ሱዳናዊት ኢንጅነር ኣሚና ዑስማን ሓምድ ተሸሊማ

2022-05-29 18:42:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 848 times

ጓል 40 ዓመት ሱዳናዊት ኢንጅነር ኣሚና ዑስማን ሑመድ፡ ናይ “ግንባር ቀደም” ሽልማት ንምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሓደጋ/ Front Line Defenders Award for Human Rights Defenders at Risk./ “ ከም ዝተዓወተት ኤኤፍፒን ካለኦት ማዕከናት ዜናን ሓቢረን። ኣሚና ዑስማን ብ2002 ደፊራ “ስረ ክኽደን እየ” ስለ ዝበለት፡ ጽኒሓ  ብ2013 ድማ “ርእሰይ ኣይሽፈንን” ስለ ዝበለት ተኣሲራ ከም ዝነበረት እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣሚና ኣብ ዝሓለፉ 2ተ ዓሰርተ ዓመታት ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ክትቃለስ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወታደራዊ ዕልዋ ብምቅዋማ ተኣሲራ ዝተሳቐየት እያ። ኣሚና ዑስማን ካብተን ኣብ ኣፍጋኒስታን፡  ቤላሩስ፡ ዝምባብወን ሜክሲኮን ተመሳሳሊ ቃልሲ ከካይዳ ዝጸንሓ እሞ ሽልማት “ተኻላኸልቲ ሰብኣዊ መሰል  ኣብ ሓደጋ/ Human Rights Defenders at Risk  2022 ዝተዓወታ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ምዃና እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ሱዳናዊት ኣሚና ዑስማን ሑመድ ምስ ኩሉ ጸገማት ካብ ቃልሳ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ንድሕሪት ከይበለት ክትቅጽል ከም ዝጸንሐት እቲ ሽልማት ዝሃበ ኣብ ዱብሊን ዝመደበሩ ትካል “ቅድመ-ግንባራዊ ምክልኻል”  ነቲ ሽልማት ኣብ ዝሃበሉ እዩ ሓቢሩ። እዛ ተባዕ ሱዳናዊት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ግዜ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣንጻርቲ  ሽዑ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኣዝዩ ጨቋኒ ሕጊ ብ2009 “ኣይፋል ንጭቆና ደቂ ኣንስትዮ”  ዝብል ተበግሶ ኣንቂዳ ዝነበረት እያ።

ምዕዋት ኣሚና ዑስማን ሑመድን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ካብ ምውጋድ መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር ጀሚረን ክሳብ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገረን ዘሎ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብርእሲ እቲ ዝጸንሔን ሕጂውን ነዚ ክቐስመኦ ዝግባእ እወንታዊ ተመክሮ እዩ።

Last modified on Sunday, 29 May 2022 20:50