ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ “2024 ዛዚምና ናብ 2025 ኣብ እንሰጋገረሉ” እዋን  በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጻኢ ሰናይ ክኾነልካ ምምናይ ንቡር እዩ’ሞ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2025ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።

 እዛ “መጻእኩኹም” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት መስርዑ ሓልዩ ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ  ስለ ዘይንግንዘብን ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን እምበር፡ እዛ ዓመት እዚኣስ ከምቲ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝበሃልከይተፈለጠትና’ያ ሓሊፋ” ንብል ኢና። ዘይተሓጐስናላ ዓመት እንተኮይና ከኣ “እዛ ዓመትዚኣስ እንኳዕ ከደትልና” እንብለሉ ኩነታት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ምስቲ ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ክንመዝኖ  እንከለና፡ 2024 ክንድቲ ዝተጸበናያ ናይ ሰላምን ብሓባር ምውፋርን ኣይነበረትን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውግእ፡ ህልቂት፡ ምዝንባልን ዕንወትን ዝዓንደረላ ስለ ዝነበረት “ድሕሪኣ ይቕደወና” እትበሃል ኮይና እያ ትሓልፍ ዘላ።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ፡ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይ’ውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ ናይ ጉዕዞ መስርሕ ክንገብሮ ዝግበኣና ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበና ናይ ግዜ ነጻ ህያብ ዘይምብኻንን ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ኣብ ምትኽኻእ ዘለዋ ሓላፊትን ተካኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። ንሱ እቲ ንሕና እንጐዓዞ መስርሕ እዩ። ምእንቲዚ እዩ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ዕዉታት ንክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ኮይና ሰናይ ናይ ዓወት ትምኒት እንገልጽ። ኣብቲ መስርሕ “ክንድቲ ንምነዮ ንተግሆንዶ ኮይና ኣይፋልናን?” ከኣ ብተመኩሮ ከም ዝተዓዘብናዮ ብዳሂ እዩ። ብናትና ድኽመት ኮነ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾኑ ወድዓዊ ምኽንያታት ውጽኢትና ኣንጻርቲ ዝተመነናዮ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እውን ብዙሕ ሓሊፉ እዩ።

ኣብ 2024፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዎ  ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንረብሓ ህግደዲፍ ዝሸጡን  ኤርትራዊ ወገናት ገዲፍካ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ናይቲ  ጉጅለ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ንላዕሊ “ኣዝዩ ኣጨናቒ እዩ ነይሩ” ምባሉ ከረዳደኣና ይኽእል። ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብናዮ ንመጻኢ’ውን  ህግደዲፍ  ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭካነን በደልን ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ ዝወድቕ፡ ኣብ 2025’ውን ዝገጥመና ብደሆ ካብ ናይ 2024 ዝተፈልየ ስለ ዘይከውን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ክንቅረበሉ ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ ወጽዓ ካብዚ እንተነዊሑ፡ ንህልውና ህዝብን ሃገርን ዝኸበደ መዘዝ  ዘስዕብ ስለዝኾነ።

ህገድፍ ሎሚስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሩ ተማሂሩ፡ “ናይ ውግእ ከበሮ ክወቅዕዩ ይኸውን” ዝብል፡ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ነይሩ ይኸውን።  እንተኾነ ብፍላይ ኢስያስ ብጉልባብ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ መግለጽን ካለኦት ሓለፍቱን ዝኸድዎ ዘለዉ መንገድን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ካብ ምንዳይ ውግእ ዝዕገስ ኣይመስልን። ድሕሪ ፍሽለቱ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ “ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣይክኣቱን እዩ” ዝብል ትጽቢት ዝነበሮም ኤትራውያን’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ”  ዝበሃል፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግብሪ ይውዕለሉ ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ዘይቅዱስ ኪዳናት ክሳብ  ምምስራት እውን ወሲኽሉ’ሎ።

ካብ ካለኣይ ፍርቂ ዓመት 2024 ጀሚሩ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳን ዘይዕወት ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን  ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ እናሰፈሐ ይኸይድ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ፡ እቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ፍልልይ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመተ-2025 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ግምታተን ይህባ’ለዋ። ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ብዙሓት ወገናት ብምኽንያት ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያ ተተባቢዖም፡ ኢትዮጵያውያን ጸገማቶም ብፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ክፈትሑ’ዮም ዝብል እምነት ሓዲርዎም ነይሩ። ብግብሪ ግና ናብ ዝገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ዕድል 2025 ኣብ ምፍታሕ እዚ፡ ነዓናው ዝጸልወና ናይ ጐረባብቲ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ብትኹረት እንከታተሎ እዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ 2025 ካብ 2024 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት  እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዝጸንሖ ብዝገደደ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ከይረሓቕና ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና ውግእ  ዘስግእ እዩ።  ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኣእዳዎም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ ከባቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ፡ ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ደበና ስግኣ ቀንጢጥካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምስጓም ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ውዳበታት እምበር፡ እቲ ራህዋን ሰላማዊ መንገዲድን ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ዘዝፈሓሶ ተንኮል ምስ ፈሸሎ፡ ካልእ መንገዲ ጥፍኣት  ካብ ምምሃዝ ኣብ’ዛ ንርከባ ዘለና ዓመት’ውን ዓዲ ኣይክውዕል እዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ ምምራጽ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረሲዳንትነት ኣሜሪካ፡ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡ ምስሕሓብ እስራኤልን ፍልስጤምን፡ ምትፍናን እስራኤልን ኢራንን፡ ናይ ሃገረ ሲርያ  ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ምእታ’ውን፡ ኣብ 2025 ናበይ ገጾም ከም ዝምዕብሉ ዓለም ብሃንቅውታ እትጽበዮም ዘላ እዮም። እቲ ዝፍራሕ 3ይ ውግእ ዓለም ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን  ውሑዳት ኣይኮኑን።

ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2025፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና፡ ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ኣብዚ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኣና ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቀዳማይ ኮንፈረንሱን ናይ ሓባር ፈስቲቫሉን  ኣቢሉ በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት  ብግብሪ ናይ ምንቅስቓስ ተግባሩ ምስፍሕን ምሕያልን ኣብ 2025 ዓብይ ግምት ዝህቦ ኣጀንድኡ  ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ሰልፋዊ መሳርዑ ምድልዳል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓቕምታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምሕያልን፡ ጽላል ሓይልታት ለውጢ ኣብ ምስፋሕን ካብ ናይ 2025 ኣጀንዳኡ ገይሩ ክቃለሰሉ እዩ።

 

 

 

ካብ ጠባያት ጉጅለ ህግደፍ ሓደ፡ ኣብ ዝኣተዎ ቃል ዘይምምእዛዝ እዩ። እዚ በቲ መራሒኡ በብግዜኡ  ዝብሎን፡ ብግብሪ ዝኸዶ ዘይራኸብ  ምዃኑን ክምዘን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዘጽድቖ ሰነዳቱ ዝጸንሖን ዘለዎን ዘይርጡብ ኣተገባብራ መረጋገጺ እዩ። ኣብቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ፡ ሳልሳይን ህዝባዊ ግንባር ናብ ህግደፍ ዝተሰጋገረሉን ጉባአ ዘጽደቖ ቻርተር እንተ ዳህሲስካ፡ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት መለለያኡ ብምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዝኣትዎ ስኑድ ቃል ኣርሒቑ ከም ዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን’ዩ።

ኣብቲ ቻርተር ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብዝምልከት፡ “እቲ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝቢ፡ ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ኣገባባት፡ ተሓታትነት (acountablity)፡ ግሉጽነት (transparency)፡ ብዙሕነትን (pluralism)፡ ምጽውዋርን (tolorance) ዝተመስረተ፡ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክኸውን ኣለዎ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ይርከብ። እዞም ኣብቲ 48 ገጻት፡ ብዙሓት ምዕራፋትን ክፍልታትን ዘለዎ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝጸደቐ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ተበሃግቲ ኣምራት፡ ሎሚ ኣብ ህግደፍዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ሃሰስ ኢልካ ኣሰሮም ኣይርከብን። ብመሰረቱ እውን ኩሉ ትካላት ፈሪሱ፡ ኣብቲ ትካላት ዝዋስኡ ዝነበሩ ባእታታት ከኣ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ሞት ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት በዂሮም ኢሳያስን ውሑዳት ኣሰነይቱን ጥራይ  ኣብ ዝተረፈሉ፡  ትካል፡ ትካልውነትን ተሓታትነትን ከም ቃል’ውን  ዝለዓልሉ ኣይኮኑን።

እቲ ቻርተር ዘስፈሮ ካልእ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ፡ እቲ ቃልስን ጻዕርን ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ዝጅምር፡ ንሕና እቶም ናጽነት ዘምጻእና ወለዶታት፡ ሰረታት ስልጡንን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ከነረክብ ሓላፍነት ተረኪብና ኣለና። ዘለናዮ መድረኽ ምስግጋር፡ ኣብ ግዜ ታሪኻዊ ዕድልን ብደሆን እዩ።” ይብል። ኣብዚ ዓበይቲ  ዘይተተግበሩ፡ እንተዝትግበሩ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ከለምልሙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ሓረጋት ተጠቒሶም ኣለዉ። ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን። ዝሰፈሐ ዕቤትሲ  ይትረፍ፡ ግቡእ ዝርጋሐ መብራህትን ታራ ናይ ኢንተርነት መስመርን ናይ ምርካብ ዕድል’ኳ የለን። ደሓር ርሑቕ ከይከድካ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ሕብሪ ዘይተገላገሉ  ህንጻታት ከተማ ኣስመራ መስከርቲ እዮም።  እዚ ቻርተር ካብ ዝጸሓፍ ድሕሪ 30 ዓመታት እውን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርስ ይትረፍ፡ ንይምሰል’ውን ካብ ኢሳያስ ናብ ኢሳያስ ዘሰጋግር ምርጫ ኣይተፈተነን። ንመጻኢ’ውን ኣብ ህላወ ህግደፍ ከም ዝሰጋገር ምልክታት የለን።  በዚ ከኣ ኤርትራ “ንዝነወሐ ዓመታት  ብግዝያዊ መንግስቲ ዝተመርሐት ሃገር” ኣብ እትበሃለሉ ደረጃ እያ ዘላ።

