ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ እስራኤል ብጽሖት ክገብር ኣብ ተላቪቭ ኣትዩ
2018-04-01 11:18:59 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3707 timesኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝዀኑ ሓው ትኩእ ተስፋይን ሓውቲ ፈቨን ግዴዎንን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ31 መጋቢት 2018 ኣብ እስራኤል ኣትዩ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተልኣቪቭ፡ ዕታሮ ዕንባባ ብዝሓዙ ነበርቲ ኣብ’ታ ሃገር ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ።
ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ምስ’ቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ንማእሰርትን ምብራርን ተቓሊዖም ዝርከቡ ስደተኛታት ምድግጋፉ ንምርኣይ ክኸውን እንከሎ፣ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ሰዲህኤን ደምበ ተቓውሞን መብርሂታት ክህቡ ኢዮም።
ልኡኽ ሰልፊ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ምስ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጕዳይ ስደተኛታት ዝምልከቶም ካልኦት ትካላትን ክራኸብ ክጽዕር ኢዩ።
ዝርዝር ሓበሬታ ንጥፈታት ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ከነስዕበልኩም ኢና።