ሓቢርካ ምቅላስ፡ ሰለምንታይ ኣድላይ ይኸውን?

2024-10-31 12:18:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 27 times

ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብቋንቋ ዳኣ ይፈላለ’በር ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ ዓለም  ልሙድ እዩ። ትርጎሙ ከኣ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ዝርከብ ብርኩት እቶትን  ሓቢርካ ኣብ ምቅላስ ዝሕፈስ ኣድማዒ ዓወትን  ምምልካት እዩ።

ኤርትራውያን ናይ ሓባር ጸገም ሓቢርካ ብምቅላስ ጥራይ ከም ዝፍታሕ፡ ካብ ቀደም ዝርድእዎ ኣምር እምበር ከም ሓድሽ ዝንገሮም ኣይኮነን። ሓቢርካ ዘስርሕን ዘቃልስን ዘተኣማምን ባይታ ምጥጣሕ ቀሊል ከም ዘይኮነ እውን ካብ ተመኩሮኦም ዝግንዘብዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ብደሆ ከከም ግዜኡን መድረኹን  ባህሪ ናይቲ ትቃለሶ ጸላእን ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ካብ 40ትታ ጀሚሩ ከሳቕዮም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ቅድሚ ብረታዊ ቃልስና ኣብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ  ሓቢርካ ንምስላፍ ወሳኒ ኣጀንዳ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና እውን ኣጀንዳ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ክኽፈል ዝነበሮ ኣብ ሕድሕድና  ዘኽፈለና ሃገራዊ ዋጋ ክድገም ዘይግበኦ ኣሉታዊ ስንብራት ኣካል ታሪኽና ኮይኑ ተመዝጊቡ። 

ጸላእትና እውን ስልትታቶም ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ካብ ቀደሙ ሓቢርና ምስላፍና ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ፡ ንምዝራግና ዘይተኹተኹዎ ከፋፋሊ፡ ስምዒትን ዘይኳሕኩሕዎ ማዕጾን ኣይነበረን። ሎሚ እውን ህግደፍ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ንምዝራግ፡ ጸጋ ሃገር ሰሊዑን ጐሓላሉ ኣዋፊሩን፡ ተንኮላት ኣብ ምእላምን ዕንቅፋታት ኣብ ምፍጣርን ተጸሚዱ ኣሎ። እንተኾነ ናትና ሕመቕ እንተዘይሓጊዝዎ ኩሉቲ ዝእለም ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተመኮርናዮ ስለ ዝኾነ ኣይክዕወትን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መድረኻት ብሰንኪ ውዲት ጸላእቱ ሓድነቱ ተዘሪጉ ክንድቲ ዝሓስብዎ መፍቶኦም ኣይኮነን እንተኾነ ምሉእ ብምሉእ ንምፍልላይን ምርሕሓቕን በዲሁ፡ ጸረ ሓድነቱ ሓይልታት ተስፋ ቆሪጾም ኢደ-እግሮም ኣብ ዝእክብሉ ደረጃ ስለ ዘየብጽሖም ንሓድነት ዝግበር ቃልሲ ቀጻሊ እዩ።  ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሎሚ እውን “ሓቢርካ ምቅላስ ሰለምናይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ካብ ምቕራብ ዓዲ ዘይውዕል ዘሎ። ነዚ ክንሓትት እንድረኽ እምበኣር፡  ኣንጻር ፈላላይ ተንኮላት ህግደፍ ዝምክት ዘተኣማምን ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከነውሕስ እነካይዶ ቃልሲ ጀሚርናዮ’በር ኣብቲ ዝድለ ዘተኣማምን ብራኸኡ ስለ ዘየብጻሕናዮ ኢና።

