ካብታ ኣብ ኡጋንዳ ክትወዳደር ዝቐነየት ጋንታ ትሕቲ 20 ዝዕድሚአን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሓሙሽተ ካብኣተን ብ2 ሕዳር 2021 ኣብ ካምፓላ ከም ዝተሰወራ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 ጥቅምቲ ዝጀመረን ክሳብ 9 ሕዳር 2021 ዝቕጽልን ከባብያዊ ውድድር ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሰካፋ) ኮይኑ፡ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ እዩ። ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ኣብ ዝገበረቶ 2ተ ግጥማት፡ ብታንዛንያን ብኢትዮጵያን ከም ዝተሳዕረትን 3 ሕዳር 2021 ከኣ ምስ ኣእንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ክትጻወት መደብ ከም ዝነበራን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ግዜ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብተመሳስሊ ኣገባብ ክጠፍኡ እዚ ንኻለኣይ ግዜ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 እውን 5 ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ከም ዝጠፋኣ ዘኪሩ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ነዚ ምስዋር 5 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብዝምልከት ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ይጻረ ከም ዘሎ እዩ ሓቢሩ። ካብ ኡጋንዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ከኣ ናይቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዳይረክተር ተጻወቲ ዘይሃድምሉ ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ ከም ዝበሉ ዝጠቅስ እዩ።
እቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ኡጋንዳውያን ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኡጋንዳውያን ኣባላት ናይቲ ማሕበር ብወገኖም፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመሓላሊፎም ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብፍሊጦም፡ ተጻወቲ ኣብቲ ዝተመደበሎም ሆቴላት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝነበሩን ግቡእ ሓለዋ ከም ዝነበረን ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕጂ ብ2019 ተጻወቲ ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ካብ ኡጋንዳ፡ ከምኡ ከኣ ብ2015 ዓሰርተ ኤርትራውያን ተጻወቲ ካብ ቦትስዋና፡ ብ2013 ኣብ ኡጋንዳ 13 ኤርትራውያን ምስ ሓኪሞም ናብ ሃገርና ኣይንምለስ ኢሎም ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ ብ2009 ከኣ ኣብ ኬንያ ብዘይካ መሪሕነትን ኣሰልጣንን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምሉኣ ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰት ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜናዊ ጸብጻብ ከም ድሕረ ባይታ ጠቒሱ።
ናይዚ ኩሉ ናይ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ዘይምምላስ ውሳነ ጠቂ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ፡ ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽል ዝኣመሰሉ ተመጐቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጽዎ ዝጸንሑ እዩ።
ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ30 ጥቅምቲ 2021፡ 5ይ ጉባአኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉበአ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንተሳተፍቲ ጉባአን ዕዱማት ኣጋይሽን ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩምን ምስጋናን መልእኽቲ ዽሕሪ ምቕራብ መስርሕ ምድላው ናይቲ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቲ ጉባኤ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብቲ ክግበረሉ ዝግበኦ ደንጉዩ ከም ዝተኻየደ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጠሙ ብደሆታትን መኸቲኦምን፡ ከምኡ እውን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ዞባን ናብዚ ጉባአ ንምብጻሕ ዘካየድዎ ኣበርክቶን ምትሕብባርን ጠቒሱ።
ኣብዚ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ዝተኻየደ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ቃል ሰልፊ ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል ንኣሰናዳእቲ ጉባአን ተሳተፍትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሃለዋት ሰልፍን ግደ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕቤት ሰልፊን ዕዙዝ ምዃኑ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ዝሰርሕሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ቅሩብነት ሰዲህኤ ነዚ ናይ ሓባር ዕማም ኣብ ምዕዋትን ዝምልከት ሰፊሕ መርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ ከባቢና ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ኤርትራ ዘስዕቦ ዘሎ ሳዕቤንን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነዚ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ብፍላይ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ትግራይ እቲ ፍታሕ ሕጋውን ፖለቲካውን ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰዲህኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱን ክወስዶም ዝጸንሐ መርገጻት ኣስፊሑ ኣብሪሁ። ብዘይካዚ፣ ዓብዪ ህዳሰ ዲጋ ዝፈጠሮ ምስሕሓብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ተወሲኽዎ ዞናን ኣሁራዊ መሰሓሓቢ ጃንዳታትን ምፍጣሩ ገሊጹ። ኣብ ምወዳእታ ከኣ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ዕዉት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ብውገኑ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ናብቲ ጉባአ ብምብጸሖም ሓጐሱ ገሊጹ። ናብኡ ንምብጻሕ ንዝጸዓቱ ኣካላት ድማ ንኢዱ። ንሃለዋት ዞባናን ተሃዋስነቱን ብዝምልከት እውን ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ከኣ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ብህዝቢ ዝመጽእን ናይ ህዝብን ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብቲ መስርሕ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ዝጥለብ እዋናዊ ኣበርክቶ ጠቒሱ።
ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ከኣ፡ ንዞባ ወኪሉ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘቕረቦ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ቃሉ፡ ንዞባ ኤውሮጳ ኣብነትን ሓጋዝን ክኸውን ዝኽእል፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ መንእሰያትን ኣብ ዜናዊ መዳይን ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት መብርሂ ሂቡ። ንዓወት ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ከኣ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ ንዞባ ኤውሮጳ ንሸውዓተ ዓመታት ብተኸታታሊ ክመርሕ ዝጸንሐ ብጻይ ኢስቅ ወልደማርያም ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሐ ናይ 3 ዓመታት ምንቅስቓስ ዝተጠርነፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጸብጻቡ መሪሕነት ዞባ ክኸደሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ጉባአ ካብቲ ክካየደሉ ዝግበኦ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ምድንጓዩ፡ ናብዚ ጉባአዚ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣዘረጋግሓን ኣተሃላልዋን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኢውሮጳ፡ ኣብ ሕድሕድ ኣባላት መሪሕነት እቲ ዞባ ዝጸንሐ ሓድነትን ምድግጋፍን እቲ ዞባ ካብ ምስላጥ ሰልፋዊ ሓላፍነቱ በተወሳኺ ብደረጃ ውድባት ኮነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከርእዮ ዝጸንሐ ተሳትፎ ዘርዚሩ። ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያቆብ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ዞባ ብወገና፡ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ኣብቲ ጸብጻባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ሰዲህኤ ኮነ ብደረጃ ዞባ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልስን ገሊጻ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝኣመሰሉ ትካላት ዘጋጥሙ ጸገማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምቅላል፡ ኣባላት ሰዲህኤ የበርክተኦ ንዘለዋ ሓገዛት ጠቒሳ።
ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ጉባአ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻባትን ዝቐረበሉ ኣገባብን፡ ክኸውን ነይርዎ ዝብልዎን ንመጻኢ ካብኡ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦ ትምህርትን ተመኩሮን ሰፊሕ ምይይጣ ኣካይዶም።
ጉባኤ ዞባ ኣብ መወዳእታ 7 ቀወምትን 2 ተጠባበቕትን ዘለዉዋ ሓዱሽ መሪሕነት ዞባ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። እቲ ናይ ምስጢር ኣመራርጻ በቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ኣገባብ ብዙም ብምንባሩን እቲ ኣገባብ ሓድሽ ስለ ዝነበረን፡ ምስጢራውነት ድምጺ መረጽቲ ምዕቃብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድሚ ምድማጽ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣገባብ ኣፍልጦ ብዘለዎ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጻይ ኪዳነ በርሀ ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ።
ኣብ መጠረስታ፣ ተሳተፍቲ ንመሪሕነት ሰልፍን ሓዳስ መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ኣገዳሲ ለበዋታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም፡ ጉባአ ተዛዚሙ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝተመርሐ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ተኸቲሉ ኣባልነት ናይታ ሃገር ኣብቲ ሕብረት ኣደስኪልዎ። እቲ ምድስካል ኣባልነት ተኣጊዱ ዘሎ ብሲቭል ዝምራሕ ናብ ብምርጭ ዝቖመ መንግስቲ ከሰጋገር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ መሰጋገሪ ምምሕዳር ናብ ንቡር ቦታኡ ክሳብ ዝምለስ ከም ዝቕጽልዩ እዩ ተገሊጹ።
ናይቲ ሕብረት ናይ ሰላም፡ ፖለቲካን ድሕነትን ክፍሊ ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ዝገለጾ እቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ዕልዋ ክፍጸም እዩ ኢሉ ዘይተጸበዮ ምዃኑ ምግላጹ፡ ንምንጭታት ናይቲ ሕብረት ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባቲ ኩነታት ዝዛተ ልኡኽ ናብ ሱዳን ከም ዝሰደደ ካብ ዜና ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ንመግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ተኸቲሉ ባንክ ዓለም ብወገኑ፡ ብሰንክቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ከም ዘደስክሎ ገሊጹ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገና ንሱዳን ክትህቦ መዲባ ዝነበረት ናይ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ጠጠው ከምእተብሎን ኩንታት ሱዳን ናብ ንቡር ንክምለስ ተወሳኺ ጸቕጥታት ከም እትገብርን ኣፍሊጣ።
ናይቲ ዕልዋ ዜና ምስተሰምዐ፡ ኣሸሓት ሱዳናውያን ኣብ ከተማታት ካርቱምን እምዱርማንን ንተኸታታሊ መዓልታት ኣብ ኣደባባያት ከም ዝተቓወሙን መንገድታት ክዓጽዉ ምስ ፈተኑ ምስ ወተሃደራት ብዝተፈጥረ ግጭት ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2021 ብውሕዱ 7 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ካርቱም ከይተደረተ ኣብ ካልእ ከባቢታት እውን ክቕጽል ግምት ኣሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ናይ ሱዳን ሰራሕተኛታ ኩባንያ ነዳዲን ሓካይምን ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲቪላዊ ተቓውሞ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።
ነቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ ዝመርሑ ጀነራል ኣልቡርሃን ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራት’ውን ኣንጻሮም ከይለዓሉ ስግኣት ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ዕልዋ ካብ ሕድሕዳዊ ውግእ ሱዳናውያን ንምድሓን ኢሎም ከም ዝወሰድዎ ምግላጾም ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። እቶም ጀነራል ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ምርጫ ከም ዝካየድ ቃል ኣትዮም። እንተኾነ እዚ ዕልዋ ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣኖም ዘረክበሉ ዝነበሮም ግዜ ኣብ ዝተቓራረበሉ ስለ ዘጋጠመ እቲ ወተሃደር ንመብጸዓ መጻኢ መርጫ ናይቶም ጀነራል ኣይኣመኖን ዝብል ግምት ኣሎ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቶም ጀነራል ኣሲረምዎም ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከኣ ናብ ገዝኦም ከም ዝመለስዎምን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡን ካብታ ሃገር ዝወጹ ዜናታት ሓቢሮም።
ድሕሪ ዕልዋ ዝተኣስሩ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ር ሓምዶክን ፡ ዕልዋ መሪሖም ህጹጽ ኣዋጅ ዝኣወጁ ጀነራል ኣልቡርሃንን
ኣብ ሱዳን ብ25 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሲቪል መራሕቲ ኣሲሩ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ከም ዝተኣወጀ ማዕከን ዜና ቢቢስን ካለኦት ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ገሊጸን። ናይዚ ዕልዋ መራሒ ጀነራል ኣልቡርሃን ናይቲ ዕልዋ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ምዃኑ ገሊጾም።
ነዚ ዕልዋ ዝተቓወሙ ሱዳናውያን ኣብ ኣብ ካርቱምን ካለኦት ከተማታትን ኣብ ኣደባባያት ወጺኦም ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑን ኣብቲ ኩነታት ተኹሲ ከም ዝነበረን እውን ተፈሊጡ። ብዛዕባቲ ሓድሽ ተረኽቦ ብተለቪዥን ሱዳን ዝገለጹ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ናይታ ሃገራዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ህጹጽ ኩነታት ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ከኣ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ክመርሕ ዝጸንሐ ልኡላዊ ቤት ምኽርን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ከም ዝፈረሱ ገሊጾም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጀነራል ኣል ቡርሃን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሪሱ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምርጫ ከም ዝካየድ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብኣንጻሩ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከይፈርስ ህዝቢ ክቃለስ ክጽውዑ እዮም ጸኒሖም።
ኣብታ ሃገር ዕልማ ከም ዝተኻየደ ምስተገለጸ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከብዎም ሰቪል ሰብ መዚ ብወተሃደራት ከም ተታሒዞም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ነቲ ዕልዋ ተቓዊሞም ናብ ኣደባባያት ካብ ዝወጹ ሰባት ብውሕዱ 12 ሰባት ተጐዲኦም።
እቲ ዜና ከም ዝሕበሮ ጀነራል ኣልቡርሃን ኮኑ ካለኦት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሱዳን፡ ናይ ግብጺ፡ ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረይትን ደገፍ ኣለዎም። ብኻልእ ወገን ከኣ ዝተፈላለያ ሃገራት ነዚ ዕልዋ ተቓዊመንኦ ኣለዋ። እዚ ዕልዋ ዝፍጠር ዘሎ ሱዳን ኣብ መንጎ ወተሃደራትን ሲቪልን መራሕቲ ዝነበረ ዝምድና ሓርፊፉ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሕመስ ምስ ጸንሐትን ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ውጽኢታዊ ዘይነበረ ዕልማ ምስ ተፈተነን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ናይ ኢንትርኔት ርክብን መዓርፎ ነፈርትን ዕጹዋት ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣወስትራልያ እቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርትን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ እናዐረገ ምምጽኡን ከም ዘሻቕላ ብምጥቃ ብ20 ጥቅምቲ 2021 መግለጺ ኣውጺኣ። ኣወስትራልያ ኣብዚ መግለጺኣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምኽልካል ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም እትኹንን ጠቒሳ። እቲ መግለጺ እቲ ውግእ ዓመቱ ክመልእ ኣብ ዝተቐራረበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ኣዕናዊ ተጽዕኖ የሕድር ከም ዘሎ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ሃገረ ኣወስትራልያ ኣብዚ መገልጺኣ፡ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ውግእ፡ ካብ ምቕጻልቲ ውግእ ክዕቀቡን ጥሕሰታት ከወግዱን ጸዊዓ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣወስትራልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብህጹጽ ህውከት ጠጠው ኣቢሎም፡ ብቕልጡፍ ተዛትዮም ምእንቲ ምርግጋእ ህዝብን ሃገርን ኣብ ፍታሕ ክበጽሑ ጸዊዓ።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ ብዙሓት ኣወስትራላውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ዝምድና ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ምስቶም በዚ ኩነታት ዝተገድኡ ኣዕሩኽን ቤተሰቦምን ዘለዋ ምድንጋጽ ገሊጹ።
መደብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እገዳ ንምውሳንን መገሻ ናብ ኣዲስ ኣበባን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕብቲ ብ18 ጥቅምቲ 2021 ዘካየዶ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣኼባኡ ብዝምልከት፡ ላዕለዋይ ወኪሉ ጆሰፍ ቦረል ንጽባሒቱ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ሓደ ብዛዕባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ዝነበረ ምጥቃሶም ማእከል ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ኣብቲ መግለጺኦም፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣጀንዳ፡ እቲ ኣኼባ “ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ውግእ ኣብታ ሃገር ብሓዘን ንዝክሮ ኣለና” ከም ዝበለ ኣስፊሮም።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ካብ ዝጅመር፡ ንገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ክጥቀሙ ብዝጸንሑ ዕጡቓት ኣካላት፡ ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዝተዘውተረ ተጠቒሱ
ኣብቲ ኩነታት ሰብኣዊ ረዲአት ክኽልከል ጸኒሑ እዩ፡ ነዚ ብዝምልከት ባሕቲ ሕዳር 2021 ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንዝቐርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ዘድሊ ባይታ ነጣጥሕ ኣለለና ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ጸብጻብ እገዳ ብምውሳን ዝጅምር ነቲ ኩነታት ግቡእ መልሲ ዝህብ ክኸውን ከም ዝጽበዩ እውን ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ።
እቶም ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለጺኦም፡ ብመሰረት እቲ ንሰብኣዊ ግህሰት ብዝምልከት በጺሑና ዘሎ ጸብጻብ ነቲ መስርሕ ከነቐጽሎ ንሰርሕ ኣለና እውን ኢሎም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ናይ ልምዓት ሓገዝ ብኸመይ ኩነታት ከም ዝቕጽል ከም ዝምርመር ከኣ ኣስፊሮም።
ብመሰረቲ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ዓለም ለኻዊ ምሕዝነት ጁታ ኡርፒላይነን ምስ ፍሉይ ተወካሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣነተ ወበር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝገሹ ሓቢሮም። ዕላማ መገሻኦም ናብ ኢትዮጵያ ንጹር መልእኽቲ ኤውሮጳ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምትግባር ተኹሲ ምቁራጽን ምጅማር ኩሎም ተዋሳእቲ ዝሳተፍሉ ሃናጺ ፖለቲካዊ መስርሕን ምብጻሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኤለሰንጎ ኦባሳንጆ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምሉእ ደገፍ ከም ዝህልዎም ገሊጾም
ስእሊ DW
ከተማ መቐለ ብ18 ጥቅምቲ 2021 ክልተ ግዜ ብነፈርቲ ከም ዝተደብደበት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሮም። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ መንግስታዊ ወሃብ ቃሉ ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣየካየድኩዎን ኢሉ። ብኣንጻሩ መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ወገናት እቲ ደብዳብ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተኻየደን እቲ ዝድለ ዒላማ ከም ዝወቐዐን ተኣሚኑ። እዚ ከምዚሉ ኢንከሎ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ዝበሎ የለን።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብቲ ተግባር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተገራጫዊ ሓሳባት ከም ዝተዋህበ ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ደብዳብ ብዝምልከት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ክሕብሩ እንከለዉ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲአት ከኣ እቲ ደብዳብ ከም ዝተኻየደ ተኣሚኖም ንሮይተርስ ኣረጋጊጸምሉ።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መደበር ተለቪዥ ትግራይ ብወገኑ ሽዑንሽዑ ብዛዕባቲ ደብዳብ ተንቀሳቐሲ ምስሊ ኣሰንዩ ዜናዊ ሓበሬታ ዘርጊሑ። በቲ ዜና መሰረት እቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታታት ካብ ከተማ መቐለ ንወገን ሰሜን ኣብ መንገዲ ዓዲ ግራት መሰቦ ኣብ ዝበሃል በረኽቲ ቦታታትን ሓሬና ኣብ እትበሃል ቁሸትን ኣብ ማእከል ከተማ መቐለ ኣብ ጥቓ ፕላኔት ሆቴልን ዝርከብ ዕዳጋ ሰኑይ እዩ። ብሰንኪ እዚ ደብዳብ 3 ሰባት ሞይቶም 9 ሰባት ከኣ ከም ዝተወቕዑ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደርን ካለኦት ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ሓቢሮም። ካብዚ ሓሊፉ ዝተወሰኑ እንስሳ ዘቤት በቲ ደብዳብ ከም ዝተቐትሉ እውን ተፈሊጡ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ እዚ ደብዳብ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባታት ወሎን ጐንደርን ኣብ መንጎ ሓይይልታት ምክልኻል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕ ውግእ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ።
ሓደሓደ ናይ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ እተን ዝደብደባ ነፈርቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እየን ነቒለ ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሐን።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብ12 ጥቅምቲ 2021 ምስ ኦሉሰንጎ ኣባሳንጆ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተዘራሪቦም። ኣብ ዝርርቦም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን እውን ከም ዝተሳተፊ፡ ንወሃቢ ቃል ነድ ፕሪሰ ብምጥቃስ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወጸ ዜና ይሕብር።
