ኣየናይ ክከሓድ፡ ኣየናይ ክእመን፡
2024-12-03 10:13:35 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 540 timesህዝቢ ኤርትራ ተግባራት ህግደፍ ተረዲኡ፡ እምነቱ ካብቲ ጉጅለ ክስሕብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ካብ ህግደፍ ተስፋ ናይ ምቑራጹ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ትካል ኮነ ከም መራሒኡ ንዝኣተውዎ ቃል ዘየኽብሩ ምዃኖም እቲ ቀንዲ እዩ። ኣብ ዝኣተኻዮ ቃል ዘይምጽናዕ፡ ናይቲ ጉጅለ ባህሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብብዙሕ መልከዓትን ኣገባባትን ዝግለጽ’ውን እዩ።
ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ከም ዝትከል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ መሰላቱ ተኸቢርሉ ናይ ጸጋታቱ ማዕረ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን ዝምስረት ዝምድና፡ ኣብ ናይ ሓባር ተጠቃምነት፡ ምክብባርን ምትሕብባርን ዝተሰረተ ከም ዝኸውን ክግበር፡ ኮታ ክሳብ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና” ዝብል ትስፉው ዝመስል፡ ግና ዘይትግበር ቃል ዝኣቱ ዝነበረ ጉጅለ እዩ።
እቲ ዘይትግበር መብጸዓታት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ክሰርሖን ክፍንጠሖን ዝጸንሐ ዘይርጡብ ርክባት ናይ ዘይተኣማንነቱ ኣብነት እዩ። ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ጅቡትን ተመኩሮ ዝምድናኡ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ምስ ክልል ትግራይ ክኸዶ ዝጸንሐን ዘሎን ከኣ ዝያዳ ኣስተብህሎ ዘድልዮን “ኣየናይ ክከሓድ ኣየናይከ ክእመን” ዘብልን እዩ። ምልስ ኢልካ ሓጺር ዳህሳስ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ተበላጺ ፍቕሪ መስሪቶም፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ጸረ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጸምዎ በደል፡ ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ ክዝከር ዝነብር እዩ።
ክልቲኦም ውድባት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝተወሰነ ዓመታት ጸጥታውን ወተሃደራውን ስምምዓት’ኳ እንተነበሮም፡ ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ክተፋነኑን ክካሰሱን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣዝዩ መሪርን ዓለም ዘሰንበደን ኣጽናቲ ውግእ ኣትዮም፡ እዚ ዘይባሃል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ኣውሪዶም። እቲ ዘሕዝን ከኣ ደሓር’ውን ነዚ ኣሉታዊ ተመኩሮን ክሳራን ኣብ ክንዲ ዝመሃርሉ ብኻልእ መልክዕ ምቕጻሎም እዩ።
ኣብ 2018 ኣብ መንጎ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብሓፈሻ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ’ኳ ብሩህ እንተነ በረ፡ ብፍላይ ኣንጻር’ቲ ኣብ ትግራይ ገዛኢ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ዘቕነዐ ምንባሩ ግና ምልክታት ነይሮም እዮም። ኢሳያስ እቲ “ወያነ ደጊም ጸወታ ተወዲኡ (WEYANE GAME OVER)” ዝበሎ ጭረሖ ኣቃሊሑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣምረሐ፡ ፈታዊ ብልጽግናን ጸላኢን ህወሓትን ኮይኑ ክስለፍ ከም ዝወሰነ ርኡይ ነይሩ። በቲ ኣብ ኣደባባይ ዘስመዖ ቃል ከም ዝጸንዕን ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ቃል ንሓዋሩ ከም ዘይዕጸፍን ገይሮም ዝተረድእዎ ውሑዳት ኣይነበሩን። ነቲ ናይ ቅድሚኡ “ኣሚንካ ናይ ምኽሓድ” ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ዘይዘንግዑ ወገናት ግና፡ “ኢሳያሲ ካብ መዓስ እዩ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ዝፈልጥ?” ዝብል ምልክታኦም ዘንጸባረቑን ኣንጻር’ቲ ሐደገኛ ኣካይድኡ ብሰልፍታት ብሰልፊ ከይተረፈ ተቓውመኦም ዝገለጹን ወገናት’ውን ነይሮም።
