስነት ኣብ ኣኼባታት ምስታፍን ሰዓተ ኣኼባ ምኽባርን ዝምልከት ሓጺር መብሂታት ብምቕራብ ኣብቲ ነቲ ዕለት‘ቲ ተታሒዙ ዝነበረ መዘራረቢ ነጥቢ ብምትኳር ኣብ ናይ 2015 ጉባኤ ሰልፊ ዝጸደቐን ዝተሓንጸጸን ፕሮግራምን ካብ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ሰልፊ ዘመልከተ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ቀሪቡ።
ዕላማ ናይቲ ኣስተምህሮ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ „ሌላ ምስ ሰዲህኤን መሪሕነቱን“ ዝብል ንኣኼበኛታት ተዓዲሉ ዝነበረ ጽሑፍ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ገለ መንእሰያት እውን ንመደብ-ዕዮ ሰዲህኤ ዝምልከት ዝያዳ ኣፍልጦን ሌላን ንኽህልዎም ካብዝነበሮም ድልየት ተበጊሶም፡ ምዱብ ዝኮነ ኣስተምህሮን መብርሂታትን ንኽዋሃቦም ይውከሱ ብምንባሮምን እዩ።
በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ሒዝዎ ዘሎ ዕማማት ናይ ቃልሲ ኣብ ሰለስተ ከፊሉ ከም ዝርእዮን፣ ሰለስቲኡ መድረኻት ዘለዎ ሕድሕድ ምትእስሳርን ፍልልይን ብንጹር ንተሳተፍቲ ኣኼባ ቀሪቡ። እቲ ቀዳማይ እዋናዊ ዕማም ንውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝካየድ መስርሕ ናይ ቃልሲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣካላት ዳግማይ ንከይፍጠሩ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ክከናወኑ ዘለዎም ጸጥታን ሰላምን ምርግጋእን፡ ውሕስነት ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ከብጽሑ ዝኽእሉ ስራሓትን እዮም። እቲ ሳልሳይ መድረኽ ድማ ኣብ ግዜ ቅዋማዊ መንግስቲ ክዕመሙ ዘለዎም ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት እዮም። እዚ ዕማማት እዚ ኣብ ኣኼባ ድሕሪ ምግላጹን ኣብኡ'ውን ምርድዳእ ድሕሪ ምክያዱን፡ እቲ ዝሰፍሐ ዝርርብ ዝተኻየደሉ ጉዳይ፡ ኣብ‘ቲ ቀዳማይ ዕማም ንውድቀት እቲ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝብል'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሰዲህኤ ኣብ ዘውጽኦ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ማለት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ህዝባውያን ማሕበራትን ምጥርናፋትን ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል እማመ ምርኩስ ብምግባር እዩ ኣኼበኛ ሰፊሕ ዝርርብ ኣካይዱ። ምኽንያቱ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሓይሊ ዝውዳእ ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ርግኣትን ፍትሕን ወዲ ሃገር ዋኒን ስለዝኮነ፡ ኤርትራዊ በየናይ መልክዕ ይወደብ ወይ ይጠርነፍ ብዘየገድስ ሓቢሩ ኣንጻር ምልኪ ክላዓል እዩ ዝግባእ። ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ብጽሒት እያ። እትቐርቦን ኣትርሕቆን ዝኮነ ይኹን ዜጋ የለን። ስለዝኮነ እምነትና ብዘየገድስ፣ ኣብ ድሕነታን ድሕነት ህዝባን ኩልና ብሓባር ግዴና ከነበርክት ከምዝግባኣና ኣኼባ ርእዩ።
ስለዚ ድማ‘ዩ፡ ሰዲህኤ እዚ ኣብ ዓመት-ዓመት ምስ ኣባላት ካልኦት ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ ኣባላት ህዝባዊ ማሕበራትን፡ ውልቀ-ሰባት ደለይቲ ፍትሕን ዝገብሮ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላትን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ኣኼባታትን ሓቢርካ ምብዓል'ውን ከም ኣብነት ዝጥቀስ'ዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ብገለ መንእሰያት ዝተላዕለ ሕቶን ኣኼበኛ'ውን ብሰፊሑ ዝተዘራረብሉን ድማ፡ ብድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ካልእ ምልካዊ ስርዓት ከይመጽእ ካብ ሕጂ እንታይ ቅድመ-ምድላው ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ‘ዩ ነይሩ።