ኣብዚ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣቦመንበር ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ዓብደላ ሃምዶክ፡ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፕ ቦረል፡ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያ ዓባይ ብሪታንያ ኤልዛበት ትሩስ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ኒልስ ኣንነን ናይ ፈረንሳ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍረድሪክ ክላቪየርን ተሳቲፎም። እዞም ኣብዚ ርክብ ስተሳተፉ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘርእይዎ ዘለዉ ምውህሃድ ተቐቢለምዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ዓብይ ብሪታንያን፡ ኣካላት ናይቲ ውግእ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓመጽ ጠጠው ከብልዎን ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ክኣትዉን፡ በዚ ኣቢሎም ከኣ ሰፊሕን ንኹሉ ዘሳትፍን ምይይጥ ዘብጽሕን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሰላም ዘብጽሕን ሓድነት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘውሕስን ባይታ ክፈጥሩ ጸዊዖም።
እዞም ተሳተፍቲ ናይቲ ርክብ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተቐቢሎም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ንክበጽሕ ክምእዘዙ ጸዊዖም።
ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ ጐስጓስ ንተሳትፎ መንእሰያት፡ ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ9 ጥቅምቲ 2021 ተዋሂቡ። ኣብዚ ሓያሎ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳተፍዎ፡ ብመንገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣስተምህሮ፡ ብጾት ያሲን ኢብራሂም፡ ኣስገደት ምሕረተኣብን ደስበለ ካሕሳይን ንኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት መጽናዕታዊ ጽሑፍት ኣቕሪቦም።
ኣብዚ ብኣላይነት ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ሓው ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ኣገዳሲ መበገሲ ነጥብታት ኣቕሪቡ። ብጻይ ያሲን ኣብ መብገሲ ሕሳቡ፡ ኣገዳስነት ምክያድ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጐስጓስን ተሳትፎን መንእሰያት ኤርትራ፡ መንእሰይ ካብቲ ካልእ ክፍልታት ሕብረተሰብ ብፍሉይ ዝረአየሉ ምኽንያት፡ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ኣረአእያ መንእሰይ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኩነታት መንእሰያት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ብዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ብምጥቃስ ኣገዳሲ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።
ብጻይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶምን ዓብዮምን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ኣገባባትን ካብ ኤርትራ ወጺኦም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ወኸሳታት ዘሰነዮ መጽናዕቲ ኣቕሪባ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኣወጻጽእኦም ካብ ሃገር ጀሚርካ ዝተፈላለየ ተመኩሮታት ዘለዎም፡ ብኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ዝሓለፉ ምዃኖም ገሊጻ። ብፍላይ እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት እኹል ኣፍልጦ ዘየጥረዩ፡ ብዘይካቲ ክስደዱ ዘገደዶም ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባኡ ዝነገሮም እንተዝይኮይኑ፡ ብዛዕባ ግደ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ውድባት ምሉእ ኣብፍልጦ ከምዘይብሎምን ነተን ካለኦት ውድባት በቲ እቲ ጉጅለ ዘስረጸሎም ግጉይ ኣተሓሳስባ “ሓሙሻይ መስርዕ” ኢሎም ካብ ምጽዋዕ ሓሊፎም ካልእ ግንዛበ ከምዘየብሎም ኣስፊራ። ብዘይካዚ ንጉዳያት ኣስፊሕካ ብምራኣይ ኣብ ከም ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣመሰሉ ኣምራት ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰኒያ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይቲ መንእሰይ ኣተሓሳስባ ክሰፍሕን ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍን ቀጻሊ ኣስተምህሮ ምሃብን ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ኣተሓሳስባ ቀሪብካ ምርዳእን ከም ዘድሊ ሓቢራ።
ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ብወገኑ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝምልከት ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣብቲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ብጻይ ደስበለ ከም መወከሲ ዝወሰዶም ካብ 25 ክሳብ 40 ዝዕድሚኦም ዕባይ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መንእሰያት መብዛሕትኦም ናይ ምምሃር ዕድል ዝረኸቡ ምዃኖም ኣረዲኡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ናይዞም መንእሰያት ስድራቤት ናይ ስደት ተመኩሮን ኣብቶም መንእሰት ዘሕድሮ ጽልዋን ኣገንዚቡ። ኣተሓሒዙ፡ እዞም መንሰያት ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ከይሳተፉ ጽልዋ ካብ ዘሕድርሎም ካብ መጀመርታ ምስ ኤርትራዊ ኩነታት ዘላልዮም ኣብ ወጻኢ ሓያል ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዘይምንባሩ ከም ሓደ ምኽንያት ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ከይተሓጽረ ብኣህጉራዊ ደረጃ ንመንእሰያት ኣብ ዝምልከት ናይ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከም ኣብነታት ንተሳተፍቲ ገሊጹ። ከምኡ እውን መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ተሳቲፎም ናይ ምስግጋር ትውልዳዊ ሓላፍነቶም ንክፍጽሙ ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጻዕርታትን ጐስጓሳትን ኣስፊሩ።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣገዳስን እውናውን ኣስተምህሮ ድሕሪቲ መግለጽታት፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣቕረብቲ ኣስተምህሮን ተሳተፍትን ግቡእ መልስታት ተዋሂቡን ነቲ መጽናዕትታት ዘሀብትም ተወሳኺ ሓሳባት ቀሪቡን። ብዘይካዚ ብዛዕባቲ ኣብቲ ኣስተምህሮ ዝቐረቡ ነጥባታ ኮነ ተዛመድቲ ዛዕባታት ብፍላይውን ኣብዚ ተኣፋፊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ግደ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብዝምልከት ብተሳተፍቲ ጠቐምቲ ለበዋታትን መተሓሳሰባታትን ቀሪቦም።
