ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጀርመን ኣቶ ፍራንክ ዋልተር ስተኢንመየር መዘክር ልኢኹ። ኣብዚ መዘክሩ መንግስቲ ጀርመንን መሪሕነቱን ብዛዕባቲ ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ እትህቦ ሓገዝ የጋግዩ ከይህልዉ ዘለዎ ስኽፍቲ ገሊጹ። እቲ መልእኽቲ፡ እቲ ብመንግስቲ ጀርመን ዝተዓደመ ልኡኽ ኤርትራ እንተላይ ብገበን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝጥርጠሩ ገበነኛታት ከም ዘጠቓለለ’ውን ኣመልኪቱ።

እዚ ተሪር መልእኽቲ ዝሓዘ መዘክር ሰደህኤ፡ ናብ ናይ ጀርመን ኣቦመንበር ፓርላማ፡ ናብ ሚኒስተር ቁጠባን ዕቤትን ከምኡ እውን ነተን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ጸረ-ህዝብነቱ ምስ ዝተረጋገጸ ስርዓት ኤርትራ ብዛዕባ ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ሓጋጊ ኣካልን ላዕለዎት ሓለፍትን መንገስቲ ጀርመን ክዘራረብ ዕድል ዝፈቓዳ ዓበይቲ ሰልፍታት ብመልክዕ ቅዳሕ ተላኢኹ።
.መዘክር ሰዲህኤ መልእኽቱ ብምቕጻል፡ ሓለፍቲ ጀርመን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ገበናት ብምፍጻሙ ዝተኾነነ መንግስቲ ዝዘራርብሉ ቅቡል ምኽንያት ከምዘይረኣዮ ገሊጹ። እዚ ኣብ ከተማ በርሊን ብ8 መስከረም 2016 እቲ ጫካን ኣማኻሪ ፕረሲደት የማነ ገብረኣብ ምስ ዝርከቦ ልኡኽ ዝተኻየድ ርክብ ዝወደበ፡ ጀርመን- ኣፍሪቃ ፋንደሽን ዝበሃል ኣብዚ እዋንዚ ብወይዘሮ ኡርሱላ ኢድ ካብ ሓምላይ ሰልፊ ዝምራሕ ዘሎ እዩ።
The EPDP memorandum also stated as follows:
እቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ መዘክር እዚ ዝስዕብ እውን ጠቒሱ። “መንግስትን መብዛሕትኡ ህዝብን ጀርመን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘይጽወርን ብሰብኣውነት ክትዕገሶ ዘይከኣልን ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰረታዊ ምኽንያት፡ ምንፋግ መሰልን ብኩራት ቅርዑይ ምምሕዳር እዩ። እዚ ድማ ኣብ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብምቅብጣር ዝፍታሕ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልስላስ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን፡ ደሞክራስን ፍትሓውነትን ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢብታት ናብ ከዚ ኣብ ሱርያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ዘምርሕ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣቦመንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ 21 ሰነ 2016 ንባይቶ ሰባኣዊ መሰል “ሕገመንግስቲ ኮነ ሃገራዊ ፓርላማ ክሳብ ዘየለ፡ ኣበይ’ዩ ብዛዕባ ሃገራዊ ሕቶታት ዝዝተ? መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ኣገልግሎት ክሳብ ዘሎ፡ ነጻ ፕረስ ኣብ ዘየብሉ፡ ብዘይካቶም ብመንግስቲ ዝሽየሙ፡ ናጻ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ዘየብሉ፡ ህዝቢ ኣብ ስግኣትን መንግስታዊ ቁጽጽርን ኣብ ዝነብረሉ፡ ብግቡእ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሓቀኛ ዕቤት ህዝቢ ኤርትራን ክህሉ ኣይክእልን እዩ።” ኢሎም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰባኣዊ መሰል ንኤርትራውያን ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ምቕራብ ዝብል መደምደምታ ዝበጸሐ፡ ምእንቲ እቶም ግዳያት ህግሰት ዝኾኑ ዘለዉ ኣእላፍ ኤርትራውያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ክረአ እንከሎ ቅቡል ከምዘይኮነ ንምምልካት’ውን እዩ”
ኣብ መጠቓለሊ እቲ መዘክር ዕላምኡ ሓድሽ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ናብዚ ክቡር ቤት ጽሕፈትኩም ቀሪቡ ዝነበረ ጥርዓን ደጊምካ ንምዝካኻርብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣስፊሩ
- ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ብዘይዝኾነ ቃለዓለም ዲክታቶርያውን ስርዓት ኤርትራ ካብ ምሕጋዝ ንኩቐጠብ ብትሕትና ንሓትት።
- ጀርመን ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ርክብ ክኸፍት እሞ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝግበር ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ተሳተፍቲ ክኾኑ ከተባብዖም
- ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ነቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳንን ሰሜን ኢትዮጵያን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ዝተጸንዓ መደባት ብምሕንጻጽ ኣብቲ ብትካላት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታትን ዝግበር ሓገዝ ንክሳተፍ ንጽውዕ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ዕማምን ሰፊሕ መደባት ዘለዎ ዕማም ኣብ ብቕራብ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ጥዕናን ድሕንነትን ጥራይ ከይተደረተ፡ ነቲ ገዚፍ ብዝሒ ዘለዎ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ ስሩዕን ክኢላውን ትምህርቲ’ውን ዝህብ ክኸውን።
EPDP Deplores Invitation of Eritrean Regime Delegation to Germany
Written by EPDP Information OfficeIn a memorandum addressed to German Foreign Minister Frank-Walter Steinmeier, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) expressed "deep disappointment and frustration" with the Government of Germany and its "leading (rather, misleading) Europe towards supporting the wrong side in Eritrea." The message hinted that the delegation could include suspected perpetrators of "crimes against humanity."

Recipients of the EPDP Memo: Steinmeier; Gauck; Mueller and Ursula Eid.
The strongly-worded memo, also copied to the president of the German Parliament (Budestag), the minister of economic cooperation and development as well as to the major German parties, regretting the giving of "unmerited opportunity" to the repressive Eritrean regime to talk to German legislators, government officials and parties with the aim of 'improving' Germany's relations "with that autocratic system that has proven its incorrigibility in the past two decades".
The EPDP further stated that it could not find a rational explanation to the for talking with German officials as well as to Bundestag members "who last year condemned that regime for its brutalities against its own people".
The discussion forum held in Berlin on 8 September for three Eritrean high officials including the notorious presidential advisor, Yemane Ghebreab, was organized by the German Africa Foundation, currently headed by Ms Ursula (Uschi) Eid of the German Green Party.
The EPDP memorandum also stated as follows:
"The German Government and the majority of your people know too well that things are intolerable and humanly inacceptable in Eritrea. Yet, the problem of migration, whose root cause in Eritrea and elsewhere is the denial of human rights and bad governance, cannot be addressed with appeasement and bolstering dictatorships like the one in Eritrea. In fact, this kind of compromise of well established values and old commitments to promote human rights, democracy and justice will lead to worse situations in Eritrea and in other places, as Syria has already exemplified it.
"And as the chairman of the UN Commission of Inquiry on Eritrea told the Human Rights Council on 21 June 2016, " So long as there is no constitution, so long as there is no parliament where you can debate national questions, so long as there is an abusive national service which is unending, so long as there is no free press, so long as there are no civil society organizations apart from government-appointed ones, so long as people are living in fear and controlled by the State, there will be no full enjoyment of all human rights and no real progress for the Eritrean people." The UN Commission's conclusion to collectively bring the Eritrean perpetrators of crimes to justice "is not only for the sake of the countless number of Eritrean victims but to demonstrate that such behaviour is simply unacceptable anywhere in the world today."
"In concluding this appeal, Sir, we can only repeat the appeal what we made in our June 2015 memorandum to your esteemed office:
- The Federal German Government to kindly oppose any gesture of appeasement and support to the Eritrean dictatorship;
- Germany to start an open engagement with Eritrean non-state actors in the diaspora with the aim of empowering them to take part in a democratic transition in their country;
- The Federal German Government to kindly initiative the establishment of a solid programme for Eritrean refugees in Eastern Sudan and Northern Ethiopia by involving the support of EU and UN agencies. Such a multi-purpose and wide programme for thousands of desperate refugees should include not only the provision of adequate food, shelter, health facilities and security, but also give basic academic and vocational education to the big number of young Eritrean refugees in the Horn of Africa".
ህዝብና ብክብ ዝበለ ደረጃ ዝጽንብለን ክልተ ዓበይትን ኣገደስትን በዓላት ኣብ ሓደ ዕለት ወይ ኣብ እተቓራረበ ዕለት ይውዕላ ኣለዋ። እታ ሓንቲ ቅዱስ ዮውሃንስ ወይ ድማ ሓድሽ ዓመት ክትከውን ከላ፤ እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣልሙባረክ ኢያ።
በዚ ኣጋጣሚታት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብስመይን ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን እንቋዕ ሓጐሰካ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ከመሓላልፍ እደሊ።
ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይኸይድ ስለዘሎ ግን፡ ህዝብና ነዘን ዕለታት እዚኣተን በቲ ዝምነዮ ኣገባብ ከብዕለን ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ስድራ ቤታት ኣብ ዝተበታተናሉ፤ መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ባርነት ህይወት ኣብ ዝተጸምድሉ፤ ማይ፡ ባኒ፡ ጽዓት ብራሽን ኣብ ዝዕደለሉ፡ ብልሽውና ኣብ ዝነገሰሉ . . .ወዘተ ዝጽንበል በዓላት ምሉእ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ።
መንግስቲ ኢሳያስ፡ ንዅሉ ናይ ቍጠባ ማሕውራት፡ ንግድ፡ ትራንስፖርት፡ ሕርሻ፡ ቱሪዝም፡ ማዕድን፡ ፋብሪካ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ብምእታው፡ ህዝቢ ወስ ቀስ ከይብል ቀይዱ ሒዝዎ ይርከብ። ብስም ብሕታዊ ጽላት ዝንቀሳቐሱ እንተልዮም ውን፡ ብድሕሪኦም ኢድ መንግስቲ ዘለዎ ኢዩ (ንኣብነት ሓዋላ)።
ብስም ምቕያር ባጤራ፡ ህዝቢ ኣብ ኢዱ ክሕዞን ከንቀሳቕሶን ዝኽእል ገንዘብ ስለእተደረተ ድማ፡ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክን በዓል ሓድሽ ዓመትን በዚ ብኣሉታ ክጽለዉ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኰነን።
ወዲሰብ ብተስፋ ስለዝነበር ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ሓሳረ-መከራ ዝናገፈሉ፤ ካብ ፋሕ ኢልዎ ዘሎ ቦታታት ኣብ ሃገሩ ዝእከበሉ፤ ሰላም፡ ስኒት፡ ፍቕሪ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉ ዝሓሸ ዘመን ክመጸሉ እምነ።
ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክን ይግበረልና
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
10 መስከረም 2016
ጽንብል ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዙሪኽ፡ ስዊዘርላንድ ተኻይዱ፤ ሓው ተስፋይ ደጊጋ መደረ ኣቕሪቡ
Written by EPDP Information Officeዝኽሪ መበል 55 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ ብ3 መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ዙሪኽ ስዊዘልርላንድ ከቢሩ ውዒሉ።
ነዚ ጽንብል ዘዳለወ ኣካል፡ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ። እቲ በዓል ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 9 ድ.ቀ. ዝተፈላለየ ንጥፈታት መንእሰያት ዘስተናገደ ነበረ። ሓያሎ መንእሰያት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስዊስ ዝተሳተፍዎ ውድድራት ስፖርት ሓደ ካብቲ ነቲ በዓል ምርኡይ ዝገበሮ ተረኽቦ ነበረ። ኣብ መደባት ንግሆ ዝተሰላለሰሉ መደባት ስፖርት፡ ውድድር ኩዕሶ እግርን ቅድድምን ነይሮም። እዚ ድማ ንንያት መንእስያት ኣበሪኹ ንድምቀት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣማዕሪጉዎ ውዒሉ።
ድሕሪ ቀትሪ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብ ኣደራሽ ኣኼባ ተረኺቦም ፖሊቲካዊ መደረታት ተሰሚዑ። ቃል ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ስዊስ ብኣቦ መንበር ዓሊ ገሽራ ድሕሪ ምስምዑ፡ ሓው ተስፋይ ወልዲሚካኤል ደጊጋ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤን፡ ኣባል ግዜያዊ ኣካል ዋዕላ ናይሮቢን፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣኽቢሩ ኣብ’ቲ በዓል ብምርካብ ብዛዕባ ምጅማር ብረታዊ ሰውራን፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርን፡ ኣውራ ድማ ብዛዕባ ንጥፈታት ገዜያዊ ኣካል ርኽክብን፡ ዳግማይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን ሓው ዩሱፍ ኢብራሂም ቦሊሲ፡ ኣባል ረድዮ መድረኽ፡ ብዛዕባ ተራ መድያ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ’ዚ ነቶም ኣብ ንጥፈታት ስፖርት ዝተዓወቱ ስልማታት ተዓዲሉ። ኣሕዋት ተስፋይ ደጊጋን ዩሱፍ ቦሊሲን እውን፡ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ዘንጸባርቕ፡ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት፡ ካብ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተቐቢሎም።

ካብ’ዚ ኣስዒብና እቲ ብሓው ተስፋይ ደጊጋ ዝቐረበ መደረ ንኣንበብቲ ነቕርብ
ሰላምታ: ኣቦ መንበርን ኣባላትን ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዘርላንድ
ምስጋና: ኣብ’ዚ በዓል’ዚ ንምስታፍን፡ ቃል ንምሃብን ዝዓደሙ ኣሰናደውቲ
ክቡራትን ክቡራንን!
ዝኽሪ ሓደ መስከረም እነብዕለሉ ዘሎና መዓልቲ፡ ምንጪ ክብርን ኩርዓትን ኤርትራና ኰይኑ ንውሉድ ወለዶ ዝሓልፍ ህያው ኤርትራዊ ታሪኽ’ዩ። ንክብሪ’ዚ ዕለት’ዚ መደረ ከስምዕ ዕድል ምርካበይ ድማ ልዑል ሓበን ከም ዝስመዓኒ ክገልጽ እፈቱ።
ቅድሚ 55 ዓመታት ብባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ንሃገራዊ ናጽነትን ሃገራዊ ሓድነትን ዘማዕደወ ብረታዊ ተጋድሎ ተኣዊጁ። እወ: ክጅምር ከሎ፡ መጠን ሰብኣዊ ሓይሊ ክሳብ 11 ኣባላት፡ ኣጽዋር ድማ ሓሙሽተ ጠያይት ጥራይ ዝልጐም ኣቡ ኻምሳ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። እቲ ራእይን ፖሊቲካዊ መልእኽትን ግን ንምልዮናት ኤርትራውያን ከውክል ዝኽእል እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ እዩ ድማ ዝተባርዐ ሰውራ፡ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ እናዓበየ ኣብ ውሽጢን ግዳምን ንኩሎም ኤርትራውያን ኣተሓባቢሩ፡ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጊጹ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ብወርሒ ግንቦት 1991 መግዛእቲ ክስዕር ዝኸኣለ።
ዋጋ ናጽነት ቀሊል ኣይነበረን። ብዓወታት ጥራይ ዝተኸለለ መስርሕ እውን ኣይነበረን፡ ህይወት ብሉጻት ደቂ ኤርትራ ወሲዱ እዩ። መሪር ተምክሮ ኲናት ሓድሕድን ግዳማዊ ምትእትታውን ርእዩ እዩ። ሳላ ጽንዓትን ኣብ ሓደ ዕላማ ዘትኰረ ተሳትፎ መላእ ህዝብናን ግን ኣብ ልዕሊቲ ብዕጥቂን ብዝሒ ሰብኣዊ ሓይሊን ግዳማዊ ደገፍን ዘይመጣጠኖ ሓይሊ መግዛእቲ ጭቡጥ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ። ካብቲ ታሪኽ እንቐስሞ እንተሎ፡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንናጽነት ሃይማኖታዊ ፍልልያት ተሰጊሩ እዩ። ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ቀቢላዊ ፍልልያት እውን ክስገር ተበቒዑ እዩ። ኩልና ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ኣትኲርና ኢና ተዋዲቕና። ጸላኢና ዝፈተኖ ፍልልያት ነይሩ እዩ፣ ግንከ እዚ’ውን ተሳዒሩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ነጭ-ለባሽ፡ ሓይልታት ፖሊስ፡ ኮማንዶስ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ስለያን ጦር ሰራዊትን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ንሓይሊ መግዛእቲ ራሕሪሖም ሓይሊ ሰውራ ክዀኑ ዝገበረ ታሪኽ ተጋድሎ እዩ ዘሎና። እንቋዕ ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እታ ፈላሚት ጥይት ተኲሶም ሰውራ ከም ዝባርዕ ገበሩ። ባሕቲ መስከረም ብኽብሪ ትንበር።
ሕጂ መዓልቲ ምጅማር ሰውራ ክንጽብል ከለና፡ ታሪኽ ናጽነታዊ ተጋድሎና እንዝክረሉ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሓባሪ ምዕ
ራፍ ኣተሃላልዋናን መጻኢናን ክንገብሮ ሓላፍነትና እዩ። እቲ ሃልሃልታ ቃልሲ ናጽነት ዘረጋገጸ ቁልዒ፡ ኣይቀሃመን። ሕጂ ሃልሃልታ ሓርነታዊ ቃልሲ ከረጋግጽ ከም መነሃርያ ክንወስዶ የድልየና። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እምበኣር ስለስተ ሕቶታት ከንልዕል እዋናዊ ይመስለኒ።

