ጉባአ ጥዕና ዓለም፡ ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ን2ይ ዘርያ መሪጽዎም

2022-05-24 21:04:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 796 times

ኣባል ሃገራት ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ24 ጉንበት 2022 ነቶም ካብ 2017  ነቲ ትካል ክመርሕዎ ንዝጸንሑ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ ንመጻኢ 5 ዓመት ጠቕላሊ ጀነራል ዳይረክተር ኮይኖም  ንክመርሑ ዳግማይ  ከም ዝመረጾም፡  ብዘውጸኦ ዜናዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝወዳደሮም ሕጹይ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ምምራጾም ዝተረጋገጸ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትካል ጥዕና ዓለም መበል 75 ጣቕላላ ጉባአ እዩ።

ዶ/ር ቴድሮስ ምስተመረጹ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ ብኣባል ሃገራት ነቲ ትካል ን2ይ ዙርያ ንክመርሕ ዕድል ስለ ዝተዋህበኒ እሕበን። እቲ ዝወሃበኒ ዘሎ ክብሪ ዓብይ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ እሞ፡ ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መሳርሕተይን ኣገደስቲ መሓዙትን ኮይነ ዕላማታት ትካል ጥዕና ዓለም ንምዕዋት ክጽዕር እየ” ከም ዝበሉ እቲ ዜናዊ መግለጺ ጠቒሱ።

እዚ ናይ 24 ጉንበት 2022 ምርጫ፡ ናይቲ ካብ ወርሒ ማዝያ 2021 ዝጀመረ እሞ ሃገራት ቅድሚ ናብ መወዳእታ ምርጫ ምብጻሕ ሕጹያት ንከቕርባ ተዓዲመናሉ ዝነበራ መዛዘሚ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ቦርድ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 እዩ ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ምርጫ 2ይ ዙርያ ንምግልጋል ንክወዳደሩ ከም ሕጹይ ተቐቢልዎም።

.ብሕጊ ናይቲ ትካል፡ ዲረክተር ጥዕና ዓለም  እንደጋና ዝምረጽ ሓንሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ሓላፍነት ዶ/ር ቴድሮስ ካብ 16 ነሃሰ 2022 እዩ ብወግዒ ዝጅምር። እቲ ዜናዊ መግለጺ ከም ዘስፈሮ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ካብ 2017 ዝጀመረ ናይ ቀዳማይ ዙርያ ናይ ምምራሕ ግዜኦም፡ ነቲ ትካል ዝያዳ ኣገልግሎት ናብ ዝህበሉ ደረጃ ኣብ ምስግጋር ብዙሕ ሰረሓት ፈጺሞም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ህጹጻት ጉዳያት ኣብ ዝወሰኸሉ ግዜ ብደረጃ ሃገራት እውን ኣገልግሎት ጥዕና ንክብርኽ  ከም ዝሰርሑ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ንጉዳይ ለበዳ ኮቪድ-19ን ለበዳ ኢቦላ ኣብ ረፐብሊክ ኮንጎን ብግቡእ ከም ዝመርሕዎ እቲ ዜናዊ መግለጺ መስኪሩ።

እቲ መግለጺ ንድሕረ ባይታ ዶ/ር ቴድሮስ ኣሓኖም ቅድሚ ዳይረክተር ጥዕና ዓለም ኮይኖም ምምራጾም ኣብ ዝምልከት ካብ ዝጠቐሶ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ብደረጃ ኣህጉር ሕማማት ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ዓሶን ንምክልኻል ኣቦመንበር ቦርድ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ኣስፊሩ።

Last modified on Tuesday, 24 May 2022 23:08