ቻርተር 1994 ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዘሎ ዘይግበኦ፡“ንዲሞክራሲን ፍትሕን” ዝብል ስም ዝሓዘ ግንባር፣ ራኢታት ኢሉ ካብ ዘስፈሮም ኣብ ቁጽሪ 6፡ “ኤርትራ ምስ ጐረባብታ፡ ብስኒትን ብምትሕብባርን እናነበረት፡ ንዞባውን ዓለማውን ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን ብዓቕማ እተበርክትን እተኽብርን ኣካል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን እያ” ዝብል እውን ካብ ዘስፈሮም’ዩ። ኩሉ ከም ዝርደኦ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ምስ ነፍሲ ወከፍ ንኤርትራ ዘዋስና ሃገራት፡ ብውሕዱ ከክልተ ግዜ ኣብ ውግእ ኣትዩ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንሓንሳብ ብግሁድ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ምስ ንኤርትራ ምስ ዘይዳወባ ሃገራት እውን ኣይተሰሓሓበን ማለት ኣይኮነን። ህግደፍ ከምቲ ዝጭረሖ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶ፡ ሰላም፡ ምርድዳእን ምጽውዋርን ዘቐድም ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስ ኩለን ሃገራት ዘካየዶ ውግኣት ብዘተን ሽምግልናን እንተገደደ ከኣ ብፍርዲ ዘይፍታሕ ኣይነበረን።

“መበገስን መዕለብን ዕላማና፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ነገራውን መንፈሳውን ርውየት ኤርትራ ኣብ ሰላም ዝሰፈና ዓለም እዩ” ከኣ ካልእ ኣብቲ ቻርተር እንረኽቦ ዘይተተግብረ፡ ኣብቲ ንህግደፍ ዘቖመ 3ይ ጉባአ ህግሓኤ ዝተወሰነ እዩ። ነዚ ሰነድ ኣጽዲቑ  “ከተግብሮ እየ” ኢሉ ቃል ዝኣተወ ህግዲፍ እዩ እምበኣር፡ ኣብ ጐኒ ሩሲያ ተጸጊዑ፡ ንወራር ዩክረይን ብዓሰርተ ኣጻብዕቱ ዝደገፈ። ህግደፍሲ ብደረጃ ዓለም ይጽነሓሉ’ሞ ብደረጃ ኤርትራ’ውን ምስ ህዝቢ ዘይተዓርቀ፡ ነገራዊ ይኹን መንፈሳዊ ርውየት ህዝቢ ከረጋግጽ ዘይበቐዐ እዩ።

ኣብ ገጽ 42 ናይቲ ኣብ ጉባአ ናቕፋ ዝጸደቐን ተመላኺዑ ዝቐረበን መኻን“ሃገራዊ ቻርተር”“ናይ ወጻኢ ፖሊሲና ናይ ሰላምን ዘይሻራውነትን እዩ” ዝብል ረዚን ሓሳብ ምስፋሩ፡ ካልእ ነቲ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ ተዓዚብካ ዘገርም እዩ። ብዛዕባ ጸረ ሰላምነት ህግደፍ ዝለዓል ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህውከተኛን ጻሕታሪ ኲናትን” ዝብል ቅጽል፡ ንስም ጥራይ ዝተዋህቦ ዘይኮነ፡ ባዕሉ መሪጹ ብግብሪ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ህውከተኛ ባህሪኡ እዩ ከኣ ብእገዳታት ክቕጻዕ ዝጸንሐን ዘሎን። ብዙሕ ንድሕሪት ኬድካ መዛግብቲ ብዘይምግንጻል፡ ህልዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጐረባብቲ  ሃገራት ኢድ ኣእቲኻ ምሕማስ መለለይኡ  እዩ። እቶም እናመልመለ ኣጽዋር ኣዕጢቑ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘስርጎም  ዘሎ ጉጅለታት ህያው ምስክር ናይ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ጉዳይ ካለኦት እዮም።

“መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፡ ብእኩብ ክግምግም፡ ክውስንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን እዩ” ዝብል ከኣ ኣብ ገጽ 46 ናይቲ ሰነድ ይንበብ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ሓቢርካ ምምዛንን ምውሳንን ይትረፍ እሞ፡ ንስሙ እውን ትርጉም ዘለዎ መሪሕነታዊ ኣሃዱ ዝበሃል የለን። በዚ እያ ድማ ኤርትራ ካብ ንቡር ወጻኢ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ ገባርን ሓዳግን  ናይ ዝወደቓ ሃገራት ኣብነት ኮይና እትጥቀስ ዘላ።

ጥልመት ህግደፍ ብዘይምትግባር ቻርተር ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ነቲ ነዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ቻርተር ኣብ ግምት ኣእትይዩ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ እውን፡ “ዝሞተ ሰነድ” ኢሉ ጉሒፍዎ’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ምናልባት ስልጣኖም ከናውሑ ዝደልዩ ገለ መራሕቲ ሃገራት፡ ናይቲ ብህዝቢ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዓንቀጻት ኣመሓይሾም ንረብሓኦም ከውዕልዎ ዘይቅቡል’ኳ እንተኾነ ይፍትኑ እዮም። ናይ ኤርትራ ግና ፍሉይ እዩ፡ ምኽንያቱ ጸዲቑ ከብቅዕ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ከይተፈተነ እዩ ናይ ሞቱ መርድእ ንህዝቢ ዝተነግረ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ብኽንድዚ ደረጃ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሰነዳት ተኻሒዱ ከብቅዕ፡ ሎሚኸ ካብቲ ጉጅለ  ሓድሽ ነገር  ይጽበ ዶ ይኸውን?

ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገዲ፡ ግጉይን ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱን ዘይሓላፍነታዊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ  ኣብ ዲፕሎምሲያዊ ዝምድናታቱ’ውን  ጐሊሑ ከም ዝረኣ ተመኩሮኡ ይምስክር። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ኩሉ ዝምስርቶ ዝምድናታት ዕድመኡ ሓጺር፡ ውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ኣብ ናይ ውግእን ድኽነትን ዓዘቕቲ ዝነቑት። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን  ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድናታት  ድማ  ብመንጽርዚ ዝምዘን እዩ።

እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይቲ ብሰንክዚ ግጉይን ኣርሒቑ ዘይርእን ተበላጺ ዝምድናታት ናይቲ ጉጅለ ዘጋጠም ኩለ-መዳያዊ ዕዳ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ህግደፍ ዝምድና ኣፍሪሱ ዝበኣሰን ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ክኸፍሎ ዝጸንሐን ዘሎን ምዃኑ እዩ። እቲ ኢሳያስ ባዕሉ ከይተረፈ፡ ደጋጊሙ ናይ ዶብ ከምዘይነበረ ዝተኣመነሉ ውግእ 1998-2000 ዝተኻየደሉ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ ዘጋጠመ ምክልባትን ምርሳይን ምብኻንን ዓመታት ሰሪሑ ዘጥረዮ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ በሰላ  ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ኣብ ድሮ እቲ ውግእ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘስገኦም፡ ህግደፍ ከሎ ግና ንክሓስበሉ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝነበረ ኢምባሲኡ  ብመልክዕ ኣኼባ የቕርብዎ ዝነበሩ ናይ “ከይኮነ ንጠንቀቕ” መተሓሳሰቢ ተገዲሱ ዝሰምዖ ኣካል ኣይነበረን። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ እውን እቲ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ እዩ ተበዲሉ እምበር፡ እቲ ጉጅለ ከምቲ ኩሉ ግዜ ከይሓፈረ ዝብሎ “ኣይከሰረን።”

ካብ ኢትዮጵያ ብምስጓጎም ዝተበደሉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ኣይኮነንዶ ኣባላት ህግደፍ ክነብሩ፡ ንሃገሮም ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት’ውን ርእየምዋ ዘይፈልጡ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ዘጋጠሞም፡  ንተግባራት ሓይልታት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ከማርሩ ጸኒሖም። ናይቲ ጉጅለ ድፍኢትን ተንኮልን እናተወሰኾ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ኣይተሰግረን። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ በደልን ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይሰብኣዊ   ኣተሓሕዛ ናይቲ ተረኽቦን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ዝተሰጉ ግዳያት እንተማረሩ ዝተሓዞም ኣይኮነን። እንተኾነ “ንስኻ እንተዘይተፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ጠንቂ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከኣ ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።ኣብ መጻኢ  መምሃሪ ተመኩሮ ክኸውን እውን ይግበኦ።