- ኣበይ ኣሎና?
- እንታይ ንደሊን ንገብርን ኣሎና?
- ኣበይ ክንበጽሕ ኢና?
ኣበይ ኣሎና?
- ሃገርና እትነብረሉ ዘላ ኣሕዛኒ ኩነታት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍና ስዉር ኣይኰነን ኣብኡ ግዜኹም ክበልዕ ኣይደልን። ብሓጺሩ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ናጽነት ተጠሊሙ እዩ። ሃገርና ምልኪ ብዘምጽኦ መዘዝ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል ዝበዀረላ ዝወደቕት ሃገር ከይና ኣላ። ግፍዒ ሳዕሪሩ፡ ደቃ ካብ ምንባር ንሓደጋ ጥፍኣት መሪጾም ዝባረሩላ ሃገር ከይና፡ ዓዲ ጠላማት ሰበ ስልጣን፡ ደቃ ዝገፍዕዋ፡ ዘድከይዋን ማሕበራዊ ክውንነታ ዘፍረስዋን ሃገር ክብል ይቐለኒ።
- ኣተሃላልዋና ምስ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ብምዝማድ ድማ ኣብ ሃለዋት ሓይልታት ተቓውሞ ከነስተብህለሉ ዘሎና ሽግራት ብነጥብታት ከቐምጥ እፈቱ፥
- ድኽመት ፖሊቲካዊ ውድባት ተቓውሞ
- ብሰንኪ ብኩራት ሃገራዊ ሓባራዊ ማእከላዊ ስልጣን ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻባት ሚዛን ይረክብ ምህላዉ
- ጽበት መቃለሲ ሜዳ
- ብኩራት ጥዑይ ዝምድና ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸረ-ምልኪ
- ድኽነት (ሕጽረት ሰብኣውን ንዋታውን ምንጭታት)
- ብኩራት ልዑል ኣህጉራዊ ደገፍ
- እዚ እቲ ሽግራትና ኰይኑ ገሊኡ ባዕላዊ ገሊኡ ድማ ወድዓዊ እዩ። ይኹን’ምበር ኩልና ከም ተቓውሞ ነዚ ኣስተብሂልና ፍታሓት ኣብ እነናድየሉ እዋን ኢና ዘለና ክብል እደፍር። ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ለውጢ ከረጋግጽ ይደሊ ኣሎ። ብዘይ ሓደ ጐደል። ለውጢ ከነምጽእ ነቲ ስርዓት ክንቀብጾ ነይሩና። ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ኣብ ልዕሊቲ ስርዓት ቅብጸት እምበር እምነት የለን። ቅብጸት ድማ ንቃልሲ ይዕድም’ዩ።
- ንፍርሒ ክንስዕር ነይሩና፡ ገዚኡና ዝነበረ ፍርሒ ተሳዒሩ እዩ። ዘይነዓቕ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣሎ፡ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምትእኽካባትን ዝግልጽ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ህያው ምስክር እዩ።
- ብኣህጉራዊ ደረጃ እውን ኤርትራዊ ስርዓተ-ምልኪ ዝንጸገሉ፡ ወጽዓታት ህዝብና ድማ ዝፍለጠሉ ልዳት ረጊጽና ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ሓይልታት እውን ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝምድናታት ይምዕብል ኣሎ። በዚ ነቲ ጽበት መቃለሲ ባይታና ከም ዝርሕብ ንገብር ኣሎና
- ዘድልየና ዘሎ እዋናዊ ጉዳይ እምበኣር፡ ንብኩራት ጥዑይ ዝምድና ኣብ መንጎ ተቓውምቲ ውድባትን፡ ሲቪል ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ንምእራም ክንንቀሳቐስ: ንዝምድናታትና ዝገዝእ ሓባራዊ ስምምዕ ክንህንድስን ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ኣትኲርና ብተወፋይነት ክንዋሳእን እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ሕዳር 2015 ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢን፡ ናይ ነሓሰ 2016 ፍራንክፈርት ኮንፈረንስ ህንጸት ምትእምማንን፡ ካልእ ከምኡ ዝበለ ንጥፈታት ደለይቲ ፍትሕን ኣወንታዊ ባይታ ኣንጺፉልና ኣሎ።
እዚ ተስፋታት’ዚ እንከሎ ግን ዕሽሽ ኢልና ክንሰግሮ ዘይንኽእል ምዕባሌታት ምጥቃስ የድልየና። ብፍላይ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝምዕብል ዘሎ፡ ታሪኽ ተጋድሎና ከም ታሪኽ ሸፋቱ ዝገልጽ፡ ንሃገራዊ ናጽነታዊ ቃልሲ ኤርትራውያንን መስዋእቶምን ዘቈናጽብ ዝንባሌታት ክገሃድ ተራእዩ እዩ። ገለ ምድንጋር ንምፍጣር ፡ ወይ ንሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ መኣዝኑ ንምስሓት ዝሃቀነ ፈተነ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ግን ታሪኽ ቦታኡ ሕሉፍ እዩ። ተሰሪሑ ስለ ዝዀነ ድማ ክትቅይሮ ኣይከኣልን’ዩ። ኤርትራዊ ታሪኽ ድማ፡ በሃሊ ዝበለ ይበል፡ ታሪኽ ህዝቢን ታሪኽ ናጽነታዊ ተጋድሎን ምዃኑ ኣይቅየርን እዩ። እቲ ሓደጋ ነቲ ታሪኽ ካብ ሕሉፍ ቦታኡ ናብ ህልዊ ኣምጺኻ ትርጉሙ ክትጠዋውዮን ምዕባሌ ክትጋርደሉን ምስ እትፍትን እዩ። ናይዚ ኣንፈት’ዚ ኣበሃህላ ድማ ንመጻኢ ዝኣመተን ኣብ መጻኢ መንነት ኤርትራን ሃገራዊ ድሕረ ባይታኣን ንምብራዝ ዝሃቀነን እዩ። መኸተና እምበኣር ከምቲ ቀደም፡ ሕጂ ውን ንኤርትራዊ መንነት ምክልኻልን፡ ካብ’ቲ ክበታትኖ ዝህቅን ፈተነታት ምድሓኑን እዩ።
በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ብሕባር ክቃለስ ዝግብኦ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ብዛዕባ ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ምርካቡን፡ ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ዕንቅፋታት ክቕርብ ምጅማሩን እዩ። ብርእይቶይ ነዚ ሕቶ’ዚ ብህድእትን ብልዝብን ክነፍትሖ ኣሎና ብሃላይ እየ። ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝመርሐ ኤርትራዊ ጅግና ምዃኑ ዝቕየር ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ከነኽብሮን ብሓወልቲ ከነማዕርጎን ይግበኣና። ንሕና ከም ኤርትራውያን ጥራይ ዘይከነስ፡ ወጻእተኛታት እኳ ከም ጀግና የኽብርዎ ኣለዉ። ኣብ ሃገር ኢጣልያ፡ ኣብ ኮሎኞ ሞንተዘ ኣብ ዘተባህለ ከተማ ከባቢ ሚላኖ ንዝኽሪ ጅግንነቱ ምስ 8 ጀጋኑ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰሪዖም ኣብ ሓደ ”Garden of the just of the world” ጀርዲን ናይ ዓለም ቅኑዓት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ገረብ ተኺሎምሉ ኣለዉ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገፍዕ ኤርትራዊ ምልካዊ ስልጣን እውን ኣብ ሃይኮታ ሓወልቲ ተኺሉሉ ኣሎ። እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ኩልና ኤርትራውያን እዚ ጅግና’ዚ ከማና ሰብ ምኳኑ ከም ሰብ ድማ ኣብ ህይወቱ ጌጋታት ፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ሃገራውያን ጀጋኑ ዝዀነ ይኹን ጌጋታት ከይፈጸሙ እዮም ጀጋኑ ከይኖም ዝብል ተረድኦ የብልናን። ንኣብነት ጆርጅ ዋሽንግተን ናይ ባራዩ ወናኒ ነይሩ፡ ክሳብ ሕጂ ጅግንነቱ ዘይእምኑ ሸነኻት ይርከቡ እዮም። ግን ናይ ቃልሲ ኣመሪካዊ ናጽነት ጅግና ምኳኑ ኣይተሓድገን። ኤሚልያኖ ዛፓታ ናይ መክሲኮ ብገበናት ዝልለ ክስታት ኣብ ታሪኽ ኣለዎ ይበሃል እዩ። ግን ናይ መክሲኮ ጅግና እዩ፡። ከይረሓቕና ኣብ ከባቢና እንተተመልከትና እውን፡ መሓመድ ኣሕመድ ኣልማህዲ ጭካነ ዘለዎ ገበናት ከም ዝፈጸመ ይፍለጥ እዩ። ግን ሱዳናዊ ጅግና ምዃኑ ኣይተረፎን። ናይ ኢቶጵያ ሚኒሊክ እውን ክሳብ ሕጂ ብጅግንነቱ ዘይኣምኑ ኣለዉ፡ ግን ወግዓዊ ኢትዮጵያዊ ጅግና ምዃኑ ኣይተሓድገን።
ሕጂ ናብ ስዉእ ኢድሪስ ሓምድ ዓዋተ፡ ክንምለስ ከሎና፡ ከማና ሰብ ከይኑ፡ ዝዓበየ፡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ካብ ንእስነቱ ብረት ክጥቀም ዝኸኣለ፡ መንእሰይ ነይሩ። ኣብ 25 ዕድሜኡ ናይ ጥልያን ዓስከር ከይኑ ከም እተኸትበ፡ ጥልያን ብእንግሊዝ ምስ ተሳዕረ ድማ፡ ንመንግስቲ እንግሊዝ ተቓዊሙ፡ ዓዲ ገዲፉ ንበረኻ ከም ዝወጸ ይትረኸሉ እዩ። ተሓኤ እውን ኣብ ካይሮ ብዝነበሩ ተመሃሮን ፈሊጣውያንን ከም ፖሊቲካዊ ውድብ 1960 ቆይሙ ነይሩ እዩ። ግን’ከ እቲ ዝዀነ ካልእ ሰብ ክገብሮ ዘይከኣለ፡ ንሱ ግን ዝገብሮ፡ ብባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓኡ ብረታዊ ሰውራ ምብራዕ እዩ። እዚ ታሪኽን ጅግንነትን ኣይቅየርን እዩ። ናይ ኩልና እዩ። ስለዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልትት ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ብሓደ ሸነኽ ታሪኻዊ ጅግንነት እናኽበርካ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መሰል ሰባት ኣብ ምሕሳብን ታሪኽ ምምርማርን እናኽበርካ ብልዙብ መንገዲ ክስገርን፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ክንኣቱን ዝኽልክል ኣይኰነን ዝብል ተረድኦ ኣለኒ።
ናብቲ ካልኣይ ሕቶ ክንሰግር እንታይ ንደልን እንታይ ንገብርን ኣሎና።
ከም ሓይልታት ጸረ-ምልኪ ዘይንደልዮ ንፈልጦ ኢና። እቲ ሕቶ ነቲ እንደልዮ ኣነጺርና መደባት ከመይ ንሰርዓሉ እዩ። እቲ ንሓዋሩ እንደልዮ እምበኣር ንምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕኻ፡ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ቅዋማዊ ስርዓት ስርዓት ምትካል፡ ንሓድሕዱ ዝቈጽጸር ትካላት መንግስቲ ምቛም፡ ማሕበራውን ቑጠባውን ዕቤት ምርግጋጽ፡ ሰላማዊ ውድድርን ምስግጋር ስልጣንን ዘፍቅድ ስርዓት ምህናጽ’ዩ። ነዚ ድሌት’ዚ ንምርግጋጽ መጀመርያ ዝመጽእ ዕማም ንምልኪ ምስዓር’ዩ። ኩልና ኣብ ምልጋስ ምልኪ እንሰማማዕ ብሓባር እንግዘኣሉ ጐደና ክንጸርግን ክንምድምዶን ብህጹጽ የድልየና’ሎ።
ሕራይ፡ ብዙሕ ዝተገብረ ፈተነታት ኣሎ’ዩ። ቀጻሊ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ዘተታት ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን። በብወገኑ ናይ ዕርቂ ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ዘመዝገቦ ዓወት ንዕርድታት ህግደፍ ኣብ ምፍራስ ክሳብ ክንደይ ተራ ከም ዝነበሮ ኩልና ናይ ዓይኒ ምስክር ኢና። ሕጂ ንጀምሮ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ብዕቱብነት ንቐጽሎን ንወፈየሉን እዩ’ቲ ጠለብ። ውደባ ሓባራዊ ስራሕ የድልየና ኣሎ’ሞ ከመይ ጌርና ኢና ናብ ጸረ ምልካዊ ስሩዕ ውደባ እንሰጋገር ንመርምር ወጽኢት ምርመራና ድማ ነተግብር።
ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኩልና ዘሎ ዓቢ ዕማም ጉዳይ ምምኽራዊ ዋዕላ ናይሮቢን ናይ መጻኢ መደባትን ከልዕል ኣፍቅዱለይ።
ናይ ናይሮቢ ዋዕላ ምምጻኡን፡ ከም መጀመሪ 11 ውድባት ተራኺበን ሓባራዊ ውዕል ክኽትማ ምኽኣለንን ዓቢ ስጉምቲ ኣብ ጉዕዞ ጸረ ምልካዊ ቃልሲ እዩ። ኣብዚ ውዕል’ዚ ብዝጸደቐ ስምምዕ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ብሽድሽተ ኣባላት ቆይሙ ስራሑ ብወርሒ ለካቲት 2016 ጀሚሩ።
መሰረታዊ ዓማሙ ድማ
- ኩሉ ሓቆፍ ዳግማይ ዋዕላ ንምክያድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር
- ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር ንድፊ ሓባራዊ ራእይን ናይ ትግባረ መደባትን ምቕራብ
R ክሳብ ካልኣይ ሃገራዊ ምምኽራዊ ዋዕላ፡ ንጥፈታት ኣካላት ዋዕላ፡ ንምውህሃድን ንምውጋንን ዘኽእል ስትራተጅያዊ ኣንፈት ምትሓዝ።
ውድባዊ ቅርጻን ስራሓት ኣካላቱን ምንጻርን፡ ናይ ግዜያዊ ኣካል መደብ ዕዮ፡ ምሕንጻጽን
R ናይ ኩሉ ንጥፈታት ውጽኢታት ከም ዝዕቀን ንምግባር መሳርሒታት ምምዕባል። (ነፍሲ ወከፍ ኣባል ተመዲቡሉ ዘሎ ዓውደ ስራሕ፡ እንታይ ተግባራዊ ትጽቢታት ከም ዝንበረሉ ምውሳን)
R ናብ ኣባላት ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላን ናብ መድረኽን ስሩዕ ጸብጻባት ምቕራብ። ከም ኣድላይነቱ በብግዜኡ መብርህታት ምሃብ።
- ነቶም ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዘይተሳተፉ፡ ብምልኣት ንክሳተፉ ጽዑቕ ርኽክባትን ጻዕርታትን ምክያድ ይርከቦ።
በዚ መሰረት እዚ ኣካልዚ ቀጻሊ ርክባት ብምክያድ ነዚ ከቢድ ዕማም ኣብ ሓጺር እዋን ( ብዝምድናዊ ኣዘራኣርባ) ከብጽሖ ክጽዕር ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ።
ንብስራት፡ እዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ኣተኣማማኒ ክበሃል ዝከኣል መድረኽ በጺሑ ከም ዘሎ ድማ ነዚ ኣኼበኛ ክሕብር፡ ተስፋታት እናኸለለኒ እዩ። ኩለን እተን ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዝረኸበን ውድባት፡ ኣብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ከም ዝሳተፋን፡ ስራሕ ግዜያዊ ኣካል ንኽዕወት ክተሓባባአራን ምዃነን ኣመዝጊበን ኣለዋ። መፈለምታዊ ንድፊ ሰነዳት ሓባራዊ ራእይን፡ ናይ ትግባረ መደባትን ናብ ምዝዛም ገጹ እዩ። ናብ ኩለን ውድባት ክመሓላለፍን እተን ውድባት ብዘቕርባኦ ርእይቶታት ክህብትምን ተአሪዑሉ ኣሎ። ዳግማይ ዋዕላ ናይሮቢ ድማ ቅድሚ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክትግበር እዩ፡ ዝብል መደብን ትጽቢትን ኣሎና። ምትሕብባርኩም ኣይፈለየና።
ኣብ መደምደምታ ነቲ ኣበይ ክንበጽሕ ኢና ዝብል ሕቶ ከልዕል
እቲ ጻዕሪ ናይ ኩልና፡ እቲ ዕላማ ድማ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር ዘብቆዓና ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ’ዚ ክንበጽሖ እንደሊ ኣብ መንጎ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ዕርቅን ሓባራዊ ናይ ስራሕ መደብን ምርግጋጽ እዩ።
- ነዚ ንምትግባር ብቐዳምነት እነልዕሎ ሕቶ ከመይ ጌርና ንኽበታትነና ዝኽእል ሽግራት ንውግድ? ከመይ ጌርናኸ ነቲ ዝሓልፍናዮ ትራጀዲ ኣይንደግምን ዝብል እዩ።
- ንሕና ደቂ ሓንቲ ኤርትራ ኢና። ስለ ዝዀንና ኣካላት ናይ’ቲ ሽግር ንሕና ኢና። ብሓባር ንስከሞ። ኣካላት ናይቲ ፍታሕ እውን ንሕና ኢና። ብሓባር ኣብ ሃገራዊ ውዕል፡ ብሓባር ኣብ ሃገራዊ ቃል ኪዳን ንእቶ።
- ኣብ መስርሕ ጸረ ምልካዊ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ኣይንጋገ፡ ወይ ጌጋታትና ኣይንድገም። ምስ ኩሉ ናይ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ናጽነትና፡ ምስ ክብርታት ክውንነትናን ኣተሃላልዋናን ናብቲ መስርሕ ንእቶ። መስርሕ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ንባዕሉ ድማ ሓደ ኣወንታዊ መካኒዝም ክፈጥረልና ኣዩ።
- እዚ መካኒዝም እዚ ድማ ንሕግታት ፖሊቲካዊ ናብራና ወይ ንስርዓት ፖሊቲካዊ ቃርሳ ኤርትራ (ፖሊቲካዊ ጌም) ክሰርዖ እዩ። ኣብኡ ሃገራዊ ውዕል ይህልወና። ዘተ መሳርሒና ዘተ’ውን መቃለሲና ይኸውን። ዘተን ልዝብን ድማ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ንዲሞክራሲ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ። ማለት፡
- ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ይሃንጽ (confidence building device)
- ቀንዲ ረቛሒ ርግኣትን ሰላምን እዩ
- ፖሊቲካዊ ሕጋውነት (political legitimacy) ናይ ምንቅስቓሳትና: ወይ ናይ ኩሎም’ቶም ሓቢርና እንልእኮም ኣካላትና ይፈጥር
- ነቲ ኣብ መንጎ ውድባት ወይ ፖሊቲካውን ማህበራን ውደባታት ዘሎ ፍልልያት የጻብብ። ናይ ቀደም ጸላእቲ ናይ ሕጂ ኣዕሩኽ፡ ናይ ቀደም ተጻባኣቲ ናይ ሕጂ መዋስብቲ ወይ መላፍንቲ ክገብር ይኽእል።
- ኣብ መወዳኣታኡ ድማ ናይ ሓድሕድ ምፍልላጥ ኣረጋጊጹ፡ ሓባራዊ ተሳትፎ የሰስን እሞ፡ ነቲ ኩልና ዝደመናሉ ቁስልታትና ከሕዊ ይኽእል፡ ነቲ ኩልና ከነመዝግቦ እንደሊ ለውጢ ድማ ከቀላጥፈልናን ከመዝግበልናን ይኽእል።
እወ ፍልልያት ጸኒሑና እዩ ኣሎና እውን። ገሊኡ፡ ብሱሩ ክንቅበሎ’ምበር ክንሰግሮ ዘይንኽእል እዩ። በብዘሎና እምነት ነቲ ፍልልያት ከም ዘለዎ ተቐቢልና፡ ኣብቲ ብሓባር ክንሰርሓሉ ዘሎና መዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ምብቃዕ እዩ’ቲ ፍታሕ። ክንዛተ ከሎና ነቲ ካባና ዝፍለ ካልእ ርእይቶ ዘለዎ ሸነኽ፡ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባኣኡ፡ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ መበቆላዊ መንንቱ ንምቕያር ኣይኰነን ክኸውን ዘለዎ። ናይ ሓባር ባይታ ንምድህሳስን ምርትግባሩን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ዕላማይ መንነትካ ወይ ኣተሓሳስባኻ ምቕያር ኣይኰነን፡ ከምታ ዘለኻያ እንከለኻ፡ ምሳኻ ንኸሰርሕ ናይ ሓባር ባይታ ምንዳይ እዩ ካብ ዝብል ዕግበት ክንብገስ ኣሎና። ምረት ምፍልላያት ኣብ መትንታት ደምና ዘይሩ እዩ። መትንታት ደምና ብስሪንጋ ናይ ለውጢን፡ ምክብባርን ክንወግኦ ንሕተተሉ መድረኽ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ ናይ መንነትካ ክቕይር ድልየትን ባህግን የብለይን፡ ከም ዘለካዮ ምስ ኩሉ እምነትካ ከሎኻ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ዕማም ብሓባር ንኽንቃልስን ንኽንጐዓዝን መንገድታት ንሃንድስ እየ ዝብል ዘለኹ ክንብል የድልየና። ንሱ’ዩ እቲ ጸዋዒት።
ዋዕላ ናይሮቢ፡ ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምውሳእ፡ ናይ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ሓይልታት መኣዲ ዘተ ከፊቱ ምህላዉ እዩ እቲ ኣወንታዊ ተበግሶ ዝገብሮ። ናይ ሕጂ ጸላኣቲ ወይ ተወዳድርቲ ናይ ጽባሕ መላፍንቲ ክንከውን ባይታ ከፊቱልና ኣሎ። ነዚ ዕድል’ዚ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ይግበኣና።
እዚ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም እነካይዶ ዘሎና ኣኼባ ድማ ኣካል ናይ’ዚ ጉዕዞ’ዚ እዩ። ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ነቲ ጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ከተደልድል፡ ነቲ በኺሩ ዘሎ ሓይልታት ድማ ከተሳትፍ እዩ ዕላማኣ። ኣቦታት ክምስሉስ “መረብሲ በለሳ ሒዛ ትኾርዕ” ይብሉ። መረብ ንውሕጅ በለሳ ሒዛ ፈለግ ትኸውን። እቲ ሞራል ዓቢ ነገርሲ ብነኣሽቱ ምትእኽኻብ’ዩ ዝቐውም እዩ። ሕጂ ውን ናብ ዓቢ ናይ ለውጢ ፈለግ ክንበጽሕ ኣሎና። እቲ ዓቢ ፈለግ ድማ ናይ ኩሉ ጸረምልኪ ሓይልታት ምትእኽኻብ ብምርግጋጽ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምጥጣሕ እዩ። እቲ ወሓዚ ምንጪ ድማ ከምዚ ዝበለ እኼባታትን ቦታዊ ንጥፈታትን እዩ። ኩሉ እቲ ዋሕዚ በብኽእለቱ እጃሙ እናልዓለ ናብ ሓደ ዕላማ ንኸፍስስ ኩልና ክንጽዕረሉ እጽውዕ። እቲ ዝተኣከበ ዓቢ ፈለግ ድማ፡ ንሰረታት ምልኪ ኣፍርሱ፡ ንጨቋኒ ትካላት ደምሲሱ፡ ነታ ክንበጽሓ እንብህግ ዘሎና ሓዳስ ኤርትራ ብናይ ህይወት ማያቱ ከርዊ እዩ።
ሕጂ ንተሓባበር! ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ብሓባር ንእቶ!
ጽባሕ ግድን ናብቲ እንደልዮ ምዕራፍ ክንበጽሕ ኢና!
ዝኽሪ መስከረም ትንበር ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና!
ደጊመ ንዕድሜኹም አመስግን። የቐንየለይ!
ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
3 መስከረም 2016

