EPDP News

ማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዕለታት 3ን4 መጋቢት 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብደረጃ ኤውሮጳ ዝተጋበአ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን፣ ህዝባዊ ኣኼባን፣ ባህላዊ መደብን ኣካይዱ። ካብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ብውክልና ዝተሳተፉ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ምስ ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ናይ ኖርወይ ዝመጹ ብጾቶም ኣብ ዕጹው መጋባእያ ብዛዕባ ህይወት ምንቅስቃሶም መጽናዕታዊ ምምይያጣት ድሕሪ ምግባር እዮም ናብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ መደባትን ዝሰገሩ።

ኣቦ መንበር ጨንፈር ኖርወይን ከባቢኣን ናይቲ ማሕበር ሓው ስቲፋኖስ ሽፍታ ናይ ሓጺር ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹምን ናይ ምስጋናን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣሲዒቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ናይቲ ማሕበር ዝኾነ ኣቶ ዓንደብረሃን ንማሕበሮም ምስ ህዝቢ ንምልላይ ብምዕላም፣ ኣብ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ናይቲ ማሕበር፣ ኣብ ዕላማታቱን፣ ራኢኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቊን መግለጺ ሂቡ። ኣብ መደረኡ ማሓበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣምን ምንቅስቃስ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብኣገባብ መረጻ ተመጣጣኒ ውክልና(proportinal representation) ዝቀውምን፣ ብዝሓ ሰልፍታት (multi party) ዘፍቅድን፣ ኣብ ናጻ ዕዳጋ (free market) ዝመሰረቱ ቁጠባዊ ዕብየት ዝኣምንን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን፣ ባይቶኣዊ መንግስቲ (Parliamentary Government) ንምትካል እዩ ክብል ኣብሪሁ።

ኣቶ ዓንደብረሃን ብተወሳኺ ምስቅንቓሶም ምስ ዝኾነ ብቻርተር ዝመሳሰሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበር ክሰምር፣ ምስ ዝኾነ ብመትከል ዘይጻረሮ ድማ ሓቢሩ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ኣበሲሩ። ድሕሪ ናይ ሕቶታትን ሪኢቶታትን መድረኽ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣባላት ማሕበር ብዝተቀረበሎምን እክለ ማይ ተዓንጊሎም፣ ኣብ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ መደብ ሓዲሮም።

 

ቀዳም 3 መጋቢት 2018 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ነቲ ብማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐ መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ንምትግባር ሰፊሕ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብዘቕረቦ መግለጺ ህልዊ ኩነታት ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራን ዞናናን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ሰ.ድ.ህ.ኤ. እዩ ተኸፊቱ። ቀጺሉ ሓው ፍስሃየ ሓጎስ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት-ጽሕፈት ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ኣጀንዳ ማለት ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ሓው ፍስሃየ ሓጎስ እቲ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ኣምር እንታይ ማለት ምዃኑን ስለምታይ ይድለን ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ይኹን ዘይፖሊቲካዊ ትካላት ቀንዲ ኣዐዋቲ መሳርሒ ምዃኑ ኣብሪሁ። መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ብጽፈት ክኸይድ ድማ ቅድሚ ኹሉ ተመኩሮ ብግቡእ ምምዛንን ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ምልላይን ከምዘድሊ ኣረዲኡ። ድሕሪ’ዚ እቲ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ሰልፍና ዝብል ብመጽናዕቲ ዝቐረበ ነጥብታት ሓደ ብሓደ ዘርዚሩ። ኣኼባ ንምይይጥ ተኸፊቱ፡ ኣባላት ሓደ ድሕሪ ሓደ ባይቶ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ናይ ስራሕ መደብ ሓንጺጹ ምብጋሱ ዘሐጉስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ’ቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ ዘለዎም ርእይቶን ተወሳኺ ነጥብታትን ኣቕሪቦም። ኣኼባ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎን መንፈስ ኣባላት ዘሐደስን ኮይኑ ተዛዚሙ። ክንዕወት ኢና! ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት! ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብ2 መጋቢት 2018 መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ምምስራቱ ኣጸንቢሉ ። ኣብዚ ኣብ ስዑድ ዓረቢያ ከተማ ርያድ ዝትኻየደ ጽንብል ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢኢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ወሲኻ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሳ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ተሳቲፈን። ኣብዚ ኣብ ህላወ ብናይቲ ሰልፊ ኣቦመንበር ሓው ዓብደል ራሕማን ጥሃ ኑር ዝተኻየድ ኣጋጣሚ ጨንፈር ርያድ ሰዲህኤ ተሳቲፉ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝተሳተፈ ኣቦመንበር ጨንፈር ርያድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ናይ ደገፍን ምሕዝነትን ቃል ነቶም ዝዓደሙ ሽማግለ ርያድ ሰልፊ ናህዳን ነቲ ኣጋጣሚ ዝወደበት ኣካልን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ንኣገዳስነት ናይቲ ኣጋጣሚ ንኢዱ ከኣ ኣብ መጻኢ ሰዲህኤን ናህዳን ክተሓጋገዙን ብሓባር ክሰርሑን ከም ዝግበኦም ኣንጸባሪቑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ማለት ኣብ 2013 ኣብ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ኣብ 2017 ኣብ ምንቅስቓስ ኣኽርያን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ዝተራእዩን ክተባብዑ ዝግበኦም ተቓውሞታት ገሊጹ።

