ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጠንቂቑ

2025-12-13 22:35:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 137 times

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዝፈረመኦ እሞ ናብ ቀጻሊ ሰላም ዘምረሐን ስምምዕ ኣልጀርስ ምኡዙዛት ንክኾና ብዘውጸኦ መግለጺ ኣጠንቂቕወን።።

እቲ ብ12 ታሕሳስ 2025 ዝወጸ መግለጺ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ካብ ዝፍረም መበል 25 ዓመቱ ኮይኑ፡ ምስበለ፡ እቲ ስምምዕ መሰረት ቀጻሊ ህድእት ዘንበረን መሰረታዊ መስርሕ ቀጻሊ ሰላም ዘትሓዘን እዩ ኢሉ። ነቲ መግለጺ ዘውጸአ ወሃቢ ቃል ናይቲ ዋና ጸሓፊ፡ ስተፈን ዱጃሪክ እቲ ስምምዕ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ዶበን ንክውሰን ኣፍደገ ዝኸፈተ ክብል ገሊጽዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡  ስምምዕ ኣልጀርስ ብሓገዝ ዓለም ለኻዊ ትካላት፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዳግማይ ዘጽነዐ እዩ ክብል  ኣስፊሩ።

ዋና ጸሓፊ ጉተረስ፡ ብመሰረት እቲ ኣገዳሲ ስምምዕ ዘድሊ መሰረታዊ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቦታኡ ምህላዉ ጠቒሱ፡ ቅድሚ 7 ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብኽታሞም፡ ናይ ምዝታይን ልዝብን ኣድላይነት ብምዕዛዝ ነቲ  ስምምዕ ዳግማይ ከም ዘትረርዎ’ውን ኣዘኻኺሩ።

ጉተረዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ እዋንዚ  ዝሕደስ ዘሎ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ድማ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ራኢ ቀጻሊ ሰላምን ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘለዎም ምእዙዝነት ብምርኣይ፡ ብስምምዕ ኣልጀርስ ቅዩዳት ንክኾኑን ከም ጐረባብቲ ድልዱል ዝምድና ኣብ ምህናጽ ክሰርሑን ኣተሓሳሲቡ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ዕቤት ንምርግጋጽ፡ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን መሓዙቶም ክሰርሑ ከም ዝግበኦም ጠቒሱ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ብ12 ታሕሳስ 2000፡ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠጠው ንምባልን ዘሰሓሕበን ዶብ ብመሰረት ውዕላት 1900፡ 1902፡ 1908ን ተዛመድቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ንክውዳእ  ብኢሳያስ ኣፈወርቅን መለስ ዜናውን ኣብከተማ ኣልጀርስ ዝተኽተመ ንድሕሪት ዘይምለስ ውዕል ምዃኑ ይዝከር።

Last modified on Saturday, 13 December 2025 23:40