ኢትዮጵያ፡ ምስ ህወሓት ንምዝታይ፡ መንጎኝነት ደቡብ ሱዳን ተቐቢላ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ደቡብ ሱዳን ንመንግስቶምን ህዝባዊ ወያነ ሕሃርነት ትግራይን (ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ) ከተዛቲ ብኢጋድ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዝተቐበልዎ፡ ሱዳን ትሪቡን ብ8 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ሓቢራ።
ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲዳንታዊ ወሃብ ቃል፡ ኣተኒ ወክ ኣተኒ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ብምብራቕ ኣፍሪቃዊ ዞባዊ ኣካል ኢጋድ ዝቕረበ ንደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ጸገም ንምህዳእ ከም ብቕዕቲ ኣዛታይት ዝመዘዘሉ ሓሳብ ብወግዒ ከም ዝተቐበልዎ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 08: ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም።
እቶም ደቡብ ሱዳናዊ ፕረሲደንታዊ ወሃቢ ቃል፡ ኣብ ጁባ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ሬድዮ ኤፍ ኤም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ናይ 2ይ ዙር መዝነቶም ምስ ተረከቡ ውሱን ዕለት እዃ እንተዘይጠቐሱ ብቐጥታ ከም ዝጅመር ሓቢሮም።
ሚራያ ከም ዝጠቐስዎ፡ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ተቐባልነቶም ብኢትዮጵያ ዘረጋገጹ ኣብ ጽንበል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2021 እዋናዊ ኣቦመንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ሓምዶክ፡ እቶም ብቑዕ ሰብ ነቲ ዘተ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ምዃኖም ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። ናይ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ዜና ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ሓምዶክ ንፕረሲደንት ሳልቫኬር ዝመዘዝሉ ምኽንያት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎም ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ብቑዕ እዮም ብዝብል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህውከት ዝተፈጥረ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ውርሒ ሕዳር 2021 ምንቅስቓስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምቁጽጻር ሓይልታቶም ናብ ትግራይ ምስ ኣዋፈሩ እዩ ክብል፡ ንኣመዓባብላ ናይቲ ኩነታት ጠቒሱ። ድሕሪዚ እቲ ህውከት ምሉእብምሉእ ናብ ሰፊሕ ወግእ ማዕቢሉ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝመዛበለሉ ደረጃ ከም ዝዓረገ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ቤት ጽሕፈት ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ዝሃቦ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ 250 ሺሕ ካብ ክልልዓፋር ከኣ ክሳብ 112 ሺሕ ዝበጽሑ ሰባት ብሰንክቲ ውግእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ከምዘለዉ ኣስፊሩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ከም ቅድመ-ኩነት ተኹሲ ንምቁራጽን ንዘተን ምውጻእ መልሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ኣቕሪቡ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብዚ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ክመርሖ ዝበሃል ዘሎ ዘተ ብዛዕባ ምስታፉ ዝተፈልጠ ከምዘየለ ጠቒሱ።
More...
ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ እንተዘይተራእዩ እገዳ ክግበር ሓቲቶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣባላት ፓርላማ ኤውሮጵ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 እንተዘይተመሓይሹ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ናይቲ ውግእ እገዳ ክውሰን ብ7 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቲቱ።
ብመሰረትዚ ብብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝተቃልሐ መጸዋዕታ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ምግዳድ እቲ ውግእ ኢድ ዘለዎም ኣካላትን እዩ። እቶም ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንምቕራብ ሰብኣዊ ረዲአት ዘተዓናቕፉ ኣካላት ብቕልጡፍ እዚ ተግባሮም ከቋርጹ፡ ኣብ ትግራይ ሕገመንግስታዊ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክብጻሕን ጸዊዖም። ከምኡ እውን ኣብ ካለኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዎም ኣብዚ ኣኼባኦም ኣመልኪቶም።
እዚ ብ618 ድምጺ ዝተደገፈ፡ ብናይ 4 ድምጺ ተቓውሞን 58 ተዓቅቦን ብብዝሒ ድምጺ ዝተወሰነ ውሳነ ኣባላት ባይቶ ኤውሮጳ፡ እቲ ቀረብ መድሃኒት፡ ነዳድን ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ዝኽልክል ዘሎ ዘይዕላዊ ውሳነ ክለዓል፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዋላኳ እንተዘይተቐበሎ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ትግራይ ከይቀርብ ከም ዝዕንቅፍ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክኽሰስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጥምየትን ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንምእታው ኣብ ክባ ከም ዘእተዎ ብምጥቃስ እዩ ዝኸስስ።
ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ ኣብቲ ናይ 7 ጥቅምቲ 2021 ኣኼብኦም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ሰብኣዊ ረድኤት ክግበር ኣዘኻኺሮም፡ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንሰላማውያን ዜጋታት ዒላማ ምግባሮም ኮኒኖም። ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ናብ ኲናት ምምልማል ከምኡ’ውን ኣብቲ ኲናት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ዓመጽን ካለኦት ግፍዕታትን እውን ተቓዊሞም።
እቲ ኣኼባ ኣባላት ፓርላማ ኤውሮጳ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ኲናት ዘጓሃህር ተግባራት ካብ ምፍጻም ክዕቀቡ ብምምሕጻን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕነት ናይቶም ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ወገናትን ናይቶም ዛጊት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመት ክገብር ተማሕጺኑ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተኒዮ ጉተረዝ ብ6 ጥቅምቲ 2021 ንኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባቲ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብርሂኦም፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝምልከት ዝወጹ ዘለዉ ዘሰንብዱ መረዳእታታት ይውስኹ ምህላዎም ኣመልኪቶም። ህይወት ንምድሓን ናብቲ ክልል ረዲአት ከይበጽሑ ይሰናኸሉ ምህላዎም እውን ነቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም።
ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ)፡ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ዙር ምምስራት መንግስቲ፡ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ ንቐጻሊ 5 ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ክቕጽሉ ሰይምዎም። እቲ ካብ 547 ኣባላቱ 425 ዝተሳተፍዎ፡ ብኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ዝተዓብለለ ቤት ምኽሪ፡ ነቶም ኣፈባይቶ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣቶ ታገሰ ጫፎ እንደጋና ኣቐጺልዎም። ወይዘሮ ሎሚ በዶ ዝተባህላ ፖለቲከኛ ከኣ ምክትል ኣፈ ባይቶ ኮይነን ተመሪጸን። ኣብዚ ናይ ንግሆ ክፋል ኣኼባ፡ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደ ፕረሲደንት ፈደራላዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣብያተ-ምኽሪ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ ከፈታ፡ ብዛዕባ ኣብዚ ቀጻሊ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ስፍሕ ዝበለ መደረ ኣቕሪበን።
ጐኒንጐኒ፡ ናይዚ መስራቲ ኣኼባ ፓርላማ ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣኼባ ተኻይዱ። እዚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ክሳብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ክልል ኣምሓራ ፕረሲደንት ንዝነበሩ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣፈባይቶ ገይሩ መሪጽዎም። ምክትሎም ከኣ ኣብ ክልል ዓፋር በዓልቲ መዚ ዝነበራ ወይዘሮ ዛህራ ኡመድ መሓመድ ኮይነን።
ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ብመንገዲ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ፕረሲደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቃለ መሓላ ፈጺሞምም። ድሕሪ ቀትሪ ብወተሃደራዊ ሰልፍን ሙዚቃዊ ምርኢትን ተሰንዩ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝቐጸለ ሰፊሕ ጽንብል፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒሲተር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያን ንመስርሕ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫን ዝምልከት ስፍሕ ብዝበለ ገሊጾም። ንኣመዓባብላ ናይቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዝምልከት እውን እቲ ልሙድ መርገጾም ኣንጸባሪቖም፡ ንምህናጽ ሓያል ሰራዊት ከም ዝቕጽልዎ’ውን ገሊጾም። ንተግባራት ምዕራባውያን መንግስታት ጠቒሶም ከኣ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም።
ኣብዚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ጽምብል፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዩወሪ ሞሰቪኒ ናይ ዩጋንዳ፡ ሳልቫኬር ማርደት ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ዑመር ገለ ናይ ጅቡቲ፡ እሁሩ ከንያታ ናይ ኬንያ፡ መሓመድ ፎርማጆ ናይ ሶማልያ፡ ማሳኪ ናይ ሰኔጋል፡ ኣሕመድ ቡሃሪ ናይ ናጀርያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንጎን ተረኺቦም።
እዚ ከኣ ብዘይካ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ኩለን ንኢትዮጵያ ዘዳወበኣ ሃገራት መራሕቲ ከም ዝተሳተፉ እዩ። ካብዞም ኣብቲ ጽንብል መደረ ዘስምዑ፡ መራሕቲ፡ ናይ ጅቡቲ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፡ ብቐጥታ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣዝዩ ረቂቕ ብዝኾነ ውሕልነት፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ገጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰላም ክፈትሖ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ መስርሕ ክተሓባበርዎ ቅሩባት ምዃኖም ዘመልክት መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ቀጻሊ መዓልታት ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ሓድሽ ካቢነኦም ኣባላት ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም ከጽድቑ ትጽቢት ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ሃገር ከም ዝኣዘዘ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናትን ዝተፈላለያ ትካላት ዜናን ሓቢረን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ብ30 መስከረም 2021 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቶም ካብ ሃገሩ ንኽወጹ ዝኣዘዞም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳያት ኢድ ብምእታው እዩ ከሲስዎም።
