ሱዳን ንስምምዕ ምትሕብባር ቀይሕ ባሕሪ ኣጽዲቓ

2022-06-01 22:00:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 767 times

ሱዳን ነቲ 8 ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን  ዝኸተማሉ ቻርተር ባይቶ  ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን  ብ30 ጉንበት 2022  ከም ዘጽደቐቶ ሱዳን ትሪቡን፡ዜና ማእከላይ ምብራቕ/middle east news  ብምጥቃስ ሓቢራ። ነዚ ከባብያዊ ቁጠባዊ ዕቤትን ጸጥታዊ ምትሕብባርን  ንምስሳን ዝዓለመ ቻርተር ብ6 ጥሪ 2022 ዝፈረማሉ ሃገራት፡ ነቲ ጉዳይ ዘበገሰት ስዑድዓረብያ፡ ጅቡቲ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ጆርዳን፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን።

ናይ ሱዳን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ  ንምጽዳቕ እቲ ቻርተር ኣመልኪቱ  ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሱዳን ኣካልዚ ቻርተር ዝኾነትሉ ምኽንያት፡ ንጽልዋ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ዓለም ለኻዊ ምትሕልላፍን ህድኣት ናይተን ሃገራትን ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ”  ከም ዝበለ ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ናይ ሱዕድዓረብያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዛዕባቲ ስምምዕ  ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እዘን ነቲ ቻርተር ዝፈረማ ሃገራት፡ ናይ ሓባር ወታደራዊ ሓይሊ ክምስርታ እየን”  ንዝብል ወረ ነጺጎም፡ እንተኾነ ኣብ ሕድሕደን ክልተኣዊ ምትሕብባራት  ከምዝህሉ ምግላጾም እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣስፊሩ። ከም ኣብነት ከኣ ሱዳንን ስዑድዓረብያን ዓመታዊ ናይ ሓባር ወታደራዊ ልምምድ ከም ዘካይዳ ተጠቒሱ።

ሪያድ፡ ሩሲያ ኤርትራን ሱዳንን ፈቒደናላ ናብታ  ካብ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝለዓለ ነዳዲ እተቕርብ  ሱዕድ ዓረቢያ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቦታ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ብእትገብሮ ምንቅስቓስ ሳቕሎት ከም ዝሓድራ ገሊጻ።

እቲ ዜና ከም ዘስፈሮ፡ ሩሲያ ናይዘን ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ድኽመት መዝሚዛ ኣብቲ ዞባ ጽልወኣ ናይ ምስፋሕ መደብ ኣለዋ። ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕር ወሽመጥ ዓደንን ዝግበር ቁጠባውን ንግዳውን ዕቤት ምድንፋዑ፡ ንምትሕብባር ኤርትራን ሱዳንን ምስ ሩሲያ ክንክዮ ከም ዝኽእል እውን ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ናይዚ ምትሕብባር ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ገማግም ቅይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብዘይምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ዝተኸተመሉ ግዜ የማርር ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 02 June 2022 00:14