መዕቀኒና ኣተሓሳስባ ይኹን
2024-12-10 12:27:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 507 timesዝተወደበ ኣካል ይኹን ባእታ፡ ካብ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ፈሊኻ ምርኣዩን ምምዛኑን የጸግም’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኽተል ጉጅለ ይኹን ውልቀሰብ ብፍላይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጻ ሃዋህው ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ተኸኣኢልካ ምንባር ኣጸጋሚ እዩ። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ምርሕሓቕ ከኣ ኣካልነት ወይ ሰብነት ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ዝፈጥሮ ፍልልይ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ንክንቃለስ ዝድርኾ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይቶም ኣብኡ ተጸፍዮም ዘለዉ ከም ሰባት ዘይኮነ፡ እቲ ዝኽተልዎ ተጻባኢ ኣተሓሳስባ እዩ። ግና ድማ እቲ ኣተሓሳስባ ብዘይቲ ዘንቀሳቕሶ ኣካል ድዩ ጉጅለ ግብራዊ ህልውና ስለ ዘየብሉ፡ ምስቲ ዘተግብሮ ኣካል ኣብ ምርሕሓቕን ምስሕሓብን ክእቶ ግድን እዩ። ብፍላይ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብናጻነት ምንጽብራቕ ዘኽእል ሕጋውን ዲሞክራስያውን ባይታ ኣብ ዘየብሉ፡ እቲ ፍልልይ ከምዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ኪኖ ብኣተሓሳስባ ምርሕሓቕ፡ ኣብ መንጎቶም ብሓሳብ ዝፈላለዩ ጽልእን ምጥፋእን ከም ከጋጥም ኤርትራውያን ንነብሮ ዘለና እዩ።
ሓደ ኣካል ምስ ግዜን ምዕብልናን ኣተሓሳስባኡ ክቕይር ይኽእል’ዩ ኢልካ’ ምግማት ይከኣል’ዩ። ካብዚ ነቒሉ ምስቶም ኣንጻሩ ዝጸንሑ ናይ ምስላፍ ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ ዘገርም ኣይኮነን። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣካል ግና ካብቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡ ንድሕሪት ክምለስ ኣብ ዘይክእለሉ ዝጠሓለ ስለ ዝኾነ፡ ካብ መዓሙቕ ድርቅና ወጺኡ፡ ወገን ህዝቢ ኮይኑ ክስለፍ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ንሓደ ኣካል ካብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡቡ ወጻኢ፡ ምኽኑይ ብዘይኮነ መዕቀኒ ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣዩ ቅኑዕ ኣይኮነን። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ግምት ከይሃካ፡ ብዓዲ፡ ጾታ፡ እምነትን ካልእን ምስ ዝፍለየካ ምጽላእ’ውን ከምኡ ናብ ግጉይ ናይ ቃልሲ መንገዲ ዝመርሕ እዩ። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ መሰላት ህዝቢ ዝዕምጽጽ፡ ነብሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ምቕታልን ምስዋርን ዝመርጽ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ውግእ ዝወልፍ፡ ኮታ ህዝቢ ኣብ ሃገሩን ጸጋታታን ወሳኒ ከይከውን ዝኸልእ ጨካን ምዃኑ፡ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ዲክታተር እንተዘይከውን፡ ከም ሰብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዝኾነ ጥራይ ኣይመተጸልአን። ስለዚ ናብዚ ዘለዎ ዝተጸልኣ ደረጃ ዘውደቖ ኣተሓሳስባኡ እዩ። ህዝብናን ውድባቱን ኣንጻር’ቲ ጉጅለ ዲክታተር ዝቃለሱ ዘለዉ’ውን ንኢሳያስ ከም ሰብ ስለ ዝጸላእዎ ዘይኮኑ፡ ብሰንክቲ ዝዓበየሉን ክሳብ ሕጂ ዘይገደፎን ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲን ዕቤትን ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን እዮም።
ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዝዕወት፡ እዞም ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ መራሕቲ ከም ሰባትን ተኣኪበምሉ ዘለዉ ጉጅለን ክውገዱ እንከለዉ ጥራይ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሰብ እንተኸደ ሰብ ከም ዝመጽእ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ። ዝኸደ ምስ ከደ እቲ ዝትክእ ሓድሽ ኣካል፡ ነቲ ዝነበረ መርዛም ዘወግድ ኣተሓሳስባ ሰኒቑ፡ ሓቀኛ ወገን ህዝቢ ምስ ዝኸውን ቅቡልን ውጽኢታውን ይኸውን። እቲ ብህዝቢ ዝተፈንፈነን ዝኣረገን ኣተሓሳስባ ብሓድሽ ሰብ ይኹን ጉጅለ ተመላኺዑ ምምጻእ ግና ተቐባልነት ኣይረክብን።
