ኤርትራውያን ብሕቡእ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ተታሒዞም
2025-08-11 12:08:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 20 timesዓሰርተ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሕቡእ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ክብሉ ብ10 ነሃሰ 2025 ኣብ ሓንቲ መዝሓሊት (refrigerated) ናይ ጽዕነት መኪና ከም ዝተታሕዙ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ (AFP) ኣፍሊጣ። ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝምልከቶም ከባብያዊ ሓለፍቲ ከም ዝገለጽዎ፡ እዞምባብ ፈረንሳ ናይ ምንባር ተስፋ ዝቖረጹን ብዓቕሊ ጽበት ዘይውሑስ ምርጫ ዝወሰዱን ኤርትራውያን ብሰንኪ ክቱር ዛሕሊ ኣብ ስቓይ ወዲቖም ከም ዝተረኽቡ ኣብፍሊጦም።
እዞም ኣደታትት፡ ህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ዝርከቦም ኤርትራውያን ኣሕምልቲ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ምንባሮም ዝተፈልጠ፡ እቲ መራሒኣ ድምጾም ምስ ሰመዐ ምዃኑ፡ ኣብብቲ ናይ ኤኤፍፒ ዜና ተጠቒሱ። ሓደ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶ ክርስቲያን ቨድለጎ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፡ እቶም ኤርትራውያን ብሰንክ’ቲ ዛሕሊ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት በጺሖም ከም ዝነበሩ ምስክርነቱ ሂቡ።
ካብቶም ግዳያት ኣርባዕተ ሽዑንሽዑ ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ሓደ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ተረኪቦም። እቲ ዛዕባ ዝምልከቶ ሓላፊ ብወገኑ ከም ዝበሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ መሬት ፈረንሳ ክወጹ ከም ዝደልዩ ገልጹ፡ ናይታ ብሕቡእ ዝተሳፈሩላ ዓባይ መኪናመራሒ ከምዘይተኸሰሰ ድማ ተሓቢሩ። በቲ ዜና መሰረት ዋላ’ኳ ኣብ ወደብን ናይ ትሕቲ መሬት መራኸብታትን ጽኑዕ ጸጥታዊ ምክትታል እንተተግብረ፡ እቲ ብዓበይቲ መካይን ኮነ ብኻልእ ኣገባብ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ክዕገት ኣይተኻእለን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ደሓር ከኣ ናብ ሳዑዲ ዓረብያ ብጀላቡ ንምእታው፡ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓሎም ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም መንእሰያት ከም ዝሃለቑ ቢቢሲ ሓቢራ።