كلمة رئيس الحزب بمناسبة الفاتح من سبتمبر
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريللفاتح من سبتمبر عند الارتريين معنىً خاص ونكهة متميزة تعطيه أهمية خاصة، وتنبع هذه الأهمية من كونه اليوم الذي شهد ميلاد الكفاح الارتري المسلح والعادل وغير المعتمد علي سلاح سوى ثقته بشعبه وإيمانه بعدالة قضيته، لذلك فإن الثورة التي أشعلها وقادها الشهيد البطل/ حامد ادريس عواتي وقلة من رفاقه المخلصين الأشاوس سرعان ما زعزعت وكسرت قوة الجيش الاثيوبي أكبر وأفضل الجيوش الافريقية بشراً وعتاداً حربياً وتعاطفاً دولياً الي أن قضت علي ذلك الجيش العرمرم قضاءاً مبرماً ورمت بأشلائه خارج التراب الارتري في الرابع والعشرين من مايو 1991م. إن دعم الشعب للثورة الوليدة هو الذي نقلها خلال 14 عاماً فقط من سهول وأودية القاش وبركة وجبال الساحل الي ضواحي العاصمة أسمرا.
النظام الاستعماري الاثيوبي وإن تمتع بالدعم الامريكي والاسرائيلي بل وباتفاق المعسكرين الشرقي والغربي علي دعمه وتسليحه طيلة فترة الحرب الباردة، لم يكن قادراً علي كسر إرادة الشعب الارتري ورغبته التحررية. ليس هذا فحسب، بل صارت الثورة الارترية نموذجاً نضالياً ناجحاً جديراً بالاحتذاء، وبالفعل سرعان ما ترسمت شعوب مجاورة وغير مجاورة آثار شعب ارتريا فتحررت وقضت علي أعدائها الوطنيين والطبقيين.
بوحدته وصموده الأسطوري تحدى شعبنا كل المؤامرات والأعداء وهزم كل أنواع التهديدات وأفشل كل محاولات الاقتلاع من الجذور. لذا أكدت التجارب أن الوحدة دوماً سر صمودنا وانتصارنا.
منطلقين من منصة هذه التجربة الغنية في الوحدة والتماسك ، نحن واثقون من أن وحدتنا كما كانت بالأمس سر انتصارنا علي المحتل الأجنبي فهي اليوم أيضاً كفيلة بتمكيننا من الانتصار علي الدكتاتورية الجاثمة علي صدر بلادنا طيلة ربع قرن من الزمان، وهذه لا شك مدة كافية لتصل جميع قطاعات الشعب الارتري الي قناعة مشتركة بأنه لم يعد يرجى من هذا النظام أدنى خير، وأن كونه من بنـِـي جلدتنا لم يعصمه من إلحاق أشنع الأضرار بمن وثقوا بوطنيته وحرصه علي شعبه مهما حاول تجميل نفسه وترميم تصدُّعاته، لذا فقد آن الأوان لاستعادة وتمتين تماسكنا وصمودنا في التصدي للنظام حتى تنحيته وإبداله بنظام ديمقراطي مستدام يداوي جراح الشعب والوطن.
اليوم لم يعد هناك من يجادل في حتمية التغيير وأنه لا محالة قادم، لكن التحدي هنا هو العمل علي تحويل تيار التغيير الجارف الي وجهة إيجابية بناءة وليس وجهة سلبية هــدَّامة. وهذا يتطلب منا شيباً وشباباً أن نستعيد وحدتنا وثقتنا ببعض وننطلق بقوة في طريق النضال من أجل التغيير الديمقراطي الإيجابي. وعلي الأعيان ورجال الدين أن يتفاعلوا مع قضايا شعبهم ويرفعوا صوتهم عالياً أمام كل من يؤذي الشعب والوطن في تماسكه واستقراره، حاكماً كان أو معارضاً.
ختاماً وبمناسبة الذكرى الخامسة والخمسين لاندلاع الكفاح التحرري المسلح لشعبنا لا يسعنا إلا أن نعبر عن فخرنا بالانتماء الي هذا الشعب الذي توحـَّـــد وتفانـَـي في خدمة قضيته العادلة ودفع من أجلها أفدح الأثمان والتضحيات. وفي الوقت الذي نزف فيه التهاني الحارة لشعبنا علي جعل حلمه الوطني بتكوين دولة حرة ذات سيادة حقيقةً واقعة، فإننا أيضاً علي ثقة تامة بأن الشعب الذي قصم ظهر الطغيان الاستعماري سوف يقصم ظهر الدكتاتورية ويجعلها هشيماً تذروه الرياح.
النصر لنضال شعبنا
الهزيمة والسقوط للنظام الدكتاتوري في ارتريا
منقستئاب أسمروم
رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري
31 / 8 / 2016م
هجوم إرهابي علي يمنيين كانوا يستعدون لتلقي التدريب العسكري بإرتريا وجيبوتي
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأوردت صحيفة ( إنترناشونال نيو يورك تايمز ) الصادرة في الثلاثين من أغسطس 2016م نقلاً عن مسئول يمني آثر حجب اسمه أن مجموعة من المواطنين اليمنيين وأثناء تسجيلهم وإعدادهم للذهاب الي إرتريا وجيبوتي لتلقي التدريب العسكري قد تعرضوا لهجوم إرهابي أدى الي مقتل 54 وجرح أكثر من ستين منهم. يذكر أن المتدربين يتبعون للقوات اليمنية التي تخوض حرباً ضد مليشيا الحوثي التي ما تزال تسيطر علي العاصمة اليمنية صنعاء.
الهجوم الذي تم تنفيذه بسيارة مفخخة جرى بميناء عدن في التاسع والعشرين من أغسطس 2016م، وقد ادعى تنظيم ما يسمى بدولة الخلافة الاسلامية بالعراق والشام ( داعش ) المسئولية عن الهجوم.
يجدر بالذكر أن المتدربين المذكورين من الشباب المراهق الذين تتراوح أعمارهم ما بين العشرين الي الثلاثين.
ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ክዕለሙ ዝዳለዉ ዝነበሩ የመናውያን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኤርትራን ጅቡትን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ዝምዝገቡ ዝነበሩ የመናውያን ሓደስቲ ተዓለምቲ ብኣጥፊእካ ጥፋእ ዝብል ናይ ኣሸበርቲ ነብሰ-ቅትለታዊ ስጕምቲ ብዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ 54 ክመቱ ከለዉ፥ ልዕሊ 60 ድማ ቆሲሎም ክብል ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ስልጣን የመን ከምዝገለጸ ኢንተርናሽናል ኒው ዮርክ ታይምስ እተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሰሉስ 30 ነሓሰ 2016 ሕታሙ ሓቢሩ። እቶም ተዓለምቲ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ሰንዓ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ናይ ሖትይን ሓይሊ ንምውጋእ ኢዮም ዝምዝገቡ ነይሮም።
እቲ ብነታጒ ዝተጻዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሰኑይ ዕለት 29 ነሓሰ 2016 ኣብ ወደብ ከተማ ዓደን ኢዩ ተኻይዱ። ደዓሽ፡ እቲ ስርሒት ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ ኣሎ። እቶም ጉድኣት ዝወረዶም ተዓለምቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኢዮም ነይሮም።
ባሕቲ መስከረም፡ ንኤርትራውያን ፍሉይ ትርጕም ዘለዋ ኣገዳሲት ዕለት ኢያ። ኣገዳሲት ዝገብራ ድማ፡ ኣብ ኣጽዋርን ሓጺነ-መጺን ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣንቢሩ ዝተበገሰ ፍትሓዊ ቃልሲ ስለዝዀነ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩውን፡ እቲ ብመሪሕነት ጅግና ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብዉሕዳት ሰባትን ኣረጊትኣጽዋርን ዝጀመረ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ናይ ዓለም ደገፍ ዝነበሮን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቕነቕ ከብሎን ድሒሩ እውን ክድምስሶን ዝኸኣለ። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ጥራሕ፥ ሰውራና ካብ መታሕትን ጐቦታት ሳሕልን ናብ ከባቢ ኣስመራ ክበጽሕ ዝኸኣለሉ ምስጢር ሳላ ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ ኢዩ።
መግዛእታዊ ስርዓት፡ ዋላ’ኳ፡ ናይ ኣመሪካ ፡ሶቭየት ሕብረት፡ እስራኤልን ዴሳዊ ደምበን ብሓፈሻ ደገፍ እንተነበሮ፡ ንውሳኔን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ክዓጽፍ ግን፡ ፈጺሙ ኣይከኣለን። እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኰነን። ሰውራ ኤርትራ፡ ነህዛብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣንጻር ደርባውያንን ብሄራውያንን ጨቈንቶም ክለዓሉን ምእንቲ ሓርነቶም ክቃለሱን ኣተባቢዕዎምን ኣርኣያ ኰይንዎምን ኢዩ።
ብሓድነትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኵሉ ኣንጻር ሰውራና እተዋደደ ውዲት፡ መጥቃዕቲ፡ ጸለመ፡ ታህዲድን ምጕብዕባዕን ፈሺሉ ኢዩ። ሓድነትና፡ሓይልና ምዃኑ ተመኵሮና እኹል ትምህርቲ ኢዩ።
ካብ’ዚ ተመኵሮ’ዚ ተበጊስና፡ ነዚ ሕጂ ንህዝብና ሓሳረ-መከራ ዘጽግቦ ዘሎ ስርዓት ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና እንተደኣ ተቓሊስናዮናዮ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፈኖን ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረሉን ሃገር ክንሃንጽ ከም እንኽእል ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ጥርጣረ እውን የብልናን። ህዝብና፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ እኹል ትምህርቲ ቀሲሙ ኢዩ። ደቀይ ዝበሎም ክጠልምዎን ክጭቍንዎን ከምዝኽእሉ ብግብሪ ኣረጋጊጹ ኢዩ።በዓል ኣምሰለዩ ነቲ ስርዓት ንምጽብባቕ ዝበሉ እንተበሉ ነቲ ሓቂ ክልውጥዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሕቶ እምበር ለውጢ ከምጽእ ድዩ ኣይመጽእን ኣይኰነን። ለውጢ ክመጽእ ምዃኑ ዘካትዕ ጕዳይ ኣይኰነን። እቲ ዝመጽእ ለውጢ እወንታዊ ለውጢ ክኸውን ንምግባር ግን ዓቢ ስራሕ ገዛ ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ኣሎ። ዝነበረና ሓድነትን ነብሰ-ምትእምማንን ናብ ቦታኡ ክንመልሶ ኣሎና።መንእሰያትና እናተማህሩን እናተቓለሱን ንዝሓሸ መጻኢ ክውን ክገብሩ ቆሪጾም ክብገሱ ኣለዎም። ዓበይትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ፡ ንዝተጋገየ ዓገብ ክብሉን ብስርዓት ህግዲፍ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብል ድምጾም ከስምዑን ይግባእ።
ኣብ መደምደምታ፡ ብምኽንያት መበል 55 ምጅማር ብረታዊ ቃልስና፡ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቱ ንዘርኣዮ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋን ደጊምና ነመጕስን ንንእድን። ኤርትራ፡ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን ምብቃዓ ድማ እንቋዕ ሓጐሰና ንብል።እቲ ንዓንዲ ሕቆ መግዛእቲ ዝሰበረ ህዝቢ ንዓንዲ ሕቆ ምልኪ ከምዝሕምሽሽ ኣይንጠራጠርን ኢና።
ዓወት ንህዝባዊ ቃልስና
ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
31 ነሓሰ 2016
Press Statement on EPDP Conference on Trust Building
Written by EPDP Information OfficeThe Trust Building Conference organized by the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in Frankfurt, Germany, between 10 13 August 2016 was focused on the following seven themes:
- Reconciliation
- Trust building
- Role of media in trust building
- Why mistrust persists in the Eritrean opposition camp
- Conflict resolution mechanisms
- The state of Eritrean social and cultural values
- Eritrean refugee influx and solutions
Papers were presented on every topic by professionals and area experts. The presentations were followed by extended discussions and dialogue. The meaning of themes raised for discussion; their positive and negative contributions in the Eritrean national struggle as well as the various mechanisms that can be utilized to solve problems were discussed in great length at the conference which was more or less a continuation of similar endeavors in the past.

