ጽንብል ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዙሪኽ፡ ስዊዘርላንድ ተኻይዱ፤ ሓው ተስፋይ ደጊጋ መደረ ኣቕሪቡ

2016-09-07 10:33:03 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP News Read 4562 times

ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ኤርትራ ብ3 መስከረም 2016 ኣብ ከተማ ዙሪኽ ስዊዘልርላንድ ከቢሩ ውዒሉ።

ነዚ ጽንብል ዘዳለወ ኣካል፡ ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ። እቲ በዓል ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 9 ድ.ቀ.  ዝተፈላለየ ንጥፈታት መንእሰያት ዘስተናገደ ነበረ። ሓያሎ መንእሰያት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስዊስ ዝተሳተፍዎ ውድድራት ስፖርት ሓደ ካብቲ ነቲ በዓል ምርኡይ ዝገበሮ ተረኽቦ ነበረ።  ኣብ መደባት ንግሆ ዝተሰላለሰሉ መደባት ስፖርት፡ ውድድር ኩዕሶ እግርን ቅድድምን ነይሮም። እዚ ድማ ንንያት መንእስያት ኣበሪኹ ንድምቀት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ኣማዕሪጉዎ ውዒሉ።

Degiga Zurich2ድሕሪ ቀትሪ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣብ ኣደራሽ ኣኼባ ተረኺቦም ፖሊቲካዊ መደረታት  ተሰሚዑ። ቃል ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ስዊስ ብኣቦ መንበር ዓሊ  ገሽራ ድሕሪ ምስምዑ፡ ሓው ተስፋይ ወልዲሚካኤል ደጊጋ፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤን፡ ኣባል ግዜያዊ ኣካል ዋዕላ ናይሮቢን፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ኣኽቢሩ ኣብ’ቲ በዓል ብምርካብ ብዛዕባ ምጅማር ብረታዊ  ሰውራን፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርን፡ ኣውራ ድማ ብዛዕባ  ንጥፈታት ገዜያዊ ኣካል ርኽክብን፡ ዳግማይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን ሓው ዩሱፍ ኢብራሂም ቦሊሲ፡ ኣባል ረድዮ መድረኽ፡ ብዛዕባ ተራ መድያ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ድሕሪ’ዚ  ነቶም ኣብ ንጥፈታት ስፖርት ዝተዓወቱ ስልማታት ተዓዲሉ። ኣሕዋት ተስፋይ ደጊጋን  ዩሱፍ ቦሊሲን እውን፡ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ዘንጸባርቕ፡ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት፡ ካብ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ተቐቢሎም።

Degiga Zurich 3

 

ካብ’ዚ ኣስዒብና እቲ ብሓው ተስፋይ ደጊጋ ዝቐረበ መደረ ንኣንበብቲ ነቕርብ                                                      

 

ሰላምታ: ኣቦ መንበርን ኣባላትን ምንቅስቓስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዘርላንድ

ምስጋና:  ኣብ’ዚ በዓል’ዚ ንምስታፍን፡ ቃል ንምሃብን ዝዓደሙ ኣሰናደውቲ

ክቡራትን ክቡራንን!

ዝኽሪ ሓደ መስከረም እነብዕለሉ ዘሎና መዓልቲ፡ ምንጪ ክብርን ኩርዓትን  ኤርትራና ኰይኑ ንውሉድ ወለዶ ዝሓልፍ ህያው  ኤርትራዊ ታሪኽ’ዩ።  ንክብሪ’ዚ ዕለት’ዚ መደረ ከስምዕ ዕድል ምርካበይ  ድማ ልዑል ሓበን ከም ዝስመዓኒ ክገልጽ እፈቱ።

ቅድሚ 55 ዓመታት ብባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡  ኣብ ጎቦታት ኣዳል ንሃገራዊ ናጽነትን ሃገራዊ ሓድነትን ዘማዕደወ ብረታዊ ተጋድሎ ተኣዊጁ። እወ: ክጅምር ከሎ፡ መጠን ሰብኣዊ ሓይሊ ክሳብ 11 ኣባላት፡ ኣጽዋር ድማ  ሓሙሽተ ጠያይት ጥራይ ዝልጐም ኣቡ ኻምሳ ዝዓብለሎ እዩ ነይሩ። እቲ ራእይን ፖሊቲካዊ መልእኽትን ግን ንምልዮናት ኤርትራውያን ከውክል ዝኽእል እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ እዩ ድማ  ዝተባርዐ ሰውራ፡ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ እናዓበየ ኣብ ውሽጢን ግዳምን ንኩሎም ኤርትራውያን ኣተሓባቢሩ፡ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ  ኣረጋጊጊጹ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ብወርሒ ግንቦት 1991 መግዛእቲ ክስዕር ዝኸኣለ።

