ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ
2025-09-18 19:26:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 112 timesቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣንበሳድር ማሳድ ፓውሎስ
ኣብ ውጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ላዕለዋይ ኣማካሪ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ፓውሎስ ብ17 መስከረም 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ርክቦም ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ንምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእ ብትሪ ንከተዕዝዝ ምኽሩ ምልጋሱ ተሓቢሩ። እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣተሓሒዙ፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ምርግጋጽ ቀንዲ ምርጫ ፕረሲደንት ትራምፕ ምዃኑ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝገለጸሉ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ጠቒሳ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂርጂያ መሎኒ፡ ሓዱሽ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጋንግ ኮንግን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብሪጣንያን እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ዝህድድን ውግእ ዝዕድምን ዘይልዙብ መልእኽቱ ንከቋርጽ ዝጽውዕ መልእኽቲ ምትሕልላፎም ተሓቢሩ። ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ምስቲ ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ምርኻቡ’ኳ እንተተኣመነ ብዛዕባ’ቲ ዝተመያየጥሉ ኣጀንዳ ግና ኣይጠቐሰን።
ብዘይካዚ እቲ ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ፡ ምስ ማሕሙድ ዩሱፍ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ፡ እቲ ሕብረት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኽሰት ምስሕሓብ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዋሙ ኣብ ዓንቀጽ 3፡ “ምክልኻል ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ድሕነት ህዝብን ናይ ኣባል ሃገራት” ብዝብል ሰፊሩ መትከሉ የየካይዶ ንዘሎ ጻዕሪ ንኢዱ፡ ብዛዕባ ሰብኣዊ ረዲአትን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያትን ከም ዝተዛረቡን ካብ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እዞም ዲፕሎማት ሻቕሎቶም ዝገልጹ ዘለዉ፡ ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ናብ ውግእ ንምእታው ዝዕድም ዘይሓላፍነታዊ መደረታት የጽዕቑ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ እዩ።