The conference scrutinized the causes of mistrust which have been bedeviling and preventing joint work in the Eritrean arena, and understood them to be remnants of lingering causes of mistrust based on unresolved political, cultural, geographical, and generational gaps in the experience of the struggle.

Naturally, conflicts do occur during liberation struggles, but, unfortunately, the major differences that cropped up in the Eritrean arena were left unresolved for long and became causes for simmering grudges and mistrust. Not respecting or not abiding by or violating rules and agreements reached at congresses and meetings have prevented the possibilities of building transparency and prioritizing actions within the Eritrean political organizations.

The telegraphic summary below lists the key public, political and diplomatic spheres analyzed in at the conference in dept exploring the strategic schemes and the manner of handling the implementation of the objectives and their outcome:
- Using the mass media to strengthen the struggle for Eritrean people's cause and never to let it fall to harmful internal squabbling nor let the ruling clique's propaganda to slip into our ranks via our own media channels;
- Recognizing that reconciliation and forgiveness are part of the price paid for lasting peace;
- Being able to use our so far side-stepped social and cultural values as building blocks for mechanisms to resolve our socio-political conflicts;
- Acquiring full knowledge and understanding of [possible divergences] between social and political groups in the society;
- Having clear and common understanding of the nature of the ruling clique;
- Giving full attention and understanding to claims of victimhood by any segment of our people;
- Sharing clear translations of media writings in Arabic and Tigrigna to all sections of the population;
- Narrowing down the widening generational gap by partly using our age-old social values as conflict resolutions mechanisms;
- Firmly believing that the sure way to remove the ruling clique depends upon our common stand and action;
- Exploring and employing all possible means and ways to help Eritreans who are suffering of the consequences of armed conflicts and war caused mental disorders and stresses;
- In particular, helping and consoling young Eritreans who are victims of the countless abuses of the ruling clique and suffering of untold miseries and psychological disorders;
- The critical urgency of creating the ground work to empower Eritrean women to play their roles from high positions of decision making and execution;
- Encouraging and promoting the growing popular movements against the ruling clique to create effective coordination of joint struggle armed with full awareness of the need of smooth transition to democratic system of governance;
- Striving to create a common and clear diplomatic action by the opposition camp and preparing/building human resources equipped with the necessary skills to do the required tasks.

The Trust Building Conference underlined that, first and foremost, there was the utmost need of making paradigm shift in the over-all attitudes of the forces struggling for change whose past pledges for action in unison did not bear fruit. Likewise, the conference participants hoped and highly recommended for efforts by all concerned to hold holding of similar workshops whenever and wherever possible.
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳናዲኡ ዝዓደሞ፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ምሁራትን ለባማትን፡ መንእስያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ ነሓሰ 10 -13 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።
እዚ ዋዕላ`ዚ፡ ኣትኲሩ ዘልዓሎም/ዝዘተየሎም ነጥብታት/ዛዕባታት፡-

- ዕርቂ
- ሓድ-ሕድ ምትእምማን
- ተራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምህናጽ ሓድ-ሕዳዊ ምትእምማን
- ስለምንታይ ዘይምትእምማን ኣብ መንጎ ተቛወምቲ ውድባት ይረአ
- ኣፈታትሓ ግርጭት/ግጭት
- ሃለዋት ማሕበራውን ባህላውን ክብርታትናን ምሕላው
- ጠንቂ ስደት፡ ሳዕቤናቱን መፍትሒታቱን
ኰይኖም፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኣርእስቲ ብምሁራትን ኪኢላታትን መደረታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ዓሚቝ ክትዓትን ልዝብን ተኻይዱ። ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ኣብ ተመኩሮ ሃገራዊ ቃልስና ኣብ ምድኻም ይኹን ኣብ ምሕያል ዘለዎም ተራ፡ ከመይነቶምን/እንታይነቶምን ድሕሪ ምዝታይ መፍትሒ ዝበሎም መሳርሒታትን ኣገባባትን እውን ዘትዩ።
እዚ ዋዕላ`ዚ፡ ብመሰረቱ ሓድሽ ዘይኮነስ፡ መቐጸልታ ናይ`ቶም ብዝተፋላለየ ኩርናዓት ክካየዱ ዝጸንሑ እወታዊ ፈተነታት እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንዘይምትእምማን ጠንቅታት ኮይኖም ሓባራዊ ስራሕ ከይትግበር ቀይዶም ሒዝምዎ ንዘለዉ ቀንዲ ነጥብታት ኣለልዩ ብዕምቆት መርሚርዎ። እዞም ጠንቅታት ናይ ዘይምትእምማን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ጂኦግራፊያዊ፡ ናይ ወለዶ ጋግ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ተመኩሮ ሰውራና ዘይተኣልየ ሰረተት ዘለዎም ምዃኑ ተረዲኡ።
ግርጭታት ክህልዉ ባህርያዊ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ናጽነታዊ ቃልስና ዝተጋህዱ ከበድቲ ፍልልያት ብኣግኡ ከይተኣልዩ ብምጽነሖም ናይ ቂምን ቅርሕንትን ምንጭታት ኮይኖም ቀጺሎም። ይተካእ ይለቀም- ኣብ ጉባኤታት ይኹን ኣኼባታት ዝተበጽሑ ስምምዓት/ውዑላት ዘይምጽዓድን ጠሪስካ ምግሃሶምን፡ ግሉጽነት ንከይህሉን ቀዳምነታት ንከይስራዕን ቀንዲ ዕንቅፋታት ኮይኖም ምህላዎም ዋዕላ ርእዩ።

እዚ ንሰለሰተ መዓልታት፡ ብዕምቆት ዝዝተየ ዋዕላ፡ ኣብ ህዝባውን፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ጠሚቱ፡ ስትራተጂያዊ ኣተሓሕዛ፡ ንተግባራውነቱ ዝምልከት ቁርብነትን ክረጋገጹ ንዘለዎም ውጽኢታትን ጠሚቱ ብዕዘት ካብ ዝዘተየሎም፡-
- መራኸቢ ብዙሓን መሐየሊ ህዝባዊ ቃልሲታትና እምበር፡ መራሓሓቒን ንስልኳታት ሕሱር ፕሮፖጋንዳን ህግደፍ ዕድል ዘይከፍቱ ክኾኑ ምኽኣሎም፡
- ናይ ዘላቒ ሰላም ዋጋ ሕድገታት ምግባርን ይቕረ ምብህሃልን ምዃኑ፡
- ተጎስዩ ክኽየድ ንዝጸንሐ ባህላዊ ሰረትና ክብሪታትና ከም መመርኮሲ መፍትሒ ግርጭታትና ክንግልገለሉ ምኽኣል፡
- ኣብ መንጎ ህዝቢ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ክህሉ ንዝኽእል ናይ ባህልን ኣተሃላልዋን ግቡእ ኣፍልጦን ተረድኦን ምህላው፡
- ኣብ ስርዓት ህግደፍ ንጹር ሓባራዊ ተረድኦ ንኽህሉ ምጽዓር፡
- ተወጺዕና ንዝብሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ብተገዳስነት ምፍላጥን ምርዳእን፡
- ብትግርኛን ዓረብኛን ቋንቋታት ንዝጻሓፉ ትሕዝቶታት ኣብ ኣተረጓጉመኦም ከይዛብዑ ምጥንቃቕ፡
- ኣብ መንጎ ወለዶታት ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ምጽባብ፡ተጎስዩ ክኽየድ ንዝጸንሐ ባህላዊ ሰረትና ክብሪታትና ከም መመርኮሲ መፍትሒ ግርጭታትና ክንግልገለሉ ምኽኣል፡
- ንስርዓት ህግደፍ ብውሑስ መንገዲ ክንቅይሮ ብሓባርን ብስምምዕን ጥራሕ ምዃኑ ምእማንን ምትግባርን፡
- ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ናይ ውግእን፡ ውግእ ዝፈጠሮ ጭንቀትን ናይ ኣእምሮ ጸገምን ይወርዶ ምህላዉ ብምርዳእ፡ ፍታሕ ክረክብ ኩሉ ጻዕሪታት ምትግባር፡
- ግፍዒታት ህግደፍ ዝፈጠሮ - መንእሰያትና ብጸብጺብካ ዘይውዳእ መከራን ናይ ኣእምሮ ነውጽን ይሳቐ ምህላዉ ብምርዳእ ኣድላዪ ሓገዝን ምትብባዕን ምክያድ፡
- ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት-ክሳብ ዝለዓለ ጽፍሒታት ኣብ ምውሳንን ምፍጻምን ተረአን ዝዋሳኣሉ ምቹእ ባይታ ክፍጠር ወሳኒ ምዃኑ፡
- ኣንጻር ህግደፍ ንዝለዓዓል ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተወሃሂዱ ከድምዕ፡ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ዘሰጋግር ኣንፈት ሒዙ ክብርትዕን ክሕይልን ምትብብዑ፡
- ተቛውሞ ውድባት ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝነጥፋሉ ንጹር ኣስራርሓ ክህልወንን ነዚ ዘገልግል ሰባኣዊ ዓቕምን ብቕዓትን ክብ ከብላን

ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን፡ ዋላ`ኳ ኣብ ሓባር ስምምዓት ንምብጻሕ ዝተገበረ ብዙሕ ፈተነታት እንተነበረ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሽቶ ዘይሃረመ ብምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኰነ ውልቀ-ሰባት ናይ ኣተሓሳስባን ኣረዳድኣን መቐይሮ-መኣዝን (paradigm shift) ከረጋግጹን ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ክሰርሑን ኣዝዩ ህጹጽ ምዃኑ ዋዕላ ኣስሚርሉ። ከምኡ`ውን፡ ከም`ዚ ዓይነት ዓውደ-መጽናዕቲ`ዚ ልሙድ ክኸውንን ኣብ ዝተኻእለሉ ቦታን ጊዜን ቀጻሊ ጻዕሪታት ክትግበር ርእዩ።

More...
ክቡራትን ክቡራንን ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት
ክቡራንን ክቡራትን ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ሲቪላውያን ማሕበራት
ክቡራት ዕዱማት ዋዕላ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማን
ክቡራትንክቡራንን ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰዲህኤ
ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ብሓፈሻ
ኣቐዲመ ዕድመና ኣኽቢርኩምን ኣኽቢርክንን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ብምርካብኩም/ብምርካብክንን ብስመይን ብስም ሰዲህኤ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም/ን። እንቋዕ ደሓን መጻእኩም/ን እናበልኩ ከኣ፡ ሓጐስን ምርድዳእን ዝሰፈኖን ፍልጠት እንቐስመሉን ፈስቲቫል ክዀነልና እምነ። ቀጺለ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰዲህኤ ዞባ ኣውሮጳን ሓቢረን ከም'ዚ ዝኣመሰለ ሃብታም መደባት ዘለዎ ፈስቲቫል ከዳልዋ ምብቅዐን ንኣሰናዳኢት ኮሚቴ ፈስቲቫል መጐሰይን ናእዳይን ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ ብምኽንያት ናይ’ቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ዝተኸብረ ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ፡ ንዅሎም እስላም ዓለም ብሓፈሻ ነስላም ኤርትራን ጐረባብታን ድማ ብፍላይ ናይ ዮሃና መልእኽተይ እናመሓላለፍኩ ሰላም፡ ስኒትን ራህዋን ዝሰፈኖ ዓመት ከዀነልና ድማ ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ።

ክቡራትን ክቡራንን
ሓቀኛ መግለጺ ናይ ሃለዋት ህዝብና ብኵሉ መዳያዊ ስእነት እትብል ቃል ኢዩ ዝግለጽ። ህዝብና፡ ብስእነት መግቢ፡ ማይ፡ ስራሕ፡ ቅሳነት፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራሲ . . .ወዘተ ይሳቐ ምህላዉ ብሩህን ዘየማትእን ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ። ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ክንዮኡን ድማ፡ ውጽኢት ናይ’ዚ ሃለዋት’ዚ ምዃን ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። እታ ሓንቲ መንእሰያትና ዝጽመዱላ ጻማ ዘይብላ ስራሕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ስያመ እትፍለጥ፡ ናይ ባርነት መነባብሮ ዝካየደላ ፋብሪካ ግዱድ ዕስክርና ኢያ። ብ3 ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ክሃድሙ ፈቲኖም ዝተባህሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተወስደ ናይ ቅንጸላ ተግባርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንመነባብሮኦም ኣመልኪቶም ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ዝገበርዎ ቃለ-መሓትትን ድማ ገለ ካብ’ቲ ሓቀኛ መርኣያ መንእሰያትና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓሳረ-መከራ ኢዮም።
ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፡ ነቲ ህዝብና ከሕልፎ ዝጸንሐ ሕማቕ መነባብሮ ናብ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ ኣዕሪግዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰበስልጣን ህግዲፍ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ከምዝገበሩ ክግለጹ ይስምዑ ኣለዉ። ዕላማ ናይ’ዚ መግለጺ’ዚ ነተን ረዲኤት ዝሃባ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቍጽጻር ጀሚርና ኣሎና ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝኣመተ ኢዩ ዝመስል። ዋሕዚ ስደተኛታት ግን፡ ብምውሳኽን ምንካይን ደሞዝ ደው ዝብል ኣይኰነን። ስደት ወጽኢት ናይ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን መሰላት ምስኣን ደኣ’ምበር፡ ምስ ደሞዝ ጥራሕ ዝተኣሳሰር ጕዳይ ኣይኰነን። ጭቆና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ውግእን ወረ ውግእን ክሳብ ዝሃለወ፡ ስደት ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን እኳ፡ ምቕያር ባጤራ ዘስዓቦ ትሑት መጠነ ሸርፍን ኣመሓዳድራኡን ከምዘየዋጽኦም ስለዝተገንዘቡ፡ ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ዝነበሩ ገንዘብ ደው ከብሉ ከምእተገደዱ ዝፍለጥ ኢዩ። ወጻእተኛታት ኣወፈርቲ ከኣ’ሞ እንታይ ኣሚኖም ክመጹ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ረጽሚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ኣረጋውያን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ኣደዳ ሞትን ስንክልናን ከይኖም ኢዮም። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ናይ ውግእ ኵነታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እናበኣሰ ከምዝኸይድ ተመኵሮታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ዜጋታትናን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ይርኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝዀነ ይኹን መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፡ ንቝጣባዊ ጸገማቱ ንምቅላል ጥራሕ ብምሕሳብ፡ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣንጻር የመን ብምድጋፍ ንመሬትን ማያትን ሰማያትን ኤርትራ፡ ባዕዳውያን ንኽግልገለሉ ኣፍቂዱ ኣሎ። እዝን እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግሃድ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚታትን ናብ ዓማሚ ውግእን ዘይምርግጋእን ከይሰጋገር ብደረጃ ህዝብና፡ ዞባናን ዓለምናን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ክቡራትን ክቡራንን
ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት፡ ዝተላዕለ ተቓውሞታት ናይ ገለ ክፋል ካብ ህዝበን ተሰናቢደን፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክብላ፡ ቅድሚ ሕጂ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝምድና ምስ ናይ ራዕዲ ሓይልታትን ክኸስኦም ንዝጸንሓ ስርዓታት፡ ዝልግስኦ ዘለዋ ቍጠባዊ ደገፍ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣበርቲዑ ክቃወሞ ጸኒሑን ኣሎን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ከቃልሕን ክጣበቕን፤ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ወጻእተኛታትን ዝኽፈልዎ 2% መሕወይ ግብሪ ደው ክብል፤ ንልምዓት ተባሂሉ ንኤርትራ ክውሃብ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ 200 ሚልዮን ዩሮ ረድኤት፡ ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ስለጠናታት ናይ’ቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል፤ ስደተኛታት ብነጋዶ ደቂሰባት ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ከውሊ ክረኽቡን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከሰግርሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክኽፈተሎምን ክጕስጕስ ምጽናሑን ምህላውን ዝፍለጥ ኢዩ።
ፓርላማ ሆላንድ፡ ዋላ’ኳ ደንጕዩ ዝመጸ እንተዀነ፡ ንብዙሕ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰልፍና ክሟገተሉ ዝጸንሐ ጕዳያት ዝድግፍ ውሳኔታት ምሕላፉ፤ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ መበል 37 ጕባኤኡ 2% መሕወይ ግብሪ ደው ክብል ምውሳኑ፤ መንግስቲ ፈረንሳ ድማ፡ ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን መራሕቲ እተኻፈልሉ ዋዕላ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ምዅናኑን ደው ክብል ምጽዋዑን እቲ ምእንቲ ፍትሒ ዝካየድ ቃልሲ ተቐባልነት እናረኸበ ይኸይድ ምህላዉ ዝምስክሩ ጭብጢታት ኢዮም።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ስርዓት ህግዲፍ፡ በቲ 47 ሃገራት ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ምርካቡን ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ውሳኔ ምሕላፉን ንፍናን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ክብ ዘበለን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ድማ ዘርዓደን ተረኽቦ ኢዩ ነይሩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንምድጋፍን ነቲ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ንምቅዋምን ኣብ ጀነቭ፡ ኒውዮርክ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያዶም ዝፍለጥ ኢዩ። ሎምዘበን፡ ኣብ ጅነቭ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ፡ ልዕሊ 10,000 ዝኸውን ኤርትራዊ እሞ ከኣ መብዛሕትኦም መንእሰያት እተኻፈልዎ ኢዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ደገፍቲ ስርዓት ምክፋሎም ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ እናተሸምረረ ደምበ ፍትሒ ድማ እናዓመረ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ከም በዓል ኪሮስ ኣስፍሃ፡ ምሕረትኣብ ሚኪኤል፡ ፍረሰላም ሙሴን ዝኣመሰሉ ስነ-ኪነታውያን ዘበርክትዎ ዘለዉ ንህዝቢ ዘልዓዕልን ንቓልሲ ዝዕድምን ደርፍታት፡ ዘሎና ደገፍን መጐስን ንገልጽ። እዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ ምስ’ቲ ኣብ 60ታትን 70ታት ከም በዓል ነፍስሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፡ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣልኣሚን ዓብዱለጢፍ፡ ተወልደ ረዳ፡ ተኽልኪኤል ገብሩ፡ ሑሴን መሓመድ ዓሊን ካልኦትን ንቓልሲ ህዝብና ንምሕያል ዝገበርዎ ኣበርክቶ ዝመሳሰል ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ በርትዑ፡ ከይሰልከኹም ንሒዝክምዎ ዘለኹም ዕላማ ክሳብ ዝዕወት ቃልስኹም ቀጽሉ ክንብሎም ንፈቱ።
ዓሚ ይኹን ሎምዘበን ብህዝብና ዝለዓል ዘሎን ጌና ድማ መልሲ ዘይረኸበን ሕቶ ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ፥ ድሕሪ ጅነቫ’ኸ ናበይ? ከምኡ’ውን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ስለምንታይ ኢኹም ሓቢርኩም ክትሰርሑ ዘይትኽእሉ? ምስ መንኩም ኢና ክንተሓባበር ወይ ምስ መንኩም ኢና ክንሰርሕ ዝብሉ ሕቶታት ኢዮም።
ክቡራትን ክቡራንን
ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተቓውሞታት ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኰነን። ነዚ ተቓውሞ’ዚ ዝመርሕ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ውደባን ግን ጌና ኣይተማልአን ዘሎ። ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ዘይብሉ ውድብ ወይ ልፍንቲ ናይ ብሓቂ ውድብ ወይ ጋንታ ኣይኰነን። ዝተኣከቡ ግን ዘየድምዑን ንቕድሚት ዘይስጕሙን ምትእኽኻብ ናይ ውልቀሰባት ኰይኖም ኢዮም ዝተርፉ። ሓበሬታታት ብግልጺ ኣይውሃሃቡን፡ ኣብ መሰላትን ግቡኣትን ይመናጨቱ፡ ኣይደጋገፉን፡ ንነብሶምን ንረብሓኦምን ጥራሕ ኣብ ምክልኻል ይኣትዉ። እንተደኣ ምትእምማን ዘይሃልዩ ኣባላቱ ብዝለዓለ ብቕዓት ክዋስኡ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዘይ ምትእምማን ናይ ምምሃዝ ዓቕምታት ክዓቢ፡ ናይ ምድግጋፍ መንፈስ ክሰፍን፡ ኣድማዒ ስራሕ ክፍጸም ኣይከኣልን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዘይተወደበ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ብዝዀነ ዝተወደበ ሓይሊ ክጭወ ከምዝኽእል፡ ተመኵሮ ደርግ፡ ግብጺ፡ ሊብያን የመንን ኣብሪህዎ ኢዩ።
ናይ'ዚሰዓት'ዚ እዋናዊ ሕቶ እምበኣር ንህዝብ ንሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓን እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ኢዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ናይ ኵላትና ኢዩ። ኣብ’ዚ ፈስቲቫል’ዚ፡ ኣብ ኣኼባታትና ይኹን ኣብ ዕላላትና ክንዛረበሉን ክንመያየጠሉን ዘሎና ኣገዳሲ እዋናዊ ዛዕባ እዚ ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን
ብሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ብኣስላጥነት/ብመንጐኝነት ናይ መድረኽ ንሃገራዊ ልዝብ እተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሓቢሮም ንኽስርሑ ባይታ ዝመድመደ ጽቡቕ ጅማሮ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተጋህዱ ሕጽረታት ኣሪሙ፡ ኵሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝሳተፍሉ ካልኣይ ዋዕላ ኣብ ምድላው ይርከብ ኣሎ። ሰዲህኤ፡ ነዚ ዋዕላ’ዚ ንምዕዋት ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቃል ክኣቱ ይፈቱ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ንጠንቅታትን መፍትሕታትን ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ሰፊኑ ዝርከብ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ዝድህስስ ምሁራትን ክኢላታትን ዝተሓወስዎ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዋዕላ ካብ 10-13 ነሓሰ 2016 ከካይዱ ቀንዩ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ዎርክሾፕ ንተኻፈልቲ ፈስቲቫል 2016 ሓበሬታ ንምሃብ ድማ፡ እቶም ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ምሁራትን ክኢላታትን ዝርከብዎ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ተዳልይልኩም ከምዘሎ ክሕብር እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ንሰዲህኤ ማእከላይ ዕላማኡ ኢዩ። ነዚ ሓድነት’ዚ ንምብትታን ዝግበር ፈተነታት ድማ ብትሪ ይዅንን ይቃለስን። ከም’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳዊ መግዛእትን ሓደ ኢድ ኰይኑ ተታሓሒዙ ዝሰዓሮ፡ ሕጂ እውን ሓቢሩን ተወዲቡን እንተደኣ ተቓሊሱ ንምልኪ ከምዝስዕሮ ጥርጥር የብልናን። ህዝብና ሓቢሩ ንኸይቃለስ፡ ከይውደብ ዝዓለሙ ብስውርን ግሁድን ኣገባባት ጽዑቓት ወፈራታት ይካየዱ ምህላዎም ክንግንዘብ የድልየና ኢዩ። ተወዲቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ብምቍንጻብ፡ ኣብ መንጐ ዓበይትን መንእሰያትን፡ ኣብ መንጐ ኣውራጃታት፡ ብሄራትን ሃይማኖታትን ነቕዓት ብምፍጣር፡ ህዝቢ ከይእከብን ከይውደብን ለይትን ቀትርን ዝሰርሑ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ምህላዎም ተገንዚብና ብትርን ብብቕዓትን ክንምክቶም ኣሎና። ሎሚ ቃልስና ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደኣ’ምበር፡ ኣንጻር ሕድሕድና ኣይኰነን።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ዕድመ ምልኪ ንምሕጻር፡ ነፍስወከፍ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ ዝኣመነሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ተወዲቡ ክቃለስ መጸዋዕታና ነቕርብ።
ፍትሕን ዲሞክራስን ይዓምር!! ሓይልታት ምልኪ ይሸምረር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ፈስቲቫል 2016
12-14 ነሓሰ 2016
ጉባአ ጨንፈር
ብዕለት 21.08.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ሳልሳይ ጉባአኡ ኣካይዱ። ጉባአ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ሰናይ ምንዮትን እዩ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ተኸፊቱ። ብቐዳምነት ምልኣተ ጉባአ ተረጋጊጹ። ቀጺሉ ድማ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ዕላማ ጉባአ ተገሊጹ። ኣብ መግለጺኡ፥ ‘‘ ንሕና ከም ሰልፊ ዲ ክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉባአታትናን ሰሚናራትናን ፈስቲቫላትናን ከምኡ‘ውን እነካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታትን መግለጺ ናይ ግሉጽነትናን፥ ዕላማናን መርገጻትናን ድማ ንህዝብናን ንዓለምናን እነነጽረሎም ንጥፈታትና እዮም፤ ከምኡ‘ውን ጉባአታትና ንውሽጣዊ ኣሰራርሓናን ንጥፈታትናን ከነጽፍፍ ይሕግዙና ” ድሕሪ ምባል ኣጀንዳታት ጉባአ ኣንቢቡ።