ሰልፊ ናህዳ ኣብቲ ብባህላዊ ምድላዋት ዝተሰነየ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ደገፎም ንዝገለጹ ዕዱማት ናይ ተሳትፎ ምስክር ወረቐት ከም ዝሃቡ እውን  ገሊጹ።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዞባ ኤውሮጳ ብ3 መጋቢት 2018 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሓያልን ድኹምን ሰልፎም ብምርዳእ ነቲ ሕያል መሊስካ ንምሕያል ነቲ ድኹም ድማ ንምእራም ቃልሶም ከሕይሉ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። እቶም ኣባላት ነዚ ዘረጋገጹ መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምብራህን ኣተገባብራኡ ንምንጻር ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣባላት ዞባ ኣኼባ እዩ።

ኣብዚ ኣኼባ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረበ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ኣቦመንበርን ሰዲህኤን ኣባል ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፍን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም እንተረኣናውን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ትሑት ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ካብ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ሰዲህኤ ሓያልን ድኹምን ዘርኢ ዝርዝር ኣቕሪቡ። ካብቲ ድልዱል ጐድንታት፡ ሰዲህኤ ኣብ ኣገዳስነት ብዙሕነት ዘለዎ መትከላዊ እምነት፡ ዝምድና ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝምልከት፡ ስፍሓት ዝርጋግሓ ኣካላቱ፡ ብመትከል ግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዝ ሰልፊ ምዃኑ፣ ሓቛፊ እማመኡ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ነቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ፍልልይን ኣሉታዊ ስንብራትን ሰጊሩ ንቕድሚት ንምምዕዳው ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምትን ናይ ኣባላቱ ተወፋይነትን ዝምልከቱ ነጥብታት ብዝርዝርን ብኣብነት ብምስናይን ኣቕሪቡ። ብኣንጻር’ዚ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኡ ሓደ ካብ ድኽመታቱ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓያላት ኮነ ድኹማት ጐድንታት ሰልፊ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ረቛሕታት ዝጽለዉ ምዃኖም ሓቢሩ። 

ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት እውን ካብቶም ነቲ ኣኼባ ንክመርሑ ዝተመዘዙ ስለ ዝነብረ፡ ኣብ ምሕዳስ ሰልፊ ኣገዳሲ ግደ ንዘለዎ ግዝኣተ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ መግለጺኡ ኣብ ህልውና ሰልፊ ወሳኒ ግደን ሓያል ጽልዋን ንዘለዎም፡ ግደ ብዙሓትን ውሑዳትን፡ ሓላፍነት ላዕለዎትን መሰል ታሕተዎትን ግሉጽነትን ኣብ ዝብሉ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ  ንጹር መብርሂ ሂቡ። ብጻይ መድሃኔት ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ምንእሰያትን ምክትል ኣቦመንበር ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፍን ብወገኑ ኣገዳስነትን ኣመሰራርታን ኮሚሽንን፡ እቲ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ዝመጸሉ መስርሕን ወሳኒ ግደ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት መስርሕ ምሕዳስን ዝምልከቱ ጉዳያት ገሊጹ።