ህግደፍ  ኣብ 2018 ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸኾርተት ክብል እንከሎ፡ እቲ ቅድም ዝነበረ ክቱር ፍቕሪ ህግደፍን ህወሓትን  “ክቱር ፍቕሪ ክቱር ጽልኢ ይፈጥር”  ከም ዝባሃል፡ እሞ ናብ ውግእ 1998  ዝተቐየረ፡  ዘኪሮም፡ ስኽፍታ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እቲ ዝምድና “ግሉጽነትን ትካላውነትን ዝጐደሎ፡ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ  ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ብህድኣት ክርኣይ ይግበኦ፡” ንዘበሉ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ “ሰላምና ምስ ኢትዮጵያ ዘሕመሞም ሓሳዳት እዮም” ስለዝበሎ፡ ደድሕሪኡ ዘዳመቑ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን።  ነቲ ኩነታት  ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ሚኒስተር ዝነበረ፡ ነፍስሄር ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኮይኑ ብትብዓት፡ ንዲክታተር ኢሳያስ“ነቲ ግቡእ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ባይቶን ዘየብሉ ክነሱ፡ በይንኻ ምስ ሃገራት ተካይዶ ዘለኻ ናይ ተብተብ ዝምድና እስትራተጅያዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ ጠጠው ኣብሎ” ከም ዝበሎ ዝዝከር እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን፣ ንናይ ቀረባ ግዜ ስንኩፍናን ጥልመትን ዘንጊዕካ፡ ደድሕሪ ህግደፍ ምዕንዳር ባዕልኻ ምውጻኡ ናብ ዘጸግም  መጻወድያ ምእታው ምዃኑ ክንግንዘብ ምተገብአ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብተን ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝነበራ ውሑዳት  ዓመታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ክረአ ዝጸንሐ ወደኽደኽ ገለ ኤርትራውያን ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር በይናዊ ተጠቃምነት ዘተኩር እምበር፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ፡ ድሕሪ ስምምዕ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ምኽታሙ ብዘርኣዮ ዘይምርግጋእ ተቓሊዑ እዩ። ኣብዚ እቶም ተዓሽዮም ደድሕሪኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶም፡ ወደኽደኽ ክብሉ ዝጸንሑ ደገፍቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ’ውን ሰቲ ነስኒሱ ብጫ ምንጻፍ ዘርጊሑ “መጺእካለይዶ ክጽበያካ” እናበለ ባዕሉ ብዝጐተቶ ተመን ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓነን።

ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሸምጠጠ ምስ ሸምጠጠን ክቕጽል ከምዘይክእል ምስተረደአን ድሮ ንኣብይ ኣሕመድ ሕቖኡ ሂብዎ። በዚ ከይተወሰን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካለኦት ኪዳን ክሳብ ምምስራት በጺሑሎ። በዚ ዝተቖተዐ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይካቲ ብዛዕባ ውደብዶ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ክዛረብ ዝውዕሎ  ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ከይተረፈ፡ ደጊም “ብሕጊ ዝዛመደና እምበር፡ ንግዜኡ ዝብለጸልናን ኤምባሲ ከፊቱ ዶላር ክእክብ ምስ ዝውዕል ኣካል ክንዛመድ ኣይንደልን ኢና” ዝበሎ ናብ መን ዘቕነዐ  መልእኽቲ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ነዚ ምጥልላም ኣብ ርእሲቲ ኢሳያስ ደጋጊሙ ክምድሮ ዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ነበር ነፍሰ-ሄር ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ኢሪ-ቲቪ ምስ ጋዜጠኛ ይስሓቕ መሓሪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሓትት፡ “ኢትዮጵያ ንከይትገማማዕን ከይትብተንን ጉዳያ ክትፈትን ከምኡ ድማ ወያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስ ክንሰርሕ እዩ እምነተይ እዩ፡ እዚ ድማ ናይ መንግስትና እምነት እውን ክኸውን እየ ዝደ”  ዝበሎ፡ ክውሰኾ እንከሎ ኣዝዩ  ዘገርም ምግልባጥ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ተመኩሮ ዘይተማህሩ፡ ፍቕሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንድሕሪት ኣይክምለስን’ዩ ዝብል ግጉይ ግንዛበ ኣሕዲሮም፡ “ዝትንክፈና የለን” ብዝብል ኣጉል ጉርሒ ክሳብ ምውናን ትካላት በጺሖም ዝነበሩ ኣብ ወጥሪ ከም ዝኣተዉን እቲ ናይ 1998 ከይድገም ከም ዘስግእን ብዝተፈላለዩ መድያታት ይቃላሕ’ሎ። እዚ ዘተዓዛዝብ እምበር፡ “ፈትዮም ስለ ዝኣተዉዎ ባዕላቶም ይፈልጡ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ብሰንኪ ዘይምስትውዓል ዝተወስደ ንቑጽን ርሑስን ዘይፈለየ ስጉምትን ሳዕቤኑን ዘኪሩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወስዶ ስጉምቲ ሓላፍነታዊ ንክኸውን ምዝኽኻሩ  ኣገዳሲ እዩ። 

ኤርትራውያን’ውን፡ ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ዕብዳኖም ተመሊሶም፡ ክሳብ መዓስ ኢና ናይቲ “ግጉይ ምርጫ ህግደፍ ከፈልቲ ዕዳ ንኸውን?” ኢሎም፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት’ኳ ከድሕንዎ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ እንተበጽሐ፡ ኣብ ካለኦት ሃገራት ካብ ምድጋሙ ክዕቀቡ ይግበኦም።

ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ከባቢና ኮነ ዓለም ዝተፈላለዩ ቅልጡፋት ፖለቲካዊ ለውጥታት ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ለውጥታት ናይ ክብን ለጠቕን ባህሪ ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግን  ብቕልጣፈ ዝሕንበብ ዘሎ እዩ። እዚ ቅልጡፍ ለውጥታት ኣብቲ ዘዝተኸስተሉ ኩርነዓት ጥራሕ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝግለጽ ናይ ቀረባን ርሑቕን ተጽዕኖታትን ጽልዋታትን ኣለዎ። እቲ ጽልዋ ብፍላይ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ዕቤት መራኸቢ ናብ ሓንቲ ስድራቤት ኣብ ዝተለወጠትሉ ዘመን ቅልጡፍን ኣርሒቑ ዝጐዓዝን  እዩ።

ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ልዕሊ 3ተ ዓመታት ዝኾኖ  ኣዕናውን ደማውን ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን፡  ዓመቱ ዘሕለፈ ውግእ እስራኤል ኣንጻር ሓማስን ሂዝቡላህን ብቐጥታ፡ ከምኡ ድማ ምስ ኢራን ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ወጥሪ፡ ምርጫ ሓያል ሃገር ኣሜሪካ፡ ደርሓር ድማ ህልዊ ምዕባለ ሲርያ ካብቶም እውናውያን ኣዘራረብትን ጽልወኦም ኣርሒቑ ዝጐዓዝ ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ምዕባለታት ጠቕላላ ኣሰላልፋ ሓይልታት ክቕይሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ተረኽቦታት እዮም።

ኣብዚ ቀረባና ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝቕጽል ዘሎ ሕድሕድ ውግኣትን ዘኸትሎ ዘሎ ስደትን ምምዝባላትን ዘሻቕል’ዩ።  ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝመስል ዝደኮነኦ “ኪዳን ኣስመራ”፡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ድሕሪ ቃለ መጠይቕ ኢሳያስን ብኢትዮጵያ ኣንጻሩ ዝተዋህበ ግብረ መልስን ዝያዳ ዝጋደድ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነብርቲ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ዘሎ ምክልባትን ዘቕስን ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ሕምስምስ ኣብ ትግራይን ምርጫ ሶማሊላንድን ናቶም ጸላዊ ብጽሒት ኣለዎም። መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብመንጐኝነት ቱርኪ ፍልልየን ብኢህንምሂን ክፈትሓ ምስምመዕን ናይ ኢሳያስ ጃላነት ዘርኢ ተርእዮ እዩ።  እዚ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ፡ ንኢሳያስ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዳግማይ ናይ ውግእ ህርፋኑ ዝኾልፍ ተረኽቦ እዩ።

ናይ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማሊያን ዕጡቓት ሓይልታት ምስራግ፡ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከም ዘለዎ ከም ዘርኢ በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ክለዓል ዝጸንሐ እዩ። ከምኡ ድማ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ሓድሽ ኣንጻር’ቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ብልጽግና ዝምድና ክፍጠርዶ ይከኣል?” ዝብል መድረኻዊ መዛረቢ ሕቶ ክኸውን ምጅማሩ ናይቲ ምዕባለታት ምጽልላው፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ጉጅለኡን ሓሊፉ፡ ኣብቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ዘሕድሮ እወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተጽዕኖ’ውን ግቡእ  ግምት ክወሃቦ ዝግበኦ እዩ።

ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ዝብድሉን መሰላቱ ግሂሶም ዝረግጹን ዲክታተራት፡ ነቲ ዝፍጽምዎ በደላት ከቢድ ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘይድሕኑ ኣብ ርእሲ ዝሓለፉ ተመኩሮታት እነሆ ኣብዚ እዋን ኣብ ሲርያ ተጋሂዱ። እዚ ብመንጽር’ቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገራት ዓጽዩን መሰላት ህዝቢ ነፊጉን ክዕንድሮ ዝጸንሐን ዘሎን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባና ጽልዋኡ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እቲ ጽልዋኡ “ዲክታተር ኢሳያስን ጉጅለኡን ከም’ቲ ሶርያዊ ቤተሰባዊ ወጻዒ ስርዓት ዕድሚኡ ኣኺሉ፡  በሽር ኣል-ኣሳድን ምምሕዳሩን ክወድቕ ናይ ግድን እዩ” ብዝብል ታራ ኣገላልጻ ጥራይ ዝንገር ኣይኮነን። ናባና ናብቶም ምእንቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ዘለና’ውን ዘመሓላልፎ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣለዎ። ወጽዓን ግፍዕን ህዝቢ ሶርያ ክሳብ ክንደይ መሪር  ከም ዝነበረ ኩሉ ገዲፍካ፡ ኣብ ሲድናያ ዝተባህለን ካለኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ ናይታ ሃገር ዘርአ ዘሎ ናይ ግፍዒ ምስክርነት ኣስንባዲ እዩ። እዚ ምስክርነት’ዚ ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ዒራዒሮን ዓዲ ኣብየቶን ካለኦት ኣብያተ-ማእሰርትን ከም ዝደግመኦ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሎሚ ሱርያውን ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተረሸኑን ዝተሓንቁን ቤተሰቦም ክንገሮም  ተሰሪዖም ይረኣዩ’ለዉ። እቲ ሎሚ ተሓቢኡ ዘሎ ድምጺ ኤርትራውያን ግዳያት ከኣ  ጽባሕ ክስማዕን ክረኣን እዩ።

