ሰዲህኤ ንዑደት ልኡኽ ኤርትራ ናብ ጀርመን ተቓዊሙ

2016-09-13 19:40:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2895 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰህኤ

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጀርመን ኣቶ ፍራንክ ዋልተር ስተኢንመየር መዘክር ልኢኹ። ኣብዚ መዘክሩ መንግስቲ ጀርመንን መሪሕነቱን ብዛዕባቲ ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ እትህቦ ሓገዝ የጋግዩ ከይህልዉ ዘለዎ ስኽፍቲ ገሊጹ። እቲ መልእኽቲ፡ እቲ ብመንግስቲ ጀርመን ዝተዓደመ ልኡኽ ኤርትራ እንተላይ ብገበን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝጥርጠሩ ገበነኛታት ከም ዘጠቓለለ’ውን ኣመልኪቱ።

News Item 13092016 1

እዚ ተሪር መልእኽቲ ዝሓዘ መዘክር ሰደህኤ፡ ናብ ናይ ጀርመን ኣቦመንበር ፓርላማ፡ ናብ ሚኒስተር ቁጠባን ዕቤትን ከምኡ እውን ነተን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ጸረ-ህዝብነቱ ምስ ዝተረጋገጸ ስርዓት ኤርትራ ብዛዕባ ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ሓጋጊ ኣካልን ላዕለዎት ሓለፍትን መንገስቲ ጀርመን ክዘራረብ ዕድል ዝፈቓዳ ዓበይቲ ሰልፍታት ብመልክዕ ቅዳሕ ተላኢኹ።

.መዘክር ሰህኤ መልእኽቱ ብምቕጻል፡ ሓለፍቲ ጀርመን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ገበናት ብምፍጻሙ ዝተኾነነ መንግስቲ ዝዘራርብሉ ቅቡል ምኽንያት ከምዘይረኣዮ ገሊጹ። እዚ ኣብ ከተማ በርሊን ብ8 መስከረም 2016 እቲ ጫካን ኣማኻሪ ፕረሲደት የማነ ገብረኣብ ምስ ዝርከቦ ልኡኽ ዝተኻየድ ርክብ ዝወደበ፡ ጀርመን- ኣፍሪቃ ፋንደሽን ዝበሃል ኣብዚ እዋንዚ ብወይዘሮ ኡርሱላ ኢድ ካብ ሓምላይ ሰልፊ ዝምራሕ ዘሎ እዩ።

The  EPDP memorandum also stated as follows:  

እቲ ብሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ መዘክር እዚ ዝስዕብ እውን ጠቒሱ። “መንግስትን መብዛሕትኡ ህዝብን ጀርመን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘይጽወርን ብሰብኣውነት ክትዕገሶ ዘይከኣልን ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰረታዊ ምኽንያት፡ ምንፋግ መሰልን ብኩራት ቅርዑይ ምምሕዳር እዩ። እዚ ድማ ኣብ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብምቅብጣር ዝፍታሕ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልስላስ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን፡ ደሞክራስን ፍትሓውነትን ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ካልእ ከባቢብታት ናብ ከዚ ኣብ ሱርያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ዘምርሕ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣቦመንበር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ 21 ሰነ 2016 ንባይቶ ሰባኣዊ መሰል  “ሕገመንግስቲ ኮነ ሃገራዊ ፓርላማ ክሳብ ዘየለ፡ ኣበይ’ዩ ብዛዕባ ሃገራዊ ሕቶታት ዝዝተ? መወዳእታ ዘየብሉ ግዱድ ኣገልግሎት ክሳብ ዘሎ፡ ነጻ ፕረስ ኣብ ዘየብሉ፡ ብዘይካቶም ብመንግስቲ ዝሽየሙ፡ ናጻ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ ዘየብሉ፡ ህዝቢ ኣብ ስግኣትን መንግስታዊ ቁጽጽርን ኣብ ዝነብረሉ፡ ብግቡእ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሓቀኛ ዕቤት ህዝቢ ኤርትራን ክህሉ ኣይክእልን እዩ።” ኢሎም። ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰባኣዊ መሰል ንኤርትራውያን ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ምቕራብ ዝብል መደምደምታ ዝበጸሐ፡ ምእንቲ እቶም ግዳያት ህግሰት ዝኾኑ ዘለዉ ኣእላፍ ኤርትራውያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ከምዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ክረአ እንከሎ ቅቡል ከምዘይኮነ ንምምልካት’ውን እዩ”

ኣብ መጠቓለሊ እቲ መዘክር ዕላምኡ ሓድሽ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ናብዚ ክቡር ቤት ጽሕፈትኩም ቀሪቡ ዝነበረ ጥርዓን ደጊምካ ንምዝካኻርብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኣስፊሩ

  1.   ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ብዘይዝኾነ ቃለዓለም ዲክታቶርያውን ስርዓት ኤርትራ ካብ ምሕጋዝ ንኩቐጠብ ብትሕትና ንሓትት።
  1. ጀርመን ምስ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ ርክብ ክኸፍት እሞ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዝግበር ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ተሳተፍቲ ክኾኑ ከተባብዖም
  2. ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ነቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳንን ሰሜን ኢትዮጵያን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት ዝተጸንዓ መደባት ብምሕንጻጽ ኣብቲ ብትካላት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታትን ዝግበር ሓገዝ ንክሳተፍ ንጽውዕ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ዕማምን ሰፊሕ መደባት ዘለዎ ዕማም ኣብ ብቕራብ መግቢ፡ መጽለሊ፡ ጥዕናን ድሕንነትን ጥራይ ከይተደረተ፡ ነቲ ገዚፍ ብዝሒ ዘለዎ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ ስሩዕን ክኢላውን ትምህርቲ’ውን ዝህብ ክኸውን

                           

Last modified on Tuesday, 13 September 2016 21:56