ድሕርቲ መበገሲ መግለጽታት፡ ኣባላት ሰልፊ ነቲ ካብቲ ሰፊሕ ሰነድ ምሕዳስ ተወሲዱ ከም ኣጀንዳ ዝቐረበ ሓያልን ድኹም ጐድንታት ሰልፊ ዝምልከት ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ሕያል ኮነ ድኹም ገድንታት ዘይሰፈሩ’ሞ ክሰፍሩ ይግበኦም ዝበልዎም ነጥብታት ብምቕራብ ነቲ ሰነድ ዘህብትምን ተዛማዲ ሓሳባትን ኣቕሪቦም። እቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑን መበግሲ ሓሳባት ዘቕረቡ ብጾት ከኣ ነቲ ሕቶታት ብግቡእ መሊሶም ነቲ ሰነድ ዝምልከቱ መህብተሚ ሓሳባት ከኣ ናብታ ኮሚሽ ከም ዘቕርብዎ ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ከኣ እዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብዘውጸኦ መደባት መሰረት ኣብ ኩሉ ኣካላት ሰልፊ ዘለዉዎ ኩርነዓት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዛዕባ ካለኦት ክፍልታት ናይቲ ሰንድ ምሕዳስን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣኼባታት ቀጸልቲ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ኣካያዲ ናይ’ታ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላም (ወይ ድማ መድረሳ ስታዝ በሺር) ዝነበሩ ሃገራዊ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ብዓርቢ ዕለት 2 መጋቢት 2018፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግዲፍ ከምዝዓረፉ ምስማዕና ብዙሕ ኣሰንቢዱናን ኣጉህይናን።

 

ነብሰሄር ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ነታ ብናይ ህዝቢ ኣበርክቶ እትካየድ ቤት ትምህርቲ፡ ኣሕሊፈ ንስርዓት ኢሳያስ ኣይህብን፥ ነቲ ካብ ስሳታት ኣትሒዛ ክትህቦ ዝጸንሐት ኣገልግሎት ኣይቕይርን ብማለት ንህይወቶም ክሳብ መስዋእቲ ክኸፍሉ ዘርኣይዎ ድልውነትን ዘሐብን ጽኑዕ መርገጽን ብህልውን መጻኢ ወለዶን ክዝከርን ክምጎስን ክነብር ኢዩ።

 

መስዋእቲ ሓጅ ሙሳ፡ ነቲ ካብ ሚኢቲ ዓመት በጊዕ፡ ሓደ ዓመት ኣንበሳ ኮይንካ ምሟት ዝብል ፈለግ ናይ ጀጋኑ ሃገራውያን ተቓለስቲ ዝተኸተለ ጉዕዞ ስለዝኾነ፡ ዋላ እኳ ብኣካል እንተተፈለዩና፡ ብመንፈስ ንዘልኣለም ኣብ ልብና ክሰፍሩ ምዃኖም ኣይንጠራጠርን ኢና።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋእቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንመላእ ቤተሰቦምን ንህዝቢ ኤርትራን ድማ፡ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሉ ድማ የውርደልኩም እናበለ ናይ ሓዘንኩም ተኻፋሊ ምዃኑ ክገልጽ ይፈቱ፡

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

4 መጋቢት 2018

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ እስራኤል ተዓጊቶም ንዘለዉ ዑቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት ንምድጋፍ ተወሳኺ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ መዘክሩ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ምስቲ ኣንጻር መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሰርሕ ዘሎ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል ከይትተሓባበር ጸዊዑ።

ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ብ28 ለካቲት 2018 ብመንገዲ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ወይዘሮ ሉይስ ሙሺኪዋቦ ናብ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝተላእከ መዘክሩ፡ ሩዋንዳ ካብቲ ኣብ ንግዲ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ዝምድናኣ ንከትርሕቕ ጸዊዑ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ እዚ ተግባር ኣብ ሩዋንዳን ኣብ ኩሎም ኣንጻር ከም ኣፓርታይድ ዝኣመሰለ ግፍዒ ዝተሰለፉ ኣፍሪቃውያንን ዘሕፍር በሰላ ዝገድፍ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።