እቶም ካብ ኢትዮጵያ ንክስጎጉ ዝተወሰኖም፡ 1) ኣቶ ግራታ ለይቲ፡ ምክትል ሓላፊ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረዲአት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ጉዳይ ሰብኣዊ ረዲአት 2) ወይዘሮ ኣደል ኮዶር ወኪል ዩነሰፍ ኣብ ኢትዮጵያ 3) ወይዘሮ ጋዳ ኢልታሂር ሙዳዊ ግዝያዊ ምክትል ኣተሓባባሪት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረዲአት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ 4) ኣቶ ክወሲ ሳንኩለተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰላምን ዕቤትን ኣማኻርን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ረዲአት ኣተሓባባርን 5) ኣቶ ሰይድ መሓመድ ሄርሲ ምክትላ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ 6) ኣቶ ሶኒ ኣኑግብላ ተቖጻጻሪ፡ ጸብጻብ ሓጋዝን፡ መራሒ ጋንታ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ 7) ወይዘሮ ማርሲ ቪጎዳ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረዲአት ኣብ ኢትዮጵያ እዮም።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ማርቲን ግረፊት ንስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትሪ ነቒፎም፡ እዚ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣዝዩ ሓያል ጥሜት ዘጋድድ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ተግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ረዲአት ዝቐርበሉ ዕድል ይዓጹ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጎተሬዝ ብወገኖም እቲ ውሳነ ምስ ሰምዑ ኣዝዩ ከም ዝደንጸዎም ጠቒሶም፡ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራት፡ ብመንጽር ሰብኣውነት፡ ርትዓውነት፡ ብዘይሻራነትን ናጽነትን ከም ዝካየድ ጠቒሶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ሕቡራት ሃገራት፡ መግቢ፡ መድሃኒት፡ ማይን ንጽሬት ዘድሊ ነግራትን ምቕራብ ዝርከቦ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓት ተግባራት የካይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም፡ ኣብቶም ኣብዚ ተግባር ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም እምነት ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ክሕግዝ ድልዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት ረዲአት ግቡእ ተግባራቶም ክፍጽሙ ከፍቅደሎም ይግበኦ ዝብል ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ገሊጾም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሞት ዘብጸሓ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ነዚ ስጉምቲ ብምውሳዱ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይኹነን ኣሎ።
ሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ሕሃ፡ መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓላፊ ትካል ሰብኣዊ ረዲአት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግረፊት ሓገዝ ዝጸዕና መካይን ናብ ትግራይ ክንቀሳቐሳ ሓቲቶም። እዞም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ህጹጽ ረዲአት ሓላፊ ማርቲን ግረፊት፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ጉድኣት የውርድ ከም ዘሎ ከም ዝርድኡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢረምዎ።
እቶም ሓላፊ “ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ እገዳ ናብ እትርከብ ትግራይ”፡ ክበጽሕ ካብ ዝግበኦ ሰብኣዊ ሓገዝ 10% ጥራይ ናብቶም ሓገዝ ዝጽበዩ ሰባት ከም ዝበጸሐ ነቲ ማዕከን ዜና ሓቢረምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ ህጹጽ ሕተኦም ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉ ኩነታት ክፍጠር ምዃኑ ኣመልኪቶም። እዚ ጸገም ሰብ ዝሰርሖ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ክፈትሖ ከም ዝግበኦ እዞም ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ኣመልኪቶም።
ኣብ ትግራይ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ውግእ ካብ ዝጅመር ንነጀው፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ዘመልከት ጸብጻባት ክቐርብ ከም ዝጸንሐ እውን ኣብ መግለጺ ናይዞም ሓላፊ ተጠቒሱ። እቶም ሓላፊ ዓጸቦ ዘጋጥሞም ሰባት ክሳብ 400 ሺሕ ክበጽሑ እዮም ዝብል ግምት ነይሩና ኢሎም። እዚ ግና ከኣ ስሩዕ ሓገዝ ክቐርብዩ ብዝብል ሕሳብ ዝቐረበ ግምት እዩ ነይሩ ኢሎም።
ግረፊትስ፡ ኣብ ትግራይ ናይ ጥረ ገንዘብ፡ ነዳዲ፡ ተሽከርከርትን ወግዓዊ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ እገዳን ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ብሰንክዚ ሕጽረታት’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ከጋጥም ዝግመት እዩ ኢሎም። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ዝኾነ ናይ ሓገዝ እገዳ ከምዘይተግብረ ሓቢሩ፡ እኳደኣ መስርሕ ምቕራብ ረዲአት ንምቅልጣፍ 7 ዝነበረ መቆጻጸሪ ነቑጣታት ናብ 3 ከም ዘውረዶ ክገልጽ እዩ ጸኒሑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ በወገኑ ናብ ትግራይ ሓገዝ ጽዒነን ምስከዳ ዘይተመልሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ እንታይ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ኣይነጸረለይ ዝብል ስምዕታ ኣቕሪቡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ እተን መካይን ዘይተመልሳሉ ምኽንያት መምለሲ ነዳዲ ስለ ዝሰኣና እየን ዝብል መልሲ ምሃቡ ዝዝከር እዩ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ሑቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ጉዕዞአን ክልተ ግዜ ተኹሲ ከም ዝተኸፍተንን ደቂ ትግራይ መራሕቲ መካይን ኣብ ክልል ዓፋር ዝተኣስርሉ ኣጋጣሚ ከም ዝተፈጥረን ይሕብር።