ነዚ ሓጺር ዝዕድሚኡ መብጸዓ ኢሳያስ ንምርጓድን ምምዕራግን ዝተዛረቡ ናይ ቀረባ ልኡኻቱ’ውን ነይሮም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብታ ናይ መጀመርያ መገሻኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከም ናይ ምሳኻ ኢና ዘለና መልእኽቱ መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ምቕሉል መራሒ ረኺባና’ለና” ዝበለሉ ኣጋጣሚ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘስደመመ ኣዛራቢ ተረኽቦ ነይሩ። ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ “ኣነ ኢትዮጵያ ከይተበታተን ከይትገማማዕን ውያነ ናብ ስልጣን ከይትምለስን እየ ዝድግፍ” ዝበለሉ ኣጋጣሚ ከኣ ካልእ መስደመም ነይሩ።
ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ኩሉ’ቲ ንኢትዮጵያ ከም ሃገርን ንመራሒኣን ብህግደፍ ክወሃብ ዝጸንሐ ክብርን ናእዳን ክጥለም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ንትግራይ ዘጸልም ዝነበረ ቃላት ይዕረ ከም ዘሎ ዘመላኽት፡ “ኣየናይ ክካሓድ፡ ኣየናይ ክእመን፡ መልክዕ ሰብ ለቢሶም ዕንቅርቢት ተመን” ዝብል ዜማ ወዲ ገብሩ፡ ዘዘኻኽር ሃቐነታት ንዕዘብ ኣለና። እቲ ህግደፍ ሓሳቡ ከንጸባርቓሉ ብዘዋፍረን መድያታት፡ “ምስ ህዝቢ ትግራይ ጸገም የብልናን፡ ውግእ ምስ ትግራይ ንረብሓና ኣይኮነን…… ወዘተ” ዝበሃል ዘሎ ተዓዚቦም፡ “እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። “እቲ ቅድሚ ሕጂ ንህዝቢ ትግራይ ተዘራርዮም ድከቱ ዘስትይዎ ደኣ እንታይ ጽልኢ ስለዝነበሮም እዮም?” ንዝብል ሕቶ መልሶም እንታይ ከም ዝኸውን እንድዒ።
ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ኣቶ ሰለሙን ድራር ኣዋፊሮም፡ “ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ ጐኒ ትግራይ ኢና፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝገሃስ እንተኮይኑ፡ ከምቲ መጀመርያ ወያነ ብረታዊ ቃልሲ ክትጅምር እንከላ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ድሓር እውን ህዝባዊ ግንባር ምስ ኮነ መሊሱ፡ ዝገበሮ ኣበርክቶ እቲ ኣጠማምታ ከምኡ እዩ ክኸውን ዝግበኦ፡ ከምኡ እዩ ከኣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ። ሕጂ እውን ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ቆልዓ ናብ ካልእ ጌጋ ከይወስዳ ክትጥንቀቕ ይግባእ፡” ይብል። እቲ ኣብ “ኣራት ኪሎ” ዘሎ ቆልዓ” ዝበሃል ዘሎ፡ ትማሊ ብኢሳያስ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ” ዝተባህለ፡ ታሕጓሱ ንምግላጽ ድማ፡ “ሓደ ሓደ ግዜ ብስም ኤርትራ እንተተዛረብኩ ኣይትሰንብዱ፡ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ እዩ” እናበለ ዘኽመስምስ ዝነበረ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምዃኑ እዩ።
ብወገን ትግራይ’ውን፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ጀሚርካ፡ ክሳብ ደገፍቶም ወነንቲ ማሕበራዊ መድያታት ምስ ህግደፍ ይራኸቡ ከም ዘለዉ ብምእማን፡ ናብቲ ትማሊ ኣብ ግዜ ውግእ ዘርዚርካ ብዘይውዳእን ክሳብ ብናይ “ጽንተት/GONECIDE/ ገበናት ዝኸስዎ ዝነበሩ ጉጅለ ህግደፍ ዘመዓድዉ ዘለዉ ይመስሉ። ዋላ’ኳ ከምቲ “ክበልዕዎ ንዝደለዩ ኣባጉንባሕሲ ዛግራ ይብልዎ” ከም ዝበሃል፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ምፍጣር ጸገም የብሉን” ብዝብል ከጎልብብዎ እንተፈተኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይጽቡቕ ድሌትን ፈቓድን ህግደፍ ምስኣቶም ክዛመድ ከምዘይክእል ዝስሕትዎ ኣይኮኑን። ክሳብ እቲ “ህግደፍ ዝወገኣና ብኣብይ ኣሕመድ ተዓዲሙ እዩ፡ ስለዚ እቲ ገበነኛ እቲ ዓዳማይ እምበር፡ እቲ ተዓዳማይ ኣይኮነን” ምባል በጺሖም፡ ንህግደፍ ካብ ገበን ከንጽህዎ ዝደናደኑ ከም ዘለዉ’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይዚ ምግልባጥ ትርጉም፡ ነቲ ህግደፍን ብልጽግናን ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ዘካየድዎ ውግእ፡ ናብ ህግደፍን ህወሓትን ሓቢርካ፡ ኣንጻር ብልጽግና ምስላፍ ምቕያሩ እዩ። ስለዚ እቲ ብናይ ክሳብ ሕጂ ዘይቅዱስ ዝምድናን ቃልን ህግደፍ ዘይረብሓ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዝእለም ዘሎ ሓድሽ ውዲት’ውን ንረብሓኡ ከምዘይከውን ተረዲኡ ክበራበር ንጽውዕ።