ኣጀንዳታት ጉባአ ድማ ፡-
1) ጸብጻብ ናይ ዝጸንሐት ሽማግለ ምስማዕ፤
2) ሕቶታትን ገምጋምን ናይ ዝተሰላሰሉ ስራሓት፤
3) ኣምራጺት ሽማግለ ምምራጽ፤
4) ሓዳስ ሽማግለ ምምራጽ፤
5) ለበዋታትን ርእይቶታትን፡ እዮም ኔሮም።
ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ናይ ዝሓለፉ ንጥፈታት ናይ ጨንፈር ማለት ሓፈሻውን ገንዘባውን ናይ ተቖጻጻርን ጸብጻባት ቀሪቦም። ጉባአኛ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ጨንፈርና ዘካየዶም ኣወንታዊ ንጥፈታት ኣሞጒሱ፡ ዝነበሩ ጉድለታትን ጌጋታትን ብምጽብጻብ ድማ መአረምታ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ብምቕራብ፡ እታ እትምረጽ ሓዳስ ሽማግለ ብጽፈት ስራሓታ ከተካይድ ዝሕግዙ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ።
ጉባአኛ ብዝያዳ ዘሞጎሶም ንጥፈታት ድማ፡-
- ኣባላት ጨንፈርና ኣብቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ጀነቫ፡ ፍራንክፎርት፡ ጊሰን ... ወዘተ ዘርእይዎ ዝነበሩ ልሉይን ንጡፍን ተሳትፎታትን፤
- ኣብቲ ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብምጥርናፍ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሓባር ህዝባዊ በዓላትን (ከም በዓል ነጻነት፡ በዓል ተጎሩባ፡ በዓል ደቀንስትዮ ዓለም ወዘተ ...) ናይ ምጥርናፍ ኣኼባታትን ምርድድኣትን፤
- ሰልፍና ዘርእዮ ዘሎ ምስ ካልኦት ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ምቅርራብን፤
- ኩሉ ኣባል ሰልፍና ዓመታዊ ፈስቲቫልና ንምዕዋቱ ዘርኣዮ ኩሉ ናይ ጉልበትን ገንዘብን ኣበርክቶታትን፤
- ኣባላት ሰልፊ ግሩነን (ሓምላይ ሰልፊ) ጀርመን ጀርመን ኣብ ጐኒ ስደተኛታት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእ ቦታታትን ዘርኣይዎ ምትሕብባርን፤ ኔሮም።
መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ ብወገኑ፡ ንሕና መንእሰያት ነቲ ኣቦታትናን ኣያታትናን ንነዊሕ ዓመታት ተቓሊሶምን ተሰዊኦምን ሰንኪሎምን ዘጽንሑልና ነጻነት ክንዕቅቦን ክንሕልዎን፡ ነቲ ዘጽንሑልና ቃልሲ ወሪስና ድማ ነዚ ንህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ንዓና መንእሰያት‘ውን ክንምዕብለሉ ዝግበኣና ዕድሜና ብከንቱ ዘጥፍኦ ዘሎ ግፍዐኛ ስርዓት ብትሪ ክንምክቶ ሓላፍነትና እዩ ብምባል ሰፊሕ ናይ ምትብባዕን ምንቕቓሕን ምግለጺ ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ንክልተ ዓመት ንጨንፈር እትመርሕ ሓዳስ ሽማግለ ብምምራጽን ለበዋታት ብምምሕላልፍን ጉባአ ብዝክረ-ሰማእታት ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ. ተዛዚሙ።
Frankfurt, Germany
10 August 2016
ብኣምባሳደር ዶክተር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ
ክቡራን ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን
ኣቐዲመ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ከቕርብ እፈቱ። ኣስዒበ፡ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ ብምውዳብ፡ ነዚ ደሞክራስያዊ ምትእኽኻብ’ዚ ክዉን ብምግባሩ፡ አመጕስ። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ምሳኹም ክሳተፍ ዕድል ብምርካበይ ዓቢ ደስታ እስመዓኒ። ስለ’ቲ ዚቐረበለይ ዕድመ ድማ፡ ብልቢ አመስግን።
ኣብዚ፡ ኣብ ትሕቲ ህንጸት ምትእምማን ብዚብል ቴማ ዚተዳለወ ኣገዳሲ ዓውደ መጽናዕቲ’ዚ፡ ብዛዕባ ዕርቂ እየ ክዛረብ። ዕርቂ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ምትእምማን ኢዩ። ነዚ ናይ መእተዊ ዘረባይ፡ ብዛዕባ ትርጉም ዕርቂ ሓጺር መግለጺ ብምሃብ ክጅምሮ እየ። ኣስዒበ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዕርቂ ኣብ ህሉው ኵነታት ሃገርና ኤርትራ ክዛረብ’የ። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ዕርቂ ንምስፋን ዘካይዶ ጻዕሪ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ’የ።

1. ትርጉም ዕርቂ
በቲ ዚሓጸረ ትርጉሙ፡ ዕርቂ ባእሲ ወይ ጽልኢ ምውጋን ማለት ኢዩ። ንክልተ ብኡሳት ሰባት፡ ጉጅለታት፡ ውድባት፡ ሃገራት፡ ወዘተ.፡ ምትዕራቕ ወይ ናብ ንቡር፡ ዕርክነታዊ ዝምድና ምምላስ ማለት’ዩ። ኣብ መንጎ ሓዳር፡ ውሽጢሓንቲ ስድራቤት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ማሕበር፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ወይ ኣብ መንጎ ክልተ ማሕበራት፡ ክልተ ሰልፍታት፡ ክልተ ሃገራት፣ ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ተጻራሪ መርገጺታት፡ ተገራጫዊ ኣረኣእያታት ኣብ ዚህልወሉ፣ ዕርቂ ኪግበር ይከኣል። ዕርቂ፡ ምቍራጽ ባእሲ፡ ምውጋን ፍልልያት ወይ ምምላስ ናብ ንቡር ዝምድናታት የምልክት።
ቃል ብቓሉ፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ነገራት፡ ሰባት፡ ሃገራት፡ ሓሳባት፡ ስኒት ወይ ስምምዕ ምፍጣር ማለት ኢዩ። በቲ ፖለቲካዊ መዳዩ እንተወሰድናዮ ድማ፡ ኣብ ፍልልያት ናይ ኣተሓሳስባ፡ ኣረኣእያ፡ መርገጺ፡ ንዚምርኰስ ጽልኢ ኣሊኻ፣ ናብ ንቡር ዝምድናታት ብምምላስ፡ ዋላ ኣብ ኵሉ ጕዳያት ኣይትሰማማዕ፣ በቲ ዚተሓተ ናይ ሓባር ረቛሒ፡ ማለት በቲ ዘሰማማዓካ ነጥብታት፡ ምእንቲ ናይ ሓባር ዕላማ፡ ዓቕምታትካ ኣወሃሂድካ ንምስራሕ ምስምማዕ ማለት’ዩ።
ብመልክዕ’ዚ ኣጠማምታ’ዚ፡ ዕርቂ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ሓሳባት፡ እምነታት፡ ኵነታት ብመንገዲ ልዝብ ባእሲ ኣደቂስካ፡ ንጽልኢ ብስኒት ምትካእ ማለት ኢዩ። ዕርቂ ብዕዉት መደምደምታ ኪወጽእ ድማ፡ ፖለቲካዊ ድሌት ይሓትት። እቶም ተዋሳእቲ፡ ንዅሉ’ቲ ዘሰሓሕቦም ጕዳያት ንምፍታሕ፡ ኣብ መኣዲ ልዝብ ቀሪቦም፡ ገጽ ንገጽ ብምዝርራብ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ንምብጻሕ ድሉዋት ኪዀኑ የድሊ።

ኣብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ኣብ ክፍለ-ዓለምና ድማ ብፍላይ፡ እቲ ከምቲ ዚዓበየ ዘመናዊ ፍጻሜ ናይ ዕርቂ ዚጥቀስ ኣብነት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ኣብ 1994 ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብቂዑ፡ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተተክአ፡ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ቈይማ ከም ዝነበረት ኵላትና ንዝክር። ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ውጽኢታት ስራሕ ናይታ ኮሚሽን፡ መዓልቲ ዕርቂ (Day of Reconciliation) ዚበሃል ሃገራዊ በዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ምእማም ነይሩ። በዚ መሰረት’ዚ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 16 ታሕሳስ ከም ሃገራዊ በዓል፡ በብዓመቱ ንዅሉ ግዜ ኪትኽበር ወሲኑ። ይዅን’ምበር፡ 16 ታሕሳስ ንመጀመርያ እዋን ኣይኰነን ከም ሃገራዊ በዓል ኪትኽበር ጀሚራ። ከም ሃገራዊ በዓል ነዊሕ ታሪኽ ጸኒሑዋ ኢዩ። ምናልባት ብዙሓት ነቲ ታሪኽ ትፈልጡዎ ትዀኑ። ናይ ሓባር መረዳእታ መታን ኪህልወና ግን፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣበጋግሳ መዓልቲ ዕርቂ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘረባይ ኣመግየ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገክጽ እየ።
ኣብ ትሕቲ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ 16 ታሕሳስ ካብ 1838 ኣትሒዙ፡ ከም ሃገራዊ በዓል ትኽበር ነይራ። ስለምንታይ፧
ኣብ 1838፡ ውግእ ፈልግ ንኮመ (Ncome River) ተኻይዱ። ኣብቲ ውግእ’ቲ፡ 464 ወረርቲ ኣፍሪካነርስ ወይ ባወርስ (Afrikaners/Boers) ኣንጻር ልዕሊ10,000 ተዋጋእቲ ዙሉ (Zulu warriors) ገጢሞም። ውጽኢቱ፡- ዝያዳ 3,000 ዙሉ ተቐቲሎም፡ 3 ባወርስ ቈሲሎም። እቲ ሬሳታት ኣብቲ ፈለግ ዛሕ ኢሉ፡ ንሕብሪ ናይቲ ውሕጅ ስለዚቐየሮ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ፈለግ ንኮመ፡ ፈለግ ደም ተሰይሙ። መሬት ዙሉ ብኣፍሪካነርስ ተታሒዙ። እቶም ኣፍሪካነርስ ኣብቲ ውግእ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንእግዚኣብሄሮም ብምምህላል መብጽዓ ኣትዮምሉ ነይሮም። ኣብቲ ውግእ እንድሕሪ ስዒሮም፡ ኣብታ ቦታ ከም መዘከርታ እተገልግል ቤተ-ክርስትያን ኪሰርሑ፡ ነታ ዕለት’ቲኣ ድማ ዓመት-ንዓመት ብወግዒ ከብዕሉዋ ምዃኖም። ከምታ ዚኣተዉዎ መብጽዓ ድማ፡ ካብ 1838 ክሳብ 1994፡ 16 ታሕሳስ፡ ከም መዓልቲ መብጽዓ፡ ከም መዓልቲ ምስጋና (Day of Vow or Day of Thanksgiving)፡ ን156 ዓመታት ተኸቢራ።

16 ታሕሳስ 1838፡ ነቶም ባወርስ መዓልቲ ዓወት፡ ትእምርቲ ሓበን፣ ነቶም ዙሉ ግን መዓልቲ ስዕረት፡ ትእምርቲ ውርደት; ትእምርቲ ምሕዳግ ወይ ምዝራፍ መሬቶም፡ ኢያ ነይራ። ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ድማ፡ ዓወት መግዛእታዊ ወራር፡ ስዕረት ሃገራዊ ተቓውሞ ተመልክት። ደበስ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምብሳር፡ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጕባኤ (African National Congress) ኣብ 16 ትእሕሳስ 1961 ስርዓት ኣፓርታይድ ንምእላይ፡ ብረታዊ ተቓውሞ ኣበጊሱ። እቲ ወግዓዊ ማዕርነት ኵሎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቅዋም ዚኣወጀ ሓድሽ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ንእማመ ኮሚሽን ሓቅን ዕርቅን ብምጽዳቕ፡ 15 ታሕሳስ መዓልቲ ዕርቂ ኪትከውን ወሲኑ፡ ዛጊት ን12 ዓመታት ዓመት-ዓመት ኪትበዓል ጸኒሓ።
ብኸምዚ ድማ፡ እታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣፓርታይድ ንመብዛሕትኦም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ግናይ መዘከርታ ስዕረትን ውርደትን ትበዓል ዚነበረት ዕለት፡ ኣብ ደሞክራስያዊት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዚተኻየደ መስርሕ፡ ዛጊት ተዓዊቱ ዶ ኣሎ ኣይተዓወተን ብዘየገድስ፡ ሓድሽ መንፈስ ናይ ዕርቂ ከስፍን ሓሊኑ። በዚ መሰረት ድማ፡ 16 ታሕሳስ ከም ናይ ሓባር ሰናይ ትእምርቲ ዕርቅን ሃረርታ ሃገራዊ ንሓድነትን ዓሌታዊ ስኒትን ትኽበር ኣላ። ንሕና ካብዚ ተመክሮ’ዚ እንታይ ምህሮ ንቐስም፧ ነናይ ገዛእ ርእስና መደምደምታ ክንግበር ንኽእል። ብውሑዱ ግን፡ ዕርቂ ኣብ ፍትሒ ኪምስረት ከም ዚግባእ፣ ገበን ዚፈጸመ፡ ብጭብጢ ምስ ዚረጋገጽ፡ ፍርዱ ከልዕል፡ ኪናሳሕ፡ ኪኽሕስ፡ እቕሬታ ኪሓትት፣ ዚተበደለ ፍትሒ ኪረክብ፡ ኪከሓስ፡ ምሕረት ኪገብር፣ ኣድላዪ ምዃኑ ክንግንዘብ፡ የድሊ። ዕርቂ ዚዕላምኡ፡ ፍትሒ ዘመሓድር ፍርዳዊ መስርሕ ድማ፡ ኣራምን መሃርን’ምበር፡ ቅርሕንቲ ንምውጻእ ዚካየድ ፈዳይ ሕነን ቀጻዕን ኪኸውን ኣይግባእን።

