ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-03-27 11:23:38 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2526 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብዕለት 25.03.2018 ስሩዕ ኣኼባ ኣኻይዱ። እዚ ንልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ዝተመደበ ኣኼባ‘ዚ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰናይ ምንዮትን ምስጋና ንተሳተፍትን እዩ እተጀመረ። ድሕር‘ዚ ኣገዳስነት ኣብ ኣኼባታት ምስታፍን ሰዓተ ኣኼባ ምኽባርን ዝምልከት ሓጺር መብሂታት ብምቕራብ ኣብቲ ነቲ ዕለት‘ቲ ተታሒዙ ዝነበረ መዘራረቢ ነጥቢ ብምትኳር ኣብ ናይ 2015 ጉባኤ ሰልፊ ዝጸደቐን ዝተሓንጸጸን ፕሮግራምን ካብ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ሰልፊ ዘመልከተ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ቀሪቡ።

ዕላማ ናይቲ ኣስተምህሮ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ „ሌላ ምስ ሰዲህኤን መሪሕነቱን“ ዝብል ንኣኼበኛታት ተዓዲሉ ዝነበረ ጽሑፍ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ገለ መንእሰያት እውን ንመደብ-ዕዮ ሰዲህኤ ዝምልከት ዝያዳ ኣፍልጦን ሌላን ንኽህልዎም ካብዝነበሮም ድልየት ተበጊሶም፡ ምዱብ ዝኮነ ኣስተምህሮን መብርሂታትን ንኽዋሃቦም ይውከሱ ብምንባሮምን እዩ።

በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ሒዝዎ ዘሎ ዕማማት ናይ ቃልሲ ኣብ ሰለስተ ከፊሉ ከም ዝርእዮን፣ ሰለስቲኡ መድረኻት ዘለዎ ሕድሕድ ምትእስሳርን ፍልልይን ብንጹር ንተሳተፍቲ ኣኼባ ቀሪቡ። እቲ ቀዳማይ እዋናዊ ዕማም ንውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝካየድ መስርሕ ናይ ቃልሲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ኣካላት ዳግማይ ንከይፍጠሩ ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ክከናወኑ ዘለዎም ጸጥታን ሰላምን ምርግጋእን፡ ውሕስነት ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ከብጽሑ ዝኽእሉ ስራሓትን እዮም። እቲ ሳልሳይ መድረኽ ድማ ኣብ ግዜ ቅዋማዊ መንግስቲ ክዕመሙ ዘለዎም ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት እዮም። እዚ ዕማማት እዚ ኣብ ኣኼባ ድሕሪ ምግላጹን ኣብኡ'ውን ምርድዳእ ድሕሪ ምክያዱን፡ እቲ ዝሰፍሐ ዝርርብ ዝተኻየደሉ ጉዳይ፡ ኣብ‘ቲ ቀዳማይ ዕማም ንውድቀት እቲ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝብል'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ሰዲህኤ ኣብ ዘውጽኦ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ማለት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ህዝባውያን ማሕበራትን ምጥርናፋትን ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል እማመ ምርኩስ ብምግባር እዩ ኣኼበኛ ሰፊሕ ዝርርብ ኣካይዱ። ምኽንያቱ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሓይሊ ዝውዳእ ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ርግኣትን ፍትሕን ወዲ ሃገር ዋኒን ስለዝኮነ፡ ኤርትራዊ በየናይ መልክዕ ይወደብ ወይ ይጠርነፍ ብዘየገድስ ሓቢሩ ኣንጻር ምልኪ ክላዓል እዩ ዝግባእ። ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ብጽሒት እያ። እትቐርቦን ኣትርሕቆን ዝኮነ ይኹን ዜጋ የለን። ስለዝኮነ እምነትና ብዘየገድስ፣ ኣብ ድሕነታን ድሕነት ህዝባን ኩልና ብሓባር ግዴና ከነበርክት ከምዝግባኣና ኣኼባ ርእዩ።

Frankfurt Branch 2018 03 25

ስለዚ ድማ‘ዩ፡ ሰዲህኤ እዚ ኣብ ዓመት-ዓመት ምስ ኣባላት ካልኦት ውድባትን፡ ሰልፍታትን፡ ኣባላት ህዝባዊ ማሕበራትን፡ ውልቀ-ሰባት ደለይቲ ፍትሕን ዝገብሮ ኣህጉራውን ሰውራውን በዓላትን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን፡ ኣኼባታትን ሓቢርካ ምብዓል'ውን ከም ኣብነት ዝጥቀስ'ዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ብገለ መንእሰያት ዝተላዕለ ሕቶን ኣኼበኛ'ውን ብሰፊሑ ዝተዘራረብሉን ድማ፡ ብድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ካልእ ምልካዊ ስርዓት ከይመጽእ ካብ ሕጂ እንታይ ቅድመ-ምድላው ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ሕቶ‘ዚውን ኣብ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ሰልፋዊ እማመን ዝተመርኮሰ እዃ ይኹን እምበር፡ እቲ መልሲ፣ ብቐዳምነት ሓንቲ ሰልፊ ወይ'ውን ውድብ ንበይና ስርዓት ክትቅይር ከም ዘይትኽእል፥ ለውጢ ብሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ወይ'ውን ብህዝባዊ ናዕቢ ከም ዝመጽእ ክንኣምን ከምዝግባእን፡ እቲ እንደልዮ ቅዋማዊ መንግስቲ ክረጋገጽ ዝኽእል ድማ ኩልና ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ሎሚ ጀሚርና ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓና ንቅዋማውን ወይ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣሰራርሓ ብግብሪ ምስ እንሰርሓሉን ኣነታኣታትዎን ጥራሕ ምዃኑ ክንርዳእ ከምዘድሊ፡ ውሕስነት ዲሞክራስያ ድማ ኣብ ምቋም ኣሳታፊ ዝኮነ ሓባራዊ መሰጋገሪ መድረኽ ክልለ ከምዝኽእን፡ ነጻ ህዝባዊ ማሕበራትን ምጥርናፋትን ሓይለን ጽፉፍ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ጌረን ተዳልየን ምስ ዝጸንሓን ጥራሕ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ከነቑሞ እንደሊ ልዕልና ሕግን፡ ዲሞክራስን፡ ወሳንነት ናይ ህዝቢ ዘውሓሰ ኣሳታፊ መንግስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብነታት ዘሰነዮ መብርሂ ቀሪቡ።

ኣብ መጠረስታ ሓው ክብሮም ዓንዶም እውን፡ ነቲ ብዕለት 13.03.2018 ብኣባላት ህግደፍ ኣብ ደን ሃግ ሆላናድ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን መስደም ዝኮነ „2% መናበዪ ደቂ ስዉኣትና እዩ፡ ብድልየትና ኢና ንኸፍልን“ ዝብል ናይ ሓሶት ጭርሖታቶምን፡ ራዕድን ፍርህን ዝመልኦ መደናገሪ ተግባራቶምን ሽቑ`ርርትኦምን ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪቡ።

ኣኼበኛ፡ ነቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ እማመ ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ተሳትፍኡ ኣብ ህዝባዊ ምጥርናፋትን ንኽቕጽል፡ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንምጥርናፍን ንምትሕብባርን ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉ ከም ዝግባእን ብዝብል ለበዋታት ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ብዝክረ ሰማእታት ተደምዲሙ።

   

Last modified on Tuesday, 27 March 2018 14:09