ዋጋ ናጽነት ቀሊል ኣይነበረን። ብዓወታት ጥራይ ዝተኸለለ መስርሕ እውን ኣይነበረን፡ ህይወት ብሉጻት ደቂ ኤርትራ ወሲዱ እዩ። መሪር ተምክሮ ኲናት ሓድሕድን  ግዳማዊ ምትእትታውን ርእዩ እዩ። ሳላ ጽንዓትን ኣብ ሓደ ዕላማ ዘትኰረ ተሳትፎ መላእ ህዝብናን ግን ኣብ ልዕሊቲ ብዕጥቂን ብዝሒ ሰብኣዊ ሓይሊን ግዳማዊ ደገፍን ዘይመጣጠኖ ሓይሊ መግዛእቲ ጭቡጥ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ። ካብቲ ታሪኽ እንቐስሞ እንተሎ፡ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ንናጽነት  ሃይማኖታዊ ፍልልያት ተሰጊሩ እዩ። ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ቀቢላዊ ፍልልያት እውን ክስገር ተበቒዑ እዩ። ኩልና ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ኣትኲርና ኢና ተዋዲቕና። ጸላኢና ዝፈተኖ ፍልልያት ነይሩ እዩ፣ ግንከ እዚ’ውን ተሳዒሩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን ነጭ-ለባሽ፡ ሓይልታት ፖሊስ፡ ኮማንዶስ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ስለያን ጦር ሰራዊትን ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ንሓይሊ መግዛእቲ ራሕሪሖም ሓይሊ ሰውራ ክዀኑ ዝገበረ ታሪኽ ተጋድሎ እዩ ዘሎና። እንቋዕ ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን እታ ፈላሚት ጥይት ተኲሶም ሰውራ ከም ዝባርዕ ገበሩ። ባሕቲ መስከረም ብኽብሪ ትንበር።

ሕጂ መዓልቲ ምጅማር ሰውራ ክንጽብል ከለና፡ ታሪኽ ናጽነታዊ ተጋድሎና እንዝክረሉ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡  ሓባሪ ምዕ

 

ራፍ ኣተሃላልዋናን መጻኢናን ክንገብሮ  ሓላፍነትና እዩ። እቲ ሃልሃልታ ቃልሲ ናጽነት ዘረጋገጸ ቁልዒ፡ ኣይቀሃመን። ሕጂ ሃልሃልታ ሓርነታዊ ቃልሲ ከረጋግጽ ከም መነሃርያ ክንወስዶ የድልየና። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እምበኣር ስለስተ ሕቶታት ከንልዕል እዋናዊ ይመስለኒ።

Degiga Zurich 1

 

  • ኣበይ ኣሎና?
  • እንታይ ንደሊን ንገብርን  ኣሎና?
  • ኣበይ ክንበጽሕ ኢና?

ኣበይ ኣሎና?

