ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ ዝኣሰረቶም ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ ሓቲቱ

2022-05-28 21:57:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 878 times

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ “ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ዝኣሰርዎም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ናይ መድያ ሰራሕተኛታትን ንክፈትሑ ሓቲቱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ካብ 19 ጉንበት 2022 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጋዜጠኛታት ናይ ምእሳር ወፈራ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ክሳብ 28 ጉንበት 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 20 ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን ከም ዝተኣስሩን እቲ ምእሳር ቀጻሊ ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብቶም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ብሕቲ መዲያ ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን፡ ሰንበቶ ኣሕመድ፡ ያየሰው ሽማልስ፡ ኣበበ ባዩ፡ በቃሉ ኣላምረው፡ ሰለሞን ሽሙየ፡ መስከረም ኣበራ (ደራሲትን ጸሓፊትን)፡ ተመስገን ደሳለኝ፡ ታድዮስ ታንቱ (ደራስን ጸሓፍን)፡ መኣዛ መሓመድ፡ ጋሻዬ ንጉሴ፣ ጌትነት ያለው፡ ሃብታሙ መለሰ ዳንኤል መስፍንን ቀለሙ ገላጋይን ዝበሃሉ ይርከብዎም።

በዚ ዝካየደ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ጋዜጠኛታትን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታትን ማእሰርቲ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ኣንጸላልይወን ካብ ዘሎ ናይ ብሕቲ ማሕበራዊ መዲያታት፡ ተራራ ኔትዎርክ፡ ገበያኑ፡ ኢትዮ-እውቀት፡ ኣልፋ፡ ኢትዮ-ፎረም፡ ዓሸራ፡ መጽሐት ፍትሕን ንስርን፡ ሮሃን ፊኒፎነ ኢንተግሬትን ዝበሃላ ይረከበን። ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ከም ዝብልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ናይ መንግስትን ናይ ብሕቲ ኮይነን ን ሰልፊ ብልጽግና ዝድግፋን ኩለን ዝተፈልየ ሓሳብ ዘንጸባርቓ መዲያታት ክዕጸዋ እየ።

ከም ሚዛን ናይ ብዙሓት እቲ ዝያዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ማእሰርቲ ምስ ናይ መዲያ ሕጊ ምጥሓስ ዘይኮነ፡ ምስ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እምነትን ዝተተሓሓዘ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ብዝገለጾ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ጥራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 5 ሺሕ ፖለቲከኛታት ኣሲሩ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚኣ እውን ሰፊሕ ማእሰርቲ ኣሎ።

ተዓዘብቲ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብ2001 ዝተወስደ ስጉምቲ ምእሳር ግዜጠኛታትን ምዕጻው መዲያታትን የመሳስልዎ። እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም ዝእሰሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረቦም ብጠበቓ ኣቚሞም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም።

Last modified on Sunday, 29 May 2022 00:00