ዲክታተራት “ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ብዝብል ፖሊሲ ዝምርሑ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ዝፈጠርዎ በደል ብምውዳቖም ጥራይ ዝውገድ ዘይኮነ፡ ምስተወገዱ ዝገድፍዎ “ሕማም ደሓር” እውን ኣሎ። ኣብ ሱርያ ድሮ ናይዚ ሕማም ደሓር ምልክታት ይረአ’ሎ። ናይ ኢስራኤል ኣብ ገለ ከባብን ትካላትን ሱርያ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ናይቲ ሕማም ደሓር መርኣያ ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ናይቲ ኣብ ዓለም ተበቲኑ ዝጸንሐ ኣስታት 14 ሚልዮን ሱርያዊ ስደተኛ  ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስ ዕልቕልቕን  ዘድልዮ ቀረብን መጽለልን ካልእ በዳሂ መርኣያ እዩ። “እቶም ለውጢ ዘምጽኡ ኣካላትከ ክሳብ ክንደይ ኣሳንዮም ሃገር ክመርሑ እዮም?” ዝብል ድማ፡ ምስ በሽር ኣል-ኣሳድ ሓቢረን ዝተሳዕራ ሃገራት ብዙሓት ምስ ምዃነን ዘሰክፍ እዩ።

ናይዚ ስኽፍታ መሰረታዊ መፍትሒ እምበኣር፡ ጐኒ ንጐኒ እቲ ዲክታተራት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ፡ ብዛዕባቲ ድሕሪኡ ዝኽሰት ምዕባለ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ “ ዲክታተር ደኣ ይውደቐልና እምበር፡ ድሕሪኡስ  ሽዑ ነርክበሉ” ካብ ዝብል ኣንዊሑ ዘይጥምት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ምውጻእ እዩ። ኣብ ክንድኡ ናይቲ ነካይዶ   ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ቀዳምነት ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ምዃኑ ዘየዳዲ ኮይኑ፡ ግን ድማ “ድሕሪ ውድቀት ህግደፍከ ብኸመይን ናበይን?” ናይ ዝብሉ ሕቶታት ዕቱብ መልሲ ምርካብ ካብቲ ምውዳቕ እቲ ዲክታተርን ምምሕዳሩን ፈሊኻ ዝረአ ዋኒን ኣይኮነን። ነዚ ሕቶዚ ንምምላስ እዩ ከኣ “ቀዳምነታትና ሰሪዕና፡ ፍልልያትና መልክዕ ኣትሒዝና፡ ኣብቲ ዘሰማምዓና ብሓባር እንቃለሰሉ ሰፊሕ ናይ ሓባር ጽላል ምምስራት” ዘይስገር ዝኸውን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ኣካላት ለውጥን ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ዝጽዕትሉ ዘልዉ ተደላይን ዘይስገርን ዝኸውን እምበኣር ብመንጽር’ዚ ስለ ዝቃነ እዩ።

ስለዚ ቀዳምነት ቃልስና ነቲ ዘይተርፍ ምውጋድ ዲክታተር ምቅልጣፍ ምዃኑ ኣሚንና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ምስኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱ ክትኮነልና ንብህጎ፡ ብምውጋዱ ጥራይ ስለ ዘይረጋገጽ፡ ንድሕሪ ውድቀት ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ምድላው ከም ዘድልየና ኣይንዘንግዕ። እዚ ድሉውነት ብሓደ ውሱን ኣካል  ናይቲ  ምእንቲ ለውጢ  ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ንእመን። ናይ ኩልና እቶም ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ተሰኪምና ዘለና ምዃኑ ከኣ ንገንዘብ። ነዚ ተገንዚብና ድማ ብሓባር ክንስጉም ኣብ እንግደደሉ መድረኽ ምህላውና ንረዳእ።

ዝተወደበ ኣካል ይኹን ባእታ፡ ካብ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ፈሊኻ ምርኣዩን ምምዛኑን የጸግም’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኽተል ጉጅለ ይኹን ውልቀሰብ ብፍላይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ  ናጻ ሃዋህው ኣብ ዘየብሉ ኩነታት  ተኸኣኢልካ ምንባር ኣጸጋሚ እዩ። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ምርሕሓቕ ከኣ ኣካልነት ወይ ሰብነት  ዘይኮነ፡  ኣተሓሳስባ  ዝፈጥሮ ፍልልይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ንክንቃለስ ዝድርኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይቶም ኣብኡ ተጸፍዮም ዘለዉ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ  ዝኽተልዎ ተጻባኢ ኣተሓሳስባ እዩ። ግና ድማ እቲ ኣተሓሳስባ ብዘይቲ ዘንቀሳቕሶ ኣካል ድዩ ጉጅለ ግብራዊ ህልውና ስለ ዘየብሉ፡  ምስቲ ዘተግብሮ ኣካል ኣብ ምርሕሓቕን ምስሕሓብን ክእቶ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብናጻነት ምንጽብራቕ ዘኽእል ሕጋውን ዲሞክራስያውን ባይታ ኣብ ዘየብሉ፡ እቲ ፍልልይ ከምዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ኪኖ ብኣተሓሳስባ ምርሕሓቕ፡ ኣብ መንጎቶም ብሓሳብ ዝፈላለዩ ጽልእን ምጥፋእን ከም ከጋጥም ኤርትራውያን ንነብሮ ዘለና እዩ።

ሓደ ኣካል ምስ ግዜን ምዕብልናን ኣተሓሳስባኡ ክቕይር ይኽእል’ዩ ኢልካ’ ምግማት ይከኣል’ዩ። ካብዚ ነቒሉ ምስቶም ኣንጻሩ ዝጸንሑ ናይ ምስላፍ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ ዘገርም ኣይኮነን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣካል  ግና ካብቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡ ንድሕሪት ክምለስ ኣብ ዘይክእለሉ ዝጠሓለ ስለ ዝኾነ፡  ካብ መዓሙቕ ድርቅና  ወጺኡ፡  ወገን ህዝቢ ኮይኑ ክስለፍ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ንሓደ ኣካል ካብ ፖለቲካዊ  ኣተሓሳስብኡቡ ወጻኢ፡ ምኽኑይ ብዘይኮነ መዕቀኒ ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣዩ   ቅኑዕ ኣይኮነን። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ግምት ከይሃካ፡ ብዓዲ፡ ጾታ፡ እምነትን ካልእን ምስ ዝፍለየካ ምጽላእ’ውን ከምኡ ናብ ግጉይ ናይ ቃልሲ መንገዲ ዝመርሕ እዩ። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መሰላት ህዝቢ ዝዕምጽጽ፡  ነብሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ምቕታልን ምስዋርን ዝመርጽ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ውግእ ዝወልፍ፡ ኮታ ህዝቢ ኣብ ሃገሩን ጸጋታታን ወሳኒ ከይከውን ዝኸልእ ጨካን ምዃኑ፡ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ዲክታተር እንተዘይከውን፡ ከም ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዝኾነ ጥራይ ኣይመተጸልአን። ስለዚ ናብዚ ዘለዎ ዝተጸልኣ ደረጃ ዘውደቖ ኣተሓሳስባኡ እዩ። ህዝብናን ውድባቱን ኣንጻር’ቲ ጉጅለ ዲክታተር ዝቃለሱ ዘለዉ’ውን  ንኢሳያስ ከም ሰብ ስለ ዝጸላእዎ ዘይኮኑ፡ ብሰንክቲ  ዝዓበየሉን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፎን ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲን ዕቤትን ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን እዮም።

ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝዕወት፡ እዞም ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መራሕቲ ከም ሰባትን ተኣኪበምሉ ዘለዉ ጉጅለን ክውገዱ እንከለዉ ጥራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰብ እንተኸደ ሰብ ከም ዝመጽእ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ። ዝኸደ ምስ ከደ እቲ ዝትክእ ሓድሽ ኣካል፡ ነቲ ዝነበረ መርዛም ዘወግድ ኣተሓሳስባ ሰኒቑ፡ ሓቀኛ ወገን ህዝቢ  ምስ ዝኸውን ቅቡልን  ውጽኢታውን ይኸውን። እቲ  ብህዝቢ ዝተፈንፈነን ዝኣረገን ኣተሓሳስባ ብሓድሽ ሰብ ይኹን ጉጅለ ተመላኺዑ ምምጻእ ግና ተቐባልነት ኣይረክብን።

ቅድሚ 6ተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን፡ “ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ”  ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ተነዚሑ ነይሩ። ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ዝመሃዞ ስለ ዝነበረ፡ ኣጽቂጡ ይከታተሎ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ምናልባት ተቐባልነት ኢሳያስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝነበረ ንምርዳእ ዝተማህዘ እዩ ነይሩ ዝብልዎ ነይሮም።  እቲ ኩነታት ኣፍካ መሊእካ “ክትኣምኖ ወይ ክትክሕዶ” ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ እንተ ተመርኲሱ “ሕራይ ኢሳያስስ ከይዱ ንበል ኣተሓሳስባኡኸ?” ብዝብል ርእሰ ዓንቀጽ ጽሒፉ፡ እቲ መፍትሒ ናይ ሰባት ምኻድን ምምጻእን ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእን ዘይምምጻእን ምዃኑ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ ይዝከር።