  • ሃገርና እትነብረሉ ዘላ ኣሕዛኒ ኩነታት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍና ስዉር ኣይኰነን ኣብኡ ግዜኹም ክበልዕ ኣይደልን። ብሓጺሩ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ናጽነት ተጠሊሙ እዩ። ሃገርና ምልኪ ብዘምጽኦ መዘዝ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል ዝበዀረላ ዝወደቕት ሃገር ከይና ኣላ። ግፍዒ ሳዕሪሩ፡ ደቃ ካብ ምንባር ንሓደጋ ጥፍኣት መሪጾም ዝባረሩላ ሃገር  ከይና፡ ዓዲ ጠላማት ሰበ ስልጣን፡ ደቃ ዝገፍዕዋ፡ ዘድከይዋን ማሕበራዊ ክውንነታ ዘፍረስዋን ሃገር ክብል ይቐለኒ።
  • ኣተሃላልዋና ምስ ኩነታት  ደምበ ተቓውሞ ብምዝማድ ድማ ኣብ ሃለዋት ሓይልታት ተቓውሞ ከነስተብህለሉ ዘሎና ሽግራት ብነጥብታት ከቐምጥ እፈቱ፥
    • ድኽመት ፖሊቲካዊ ውድባት ተቓውሞ
    • ብሰንኪ ብኩራት  ሃገራዊ ሓባራዊ ማእከላዊ ስልጣን ትሕተ ሃገራዊ ምትእኽኻባት ሚዛን ይረክብ ምህላዉ
    • ጽበት መቃለሲ ሜዳ
    • ብኩራት ጥዑይ ዝምድና ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸረ-ምልኪ
    • ድኽነት (ሕጽረት ሰብኣውን ንዋታውን ምንጭታት)
    • ብኩራት  ልዑል ኣህጉራዊ ደገፍ
  • እዚ እቲ ሽግራትና ኰይኑ ገሊኡ ባዕላዊ ገሊኡ ድማ ወድዓዊ እዩ።  ይኹን’ምበር ኩልና ከም ተቓውሞ ነዚ ኣስተብሂልና ፍታሓት ኣብ እነናድየሉ እዋን ኢና ዘለና ክብል እደፍር። ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ለውጢ ከረጋግጽ ይደሊ ኣሎ። ብዘይ ሓደ ጐደል። ለውጢ ከነምጽእ ነቲ ስርዓት ክንቀብጾ ነይሩና። ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ኣብ ልዕሊቲ ስርዓት  ቅብጸት እምበር እምነት የለን። ቅብጸት ድማ ንቃልሲ ይዕድም’ዩ።
  • ንፍርሒ ክንስዕር ነይሩና፡  ገዚኡና ዝነበረ ፍርሒ ተሳዒሩ እዩ። ዘይነዓቕ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣሎ፡ ብሰላማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምትእኽካባትን ዝግልጽ ንጥፈታት ይካየድ ኣሎ፡ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ህያው ምስክር እዩ።
  • ብኣህጉራዊ ደረጃ እውን ኤርትራዊ ስርዓተ-ምልኪ ዝንጸገሉ፡ ወጽዓታት ህዝብና ድማ ዝፍለጠሉ ልዳት ረጊጽና ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘሎ ሓይልታት እውን ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝምድናታት ይምዕብል ኣሎ። በዚ ነቲ ጽበት መቃለሲ ባይታና ከም ዝርሕብ ንገብር ኣሎና
  • ዘድልየና  ዘሎ እዋናዊ ጉዳይ እምበኣር፡ ንብኩራት ጥዑይ ዝምድና ኣብ መንጎ ተቓውምቲ ውድባትን፡ ሲቪል ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ንምእራም ክንንቀሳቐስ: ንዝምድናታትና ዝገዝእ ሓባራዊ ስምምዕ ክንህንድስን  ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ኣትኲርና ብተወፋይነት ክንዋሳእን እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ሕዳር 2015 ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢን፡ ናይ ነሓሰ 2016 ፍራንክፈርት ኮንፈረንስ ህንጸት ምትእምማንን፡ ካልእ  ከምኡ ዝበለ ንጥፈታት ደለይቲ ፍትሕን ኣወንታዊ ባይታ ኣንጺፉልና ኣሎ።  