ህግደፍ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻሩ ዝቃለሱ ተቓወምቱ ሓይልታት፡ ናይቶም “ደገፍተይ እዮም” ዝብሎም ወገናት ሓድነት እውን ኣየቕስኖን እዩ። ዘራጊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝድረት ዘይኮነ ዶብ ሰገር እውን እዩ።  ስለዚ እዩ ድማ ህግደፍ ኣንጻር ኩሎም “ሕብረትናን ሓድነትናን ነሕይል” ዝብሉ ወገናት በታኒ ሴፍ ካብ ምምላሕ ዓዲ ዘይውዕል። ናይቲ ጉጅለ ከምኡ ምዃን ካብቲ ኣመጻጽእኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ጥልመትን ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ናይቶም ብሓባር እንተዘይተቓሊስናዮ ኣደዳኡ ከም እንኸውን እንፈልጥ፡ ካብቲ መጻወድያኡ ዘይምውጻና ግና ዘተዓዛዝብ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ዘቃልሰና ሰፊሕ ናይ ሓባር መድረኽ ከነደልድል ዘይምብቃዕና፡ ዓቕሚ ብምስኣና ዘይኮነ፡ ክንድቲ ንኽእሎ ክንገብር ቅሩባት ዘይምዃና ዘመልክት እዩ። ቅሩባት እንተንኸውን ምስቲ ዝሓለፍናዮ፡ ክመሃረሉ ንዝደሊ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ ናይ ምእካብን ምፍልላይን ተመኩሮና ክእለትን ኣፍልጦን ኣይምወሓደናን።

ዓቕምን ተመኩሮን ብቕሩብነትን ትግሃትን እንተዘይተሰንዩ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። እቲ ዘይቅርቡነት ሓቢርካ ተቃሊስካ ንክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ንክትከፍል ድልዊ ብዘይምዃን እዩ ዝግለጽ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ውዳበ ምዕዛዝ፡ ሓላፍነትን ስልጣንን ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ  ዘይምስራዕ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምኽባር፡ ክትስማዕን ክትሰምዕን ቅሩብ ምዃንን ዝኣመሰሉን ዘጠቓልል ስለ ዝኾነ፡ ናይ ሕልና ድሉውነት እንተዘይኮይኑ፡ ቁጠባውን ካልእ ነገራውን ብደሆታት ዘስዕብ ኣይኮነን።

“ሓቢርካ ምቅላስ ስለምንታይ ኣድላይ ይኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ቀሊል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ተደጋጊሙ ዝተመለሰ እዩ። ረብሓኡ ተመሳሳሊ ክነሱ፡ በበይኑ ዝስለፍ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ጠርኒፍካ “ጸዊዑ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ዓቕሚ ምፍጣር ዝብል ሓደ ካብቲ መልስታት እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካን ቀዳምነት ሰሪዕካን ምቅላስ ማለት እምበር፡ ምእንቲ ብዙሕነት እናተቓለስካ፡ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ መማረጺ ጸጋ ዘንጸባርቕ ፍልልያት ምውጋድ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን መዓስ ነየናይ ቅድሚት ትሰርዕ ግና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ካልእ መልክዑ ብሓባር ምቅላስ ናይቲ ብምፍልላይናን ምርሕሓቕናን ክውሕጠና ዘንባሁቕ ጐረሮ ጸላኢ ምዕጻው ማለት እውን እዩ።

ንርከበሉ ዘለና ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ተሃዋኢ መድረኽ፡ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ለውጥን ጥራይ እንሻቐለሉ ዘይኮነ፡ ብዛዕባታ ብዓባያ ሃገረ ኤርትራ እውን ዝያዳ እንስከፈሉ  እዩ። ከምቲ “ኩሉ ግዜ ደሓን ሓደ እዋን ግና ዘይደሓን” ዝበሃል፡ ዕንደራን ደገደገ ምምዕዳውን ህግደፍ “ናይ ቀደሙ እዩ” ኢልካ ትሓልፎ ኣይኮነን። ስለዚ “ህግደፍ ብኸመይ ይውደቕ፡  ምምሕዳር ኤርትራ ድሕሪ ውድቀቱኸ ከመይ ይኹን” ኣብ ዝብል ጥራይ ዘይኮነ፡ “ንኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር ከ እንታይኮን የጋጥማ?” ንዝብል ስኽፍታ እውን ቆላሕታ ምሃብ  ኣብ እንግደደሉ ግዜ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ሓቢርካ ብምቅላስ እምበር በበይንኻ ብምውፋር ዝዕመም ከይምዘይኮነ ከቶ ክንዝንግዖ ዘይብልና እዩ።

Last modified on Thursday, 31 October 2024 13:22