ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጥምየት: ሓደጋ ሞት ሓደ ሰብ፡ ኣብ 48 ክልኢት

2022-05-19 07:19:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 674 times

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲ ወከፍ 48 ክልኢት ሓደ ሰብ ብጥምየት ናይ ምማት ሓደጋ የንጸላሉ ከምዘሎ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን/ OXFAM and save the children ብ18 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።

እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበረኦ እዚ ናይ ሞት ሓድጋ ኣንጸላልይወን ዘሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን እየን። እዘን ትካላት ነዚ መጽናዕቲ ጃሚል ኦብዘርቫቶሪ ምስ ዝበሃል ኣካል ከም ዘካየደኦ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺአ ጠቒሰን።

በቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ዝበሃል ደረጃ ዓጸቦ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ኬንያ ድማ  ጣቕላላ 3.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥምየት ወዲቖም ከም ዝርከቡን ተሓቢሩ።

ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10 ሚልዮን ዝነበረ ጠቕላላ ቁጽሪ ብጥምየት ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዕጽፊ ንላዕሊ ወሲኹ ክሳብ 23 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ነዚ ዝረአ ዘሎ ሓደጋ  ጥምየት ከምቲ   ኣብ ሶማሊያ ብ2011፡  ዝያዳ  ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝርከብዎም ልዕሊ 260 ሺሕ ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ከየኸትል ዘለወን ስግኣት ገሊጸን ኣለዋ።

እቲ መግለጺ ጠንቂ ናይዚ ጥሜት፡ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር፡ ወግኣትን፡ ከም ጉጅለ7 ዝኣመሰላ ለገስቲ ኣካላት ዝያዳ ናብ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኩነታት ሩሲያን ዩክረይንን ምዝንባለንን  ምዃኑ ኣስፊሩ። ብዘይካዚ ነተን ኣብተን ሃገራት ዘለዋ ዘቤታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እጃመን ከበርክታ ግቡእ ቆላሕታ ዘይምሃብ እውን ኣብቲ መግለጺ ከም ጠንቂ ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዋላኳ ለገስቲ ሃገራት ነዚ ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ቃል ኣትየን እንተነበራ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ 778 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑ ከም ዘሻቕል ሓቢረን። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ብዝግባእ ንምምካት 4.4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

መግለጺ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን መራሕቲ ናይዘን ሃገራት ጸገም ከም ዘጋጠመ ቀልጢፎም ተኣሚኖም ሓገዝ ብዘይምሕታትን ክሕተቱ እንከለዉ ቅልጡፍ መልሲ ብዘይምሃቦምን ወቒስዎም። ብዘይካዚ ዜጋታቶም ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ውሕስናን ኣተኲሮም ዝሰርሕሉ ዕድል ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ኣብቲ መግለጺ መራሕቲ እተን ሃገራት ዝተወቕስሉ ካልእ ዛዕባ እዩ።

Last modified on Thursday, 19 May 2022 09:30