እዚ ሕቶ‘ዚውን ኣብ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ሰልፋዊ እማመን ዝተመርኮሰ እዃ ይኹን እምበር፡ እቲ መልሲ፣ ብቐዳምነት ሓንቲ ሰልፊ ወይ'ውን ውድብ ንበይና ስርዓት ክትቅይር ከም ዘይትኽእል፥ ለውጢ ብሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ወይ'ውን ብህዝባዊ ናዕቢ ከም ዝመጽእ ክንኣምን ከምዝግባእን፡ እቲ እንደልዮ ቅዋማዊ መንግስቲ ክረጋገጽ ዝኽእል ድማ ኩልና ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሎሚ ጀሚርና ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓና ንቅዋማውን ወይ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ብግብሪ ምስ እንሰርሓሉን ኣነታኣታትዎን ጥራሕ ምዃኑ ክንርዳእ ከምዘድሊ፡ ውሕስነት ዲሞክራስያ ድማ ኣብ ምቋም ኣሳታፊ ዝኮነ ሓባራዊ መሰጋገሪ መድረኽ ክልለ ከምዝኽእን፡ ነጻ ህዝባዊ ማሕበራትን ምጥርናፋትን ሓይለን ጽፉፍ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ጌረን ተዳልየን ምስ ዝጸንሓን ጥራሕ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ከነቑሞ እንደሊ ልዕልና ሕግን፡ ዲሞክራስን፡ ወሳንነት ናይ ህዝቢ ዘውሓሰ ኣሳታፊ መንግስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብነታት ዘሰነዮ መብርሂ ቀሪቡ።
ኣብ መጠረስታ ሓው ክብሮም ዓንዶም እውን፡ ነቲ ብዕለት 13.03.2018 ብኣባላት ህግደፍ ኣብ ደን ሃግ ሆላናድ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን መስደም ዝኮነ „2% መናበዪ ደቂ ስዉኣትና እዩ፡ ብድልየትና ኢና ንኸፍልን“ ዝብል ናይ ሓሶት ጭርሖታቶምን፡ ራዕድን ፍርህን ዝመልኦ መደናገሪ ተግባራቶምን ሽቑ`ርርትኦምን ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪቡ።
ኣኼበኛ፡ ነቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ እማመ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ተሳትፍኡ ኣብ ህዝባዊ ምጥርናፋትን ንኽቕጽል፡ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንምጥርናፍን ንምትሕብባርን ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉ ከም ዝግባእን ብዝብል ለበዋታት ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ብዝክረ ሰማእታት ተደምዲሙ።
Eritrean Refugee School at Wad-Sherifey Ends 33rd Academic Year with Success
Sunday, 25 March 2018 08:23 Written by Teklehaymanot Elfu, School DirectorThe Wad Sherifey elementary school for Eritrean refugee children in East Sudan ended its 33rd academic school year on 14 March 2018 in the presence of a large gathering of parents, invited guests and residents of the refugee camp of Wad-Sherifey.
As usual, the closing ceremony was marked with various entertainments including folklore, drama, poetry and speeches in Arabic, Tigrigna and English, as has been the school tradition since its inception in 1984. This academic year, covered between July 2017 and March 2018, was started with 678 students enrolled and ended with 619 who could take the final exams.
Among the invited guests were representatives of Sudanese Government institutions and township dignitaries. Also present were Father Ghebrai Bedemariam, a long-time friend of the school, and many Eritrean veteran freedom fighters, among them Messrs. Idris Ismail, Mohammed Adem Artaa and Kidane Ghebreab.
