እጃም ህዝቢ፡ መተካእታ የብሉን

2025-08-10 07:12:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 31 times

“ህዝቢ ባሕሪ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ፡ ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብ ካብኡ ዝቕዳሕ ምዃኑ ንምርኣይ ዝጥቀስ እዩ። ንሓደ ዘይትድግፎ  ሓይሊ ካብ ገጽ ምድሪ ንምድምሳሱ፡ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ኣንጻፍ” ዝብል ኣበሃህላ፡ውን፡ ዘይትካእ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ንህልውናን ቀጻልነትን ንምርግጋጽ ዝጥቀስ’ዩ። እቲ ምእንቲ ሓርነትን መሰረታዊ መሰላትን ዝግበር ናይ ቃልሲ ውዳበታት ከኣ፡ ፈልፋሊ ዓይኒ ማዩ ካብ ህዝቢ ወጻኢ ኣይኮነን። “ሃገር ብኸመይን ብመንን ትመራሕ?’ ክበሃል እንከሎ’ውን፡ እቲ ሕገመንግስቲ ዘጽድቕን በእኡ መሰረት ይኾነኒ ዝብሎ መሪሕነት ዘደይብን፡  እምነት ክስእነሉ እንከሎ ከኣ ዘውርድን  ህዝቢ እዩ።

ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ተወዲብና ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለሰሉ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት፡ እጃም ዝተወደቡ ሓይልታት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ብጽሒት ግና ናይ ህዝቢ እዩ። ኩሉ ሰብኣዊ ዓቕሚ ናይቲ ውዳበታት ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ዝምንጩ ምዃኑ ስፍሓት ብጽሒት ህዝቢ ዘረድ’ዩእ። እዚ ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝተኻየደ ዝተናውሐ መሪር ቃልሲ’ውን፡ ብምስናቕ፡ ብምዕጣቕን ወሳኒ ሓበሬታ ብምልጋስን ዝግለጽ ህዝባዊ ኣበርክቶ ክሳብ ክንደይ ናይቲ ዓወት ወሳኒ ከም ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ’ዩ። 

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኮነ፡ ናይ ምምሕዳር ጉዕዞ፡ ንብጽሒት ህዝቢ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብን ዘይምሃብን ናይ ሓደ ውዳበ ባህሪ መምዘኒ እዩ። ገለ ውዳበታት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ዘኽብሩ ንምምሳል፡ ናይ “ቃለ ዓለም “ ጭረሖታት እናቃልሑን ዘይትግበር መብጻዓታት እናኣተዉን፡ ብግብሪ ግን ንገዛእ ርእሶም ኣብ ልዕሊ’ቲ ህዝቢ ክጸዓኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ምስ ህዝቢ ክራኸበሉ ዝግበኦ ዝነበረ  ሕገመንግስታዊ ሰነድ ቀዲዱ ክዕንድር ዝጸንሐን ዘሎን ህግደፍ ናይዚ ዓመጸኛን ዘየናሕስን ኣካይዳ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ “ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንበይኑ ተቓሊሱ እዩ ነጻነት ሃገር ኣውሒሱ” ዝብል ጸቢብነት ዘቃልሑ’ውን ኣይተሳእኑን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብኣንጻር’ቲ ዓምጣሪ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ምልካዊ ስርዓትን ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና፡ ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን” ክብል “ራኢ” ኣብ   ዝብል ዓንቀጽ፡ “ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ፡  ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ ዓንቀጽ 2 ቁጽሪ 2 ንኣገዳንስነት ውደባ ኣብ ዝምልከት ዛዕባ ድማ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ንምልኪ ስዒሩ፡ ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘሰጋግር ሓይልን ብቕዓት ስለ ዘለዎን፡ እቲ ሳዕሪሩ ዘሎ ጽኑዕ ቊጽጽር ምልኪ፡ ንግዚኡ እምበር፡  ንሓዋሩ ካብ ድልየቱ ክዓግቶ ከም ዘይክእል እምነት ሰልፍና  እዩ።”  ብዝብል ኣስፊሩ’ሎ ።

ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ብመንጽርቲ ህግደፍ ንዓመታት ዝተኸተሎ ዘይኣሳታፊ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ተወዲቡ ዘሎ ሓይልታት’ውን ምድህሳሱ  ኣገዳሲ እዩ። ዝኽተልዎ ኣገባብ ቃልሲ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዲክታተር ኣወጊድካ ለውጢ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ብጽሒት ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ብመትከል ዝቕበሉ  ውዳበታት ኣለዉ። እቲ  “ወሳኒ ለውጢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዘሎ ህዝቢ ዝረጋገጽ እዩ”  ኣብ ዝብል’ውን ይኣምኑ። እዚ ኣበሃህላ ንወሳኒ እጃም  ህዝቢ ኣጉሊህካን ኣበሪኽካን ንምቕራቡ ዝጠመተ ርትዓዊ ኣቀራርባ’ዩ።

