ሰዲህኤን ግዱሳትን ኣብ ቶሮንቶ: ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ስደተኛታት ዝሕግዝ ናይ ሓባር ድፍኢት ኣካይዶም

2018-03-21 06:57:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3694 times

ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ሃገረ ካናዳ ከተማ ቶሮንቶ ዝርከቡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ ካለኣይ ሰሙን ናይዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ፡ ክልተ ኣገደስቲ ጸገም ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓባራዊ ተግባራት ፈጺሞም። እቲ ቀዳማይ ተግባር ምስ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ካናዳዊ ሚኒስተር ርክብ ምግባር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካለኣይ ሓባራዊ ተግባር ከኣ ምስተን ኣብ ከናዳ ዑደት ዘካይዳ ዝነበራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ዝሰርሓ ክኢላ ኣኼባ ምክያድ ነይሮም።

EPDP performances in Canada 21.03.2018ምስ ኤርትራውያን ዝተራኸበኡ ካናዳዊ ሚኒስተርን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላን ሰብኣዊ መሰልን

እዞም ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ኤርትራውያን ግዱሳትን ኣብ ቶሮንቶ ብሓባር ምስ ካናዳዊ ሚኒስተር ጉዳያት ተመዛበልቲ፡ ስደተኛታትን ዜግነትን ኣሕመድ ሑሴን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣስጋኢ ኩነታት ኤርትራውያንን፡ 40 ሺሕ ዝበጽሑ ካብኣቶም 27 ሺሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ተዘራሪቦም። እቶም ሶማሊያ ዝመበቆሎም ካናዳዊ ሚኒስተር እቲ ናይ ስደተኛታት ጸገም ብግቡእ ከም ዝርደኦም ጠቒሶም፡ ኣብ መጻኢ ምስቲ ልኡኽ ዘለዎም ርክብ ከም ዝቕጽል ቃል ኣትዮም።

እቲ ካለኣይ ተግባር ርክብ ምስ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩዝ ወካሊት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ዋና ከተማ ካናዳ ኦታዋ እዩ ነይሩ። ምስ ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ናብቲ ርክብ ዝመጸ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደመ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሓድሽ ኩነታት ኣተሓሕዛ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራ ነተን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ሓበሬታ ኣስኒቑ። ወይዘሮ ኪታሩዝ ቅድሚ ኣብ መበል 37 ክርብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ናይ 12 መጋቢት 2018 መደረ ከስመዓ ካብ ካናዳ ናብ ጀነቫ ምብጋሰን ምስቲ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ዝነበሮ ልኡኽ ን3 ሰዓታት ዝኣክል ጸኒሐን። ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣብቲ ስራሕ ንዝተሳተፉ ገዛኢ ሓገስ ካብ ዊኒፐግን ዮሴፍ ኣልኣዛር ካብ ቶረንቶን ስለቲ ርክባት ኣብ ምውዳብ ዝግበርዎ ሓገዝ ኣመስጊንዎም።

ኣቶ ትኩእ ተስፋይ ኣብ ከባቢ ቶሮንቶ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልቦ ኣብ ምብርካትን ዝተጨነቑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝን ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ኣብ ዝምልከት ቅድሚት ዝስለፍ እዩ።

ኣብ ካናዳ ዝርከባ ጨናፍር ሰዲህኤ፡ ምንስቅስቓሳተን ኣብ ህዝባዊ ምልዕዓልን ህዝባዊ ዲፕሎማስን ከም ዘተኩር ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ መዳይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተስፋ ዝህብ ውጽኢት የመዝግባ ኣለዋ። ኣቐዲሙ ከም ዝተሓበረ ኣብ ምዕራባዊ ከናዳ ከባብታት ዊኒፐግ፡ ካልጋሪን ኢድሞንቶንን ዘለዋ ጨናፍር ርኡይ ውጽኢት ኣብ ዝተመዝገበሉ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ኮይነን፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መሪሕነት ከም ሓድሽ ክቐውም እንከሎ እውን ፍሉይ ኣስተዋጸኦ ኣበርኪተን እየን። ኣቶ ናይዝጊ ባህላይ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ምልዕዓል መንእሰያት ንክሕይል ልሉይ ኣብርክቶ ዝገበረ እዩ። ጨንፈር ቶረንቶ ብወገና ኣብቲ ንቡር ምንቅስቓሳ ክትቅጽል እንከላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣባላት ሰልፊ ተጸንቢሮማ ኣለዉ።

Last modified on Wednesday, 21 March 2018 08:05