The School Director, Teklehaimanot Elfu, presented his welcoming address and report in Tigrigna, and the Arabic translation was made by Mohammed Saeed Demanta, one of the teaching staff. In his speech, the school director thanked the continued cooperation of parents, friends of the school including the Swiss-based donor association, ASEE (Association Suisse Enfance-Érythrée).
The report pointed out that the school is one of the leading centers of education in the region. Out of the 678 students registered at the beginning of the school year, some 61 students dropped out due to several reasons. The included financial hardships in their families meaning they had to go to work in order to support the family; and moving either abroad or to other areas in the Sudan. Thus, the remaining 617 (91%) composed of 258 females and 359 males completed their studies. Generally, the performance of the students was good. Those who achieved good marks and passed to the next grade are 540 (87.5%) students. Out of these, 211 are females and 329 are males. The total number of those who did not pass is 77 (39 females and 38 males).
The colourful school closing ceremony was finalized with presentation of prizes to high achievers in each class and distribution of certificates by Father Ghebrai Bedemariam and Idris Ismail, the Acting School Supervisor, who replaced Martyr Osman Ahmed, a long time friend and director of the school.
The Wad-Sherifey Refugee School is administered by the ERCCS (the Eritrean Red Cross-Crescent Society) whose president, Dr. Habtemichael Tekle, coordinates and networks support activities for the school internationally.
ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብሃንደበት ምዕጻዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መዛረቢ ጉዳይ ኰይኑ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ምኽንያት ናይ’ቲ ተወርዋሪ ሓይልታት ሱዳን (Sudanese Rapid Forces) ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ምዕጻዉ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስለያ ኣካላት ስርዓት ህግዲፍ ስጉምትታት ምውሳዱን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ንብረትን ዝምልከት ኢዩ ዝብል መግለጺታት ኢዩ ክውሃቦ ጸኒሑ። ብማርቲን ፕላዉት ዝተዘርግሐ ሓበሬታን ብ19 መጋቢት 2018 ኣብ ሓርነት.ኦርግ ዝወጸን ጸብጻብን ከምዝሕብሮ ግን፡ እቲ ጠንቂ ምዕጻው ዶብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ሰባትን ንብረትን ዘይኰነስ፡ ብኤርትራን ግብጽን እተመደበ፡ ስርዓት ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንምግልባጥ ዝተገብረ ዘይተዓወተ ናይ ዕልዋ ሸርሒ ምንባሩ ዝሕብር እዩ።
እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ምዃኑ ዝያዳ ዝሕብር ድማ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ምኽትሉ ዝነበረን፡ ናይ ጸጥታን ስለያ ትከላቱን ዝገበሮ ምግልባጥ ናይ ሓለፍትን ኢዩ። ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ዜና መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 23 መጋቢት 2018 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ቀጠር ንሱዳን 3 ሚግ ጀት ነፈርቲ ውግእ ከምዝሃበታ፡ መደበረን ኣብ ከሰላ ከምዝዀነ፡ ኣብረርተን ድማ ክልተ ቀጠራውያንን ሓደ ኢትዮጵያውን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፤ ልኡኽ ሰበ-ስልጣን ቀጠር ምስ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ካርቱም ኰይኖም ነቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣቝመንኦ ዘለዋ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ብጽሖት ከምዝገበሩ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ሰራዊት’ዚ ብቀጠር ዝምወልን ብትካላት ስለላ ሱዳን ምክትታል ዝግበረሉን ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።
እዚ ኵሉ ሓበሬታታት’ዚ እምበር፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንብረትን ሰባትን ከምዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር።
ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ–ሸሪፋይ ናይ 2017–2018 ዓመተ ትምህርቲ ዓጽያ
Wednesday, 21 March 2018 15:51 Written by ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይመባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ–ሸሪፋይ ረቡዕ ዕለት 14 መጋቢት 2018 ዓመታዊ ትምህርቲ ብዓወት ክም ተዛዘመ ክሕብር እፈቱ።
ኣብ መኽፈቲ ዓምታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ፡ ተጋደላይ ተኽለሃማኖት እልፉ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዓበይቲ ኣጋይሽና በኣስማቶምን መዝነቶምን እንዳ ጠቐሰ ኣንቋዕ በደሓን መጻእኩም እንቋዕ ደማ ናብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ 2017- 2018 ኣብጽሓና ደሕሪ ምባል፡ ዓመታዊ ጎዕዞ ቤት ትምህርትን ዝተሳለጠ መደባትን ብዝርዝር ገሊጹ፡ ነቶም ንዚ መደባት ከዕመምን ክሳለጥን ዘገበሩ ኣብ ሩሑቕን ቀረባን ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ ወልቀ ሰባትን ማሕበራትን ቀጻልነት ናይዚ ቤት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ለይትን መዓልትን ዝጽዕሩን ዝደኽሙን ዘለው በፍላይ ደማ እታ ንዶሞዝ ምምህራን ዉሑስ ንምግባር እትጽዕር ማሕበር ረደኤት ስዊስ ንሕጻናት ኤርትራውያን (ASEE) ለዑል ምስጋና ይብጸሓዮም በለ፡፡
በዘዕባ ደረጃ ትምህርቲ ከገልጽ ከሎ ድማ ዝብዝሑ ትማሃሮ ትምህርቶም ብጉቡእ ዘከታተሉ ኮይኖም ዘነኣድ ትምህርታዊ ዉጽኢት
ኣመዝጊቦም ኢዮም ብምባል ኣመስጊንዎም፣ ነቶም ቡዙሕ ቡኩራት ዘለዎም ድኹማት ትማሃሮ ደማ ተስፋ ካይቆረጹ ትምህርቶም ክቕጺሉ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ብጉቡእ ትምህርቶም ተኸታቲሎም እቲ ዘደሊ ደረጃ ብምምዝጋብ ክዕወቱ ክምዘለዎምን ኣብዚ ግደ ወለዲ ደማ ዓቢ ተራ ክምዘለዎ ኣገንዚቡ፡፡
