ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ–ሸሪፋይ ናይ 2017–2018 ዓመተ ትምህርቲ ዓጽያ

2018-03-21 14:51:07 Written by  ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ Published in EPDP News Read 4369 times

መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ–ሸሪፋይ ረቡዕ ዕለት 14 መጋቢት 2018 ዓመታዊ ትምህርቲ ብዓወት ክም ተዛዘመ  ክሕብር እፈቱ።

ኣብ መኽፈቲ ዓምታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ፡ ተጋደላይ ተኽለሃማኖት እልፉ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዓበይቲ ኣጋይሽና በኣስማቶምን መዝነቶምን እንዳ ጠቐሰ ኣንቋዕ በደሓን መጻእኩም እንቋዕ ደማ ናብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርቲ 2017- 2018 ኣብጽሓና ደሕሪ ምባል፡ ዓመታዊ ጎዕዞ ቤት ትምህርትን ዝተሳለጠ መደባትን ብዝርዝር ገሊጹ፡ ነቶም ንዚ መደባት ከዕመምን ክሳለጥን ዘገበሩ ኣብ ሩሑቕን ቀረባን ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ ወልቀ ሰባትን ማሕበራትን ቀጻልነት ናይዚ ቤት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ለይትን መዓልትን  ዝጽዕሩን ዝደኽሙን ዘለው በፍላይ ደማ እታ ንዶሞዝ ምምህራን ዉሑስ ንምግባር እትጽዕር ማሕበር  ረደኤት ስዊስ ንሕጻናት ኤርትራውያን (ASEE) ለዑል ምስጋና ይብጸሓዮም በለ፡፡

WedsheriffeySchool 2 2018በዘዕባ ደረጃ  ትምህርቲ ከገልጽ ከሎ  ድማ ዝብዝሑ ትማሃሮ ትምህርቶም ብጉቡእ ዘከታተሉ ኮይኖም ዘነኣድ ትምህርታዊ ዉጽኢትWedsheriffeySchool 3 2018 ኣመዝጊቦም ኢዮም ብምባል ኣመስጊንዎም፣ ነቶም ቡዙሕ ቡኩራት ዘለዎም  ድኹማት ትማሃሮ ደማ ተስፋ ካይቆረጹ ትምህርቶም ክቕጺሉ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ብጉቡእ ትምህርቶም ተኸታቲሎም እቲ ዘደሊ ደረጃ ብምምዝጋብ ክዕወቱ ክምዘለዎምን ኣብዚ ግደ ወለዲ  ደማ ዓቢ ተራ ክምዘለዎ ኣገንዚቡ፡፡

ካብዚ ቀጺሉ ኣብዚ ናይ 2017 – 2018  ዓመተ ትምህርቲ፣ ቤት ትምህርቲ ወዲ–ሸሪፋይ  678  ተማሃሮ  መዝጊባ ብ617 ተማሃሮ ዓመታዊ ትምህርታ ድማ ዛዚማ ። ብዛዕባ ምቁራጽ ትምህርቲ፣ ተማሃሮ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዎም ገለ ተማሃሮ ናይ ወጻኢ ዕድል ዝረኸቡ ክኾኑ እንከለው ገለኦም ደማ ብናይ መናባብሮ  ጸገማት ናብ ስራሕ ተዋፊሮም ፡ገለኦም’ውን ቦታ ዝቐየሩ እዮም። ካብዚኣቶም 617 ትማሃሮ ብጉቡኡ ዓመታዊ ትምህርቶም ክም ዝወዱኡ ገሊጹ። ካብዚኦም እቶም 359 ደቀ ተባዕትዮ ክኹኑ ከለው እተን 258 ደማ ደቀ ኣንስትዮ አየን።  ዝሓለፉ ተማሃሮ 540 ክኹኑ ኣንከለው 329 ደቀ ተባዕትዮ እዮም፣  እተን 211 ደማ ደቂ ኣንስትዮ አየን። ስለዚ ዘይሓለፉ ተማሃሮ 77 ክኾኑ እንከለው 38 ደቀ ተባዕትዮ እዮም ፡ 39 ከኣ ደቀ ኣንስትዮ አየን። ፡ ብሚእታዊት ከግለጽ ከሎ ደማ 87.5 % ዘሓለፉ ከኹኑ እንከለው 12.5 % ደማ ዝተረፉ ኢዮም  ብምባል ቃሉ ደምዲሙ። ምምህር መሓመድ ስዒድ ደማ ነቲ ቃል ናይ ዳይረክተር ብቋንቋ ዓረብ ኣንቢቡዎ ።

ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ኣቕረብቲ መደባት ማለት ኣናውንሰራት ባዕሎም ኢዮም ኔሮም - ግጥሚታት- ትያትር - ተዋሰኦ - ብቋንቋታት ዓረብን ትግሪኛን እንግሊዝኛን ጌሮም ነቲ ህዝቢ ኣደሲቶሞ ውዒሎም። ኣብቲ በዓል ሽማገለ ቤት ትምህርቲ - ወለዲ - ሓለፍቲ ተካላት መንግስቲ ሱዳን - ኣዝዩ ሰፈሕ ህዝቢ ካብ ተቐማጦ ማዓስከር ወዲ ሽሪፋይ ተሳቲፎም ግርማ ሂቦሞ ውዒሎም።   ክሙኡ’ውን ቡዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ተሳቲፎሞ። ኣብ ምወደእታ ደማ ኣባ ገብራይ ብኢደማርያምን እድሪስ እስማዒልን ንቀዳሞት ተማሃሮ ባጀላታት ዓዲሎም ።

ተሳለጠ መደባት
ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ለዕሊ 30 ዓመት ዕድመ ዘለዋ ቤት ትምህርቲ ኮይና ብጽፈትን ሰነስርዓትን እትልለ ቤት ትምህርቲ ኢያ ኣብ ዓዓመት ለዕሊ 670 ተማሃሮ ካብ ክሊተኡ ጾታ ተምዝግብ፡፡
- ኣብዚ ዓመትዚ ፊንስትራታት ብምልኡ  ብቤትሮ ተጸጊኑ መሸፈኒ ተጌርላ፡
- ኩሉ ደጋዊ ክፍሊታት ቅድሚትን ደሕሪትን መንደቚ ተጸጊኑ ማለት (መስጠባ ) ብጡብ ተነዲቚ እዩ።
- ን678 ተማሃሮ ጨርቂ ዓለባ፣ ዩኒፎሩም ዝኽውን ንደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ላዕልን ታሕትን ንደቂ ተባዕትዮ ደማ ካምቻ ተዓዲሉ ኢዩ።
- ሕክምና ናይ ሂላል ኣል ኣሕመር ኣልሱዳኒ ኣብ ወዲ ሸሪፋይ ንተማሃሮና ብናጻ ተሕክሞም ኢያ።
- ሎሚ ዓመት ብሓሌት ማሕበር ኣል ( ሙንተዳ ) ኣል እስላሚያ ነዊሕ ግዜ ከሳቕየና ዘጽንሐ ናይ ማይ ሽግር ሰለ ዝተቓለለ ገለ ኣግራብ ከንተክል ብቒዕና ኢና።
ምስ ክብሪ ናይ ዕዳጋ ዝመጣጠን ኣይኩን እምበር ዓቕምና ዘፍቅዶ ንመማህራን 20 % ወሰኽ ደሞዝ ተጌርሎም ኢዩ ።
- ሽማገለ ቤት ትምህርቲ ብሓሙሽተ ( 5 ) ወለዲ ቆይማ ንሳቶም ደማ ፦ 
1- ማንደር መሓመድ ማንደር  2- መኮነን ሓደራ ስብዖ  3- እድሪስ ሓጃጅ እድሪስ 4-ኪዳነ ገብረኣብ ቦኽራጸን    5-ናቲ

ፍካክ እድሪስ።

 

 

WedsheriffeySchool 4 2018

Last modified on Wednesday, 21 March 2018 23:24