እዚ ተስፋታት’ዚ እንከሎ ግን ዕሽሽ ኢልና ክንሰግሮ ዘይንኽእል ምዕባሌታት ምጥቃስ የድልየና። ብፍላይ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝምዕብል ዘሎ፡ ታሪኽ ተጋድሎና ከም ታሪኽ ሸፋቱ ዝገልጽ፡ ንሃገራዊ ናጽነታዊ ቃልሲ ኤርትራውያንን መስዋእቶምን ዘቈናጽብ ዝንባሌታት ክገሃድ ተራእዩ እዩ። ገለ ምድንጋር ንምፍጣር ፡ ወይ ንሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ መኣዝኑ ንምስሓት ዝሃቀነ ፈተነ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ግን ታሪኽ ቦታኡ ሕሉፍ እዩ። ተሰሪሑ ስለ ዝዀነ ድማ ክትቅይሮ ኣይከኣልን’ዩ። ኤርትራዊ ታሪኽ ድማ፡ በሃሊ ዝበለ ይበል፡ ታሪኽ ህዝቢን ታሪኽ ናጽነታዊ ተጋድሎን ምዃኑ ኣይቅየርን እዩ።  እቲ ሓደጋ ነቲ ታሪኽ ካብ ሕሉፍ ቦታኡ ናብ ህልዊ ኣምጺኻ ትርጉሙ ክትጠዋውዮን ምዕባሌ ክትጋርደሉን ምስ እትፍትን እዩ። ናይዚ ኣንፈት’ዚ ኣበሃህላ ድማ ንመጻኢ ዝኣመተን ኣብ መጻኢ መንነት ኤርትራን ሃገራዊ ድሕረ ባይታኣን ንምብራዝ ዝሃቀነን እዩ። መኸተና እምበኣር ከምቲ ቀደም፡ ሕጂ ውን ንኤርትራዊ መንነት ምክልኻልን፡ ካብ’ቲ ክበታትኖ ዝህቅን ፈተነታት ምድሓኑን እዩ።

በቲ ካልእ ሸነኽ፡  ኣብ መንጎ’ቲ ብሕባር ክቃለስ ዝግብኦ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ብዛዕባ ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ናይ ኣረዳድኣ ፍልልይ ምርካቡን፡ ኣብ ሓባራዊ ዕዮ ዕንቅፋታት ክቕርብ ምጅማሩን እዩ።  ብርእይቶይ ነዚ ሕቶ’ዚ ብህድእትን ብልዝብን ክነፍትሖ ኣሎና ብሃላይ እየ።  ስዉእ ሓምድ  ኢድሪስ ዓዋተ ምጅማር  ብረታዊ ቃልሲ  ዝመርሐ ኤርትራዊ ጅግና ምዃኑ ዝቕየር ኣይኰነን። ስለዚ ድማ ከነኽብሮን ብሓወልቲ ከነማዕርጎን ይግበኣና። ንሕና ከም ኤርትራውያን ጥራይ ዘይከነስ፡ ወጻእተኛታት እኳ ከም ጀግና የኽብርዎ ኣለዉ። ኣብ ሃገር ኢጣልያ፡ ኣብ ኮሎኞ ሞንተዘ ኣብ ዘተባህለ ከተማ  ከባቢ ሚላኖ ንዝኽሪ ጅግንነቱ ምስ 8 ጀጋኑ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰሪዖም  ኣብ ሓደ ”Garden of the just of the world” ጀርዲን ናይ ዓለም ቅኑዓት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ገረብ ተኺሎምሉ ኣለዉ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝገፍዕ ኤርትራዊ ምልካዊ ስልጣን እውን ኣብ ሃይኮታ  ሓወልቲ ተኺሉሉ ኣሎ። እዚ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ኩልና ኤርትራውያን እዚ ጅግና’ዚ ከማና ሰብ ምኳኑ ከም ሰብ ድማ ኣብ ህይወቱ  ጌጋታት ፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ ዓለም ዝተራእዩ ሃገራውያን ጀጋኑ  ዝዀነ ይኹን ጌጋታት ከይፈጸሙ እዮም ጀጋኑ ከይኖም ዝብል ተረድኦ የብልናን። ንኣብነት ጆርጅ ዋሽንግተን ናይ ባራዩ  ወናኒ ነይሩ፡ ክሳብ ሕጂ ጅግንነቱ ዘይእምኑ ሸነኻት ይርከቡ እዮም። ግን ናይ ቃልሲ ኣመሪካዊ ናጽነት ጅግና ምኳኑ ኣይተሓድገን። ኤሚልያኖ ዛፓታ ናይ መክሲኮ ብገበናት ዝልለ ክስታት ኣብ  ታሪኽ ኣለዎ ይበሃል እዩ። ግን ናይ መክሲኮ ጅግና እዩ፡። ከይረሓቕና ኣብ ከባቢና እንተተመልከትና እውን፡ መሓመድ ኣሕመድ ኣልማህዲ  ጭካነ ዘለዎ  ገበናት ከም ዝፈጸመ ይፍለጥ እዩ። ግን ሱዳናዊ ጅግና ምዃኑ ኣይተረፎን። ናይ ኢቶጵያ ሚኒሊክ እውን ክሳብ ሕጂ ብጅግንነቱ ዘይኣምኑ ኣለዉ፡ ግን ወግዓዊ ኢትዮጵያዊ ጅግና ምዃኑ ኣይተሓድገን።