እዚ ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ዝንዛሕ ወረ ኣዘንጊዑ ድሕሪ ዝተወሰነ ወቕቲ ዝመጽእ እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ ሰሙናት ድማ “ህግደፍ ድሕሪ 30 ዓመታት ጉባአ ከካይድ እዩ። ኣብዚ ጉባአ ከኣ ኢስያስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ መዚ ናይቲ ግንባርን ሓለፍቲ ዞባታትን ኣሰናቢቱ ብመንእሰያት ክትክኦም እዩ። ንዓኣቶም ዝትክኡ መንእሰያ ድማ ብኣምሳሉ ቀሪጹ ቀሪብዎም ኣሎ”፣ ዝብል ወረ፡ ብኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ይገማዳሕ ኣሎ። እዚ ወረ’ዚ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓበሬታ  ዕጽዋን ናይቲ ግንባር ዘይግሉጽነትን፡ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ተኣማሚንካ “ክኸውንዩ ወይ ኣይከውንን እዩ”  ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። “እንተ ዝኸውንከ?”  ኣብ ዝብል “እንተ” ተመርኲስካ ሚዛን ምንባር ግና ይከኣል።

ብመሰረቱ እቶም ተካእቲ “ኢስያስ መልሚሉ ዘቕረቦም መንእሰያት እዮም” ዝብል ወረ ብዙሕ ሕቶታት ዝምልስ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቶም ኣብ ስልጣን እንከለዉ’ውን ዘየስርሖም ክጉሕፎም  ምምዳቡ ምስቲ ኣካይድኡ  ደንጉዩ’ኳ ዘብል እምበር፡ ሓድሽ ኣይመኾነን። እቶም ዝትክኡ ከኣ ብዕድመ እምበር፡ ብኣተሓሳስባ ኢሳያስ ዝተጠመቑ ካብ ኮኑ፡ ህዝብና ዝተጸበዮም መንእሰያት ኣይክኾኑን እዮም። ምኽንያቱ ኢሳያስ ካብ ብኣምሳሉ ሓሊፉ፡ ብዝሓሸን ጸዋዒት ህዝቢ ብዝሰምዕን ኣተሓሳስባ ዝቐረጾም እዮም ኢልካ ምጽባይ ሕልሚ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ነቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዘብለጭልጭ ሕብርታት ይቐብኦን ብናይ ዕድመ ንእስነት  የጸባብቖን ይኸውን። እዚ ከኣ ንህዝብና ካብ ወጽዓ ዘላቕቖ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ሓድሽ ወጻዒ ዘውድቖ  እዩ። 

ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡’ ብናይ ሰባት ምቅይያር ኣይምለስን እዩ። ብርግጽ መንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነቱ ክርከብ ኩልና እንብህጎን እንቃለሰሉን እዩ። እቲ ሓላፍነት ክርከብ እንብህጎን እንጽውዖን መንእሰይ ግና ኢስያስ ብኣምሳሉ ዝቐረጾ ዘይኮነ፡ ወጽዓ ህዝቡ ተረዲኡ ቃልሲ ሓርነት ናይ ምዕዋት ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝስከም እዩ።

መንእሰይ ሓላፍነት ንክርከብ ዝጽዋዕ፡ ብዕድመ ንኡስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዕድሚኡን ዘመናውነቱን ዝምጥን፡ ነዚ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ “ወጊድ” ኢሉ፡ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ ትጽቢት ስለ ዝግበረሉ እዩ። ብዕድሚኡ ዝነኣሰ ብኢሳያስ ተመልሚሉ፡ ንዲክታተርያዊ ኣተሓሳስባ ብዓቕሚ ንእስነቱ ከተግብር ዝንቀሳቐስ ግና፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ብንእሱ ዝኣረገ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ። እቲ ሓቀኛ መንእሰይ፡ ብንኡስ ዕድመኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ የማነ-ጸጋም ኣመዛዚኑ ናብ ለውጢ ዘማዕዱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ኣይዘንግዕ። ስለዚ ንሓደ ኣካል ክንድግፍ ኮነ ክንቃወም፡  ክንጸልእ ኮነ ክንፈቱ፡ መዕቀኒና ናይ ሰባት ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ኣውራጃን ካልእ ናይ መንነት መግለጽን ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይግበኦ።

ህዝቢ ኤርትራ ተግባራት ህግደፍ ተረዲኡ፡ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ክስሕብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብ ህግደፍ ተስፋ ናይ ምቑራጹ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ትካል ኮነ ከም መራሒኡ ንዝኣተውዎ ቃል ዘየኽብሩ ምዃኖም እቲ ቀንዲ እዩ። ኣብ ዝኣተኻዮ ቃል ዘይምጽናዕ፡ ናይቲ ጉጅለ ባህሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ  ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብብዙሕ መልከዓትን ኣገባባትን ዝግለጽ’ውን እዩ።

ህግደፍ ኣብ ኤርትራ  ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ዝትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተኸቢርሉ ናይ ጸጋታቱ ማዕረ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝምስረት ዝምድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተሰረተ ከም ዝኸውን ክግበር፡ ኮታ ክሳብ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝብል ትስፉው ዝመስል፡ ግና ዘይትግበር  ቃል ዝኣቱ ዝነበረ ጉጅለ እዩ።

እቲ ዘይትግበር መብጸዓታት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ክሰርሖን ክፍንጠሖን ዝጸንሐ ዘይርጡብ ርክባት ናይ ዘይተኣማንነቱ ኣብነት እዩ። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ተመኩሮ ዝምድናኡ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ክልል ትግራይ ክኸዶ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ዝያዳ ኣስተብህሎ ዘድልዮን “ኣየናይ ክከሓድ ኣየናይከ ክእመን” ዘብልን እዩ። ምልስ ኢልካ ሓጺር ዳህሳስ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ተበላጺ ፍቕሪ መስሪቶም፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ጸረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጸምዎ በደል፡ ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ ክዝከር ዝነብር እዩ።

ክልቲኦም ውድባት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝተወሰነ ዓመታት ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዓት’ኳ እንተነበሮም፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክተፋነኑን ክካሰሱን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ  ኣዝዩ መሪርን ዓለም ዘሰንበደን ኣጽናቲ ውግእ ኣትዮም፡ እዚ ዘይባሃል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት  ኣውሪዶም። እቲ ዘሕዝን ከኣ ደሓር’ውን ነዚ ኣሉታዊ ተመኩሮን ክሳራን ኣብ ክንዲ ዝመሃርሉ ብኻልእ መልክዕ ምቕጻሎም  እዩ።  

ኣብ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብሓፈሻ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ’ኳ ብሩህ  እንተነ በረ፡ ብፍላይ ኣንጻር’ቲ ኣብ ትግራይ ገዛኢ ዝነበረ ውድብ ህወሓት  ዘቕነዐ ምንባሩ ግና ምልክታት ነይሮም እዮም። ኢሳያስ እቲ “ወያነ ደጊም ጸወታ ተወዲኡ (WEYANE GAME OVER)” ዝበሎ ጭረሖ ኣቃሊሑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣምረሐ፡ ፈታዊ ብልጽግናን ጸላኢን ህወሓትን ኮይኑ ክስለፍ ከም ዝወሰነ ርኡይ ነይሩ። በቲ ኣብ ኣደባባይ ዘስመዖ ቃል ከም ዝጸንዕን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ቃል ንሓዋሩ ከም ዘይዕጸፍን ገይሮም ዝተረድእዎ  ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ናይ ቅድሚኡ “ኣሚንካ ናይ ምኽሓድ” ባህሪ ናይቲ ጉጅለ  ዘይዘንግዑ ወገናት ግና፡ “ኢሳያሲ ካብ መዓስ እዩ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ዝፈልጥ?” ዝብል ምልክታኦም ዘንጸባረቑን  ኣንጻር’ቲ ሐደገኛ ኣካይድኡ  ብሰልፍታት ብሰልፊ ከይተረፈ ተቓውመኦም ዝገለጹን ወገናት’ውን ነይሮም።

ነዚ ሓጺር ዝዕድሚኡ መብጸዓ ኢሳያስ ንምርጓድን ምምዕራግን ዝተዛረቡ ናይ ቀረባ ልኡኻቱ’ውን ነይሮም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብታ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከም ናይ ምሳኻ ኢና ዘለና መልእኽቱ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ምቕሉል መራሒ ረኺባና’ለና” ዝበለሉ ኣጋጣሚ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘስደመመ ኣዛራቢ ተረኽቦ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ “ኣነ ኢትዮጵያ ከይተበታተን ከይትገማማዕን ውያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስን እየ ዝድግፍ” ዝበለሉ  ኣጋጣሚ ከኣ ካልእ መስደመም ነይሩ።

ሎሚ በቲ ሓደ ወገን  ኩሉ’ቲ ንኢትዮጵያ ከም ሃገርን ንመራሒኣን ብህግደፍ ክወሃብ ዝጸንሐ ክብርን ናእዳን ክጥለም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ንትግራይ ዘጸልም ዝነበረ ቃላት  ይዕረ ከም ዘሎ ዘመላኽት፡ “ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝብል ዜማ ወዲ ገብሩ፡  ዘዘኻኽር ሃቐነታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ህግደፍ ሓሳቡ ከንጸባርቓሉ ብዘዋፍረን መድያታት፡ “ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብልናን፡ ውግእ ምስ ትግራይ ንረብሓና ኣይኮነን……  ወዘተ”  ዝበሃል ዘሎ ተዓዚቦም፡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ  ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። “እቲ ቅድሚ ሕጂ  ንህዝቢ ትግራይ ተዘራርዮም ድከቱ ዘስትይዎ ደኣ እንታይ ጽልኢ ስለዝነበሮም እዮም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ከም ዝኸውን እንድዒ።

ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ፕሮፖጋንዳ  ህግደፍ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ኣቶ ሰለሙን ድራር ኣዋፊሮም፡  “ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ጐኒ ትግራይ ኢና፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝገሃስ እንተኮይኑ፡ ከምቲ መጀመርያ ወያነ ብረታዊ ቃልሲ ክትጅምር እንከላ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ድሓር እውን ህዝባዊ ግንባር ምስ ኮነ መሊሱ፡ ዝገበሮ ኣበርክቶ እቲ ኣጠማምታ ከምኡ እዩ ክኸውን ዝግበኦ፡ ከምኡ እዩ ከኣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ። ሕጂ እውን ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ቆልዓ ናብ ካልእ ጌጋ ከይወስዳ ክትጥንቀቕ ይግባእ፡” ይብል።  እቲ ኣብ “ኣራት ኪሎ” ዘሎ ቆልዓ” ዝበሃል ዘሎ፡ ትማሊ ብኢሳያስ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ” ዝተባህለ፡ ታሕጓሱ ንምግላጽ ድማ፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብስም ኤርትራ እንተተዛረብኩ ኣይትሰንብዱ፡ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ እዩ”  እናበለ ዘኽመስምስ  ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምዃኑ እዩ።

ብወገን ትግራይ’ውን፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ጀሚርካ፡ ክሳብ ደገፍቶም ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታት ምስ ህግደፍ ይራኸቡ ከም ዘለዉ ብምእማን፡  ናብቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ውግእ ዘርዚርካ ብዘይውዳእን ክሳብ ብናይ “ጽንተት/GONECIDE/ ገበናት ዝኸስዎ ዝነበሩ ጉጅለ ህግደፍ ዘመዓድዉ  ዘለዉ ይመስሉ። ዋላ’ኳ ከምቲ “ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዎ”  ከም ዝበሃል፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ምፍጣር ጸገም የብሉን” ብዝብል ከጎልብብዎ እንተፈተኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህግደፍ ምስኣቶም ክዛመድ ከምዘይክእል ዝስሕትዎ ኣይኮኑን። ክሳብ  እቲ “ህግደፍ ዝወገኣና ብኣብይ ኣሕመድ ተዓዲሙ እዩ፡ ስለዚ እቲ ገበነኛ እቲ ዓዳማይ እምበር፡ እቲ ተዓዳማይ ኣይኮነን”  ምባል በጺሖም፡ ንህግደፍ ካብ ገበን ከንጽህዎ ዝደናደኑ ከም ዘለዉ’ውን ይስማዕ እዩ።

ናይዚ ምግልባጥ ትርጉም፡ ነቲ ህግደፍን ብልጽግናን ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ዘካየድዎ ውግእ፡ ናብ ህግደፍን ህወሓትን ሓቢርካ፡ ኣንጻር ብልጽግና ምስላፍ ምቕያሩ እዩ። ስለዚ እቲ ብናይ ክሳብ ሕጂ  ዘይቅዱስ ዝምድናን ቃልን ህግደፍ ዘይረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዝእለም ዘሎ ሓድሽ ውዲት’ውን ንረብሓኡ ከምዘይከውን ተረዲኡ ክበራበር ንጽውዕ።  

ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ ምዕራፍት ቃልሲ ኤርትራ ኮነ ኣብ ዓለምና ብግብሪ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክንድ’ቲ ኣብ ቃልሲ ብዝኸፈሎ  ዋጋ  ናይ ዓወት ወሳኒ ዝነበረ፡ ነቲ ብቓልሱ ዘመዝገቦ ዓወት  ብዝምጥን ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከኣ ሓደ ገጽ ናይ ተመኩሮኡ እዩ።  ቀንዲ ተልእኮ ናይዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ድማ፡ ነዚ ህዝብና ዘለዎ ዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።

ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ በቲ ዝተጸበናዮ ኣገባብ ኣብቲ ዝተለምናዮ እዋን ቀልጢፉ ናይ ዘይምዕዋቱ ምኽንያታት ካብ ዝበሃሉ እቲ ቀንዲ ናይ ህዝብና ከምቲ ዝድለ ተቢዑ፡ ኣብቲ ናይ ቃልሲ ማዕበል ዘይምዕሳሉ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝጥቀስ እዩ። ብግብሪ’ውን ኣብቲ ናይ ቃልሲ ሜዳ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ንህልዊ ፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራን ናይ “ዓይንን ሓመድን” ዝምድና ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ብቐረባ ዝተገንዘቡ፡  ወገናት ድማ፡  “ስለምታይ ኣሰላልፋ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ወጻዒኡ ህግደፍ ይኸውን?”  ንዝብል ሕቶኦም፡ ነቲ ህዝቢ ብምንእኣስ  ደጋጊሞም ክዛረብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ኣብ ናጽነት ዘብጸሐ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ኣብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብልሑን ትብዓቱን ነኪዩ ርእሱ ከም ዘድነነ እቶም ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ንፈልጦ ኢና። ምኽንያቱ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ክንድቲ ክኾኖ ዝነበሮ ዘይምህላዉ ንክሕዶ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ቀንዲ ውጹዕን ብስዕረት ህግደፍ ዝጥቀምን ንሱ እናሃለወ ምዃኑ ከኣ ኣባና ኣብቶም ኣብቲ ቃልሲ ዘለና ከይተረፈ ኣገራሚ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቶም ኣበይ ይሃሉ ብዘየገዳስ፡ ንህልዊ ኩነታት ህዝብና ብግቡእ ዘይርድእዎ ነቲ ህዝቢ ክሳብ “ንወጽዓን ባርነትን ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ” ብዝብል ዘይቅቡል ስነመጎት ክገልጽዎን ከነኣእስዎን ይህቅኑ እዮም።

እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ስቕታኡ፡ ብመጀመርያ ለውጢ ካብ ዘይምብሃግ ዝነቅል ዘይምዃኑ ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ነባሪ ደኣ ኣይክኸውንን እዩ እምበር፡ ለውጥን ዓወትን እናበሃገ፡ ኣብ   ትሕቲ “ኣዝዩ  ጽንዑን ጨካንን ኣብ ሓደ ስድራቤት ከይተረፈ ምትእምማን ዘጥፍእ፡ መርበባዊ መቑሕ ምቁጽጻር ጉጅለ ህግደፍ” ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብዘይካቲ ነባር፡ ስሩዕን ግሉጽን ተቓውሞ፡ ከም በርሊን ማኒፈቶ፡ ጉጅለ 15፡ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ዝኣመሰሉን፡ ገሊኦም በላሕቲ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተረኽበታትን ካለኦት ደሃዮም ዘይተሰምዑን ምኽሳቶም፡  እቲ ዝድለ ለውጢ’ኳ እንተዘየረጋገጹ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግዜኡ ሓልዩ ዝነቱግ ህዝባዊ ናይ ለውጢ እሳተ-ጐመራ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ እሞ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክናበብ ዝግበኦ ዝተፈላለየ መልክዓት  ዝሓዘ ናይ ቃልሲ ውዳበታት፡ ነቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ዘነሃህር እምበር፡ ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ “ኣነ እንተዘይሓሰብኩልካ” ብዝብል ግጉይ ፈሊጥን ሸፈጥን ንግደ ህዝቢ ካብ ቃልሲ ዘውጽእ ከም ዘይኮነ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንባብ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብን ኣድማዒ ንክኸውን ከምቲ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤ (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ መድረኽ “ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዩ ዘሎ። ኣብ  ኤርትራ ከኣ ክወድቕ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክወድቕ ዝኽእል፡ ቀለበት ናይቲ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ካብቲ ስርዓት ተሰዊሩ ዘሎን ኣብ ወጻኢ ዘሎን ተቓውሞ ዘሎ ናይ ምትእስሳር ቃለበት ክድልድል ኣለዎ። ንውሽጢ ኤርትራ ከኣ እቲ ቀንዲ ዓውዲ ተቓውሞ ክንገብሮ ክንክእል ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ዘየንጸባረቐ ተቓውሞ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ” ዝበሎ፡ “ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ ኣለና?” ኢልና ክንሓትትን ተገዲስና ክንምልሶን ናይ ግድን እዩ።

እቲ ምስ ህዝቢ ዝግበር ምትእስሳርን ምንባብን ንክዕወት፡፡ ናይቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ  ማዕረ ቅሩብነትን ተገዳነስትን የድሊ። ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስነት ምውዳብ ክረዳእን ናይቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መድረኽ ስለ ዝተነፍገ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ውድባታትን ህዝባዊ ማዕበላትን ኣካይዳ ብተገዳስነት ክቋመቶ ይግበኦ። ነቲ በብግዜኡ ብህግደፍ ኣብ ድርኩዂቱ ዝእለም ረቂቕ ተንኮላትን እውን ከስተብህለሉ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ እምበር፡ ተጸባዪ ለውጥን ተዓዛብን   ከምዘይኮነ’ውን ክግንዘብ ይግበኦ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሰንኪ ሕጽረት መራኸቢ፡ ሕድሕድ ንምንባብ ውሽጥን ውጻኢን ከምቲ ዝድለ ዘይጥዕም ምዃኑ’ኳ ርኡይ እንተኾነ፡ ህዝቢ በታ ዝረኽባ ጸባብ ዕድል ነቲ ብማሕበራዊ መራኽብታት ዝዝርጋሕ ደሃይ “ስረሐይ” ኢሉ ክከታተሎ ይግበኦ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ውዳበታት ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ህይወት ዝድህስስ፡ ንሓድነት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ዝምጥን ዘመላኽትን ብሩህ  መጻኢ ዘርእን ክኸውን ተመራጺ ምዃኑ ክስሕት ኣይግበኦን።

ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካኣዊ ውዳበታት ህዝቢ ዝቕበሎ፡ን “ይገልጸኒ እዩ” ዝብሎን፡ ግሉጽን ንጹርን ሓሳብ ከመሓላልፍ ይግበኦ። እቲ ካልእ  ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ለውጢ፡ ዋና ሃገሩን ወሳኒ ዲሞክራሲያዊ መስርሑን ምስኮነ፡ ሕገመንግስቲ ኣውሒሱ፡ ኣብ ሕጋዊ፡ ስሩዕን ናጻን መድረኽ ክውስኖም ዝግበኦም  ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ግደኡ መንዚዕካ ኣብ ዘይህላወኡ ወሳኒ ኮይንካ ካብ ምቕራብ  ምዕቃብ’ውን ህዝቢ እምነቱ ከንብረልካ፡   ሓጋዚ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ስለዚ ምስቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ  ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝብህግ ህዝቢ፡ ምንባብን ተጸባይ ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ቃልሲ ከም ዝኸውን ምሕጋዙን ምጽዓት ወሳኒ እዩ።  ንሱ ዘየሰነዮ ቃልሲ፡ ክዕወት ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ምስኡ ተዋሃሂድና ብሓባር እንስጉመሉ መድረኽ ምፍጣር ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ፡  እዋናውን  ወሳንን እዩ።

ህዝቢ፡ ሃገርን መንግስትን ሓቢሮም ናይ ሓንቲ ሃገር ህልውና ምሉእነት ካብ ዘረጋግጹ ባእታታት እዮም። ካብዚኣቶም  ናይ ሓደ ምብኳር ወይ ብግቡእ ዘይምስራሕ፡ ነቲ ህልውና ምሉእ ኣይገብሮን። ኣብዚ “እቲ መንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ?’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ “መንግስቲ እየ”  ዝብል ነቲ ህልውና ምሉኡን ህያውን ስለ ዘይገብሮ። ነዚ ሕቶዚ ኣብ ምምላስ ናይቲ መንግስቲ ኣመጻጽኣ ኣብ ግምት ምእታው ገላጺ ገደ ኣለዎ።

“እንታይ ዓይነት መንግስቲ?” ዝብል ሕቶ ዝለዓል፡ ብመንጽር ክሳብ ክንደይ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዋጋ ንክኸፍል ዘለዎ ድልውነት፡ ንምርኣይ  ስለ ዘኽእል  እዩ። መንግስቲ ናብ  ህልውና ዝበቕዓሎም ዓመጽን ዕልዋን ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ መንግስቲ ኩለ-መዳያዊ ናይ ህዝብን ሃገርን ባህጊ ልምዓትን ደሕነትን ክምልስ ዝበቅዕ ክኸውን እንከሎ ምዃኑ ንብዙሓት ዘረዳድእ እዩ። መንግስቲ ናብዚ ንክበጽሕ ብምርጫ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ኮይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ከኣ ምቅብባል  ስልጣን ሰላማውን ሕጋውን ክኸውን ኣሚኑ ብእኡ ዝግዛእ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓይሊ  ዝተጻዕነ ስለዝኾነ፡  ናብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ገጹ ዝቐርብ ኣመጻጽኣ ኮነ ባህሪ የብሉን።

መንግስቲ ጥዑይ ምሉእነት ንክህልዎ ነናቶም ሓላፍነትን ናይ ስልጣን ደረትን ብዘለዎም  ሓጋጊ፡ ፈራድን ፈጻምን ኣካላት ዝቐውምን ንጹር ናይ ስልጣን ምክፍፋልን ደረት ተሓታትነትን ዝቕበልን ክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ናይ ስልጣን ኣካላት የለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ሓላፍነታት ተጠቕሊሉ ብሓደ ውልቀ ዲክታተር  ዝተባሕተ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ሰላም ዝዕቅበሎም ትካላት፡ ጸጥታ፡ ፖሊስን ካለኦትን ይህልዉዎ። ሰራዊት ከኣ  ካብቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ሰፊሕ ግደን ዓሚቕ ሓላፍነትን ዘለዎ ሓላው ሃገር እዩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ከኣ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ብፍላይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ከይድፈር ንምክልኻል ድልዊ ኮይኑ  ዶባት ዝሕሉ  እዩ። ሰራዊት ናይ መሬት፡ ባሕርን ኣየርን ልኡላውት ምውሓስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ካብ ሃገር ተፈልዩ ዘይርአ ህዝቢ ልኡላውነትን ክብርን ዝዕቅብ እውን እዩ። ህዝብን ሃገርን ንሓደ ካብቲ ካልእ  ፈሊኻ መግለጺ ልኡላውነት ዝኾኑ ዘይኮኑ፡ ናይቲ ሓደ ልኡላውነት ብዘይካ ናይቲ ካልእ ጐደሎ እዩ ዝኸውን። ግደ ሰራዊት እምበኣር፡ ኣመጻጽእኡን ባህሪኡን ብዘየገድስ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ  ህልውናን ቀጻልነትን ምውሓስ’ውን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዓመጽቲ ዘይህዝባዊ መንግስታት ከይተረፉ ብእኡ ዝሕለው  እዮም።

ሰራዊት ሓቀኛ ረብሓ፡ ህልውናን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝሕሉ ንክኸውን፡ ኣመጻጽእኡ፡ ኣመላምልኡን እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ዝኣትዉ ረቛሕታት እዮም። ብመንጽርዚ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይድሌቱ ካብ ዓውዲ ትምህርትን ካልእ ሞያን ተገዲዱ ዝተሰለፈ፡ ኣብቲ ዝስልጥነሉ መደበራት  ንሓደ ፍሉይ ጉጅለ ጥራይ ዘመጉስ ዝንቡዕ ጽልዋ ከም ዝሓድሮ ዝተገብረ፡ “ስለምንንታይ?” ኢሉ ዘይሓትት፡ ህዝቡ እናተበደለ ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ከም ዝኾነ፡ ናይቲ በዚ መስርሕ ዝሓልፍ ዘሎ ሰራዊት ኣባላት ዝነበሩ፡ ካብኡ ወጺኦም ሓሳቦም ብናጻ  ዝገልጽሉ ዕድል ምስ ዝረኸቡ  ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ሓቢሩ መሪር ህይወት ዘሕልፍ ዘሎን ከገድደሉ ዝኽእል ኣጽዋር ዝተዓጥቀን ብምዃኑ፡ ናይ ህዝቢ ድምጺ ሰሚዑ በጃ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎ። ካብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቱን ፖለቲካዊ  መራሕቲ ኢና በሃልትን፡  ዝጥምትሉ ቀይናን ኣረኣእያን ወጺኡ ዋልታ ህዝቢ ናይ ምዃን ዝነበሮ ሓላፍነት  ኣይተግበረን። “ተኣዚዘ እየ” ዝብል ዘይቅቡል መህደሚኳ እንተለዎ፣ ባዕሉ ኣሳርን ዓማጽን ኮይኑ ብምውሳእ’ውን ህዝቡ ዘቐይም ዘሎ እዩ።  በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፍላይ ንዕኡ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ናይ ዘእቱ ተንኮላትን ብህግደፍ ዝህንደሱ  ውግኣትን ኣሳሳይን ተግባርን ኮይኑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን።

እዚ ሰራዊት ብሰንክ’ዚ ተግባሩ ብውሕዱ “ናይ ውግእ ገበነኛ” ተባሂሉ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ዝኽሰስ ዘሎ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ ዘኽብድሉ ወገናት’ውን  ኣለዉ። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ክሰማመዓሉስ ዘይፈልጦ፡ ኣንጻር ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን እናበልካ ዘርዚርካ ኣብ ዘይውዳእ ውግኣት፡ ክንቆት ብምጽንሑ ብወረራን ዓማጽን ክግለጽ ዝጸንሐ ሰራዊት እውን እዩ። ከምቲ “ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ግና ዕብዳን” ዝበሃል፡ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩ ናብ ንቡር ስለ ዘይተመልሰ፡ “መርወዪ ህርፋን ውግእ፡ መራሒ ህግደፍን መጋበርያታቱን” ዝብል ቅጽል ካብ ዝወሃቦ ነዊሕ ኮይኑ’ሎ። እንተ ህግደፍ ሎሚ እውን ብውግእ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዘመዓዱ ዘሎ ይመስል።

ካብ ህዝቢ ኤርትራ መብዛሕትኡ እቲ ሰራዊት መሳርሒ ናይቲ ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉጅለ እምበር፡ ረብሓታቱ ዝሕልወሉ ከምዘይኮነ ተገንዚቡ እምነቱ ኣብ ዝስሕበሉ ደረጃ በጺሑ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶ ኣዘዝቱ ጸጋታቶም ዘኻዕብትሉ ውግኣት ተጠቢሱ ክሃልቕ እንከሎ፡ ወለዱ ኮኑ ስድራ ቤቱ ኣብ ክንዲ ብኣኡ ዝጥወሩ፡  ብሞቱን ብዝኽትምና ደቁን  ኣይነብዑን ኣይሓዝኑን ማለት ግና ኣይኮነን።  እቲ ሰራዊት’ውን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ገጽ ይኸልኦን ይቕየሞን ከም ዘሎ ዘይርደኦ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ከም ትካል ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ህዝቢ ናይ ምድሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡  ነብስኻ ኣግሊልካ ንውልቅኻ ምድሓን እዩ። እዚ ናይቶም ነቲ ስጉምቲ ዝወስዱ መንእሰያት መሰረታዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ  በብኹርናዑ ኣብ ስደትን ጉዕዞ ናብ ስደትን ንዕዘቦ ዘለና።

ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህዝቡ ሓባሲ ንብዓትን ሓብሓብን ክኾነሉ ዝግበኦ ዝነበረ ግዜ  ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ፡ ርኡይ እዩ። ግና ድማ ከምቲ “ናይ ትማሊ ግጉይ ተግባርካ ናይ ሎሚኻን ጽባሕካን ከየበላሽወልካ ኣስተብህል” ዝበሃል፡  ኮንደኾን “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” እዩ’ሞ  ንገዛእ ርእሱን ህዝቡን ናብ ምድሓን ኣይምለስን ኢሎም ዝትስፈዉ ወገናት ኣለዉ። እዚኣቶም “ከም ኣፍኩም ይግበረልኩም” ዝበሃሉ እዮም።  እቲ ሰራዊትከ “ሎምስ በዚሑ ናብ ቀልበይን ህዝበይን ክምለስ” ዶ  ይብል ይኸውን?  እዚ  ባዕሉ ግቡእ መልሲ ክህበሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ እቲ ዝበረኸ መልእኽቱ ምርግጋጽ ዲሞክራሲን ምምላስ ሓርነቱን እዩ። እዚ ቃልሲ ክንድ’ቲ ወሳንን መሰረታውን ምዃኑ፡ ኣብ ቅድሚኡ በብዓይነቶም ብደሆታት ጸኒሐሞን ኣለዉዎን። እቲ ቀንዲ ብደሆ ንጭቆና ህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ኣብ ውሽጦም ክካይድዎ ዝግበኦ ብደሆታት ከም ዘለዉዎም እውን ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ንምዕዋት ከምቲ “ሕሉፍካ ኣይትረስዕ፡ መጻኢኻ ከይጠፍኣካ” ዝበሃል፡ ጸረ ዲሞክራሲ ባህርያት ህግደፍ ክብዳህ እንከሎ፡ ጉዳይ ሃገርን ልኡላውነትን ንምዕዋት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝተጠርየ ልምድን ተመኩሮን ንህልዊ ኩነታት ብዝምጥን ኣብ ልዕሊኡ እትምለኣሉን እተሕድሶን እምበር፡  ጠንጢንካዮ እትሓልፍ ዓቕሚ ከምዘይኮነ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።

“ኣብ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ዘይራኣኻስ፡ ኣብ ዓይኒ ካልኦት” ዝብል ኣበሃህላ ትሕዝቶኡ ረዚን እዩ። ካብቲ መልእኽቱ፡ ሓደ ዕማም ወጢንካ ከተዕውት ክትነቅል እንከለኻ፡  ካብ  ገዛእ ርእስኻ ምጅማር ዘይስገር ወሳኒ ምዃኑ ንምግንዛብ ዝጥቀስ እዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲያውን ሓርነታውን መሰሉ ከይለብስ፡ ዓጊትዎ ዘሎ ቀንዲ ናይ ህግደፍ  ጸሊም መጋረጃ ጭቆና እዩ። መፍትሒኡ ድማ ነዚ ጸሊም መጋረጃ ቀንጢጥካ ብርሃን ክትርኢ ምብቃዕ እዩ። ነዚ ንከተረጋግጽ ህግደፍ ምውጋድ ድማ  ዘይስገር መሰረታዊ ዕላማን ብደሆን ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምዃን ንክበቅዕ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክብደሆም ዝግበኦ ሕጽረታት ከም ዘለዉዎ ኣሚኑ፡ ንቃልሲ ክተግህ ኣገዳሲ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ  ህግደፍ ዘወግድ መተካእታ ዘየብሉ ወሳኒ ዓቕሙ ኣብ ግብሪ ንከውዕል፡ እቲ ጉጅለ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ናይ ሓባር ጸላኢኡ ምዃኑ ምርዳእ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ካብ ዘለዉ ብደሆታ ሓደ  እዩ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ሃይማኖት፡ ከበሳን መታሕትን፡ ኣውራጃን ካልእ ዘረሓሕቕ ጸቢብ  ስምዒታትን ኣወጊዱ ንፋስ ህግደፍ ዘየነቓንቖ ናይ ቃልሲ  ሓድነቱ ኣብ ምድልዳል ንዝዕንቅፉ ብደሆታት ክስዕር ክበቅዕ ይግበኦ። ነዚ ንምዕዋት ዓቕምኻ ክትውድብን ሓሳብካ ብናጽነት ክትገልጽን እትኽእለሉ ኩነታት ምጥጣሕ ወሳኒ እዩ። ህግደፍ ሓልዩ ዘይኮነ፡ ብናይ ህዝቢ ምትፍናን፡ ዕድመኡ ዘናውሕ ተንኮላት ስለ ዝፍሕስ፡ “ንገሌኻ ኣጆኻ ንገሌኻ ድማ ወይለኻ”  ዝብል ክፋፋሊ ውዲቱ ተቐባልነት ንከይረክብ ግድን ብህዝቢ ክብዳህ ኣለዎ። እዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብህዝቢ ክዕመም ዝግበኦ ብደሆታት ከየዕወትካን ናትካ ሕጽረት ሓቢእካን ኣጻብዕትኻ ናብ ካልእ ኣካል ብምቕሳር ጥራይ፡ ናብቲ እትጽበዮ ዓወት ክትበጽሕ ምጽባይ ውጽኢታዊ ኣይኮነን።

እዚ ቅድም ውሽጥኻ ናይ ዘይምርኣይ ብደሆ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። በቲ ተወዲቡ ዝቃለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ወገናት ኤርትራ እውን ግቡእ ክብደትን ኣቓልቦን ክወሃቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ።“ህግደፍ ካብ ብብርታዐኡ ዝያዳ፡ ብድኽመት ተቓወምቱን ስቕታ ህዝብን እናተዓንገለ እዩ ዝነብር” ዝብል፡ ኣገላልጻ ብዙሓት ዝረዳድእሉ ሓቂ እዩ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጦም  ክብድህዎ ዝግበኦም ዘይምብዳህ፡ ዝዘንግዕዎ ጉዳይ ከም ዘለዎም ዘመልክት እዩ።  ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ዛዕባታትን ኣገባብ ኣፈጻጽማን ስለ ዝተፈላለኻ ውድባት ናይ ምርባሕ ፖለቲካዊ ባህሊ፡ ነቲ ጨቋኒ ጉጅለ ንምስዓር ዘለዎ ዓንቃፊ ብጽሒት ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝጸንሐን ዘሎን ሕጽረት እዩ።

 ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ክብደትን ትሕዝቶን፡ ኣብ ብዝሒ ውዳበታት ምትኳር እውን ከምኡ ክምከት ይግበኦ። ብቐንዱ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝዓበየን ቅድሚት ዝስራዕን ምዃኑ ኣሚኑ ዘተግብር ልቦናን ግንዛበን ዘንጊዕካ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ንናይ ሓባር ረብሓ ተኸኣኢልካ ኣብ ትሕቲ “ሰፊሕ ናይ ሓባር  ጽላል” ክትቃለስ ዘይምትባዕ መርኣያ ዕንቅፋታት ክትብድህ ዘይምኽኣል እዩ። እዚ ብሓባር ምቅላስ፡ ናይ ዓወት መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት፡ ስለ ዝኾነ፡ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካዮ ዝሕለፍ ዘይኮነ ንምዕዋቱ ቃልሲ ዝሓትት ኣጀንዳ ኮይኑ ዝቕጽል እዩ።

ነዚ ኣብዚ ዘለናሉ ምዕራፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ምዕራፋት ቃልስና  ዘይምትእስሳር፡ ኣብ ክንድኡ “ነቲ ናይ ቀደም ረስዕዎ” ኢልካ ክትጓስዮ ምፍታን፡ ካልእ ኣብ ዘይናበብ ጉዕዞ ንከይትወድቕ ክብዳህ ዝግበኦ እዩ። ኣብዚ ግደ መንእሰይ ኤርትራን ውዳበታቱን ኣዝዩ ዕዝዙ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን።  ናይ ዝሓለፈ ምዕራፍ ቃልስና ቀዳምነት ምውሓስ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይኑ፡ ነዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ናይ ዲሞክራሲን ሓርነትን ቃልስና እውን ኣብ ግምት ዘእቱ ከም ዝነበረ፡ “ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር እንታይ ጥቕሙ፡ ተረዲእኩምዶ ተላይ ትርጉሙ”  ዝብል ዝነበረ መዝሙርን፡ ዝካየዱ ዝነበሩ ህዝባዊ ስርዒታትን ናይ ቅድመ-ምድላው  ኣመልከቲ እዮም።

ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ ባህሪኡ ዘርእን ንድሕሪት ዘይምለሰሉን ብምዃኑ፡ ንትጽቢት ህዝብና ዝምጥን ብኣኡ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘይህሉ ርዱእ ክኸውን ይግበኦ።  

ስለዚ እቲ ንህግደፍን ጨቋኒ ኣተሓሳስብኡን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ብደሆ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ሓባር ቀጻሊ ኣጀንዳና ምዃኑ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቦትኡ ዘሎ እዩ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ውዳበታቱን ብምንባብ  ብሓባር ክስዕርዎ ዝግበኦም ብድሆ ምዃኑ ኣሚንካ፡ ክሕሰበሉን ክስረሓሉን ከም ዝግባእን ብኣኡ መሰረት ምንቅስቓስን መተካእታ ከም ዘየብሉ  ብምግንዛብ ሎሚ ዝዕመም እምበር፡  ይጽነሓለይ ዘይበሃል ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ  እንታይ ይጽበ ነይሩ?”  ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ     ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ።  ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ”  ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ  ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።

ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡  ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ  ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን  ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ  ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ  ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።   

ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ  ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ።  እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና”  እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ”  ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።

ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር  ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ።  ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት  ሎሚ ኣሰረን  ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ።  እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ”  እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ  ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ  መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡  ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።