እቲ መልእኽቲ እስራኤላውያን ግዱሳትን ሲቪላውያን ተንቀሳቀስትን ኣብ ጐኒ እቶም ስደተኛታት ምስላፎም ዝሓደሮ ኣሚቕ ዕግበት ጠቒሱ፡ ብኣንጻሩ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ እስራኤል ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተኛታት ክቕበል ፈቓደኛ ኮይኑ ብዝብል ጸብጻብ ከም ዝሓዘነን ከም ዝሰንበደን ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰዲህኤ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ምስተን ኣብ እስራኤል ኣብ ስግኣትን ደረት ዘየብሉ ማእሰርትን ዝነብሩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያንን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ፍትሓዊ መፍትሒ ንክረኽባ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራትን ማሕበራትን ንክተሓባበሩ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ናይዚ ዝተጠቕሰ መዘክር ቅዳሕ ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ፍሊፖ ግራንዲን ተላኢኹ።

In yet another memorandum in support of Eritrean asylum seekers stranded in Israel, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) urged the African state of Rwanda  not to collaborate with the right-wing government in Israel against African asylum seekers in that country, a vast majority of them Eritreans.

In a memorandum sent on 28 February 2018 to the Rwandan Government through its foreign minister, Ms Louise Mushikiwabo, the EPDP asked Rwanda to kindly desist from the alleged relation with Israel in trading asylum seekers for money. "If the allegation is confirmed", the memorandum added that "it will be a lasting scar of shame and  indignity" on Rwandans who stood against discriminatory systems like apartheid.

The message expressed profound satisfaction with the substantial support to refugees by Israeli citizens and civic activists but added that Eritreans in the opposition camp are "very much discouraged and dismayed by the reported willingness of the Rwandan Government to receive those stranded refugees against cash payments from Israel".

The EPDP finally appealed to the Rwandan Minister for Foreign Affairs and Cooperation and the Government of Rwanda to join other countries and organizations in finding a just solution to the helpless African and Eritrean refugees living under the threat of blind expulsion or indefinite imprisonment in Israel.

The memorandum was copied to the Chairman of the African Union Commission, Mr. Moussa Faki Mahamat, and to the UNHCR High Commissioner, Mr. Filippo Grandi.

ቀዳም  24 ለካቲት  2018፡  ክልቲኡ ዞባታት  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዞባ ኤውሮጳን “ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮ  ዞባታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ፡ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

መደብ ምውርራስ ተመክሮታት፡ ብመሰረቱ፡ ናይ ማእከላይ ባይቶ ውድባዊ ቀዋሚ ሽማግለ ዘበገሶ፡ ኣብያተ ጽሕፈታት ውደባን ደቂኣንስትዮን መንእስያትን፡ድማ  ዝማዕበለኦ መደብ ክኸውን እንከሎ፡ ብጸዋዒት ክፍሊ ሰሰን ሰብኣዊ ምንጪ ኣብ ምምሕዳር ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት እዩ ተካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝመርሑ  ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ደጊጋን፡ ሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ ኣድያም ተፈራን እዮም። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ድማ፡ ኣባላት ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ደቂ ኣንስትዮን መንስያትን፣ ኣባላት መሪሕነታት ዞባ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን፡ ኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባ ጀርመን ከምኡ’ውን ኣባላት መሪሕነታት ጨናፍር ነይሮም።

እቲ ኣኼባ፡ ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓፍቲ ኣድያም ድሕሪ ምኽፋቱ፡  ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ንዝርዝር መደባት ምውርራስ መኽሰባት ናይ ዞባታት፡ ገሊጹ።  ኣብ ገለጻኡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም   ዝካየድ ናይ ቃልሲ ተመክሮ መኽሰባት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፊ ንምክፋልን ካብኡ ኣስተምህሮታት ብምውሳድ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ  ኣሰራርሓ ሰልፊ ንምድንፋዕን ዝሃቀነ ምኻኑ ገሊጹ። ብመሰረቱ ከኣ ኣባላት  ዞባታት ዝራኸቡሉ መስኖታት ምኽፋትን ዓቅምታቶምን ብቕዓታቶምን ዝፍኑውሉ መድረኽ ምእንጋድን እዩ ክብል ኣብሪሁ።  ብተወሳኺ፡ ከምዚ  ዝበለ  ርክባት ንዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘማዕብልን ንግሉጽነት ከም ዘዕኩኽን ገሊጹ፡ ዝማዕበለ ምትሕብባር  ክተረጋግጽ ምኽእል ንባዕሉ ምዕዋት’’ዩ ክብል ኣብሪሁ።