ካብዚ ቀጺሉ ኣብዚ ናይ 2017 – 2018 ዓመተ ትምህርቲ፣ ቤት ትምህርቲ ወዲ–ሸሪፋይ 678 ተማሃሮ መዝጊባ ብ617 ተማሃሮ ዓመታዊ ትምህርታ ድማ ዛዚማ ። ብዛዕባ ምቁራጽ ትምህርቲ፣ ተማሃሮ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዎም ገለ ተማሃሮ ናይ ወጻኢ ዕድል ዝረኸቡ ክኾኑ እንከለው ገለኦም ደማ ብናይ መናባብሮ ጸገማት ናብ ስራሕ ተዋፊሮም ፡ገለኦም’ውን ቦታ ዝቐየሩ እዮም። ካብዚኣቶም 617 ትማሃሮ ብጉቡኡ ዓመታዊ ትምህርቶም ክም ዝወዱኡ ገሊጹ። ካብዚኦም እቶም 359 ደቀ ተባዕትዮ ክኹኑ ከለው እተን 258 ደማ ደቀ ኣንስትዮ አየን። ዝሓለፉ ተማሃሮ 540 ክኹኑ ኣንከለው 329 ደቀ ተባዕትዮ እዮም፣ እተን 211 ደማ ደቂ ኣንስትዮ አየን። ስለዚ ዘይሓለፉ ተማሃሮ 77 ክኾኑ እንከለው 38 ደቀ ተባዕትዮ እዮም ፡ 39 ከኣ ደቀ ኣንስትዮ አየን። ፡ ብሚእታዊት ከግለጽ ከሎ ደማ 87.5 % ዘሓለፉ ከኹኑ እንከለው 12.5 % ደማ ዝተረፉ ኢዮም ብምባል ቃሉ ደምዲሙ። ምምህር መሓመድ ስዒድ ደማ ነቲ ቃል ናይ ዳይረክተር ብቋንቋ ዓረብ ኣንቢቡዎ ።
ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ኣቕረብቲ መደባት ማለት ኣናውንሰራት ባዕሎም ኢዮም ኔሮም - ግጥሚታት- ትያትር - ተዋሰኦ - ብቋንቋታት ዓረብን ትግሪኛን እንግሊዝኛን ጌሮም ነቲ ህዝቢ ኣደሲቶሞ ውዒሎም። ኣብቲ በዓል ሽማገለ ቤት ትምህርቲ - ወለዲ - ሓለፍቲ ተካላት መንግስቲ ሱዳን - ኣዝዩ ሰፈሕ ህዝቢ ካብ ተቐማጦ ማዓስከር ወዲ ሽሪፋይ ተሳቲፎም ግርማ ሂቦሞ ውዒሎም። ክሙኡ’ውን ቡዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ተሳቲፎሞ። ኣብ ምወደእታ ደማ ኣባ ገብራይ ብኢደማርያምን እድሪስ እስማዒልን ንቀዳሞት ተማሃሮ ባጀላታት ዓዲሎም ።
ዝተሳለጠ መደባት
ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ለዕሊ 30 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ቤት ትምህርቲ ኮይና ብጽፈትን ሰነስርዓትን እትልለ ቤት ትምህርቲ ኢያ ኣብ ዓዓመት ለዕሊ 670 ተማሃሮ ካብ ክሊተኡ ጾታ ተምዝግብ፡፡
- ኣብዚ ዓመትዚ ፊንስትራታት ብምልኡ ብቤትሮ ተጸጊኑ መሸፈኒ ተጌርላ፡
- ኩሉ ደጋዊ ክፍሊታት ቅድሚትን ደሕሪትን መንደቚ ተጸጊኑ ማለት (መስጠባ ) ብጡብ ተነዲቚ እዩ።
- ን678 ተማሃሮ ጨርቂ ዓለባ፣ ዩኒፎሩም ዝኽውን ንደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ላዕልን ታሕትን ንደቂ ተባዕትዮ ደማ ካምቻ ተዓዲሉ ኢዩ።
- ሕክምና ናይ ሂላል ኣል ኣሕመር ኣልሱዳኒ ኣብ ወዲ ሸሪፋይ ንተማሃሮና ብናጻ ተሕክሞም ኢያ።
- ሎሚ ዓመት ብሓሌት ማሕበር ኣል ( ሙንተዳ ) ኣል እስላሚያ ነዊሕ ግዜ ከሳቕየና ዘጽንሐ ናይ ማይ ሽግር ሰለ ዝተቓለለ ገለ ኣግራብ ከንተክል ብቒዕና ኢና።
ምስ ክብሪ ናይ ዕዳጋ ዝመጣጠን ኣይኩን እምበር ዓቕምና ዘፍቅዶ ንመማህራን 20 % ወሰኽ ደሞዝ ተጌርሎም ኢዩ ።
- ሽማገለ ቤት ትምህርቲ ብሓሙሽተ ( 5 ) ወለዲ ቆይማ ንሳቶም ደማ ፦
1- ማንደር መሓመድ ማንደር 2- መኮነን ሓደራ ስብዖ 3- እድሪስ ሓጃጅ እድሪስ 4-ኪዳነ ገብረኣብ ቦኽራጸን 5-ናቲ
ፍካክ እድሪስ።
ሰዲህኤን ግዱሳትን ኣብ ቶሮንቶ: ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ስደተኛታት ዝሕግዝ ናይ ሓባር ድፍኢት ኣካይዶም
Wednesday, 21 March 2018 07:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ሃገረ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝርከቡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ካለኣይ ሰሙን ናይዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ፡ ክልተ ኣገደስቲ ጸገም ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓባራዊ ተግባራት ፈጺሞም። እቲ ቀዳማይ ተግባር ምስ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ካናዳዊ ሚኒስተር ርክብ ምግባር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካለኣይ ሓባራዊ ተግባር ከኣ ምስተን ኣብ ከናዳ ዑደት ዘካይዳ ዝነበራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ዝሰርሓ ክኢላ ኣኼባ ምክያድ ነይሮም።