ዕርቂ ኣብ ህሉው ኵነት ኤርትራዊ ዳያስፖራ
ኣብዚ ብዛዕባ ዕርቂ ክንዛረብ እንከሎና፡ ብደረጃ ሃገር፡ ብደረጃ ውድባት፡ ብደረጃ ሓፈሻዊ ፖለቲካ ኣልዒልና ክንዝቲ ንኽእል ኢና። ይዅን’ምበር፡ ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዕርቂ ኣብ ዳያስፖራ ኣተኲረ እየ ክዛረብ።
ዚተፈላለዩ ኣሃዛዊ ግምታት፡ ሎሚ ኣስታት ሓደ ርብዒ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ስደት ወይ ኣብ ዳያስፖራ ከም ዚነብር ይሕብሩ። መብዛሕትኡ ድማ፡ ብጕዳይ ሃገሩ ሕሙም፡ ብኵነታት ህዝቡ ሕዙን፡ ብድሌቱ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሕቡር ኢዩ። ይዅን’ምበር፡ ዛጊት፡ ሓድሕዳዊ ዝምድናታቱ ኰነ ፖለቲካዊ ንጥፈታቱ ብስኒት፣ ኣተሓሕዛኡ ንፍልልያት ኣረኣእያ ኰነ መርገጺ፡ ብሓድሕዳዊ ምክብባርን ምጽውዋርን ዚልለ ኣይኰነን።
መብዛሕትኡ (the silent majority) ኣብ ገዛእ ጕዳዩ፡ ኣብ ውራይ ሃገሩ ዳርጋ ተዓዛቢ ኰይኑ ጸኒሑ። እቲ ኣዝዩ ውሑድ፡ ኣብ መንጎ ደጋፍን ተቓዋምን ምልካዊ ስርዓት ተመቓቒሉ ንጡፍ ተራ ኪጻወት ጸኒሑ። ንግዜኡ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ተዓዛብን ደጋፊ ምልካዊ ስርዓትን ኰይኑ ዚጸንሐ ንጐድኒ ገዲፍና፡ ንኵነታት ናይቲ ተቓዋሚ ወገን ንመርምር። እቲ ምርምር መታን ኪቐለልና፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዜናዊ ማዕከት ነጻጺልና ክንርእዮ ንፈትን። ከመይ ዚኣመሰለ ስእሊ ንረክብ፧ በብመዳዩ ተሳንዩ፡ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ብናይ ሓባር ራእይ ንናይ ሓባር ዕላማ ዚሰርሕ ወይስ ንሓድሕዱ እናተጠቓቐዐ፡ ጐድናዊ ፖለቲካዊ ቍርቍስ እናካየደ ብተናጸል ዚሰርሕ፧
ኤርትራዊ ፖለቲካ ዳያስፖራ፡ ብብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዜናዊ ማዕከናት ኢዩ ዚልለ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ኰነ ዜናዊ ማዕከናት፣ ኣብ ክንዲ ብተናጸል፡ ኣብ ብውልቃዊ ቅርሕንቲ ዚድፋእ፡ ፍረ-ኣልቦ ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ምጥቕቓንን፡ ናብ ናይ ሓባር ዕላማ ዚቐንዐ፡ ኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ፤ ኪብገሱ ይግባእ። ምስቲ ኵሉ ፍልልያቱን ከሰንዮ ዚጸንሐ ሓድሕዳዊ ቍርቍስን ምጽልላምን፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምቅላዕን ንቑሕ ሃገራዊ ተቓውሞ ኣብ ምዅስኳስን፡ ዛጊት ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ። እዚ ዅሉ ግን እኹል ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ እቲ ቀንዲ ዕላማ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ደሞክራስያዊ መተካእታ ምምጻእ ስለዚዀነ።
ምልካዊ ስርዓት ቀይሩ፡ ብቅዋም እትመሓደር፡ ንዅሎም ዜጋታታ ማዕረ ናጽነታት፡ ማዕረ መሰላት፡ ማዕረ ዕድላት እተረጋግጽ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምምስራት ዘኽእል ኣድማዒ ምጥራይ ዕርቂ ይሓትት። ዕርቂ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ዕርቂ ኣብ መንጎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፧ ዕርቂ ኣብ መንጎ ዜናዊ ማዕከናት። ከም ውጽኢት ናይዚ ዕርቅታት’ዚ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ውህደት ሓባራዊ ጻዕሪ ናይ ኵሉ ተዋህሊሉ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚካየድ ቃልሲ መላእ ህዝብና ተደሚሩ፡ ናብታ ኵላትና ሃረር እንብላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ከብጽሓና ይኽእል።

እቲ ስዒቡ ዚለዓል ሕቶ፡ ዕርቂ ብኸመይ ኣገባብ፡ በየናይ መንገዲ ዚብል ኢዩ።
-
ጻዕሪ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንዕርቂ ኣብ አርትራዊ ዳያስፖራ
እቲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ጀሚሩዎ ዘሎ መስርሕ ምህናጽ ጥርኑፍ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት፡ ኣብ ናይ ሓባር ራእይ ዚተመስረተ ናይ ሓባር ሸቶ ንምውቃዕ ተበጊስና፣ ብናይ ሓባር ዋንነትን ጻዕርን ተበጊስና እንተድኣ ሰሪሕና፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ብዚሰለጠ መንገዲ፡ ዓወትና ከነረጋግጽ ዚከኣል እመስለኒ።
-
ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እታ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዚተኻየደ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ዚቘመት Ad-Hoc Contact Group፡ ዅለን ፖለቲካዊ ውድባት፡ እንተላይ እተን ብዚተፈላለየ ምኽንያታት፡ ኣብቲ ዋዕላ ዘይተሳተፋ፡ ዚሓቍፍ፡ ዳግማይ ዋዕላ ሃገራዊ ምምኽኻር ንምስልሳል ምድላዋቱ ኣብ ምጽፋፍ ይርከብ። ኵሉ’ቲ ኣድላዪ ተክኒካዊ ምቅርራብ ምስ ተማልአ ድማ፡ ኣብ ዚሓጸረ እዋን ኪጋባእ ኢዩ። ስዒቡ፡ ንተመሳሳሊ ዕላማ ናይ ዕርቂ ምስፋንን፡ ብዚሓሸ ጥርናፈ፡ ዚተወሃሃደ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንምክያድን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡-
-
ዓውደ-መጽናዕቲ በርጌሳዊ ማሕበራት፣
-
ዓውደ-መጽናዕቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣
-
ዓውደ-መጽናዕቲ ዜናዊ ማዕከናት፣
-
ሓባራዊ ዋዕላ ናይ ኵሉ ፕሮ-ደሞክራስያዊ ሓይልታት፣
በብምድቡ ኪከየድ መደባት ተታሒዙ ኣሎ። እዋኑ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ኣብ ግዜኡ ኪሕበርን ኪሰላሰልን ኢዩ።
ጽን ኢልኩም ስለዝሰማዕኩምኒ አመስግን!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ኣብ ዋዕላ ምህናጽ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝቐረበ መደረ
10-12 ነሓሰ 2016
ፍራንክፈርት፡ ጀርመን
ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካሊፎርኒያ ዝነብር ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እየ።
ክቡር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መግስተኣብ ኣስመሮም
ክቡራት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክቡራት ወከልቲ ዕዱማት ውድባት
ክቡራት ኣቕረብቲ መጽናዕቲን ተሳተፍቲ ዋዕላ ብሓፈሻን
ኣቐዲመ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዘተ ተረዲኡ ነዚ ኮንፈረስ‘ዚ ከዳሉ ምብቅዑ ከሞግሶ እደሊ። ቀጺለ ኣብ‘ዚ ኮንፈረንስ‘ዚ ተረኺበ ኣስተዋጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃበኒ ብልቢ አመስግን። ዕዉት ዋዕላ ክኾነልና ድማ እምነ። ምልኪ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ እንከሎ፣ ሓይሊ ተቓውሞ ተጠርኒፍና ፍትሓዊ ስርዓት ክንተክል ካብ ዘየኽእሉና ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያታት ሓደ ኣብ መንጎና ምትእምማን ዘይምህላዉ እዩ። እሞ እዚ ዋዕላ‘ዚ „ዋዕላ ምህናጽ ሓድሕዳዊ ምትእምማን“ ብዝብል ኣርእስቲ ምክያዱ ለባም ውሳኔ እዩ።
ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ „ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ“ ዝብል እዩ።

ኩልና ከምእንፈልጦ እዚ ኣርእስቲ‘ዚ ኣዝዩ ዓቢ ከምምዃኑ መጠን፡ ብዙሕ ክዝረበሉ ይኽእል‘ዩ። ብዝተኻእለ መጠን ኣሕጽር ኣቢለ መበገሲ ምይይጥ ክኾነና ይኽእል ዝበልኩዎ ከቕርብ‘የ።
ብቐዳምነት ስለምንታይ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ሰፊኑ ይርከብ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክንዛረብ ምትእምማን እንታይ ማለት‘ዩ ክንብል የድልየና።
ሚርያም ወብስተር መዝገበ ቃላት ንእምነት
Trust is assured reliance on the character, ability, strength or truth of someone or something. ማለት ኣብ ጠባይ ክእለት ሓይሊ ወይ ሓቅነት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ምሉእ እምነት ምንባር ክብል ይገልጾ።
ምትእማምን ክህሉ ይኹን ንኸይህሉ፡ ብናይ ደገን ውሽጥን ረቋሒታት ዝግዛእ‘ዩ። ኣብ ኩነታትና እንተተመልከትና‘ውን፡ ክልቲኡ ረቋሒታት ብብሩህ ንርእዮ።
ግዳማዊ ረቋሒ፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ተቓውሞ ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ጸለመ ወፈራ እዩ። እዚ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሎም መለኽቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ‘ዩ። ንዓመታት እዚኦም ኣይጠቕሙን‘ዮም፣ ከዳዓት‘ዮም ዝተበሃልናዮ፣ ህዝብና ኣብ ልዕሌና እምነት ከምዘጉድል ጌሩዎ‘ዩ።

ውሽጣዊ ረቋሒታት ብዙሕ ጨናፍራት ኣለዎ። ገለ ነጥብታት ክጠቅስ
-
ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራትና፡ ነቲ ብጸላእትና ኣብ ልዕሌና ዝተኻየደ ጸለመ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ተቕቢልና ምቅልሑ እዩ። እቲ መላኺ ስርዓት ኣይጥቕሙን‘ዮም ይብለና፡ ንሕና ድማ ኣይንጠቅምን ኢና ክንብል ንውዕል። ኣብ ክንዲ ክንጥርነፍ ንኽእል ኢና ኢልና ንብገስ፡ ኣይንኽእልን ኢና ብምባል ንጅምር። እቲ ጸገም ንዓቒ ክንዕቕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም እቲ ዝነዓቕ ክቕበሎ ከሎ እዩ። ኤለኖር ሮዘቨልት ዝበለቶ ውሩይ ጥቕሲ ኣሎ። „No one can make you feel inferrior without your consent“ ማለት ብዘይ ስምምዕካ ትሑት ዝገብረካ የሎን ትብል። ካልእ‘ውን፡ ኣቦና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ኢሎሞ ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ። ንሱ ድማ „ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና“ ዝብል‘ዩ። ከም ዝዝንቶ፡ ኣብ ዋዕላ ቤትጊዮርጊስ ከምኡ ክብሉ ከለዉ፡ ጓሂኦም ክገልጹ ዝበሉዎ‘ምበር፤ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንዘልኣለም ክንሰማማዕ ኣይንኽእልን ኢና ማለቶም ኣይነበረን። ምስ ግዜ ምንዋሕ ግን፡ እቲ ዘበገሶም ምኽንያት ተረሲዑ ኣሉታዊ ትርጉም ሒዙ ከይዱ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓይሊ ተቓውሞና ንምጥርናፍ ኣብ እንካይዶ ዘሎና ቓልሲ፡ እዚ ትርጉሙ ዝቐየረ ኣበሃህላ‘ዚ ኣዝዩ ጎዳኢ ይኸውን ኣሎ። እምበኣር ቅድሚ ኵሉ ኣተሓሳስባና ከነመዓራሪ ንኽእል ኢና ብምባል ክንብገስ የድልየና። ትሒቱ ወይ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ነብሰ ተኣማምነትና ክብ ክነብል ቅጽበታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ክንጥርነፍ ዓቕሚ ከምዘሎና ምእማን የድሊ።
-
ኣብ ሕሉፍ ምንባር፡- ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምስ ኩነታት መርገጻት ክቀያየር ንቡር‘ዩ። ኣብ ተመኩሮና ግን፡ ምስ ሓድሽ ኩነታት ንኽንጉዓዝ ኣረኣእያና ክንቅይር ንጽገም። ሓድሽ መድረኽ፡ ሓድሽ ዝምድናታት እዩ ዝፈጥር። ኣብ ሓደ መድረኽ ኣንጻር ዝነበረ ሓይልታት፡ ኣብቲ ዝስዕብ መድረኽ ክራኸብ ይኽእል። ብመጠኑ ሓይልታት ተቕዉሞና ሓድሽ ዝምድናታት ክፈጥሩ ፈቲኖም‘ዮም። ግን እቲ ኣተሓሳስባ ስለዘይቅየር እቲ ዝፍጠር ሓድሽ ዝምድናታት ነዊሕ ከይከደ ይፍንጣሕ። ፖለቲካን ቂምን መኻይዲ ኣይኮኑን። ኣባና ግን፡ ኣብ ሕሉፍ ስለእንነብር ቂምን ቅርሕንትን ሒዝና ኣብ ውዕላት ስለንኣቱ እዩ ዘይቕጽል። ኣይተበድልናን ማለት ኣይኮነን። ቂምን ቅርሕንትን ሒዝና ምንባር ግን ንቕድሚት ዘየሰጉም ናይ ሓንጎል መቑሕ ምኻኑ ተረዲእና ሓዳጋት ክንከውን ይግባእ። ሕድገት ነቲ ዝሕደገሉ ዘሎ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝሓድግ ዘሎ እዩ፡ ካብ ናይ ሓንጎል መቑሕ ሓራ ዘውጽእ። እቲ ናይ ልሳን መቑሕ ዝሰበርናዮ ንመስል። ሎሚ ኩሉ‘ቲ ክንገብሮ ዘድልየና ንብሎ ኣሎና። ናብ ተግባር ክንሰጋገር ግን ካብ‘ቲ ናይ ሓንጎል መቑሕ ኮይኑ ኣሲሩና ዘሎ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክንላቐቕ የድልየና።
-
ቅድመ ፍርዲ ምሃብ፡- እዚ‘ውን ሓደ ካብቲ ዓቢ ሽግራትና እዩ። ዉልቀ ሰብ ይኹን ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ከይተዛረበ ኣቐዲምና ንፈርዶ። መብዛሕቲኡ ሰብ ኣብ ኣኼባታት ክኸይድ ከሎ፡ ክሰምዕ ዘይኮነ ክምክት ወይ ክጻረር እዩ ዝመጽእ። ንባዕሉ እቲ ቋንቋ እንጥቀመሉ‘ውን ዘለፋ ዝመልኦ ኮይኑ፡ ንዘተን ምቅርራብን ዝዕድም ኣይኮነን። ነዚ ዝገልጽ ካብ ተመኩሮና ክጠቅስ እደሊ። ድሕሪ‘ቲ ናይ 1981 ኲናት ሓድሕድ ኣብ ኮሮኮን ምስኣቶና፡ ዶር ሃብተ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣነ‘ኳ ኣይተሳተፍኩዎን ግን፡ ኣብ‘ቲ ከባቢ ነይረ ከምዝሰማዕኩዎ፡ ዶር ሃብተ ኣኼባኡ ወዲኡ ኣብ ሕቶን መልስን ምስተኣትወ፡ ናህሪ ብዝነበሮ ብዙሓት ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም። ክልተ ብሓንሳብ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ኣባላት ናይ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ዝኸደ ምፍንጫል ነንበይኑ መርገጻት ዝወሰዱ፡ ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም። ዶር ሃብተ ነቲ ሓደ ንስኻ ኢሉ ክዛረብ ዕድል እንተሃቦ፡ ቅድም ንሱ ይዛረብ ኢሉ መሊሱሉ። እዚ ኣንታይ እዩ ዘርእየና፡ እቲ ብጻዩ ካብ ናቱ ዝተፈልየ መርገጽ ስለዝነበሮ፡ ከይተዛረበ እንከሎ ክቃወሞ ምውሳኑ እዩ። ከይሰምዖ እንከሎ ቅድመ ፍርዲ ብምሃብ ክቃወሞ ወሲኑ።