ቀጺሎም ኣቦመንበራት ዞባን ንኡስ ዞባን ኣሕዋት ደስበለ ካሕሳይ፡ ኢሳቕ ወልደማርያምን  ተስፋማርያም ክብረኣብን በብወገኖም ናይ ዞባታቶም ሃለዋት መግለጺ ኣቕሪቦም።

ሓው ደስበለ  ብዛዕባ’ቲ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝሓለፎ  መኸተ ኣንጻር ዕንደራን፡ ጥሙር ምንቅስቓሳት  ኣባላት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ብምግላጽ፡  ህጹጽ ጉባኤ ኣካይዶም ነቲ ንሰልፍና ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ዝነበረ ወስታታት ስዒሮም፡ ሓዳስ መሪሕነት ከም ዝመረጹን ብዘየዳግም ከም ዝተዓወቱን ገሊጹ። ንኣባላት መሪሕነት ዞባ እውን ኣላልዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቅሱን፡ ዕዉት፡ ስኒት ዘለዎ  ተመክሮታት የሕልፍ ኣብ ልዕሊ ምህላዉ፡ ብፍላይ ኣብ ካናዳ፡ ብዙሕ ቁጽሪ ሓደስቲ ድሮ ኣሰሊፉ፡ ይቃለስ ምህላዉ ንኣኼበኛ ኣበሲሩ።

ሓው ኢሳቕ፡  ወልደማርያም፡ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቅልውላው ብዙሕ ከይተጸልወ፡ ጥርኑፍ፡ ዝነኣድ ስምምዓት ዘለዎ ኣፍራዪ ስራሓት ከም ዘካየደ  ብምግላጽ ንመላእ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ኣላልዩ። እዚ ዞባ’ዚ ልሉይ ጽንዓትን ጥርናፈን ኣረጋጊጹ ኣብ ልዕሊ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መድረኽ  ኣትኲሩ ክቃለሰሉ ዝጸንሐ ምስ ዝተፈላለያ ውድባት ሓባራዊ ዕዮ ከካይድን ምትእምማን ከስርጽን ምኽኣሉ እዩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ ክውንነት ሓባራዊ በዓላት ምስ ውድባት ከካይድ በቒዑ።  ሕጂ’ውን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ሓባራዊ  መደብ ህዝባዊ በዓል ሰሪዑ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ንምዕዋቱ ኩሉ ክጽዕረሉ ጸዊዑ።

ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ እውን ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝካየድ ዕማማት ኣብ ልዕሊ ምሕባሩ፡ ንኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባን ተወፋይነቶምን ኣላልዩ።  እዚ ንኡስ ዞባ’ዚ ክቕሰም ካብ ዘድሊ ተመክሮኡ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ዘካይዶ መደባት ኣድማዒን ብዝሕ ዝሰጐመ  ናይ ኣሰራርሓ ስልቲን ከም ዘተኣታተወ ገሊጹ።

ብድሕሪ’ዚ ኣባላት መሪሕነት ዞባን ጨናፍርን ብወገኖም ነቲ ምይይጥ ዘሀብተመ  ርእይቶታትን ተመክሮታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ምርኡይ ተመክሮታት፡ ኣብ ሃገር ሽወደን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዕቤት ሓባራዊ ስራሕ ምዃኑ እውን ኣስሚሮሙሉ። ብዘይካኡ ናይ ርክባት መስኖታት ምምዕባልን፡ ናይ ሓድሕድ ትምህርታዊ መደባት ምስራዕን እውን ኣትኩሮ ተነቢሩሉ።

ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ከካይዳኦ መዲበን ዘለዋ ሰላማዊ ሰልፊን ኮንፈረንስን ዝኸይድ ዘሎ ምቅርራባትን ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ ኣድያም ተፈራ መግለጺ ተዋሂቡ። ኣብ ደንሀግ፡ ሆላንድ ካብ8-11 መጋቢት 2018 ኣብ ዝካየድ መደብ፡  ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ ምስ ኩሉን ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ፡ ክተሓባበራ፡  ሓበን ከም ዝስመዐን ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ በቲ ዝኽእልዎ ክተሓባበሩ ጸዊዐን።  ተሳተፍቲ ኣኼባ እውን፡ ብድምቀትን ብዓቢ ንያትን ተቐቢሎም፡  ንምዕዋቱ ብኹሉቲ ካብኦም ዝጥለብን ዝኽእልዎን ከም ዝደጋገፉ ሓቢሮም።

ኣብ መደምደምታ መደብ ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ክቅጽልን፡  ኣብ መጻኢ ድማ፡ ንኹሎም   ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ  ኣባላትና ዝሓቘፈ መራኸቢ ክኸውንን ተሳማሚዖም።

ቤት ጽሕፈት ዜና

25 ለካቲት 2018

ኣባላት ሰአልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ቁ.2 ሃገር ሽወደንን ደንማርክን ብዕለት 23 ለካቲት 2018 ብመራኸቢ ብዙሓን 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ።

ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ጸሃየ ቀለታ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ሰላምታን ጀሚሩ 3ተ ኣጀንዳ ኣጽዲቁ፡ ስፍሓት ህልዊ ኣባላት ጨንፈር ብዝርዝር ሓቢሩ። ቀጺሉ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ደምበ ተቓውሞን ብዝምልከት ብዝርዝር ሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተጀሚሩ ዘሎ ዕዉት ርክብ ናይ 10 ዉድባትን፡ ነቲ ብሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝቀረበ እማመ ሐባራዊ ጽላል ምቋም ዝዕድም በዚ ኣቢልካ ድማ ሓባራዊ ስራሕ ንምክያድ ዝዓለመ እማመ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብገለ ውድባት ጠመተ ይረክብ ብምህላዉ ገሊጹ። ኣስዒቡ ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ብዝርርዝር ናይ ዓመተ 2017 ንዕቤት ሰልፊ ዝተወፈየ ገንዘብ ብንጹር ኣቅሪቡ። ኣብ 3ይ ኣጀንዳኦም ከኣ ነቲ መሪሕነት ሰልፊ ኣውጽኢዎ ዘሎ መደባት ንምዕዋት ናይ ገንዝብ ወፈያ ብምጅማር ንጊዜኡ ኣብ ኣኼባ ዝተረኹ ኣባላት ጥራሕ 7000,00 ክራውን ከወፍዩ ከለዉ፡ ብምኽንያት መገሻን ስራሕን ኣብቲ ኣኼባ ዘይተሳተፉ ገና እቲ ወፈያ ቀጻሊ ምህላዉ እውን ኣረጋጊጾም። ኣብ መደምደምታ ኣባላት ኣግደስቲ ለዉባታት ብምቅራብን፡ መሪሕነት ሰልፊ ዘካይዶ ዘሎ ሙሉእ ሕጋዊ ጽፉፍ መደባት ኣሞጒሶም ንምትግባሩ ብስጥመትን ብልዙብ ምርድዳእን ክቃለሱ ኣስሚሮምሉ።

ልዕሊ 700፡ ተገደስቲ ሰብኣዊ መስልን ዲሞክራስን፡ ግዳያት፡ ተቓወምቲ፡ ዲፕሎማት፡ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ተመሃሮን ዝተሳተፍዎ ርክብ ብ20 ለክቲት 2018 ኣብ ጀነቫ ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ዕላማ ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ንዘድልዮ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ንምንጽብራቕ እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሕዝን ኩነታት ክሕብር  መድረኽ ዝሓዘ ኣይነበረን።

 

እዚ ብደረጃ ዓለም 25 ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ትካላት ዝወደብዎ ርክብ ኣብ ድሮ እቲ ብደረጃ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዓመታዊ ኣኸባ ብኣውንታ ንምጽላዉ ዝካየድ እዩ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት 47 ኣባል ሃገራት  ዘለዉዎ ኮይኑ ገለ ዘይምልከተን ሃገራት ብኣባልነት ብምሓዙን በዚ ምኽንያት ኣብ ኣዝዮም ዘሻቕሉ ጉዳያት ኣውንታዊ ውጽኢት ከመዝግብ ብዘይምኽኣሉን ዝውቀስ ትካል እዩ።

