ጠንቂ ምዕጻው ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ፖለቲካዊ ኢዩ።

2018-03-24 18:34:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2463 times

ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ብሃንደበት ምዕጻዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መዛረቢ ጉዳይ ኰይኑ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ምኽንያት ናይ’ቲ ተወርዋሪ ሓይልታት ሱዳን (Sudanese Rapid Forces) ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ምዕጻዉ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስለያ ኣካላት ስርዓት ህግዲፍ ስጉምትታት ምውሳዱን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ንብረትን ዝምልከት ኢዩ ዝብል መግለጺታት ኢዩ ክውሃቦ ጸኒሑ። ብማርቲን ፕላዉት ዝተዘርግሐ ሓበሬታን ብ19 መጋቢት 2018 ኣብ ሓርነት.ኦርግ ዝወጸን ጸብጻብን ከምዝሕብሮ ግን፡ እቲ ጠንቂ ምዕጻው ዶብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ሰባትን ንብረትን ዘይኰነስ፡ ብኤርትራን ግብጽን እተመደበ፡ ስርዓት ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንምግልባጥ ዝተገብረ ዘይተዓወተ ናይ ዕልዋ ሸርሒ ምንባሩ ዝሕብር እዩ።

እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ምዃኑ ዝያዳ ዝሕብር ድማ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ምኽትሉ ዝነበረን፡ ናይ ጸጥታን ስለያ ትከላቱን ዝገበሮ ምግልባጥ ናይ ሓለፍትን ኢዩ። ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ዜና መንግስቲ ኤርትራ ብዕለት 23 መጋቢት 2018 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ቀጠር ንሱዳን 3 ሚግ ጀት ነፈርቲ ውግእ ከምዝሃበታ፡ መደበረን ኣብ ከሰላ ከምዝዀነ፡ ኣብረርተን ድማ ክልተ ቀጠራውያንን ሓደ ኢትዮጵያውን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፤ ልኡኽ ሰበ-ስልጣን ቀጠር ምስ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብ ካርቱም ኰይኖም ነቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣቝመንኦ ዘለዋ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ብጽሖት ከምዝገበሩ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ሓባራዊ ናይ ምክልኻል ሰራዊት’ዚ ብቀጠር ዝምወልን ብትካላት ስለላ ሱዳን ምክትታል ዝግበረሉን ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።

እዚ ኵሉ ሓበሬታታት’ዚ እምበር፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንብረትን ሰባትን ከምዘይኰነ ኢዩ ዝሕብር።

Last modified on Saturday, 24 March 2018 19:41