ሕጂ ናብ ስዉእ ኢድሪስ ሓምድ ዓዋተ፡ ክንምለስ ከሎና፡ ከማና ሰብ ከይኑ፡ ዝዓበየ፡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ካብ ንእስነቱ ብረት ክጥቀም ዝኸኣለ፡ መንእሰይ ነይሩ። ኣብ 25 ዕድሜኡ ናይ ጥልያን ዓስከር ከይኑ ከም እተኸትበ፡ ጥልያን ብእንግሊዝ ምስ ተሳዕረ ድማ፡  ንመንግስቲ እንግሊዝ  ተቓዊሙ፡ ዓዲ ገዲፉ ንበረኻ ከም ዝወጸ ይትረኸሉ እዩ።  ተሓኤ እውን ኣብ ካይሮ ብዝነበሩ ተመሃሮን ፈሊጣውያንን ከም ፖሊቲካዊ ውድብ 1960 ቆይሙ ነይሩ እዩ።  ግን’ከ እቲ ዝዀነ ካልእ ሰብ ክገብሮ ዘይከኣለ፡ ንሱ ግን ዝገብሮ፡ ብባሕቲ መስከረም 1961፡ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓኡ ብረታዊ ሰውራ ምብራዕ እዩ። እዚ ታሪኽን ጅግንነትን ኣይቅየርን እዩ።  ናይ ኩልና እዩ። ስለዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልትት ዘሎ ዘይምርድዳእ፡  ብሓደ ሸነኽ ታሪኻዊ ጅግንነት እናኽበርካ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ መሰል ሰባት ኣብ ምሕሳብን ታሪኽ ምምርማርን እናኽበርካ ብልዙብ መንገዲ ክስገርን፡ ናብ ሓድሽ መድረኽ ክንኣቱን ዝኽልክል ኣይኰነን ዝብል ተረድኦ ኣለኒ።

ናብቲ ካልኣይ ሕቶ ክንሰግር እንታይ ንደልን እንታይ ንገብርን ኣሎና።

ከም ሓይልታት ጸረ-ምልኪ ዘይንደልዮ ንፈልጦ ኢና። እቲ ሕቶ ነቲ እንደልዮ ኣነጺርና መደባት ከመይ ንሰርዓሉ እዩ። እቲ ንሓዋሩ እንደልዮ እምበኣር ንምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕኻ፡  ኣብዝሓ ሰልፋዊ  ቅዋማዊ ስርዓት ስርዓት ምትካል፡ ንሓድሕዱ ዝቈጽጸር ትካላት መንግስቲ ምቛም፡  ማሕበራውን ቑጠባውን ዕቤት ምርግጋጽ፡ ሰላማዊ ውድድርን ምስግጋር ስልጣንን ዘፍቅድ ስርዓት ምህናጽ’ዩ። ነዚ ድሌት’ዚ  ንምርግጋጽ መጀመርያ ዝመጽእ ዕማም ንምልኪ ምስዓር’ዩ። ኩልና ኣብ ምልጋስ ምልኪ እንሰማማዕ ብሓባር እንግዘኣሉ ጐደና ክንጸርግን ክንምድምዶን ብህጹጽ የድልየና’ሎ።

ሕራይ፡ ብዙሕ ዝተገብረ  ፈተነታት ኣሎ’ዩ።  ቀጻሊ ናይ ሓባራዊ ስራሕ ዘተታት ክካየድ ጸኒሑን  ኣሎን። በብወገኑ ናይ ዕርቂ ተበግሶታት ይውሰድ ኣሎ።  ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ዘመዝገቦ ዓወት  ንዕርድታት ህግደፍ ኣብ ምፍራስ ክሳብ ክንደይ ተራ ከም ዝነበሮ  ኩልና ናይ ዓይኒ ምስክር ኢና። ሕጂ ንጀምሮ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ፡ ብዕቱብነት ንቐጽሎን ንወፈየሉን እዩ’ቲ ጠለብ።  ውደባ ሓባራዊ ስራሕ የድልየና  ኣሎ’ሞ ከመይ  ጌርና ኢና ናብ ጸረ ምልካዊ ስሩዕ ውደባ እንሰጋገር ንመርምር ወጽኢት ምርመራና ድማ ነተግብር።

ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኩልና ዘሎ ዓቢ ዕማም  ጉዳይ ምምኽራዊ ዋዕላ ናይሮቢን ናይ መጻኢ መደባትን ከልዕል ኣፍቅዱለይ።

ናይ ናይሮቢ ዋዕላ ምምጻኡን፡ ከም መጀመሪ 11 ውድባት ተራኺበን ሓባራዊ ውዕል ክኽትማ ምኽኣለንን ዓቢ ስጉምቲ  ኣብ ጉዕዞ ጸረ ምልካዊ ቃልሲ እዩ። ኣብዚ ውዕል’ዚ ብዝጸደቐ ስምምዕ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ብሽድሽተ ኣባላት ቆይሙ  ስራሑ  ብወርሒ ለካቲት  2016 ጀሚሩ።

 መሰረታዊ ዓማሙ ድማ

  1. ኩሉ ሓቆፍ ዳግማይ  ዋዕላ ንምክያድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር
  2. ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር ንድፊ ሓባራዊ ራእይን ናይ ትግባረ መደባትን ምቕራብ

R  ክሳብ ካልኣይ ሃገራዊ ምምኽራዊ ዋዕላ፡ ንጥፈታት ኣካላት ዋዕላ፡ ንምውህሃድን ንምውጋንን ዘኽእል ስትራተጅያዊ ኣንፈት ምትሓዝ።

ውድባዊ ቅርጻን ስራሓት ኣካላቱን ምንጻርን፡ ናይ ግዜያዊ ኣካል መደብ ዕዮ፡ ምሕንጻጽን

R  ናይ ኩሉ ንጥፈታት ውጽኢታት ከም ዝዕቀን ንምግባር መሳርሒታት ምምዕባል። (ነፍሲ ወከፍ  ኣባል ተመዲቡሉ ዘሎ ዓውደ ስራሕ፡ እንታይ ተግባራዊ ትጽቢታት ከም ዝንበረሉ ምውሳን)

R  ናብ ኣባላት ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላን ናብ መድረኽን ስሩዕ ጸብጻባት ምቕራብ። ከም ኣድላይነቱ በብግዜኡ መብርህታት ምሃብ።

  1. ነቶም ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዘይተሳተፉ፡ ብምልኣት ንክሳተፉ ጽዑቕ ርኽክባትን ጻዕርታትን ምክያድ ይርከቦ።

በዚ መሰረት  እዚ ኣካልዚ ቀጻሊ ርክባት ብምክያድ ነዚ ከቢድ ዕማም ኣብ ሓጺር እዋን ( ብዝምድናዊ ኣዘራኣርባ) ከብጽሖ ክጽዕር  ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣሎ። 

ንብስራት፡ እዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ኣተኣማማኒ ክበሃል ዝከኣል መድረኽ በጺሑ ከም ዘሎ ድማ ነዚ ኣኼበኛ ክሕብር፡ ተስፋታት እናኸለለኒ እዩ። ኩለን እተን ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዝረኸበን ውድባት፡ ኣብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ከም ዝሳተፋን፡ ስራሕ ግዜያዊ ኣካል ንኽዕወት ክተሓባባአራን ምዃነን ኣመዝጊበን ኣለዋ።  መፈለምታዊ ንድፊ ሰነዳት  ሓባራዊ ራእይን፡ ናይ ትግባረ መደባትን ናብ ምዝዛም ገጹ  እዩ። ናብ ኩለን ውድባት ክመሓላለፍን እተን ውድባት ብዘቕርባኦ ርእይቶታት ክህብትምን ተአሪዑሉ ኣሎ። ዳግማይ ዋዕላ ናይሮቢ ድማ ቅድሚ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክትግበር እዩ፡ ዝብል መደብን ትጽቢትን ኣሎና።  ምትሕብባርኩም ኣይፈለየና።