 

ናይተን ናይ ኣሜሪካ ማሕበራት ፕረሲደንት ኣቶ ሉይስ ኣልማግሮ ሓደ ካብቶም 22 ኣብቲ ኣኼባ መድረኽ ዝሓዙ መደርቲ፡ ተዓዘብትን ኣወሃሃድትን ነይሮም። ንሶም ነቲ ኣኼባ “ምቅላስ ኣንጻር ወጻዕቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ዝኾነ ዲክታተር ኣብ ሓደ ለይቲ ኣይኮነን ዝፍጠር፡ እቲ ጉዕዞ ሰላሕታውን ናይ ፈራሕ ኣካይዳን ኮይኑ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ከምቲ ኣብ ቬንዙዋላ ዝተራእየ ወጽዓን ዲክታተርነትን ተወሊዶም ዝዓብዩሉ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ዳርጋ ኩሉ ተዛራባይ ናብ መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ዓለም ለኻዊ ድንጋገ ሰነድ ሰብኣዊ መሰል፡ ብኢሊኖር ሩዝስቨልትን ተሓባበርቶምን ኣብ ጀነቫ የተኩር ነይሩ።

 

ዝምባብያዊ ፓስተር አቫን ማዋይሪር ኣብቲ ርክብ ካልእ መዳሪ ነይሮም። ንመደረኦም ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ሞይቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ንጉሆ ንዝተቐብሩ ዚምባብያዊ መራሒ ተቓውሞ ሞርጋን ቫንጋሪ ብምዝካር’ዮም ጀሚረምዎ። እዞም ንገዛእ ርእሶም ኣንጻርቲ ነዊሕ ዲክታቶርያዊ ግዝኣት ሮበርቲ ሙጋበ ሓያል መለዓዓሊ ዝነበሩ ኮይኖም፡ “ዋላ እቲ ጉዕዞ ዓቐበትን ቁልቁለት እንተኾነ ኣይትንበርከኹ፡ ተስፋ ከኣ ኣይትቑረጹ” ዝብል መልእኽቲ ናብ ኩሎም ናይ ዓለምና ተቓለስቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

10th Geneva Human Rights and Democracy Summit Tigrinia 2

 

መሰል ደቂ ኣንስትዮ እንተግሂስካ ሕብረተሰብ ኣዕኒኻ ማለት እዩ” ዝብል ቃል ከኣ ብካልእ ኣፍሪቃዊት ጁሌን ሉሰንገ ኣብቲ ርክብ ዝተቃልሐ ነይሩ። እተን ወ/ሮ ኣብዚ ዓመትዚ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሽልማት ዝወሰዳ ኣብ ዲሞክራቲክ ረፑብሊክ ኮንጎ ደቂ ኣንስትዮ ንምትብባዕ ዝተቓለሳን ቅድሚ 40 ዓመታት ማሕበር መስሪተን ዝቕጽላ ዘለዋን እየን።

 

ካናዳዊ ፕሮፈሶር ኢርዊን ኮትለር፡ ናይ ቅድም ናይታ ሃገር ሚኒስተር ፍትሕን ሎሚ ፍሉጥ ተቓላሲ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን፡ ዒራቓዊት ፋሪዳ ኣባስ ካሓላፍ ካብ ግህሰታት እስላማዊ ጥሩፍነት ዝተረፈትን ካለኦት ናይ ሰብእዊ መሰል ሓርበኛታትን ትጉሃትን ካብ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፓኪስታን፡ ሩስያ፡ ቬንዙዋላን ካለኦት ሃገራትን ብዛዕባ ተመኩሮም ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስክርነቶም ሂቦም።

 

ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ሓደ ካብተን ነዚ ናይ ጀነቫ ርክብ ዝወደባ 25 ዘይመንግስታዊ ማሕበራት እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ 10ይ ርክብ ጀነቫ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳዩ ከም ተዓዛቢ ተሳቲፉ።