መግለጺ ሰዲህኤ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመትን ዒድ ኣልኣድሓን

2016-09-10 10:06:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2246 times

ህዝብና ብክብ ዝበለ ደረጃ ዝጽንብለን ክልተ ዓበይትን ኣገደስትን በዓላት ኣብ ሓደ ዕለት ወይ ኣብ እተቓራረበ ዕለት ይውዕላ ኣለዋ። እታ ሓንቲ ቅዱስ ዮውሃንስ ወይ ድማ ሓድሽ ዓመት ክትከውን ከላ፤ እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ዒድ ኣል ኣድሓ ኣልሙባረክ ኢያ።

 

በዚ ኣጋጣሚታት’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብስመይን ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን እንቋዕ ሓጐሰካ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽተይ ከመሓላልፍ እደሊ።

ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ይኸይድ ስለዘሎ ግን፡ ህዝብና ነዘን ዕለታት እዚኣተን በቲ ዝምነዮ ኣገባብ ከብዕለን ከምዘይክእል ርዱእ ኢዩ። ስድራ ቤታት ኣብ ዝተበታተናሉ፤ መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ባርነት ህይወት ኣብ ዝተጸምድሉ፤ ማይ፡ ባኒ፡ ጽዓት ብራሽን ኣብ ዝዕደለሉ፡ ብልሽውና ኣብ ዝነገሰሉ . . .ወዘተ ዝጽንበል በዓላት ምሉእ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ።

 

መንግስቲ ኢሳያስ፡ ንዅሉ ናይ ቍጠባ ማሕውራት፡ ንግድ፡ ትራንስፖርት፡ ሕርሻ፡ ቱሪዝም፡ ማዕድን፡ ፋብሪካ፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ብምእታው፡ ህዝቢ ወስ ቀስ ከይብል ቀይዱ ሒዝዎ ይርከብ። ብስም ብሕታዊ ጽላት ዝንቀሳቐሱ እንተልዮም ውን፡ ብድሕሪኦም ኢድ መንግስቲ ዘለዎ ኢዩ (ንኣብነት ሓዋላ)።

 

 

ብስም ምቕያር ባጤራ፡ ህዝቢ ኣብ ኢዱ ክሕዞን ከንቀሳቕሶን ዝኽእል ገንዘብ ስለእተደረተ ድማ፡ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክን በዓል ሓድሽ ዓመትን በዚ ብኣሉታ ክጽለዉ ምዃኖም ዝሰሓት ኣይኰነን።

 

ወዲሰብ ብተስፋ ስለዝነበር ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ሓሳረ-መከራ ዝናገፈሉ፤ ካብ ፋሕ ኢልዎ ዘሎ ቦታታት ኣብ ሃገሩ ዝእከበሉ፤ ሰላም፡ ስኒት፡ ፍቕሪ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝሰፍነሉ ዝሓሸ ዘመን ክመጸሉ እምነ።

 

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባረክን ይግበረልና

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

10 መስከረም 2016

Last modified on Saturday, 10 September 2016 12:09