ኣብ መደምደምታ ነቲ  ኣበይ ክንበጽሕ ኢና  ዝብል ሕቶ ከልዕል

 እቲ ጻዕሪ ናይ ኩልና፡ እቲ ዕላማ ድማ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር ዘብቆዓና ኰይኑ፡ ኣብ መድረኽ’ዚ ክንበጽሖ እንደሊ  ኣብ መንጎ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ ዕርቅን ሓባራዊ ናይ ስራሕ መደብን ምርግጋጽ እዩ።

  • ነዚ ንምትግባር ብቐዳምነት እነልዕሎ  ሕቶ ከመይ ጌርና ንኽበታትነና ዝኽእል ሽግራት ንውግድ?  ከመይ ጌርናኸ ነቲ ዝሓልፍናዮ ትራጀዲ ኣይንደግምን ዝብል እዩ።
  • ንሕና ደቂ ሓንቲ ኤርትራ ኢና። ስለ ዝዀንና ኣካላት ናይ’ቲ ሽግር ንሕና ኢና። ብሓባር ንስከሞ። ኣካላት ናይቲ ፍታሕ እውን ንሕና ኢና። ብሓባር ኣብ ሃገራዊ  ውዕል፡ ብሓባር ኣብ ሃገራዊ ቃል ኪዳን ንእቶ። 
  •  ኣብ መስርሕ ጸረ ምልካዊ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ኣይንጋገ፡ ወይ ጌጋታትና ኣይንድገም። ምስ ኩሉ ናይ ኣእምሮን ኣተሓሳስባን ናጽነትና፡ ምስ ክብርታት  ክውንነትናን ኣተሃላልዋናን  ናብቲ መስርሕ ንእቶ። መስርሕ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ንባዕሉ  ድማ ሓደ ኣወንታዊ መካኒዝም ክፈጥረልና ኣዩ።
  • እዚ መካኒዝም እዚ ድማ ንሕግታት ፖሊቲካዊ ናብራና ወይ ንስርዓት ፖሊቲካዊ ቃርሳ  ኤርትራ (ፖሊቲካዊ ጌም) ክሰርዖ እዩ።   ኣብኡ ሃገራዊ ውዕል ይህልወና። ዘተ መሳርሒና ዘተ’ውን መቃለሲና ይኸውን።  ዘተን ልዝብን ድማ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ንዲሞክራሲ ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ። ማለት፡
    • ናይ ሓድሕድ ምትእምማን  ይሃንጽ (confidence building device)
    • ቀንዲ ረቛሒ ርግኣትን ሰላምን እዩ
    • ፖሊቲካዊ ሕጋውነት (political legitimacy) ናይ ምንቅስቓሳትና:  ወይ ናይ ኩሎም’ቶም  ሓቢርና እንልእኮም ኣካላትና ይፈጥር
    • ነቲ ኣብ መንጎ ውድባት ወይ ፖሊቲካውን ማህበራን ውደባታት ዘሎ ፍልልያት የጻብብ። ናይ ቀደም  ጸላእቲ ናይ ሕጂ ኣዕሩኽ፡ ናይ ቀደም ተጻባኣቲ ናይ ሕጂ መዋስብቲ ወይ መላፍንቲ ክገብር ይኽእል።
    • ኣብ  መወዳኣታኡ ድማ ናይ ሓድሕድ ምፍልላጥ ኣረጋጊጹ፡ ሓባራዊ ተሳትፎ የሰስን እሞ፡ ነቲ ኩልና ዝደመናሉ ቁስልታትና ከሕዊ ይኽእል፡ ነቲ ኩልና ከነመዝግቦ እንደሊ ለውጢ ድማ ከቀላጥፈልናን ከመዝግበልናን ይኽእል።

