ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወሲኹ

2022-05-17 18:39:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 984 times

ዶ/ር ማማዱ ዲያን ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ብሰንኪቲ ብ2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ውግእ ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ናይ ዝኣትዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።  ናይቲ ኮሚሽን ወኪል ኣብ ኢርትዮጵያ ዶ/ር  ማማዱ ዲያን “ኣልዓይን” ንዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 30 ሺሕ ዝነበረ ቁጽሪ ስደተኛታት ድሕሪቲ ውግእ ናብ 80 ሺሕ ከም ዝደየበ ገሊጾም። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ከኣ ጠቒሶም። ናይዚ ጠንቂ እቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ተዓቚበምሎም ዝነበሩ መደበር ስደተኛታት  ኣብ ሓደጋ ምውዳቖም ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ መደበራት ሽመልባን ሕንጻጽን ምስ ዓነዋ ብዙሓት ኤርትራውያን  ስደተኛታት ናብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ከም ዝኣተዉን ሕያሎ ከኣ በብመንገዶም ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ጠቒሶም። ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝነበረ መደበር ስደተኛታት ምዕጻዉ እውን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኣትዉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እቶም ወኪል ኣብቲ ምስ መርበብ ኣልዓይን  ዝገበርዎ ርክብ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቶም ስደተኛታት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዝገብር እንተኾነ ብመንጽርቲ ዘሎ ክብሪ ዕዳጋ እቲ  ዝወሃብ ሓገዝ እኹል ከምዘይኮነን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቶም ኣብ ጸገመ ዝወደቑ ስደተኛታት ኣብ ትግራይን ዓፋርን ዝነበሩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኮሚሽኖም ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምትሕብባር ናይ ኩሎም ስደተኛታት ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣረዲኦም። ኣብ ዓፋር እቶም ካብ መደበር በርሓለ ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍዴራ፡ ኣብዓላን ሰርዶን ተዓቚቦም ኣለዉ ኢሎም።

እቶም ዶክተር ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተኸፈተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 11 ሺሕ ከም ዝበጽሑ ጠቒሶም፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓለፍቲ ምትሕግጋዝ ኣብቲ መስርሕ ምስግጋር ኣመስጊኖም። ኣብዚ ሓድሽ መደበር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብወገኖም ዝተፈላለዩ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ጌና ኣብ ትግራይ ተሪፎም ዘለዉ ስደተኛታት  ኩሉቲ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ  ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ ኢሎም።

Last modified on Tuesday, 17 May 2022 20:50