ምስ ኤርትራውያን ዝተራኸበኡ ካናዳዊ ሚኒስተርን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላን ሰብኣዊ መሰልን
እዞም ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ኤርትራውያን ግዱሳትን ኣብ ቶሮንቶ ብሓባር ምስ ካናዳዊ ሚኒስተር ጉዳያት ተመዛበልቲ፡ ስደተኛታትን ዜግነትን ኣሕመድ ሑሴን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣስጋኢ ኩነታት ኤርትራውያንን፡ 40 ሺሕ ዝበጽሑ ካብኣቶም 27 ሺሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ተዘራሪቦም። እቶም ሶማሊያ ዝመበቆሎም ካናዳዊ ሚኒስተር እቲ ናይ ስደተኛታት ጸገም ብግቡእ ከም ዝርደኦም ጠቒሶም፡ ኣብ መጻኢ ምስቲ ልኡኽ ዘለዎም ርክብ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትዮም።
እቲ ካለኣይ ተግባር ርክብ ምስ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩዝ ወካሊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ዋና ከተማ ካናዳ ኦታዋ እዩ ነይሩ። ምስ ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ናብቲ ርክብ ዝመጸ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደመ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሓድሽ ኩነታት ኣተሓሕዛ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ነተን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ሓበሬታ ኣስኒቑ። ወይዘሮ ኪታሩዝ ቅድሚ ኣብ መበል 37 ክርብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ናይ 12 መጋቢት 2018 መደረ ከስመዓ ካብ ካናዳ ናብ ጀነቫ ምብጋሰን ምስቲ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ዝነበሮ ልኡኽ ን3 ሰዓታት ዝኣክል ጸኒሐን። ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣብቲ ስራሕ ንዝተሳተፉ ገዛኢ ሓገስ ካብ ዊኒፐግን ዮሴፍ ኣልኣዛር ካብ ቶረንቶን ስለቲ ርክባት ኣብ ምውዳብ ዝግበርዎ ሓገዝ ኣመስጊንዎም።
ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣብ ከባቢ ቶሮንቶ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልቦ ኣብ ምብርካትን ዝተጨነቑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኣብ ዝምልከት ቅድሚት ዝስለፍ እዩ።
ኣብ ካናዳ ዝርከባ ጨናፍር ሰዲህኤ፡ ምንስቅስቓሳተን ኣብ ህዝባዊ ምልዕዓልን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ከም ዘተኩር ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ መዳይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የመዝግባ ኣለዋ። ኣቐዲሙ ከም ዝተሓበረ ኣብ ምዕራባዊ ከናዳ ከባብታት ዊኒፐግ፡ ካልጋሪን ኢድሞንቶንን ዘለዋ ጨናፍር ርኡይ ውጽኢት ኣብ ዝተመዝገበሉ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ኮይነን፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መሪሕነት ከም ሓድሽ ክቐውም እንከሎ እውን ፍሉይ ኣስተዋጸኦ ኣበርኪተን እየን። ኣቶ ናይዝጊ ባህላይ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ምልዕዓል መንእሰያት ንክሕይል ልሉይ ኣብርክቶ ዝገበረ እዩ። ጨንፈር ቶረንቶ ብወገና ኣብቲ ንቡር ምንቅስቓሳ ክትቅጽል እንከላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣባላት ሰልፊ ተጸንቢሮማ ኣለዉ።