እወ ፍልልያት ጸኒሑና እዩ ኣሎና እውን። ገሊኡ፡  ብሱሩ ክንቅበሎ’ምበር ክንሰግሮ ዘይንኽእል እዩ። በብዘሎና እምነት ነቲ ፍልልያት ከም ዘለዎ ተቐቢልና፡ ኣብቲ ብሓባር ክንሰርሓሉ ዘሎና መዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ምብቃዕ እዩ’ቲ ፍታሕ። ክንዛተ ከሎና  ነቲ ካባና ዝፍለ ካልእ ርእይቶ ዘለዎ ሸነኽ፡ ፖሊቲካዊ ኣተሓሳስባኣኡ፡ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ መበቆላዊ መንንቱ ንምቕያር ኣይኰነን ክኸውን ዘለዎ። ናይ ሓባር ባይታ ንምድህሳስን ምርትግባሩን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ዕላማይ መንነትካ ወይ ኣተሓሳስባኻ ምቕያር ኣይኰነን፡ ከምታ ዘለኻያ እንከለኻ፡ ምሳኻ ንኸሰርሕ ናይ ሓባር ባይታ ምንዳይ እዩ ካብ ዝብል ዕግበት ክንብገስ ኣሎና። ምረት ምፍልላያት ኣብ መትንታት ደምና ዘይሩ እዩ። መትንታት ደምና ብስሪንጋ ናይ ለውጢን፡ ምክብባርን ክንወግኦ ንሕተተሉ መድረኽ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ ናይ  መንነትካ ክቕይር ድልየትን ባህግን የብለይን፡ ከም ዘለካዮ ምስ ኩሉ እምነትካ ከሎኻ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ዕማም ብሓባር ንኽንቃልስን ንኽንጐዓዝን መንገድታት ንሃንድስ እየ ዝብል ዘለኹ ክንብል የድልየና። ንሱ’ዩ እቲ ጸዋዒት።

ዋዕላ ናይሮቢ፡ ኣብ ክሊ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምውሳእ፡ ናይ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ሓይልታት መኣዲ ዘተ ከፊቱ ምህላዉ እዩ እቲ  ኣወንታዊ ተበግሶ ዝገብሮ። ናይ ሕጂ ጸላኣቲ ወይ ተወዳድርቲ ናይ ጽባሕ መላፍንቲ ክንከውን ባይታ ከፊቱልና ኣሎ።  ነዚ ዕድል’ዚ ክንጥቀመሉ ኣሎና። ይግበኣና።

እዚ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም እነካይዶ ዘሎና ኣኼባ ድማ ኣካል ናይ’ዚ ጉዕዞ’ዚ እዩ። ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ነቲ ጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ከተደልድል፡ ነቲ በኺሩ ዘሎ ሓይልታት ድማ ከተሳትፍ እዩ ዕላማኣ። ኣቦታት ክምስሉስ “መረብሲ በለሳ ሒዛ ትኾርዕ” ይብሉ። መረብ ንውሕጅ በለሳ ሒዛ ፈለግ ትኸውን። እቲ ሞራል ዓቢ ነገርሲ ብነኣሽቱ ምትእኽኻብ’ዩ ዝቐውም እዩ።  ሕጂ ውን ናብ ዓቢ ናይ ለውጢ ፈለግ ክንበጽሕ ኣሎና። እቲ ዓቢ ፈለግ ድማ ናይ ኩሉ ጸረምልኪ ሓይልታት ምትእኽኻብ ብምርግጋጽ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምጥጣሕ እዩ። እቲ ወሓዚ ምንጪ ድማ ከምዚ ዝበለ  እኼባታትን ቦታዊ ንጥፈታትን እዩ። ኩሉ እቲ ዋሕዚ በብኽእለቱ እጃሙ እናልዓለ ናብ ሓደ ዕላማ ንኸፍስስ ኩልና ክንጽዕረሉ እጽውዕ። እቲ ዝተኣከበ ዓቢ ፈለግ ድማ፡ ንሰረታት ምልኪ ኣፍርሱ፡ ንጨቋኒ ትካላት ደምሲሱ፡ ነታ ክንበጽሓ እንብህግ ዘሎና  ሓዳስ ኤርትራ ብናይ ህይወት ማያቱ ከርዊ እዩ።

ሕጂ ንተሓባበር! ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ብሓባር ንእቶ!

ጽባሕ ግድን ናብቲ እንደልዮ ምዕራፍ ክንበጽሕ ኢና!

ዝኽሪ መስከረም ትንበር ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስዉኣትና!

ደጊመ ንዕድሜኹም አመስግን። የቐንየለይ!

 ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)

3 መስከረም 2016

Degiga Zurich5

Last modified on Wednesday, 07 September 2016 12:51