እቲ ናይ ሃዲእካ ምምይያጥን ሽግርካ ምፍታሕን ባህልና ናበይ ከይዱ? ወለድና ዋላ ነንበይኑ ርእይቶ እንተነበሮም „ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር ትጋገዩ ኣለኹም“ ወይ „ለባም ከምዚ ከማኹም፡ ትሕሽዎ ደኣ“ እናበሉ ዶ ኣይኮኑን ዝካትዑ ዝነበሩ? ናበይ ከይዱ እዚ ባህሊ‘ዚ ኢለ ክሓስብ ከለኹ፡ ቀንዲ ካብ‘ቲ ምኽንያታት እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና ዘእተናዮ „ሰውራዊ ባህሊ“ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልኩም። ብ1978 ዓ. ም. ፈ. ምስ ሓንቲ ብጸይተይ ናብ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንኣቱ ኔርና። ኣብኡ ትፈልጡዎም ትኾኑ ኣቦይ ኣብርሃ ዝበሃሉ ተቓላሳይ ኔሮም። ሓደ ማንጆስ ንብሎ ከኣ ወዲ 15 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ኔሩ። ናብ‘ቲ መደበር እና ኣቶና „ኣብርሃ ተራኻ‘ዩ ማይ ውረድ ክብሎም ሰሚዕና“። ብጣዕሚ ሰንቢድና ከመይልካ ከምዚ ትብሎም? ኣቦኻ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብሓጎኻ ክኾኑ ይኽእሉንድዮም ንብሎሞ „ክሊ ግደፍና። ዴስነት እኳ‘ዩ። ኩልና ሓደ ኢና“ ክብል መሊሱልና። ብዙሕ ኣብነታት ክጠቅስ ምኸኣልኩ። ከይነውሓና ግን ክገድፎ‘የ። እቲ „ሰውራዊ ባህሊ“ ዝበሃል ነቲ ክቡር ባህልና ኣብ ምጥፋእ ዓቢ ግደ ነይሩዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
-
ርእይቶ ናይ ምቕያር መሰል ዘይምሕላው፡- ምዕብልና ርእይቶ ብምቕያር‘ዩ ዝምዝገብ። ዓለምና ኣብዚ ዘላቶ ምዕብልና ዝበጽሐት፡ ሓድሽ ምህዞታትን ሓሳባትን እናተቐበለት‘ዩ። ደቂ-ሰባት ብባህርያትና ሓድሽ ሓስባት ናይ ዘይምቕባል ጸገም (Resistance to change) ኣሎና። እዚ ድማ እንፈልጦን ዝለመድናዮን ስለዝቐለልና‘ዩ። ዓለምና‘ውን ለውጢ ብቐሊሉ ናይ ዘይምቕባል ጸገም የብላን ማለት ኣይኮነን። ጋሊለዮ ዝተባህለ ፈላስፋ ሓደስቲ ሓሳባት ምስኣቕረበ፡ ኣብ 1633 ብሮማውያን ተኾኒኑ፡ መጻሕፍቱ ከይንበብ ተወጊዱ ክሳብ ግዜ ሞቱ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ‘ዩ ሓሊፉዎ። ድሕሪ ዓመታት ግን፡ ዓለም ናይ ጋሊለዮ ሓሳባት ተቐቢላ፡ ኣብ‘ዚ ዘላቶ ስልጣኔ ክትበጽሕ ክኢላ።
-
ዋጋ ዕዳጋ ምግባር ከም ስንፍና ምርኣይ፡- ደቂ-ሰባት ዝተፋላለየ ርእይቶታት ክህልወና ባርያዊ እዩ። ኣብ ዕጹው መንገዲ ምስዝብጻሕ ግን ዋጋ ዕዳጋ ምግባር‘ዩ መንገዲ ዘቐጽል። ሓደ ኣብነት ካብ ታሪኽ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክጠቅስ። ጊላነት ንምድምሳስ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቓልሲ፡ እቶም ጸሊም ምሉእ ሰብ ኣይኮነን ዝብሉን ምሉእ ሰብ እዩ ዝብሉን ምስተፋጠጡ፡ ዋጋ ዕዳጋ ጌሮም። ጸሊም፡ 3/5 ማለት ሰለስተ ሕምሲት ኣይ ሰብን እዩ ኣብዝብል ተሰማሚዖም። ድሒሮም፡ ንጸሊም ከም ምሉእ ሰብ ዝቕበል ሕጊ ኣጽዲቖም። እቲ ዋጋ ዕዳጋ ዝገበርዎ መስጋገሪ ኮይኑ። ናይ እንግሊዝኛ ምስላ „ኣብ ፍርቂ መንገዲ ጽንሓኒ“ (Meet me half way) ዝብል ኣሎ። እዚ ንፍትሓዊ ቓልሲ ሕብረተሰባት ኣብ ዓወት ዘብጽሕ ዓቢ መሳርሒ እዩ። ኣብ ኩነታትና ግን፡ ንዋጋ ዕዳጋ ከም ተምበርካኽነት ንርእዮ። ውድባት ንዘተ ክእትዋ ከለዋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ መደባተን ክዕውታ ይኸዳ። መብዛሕተአን ብኸምኡ ስለዝመጻ ኸኣ ንሓድነት ንገብሮ ፈተነታት ኣይዕወትን። ምእንቲ ህዝብና ክነድሕን፡ ቀዳምነታት ሰሪዐን ዋጋ ዕዳጋ ጌረን ንቕድሚት ከሰጉማና ህጹጽ ተደላይነት ኣለዎ። ዋጋ ዕዳጋ ናይ ምግባር ክእለት ሓይሊ‘ምበር ድኽመት ኣይኮነን። መንጸፍ ምዕብልናን ሰላምን‘ዩ። መንጸፍ ሰላም ከኣ ሕድገትን ዋጋ ዕዳጋን‘ዩ።
-
ምትእምማን ብሓባር ካብ ምስራሕ ከም ዝፍጠር ዘይምርዳእ፡- ምትእምማን፡ ብምፍላጥን ብሓባር ምስራሕን እዩ ዝምስረት። ቀዳምነታትና ብግቡእ ሰሪዕና በቲ ኣንሰማማዓሉ ሓሳባት መደባት ሓንጺጽና እንተሰሪሕና ክንተኣማመን ንኽእል። ኣብ‘ዚ መዳይ‘ዚ፡ ዘረጋገጽናዮ ዓወታት ኣሎ። ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጀነቫን ካልኦት ቦታታትን ጽቡቕ ኣብነት‘ዩ። እቲ ጸገምና ብማዕዶ ኣብ ዝንዛሕ ናይ ጸለመ ወረታት ተመርኲስና ስለ እንፈራረድ‘ዩ። ነዚ ንምስዓር ብሓንሳብ ምስራሕ የድሊ።
-
ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይምህላው፡- ናይ ምንባብ ባህሊ ዘይምህላው ሓደ ካብቲ ዓቢ ጸገማትና ኮይኑ ይርኣየኒ። ኣብ ክንዲ ዕላዊ መግለጺታት ኣንቢቡ ሰብ ዝዛረብ፡ ኣንቢበ ብዝብል መን ምዃኑ ዘይፍለጥ ሰብ ዝተዘርገሐ፡ ንትርጉም ዝቕይር ወረታት ተመርኲሱ ይዛረብ። ጭቁን ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኣብ መለኽቲ እምነት ስለዘይብሉ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ብታሕቲ ታሕቲ ዝዋፈር ወረታት እዩ ዝምርኰስ። ኣብ ዳያስፖራ አንነብር ግን፡ ብዛዕባ ኩነታት ተቓውሞና ንምፍላጥ ኣብ ወረ ክንምርኰስ ኣየድልየናን እዩ። ናይ ውድባትን ሰልፍታትን ዕላዊ መግለጺታት ክነንብብ፡ ኣብ ኣኼባታት ተሳቲፍና ክንሰምዕን ክንሓትትን ብኡ መሰረት ከኣ ሚዛን ክንወስድ ይግባእ። ብመሰረቱ ኸኣ ናይ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነ፡ ታሪኽ ዓለምን ሕጂ ዝኸይድ ዘሎን ብምንባብ ኢና ክንመሃሮ እንኽእል። ምንባብ ኣተሓሳስባና ከነስፍሕ ስለ ዘኽእለና።
-
ብምኽንያት ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ጸገማት ንብሎን ንገብሮን ዘይምስናይ፡- ኩሎም እነልዕሎም ጭርሖታት ቅኑዓት‘ዮም። ብግብሪ ግን ኣይስነዩን። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፡
-
ህዝባዊ መንግስቲ ይተኸል ንብል። እገሌን እገሌን ስልጣን ደልዮም ኢዮም ኔው በልዎም ከኣ ንብል። ስልጣን ዝህብ ህዝቢ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ክትመርጽ ኢኻ ንእገሌን እገሌን ግን ኣይትመርጸሙን ኢኻ'ዶ ኣይኮናን ንብል ዘሎና። ወዮ ህዝቢ እዩ ዝመርጽ ንብሎ ደኣ ኣበይ ከደ?
-
ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝፈቅድ ስርዓት ክንተክል ንብል። ኩለን ዉድባት ሓደ ይኹና ከኣ ንብል። ሓደ ውድብ ምልኪ እዩ ዘምጽእ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ምልኪ ንብሎ ሰልፍታት ስለ ዘይፈቅድ እዩ። ሓደ ሰልፊ ምህላው ሓድነት ማለት ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ምሃለወ ነይሩ።
-
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ የሎን ንብል። ክሳተፋ ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ርእይቶአን እንተሃባ፡ ኣነዋሪ ጸርፍታት ተጸሪፋን ይባረራ።
-
መንእሰያት መሪሕነት ውድባት ክርከብዎ ኣለዎም ይበሃል። ዝበዝሑ መንእሰያት ግን ምእንቲ ተመኩሮ ክቐስሙ ክዉደቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። ዘይምዉዳብ ከም ምዕብልና ይዉሰድ።
-
ህዝቢ ተጠርኒፉ ኣንጻር ምልኪ ክለዓል ንጽውዕ። ነቲ ስርዓት ገዲፎም ዝመጹና ኸኣ ንነጽግ።
-
ህዝቢ ክጥርነፍ ኣለዎ ንብል ውድባት ኔው በልወን ከኣ ንብል። ምጥርናፍ ማለት ምውዳብ ማለት እዩ። ዘይተወደበ ህዝባዊ ምልዕዓላት ምልኪ ክፍርስ ይኽእል‘ዩ። ቀላሲ ዘይብሉ እንተነይሩ ግን ፍትሓዊ ስርዓት ክተክል ኣይክእልን‘ዩ። ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ‘ዩ ስልጣን ዝምንዝዕ። ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ኣብነታት ኣሎ። ኢትዮጵያን ግብጽን ክንጠቅስ ንኽእል። ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ተላዒሉ ንንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላስየ ምስኣፍረሰ፡ መተካእታ ዝኸውን ውዱብ ሓይሊ ስለዘይነበረ መንግስቱ ሃይለማርያም‘ዩ ጨውዩዎ። ኣብ ግብጺ‘ውን ናይ ሙባረክ ስርዓት ድሕሪ ምፍራሱ፡ ህዝቢ ዝተመነዮ ስርዓት ኣይተተኽለን። ብመሰረቱ ድማ ዘይተወደበ ኣይዕወትን እዩ።
-
ውድባት ኣይጠቕማን ይበሃል። እዘን ዉድባት ሓድነት ዘይገብራ ከኣ ይበሃል። ዝምራሕ ዘይብሉ መራሒ የሎን። ዉድባት ይበዝሓ እንተልየን ክፍንጨል ዝደለየ መራሒ ሰዓቢ ስለዝረክብ ዘሎ እዩ። ሓድነት ከኣ ብኣዋጅ ኣይኮነን ዝመጽእ። ሓድነት ህጹጽ ጠለብና እዩ። ከም ህዝቢ ብድፍረት ንዝተጋገየ ዓገብ ክንብልን ምስ ኣባላት ካልኦት ዉድባት ክንላለን ብንሰማማዓሉ መደባት ብሓንሳብ ክንሰርሕን ይግባእ። ህዝቢ እንተተቐራሪቡ ውድባት ናብ ዘብለኦ የብለንን።
-
ኣብ መንጎ ዕርክነትን ንዓላማ ብሓንሳብ ምስራሕን ዘሎ ፍልልይ ዘይምርዳእ፡- ንፍትሒ ንቃለስ ዘሎና ኣዕሩኽ (Best friends) ክንከውን ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ውልቃዊ ሂወትና ሰሪሕና ኢና ንነብር። ምስ ኣካያዲ ስራሕና ግን ኣዕሩኽቲ ኣይኮናን። ዓርክና ክኸውን‘ውን ኣይንጽበዮን። እቲ ንስርሓሉ ትካል ክድንፍዕ ሰስራሕና ሰሪሕና ገዛና ንኸይድ። ስራሕና ብግቡእ እንተዘይሰሪሕና ንቕጻዕ ወይ ንባረር። ንፍትሓዊ ቃልስና ግን ከምቲ ናብራና እንመርሓሉ ትካል ኣይንርእዮን።

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርኩዎ ዘይንጹር ኣረዳድኣታት ናብ ፋሕ ምባልን ምፍንጫላትን ይወስደና። ጉባኤታት ኣብ ክንዲ መናሃርያ ዝኸውን መፋናጨሊ ኮይኑ ንረኽቦ። ጉባኤ ተመኩሮና ንመዝነሉ፡ ሓድሽ መደባት ንሕንጽጸሉ፡ ብሓድሽ መንፈስ ቃልስና ነሕንነሉ ክኸውን ዝግበኦ ዝበዝሕ ግዜ ናብ ምፍንጫል ይወስደና። ኩሉ ምፍንጫላት ካብ ጉባኤታትና ዝምንጨወ‘ዩ። ግቡእ ኣረዳድኣ ናይ ስልጣን ስለዘይብልናን፡ ስልጣን ምድላይ ከም ስስዐን ክትጭቁን ምድላይን ጌርና ንርእዮ። ኣብ ክንዲ ብግልጺ ንዛረበሉ ኣብ ጉባኤታት መን ንምረጽ ዝብል ሕቶ ብምስጢር ወፈራ ይካየድ። መተግበሪ ፍትሓዊ መትከል ስልጣን‘ዩ። እተን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት ስልጣን ስለዝሓዙ እዩ። ዝኾነ ዜጋ ከኣ ስልጣን ክደሊ መሰሉ እዩ። እቲ ሕቶ ጉባኤኛታት ይመርጽዎ'ዶ ኣይመርጽዎን እዩ። እቲ ዝገርም ኣብ እንነብረሎም ሃገራት ዝካየድ ምርጫታት፡ ከይፈራሕና ንዛረብ ምዃና‘ዩ። ስለምንታይ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ብግልጺ ምዝራብ ንፈርሕ?
ኣብ መደምደምታ፡ ሓይሊ ተቓዉሞና ክንጥርንፍን ኣብ እነፍቅራ ዉልዶ ሃገርና ፍትሒ ክነግስ ኣድማዒ ተራ ክንጻወትን ጽዕቕ ወፍራ ዘተን ምንቕቓሕን ክነካይድ የድልየና። ብርእይቶይ፡ እዚ ሕጂ እነካይዶ ዘሎና ኮንፈረንስ ሓደ ካብኡ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ከም‘ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣሎ። ዝያዳ ክተባባዕ እለዎ። ብምዝታይን ጽን ኢልካ ምስማዕን ጥራሕ ኢና ናብ ናይ ሓባር ኣረኣእያ ክንበጽሕ እንኽእል።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!
ውድቀት ንምልኪ!
ክንዕወት ኢና!
ኣስገደት ምሕረትኣብ