 ብኣንጻሩ ብዙሓት ዘይቅቡላት ምስምሳት ብምዝርዛር ንግደ ህዝቢ ኣብቲ ወሳኒ ቦታኡ ዘይምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሎም ደገደገ ምምዕዳው ጥራይ ዝመርጹ’ዉን ኣለዉ። ካብዚ ብምንቃል እዮም ከኣ ንሓንሳብ፡ “ምስ መን ተመሓዚኻ ብዘየገድስ ህግደፍ ጥራይ ይወገድ” ወይ ከኣ “ንግደ ህዝቢ ዝምልከት ድሕሪ ለውጢ ነርክበሉ”  ዝብሉን ዝኣመሰሉን ምስምሳት ክዝርዝሩ ዝስምዑ። ግደ ሓቂ ግና ነቲ ቀንድ በዓል ዋኒን ዝኾነ ህዝቢ ኣጓኒኻዮ ብምሕላፍ “ምስ መን ብዘየገድስ ተመሓዚኻ ነቲ ጸረ ህዝቢ  ምውጋድ ጥራይ”እኹል’ዩ” ምባል፡ ኣርሒቑ ዘይርኢ ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። እዚ ምስቲ እትዛመዶ ዘለካ ርክብ ግሉጽን ትካላውን ቀጥዒ ኣብ ዘየብሉ ክኸውን እንከሎ፡  ሳዕቤኑ ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ብፍላይ ካብ ኤርትራዊ ውዳበታት ስዉር ኣይኮነን። እቲ ብግጉይ መንገዲ ዝመጽእ ለውጢ፡ ነቲ መምጽኢኡ ከም ዝመስል’ውን ከሎ ጋና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ።

ምናልባት እቲ ንግደ ህዝቢ ምንእኣስ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ክልውጥ እንተዝኽእል ደኣ ክሳብ ሎሚ ኣበይ  ጸኒሑ?” ካብ ዝብል ይነቅል ይኸውን። ኣብዚ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ምልኪ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተ፡ ኣብ መጻኢ’ውን ኣይክልውጥን’ዩ፡ ኢልካ ምድምዳም ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ለውጢ ድምር ናይ ዝተናውሐ ቃልሲ ስለ ዝኾነ። ውጽኢቱ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ኣይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ’ውን ካብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዓዲ ኣይወዓለን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቶም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጻብዕቶም ዘመልክቱ ውዳበታት፡ “ኣነኸ ክሳብ ክንደይ እየ ህዝቢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንክኸውን ምስኡ  ክናበብ ጸኒሐ?” ኢሎም ክሓቱን  ክምልሱን ኣገዳሲ ብምዃኑ ከስተብህሉ ይግባእ።  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ዝተፈላለያ ናይ ለውጢ ውዳበታት ሓቢረን ዝቃለሉ ጽላል ንክፈጥራ፡ ናይ ወትሩ ምሕጽንትኡ እዩ። እተን ውድባት ከ ክሳብ ክንደይ እየን ነዚ ህዝባዊ መጸዋዕታ ተቐቢለን ዘተግብረኦ ከኣ ኩላትና እንፈልጦ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ኣየድልዮን። ህዝቢ ክሳብ ክንድዚ ንጠለቡ ጸማም እዝኒ ክወሃቦ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሻቐልን ናይ ምቅላስ ፍናኑ ከም ዝህሰን  ምርዳእ ኣገዳሲ ይኸውን።

“እቲ መሰረታዊ ለውጢ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር  ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ” ንዝብሉ ወገናት፡ “ልኡማት ተቓወምቲ ህግደፍ” ብዝብል ክግለጹ ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንወሳኒ ህዝባዊ እጃም ዘነኣእስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይቶም በሃልቲ ዝምድና ምስ ናታቶም ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን  ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሓዚኻ ለውጢ ምምጻእ’ዩ እቲ ቅኑዕ’ዩ  ካብ ምባል ዝነቅል እንተኾይኑ፡ ዋና ናይቲ ለውጢ ህዝቢ ኣይኮነን ናብ ዝብል ዝወስድ’ዩ።  ኣብዚ እቲ ዘይቅቡል፡ ኢድ ኣእታውነትን ንህዝቢ ስቕ በል “ባዕለይ ኣለኹልካ” ኢልካ ካብ ቃልሱ ምጉናይን እምበር፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝግበር ትካላውን ግሉጽን ምትሕግጋዝን ምምሕዛውን ንምጽራር ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግባእ።

Last modified on Sunday, 10 August 2025 09:19