ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለታት ኣቚሙ 

2022-06-12 15:08:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 794 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ11 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ 13 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአን፡ 7 ዝኣባላታ ሓጻይት ሽማግለን ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ኣቚሙ። ማእከላይ ባይቶ ነዘን ሽማግለታት ዝመረጸ ንምድላውን ኣፈጻማን ናይቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ብዝምልከት፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረበ ንድፊ ተመያይጡ ድሕሪ ዘድሊ ምምሕያሻት ገይሩ ምጽዳቑ እዩ።

ባይቶ ዘድሊ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ ናይዘን ክልተ ሽማግለታት ኣባላት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነታትን ካብ መሰረታትን ከም ዝኾኑ ገይሩ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ኣኼባ መጻኢ ጉባአ ዝጋበኣሉ ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ እውን ወሲኑ ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነብሳ ናብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ናብቲ ጉባአ ዝቐርብ ሰነዳት ነዲፋ ኣቐዲማ ንዝያዳ ምይይጥ ናብ መሰረታት እተቕርብ፡ ኣባላት ሰልፊ ናብ ጉባአ ተወኪሎም ዝሳተፍሉ ቀጥዒ እተውጽእን  ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቀረባት እተዳሉን እያ። ሓጻይት ሽማግለ ከኣ ካብ መላእ ኣባላት ሰልፊ  ዝቐርብ ናይ ቅድመ-ጉባአ ርኢቶ ውጽኢት ኣብ ግምት ዘእተወ  መጽናዕቲ ኣካይዳ፡ ናብቲ ጉባአ ሕጹያት ኮይኖም ክቐርቡ ናይ ዝበለቶም ብቑዓት ኣባላት ዝርዝር እተዳሉ እያ።  ጉባአ ሰዲህኤ ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጉ ዓንቀጽ፡ 5/13/1 ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝጋባእ እዩ።

ብዘይካዚ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕባለታት ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ።

Last modified on Sunday, 12 June 2022 17:12