ቅድሚ 6ተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን፡ “ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ” ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ተነዚሑ ነይሩ። ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ዝመሃዞ ስለ ዝነበረ፡ ኣጽቂጡ ይከታተሎ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ምናልባት ተቐባልነት ኢሳያስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝነበረ ንምርዳእ ዝተማህዘ እዩ ነይሩ ዝብልዎ ነይሮም። እቲ ኩነታት ኣፍካ መሊእካ “ክትኣምኖ ወይ ክትክሕዶ” ኣጸጋሚ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ እንተ ተመርኲሱ “ሕራይ ኢሳያስስ ከይዱ ንበል ኣተሓሳስባኡኸ?” ብዝብል ርእሰ ዓንቀጽ ጽሒፉ፡ እቲ መፍትሒ ናይ ሰባት ምኻድን ምምጻእን ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእን ዘይምምጻእን ምዃኑ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ ይዝከር።
እዚ ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ዝንዛሕ ወረ ኣዘንጊዑ ድሕሪ ዝተወሰነ ወቕቲ ዝመጽእ እዩ። ኣብዚ ዘለናሉ ሰሙናት ድማ “ህግደፍ ድሕሪ 30 ዓመታት ጉባአ ከካይድ እዩ። ኣብዚ ጉባአ ከኣ ኢስያስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ መዚ ናይቲ ግንባርን ሓለፍቲ ዞባታትን ኣሰናቢቱ ብመንእሰያት ክትክኦም እዩ። ንዓኣቶም ዝትክኡ መንእሰያ ድማ ብኣምሳሉ ቀሪጹ ቀሪብዎም ኣሎ”፣ ዝብል ወረ፡ ብኤርትራዊ ይኹን ዘይኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ይገማዳሕ ኣሎ። እዚ ወረ’ዚ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ዕጽዋን ናይቲ ግንባር ዘይግሉጽነትን፡ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ተኣማሚንካ “ክኸውንዩ ወይ ኣይከውንን እዩ” ምባሉ ኣጸጋሚ እዩ። “እንተ ዝኸውንከ?” ኣብ ዝብል “እንተ” ተመርኲስካ ሚዛን ምንባር ግና ይከኣል።
ብመሰረቱ እቶም ተካእቲ “ኢስያስ መልሚሉ ዘቕረቦም መንእሰያት እዮም” ዝብል ወረ ብዙሕ ሕቶታት ዝምልስ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን፡ ነቶም ኣብ ስልጣን እንከለዉ’ውን ዘየስርሖም ክጉሕፎም ምምዳቡ ምስቲ ኣካይድኡ ደንጉዩ’ኳ ዘብል እምበር፡ ሓድሽ ኣይመኾነን። እቶም ዝትክኡ ከኣ ብዕድመ እምበር፡ ብኣተሓሳስባ ኢሳያስ ዝተጠመቑ ካብ ኮኑ፡ ህዝብና ዝተጸበዮም መንእሰያት ኣይክኾኑን እዮም። ምኽንያቱ ኢሳያስ ካብ ብኣምሳሉ ሓሊፉ፡ ብዝሓሸን ጸዋዒት ህዝቢ ብዝሰምዕን ኣተሓሳስባ ዝቐረጾም እዮም ኢልካ ምጽባይ ሕልሚ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ነቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ዘብለጭልጭ ሕብርታት ይቐብኦን ብናይ ዕድመ ንእስነት የጸባብቖን ይኸውን። እዚ ከኣ ንህዝብና ካብ ወጽዓ ዘላቕቖ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ሓድሽ ወጻዒ ዘውድቖ እዩ።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ለውጢ እምበር፡’ ብናይ ሰባት ምቅይያር ኣይምለስን እዩ። ብርግጽ መንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነቱ ክርከብ ኩልና እንብህጎን እንቃለሰሉን እዩ። እቲ ሓላፍነት ክርከብ እንብህጎን እንጽውዖን መንእሰይ ግና ኢስያስ ብኣምሳሉ ዝቐረጾ ዘይኮነ፡ ወጽዓ ህዝቡ ተረዲኡ ቃልሲ ሓርነት ናይ ምዕዋት ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝስከም እዩ።
መንእሰይ ሓላፍነት ንክርከብ ዝጽዋዕ፡ ብዕድመ ንኡስ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዕድሚኡን ዘመናውነቱን ዝምጥን፡ ነዚ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ዘሎ ጉጅለ “ወጊድ” ኢሉ፡ ኣብ ጐኒ ህዝቡ ክስለፍ ትጽቢት ስለ ዝግበረሉ እዩ። ብዕድሚኡ ዝነኣሰ ብኢሳያስ ተመልሚሉ፡ ንዲክታተርያዊ ኣተሓሳስባ ብዓቕሚ ንእስነቱ ከተግብር ዝንቀሳቐስ ግና፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ብንእሱ ዝኣረገ ምዃኑ ክግንዘብ ይግበኦ። እቲ ሓቀኛ መንእሰይ፡ ብንኡስ ዕድመኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ የማነ-ጸጋም ኣመዛዚኑ ናብ ለውጢ ዘማዕዱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ምዃኑ ኣይዘንግዕ። ስለዚ ንሓደ ኣካል ክንድግፍ ኮነ ክንቃወም፡ ክንጸልእ ኮነ ክንፈቱ፡ መዕቀኒና ናይ ሰባት ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ኣውራጃን ካልእ ናይ መንነት መግለጽን ዘይኮነ፡ ኣተሓሳስባ ክኸውን ይግበኦ።